mandag 19. august 2019

ዘመነ ሓዊ-ሓሰር


በስመ ሥላሴ!
ሞልቂ-2005


2005 ኣቢሉ ይኸውን ምስ ሓደ ኣዝየ ዘፍቅሮ ዓርከይን መታዓቢተይን፣ ``ግጥሚ ንጽሓፍ`ሞ  መንና ቀልጢፉ ዝጸበቐት የዳሉ`` ተባሃሂልና፣ ውዕውዕ ክልቲኣዊ ውድድር እንከነካይድ ሕጂ ይዝከረኒ። ኣብቲ እዋን`ቲ፡ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ሞልቂ ጅሃን፡ ውዕዉዓት ተመሃሮ ዝጠርነፈት፣ ብስፖርታውን ስነ-ጥበባውን መዳይ ድማ ነቲ ዝነበረ ሓፈሻዊ ሕጽረታትን ኩነታትን ኣብ ግምት የእቲኻ፡ ''ከባቢ ንኡስ ዞባ ሞልቂ ኣዝዩ ጸላውን ትስፉውን ትውልዲ ኣፍርያ``፣ ኢልካ እትሕበነሉ መድረኽ ዝቐረበ መሲሉ ይረአ ነይሩ ።ክቡራት ኣንበብቲ ናብ'ቲ ናይ ሽዑ ወቕቲ ክመልሰኩም።  ቅንያቱ በቶም ናይ ሞልቅን ከባቢኣን ተምሃሮ፣ ዝተፈላለየ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ንጥፈታት ዘካተተ ውድድራት ዝካየደሉ እዋን ብምንባሩ፣ ኣነ ከም ሰበይ  በተን ሽዑ ዝሕንጥጣ ዝነበራ ኣእዳወይ ገይረ፣ ምስቶም ሞዛነይ ንውድድር ኣብ ጽዑቕ ልምምድ ግጥምን ስነ ጽሑፍን ኣትየ ምንባረይ ትዝ ይብለኒ። ብምፍላይ ምስ'ቲ መጋጥምተይ ገጣማይ ኴነ፣ ኣብታ ንሱ ተኻርይዋ ዝነበረ ናይ ስካፕሊ ንእሽቶ ቤት ኮይንና፡ ሓጻርን ጽዕጽዕትን ናይ ልምምድ ግዜ ዘሕለፍናያ ህሞት ሕጂ እንክዝክራ ገለ ጦብላሕታ ፈጢራትለይ ኣላ። 

ስሙ ንግዚኡ ዓቂበ ናብቲ ናይ ሽዑ ቊምነገር ክወስደኩም። እቲ መስርሕ ሓባራዊ ዝኾነ ዛዕባ ኣልዒልካ ንዑኡ ዝምልከት ምጽሓፍ ኢዩ ነይሩ። መቸም 'ነቲ ሽዑ ዝጸሓፍክሞባ ንኹሉ በበሓደ ንገረና' ተትብሉኒ፡ ምስ ምንዋሕ ግዜ፡ ንዂሉ'ውን ኣብ ግምት የእቲኻ፡ ሸምዲደ ንምዝካር ዓቕሚ ይሓጽረኒ ምኻኑ ርዱእ`ዩ፣፣ ብሓጸርቲ ደቓይቕ ኣብ ሓደ ዓንኴል ዛዕባ ዝገበረን፡ክልቲኣትና ንናይ ክልቲኣትና ልምምድ ዘቕረብናዮን ስለዝዀነ ግን፡ ዋላ ደኣ ትሕዝቶ'ተን ግጥምታት ኣይዘክሮ'ምበር፡ ፍረ-ነገረን ንዓቕሚ ኣእምሮና ዕጋበት ከምዝፈጠረሉ፡ ብኡኡ መጠን'ውን በበቲ ዝጸሓፍናዮ ገጽታ፣ ሕድሕዳዊ ስሓቕን ወኻዕታን ከምዝሰነቕና ኣይርስዖን'የ።

ናብ`ዚ ናይ ሕጂ ጉዳየይ ክኣቱ፣፣ እታ ሽዑኡ ንግጥሚ ኢልና ዝመርጽናያ ኣርእስቲ፣ '' ሓውን ሓሰርን!`` ኢያ ትብል ነይራ። ድማ `ኣብዚ ሕጂ እዋን በበዚ ዘለኹሞ ህሉው መድረኽኩም ኣብ ግምት የእቲኹም ዘለኩም ርድኢት፣ "ሓውን ሓሰርን ዝብል  ከም ቀንዲ ኣርእስቲ ጔርኩም ጸሓፉ" ተንበሃል መቸም፣ ንባዕሉ እዚ ዘለናዮ ወቕቲ ነዚ ኣርእስቲ ዝመጣጠን ስለዝኾነ፣ ቃላት ክንመርጽ ምጸገመና ኣይብልን`የ።  ምኽንያቱ ሓንቲ ፊደል ክንጽሕፍ ከይጀመርና እኳ፣ ባዕሉ ኣፍ ኣውጺኡ እዚ ግዜ ዝንበብ ጽሑፍ ምኾነልና ይብል ኣነ።

ተመልከቱ!

