søndag 23. april 2017

ዶግዓ፥ ንመን ክተስምዕ ኢካ ተውጭጭ ዘለኻ፧

ብስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
ኣንቲ ብርዐይ ንስኺ ትሕሺ ደጉዕለይ፡
እዚ ኣርእስቲ ካብ ደጉዓ ዝተወስደ ኮይኑ፡መልቀስ፡ቁዙምታ ማለት ኢዩ።እሞ ኣነስ ኣልቂሰ ምኽኣል ሲኢነዮ፡ልበይ ግዲ ተሪሩ፡ዋላ ክፍትኖ ተደለኹ ኣብዩኒ፡ሓጥያተይ ግዲ በዚሑ፡ንናይ ውሽጠይ ደጉዓ ንኸይወጽእ ብትረት ልበይ ተዓጊቱ።ሓደ ሓደ ግዜ ሰብ ክርኢ እንከለኹ፡መታን ክርኡዩኒ ንኡሽተይ በጨቕ የብል ኢየ፡ግን ኣብዩኒሞ፡ወይለይ፡ወይለይ ወይለኻ ተኽለማርያም።

ቅዱሳን ደጉዓ ክድጉዑ እንከለዉ፡እቲ ዝሰምዕ ዘሎ ሰብ ኣስቆርቂሩ በቲ ቁዞማ ተሳሒቡ ናብ እግዚኣብሄር ይምለስ ነይሩ።ንኣብነት ቅዱስ ኤርምያስ "ደጉዓ" ወይውን ሶቆቃ ዝብል መጽሓፍ ኣሎዎ፡እዚ ንብዙሓት መእምናን ናብ እግዚኣብሄር ሓጥያቶምን፡መቕጻዕቲ እግዚኣብሄርን እናዘከሩ ናብ ኣምላኾም፡ከምዝምለሱ ይገብሮም ነይሩ።ህዝቅኤል፡እዝራ ሱቱኤል ዝብሃሉውን ከማኡ ደጋዕቲ ነበሩ።
ቅንያቱ ህዝብና ብምልኡ ብሓዘን ተዋሒጥሉ ዘሎ ቅነ፡ኣደ ናይ ክልተ ሰለስተ ደቃ መርድእ ተመራሪሑ እንክመጻ፡በቲ ሓደ ድማ ኣደን ጋልን ብሓደ ክጠፍኡ፡ባሕሪ ባዕሉ ኣርዳኣይ፡ባዕሉ ቀባራይ ኮይኑ፡በብንጽል ከይከውን ብጅምላ ንዝተፈጸመ ህልቂት ሓውኹም ልበይ ተሪሩ ከይድጉዕ ኣብዩኒ።እሞ ብርዓይ ነቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ደጉዓ ደርጉሓ ክትነግረኩም ስምዕዋ።ክሓዝን ኢየ፡ግን ንድግል ሕዘ ኢየ ዝሓዝኖ።ብውሽጠይ ክውጭጭ ኢየ፡ኣምላኸይ መታን፡ክሰምዓኒ ኢየ ዝውጭጮ፡ክግዕር ኢየ፡ጋዕረይ ሰማያት ሰንጢቑ ኣብ መምበረ ጻብኦት ከይበጽሐ ግን ኣይከቃርጾን ኢየ።ኣጆኻ ኣይትበሉኒ፡ግደፉ ኣይተጻናንዑኒ፡ዘኽታምካ ዘይኮንኩ፡ካባኹም ዝያዳ ትቐርበኒ ዘመድ ኣላትኒ፡ድንግል ማርያም።ካባኹም ኣብሊጹ ዘፍቅረኒ ዝቐርበኒ ኣቦ ኣሎኒ እግዚኣብሄር።ንምንታይ ድኣ ብሓዘን ተዋሒጥኩም፧ ኣህዛብ ይሓዝኑ ኢዮም፡ግን ክልተ ሓዘን ኢዩ ዘለዎም፡ኣቦ ስለዝሰኣኑን፡ኣደ ስለዘይብሎምን፡ኣነ ግን ተበኸኹ ንብኽያተይ ኣብ ዕማኽ ኢዱ የዕቂሩ፡ንዓይ ከም ኣብ ሕቕፊ ኣዲኡ ከም ዝማመቐ ሕንጣይ ዝራርወኒ እግዚኣብሄር ኣሎኒ።ንንበዓተይ ትነብዓለይ ድንግል ባዕላ ኣላ።
