fredag 21. juli 2017

በእንተ ስርዐታ ለቅድስት ቤተ ክርስትያን፣ 1ይ ክፋል


1ቆሮ 1፣40  ግናኸ ኲሉ ብስርዓትን በጋባብን ግበርዎ።

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ፣ኣሜን።
ብዛ ዓለም ዘሎ ስጋዊ ይኹን መንፈሳዊ ኩሉ ብስርዓት ዝወቀበ ኢዩ።  ንፖሎቲካዊ፣ሳይንሳዊ፣ሎጆስቲካዊ፣መንግስታዊ፣ሕክምናዊ፣ሙዚቃዊ፣ባህላዊ፣ሕርሻዊ ወዘተ ንዘሎ ምክዋን ነናቱ ንዑኡ ዝሰማማዕ ንዑኡ ዘካይድ ስርዓት ኣሎዎ።ኣብዛ ዓለም ዘሎ ፍርያት ብፍላይ ካብ ኢድ ሰብ ተሰሪሖም ዝተኻዕበቱ፣ምንጮም ብስርዓት ዝወቀቡ ኢዩ።ንኹሉ ዝግበር ንኽግበር፣ስርዓት የድልዮ።ኩሉ ነናቱ ዝሰማምዖን ዝመጣጥኖን ስርዓት ኣሎዎ።


ቤተ ክርስትያን ረቂቕ ኣገልግሎት ዝከናወነላ፣ረቂቕ ውጺኢት ድማ ዝሕፈሰላ፣ምስ ረቂቕ እግዚኣብሄር ርክብ ዝፍጸመላ፣ካብቲ ሰማያዊ እግዚኣብሄር ድማ ረቂቕን ንሕልና ዝምችእን ንነፍሲ ዘጉስዕን መንፈሳዊ መኣዲ ዝእንገደላ ስፍራ ኢያ።እቶም ንዓኣ ዘፍቅሩ ኩላቶም ምስቲ መርዓዊ ንምርኻብ ስለዝግስግሱ፣ሕልነኦምን ልቦኖኦምን ወትሩ ኣብ ናፍቖተ እግዚኣብሄር ይርከብ። << መዝ 61፣1>> ዕላምኦም ንዑኡ ረኺብካ፣ምስኡ ምምባር ካብቲ ፈጣሪኦም ድማ ሰማያዊ ኣቡኦም፣ናይ ጸጋ ኣቡነተ ፍቕሪ ቀሚሶም ንምሕፋስ ኢዩ።

<< መዝ 92፣1 ይሄይስ ተኣምኖ በእግዚኣብሄር፣ወዘምሮ ለስምከ ልዑል።ወነጊረ በጽባሕ ምሕረትከ።>> ንእግዚኣብሄር ምምስጋን ሰናይ ኢዩ፣ኦ ልዑል እግዚኣብሄር ንኽብርኻ ምዝማር ሰናይ ኢዩ። እንዳበሉ ነቲ ጸዊዖም ዘይጸግብዎ ፈጣሪኦም ካብተን መገብቲ ናይ ምሕረት ኣእዳዉ ምሕረት ክምጠዋ ይሕቆፎኦ።

እምበኣር፣ንኹሉ ስርዓት ከምዘድሊ፣ንቤተክርስትያን ከኣ ስርዓት ኣድለያ፣፣ናይ ቤተ ክርስትያን ስርዓት እግዚኣብሄርን ሰብን ዝራኸብሉ ስርዓት ማለት ኢዩ።ፍጡርን ፈጣርን ፈጣሪ ምሕረቱ ከፍስስ፣ፍጡር ምሕረት ክሓፍስ፣ፈጣሪ ኣቤት ኢሉ ጸሎት ክሰምዕ፣ፍጡር እግዚ ኦ ተሳህለነ፣ኢሉ ጽምጹ ከስምዕ፣ፈጣሪ ኪዳኑ ምስ ፍጡራቱ ውዕል ክፍርም፣ፍጡር ከኣ ነቲ ዝተቐበሎ እሙን ኣምላኻዊ ቃል ኪዳን ኣጽኒዑ ክሕዝ ዝከናወኖ መንፈሳዊ ስራሕ ኢዩ። << ማቴ 7፣7 ዝለመነ ኹሉ ይቕበል እዩ፡ >> ይብል።ስለዚ እሙን ቃል ኪዳን ተዋሂቦም።እቶም ዝተቐበሉ ከይተረፈ፣ነቶም ድኹማት ገና ኣብ ምልማን ንዘይበጽሑ ንምሕጋዝ በቲ ዝተዋህቦም ኣምላኻዊ ቃል ኪዳን ንምርዳእ ዝኣክል ካብ ፈጣሪኦም ኣብዛ ቤተክርስትያን ይነብሩ።


