søndag 2. april 2017

ዘይደሓን ትንዕ ትንዕ።

ትንዕ ትንዕ
ናብ ክልተ ኣፍ ደገ እትው ውጽእ
ኣብቲ ሓጥያታዊ ማርሻፔዲ
ሸናዕ እንክብላ ጢዕምወን'ዩ ግዲ
የግዲ
ኣበይ ክጥዕመን ዘን መሓውር
ኣብትን ኣብትን ክብላ
ኮይንወን ኣስካላ
ኣየዛ ዓለም ኣስካላ
ናብ ሲኦልን መንግስተ ሰማይን እትሳገረላ
ናብ ዳዕርን ዳንዴርን እትሓኽረላ
ኣቤትዛ ቤተ ክርስትያን ወለላ
ዳዕሮ እንክትመስል ኩሎም ዝዕቆቡላ
ቀታሊ ዝናዘዘላ
ዕዋላ ዝእረመላ
ስጋ ኣምላኽ ዝፍርተተላ
ደሙ ዝቕደሓላ
ኣንትን የእጋረይ
ናበይ ኢኽን ትንዕ ትንዕ
ናብ ዳንዴርዶ ወይስ ካላእ
ሳልስቲ'ዩ ወሬኽን ካብ ንሰምዕ
ኣንታዛ ሓጥያት ዳንዴር
ገፊሑ መንገዳ፣
ነዘን የእጋረይ ኮይንወን ሰጣሖ
ሰጣሖ ጎልጎል ሰጣሖ
ብደገ ኣጉለ ብውሽጡ ፍልሖ
ይኸይዳሞ ንውሽጠን ፈርፈዖ
እቶም ዓቀይቶት ኣጋንቲ
ዘይፍለጡ ፍጹም መታለልቲ
ጨካናትምበር ዘይሓለይቲ
የእጋር ተታሊለን
እጋንንቲ ኣታሊሎመን
ፍልሖ ክንሶም
ንህቢ መሲሎመን
መርዚ ክንሱ ኣጉለ መሲልወን
ኣየናይ ኣጉለ
ኣፍዕሲምበር
ኣፍካ ዘሸትት ካብ መንግስተ ሰማይ ዘሸፍት
መርዛማት ኣፍዑት
መጺኦም ይሕንገጡኻ
እናባጨዉ
ጋሻ ተቐበል፣
እንካዕ ድሓን መጻኻ ይብሉኻ
ሓዊ ንኽትነድድ ቦታ ይኸፍቱልካ።
ኣንታ ክንደይ ይጥዕም'ዚ ውሳነ
ጠግ ኣቢልካ ትኸዶ ናብ ሓዲኡ ድነ
ኣብየንኮ ከይውስና ዘን የእጋር
ናብቲ ሕምቶ
ዘለዎ ሸቶ
ንምኻድ ይናፍቓ
ሕልነአን ይነግረን
ስለ ቅድስና ብውሽጠን ይሕለቓ፡
ናብ ሲኦል ከይወድቃ
ናብቲ ጭፈራ
ቢራ ክግልላ
ስኽር ክሓድራ
ምስቶም ተላሀይቲ ስዕስዕ ክሓድራ
ነዚ ክፍለየኦ ኣብይወን ውሳነ
ኣየ ዝሳነ
ጡዕም ነይሩ ግን መን ይዳነ፡
ኣንትን መሓውር
ኣጆኽንባ!