እምበርከ እንተሓንዘኩ፡ካበይ ዝተመሃርኩዎ ሓዘን ኢዩ፧ቁዞማይ ናይ መን ቁዞማ ዝቑዝምዎ ኢዩ፡ዓያሹ ቆዚሞም ስለዘይክእልዎ፡በረኸት ኣይረኽቡን፡ቅዱሳን ግን ዋላ ኣብ ዶጉዓ ከይተረፈ በረኸት ይረኽቡ።(ክፉእን ጽቡቕን ንሱ ክፈቅድ እንከሎ ኢዩ ዝኾውን።(ድ,ኤር3፣38))
ለካ እቲ ኣባና ዝፉኖ ንሓዘን ዝስዕብ ነገር ኣቐዲሙ ከምኡ ንክኮውን ዝፈልጥን ዝፈቅድን እግዚኣብሄር ኢዩ።እግዚኣብሄር ዘይፈቐዶ ነገር ሓንቲ ንጣብውን ትኹን ከምዘይትፍጸም ኣዳዕዲዐ ፈለጥኩ።ድንግል ማርያም ትሓዝን ነይራ፡ግን ከኣ ኣምላኻ ወዳ ኮይኑ ኣብ ሕቕፋ ስለዝነበረ ትጸናናዕ ነበረት። ሓዘን ከም ሴፍ ክስንጥቐኪ ኢዩ ዝብል ትምቢት ምስተነገራ (ሉቃ2፥35)፡ልባ ብስምባደ ተወግአ፡ግን እቲ ዘጸናንዕ ኣምላኽ ምስኣ ወዳ ስለዝኾነ ተረጋግአት።ወዳ ካብ ማህጸና ዝወጸ ጡባ ዝጠወበ፡ንሰለስተ መዓልቲ ዝኣክል ምስ ጠፍኣ ጎሃየት፡ጋሂኣ ዘዝሕል ኣምላኻ ምሳኣ ስለዘሎ ግን ጎሂኣ በነነ።ክትስደድ እንከላ፡ወዳ ክተሓዝ እንከሎ፡ክስቀል እንከሎ፡ክቕበር እንከሎ እዚ ኩሉ ንጋሂኣ ዘጋድድ ኢዩ፡በቲ ኸኣ ንጽንዓታ ዘበራትዕ ኢዩ።ወዳ ስለዝኾነ ጎሃየት፡መድሓኒት ኮይኑ ካብ ከርሳ ስለዝተወልደ ድማ ተጸናንዐት።እዚ ጥራይ ኣይኮነን ዓለም ኣብ ሓዘን እንዳሃለወት፡ነገር ግን ኣብ ሓዘን ከምዘላ ንገዛእ ርእሳ ትፈልጥ ኣይነበረትን፡ድንግል ማርያም ግን ንናይ ዓለም፡ሓዘን ዘርሕቕ ኣምላኽ ምኻኑ ፈሊጣ ዓለም ምሉእ ክጸናናዕ ስለዝኾነ፡ብጽንዓቶም ተጸናንዐት።ዓለም፡ምሉእ ብባርነት ትሳቐ ነበረት ድንግል ማርያም ግን ወዳ ክንሱ፡ግን ከም ገረድ ኮይና ኣብዝኸዶ ኣንዳኸደት መከራ ኣብ ዘጋጠሞ ኣብ መከርኡ እንዳተኻፈለት ብምኻዳ፡ናይ ዓለም ባርነት ደጊም ከብቅዕ ምኻኑ ትፈልጥ ስለዝነበረት ኢያ።እዚ ኩሉ መን መሃራ፧ዓለም ክትጸናናዕ ምኻና፡ባርነታ ክበንን ምኻኑ መን መሃራ፧እቲ ባርነትን ሓዘንን ዘርሕቕ ኣምላኽ ቀረባ ምኻኑ፡እረ ቅርበቱ ኣዝዩ ቀረባ ክሳብ ሰብ ኮይኑ ወድ ሰብ ዝብል መጸውዒ ክለብስ ምኻኑ፡እቲ ኣብ ባርነት ሓጥያት ዝነበረ ድማ ናብ ውሉድ ኣምላኽ፡ወዲ ኣምላኽ ናብ ዝብል ናይ ክብሪ፡ዓቢይ ስም ከምዝወሃቦ፡ድንግል ማርያም ምዓስ ፈለጠት፧
