fredag 15. september 2017

ሄዋንሰ ኣዳም ይኢቲ።ወኣዳምሰ እማ ወኣቡሀ ለሄዋን።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላኽ።
ሄዋንሰ ኣዳም ይኢቲ።ወኣዳምሰ እማ ወኣቡሀ ለሄዋን።
ሄዋን ኣዳም ኢያ።ኣዳም ድማ ኣቧኣን ኣዲኣን ንሄዋን ኢዩ።
ንዘርዝሮ፡ነብርሃዮ።
ሄዋን ኣብ ልዕሊ ኣካላ ኣነ ኢየ ጥንታዊት ኢላ እትምከሓሉ ነገር የብላን።ምኽንያቱ ንሳ ከይነበረት ኣዳም ኢዩ ነይሩ ።ኣዳም ግን ኣነ ኢየ ቀዳማይ ቅድሚ ኩሉ ወዲ ሰብ ኢሉ እንተተማጎተ ዝረትዖ የብሉን።ጅማሬ ናይ ሄዋን ኣዳም ኢዩ፡ጅማሬ ናይ ኣዳም ግን 4ቱ ባህርያተ ስጋን 3ቱ ባህርያተ ነፍስን ኢዩ ፍላሜኡ።እግዚኣብሄር ንሰብ ክፈጥሮ እንከሎ፡ናይ መጀመርያ መዓልቲ ፍጥረቱ ኣብ ዕለተ ሰንበት ፍርቂ ለይቲ፡ነቶም 4 ባህርያተ ስጋ፡መላእክቲ፡ጸልማት፡ብርሃን ዘለዎዎም ፍጥረታት ፈጢሩ።ኣዳም መወዳእታ መዓልቲ ብዕለተ ዓርቢ ይፈጠር እምበር፡ጥንታውነቱ ግን ካብ ሰንበት ኢዩ ዝጅምር።ምኽንያቱ ከምቲ ዝተባህለ ጅማሬኡ ካብ 4ባህርያተ ስጋን፡3 ባህርያተ ነፍስን እንተኢልናዮም ባህርያተ ነፍሲ ባህሪ እግዚኣብሄርን መላእክትን ኢዩ፡ባህሪያተ ስጋ ድማ እቶም ብሰንበት ዝተፈጥሩ ኢዮም።ንኣብነት ኣዳም ካብ ሓመድ ተፈጢሩ እንተኢልና፡ካብቲ ብዕለተ ሰንበት ዝተፈጥረ ሓመድ ተሰሪሑ ማለትና ኢና።ሄዋን ግን ካብ ኣዳም ኢያ ተፈጢራ።ሰራሒኦም እግዚኣብሄር ኢዩ፡ስለዚ ሄዋን ኣብ ኣዳም ተሰዊራ ነይራ ማለት ኢዩ።
ብዙሕ ምስጢራት ክለዓሉ ይከኣሉ ኢዮም።ንኣብነት ድንግል ማርያም ኣብ ሕቖ ቅዱሳን ኣቦው ከም ዕንቂ ባሕሪ ተብርህ ነይራ ንዝብል ትምህርቲ፡ሄዋን ኣብ ኣዳም ተሰዊራ ምምባራ ክምልሰልና ዝኽእል መልሲ ኢዩ።ምስጢራት ከይበዝሑና ግን ናብታ ሕቶ ከነብል።
ሕቶ፡-ስለምንታይ ኢዩ ወዲ ተባዕታይ ንውላዱ ብስም እንዳቡኡ እምበር ብስም እንዳሰበይቱ ክጽወዓሉ ዘይደሊ፧

ጽቡቕ ሕቶ ኢዩ።ተማሳሳሊ ሕቶ መራጎዲ ክውስኸ።ስለምንታይ ኢዩ፡ኣብ ግዜ መውስቦ እንዳ ወዲ ፡"ጛልኩም ሃቡና" ዝብሉ፡ስለምንታይ እንዳ ጛል "ወድኹም ሃቡና" ዘይብሉ፧ስለምንታይ ኢዩ ወዲ ንመውስቦ ንምሕታት ደፋር፡ጛል ግን ሓፋር፧