ናበይ ኢኽን ብክልተ ትውጥጣኒ
ወይ ናብቲ ኪዳ
ብሓዊ ንደዳ
ወይ ናብዚ ምጻ
ብምሕረቱ ተኣበዳ
ግን ሕሰባሉ
ጽባሕ ንግሆ ንስኽን ኢኽን
ኩሉ ክትሕተታሉ
ናብትን ናብዝን ክትብላ
ጽሓይ ከይትዓርብ
ዕድሜኽን ከይርብርብ
ሰግጥ ሰገጥ ኣይህብን ድሓን
ነግ ፈረግከወደይ ብኸመይ ለመድክን፡
ሃየ ሰሓባ
ናብ ሓዲኡ ንኺድ
ወይ ከነብርቓ ወይ ከነዕርባ
ሓሻካ የእጋረርይ
ኣበይ ኢለንኦ
ኪንዮ ምሕረት ኣምላኽ
ኣበይ ሪእየንኦ
ክንዮ ቁጥዑስ
መዓስ ገሚተንኦ
ዘይ ስቕ ኢልካዩ ጉዕዘአን ሃታ ሃታ
ኣብቲኣ ክኣትዋ ምስቲኣ ክማጎታ
ኣየዛ ሓጥያት ምጉት
ሓቂ ተመሲላ
ከመይ ሓንኮለተን
ሓላይት ተመሲላ ከመይ
ማረኸተን
ከይውስና ሓሊኻተን
ከይፈልጣኣ ተሰዊራተን
ይዋእ ግርህነት ናይ መሓውር ጣጣ
እንዳፈለጣ ይውጠጣ
እንዳኾርኮሐን ይኹየጣ
ኣቢት ሓጥያት ዘይድሓን መኾፈሊ
ተጻወተለንዚ መታለሊ
ሓጥያት'መታለሊ፡
ወስና የእጋረይ ወስና
ኣብቲ ይሕሸክን
ኣብትስ ነይምነየልክን
ካብቲ ጽርግያ እሾኹ ዘይርአ
ካብቲ ዓጸቦ ሃርገፍገፍ ዝተመልአ
ካብቲ ቶኾርባ ዳንዴሩ ዝሓብአ
ኣይትደልየኦን ዳንዴራዊ'ዩ ሓጥያቱ ዝጠጅአ
ጥጡሕ ውሽጡ ግን ባዶ
ሃማሚ'ዩ ንምርጋጹ ጋዶ
እወ ጋዶ ሓጥያት ጋዶ
ኣሲሕት መሲሉዶ
ኣይ ዓፍራ እንደኣሉ
ካልኣ ይርገጾ፡
ኣብ ውሽጡ ኣሎዉ
ንየእጋር ዘታለሉ
ኣብ ታሕቲ ዝተዓኽለሉ
ኣብ ትሕቲ ዓፍራ
ንጉምተይ ዘቃምቱ
ስሕተተን ርእዮም ኣብ ሲኦል ዝዕልሉ
ኣየዞም ኣጋንቲ
ሓራግጽ ክንሶም ዓሳባ መሰሉ
ኣስናኖም ሓቢኦም ኣብ ምንዝርና ተዓኽለሉ
ሰናይ ተመሲሎም
ኣብ ጛይላ ተዓኽለሉ
ጽልኢ ክንሶም ፍቕሪ ተመሰሉ
ትሕትና ተመሲሎም ኣብ ዝና ተሰቐሉ
ኣበይ ኢልዎም መሓውር ንሳቶም ግን ቀጸሉ
ቶንኮሎም ቀጸሉ
ሰብ ንኸይፈልጦም ፍጹም ተኸወሉ
ነዘን የእጋረ እናሻዕ ኣታለሉ፡
ተታሊለን
ዘይሰናይ ሃገሮም ሰናይ መሲልወን
ዘይሐራይ ደሞዞም ወርትግ ኣታለለን
እንዳፈለጣ ንኸይውስና ጥቦቦም ሓንኮለን
እሾኹ ዝርአ ጽርግያ
ጸቢብ ኣይምሰልክን ንዕነ ረኣያ
ኣሻኽ ነይኮነ ጥዑይ'ዩ መንገዱ
ሓጥያትካ ዝነቅስ
ምሕረት ዝልማዱ
ቤት ኣምላኽ ይሕሸክን ቤት ፈጣሪኽን
ንሱ ዝሓልየልክን
ሓላይኽን'ዩ እወ ሓላይኽን፣
ንስኽንደኣ ኣበይ ኢልክነኦ
ሓጥያታዊ እሾኽክን ዝነቅስ
ብዘይገመትክነኦ
መሪጽክን'ዩ ምረጸኦ
እነሀለ ቤቱ ብግፍትኑ
ልብኽን ክፈተኦ
ኪደኦ ደኣምበር ኣይትእበየኦ
ኣንትን መሓውረይ ሐራይ በለኦ
በጃኽን ሐራይ በለኦ።
እነሀለዉ
ደቂቀ ኤልያስ
ቅዱሳን ኣበው
ሰበኽቲ ወንጌል ጸሎቶም ዘርሕዉ
ብድግል ማርያም ዝተሰለሙ
ብቅዱስ ልማኖኣ ንኣምላኽ ዘረሩው
ልቡ ከፊቱ ምሕረቱ ዘዝሩው
ንዕነ ናብኡ
ኣብታ ቅድስቲ
ኣብኡ ኢዮም ዘሎዉ፣
ኣሎዉ እምበር ኣይመስልክን ጥራሑ
ቤተ ክርስርያን ኣይምሰልክን ጥራሑ
ገስግሳ ኪዳናይ ናብ ጥፍሑ
እኖሀለ ጸሎቶም እምብዛ በዚሑ
ካብቲ ሓጥያትክንሲ ምሕረቱ'ዩ ሰፊሑ።
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...