እወ መልኣኽ መጺኡ እቲ ኣምላኽ ገና ከይተገልጸ እንከሎ፡ስጋ ሰብ ለቢሱ ወድ ሰብ ከይተባህለ እንከሎ፡ፍቓደኝነት ካብ ድንግል ክሓትት ነይርዎ።ፈጣሪ እንከሎስ ፍቓድ ካብ ፍጥረት ሓተተ፡ኣቤት ትሕትና፡ኣምላኽና ዓማጺ ኣይኮነን።" ኣነ ክውለድሞ ነዞም ዝሓዝኑ ዘለዉ ግን ከኣ ሓዘንነቶም ዘይፈለጡ ደቀይ ክገብሮም፡ሓዘኖም፡ክቕንጥጠሎም ከምኣቶም ሰብ ኮይነ ክውለድ'የ፡ግን ከምቲ ባህርየይ ንጹህ ዝኾንኩ፡ካብ ንጹሕ ሰብ ብንጹህ ፍቓድ ክውለድ ኣሎኒ።መን ደኣ ኣላ፡እወ ኣብ ምድሪ ኣደ ክትኮነኒ እትኽእልሲ ብዜይካ ድንግል ማርያም መን ኣላ፧ ገብሪኤል ንዓ ኪድ ንድግል ኣበስራ፡ቀስ ኢልካ ከይትስንብድ ስበካ፡እቲ ካባኺ ዝውለድ ቅዱስ ወዲ ሉዑል ኢዪ፡ንዓለም ዘድሕና ዘልኣለማዊ ንጉስ ኢዩ፡ንግስነቱ ካብ ከም ናይ ኣብኡ ዳዊት እካ እንተኾነ መወዳእታ ግን የብላን።ሓዘን ዓለም ኣብ እዝነይ በጺሑ ኢዩ፡ኣውያት ራሄል ኣብ መምበረይ ተሰሚዑ ኢዩ፡እንሆ እቲ ምጽንናዕ ክሰደሉ ዝግበኣኒ ግዜ፡እቲ ካብ ባርነት ከላቕቐሎ ዝመደብክዎ ግዜ ሕጂ ኣኸለሞ፡ፍቓድኛ ኩኒ፡ኣነ ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ካባኺ ክውለድ ኢየ፡ኣነ ኩሉ ስለዝኽእል፡ከመይ ኢሉ ይኮውን፡ግራት ብዘይዘርኢ፡ሰበይቲ ብዘይሰብኣይ ከመይ ኢሎም ይፈርዩ፡ኣነ ድንግል ኢየ፡ንብሕጂ ዘለኒ ውሳኔውን ክሳብ ዘለኹ ብድንግልና ንኽነብር ኢዩ።ዶስ ኣምላኽ ንድንግልናይ ስለዘይፈተዎ ኢዩ ከፍርሶ ደልዩ ኣይትበሊ፡ኣምላኽ ኩሉ ይከኣሎ ኢዪሞ ዋላ ብድንግልናኺ እንከለኺ ኣትዩ ክወጽእ፡ሕትመት ድንግልናኺ ድማ፡ከይተደፈረ፡ንዘልኣለም ክጸንዕ ዝጽግም ኣይኮነን፡ኢልካ ንገራ። "(ሉቃ1፥26-38)
ኢሉ እግዚኣብሄር ንገብርኤል መልኣኽ ዝኣዘዞ ትእዛዝ ድንግል ማርያም ጽን ኢላ ስለዝሰምዐቶ፡እቲ ምስኣ ዝነበረ፡ኣብ ስደታ፡ኣብ መከረኣ፡ኣብ ሓዘና ኮይኑ ዘጸናንዓ ኣምላኽ ወዳ ብምኻኑ ጥራይ ዘይኮነስ፡እቶም ዝጸናንዑ ህዝቢ ዓለምውን ክንድምንታይ ከምዘደንግጽዋ ስለዝተረደአት፡ካብ ንዓኣ ደስ መታን ከብል ኢሉ፡ዓለም ከይደሓነት ክትተርፍ፡ንሳ ሓዚና ዓለም፡ክድሕን ይሕሸኒ ዝብል ውሳኔ ዝነበራ ኣደ ኢያ።እቲ ዝገርም፡ግን ኩሉ ኣብ ልባ ትገብሮ ነበረት።
