torsdag 6. april 2017

በእንተ ጥንተ መስቀሉ

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን፡
ጥንተ መስቀሉ
ጥንተ መስቀሉ ዝብሉ ብክልተ ቃላት ዝቖመ ሓረግ ኢዩ።በዚ ኣርእስቲዚ ተመሪሐ ብብርዐይ ክሕንጥጥ ዘገደደኒ፡ስለ 3 ነጥብታት ኢዩ።ትርጉሙን መልእኽቱን ጥንተ መስቀሉ፡መስቀል ኣብ ክርስትና ከመይ'ዩ፧ ንምንታይ ኢዩ ዓመታዊ ጥንተ መስቀሉ ኣብ 27 መጋቢት ኮይኑ ዝብሉን ካልእን ኢዩ። ኦ ብርዐይ እንሆ መንፈስ ቅዱስ ንቅዱሳን ዘስተማህሮም ሕጅውን መንፈሳዊ ወኒ ኣላዓዒሉኒ ኣሎሞ ኣየ ተኣዘዚ ዘዝበልኩኺ ጽሓፍለይ።በዚ ንስኺ እትጽሕፍዮ ብዙሓት ነፍሳት ብጽምኢ ቃል እግዚኣብሄር ነፍሳዊ ጎረረአን ዝነቐጻ፡ብጉድለታዊ ናይ ነፍሲ ፍልጠት ኣእሙረአን ዝዓሸዋ፡ክኾነኦ ዝግበአን፡እንዳፈለጣን እንዳሰመዓን ዝሞታ ነፍሳት ኣብዛ ዓለም ኣዕለቕሊቐን፡ኣሎዋሞ፡ንዓይ ምስአን ሓዊስኪ ሃየ መልእኽትኺ ኣማሓላልፊ።እንዳሰመዐ ዝሞተ እንዳረኣየ ንቕበሮ ኢሎም ዝምስልዎ ተዛረብቲ ኣባይን ኣብዘን እንዳሰመዓ ሓንጊደን ዘለዋ ነፍሳትን ከይፍጸምሞ፡ኣብ መስቀል ተኾኒኑ ዝነበረ ሞት ሒጂ ስልጣን ተዋሂቡ ከይውሕጠን ሃየ ቀድምዮ።እግዚኣብሄር ምስጢሩ ይግለጸልና።

1)ትርግሙን መልእኽቱን ናይ ጥንተ መስቀሉ፦
ጥንተ መስቀሉ ዝብል ክልተ ቃል ኢዩ፡ጥንተ ማለት ቀደምምም፡ቅድሚ ነዊሕ እዋን
( ቅድሚ2008 ዓመታት)፡ዘመናት ዘሕለፈ ብዝብል ካብ ግእዝ ብቐጥታ ይትርጎም።መስቀሉ ማለት ድማ፡ሕማማቱ፡መከረኡ፡ስቅያቱ፡ብሰባት ምንዓቑ ብሓፈሻ 13 ሕማማተ መስቀሉ እንዝክረሉ መንፈሳዊ ሓሳብ ዝሓዘለ ኢዩ።መስቀል ዝብል ትርጉም ኣመሳቀለ፡ናብ ኣርባሕተ ማእዝን ዘርግሐ፡ተደመሮ ዝመስል ቅርጺ ገበረ ዝብልውን ይትርጎመልና ኢዩ።ኣብዚ ክልተ ጫፋትዚ ጥንተ መስቀሉ፡ዝበሃለሉ ዘሎ፡እቲ ብስጋ ዝተገልጸ፡ብመልእክት ብጋሶትን ዝተመስገነ፡ሰብአ ሰገል መጽኦም፡ዝሰገድሉ፡ሕጻን ዮሐዋንስ ኣብ ከብዲ ኣዲኡ እንከሎ፡ ኣብ ማህጸን ቅድስት ድንግል ማርያም፡እንከሎ ዝሰገደሉ፡ኣይሁዳውያን ልደቱ ኣበይ ኢዩ ተባሂሎም ምስ ተሓተቱ ፈጣርነቱ ስለዝዘንግዑ መታን ክቕተል " ኣንቲ ቤተልሄም ምድረ ኤፍራታ ኢትተሃቲ እምነገስተ ይሁዳ፡እስመ ይምነኪ ይወጽእ ንጉስ ዘይርእዮሙ ለህዝብየ እስራኤል ትርጉሙ ኣንቲ ኣብ ኤፍራታ ዘለኺ ቤተልሄም እንሆ ንህዝበይ 20ኤል ዝጋሲ ንጉስ ካባኺ ክወጽእ ኢዩ፡"ንዝብል ትምቢት ተጠቒሞም ንሄረዶስ ዝሓበርዎ፡ነገርግን ብንግስነቱ ዘይኣመኑሉ ህጻን ናዝራዊ ኢዮሱስ ክርስቶስ ኢዩ።