ኣብ ዓለም ዘለዉ ትግባረታት ብስጋዊ ስርዓታት ዝቖሙ ኢዮም።ንኣብነት፣እንስሳታት ነናቶም ስርዓት ኣሎዎም።ገሊኦም ንግሆ ብሕብረት ይወፍሩ፣ገሊኦም ድማ ንግሆ ብሕበረት ናብ መመሕዕረፊኦም ይኣትዉ።ገሊኦም ሃዲኖም ዝምገብሉ ስርዓት ኣሎዎም፣ገሊኦም ድማ ተሃዲኖም ንኸይብልዑ ዝከላኸልሉ ስርዓት ኣሎዎ።ንኣብነት፣ኢራብ ተሃዳኒት ስለዝኾነት ንኸይትህደን እትገብሮ ተሞክራዊ ስርዓት ካብተን ወለዳ ትምሃር፣ዝብኢ ከኣ ሃዳናይ ስለዝኾነ፣ከመይ ገይርካ መጥቃዕቲ ትፍጽም ካብ ብንእሽትኡ እንከሎ ካብቶም ከምኡ ዝኣመሰሉ ኣዛብእ ይመሃር።



ካልኦት ዓይነት ፍጥረታት እንተተመልኪትናውን ኩሉ ነናቱ ስርዓት ኣሎዎ።ጽሓይ እትበርቀሉን፣እትዓርበሉን ክፍለ ግዜ ስሩዕ ኢዩ፣ወርሕንከዋኽብትንውን መዓስ ይበርቁ፣መዓስ ይዓርቡ፣ነናቶም ስርዓት ኣሎዎም።ኣትክልቲ፣ዝዕምብብሉ፣ዝፈርይሉን፣ዘግላዕልዕሉን ስርዓታት ኣሎዎም።እዚ ኩሉ እንክኸውን እቲ ዝሓገገሎምን፣ዝሰርዓሎምን እግዚኣብሄር እካ እንተኾነ፣ዝምዘንን፣ብሕልናኻ ክትበጽሖን እትኽእል ስጋዊ ስርዓት ኢዩ ዘለዎ።ማንም ሰብ ኣትክልቲ መዓስ ይዕምብቡ፣መዓስ ይፈርዩ ዘይፈልጥ ውሑድ ጥራይ ኢዩ።፣እዚ ጥራይ ዘይኮነስ፣ብኸመይ ይዓብዩ፣እንታይ ኢዩ ዝያዳ ከምዝፈርዩ ዘብጽሖም፣እንታይ ይሰማምዖም፣እንታይከ ኣይሰማምዖምን፣ መምዩ ሚንስትሪ ሕርሻ ኣስፊሑ ይፈልጦን፣ይመራመረሉን ኢዩ።

