ሓባሪት ፊስካ
ተነፊሓ ብሕሹኽታ
ምኽንያታ ክትድርጉሖ
ንሰማዒኣ ከተስምዖ
ወዮ ሰሚዕዋ
ድምጻ እንከይወጸ
ቀዲምዋ
ንሳ ዝሓሰበቶ ንዓና
ንሱ ግን ከይተሰምዐት ሰሚዕዋ
ኣየ ፈጣሪ
ንምኽንያት ልቢ
ኣንባብቢ
ድምጺ ስለዘየውጽአት ነይግድሶ
ንሕና እንከይሰማዕናያ'ዛ ፊስካ
ሰሚዒዋ ኣሪምዋ
ጀሚሩ መልሲ
ከይትጠፍኦ'ዛ ነፍሲ
ንሕቶኣ ይምልሶ
ይመላልሶ
"ግድፊ ፊስካ ልቢ
ዝዝረብ ተዛረቢ
ዝስማዕ ተናበቢ
ብሰብካ'ዚ ሰብ ከይትከዓቢ
ዝሓፈርኪ
ኣነኸደኣ ናበይ ተሰዊረኪ
ኣይረኣየክን ድየ ኣብ ውሽጢ
ኣብ ልብኺ
ኣብ ሕልናኺ!"
እናለ የሕሾኽሽኻ
ብዓውታ ይጽውዓ
'ተተሰምዓ
ድምጻ ብሕሽኽትኡ
ናቱ ብዓውትኡ
ሰሚዕናዮ
ምኽንያት'ዛ ፊስካ
እንከይበጽሐ ናብ ኣእዛንና
ተግሳጹ ሰሚዕናዮ
ንሕናውን ተገሲጽናዮ
ምዕድኡ ተመጊብናዮ
ኣየ ፈጣሪ
መን ይቕድሞ
ምኽንያታ'ዛ ልቢ ኣላሊይዋ
ቅድሙ ሓሲባ ክትጥብሮ
ግንከ ፈጣሪ፡-
ኩሉ ከምዘይስወሮ
ምኽንያታ ከምዝዕይሮ
ኣብ ዕምኮኡ ከምዘዕቕሮ
ከምዝመዝኖ
ትፈልጥ'ያ'ዛ ፊስካ
ኣየ ፊስካ ልቢ!!!