ኣብዚ ብዙሕ ተማሳሰልቲ ሕቶታት ክበቕሉ ይኽእሉ ኢዮም።ብጅምላ ግን ካብ ብዝሑ ብውሕዱ ምስ ሃይማኖትና ኣተኣሳሲርና ክንምልስ ክንፍትን።
1) ታሪኽ ፍጥረት ደቂ ሰባት ከምዝሕብሮ፡-

ሄዋን ኢያ ካብ መሰንገለ ተፈልያ ወጺኣ፡ስለዚ ኣዳም ነታ ተፍልያ ዝኸደቶ መሰንገለ ንምርካብ ጻዕሪ ንዑኡ ተገበአ።ኢድኩም እንተድኣ ተሃሪምኩም ወይ ክሳብ መቕረጽቲ ዘብጽሕ ሓደጋ እንተኣጋጢም፡ዋና ናይታ ኢድ ኢዩ ሓዛኒ እምበር፡እታ ኢድ ኣይኮነትን፡ኢድውን ቃንዛ ዘይስምዓ ኣይኮነን።ግን ክልቅባ፡ክሕክማ፡ወይ ባምቡላ ክገብረላ ዝፍትን እቲ ዋና ኢድ ኢዩ።ኣዳም ድማ ካብኡ ተፈልያ ንዝነበረት ኣካሉ፡ክትልቀበሉ እንትኽእል ቃንዛ ብዘየብሉ መንፈሳዊ ኦፕሬሽን ዕድል ስለዝረኸበ ኣየነይቲ ትኾውን ኢሉ፡ንዓኣ ንምርካም ኣብ ጻዕሪ ይርከብ።እዚ ድማ ብቅዱስ መውስቦ ኢዩ ዝፍጸም።
2) መጀመርያ በዳሊት ሄዋን ኢያ።

ስለዚ ሄዋን ብሰንኪ በደላ ኩሉ ግዜ እንዳተሰቀቐት ትነብር ነይራ።ኣዳም ድማ ነዛ እትስቀቕ ኣካሉ ኣጆኺ ኢሉ ከጸናንዓ ሓላፍነት ክስከም ተገበአ።ኣካሉ ክትጭነቕ ንሱ ግን ኣበይ ከምዘላ ክሳብ ዘይፈለጠ፡ነዛ እትጭነቕ ኣካሉ ደልዩ ክረኽባ፡ምስ ረኸባ ድማ "ይዝከረኪዶ፡ኣብዚ ኢኺኮ ነይርኪ፡ምስዘን መሰንገለ እዜአ ኢዩኮ ነይሩ ስፍራኺ፡ወዮ ክፉእ ሰይጣን ኢዩ፡ብሰንኪ ተንኮሉ ከምንነዓዓቕ ገይርናምበር፡ኣነ ኣይጸልኣክን ኢየ ኣካለይ ክሳብ ዝኾንኪ ምስዘን መሰንገለይ ክትነብሪ ዘለኒ ሃረርታ መወዳድርቲ ኣልቦ ኢዩ፡"ኢሉ ናይ መጸናንዒ ቃሉ ንኽልግስ ክደልያ ዝግበኦ ንሱ ኢዩ።ዝበደለ ሰብ መጺኡ ይቕረ በለለይ ንምባልን፡እቲ ተበዳሊ" እረ ጸገም የብሉን ዝተቐየምኩ ኣይምሰልካ!" ኢሉ ባብ ክኸፍተሉ እንከሎን ንዘሎ ክውንነት ኣየናይ ሚዛኑ ይጥዕመልካ ባዕልኹም ምዘንዎ።ዮሴፍ ጻድቕ "ኣጆኹም ኣሕዋተይ ንስኹም ዘይኮንኩም ሸጥኩምንስ፡እግዚኣብሄር ኢዩ ንጽቡቕና ገይርዎ" ምስበሎም ዝተሰምዖም ዕረፍቲ ክገልጾ ይጽግመኒ።ስለዚ ነዛ "ንኣካለይበዲለዮ" ኢላ፡ተቐይምላ ከይከውን እትሓፍሮ ዝነበረ ሄዋን "ኣጆኺ ኣምላኽ ካባኺ እትውለድ ዳግማዊት ሄዋን ተጠኒሱ ዳግማይ ኣዳም ኮይኑ ከድሕነና ኢዩ" ኢሉ ከጸናንዓ ነይርዎ።ስለዚ ነታ እንዳተሸቕረረት እትነብር ሄዋን ካብ ወርቂ እትኸብር ኣካሉ ክንዲ ዝወሰደ ግዜ ይውሰድ ብዘየገስ ፍቕሪ ከፊሉ ንኽወስዳ ይጽዕት።