ኣብ መንፈሳውን ስጋውን ዓለም ዘሎ ናይ ሎም ትውልድና፡ ሓውን ሓሰርን መሲሉ ንሓድሕዱ ክረአአ ካብ ዝጅምር ነዊሕ እዋን ኣቕጺሩ`ሎ። ሓዴኦም ዓብላሊ፣ ሓዴኦም ጠፋኢ ንምኻን ኣብ ቅልስ ዘለዉ እንክመስሉ፣ ምስ ሓውን ሓሰርን ይመሳሰሉ'ለዉ። ኣብ ዓድና `` ጽርዲ!`` ዝበሃል ናይ ቁልዕነትና ኣበሃህላ ኣሎ፣ ጽርዲ ማለት ኣብ ግዜ ህጻንነት ተጠቃምነት ዝረክብ ኣበሃህላ ኴኑ፣ ኣይተሕምቖ፣ ኣየሕምቐካ፣ ወትሩ ጽልእ ኮይንካ ምንባር ማለት`ዩ። ንስኻ ትመልኽ ተኾይንካ፣ እቲ ሓደ ተንከስ ኢሉ ኣንጻርካ ክለዓል ኣይክእልን`ዩ። ብመጠኑ ሓዴኻ ዘሕምቕ ኮይኑ`ተጸኒሑ ግን፣ ካብ ጽርዲ ምዃን ዝፍለየሉ ባእታ'ሎ። እዚ ከኣ ኣብ መንጎኻ ግዝያዊ ሰላም ሰፊኑ ስለዝረአ`ዩ፣፣ ማለት ንሓድሕድካ ኣይትባላዕን ኢኻ፡ ኣይትተሃራረምን'ውን። ንስኻ ስለትመልኮ 'ክሃርመኒ ኢዩ' ዝብል ስክፍታ ከይሃለወክ ቀሲንካ ትሓድረሉ መድረኽ'ዩ። ንሱ`ውን ስለተሕምቖ 'ተዘይተኸራኸርክዎን 'ተዘይፈጋእክዎን' ኢሉ ከዕገርግር ዕድሚኡ ኣይከስርን'ዩ። ጽርዲ ምዃን ግና ሰላም ዝበሃል የብሉን። ነፍሲ ወከፍ ኣብ እትራኸበላ ግዜ በብዝጥዕመካ ምቱዃስ`ዩ። በቃ በብዝተራኸብካሉ ትበኣስ ካብ ኰንካስ ዘይምርኻብ ትምነየሉ ኣጋጣሚ'ሎ። ምስ ጎበዝካን ኣብ ስብእናዊ ዕድመ ምስ በጻሕካን ግን፡ ዂሉ ጽልእታት ናይ ቁልዕነት ኣሻቡ  ስለዝርሳዕ፣ ወኻዕካዕ እናልካ መዕለልን መስሓቕን መታን ክኾነካ እናዘከርካዮ ኢኻ ትነብር። 

ኣብ'ዚ ምዕቡል ዘመነ-ዓውላማ፡ ጉዳይ ጽርዲ ምዕራፍ ክልተ፡ ሕጂ እንደገና ጀሚሩ ዝያዳ ጎሊሑ ዝረአ ዘሎ ይመስል። ዘመነ ጽርዲ በቲ ዘገርም መልክዑ፣ ከም ሓውን ሓሰርን ብናህሪ ክጎብጠና ደልዩ እነሆ።  ሕብረተ-ሰብና ንሓድሕዱ፡  ብቂም በቐል፣ ክባላላዕ ተሃንዲዱ፣ ክርቢት ከነቐብሎ ኣእዳዊ ዊጥ ዘበለ መሲሉ ክረአ ካብ ዝጅምር፡ ቀሊል ግዜ ኣየቕጸረን። ክልተ ኣሕዋት፣ ክልተ ሰብ ሓዳር፣ ክልተ ስድራ፣፣ ክልተ ኣዝዮም ሕፉራትን ክቡራት ቤተሰብ፡ ክወናጀሉ፡ ክወቓቐሱ፣ ክናኸሱ፣ ክጸራረፉ፣ እናሻዕ ብዘርእይዎ ሕድሕዳዊ ቂም በቐል፣'ንሓውን ሓሰርን' ዝሓለፍዎም ዝመስልሉ ግዜ እናበዘሐ ይመጽእ ኣሎ። ደረስቲ ክልተ ገጸ-ባህርያት ናይ፡ "Tom and Jerry", William Hanna and Josuph Barber, 1940-1958, ነዚ ኣብ`ዚ እዋን ዘሎ ናይ ትውልድና ገጽታ ኣንቢቦም ዝተረድኡ ይመስሉ። እዞም ክልተ ደረስቲ፡ ናይ ኣንጭዋን ድሙን ባሕርያት'ዮም ኣብ ትራጀዲ የእትዮም ዝምህሩና። ንዓይ ግን ንሕና ደሪስና ባዕሉ ህሉው ሕይወትና ዝዋስኦ ዘሎ'ዩ ዝመስለኒ። ወለዶና ሓደ ነቲ ሓደ ከጥፍእ ይህንደድ ኣሎ። ክልተ ፍጹም ጽልኢ ክጸላልኡ ትርኢ`ሞ፣ በቲ ድማ ተኣኪቦም `` ንሕና ናይ ሰላም ኢና፣ ዕርቂ ኣባና`ዩ ሰፈሩ፣`` ዝብል ዜና ካብ ኣፍ ክልቲኣቶም  ክፍኖ እንክትሰምዕ። ኣርምም የብለካ፡ ንኣርመምቲ ክትህቦ'ኳ ኣይትጸልእን።