(ሉቃ2፣13-20+
ማቴ2፥5-6+ ሉቃ1፥44 ተመልከት)
እዚ ህጻንዚ ብብዙሓት ዝተናዕቀ ግን ከኣ ንብዙሓት ንዑቓት ዝሓቖፈ፡ብምድራውያን መምሃራን ናይ ኣይሁዳውያን ዝተማህረ ግን ከኣ ብዘሎ መዝገብ ፍልጠት ናይ ኩሉ ፍጥረት ከይተረፈ ፈትፊቱ ዝፈልጥ እረ ሰማያውያን መላእክት እንካን ልካዐ ፍልጠቱ ዘይምርምርዎ፡ብናይ ሓንቲ ድንግል ኣጥባት ጠብዩ ዝዓበየ ግን ከኣ ንዝረኣዩን ዘይርኣዩን ፍጥረት ከከም ዘድልዮም ዝምግብ መጋበ ኩሉ ስጋ ወነፍሲ ዝኾነ፡ሓንቲ ድንግል፡ ማርያም እትበሃል ኣብ ማህጸና ን9 ወርሕን 5 መዓልትን ኣብ ዝባና ድማ ን3 ዓመት ጸይራቶ ዝተንከራተተት ግን ከኣ ንሰማይን ምድርን ኣንቆልቂሉ ዝጥምተን ማንም ፍጥረት ክስከሞ ዘይከኣል ፈጣሪ ኩሉ ፍጥረት፡ከም ዝሓመመ፡ሓመምኩ፡ከምዝተሃረመ ተሃረምኩ፡ከምዝደኸመ ደኸምኩ፡ከም ዝሓዘነ ነባዕኩ፡ከምዝደመየ ቆሰልኩ፡ከምዝተሸንከረ ኣብ መስቀል ተሰቐልኩ፡ከም ዝደኸመ ኤሎሄ ኢሎሄ ላማ ሳባቕታኒ ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ገደፍካኒ እንክብል ግን ከኣ ነቶም ዝሞቱ ካብ ምውታን ዘተንሰአ፡ነቶም ዝሓመሙ ሕማሞም ዝተሰከመ፡ነቶም ዝደመዩ ቁስሎም፡ዝዘነነ፡ነቶም ኣኣብ ዘመኑ ስለስሙ ኣብ መስቀል ዝተሸንከሩ ካብ መስቀል ሓራ ኣውጺኡ ኣኽሊል ሰማያዊ ዓስቢ ዝሃበ፡ነቶም ኣብ መቓብር ጉድጋድ ሲኦል ን5500 ዘመናት ተዳጊኖም ረዳኢ ሲኢኖም ዝነበሩ በርቢሩ ሰላም ለኩሉኩሙ ብምባል ብሰላም ናብቲ ዝጸናንዕሉ ስፍራ ዝመለሰ፡ ነቶም ዝጸምኡ ደሙ፡ነቶም ዝጠመዩውን ስግኡ ዘርወየን ዝመገበን፡ሓጥኣን ክሳብ ሕጂ ዘይፈለጥዎ ቅዱሳን ግን ፈጺሞም ዝተረድእዎ ምስ ስሉስ ቅዱስ ማዕረ ኣምላኽነት ማዕረ ሓያልነት፡ማዕረ ፈጣርነት ዘለዎ ናይ እግዚኣብሄር ስጉው ቃል ኢዮሱስ ክርስቶስ ኢዩ።