3) ሰብኣይ ብመሎኮት ይምሰል፡ሰበይቲ ድማ ብትስብእት ትምሰል።

ክርስቶስ ክንብል እንከለና መለኮት ጥራይ ኣትኮነን፡ስጋ ጥራይ ድማ ኣይኮነን።መለኮትን ስጋን ብተዋህዶ ኢና ንብል።
NB፡ ስጋ ድዩ ናብ መለኮት ከይዱ ተዋሃሂዱ፡ወይሲ መለኮት ኢዩ ናብ ስጋ መጺኡ ተዋሃሂዱ፧ ስጋ ድዩ ንመለኮት መሪጽዎ ወይሲ መለኮት ኢዩ ንትስብእት መሪጽዎ፧ስጋ ድዩ ንመለኮት ሓርይዎ ኣፍቂርዎ ወይሲ መለኮት ኢዩ ንስጋ መሪጽዎ ሓርይዎ፧
ብሕጽር ዝበለ እግዚኣብሄር ድዩ መሪጽና ወይሲ ንሕና ስለዝመረጽናዮ ኢዩ መጺኡ ንስጋና ተዋሃሂድዎ፧
ነዚ ሕቶዚ እግዚኣብሄር ኣብ ልብኹም ኣትዩ መሊስልኩም ከምዘሎ እምነት ኣሎኒ።
እወ።መለኮት ኢዩ ንስጋና መሪጽዎ።"እግዚኣብሄር ሐረያ ለጽዮን ከመ ትኩኖ ማህደሮ።"እቲ ናይ ክርስቶስ ስጋ ካብ ደቂ ሰባት ዝተወስደ ኢዩ።እምበር ኣብ ሰማያት ተሓቢኡ ዝነበረ ኣይኮነን ፡"ይብል ሃይማኖት ኣበው።መለኮቱ ናትና ባህሪ ኣይኮነን።ስለዚ ንሱ መጺኡ ሓረየናሞ፡ እረ ክሳብ ወዲ ሰብ ተባሂሉ ንምጽዋዕ ዓቕሊ ገበረ።ዳግማይ ኣዳም ተባሂሉ ተሰብከሉ።ብመልኣኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ማእከል ደቂ ሰባት ተሰብከ ተባሂሉ ተኣወጀሉ።ረቂቕ ኣምላኽ ምስ ግዙፍ ስጋ ንምውኃሃድ ካብ ሰማየ ሰማያት መጺኡ ሓረየና።ዘይሓምም ዘይመውት ባህሪ ምስቲ መዋቲ ኣዳም ፍቕሩ ንኽገልጸሉ ኣካሉ ክለብስ ወሰነ።
ስለዚ ሰብኣይ ብመለኮት ይምሰል ካብ በልና፡ናብ ሰበይቲ ከይዱ ገንዘቡ ክገብራ ዝግበኦ ድማ ሰብኣይ ክኸውን ነይርዎ።መለኮት መጺኡ ክሳብ ክንድዚ ፍቕሩ ካብ ገለጸልና፡ሰብኣይ ድማ ንሰበይቲ ደልዩ ብምርካብ ፍቕሩ ክገልጸላ ነይርዎ።ነዚ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ሰባኣይ ንሰበይቱ ከም ኣካሉ የፍቅራ ዝበሎ።