ዳርጋ ኲሉ ግዜ ክትብል ትደፍር፣ ሓውን ሓሰርን እንተተራኺቦም፣ ሰዓርን ዓብላን ኮይኑ ዝወጽእ ሓዊ`ዩ። ``ንጣር ቁልዒ ንምሉእ እምባ ዘባርዕ ሓይሊ ኣለዋ፣`` ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ። እቲ ዘገርም ግን ክበኣሱ እንከለዉ፣ ናይ ክልቲኣቶም ህልውና የብቅዕ ምዃኑ`ዩ። ሓሰር ናብ ሓሙዂቲ፣ ሓዊ ድማ ናብ ቃህሚ ተለዊጡ ቅሂሙ ይጠፍእ። ባርዕ ንዂሉ እምባታትን ጎላጉን ኣቃጽሉ ምስወደአ፣ ንባዕሉ ሓሙኽሽቲ ኰይኑ ይተርፍ ምዃኑ ይገርመካ። ክልቲኣቶም ክህልዉ እንተኾይኖም፣ ከይተታኾቡ፣ እቲ እሳትንቱን ንገዛእ ርእሱን ዓቒቡ፣ እዚ ድማ ሳዕርነቱ ከይበተነ ብሓደ ተጠርኒፉ ምስ ዝነብር'ዩ፡፡ በዚ መስርሕ'ዚ፡ ህልውና ክልቲኣኣቶም ኣብ ምልክት ሕቶ ክኣቱ ኣይምኸኣለን። እታ ምስዚ መታዓቢተይ ብዘመን ቊልዕነትና፡ ኣብ 2005 ዘልዓልናያ ኣርእስትስ ለካ፣ ብዛዕባኣ ንምሕንጣጥ ' ካብ ሽዑ ዝያዳ ሕጂ ምመቸአት'  ክብል ምደፈርኩ። 

ዓለምና፣ ንሓጢኣንን ጻድቃንን፣ ሃብታማትን ድኻታትን፣ ሕሱማትን ሕያዎትን፣ ኣመንትን ከሓድትን፣እሱራትን ውጹኣት ሓራን፣ ተንኰለኛታትን ገርህታትን፣ ቀተልትን መሓርትን፣ ጮቆንትን ፍትሓውያንን፣ ዘሞውትን ደናግልን፣ ምሁራትን ጭዋታትን፣ እንስሳታትን ሰባትን ክሓቁፍ ዝኽእል እኹል ጎጆ ኣለዋ። ክንዮ`ዚ`ውን ብስጋ ምስ ዓረፍና ከይተረፈ፣ ኣብ ከርሳ ክትዓቚረና ዘኽእል ኣዝዩ ሃብታም ዝኾነ ውሻጠ ኣለዋ። እቲ ዘገርም ግን፡ ኩሉ ወድ ሰብ ነባሪ ዘይምኻኑ እናፈለጠ፣ ሕልፊ ሰቡ ኣብዛ ዓለም ዝነብር መሲልዎ፡ ናይ ካልኦት ክብርታት ክነጥቕ ይነብር ምህላዉ ኢዩ። እዚአብሔር ድማ ነዛ ኢዱ ዝፈጠረታ ዓለም፣ ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ በብዕለቱ ክሓንን እኳ ይርኢ እንተሃለወ፡ ምስ ምሉእ ትዕግስቱ፡ መን ይኹን መን ብዘየገድስ፡ እዛ ዓለም ክሳብ`ቲ ዝተመደበላ ዕለት ብዘይ ነግ ፈረግ ንዂሉ ወዲ ኣዳም ክትጸውር ከምዘለዋ በዓንተዉኡ ኣዘዘ። ግዜኣ ኣኺሉ ምስ ኣረገት ግን፡ ከም ሓሙኽሽቲ ክትበንን'ያ። ንዓና ንኹላትና ናብ ዋናኣ ተፊኣ ንፍርዲ ኣሕሊፋ ክትህበና ምኻና ፈሊጣ ድማ፡ እነሃ ብስቕታ ንምጽኣተ እግዚኣብሔር በዓቕሊ ትጽበ`ላ።

እግዚኣብሔር ሕድሕዳዊ ፍቕርን ስኒትን ክህልወና ሓይሉ ይልኣኸልና!!
ሕቱም-መጽሓፍ፣

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...