ኦ ሰብ ጥንተ መስቀል ኣምላኽ ትሩመ መልእክቱ ተመልከት።እግዚኣብሄር ንመስቀል ፈጠራ፡ግን ኣብኣ ተሰቒሉ ከኣ ኣድሓነካ፡እግዚኣብሄር ንዓኻ ነዛ ዕጸዚኣ ከይትትንክፋ፡ከይትበልዓ ኢሉ ከልከለካ ንስኻ ግን ብድፍረት ተወጢርካ፡ብሰጣናዊ ምኽሪ ነታ ገረብ ኣድመኻያ፡፡ፍሬኣውን ቀንጢብካ በላዕካ፡እሞ እግዚኣብሄር ድማ ኣብዛ ዘድመኻያ ገረብ ባዕሉ ብፍቓዱ ከምቲ ብገዛእ ኢድካ ነታ ገረብ ዘድመኻያ፡ሕጂውን ብኢድካ ኣብዛ ብገረብ ዝተሰረሐት መስቀል ደመየ።በል ነታ ገረብ ምስ ኣድመኻያ ደስ በለካሞ ካብ ፍሬኣ ቀንጢብካ ድማ በላዕካ፡እንተኾነ እቲ ፍረ ኣይጠቐመካን እካደኣ መርገምን ሞትን ኣምጻልካ።ክላ ግዳ እነሆ ባዕልኻ ዘድመኻዮ ኣማናዊ ብልዕን ኣማናዊ ዝተጸምቄ ካብ ኩሉ ብሉጽ ፍረታት ዝበለጸ ዘለላ ወይንን ምእንቲ ክትሰትን ክትበልዕን እነሆለ ፈጣሪኻ ኣብታ ገረብ ተቒሉ ብኢድካ ደመየ።ዘለልኡ ክሳብ ኣርባዕቲኡ ማእዝን ዓለም፡ዝዝርጋ ውሕጅ ኮነ።ነቶም ዝኣምንዎ ሓንጊርዎም ናብ መንግስተሰማይ ዝኸይድ ናይ ዘለላ ውሕጅ ኢዩ።ነቶም ዘይኣመንዎ ግን ከም ብርቱዕ ውሕጅ ጸርጊፍዎም ናብቲ መወዳድርቲ ዘብሉ ጥልቀታዊ ሲኦል ዝወስድ ጋሻ ውሕጅ ኢዪ።እሞ ኣንታ ወድ ሰብ ልብ ግበር።እንዳ ጠመኻ ዘዕግበካ መግቢ ፍለጦ፡እንዳጸማእካውን ብጽምእኻ ኣይትምበር፡ባዕልኻ ዘድመኻዮ ጎይታ ብፍቓዱ ንደምካ ባህሪኡ ገይሩ ኣምላኻዊ ናይ ርውየት ፈውሲ ዝህብ፡ንስጋኻ ባህሪኡ ገይሩ ኣምላኻዊ ሕክምና ናይ ነብሲ ዓጸቦ ዝዕንግል እግዚኣብሄር እነሆለ ኣይትዓሹ ልብ በል።
2) መስቀል ኣብ ክርስትና ከመይ ኢዩ፧መጽሓፍ ቅዱስ ክሰብከና እንከሎ "ዘይፈቅድ ይተልወኒ ይጽለኣ ለነፍሱ፡ወያጠብዕ ወይንሳእ፡መስቀለ ሞቱ፡ወኩሉ ዕለት ይተልወኒ።ትርጉሙ እቲ ክስዕበኒ ዝደሊ ገዝእ ርእሱ ይኽሓድ፡መዓልቲ መዓልቲ ውን ሞተ መስቐሉ ተሰኪሙ ይስዓበኒ።" (ሉቃ9፥23) ኢሉ ይምህረና።ኣንታ ወገነይ ኣብ ክሳድካ ዘሎ መስቀል መመላኽዒ፡ሰባት ጽቡቕ ኮይንካ መታን ክትረኣዮም፡ብፍላይ ብሪቕ-ሪቕ ዝብል ብሩራዊ መስቕል ስለዝገበርካ ኣቤት ኣቤት ኣቤት መታን ክበሃለልካ ኣብ ክሳድካ ተንጠልጥሎ እንተለኻ ፍጹም መንገድኻ ስሒድካ ኣሎኻ።እዚ ኣብ ልዕሊ፡ክርስቶስ ንዕቀት ኢዩ፡ክርስቶስ ደም፡ዘፍሰሰሉኮ ስጋዊ መልክዕካ መታን ክኹላዕ ኣይኮነን ስጋዊ ኣካልካስ መታን ክዋረድ እረ ክሳብ ንሞት ከይተረፈ ስለስሙ ተኣዛዚ ንኽኾውን እምበር። ብኹቡር ዝዋግኡ ብብሩር ዝተሰረሐ መስቀል ክትገዝእ ዝዓደመካ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፡ምድራዊ ፋሽን፧ወይ ጉድ ኣምላኽካስ በል ምስ ዘመን ዝቀያየር ኣምላኽ ዘይኮነስ ዘመናት ዘይቅይርዎ ዘልኣለማዊ ኣምላኽ ኢዩ።