ንሳ ግን ክትእዘዞ ኢያ ተኣዚዛ።ክገርመኩም ካብ ክትእዘዝ፡ከተፍቅር ይብርትዕ።እዚኣ ግበርያ ክብላሞ ክትእዘዞን፡ከም ኣካሉ ከፍቅራን ንዘለሎ ሚዛናዊ ሓይሊ ከቢድ ኢዩ።ንሱ ክእዝዛ እንከሎ ልዕሊ ዓቕማ ኣይኮነን ዝእዝዛ ምኽንያቱ መሰንገሊኡ ስለዝኾነ ዓቕማ ክሳብ ክንደይ ኢያ ክትእዘዝ ትኽእል ይፈልጥ ኢዩ።ከፍቅራ ግን ከቢድ ኢዩ።ኣነ ንኣእዳወይ ናብ ድላየይ ክእዘዛኒ የሰናድአን ኢየ።ግን ልዕሊ ዓቕመን ኣይእዝዘንን ኢየ።ንሳተን ግን ዝገበራ እንተገበራ፡ዝኾና እንተኾና፡ማለት ሓሚመን ቆሲለን ኢለ ኣይፍንፍነን፡ሰሪቐን፡በዲለን ኢለ ድማ ኣይቆርጸንን።ኣብኣተን ዘለኒ ፍቕሪ ድኣ እናሻዕ ይዓዝዝ።እግዚኣብሄር መጺኡ ስጋና ለቢሱ ኣማኒኤል ተባሂሉ፡ፍቕሩ ገሊጹልና፡ንሕና ድማ ክንእዘዞ ተኣዚዝና።
ገለ ሒደት፦ ክዕቀቡ ዝግበኦም ሃይማኖት ዝመበቆሎም ክብርታትን ባህልን ሃገርና፡-
ኣብ ባህልና፡ሰብኣይ ኢዩ ጛልኩም ሃቡና ዝብል፡ውላዱ ድማ ብስም ወለዱ "ወዲ እገለ!" ዳኣምበር ብስም እንዳ ሰበይቱ፡" ወዲ እገሊት!" ተባሂሉ ክጽዋዓሉ ኣይፈቱን ኢዩ።ኣብዚ ነዚ ክቡር ባህልና ከድንቖ ይፈቱ።ገለ ገለ ነገራት ናይ ባህልና ምስ ምትእትታው ባዕዳውያን ገዛእቲ ተዘሪጉ ጸረ ሃይማኖት ኮይኑ ተሪፉ ኢዩ።እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ክቡራን ባህልታትና ግን ክዕቀቡ ዝግበኦም ኢዮም።እቲ ሰብኣይ ከም ኣዳም ኮይኑ መሰንገሊኡ ክደሊ ጛልኩም ሃቡና ይብል።ኣብ መርዓን፡ደርዓን በጺሑ ምስ ወለደን ዘመደን ከኣ እቶም ደቁ በታ ጥንታዊ መንነቶም ክጽውዕሉ ይደሊ፡ማለት ኣዳም ተባሂሎም ክጽውዑ ይደሊ።ምኽንያቱ ካብ ኣዳም ኢዮም ጀሚሮም እምበር ሄዋንሲ ድሕሪ ኣዳም ኢያ።ንባዕላ ሄዋን መንነታ ኣዳም ኢያ።ኩላቶም ካብ ሕቖኡ ዝውለዱ ዘበሉ ብስሙ ክጽውዕሉ ይደሊ፡ምኽንያቱ መለኮት ሽሕ እካ ንስጋና መሪጹ ነቲ ድኹም ባህሪና ገንዘቡ እንተገበሩ፡ውሉደ እግዚኣብሄር ተባሂልና ክንጽዋዕ ግን ይደልየና።ንሕና ደቂ ሰባት ደቂ ኣዳም እካ እንተኾንና እንወርሳ መንግስቲ ግን ኣዳም ዝሰርሓ ዘይኮነትስ እግዚኣብሄር ዝሃነጻ መንግስቲ ኢና ንጽበ።ስለዚ እዚ ሕጂ ኣብ ምድሪ ኮይኑ ሰማያዊት ሃገር ንምውራስ ዝጽበ ሰብኣይ ደቁ ነታ መለኮት ዝሃነጻ፡ጽባቐኣ ብኢድ ሰብ ዘይተሃንጸት ቤት ንኽወርስሉ ስለዝደሊ፡ብስሙ ክጽውዕሉ ይብህግ።ሰብኣይ ብመለኮት፡ሰበይቲ ድማ ብትስብእት ስለዝመሰልናዮ።