ናይ ቤተ ክርስትያን ስርዓት ግን ሰማያውን መንፈሳውን ስርዓት ኢዩ።ስርዓት ማለት እንታይ ማለት ኢዩ፧

1.ስርዓት፣ሰርዐ፣ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝወጸ ኮይኑ፣-

ስርዓት፣ኣካይዳ፣ምምሕዳራዊ ከይዲ ማለት ኢዩ።<< ብሓጥያትናን፣ሕጊ ብምፍራስናን ካባኻ ረሓቕቅና። ጸሎተ ሰለስቱ ደቂቅ 1፣6 ከምዝብል።>>እቶም ፍጡራት ግዙፋን ኢዮም፣እቲ ፈጣሪ ግን ረቂቕ ኢዩ፣እቶም ሓለውቲ ሕጊ ዝረኣዩ ዝጭበጡ ኢዮም፣እቲ ኣዛዚ ግን ረቂቕ ብግዙፋዊ ዓይኒ ዘይረአ ኢዩ።ነገሩ ግን ንኽልቲኦም ዘራኽቦም ረቂቕ መነጸር እምነት ወይ ሃይማኖት ኢዩ።እግዚኣብሄር ንደቁ ደቀይ ኢሉ ዝቕበሎም፣ብእምነት ክጽውዕዎ እንከለዉ ኢዩ።እቶም ግዙፋነ ፍጥረት ደቂ ኣዳም ድማ ንእግዚኣብሄር እንክጽውዕዎ በዛ ረቃቕ መነጸር ማለት ብእምነት ብሃይማኖት ኢዮም ክጽውዕዎ ዘለዎም።ስለዚ ንኽልቲኦም እተራኸብ ረቃቕ እምነት ካብ ኮነት፣ነቲ ካብ ኢድ ፈጣሪ ዝተኣዘዘ ሕጊ ንምትግባር፣ስርዓት ኣድለየ።

2.ነቲ ዝፍጸም  ትእዛዘ እግዚኣብሄር ውጺኢተ ቅድስና ንምርካብ ዝጠቅም መሳለጢ ናይ  ሕጊ ኢዩ።

<< ከመይ መዝሙር ምስጋና ብጥበብ ኢዩ ክዝመር ዘለዎ።ዘሳልጦ ከኣ እግዚኣብሄር ኢዩ።ሲራክ 15፣10>>መዝሙር ምስጋና ንፈጣሪ ክወሃብ እንተኾይኑ፣ብጥበብ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ።እንታይ ዓይነት ጥበብ፣ኣምላኻዊ ጥበብ።መዝሙር ውዳሴ ንፈጣሪ ኢዩ፣ስለዚ መንፈሳዊ ጥበብ ዝተሓወሶ፣መንፈሳዊ ዜማ ዝተቐናበሮ ክኸውን ኣሎዎ።እዚ ናይ መዝሙር ስርዓት ኢዩ።መዝሙር ብጠበንጃ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ፣መዝሙር ብሴፍ ወይ ብጉራደ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ።ንእግዚኣብሄር ዝኸውን መሳርሒ መዝሙር ዋንኡ ሰሪዕሉ ኢዩ።ገሊኦም ስጋውያን ሓጎሶም ንምኽዕባት፣ጠበንጃ ይትኩሱ ኢዮም፣ገሊኦም ድማ ጛይልኦም ንምብርታዕ ሴፍን ጉራደን ሒዞም ይድብሉ ኢዮም።እግዚኣብሄር ግን ንዑኡ ዝተፈለይሉ መሳርሕን፣ንዑኡ ዝኸውን ውቁብ ኣምላኻዊ ጥበብ ጣዕሚ ግጥምን ይደሊ ኢዩ።<< መዝ 150፣3 ብድምጺ መለኸት ኣመስግንዎ።> በለ እምበር ብድላይኩም ገይርኩም ኣመስግንዎ ኣይበለን።ብጠበንጃ ኣይበለን፣ብቤይዝ ጊታር ኣይበለን።ፈልዩ ንዑኡ ዝኾኑ ናይ ምስጋና ስሩዓት መሳርሒ ደኣ ሰርዐ። ብፍላይ ኣብ ቅድስት ቤተክርስትያን ኦርቶዶስ ተዋህዶ ኤርትራ  ፍልይ ዝበለ ኣምላኻዊ ናይ መዝሙር ስርዓት ኣሎና።ካብ መላእክት ዝተረከብናዮ ሰማያዊ ዜማ።እዚ ዜማዚ መንፈሳውን፣ሰማያውን ስርዓት ኢዩ።ለካ ኣብ መዝሙር፣ኣብ ጸሎት፣ኣብ ምህለላ፣ኣብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት፣ ጥበብ ዝተሓወሶ ክኸውን ኣሎዎ፣ይብል ኣሎም መጽሓፍ።ጥበብሰ እግዚኣብሄር ይኢቲ።ጥበብ ዝተበሃለ እግዚኣብሄር ኢዩ።
3.ስርዓት ማለት፣መንፈሳዊ ቅዋም ማለት ኢዩ።