ንሱ ናይ ሞት መስቀልካ ጸይርካ ደድሕረይ ሰዓበኒ እንዳበለካስ ንስኻ ግን ዘመናዊ መልክዕ መታን ክወሃበኒ ደኣለይ ዝስዕበካን መስቀልካ ዝኣስርን እምበር፡ክብሩሲ ክሳብ ክንድዚ ገይረ ከኽብሮ ኣይግደይን'ዩ በልካ።
በል መልኽቲ ኣምላኽካ ተመልከት፦ኣነስ ክርስትያን ኢየ፡ግን ምስቀል ክስከም ከለኹ ሞት ክርስቶስ፡መከራ ክርስቶስ፡ተበጃውነት ክርስቶስ፡ተልእኾ ክርስትና ወዘተ ዝብሉ ሓሳባት ክመላለሱኒ ዝግበኦም፡በንጻሩካደኣ ፈጺመ ሓሲበሉ ኣይፈልጥን።ኣብ ከተማ ይዛወርሞ፡ሓደ መስቀል ክርስቶስ ኣንጠልጢሉ ክንሱ ብስኽራን ጺእ-ጺእ ጨንዩ ይጸንሓኒ፡ኣብ ካልእ ኣንጎሎ ይኸይድሞ መስቀል ዘንጠልጠሉ ግን ከኣ ዝዝምዉ፡ዝሕስዉ፡ኣብዘይክየድ ቦታ ዝኸዱ፡ብፍቕሪ መከራ ናይ መስቀል ደስ ኢልዎም ክውለፉ ዝግበኦም፡በንጻሩ ብፍተታት ስጋ፡ከም ሽጋራ፡ቡን፡ሓሽሽ፡ጫት፡ትምባኾ፡ባንጎ ወዘተ ንምዝራቦካ ጸሌዮ፡በዚኦም፡ክውለፍ የዒንተይ ካብዝርእያ ነዊሕ ኣቕጺረን።ኣነስ ውሱን ርሕቀት ክርኢ ዝኽእል ፍጥረት ኢየ፡እግዚኣብሄር ነተ ዝረኣዮ እንተዝድርግሖስ ክንደይ ንመስቀል ዝጻረሩኮን ምተረኽቡ፧መሊኦም።ኣነ ንባዕለይ መስቀል ተሰኪመ፡ክርስትያን ዝብል ስም ተሓንጊጠ፡ኣብ ቤት ክርስትያን ስም ክርስቶስ ዝጽወዓሉ ስፍራ ብትዕቢት፡ብክፋእ፡ብንዮተ ኮንቱ ውዳሴ እልፊ ዘይብሎም ደቀቕቲ መሲሎም ዝረኣዩ ግን ከኣ ንመስቀል ክርስቶስ ዝጻረሩ ጠባያት ካብ ዝለማመዶም ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ።ኦ እግዚኣብሄር ንሕና ናትካ ኢናሞ፡ናትካ ኮይንና ክንነብር ሓይሊ ሃበና፡ኣብ መስቀል ዘቕረብካዮ ንጹሕ መስዋእቲ ንሕና ዓቂብናዮ መታን ክንነብር ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ተኸተልናካ ንሱ ዓስቢ መታን ክህበና፡ክሳብ ቀራንዮ ምሳኻ ምስ ሰዓብና ንሱቲ መስቀል ድማ ናይ ብናይቲ ላዕላዩ ቀስቲ ሕዚና ክሳብ ሰማያት ንኽበጽሕ'ዩሞ፡ነዚ ክንርደኦን፡ክንስዕቦን እቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ሓይልኻ ሕጂ የድልየና ከምዘሎ ንስኻ ትፈልጥ፡ኣሜን