መደምደምታ፡-
ኣብዚ ኩሉ ዝተባህለ፡ ከዘኻኽሮ ዝደሊ፡ሰብኣይ ኣብ ልዕሊ ሰበይቲ ጸብለልትነት ኣሎዎ፡ወይውን ሰበይቲ ኣብ ትሕቲ ሰብኣት ባርያ ኢያ ንምባል ኣይኮንኩን።ነዚ እግዚኣብሄር ነታ ወዲቓ ዝነበረት ሄዋን፡ወዲቐ ኢላ ንመዋእላ እንዳተሸቕረረት መታን ከይትነብር ድሕሪ 5500 ዘመን ኣብ ማህጸና ክሓደር ፍቓደኛ ኮነ።ኣዳም ድማ ኦሮማይ እግዚኣብሄር ንሄዋን ጥራይ ኢዩ ተዓሪቕዋ ኢሉ ቅሬታ መታን ከይስምዖ፡ፈጣሪ ናብዛ ዓለም ክግለጽ እንከሎ ኣዳማዊ ጾታ ሒዙ ማለት ወዲ ኮይኑ ተገልጸ።ስለዚ ነቲ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዝነበረ ቅርሕንታዊ ምፍልላይ፡ብጽንሰቱን ብልደቱ ኣተኻኸሎ።ሄዋን ንድግል ሒዛ ተሓበነት፡ኣዳም ድማ ንዳግማዊ ኣዳም ሒዙ ኮረዐ።ንኽልቲኣቶም ፍቕሩ ገሊጹ ናብ ንብሮም መለሶም።
ስለዚ ጛል ናብ እንዳወዲ ከይዳ ወድኹም ሃቡና እንተበለት፡ሓጥያት ኢዩ ንምባል ኣይኮንኩን።ግን ባህልና ምስዚ ዝበልክዎ ተኣሳሲሩ ኣብ ሃይማኖትና ዝያዳ ጽንዓት ንኽንገብር ዘበራትዕ መርሐ ግብር ኮይኑልና ኣሎ ንምባል ኢየ።ሎሚ ሎሚ ግን ነዚ ክቡር ባህልና በናይዞም ምዕራባውያን ስነ ሓሳብ እንዳለወጥናዮ ኢና፡ክብሪ ጛልን ክብሪ ወድን ኣብ መውስቦ ተደባሊቑና።ሕሉፍ ሓሊፍና እቶም ደቀ ተባዕትዮ ዘይተፈጥሮና ክንናፍቕ ክንብል፡እተን ደቀንስትዮም ድማ ኣወዳት ዘይመሰልና ብዝል ሕቡእ ፍትወት ካብ ውሽጥና እንዳበቖለ ይመጽእ ኣሎ።እዚ ኣማሲኡ እንታይ ከምዝወልድ ፍሉጥ ስለዝኾነ፡ኢድ እግዚኣብሔር ሓንሳብን ንሓዋሩን ሓቃዊ ፍርዳ ክትህብ ተዘርጊሓ ዕለታ ትጽበ እነሃ።እግዚኣብሄር ዘመንናን መንገድናን ከም ናይ ኣቦታትና ዓቂብናዮ ክንነብር ብጸጋኡ ይደግፈና።
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...