ናይ ዘመንና ፖሎቲከኛታት ኣብ ሃሃገሮም፣ንምምሕዳር ዝጠቕሞም ነናቶም፣መምስ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝማሕደርሉ ቅዋማዊ ስርዓት ኣሎዎም።እቲ ሕጊ ምስ ተሓገገ፣ምስ ቆወመ፣ንትግባሬኡ ዝምልከት ኣኽባሪ ሕጊ ይከታተሎ።ከቑምዎ እንከለዉ ኣብቲ ኣኼባ ናይ ፓርላማ ኢዩ ዝከናወን።ኣብ ቤተክርስትያን ከኣ መንፈሳዊ ፓርላማ ስለዘሎ፣ነቲ ዝተወጠነ መንፈሳዊ ሕጊ፣ማለት ካብቲ መንፈሳዊ ኣቦና ብባህሪኡ ክንድዚ ተባሂሉ ብሕልናን ኣእምሮን ናይ ኩሎም ፍጥረታት ዘይልካዕ ኣምላኽና ዝተወጠነ ሕጊ ናባና ናብ ደቂ ሰባት ስለዝበጸሐ፣ንዑኡ ንምትግባር፣መንፈሳዊ ፓርላማ ይካየድ።እዚ ክለሳዚ በብደረጅኡ ካብ ቅዱስ ሲነዶስ ጀሚሩ፣ክሳብታ ዝተሓተ ምሕደራታት ቅዱሳን ቤተክርስትያናት ዝጥቀማሉ መንፈሳዊ ስርዓት ይዕየ።ዕላምኡ ነቲ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ዝተዋህበ ኣምላኻዊ ሕጊ ንምትግባር ኢዩ።ሰለዚ ንመንፈስ ቅዱስ ወኪል ማለት ኣቦ ወንበር ገይረን፣ስርዓት የቑማ።መንፈስ ቅዱስ ከኣ ነቲ ዝተወጠነ ቅዋም ፈሪሙ የስምሮ።
<<5.ብናቱ መኣዛነቱ ንሃዋርያት በቲ ሰናይ መኣዘኦም ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ ንዘሎ ምሉእ ዓለም ሰናይ መኣዛ ከምዝህልዎም ገበረ። ቀሌሚንጦስ 10፣5>>

ስለዚ ቅድስት ቤተክርስትያን፣ሰማያዊ መኣዛ ናብ ደቃ መታን ክፈስስ፣ደቃን መርዓዊኣን ዝራኸብሉ ስርዓት ክህሉ ግድነት ኮነ።መኣዛ ካብ እግዚኣብሄር ኢዩ ዝርከብ፣ግን ብዘይ ስርዓት ኣይርከብን።እግዚኣብሄር ደቁ ስርዓት ዘየብሎም ስድታት ክኾንሉ ኣይደልን ኢዩ።ኣሽንካይዶ ሰማያዊ ንጉስሲ፣ምድራዊ ንጉስ እንካን ሃገሩን ህዝቡን ብዘይ ስርዓት ክህልዉ ኣይደልን።ብዘይ ስርዓት ዝነብር ህዝቢ፣መዋረዲ መንግስቱን ህዝቡን ስለዝኸውን፣እታ ሃገር በቶም ውርዙያት ትጽረፍ፣እቶም ህዝቢ ድማ በቶም ውርዙያት ህዝቢ ይንቀፉ።ብሰንኪ እቲ ብዘይስርዓት ዝነብር ህዝቢ ድማ እቲ መንግስቲ ይነዓቕ።ስለዚ ሓደ ምድራዊ ንጉስ ህዝቡ ብዘይስርዓት ክነብሩ ኣይደልን።ምኽንያቱ እቲ ቀንዲ ተነቃፊ ንሱ መታን ከይከውን ኢሉ ኢዩ።እሞኸድኣ፣እግዚኣብሄር ሰማያዊ ንጉስ፣ፈጣሪ፣ነቶም ንሱ ዝምግቦም፣ንሱ ዝሕብሕቦም፣ባዕሉ ዝሰርሖምን ዘናብሮም ኣምላኽ ደቁ ብዘይ ስርዓት ክነብሩ እንከለዉ ክንድምንታይ ቅሬታ ዘይስመዖ!!