ወይ ተኽለማርያም!!! ንመን ክተስምዕ ኢካ ተውጭጭ ዘለኻ፡ንሰብ መታን ክተስምዕ? ኣይፋልካን፡ሰብ ደኣ መሊሱ ሓዘን ክውስኸልካ ተዘይኮይኑ እንታይ ክምልኣልካ ኢልካ ኢኻ ጋሂኻ ተርእዮ።ሓዘንካ ንሰብ ተገዲስካ ካብ ምንጋር፡ንእግዚኣብሄር ተጊህካ ምንጋር ይሓይሽ፡ንሰብ ምንጋር እንደገና ሓዘን ምውሳኽ ኢዩ፡ንእግዚኣብሄር ምንጋር ግን ሓዘንካ ዕረፍቲ ምርካብ ኢዩ።ድንግል ማርያም ነቲ ምስኣ ዝነበረ ወዳን ኣምላኻን እንዳሃበት እዚ ኹሉ መዋእል ሓዘና፡ድምብርጽ ኣይበላ፡እናሻዕካድኣ ትጸናናዕን፡ንኻልኦት ተጸናንዕን ነበረት።ቅዱሳን ክሓዝኑ እንከለዉ፡ሓዘኖም ንሕዙናን፡መጸና
ንዒ ኢዩ፡እምበር ሓዘን፡ኣይውስኸሎምን ኢዩ።
ቅዱሳን ሓዘን ክሰምዑ እንከለዉ ቅድሚኦም እግዚኣብሄር ከምዝሰምዐ ስለዝፈልጡ፡ተቓዳዲሞም፡ንዑ ረኣዩለይ፡ንዑ ስምዑ ኣነ፡ከምዚ ረኺበ፡ኣታሕዝኑኒ እንዳበሉ ፈቐዶ ማስመድያን፡ፌስቡክን ክዝርግሕዎ ዘይኮነስ፡ነቲ ቀረባ ዘመዶም፡ዝኾነ ኣብ ውሽጦም ዝርከብ ኣምላኽ ሓዘኖም ይነግርዎ። ንሱ ድማ ቅድሚ ኩነት ፈሊጡ ስለዝጸንሕ ድኻም እምነቶምን ግብሪ ሓጥያቶምን ከይረኣየ ይዕረቖም፡የጸናንዖም ድማ። "ወእሙሰ ተዐቅብ ዘንተ ኩሎ ነገረ፡ውስተ ልባ።"
ትርጉም ኣዲኡ ድማ፡ ነዚ ኩሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት።(ሉቃ2፥51)
ወይ ናይ ሎሚ ሓዘን ኣምላኽ ከምዘይብሎም፡ኮይንካዶ ይሕዘን ኢዪ፡ዋይ ናይ ሎሚ ኣውያት ኣምላኽ ንኽሰምዓካዶ ኣይኮነን፡ዝእወዮ፧ ዋይ ናይሎሚ ብኽያት ኣምላኽ መታን ክሕብሰልካዶ ኣይኮነን ዝልቀሶ፧ዋይ ናይ ሎሚ ኣስቆቅሮ፡እግዚኣብሄር መታን ክእብደካዶ ኣይኮነን ዝስቅርቆሮ፧( ራእ21፥4)
እሞ እንታይ ደኣሉ ዝበሃሎ፧ ኣምላኽ ሽግር ከምጽእ እንከሎስ ስለዝጸልኣናድዩ፧ ኣይኮነን ብፍጹም!!! ስለዘፍቀረና እምበረ።ወድሰብ ሓዘን ምስረኣየ ተመላሲ ኢዩ፡ምስኣስቆርቆረ ናይ ልቡ ምስ በኸየ፡ንኣምላኹ "ኣነ ኢየ በዲለካ፡እዚኹሉ ዝርእዮ ዘለኹ ሓዘን ዘስዕብ መከራ፡ኣነ ስለዝበደልኩ ኢዩ፡ኣነ ናባኻ መታን ክምለስ ኢልካ ዝገበርካዮ ኢዩ፥"ኢሉ ብዝጠዓስ ልቢ ሂቡ ኢዩ ፈጢርና።