3) ጥንተ መስቀሉ ዓመታዊ በዓል ስለምንታይ 27መጋቢት ይውዕል፧
እወ ቅዱስ ድሜጥሮስ ዝበሃል ቅዱስ ኣቦ፡ብዛዕባ ቀመር ናይ ዓመታዊ ዑደት ናይ ግዜያት ክውጥን እንከሎ፡ንኹሎም መንፈሳውያን በዓላት ከከም ዝግበኦም፡ኣኣብ ኩነታቶም ነንዘመኑ ዘመሓላልፍዎ መንፈሳዊ መልእኽቲ ንኽጥዕም ብመንፈሳዊ ቅኒት ተመሪሑ ወጠነ።ኣብ ናይ ጎይታ ዕለተ በዓል እንክበጽሕ ግን ፍጹም ተሸገረ።በዓለ መድሂን ዓለም ዕለተ ዓርቢ ኢዩ ዝውዕል፡በዓል እንተኾይኑ ድማ መንፈሳዊ ሓጎስ ዝድሰቶ፡መንፈሳዊ ፌስታ ተደርጊሑ ናይ ሓጎስ ጥሩምባ ዝእወጆ ዕለት ኢዩ ክኾውን።እዚ ቅዱስ ኣቦ፡ኣዝዩ ብመንፈሳዊ ብስለት ዝተቓነየ ኣቦ ስለዝነበረ፡" ብዕለተ ዓርቢሲ መከራ ጎይታ እንዳዘከርካ ስጋኻ ብጾም፡ ብጾሎት፡ብስግዳን ተድክም እምበር ከመይ ገይረ ኣብዚ ዕለትዚ ስጋይ የዕሪፋ ትውዕል።እዚ ዕለትዚኮ ጎይታ ስለሓጥያተይ ክብል ዝተንከራተተሉ ኢዩ፡እሞ ኣነኸደኣ ኣብዚዕለት ሓጥያተይ እንዳተነሳሕኩ ክሰግድ ደኣ ይግባእምበር ከም ቀዳመ ሰምበት፡ከይሰገድኩ ክውዕል፡"ኣብዝል መንፈሳዊ ወጥሪ ኣተወሞ፡መንፈስ ቅዱስ ተገሊጹ እወ ሓቂኻ ኣሎኻ ክቡር ድሜጥሮስ፡መዓልቲ ክብረ በዓለይ ኣብ ዕለተ ዓርቢ ክኾውን ኣይግበኣንሞ ኣብተን ካልኦት መዓልታት ግበረን ክቕድሰልካን በዚ ዕለትዚ መንፈሳዊ በዓለይ ኣዳሊኻ እንተጸዋዕካኒ ጾሎትካ ሰሚዐ ክባርኸካ ኢየ፡ኢሉ ቃሉ ኣስመዐ።

መጽሓፍ ቅዱ ከምዚ ይብል"ወይዝክሩ ወይትመየጡ፡ሀበ እግዚኣብሄር፡ኩሎሙ ኣጽናፈ ምድር፡ወይስግዱ ቅድሜሁ ኩሎሙ በሐውርተ ኣህዛብ።ትርጉሙ፦ ኩሎም ህዝብታት ንእግዚኣብሄር ክዝክርዎን፡ናብኡ ክምለሱን ኢዮም።ብዘለዉ ነገድ ኣህዛብ ውን ኣብ ቅድሜኡ ክሰግዱ ኢዮም፡እግዚኣብሄር ንጉስ ኢዩ፡ንኹሎም ኣህዛብውን ይገዝኦም፡ኩሎም፡ሃብታማት ምድሪ በዓል ክገብሩን ክሰግድሉን ኢዮም።ሞት ዘይተርፎ ፍጡር ክሰግደሉ ኢዩ"ይብል።
(መዝ22፥27-29)

ስለዚ ናይ ሓሶት ዝበዓል ንመፍረዪ ሓጥያት ተባሂሉ ዝተዳለወ መዓልቲ ሓሶት ብሓጥኣን ዝኽበር በዓል ኣሎ፡ናይ ሓቂ ዝኽበር ጽድቂ ዘፍሪ መዓልቲ ሓቂ ዝነገሰሉ ሓሶትን መራሒኣን ድማ ኣብ መስቀል ተኣሲሩ እረ ክሳብ ዝነድድ ሲኦል ዝወረደሉ ጻድቃን፡ዝሕጎስሉ መዓልቲ ሓቂ ድማ ኣሎ።