ብሰንኪ ብዘይስርዓት ምህላዎም ዝህሉ ጠንቂ፣-

1.ኣምላኻውነቱ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ይነዓቕ።<< ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ መዝ 42፣10>> እንዳበሉ እቶም ጸረ ሃይማኖት ከባጭዉ ይጅምሩ።እግዚኣብሄር መዓስ ኢዩ ክጽረፍ ዝጅምር እንተኢልና፣እቶም ደቂ እግዚኣብሄር ስድታት ምስዝኾኑ ኢዩ።ሓደ ብስድነት ዝዓበየ ቆልዓ፣ስዲ ወዲ ሰበይቲ ተባሂሉ ብመዛኑኡን ብከባቢኡን ይነዓቕ።ኣብዚ ዋላ እቶም ወለዱ ቀጺዖም ብሰንኪ ዘይምዕባዮም ንሱ ብዝገበገሮ ቁጽሪ ስድነት ኣብ ነፍስወከፍ እቶም ወለዲ ይንቀፉ።እግዚኣብሄር ድማ እቶም ንዑኡ ዘምልኽዎ፣ መንፈሳዊ ስድነት ዝዓብለሎም እንተኾይኖም፣እቶም ጛኖት ንፈጣሪኦም ክጸርፍዎ ይጅምሩ።እታ ሓቀኛ መንገድን፣ዋና ናይታ ሓቀኛ መንገድ ክጽረፍ ይጅምር።ክርስቶስ ኢየሱስ ብሰንኪ ተቐበልቲ ቀረጽ፣ዓርኪ ተቐበልቲ ቀረጽ ተባህለ፣ብሰንኪ ዘመውቲ ከም እንበዓል ማርያም መግደላዊት፣ዓርኪ ዘመውቲ ተባሂሉ ተናዕቀ።

2.ህዝቢ ኣምላኽ ቅጽዓትን መግረፍትን ካብ እግዚኣብሄር ይፍነዎም።<<ኢየሩሳሌም ብርቱዕ ሓጢኣት ገበረት፡ ስለዚ ኸም ርኽስቲ ዀነት፡ እቶም ዜኽብርዋ ዝነበሩ ዂሎም ዕርቃና ርእዮም ነዐቕዋ። ንሳውን እህህ እናበለት ንድሕሪት ትምለስ ኣላ። ደጉዓ ኤርምያስ 1፣8>> እግዚኣብሄር ደቁ ስርዓት እንዳፍረሱ ስቕ ኢሉ ኣይርእን ኢዩ።ምኽንያቶም ሓጋጊ ስርዓት፣ንሱ ስለዝኾነ።ከምቲ ሓደ ንጉስ ከምዚ ዝገበረ ከምዚ ክፍደዮ ኢዩ ኢሉ ፍርዱ ዝሕንጥጥ፣እግዚኣብሄር ድማ ሓቀኛ ዳኛ ብምኻኑ፣ነቲ ዘጉደለ ወለዶ፣ቀጺዑ ከምዝምለስ ይገብሮ።እቲ ሻሞጥ ኣምላኽ ፈልዩ ክፈልጥ ዝኽእል ሕልና ኣዳልዩ ንደቂ ሰባት ሂብዎም ኢዩ፣ንዝርደኦ  በትሪ እግዚኣብሄር  ንዝበደለ ከይቀጸዐት ከምዘይትሓድg ሕልንኡ ብመንፈሳዊ ዓውታ ይስምዖ ኢዩ።

3.በረኸት ኣልቦ ኣገልግሎት ስለዝኾነ፣ናብ ትውልዲ ክሓልፍ ዝግበኦ መንፈሳውነት ይልሕልሕ ኣማሲኡ ከኣ በኒኑ ይጠፍእ።<<በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ እዮም። ማቴ 7፣2>> ዝብላ ነፍሳት ኣሎዋ።እዘን ነፍሳት እዚኣተን፣ኣጋንንቲ ምውጻእ ጥራይ ደኣለን ዝፈልጣ እምበር፣ከመይ ገይርካ ከምዝውጻእ ስርዓቱ የብለንን።ጎይታትይ ጎይታት ምባል ጥራይ ኢየን ዝፈልጣምበር፣ጎይተአን እንታይ ዓይነት ጎይትነት ኢዩ ዘለዎ ኣይፈልጠኦን።ክንበያ ይኽእላ ኢየን፣ፍቓድ እግዚኣብሄር ግን የብለንን።ኪዱ ኣይፈልጠኩምንን ኢየ ተባሂለን ድማ ይግሰጻ።ስለዚ እዘን ነፍሳት እዚኣተን መንፈሳውያን ኣይኮናን ጥራይ ዘይኮነንስ፣ካብ ወሎዶታተን እዚ መንፈሳውነትዚ ካብ ዝሃጽጽ ነዊሕ ዝገበረ ይመስል።ኣይፈልጠክንን ኢየ ዝብል ተግሳጽ ተሪር ተግሳጽ ተቐበላ።