ሓደ ናይ ብሓቂ ሓዘን ዝርደኦ ሰብ መንነቱ ዝፈለጠ ሰብ ይመስልሞ፡ብቐጥታ ሞት ስለዝረኣየ፡ሓጥያቱ ተናዚዙ ድሉዎ ኮይኒ ይጸንሕ።ሞት ከጋጥም እንከሎ፡ሽግር ክፍጠር እንከሎ ስዉር ጥሩምባ እንዳተነፍሐ ኢዪ፡እግዚኣብሄር ብዘይርአ ጥሩምባ ገይሩ ነቶም ዘለና ደቁ ካብ ጥፍኣትና መታን ክንምለስ መቕጻዕቲ ይሰደልና።እምበር ስለዝጸልኣና ኣይኮነን።ተዝቑጣዕሲ ኣብ ቅድሚ ቁጡዑ መን ክቖውን ይኽእል፧ ነገር ግን መጽሓፍ ክምህረና እንከሎ" እስመ መቅሰፍት እመዐቱ፡ወሓይው እምፈቃዱ
ኩራኡ ንቕጽበት ዓይኒ ኢዩ፡ጸግኡ ግን ንምሉእ ዕድመ፡ይጸንሕ።" ይብል።(መዝ30፥5)

እግዚኣብሄር ስለዘፍቀረና ይቐጽዓና ኣሎ፡እወ ይቕጸዓና፡ክሳብ ንምለሶ፡ይቕጸዓና።ካብ ስቕ ኢሉ ክርእየና፡ይጥፍኡ ባዕሎም ይፈልጡ ኢሉ ስቕ ኢሉ ካብ ዝርእየና፡ክሳብ ንምለስ፡ናብ ንስሓ ክሳብ ንሕቆፎ፡ወገናተይ ብመግረፉ ኣይነግረምርም።እዚውን ንሕና ስለዝኾንና ኢና ረኺብናዮ።ኣቦ ንውላዱ ክሳብ ካብ ዕውልና ዝምለስ፡ኩሉ ግዜ ኢዩ ዝቐጽዖ፡ስለዝጸልኦ ግን ኣይኮነን።ስለዘፍቀሮ ኢዩ።ብምቕጻዕቲ እግዚኣብሄር ክንኩሪ ዘይኮነስ፡ኣበሳና ሸፊንንና፡ንዑኡ በደለኛ ክንገብሮ ዘይኮንና፡ንሕና በደለኛታት ምኻንና ኣሚንና ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ።ኣይነግረምርም፡ኣምላኽና ቀረባ ኢዩ፡ልብና ከፊትና ሓዘንና ንዑኡ ንንገሩ ክሰምዓና፡ከጸናንዓና፡ኣብ ሽግርን መከራን ከበርትዓና ክዘርየልና ኢዪ።
ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኣፍሪቃን ብፍላይ
ንግዳያት ስድራቤታት እግዚኣብሄር መጸናንዒ መንፈስቅዱስ ይስደሎም ፡ንዝጠሓሉ ኣብ ናይ ቅዱሳን ስፍራ የምብሮም ኣሜን።
ወስብሀት ልስሉስ ቅዱስ፡ስብሀት ለማርያ ድግንል ብ2ኤ
ወስብሀት ለመስቀሉ ኣሜን

1 kommentar:

  1. Amen amen amen kale hiwet yesmealna fqurey abet des kbl lbka zbelie kalat nbeal kemay lbom ztere mo ......

    SvarSlett

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...