( ዮው8፣32 ንሓቂ ክትፈልጥዋ ኢኹም ስለዝተባህሉ ጻድቃን ንሓቂ ፈለጥዎ፡ንሱ ክርስቶስ ኢዮሱስ ኢዩ።) መዓልቲ ፍቑራት ብዝብል ጥበራ ውሽጠውሽጡ ግን ምንዝርናን ምጽልላእን ዝመለኦ ዓመታዊ ብሓጥኣን ዝኽበር በዓል ኣሎ፡ብቅዱሳ ድሜጥሮስ ዝመራሒኦም ነቲ ናይ ባህሪ ፍቕሪ ዝውንን ንባዕሉ ፍቕሪ ዝኾነ እግዚኣብሄር፡ምእንቲ ፍቕሪ ሰባት ኢሉ ኣብ መስቀል ዝኸፈሎ ዋጋ፡መንፈሳውያን ዘኽብርዋ ዓመታዊ በዓል ከኣ ኣሎ።እቲ ምንዝርና ዝወልድ ናይ ኣምስሉ ፍቕራዊ በዓል ኢዪ፡እዚ ግን ሓንቲ ምስ ሓደ፡ሓደ ምስ ሓንቲ ኣወሃሂዱ ሓደ ዝገብር ቅዱስ ፍቕሪ ዝወልድ ዕለት ኢዪ፡እቲ ናይ መርገምን ናይ ጣዖትን ዕለት ኢዩ፡እዚ ቅዱስ ድሜጥሮስ ዝሰርዖ ቅዱስ ዳዊት ዝተነበዮ ዕለት ግን ናይ በረኸት፡ናይ ቅድስና ናይ ቃል፡ኪዳን ዕለት ኮይኑ ናይ ባህሪ ኣምላኽ እግዚኣብሄር ንሰባት ክሳብ ክንድዚ ኣፍቂርዎም ተባሂሉ ዝንገረሉ ዕለት ኢዩ። በዚ ዕለትዚ ፍጥረታት ሕፍረት ኣምላኽ ከይረአ ንማለት ብርሃኖም ከልከሉ፡ጸልማት ድማ ኮነ፡ሓጥኣን ግን ሕፍረቱ ንኽቅላዕ ጥራሕ ዕርቃኑ ኣትረፍዎ፡በዚ ዕለዚ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣኻውሕ ኣምላኾም፡ኣዚዝዎም ተጨድዱ፡ምድሪ ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ተኺሎም፡ሰቒለሞ ዝነበሩ ኣምላኻ እሺ ኢላ ንፈጣሪኣ ተኣዚዛ ኣንቀጥቐጠት፡ ጥልቀት ሲኦል ድማ ተበርበረ፡ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ዝፈጠራ ኣምላኽ ሕጂ ግን ናይ ሰብ ነፍሲ ተዋሃሂዱ ብናይ ሰብን ኣምላኽን ናይ ተዋህዶ ድምጺ ሰላም ንዓኹም ይኹን ብዝብል ብስራት ነቶም ናይ ሲኦል ተቐማጦ ጥዑም ቃና ኣበሰሮም።

ኣቤት ነዚ መን ተንቲኑ ክውድኦ ይኽእል።ብፍጹም ሓደ ፍጥረት ኮይኑ ዋላ ካብ ወገን መላእኽቲ እካ እንተኾነ ነዚ ምስጢርዚ መርሚሩ ክበጽሖ ዝኽእልሲ መን ኣሎ፧ኣነስ ይኣኽለኒ እታ ዓቕመይ፡ናይ ዛ ብርክቲ ዕለት ኦ ጎይታ እግዚኣብሄር ብምግባረይ ዘይኮነይ ብብዝሒ ምሕረትካ ምእንቲዛ ዕለት ክትብል ባርከኒ።ንኹሉና ደቕኻ እሜን።
ይትባረክ እግዚኣብሄር ኣምላክነ ኪያነ ዘፈጠረ ከመናምልኮ።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...