3.እቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ሕልነኦም ናብ ኣምልኾ ክመጹ እንዳደረኾም፣ብሰንኪ ስርዓት ዘይምህላው ካብቲ ዝነበርዎ መሊሶም ክንድቲ ካብ መንፈሳዊ ርሕቀቶም ኣርሒቖም ክፍንተቱ ይግድዶም። ኣብ ቤተ ክርስትያን ክግልገል ኢሉ ዝመጸ መእመን፣ናብቶም ኣገልገልቲ ገጹ ይጥምትሞ፣ኣካይደኦም ብሓጺር እዋን ይመዝኖ።ንኣብነት፣ኣተሓሕዛ ጸግሮም ከምቶም ዓለማውያን እንተኾይኖም፣ቀልጢፉ ነቲ መንፈሳውነት ክንዕቆን፣ዓለማውነቱ ክናፍቕን ይግድዶ።ሓንቲ ኣብ ዓለማውነት ዝነበረት ጎርዞ፣ኣለባብሳኣ ፈጺሙ ዘይመንፈሳዊ ስለዝነበረት፣ቤተክርስትያን ፍሉይ ገይራ ኢያ ትቐርጾ፣እተን መሓዙታ ኣለባብሰአን ከምቲ ንሳ ትለብሶ ዓይነት ኣለባብሳ ኣይኮነትን ትጽበየን።ናብ ቤተክርስትያን መጽኢኣ ካብቲ ንሳ ዝነበረትሉ ስርዓተ ኣለባብሳ ዘይሓይሽ ገይረን እንተጸኒሐንኣ ግን ካብቲ ዝነበረቶ ደልሃመት እንደገና ደልሃመት ክትውስኸሉ ትግደድ።

4.ዓለማውን መንፈሳውን ስርዓት ይተሓዋወሶም እሞ፣ነቲ መንፈሳዊ ምስቲ ኣብ ደገ ዝተማህርዎ ዓለማውነት ክሕውስዎ ድንዕ ድንዕ ከምዝብሉ ይኸውን።ምኽንያቱ መንፈሳዊ ስርዓት ካልእ ኢዩ፣ስጋዊ ስርዓት ከኣ በይኑ ኢዩ።ስርዓተ ቤተክርስትያን ምስዘይህሉ ግን ዓለምና ብስርዓት ዝቖመት ስለዝኾነት፣ነቲ ናይ ዓለም ስርዓት ኣብ ቤተክርስትያን ንኽሰርጽ ግዜ ኣይወስደሉን። ናይ ቆሮንጦስ ቤተክርስትያን ብሞዶሻዊ ቃል ናይ ቅዱስ ጳውሎስ፣ምስተሰረተት መንፈሳዊ ስርዓት ተገይርላ መርዓት እግዚኣብሄር ምስ ኮነት ስርዓታ ክፈርስ ስለዝጀመረ፣እቶም ዓለማውያን ናብታ ቤተክርስትያን ኣቲዮም ስርዓቶም ከስርጹ ጀመሩ።<<እምብኣርከ ንነገር እዛ ዓለም እዚኣ ዚፍረድ እንተ ኣሎኩም፡ ነቶም ንዑቓት ኣብ ማሕበርዶ ፈረዲ ትገብርዎም ኢኹም፧1ቆሮ6፣4>>ቤተክርስትያን ስርዓት እንተዘየብላ፣ዓለማዊ ስርዓት ኢዩ ዝትከኣ። ካልእ ብዙሕ ብዙሕ መንፈሳዊ ጠንቂ ክስዕቡ ይኽእሉ ኢዮም።
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር፣
2ይ ክፋል ይቕጽል።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...