tirsdag 21. mars 2017

ኣማኒኤል ኣምላክነ


ብስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።

ኣማኒኤል እንታይ ማለት ኢዩ?
ኣማኒኤል እግዚኣብሄር ምስለነ፡ኣምላኽ ምሳና ማለት ኢዩ።እዚ ቃል እዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብመንፈስ ትምቢት ቅዱሳን ዝተነበይዎ፡ፍጻሜኡ ግን ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብዕለተ 29 ሊደት ኢዩ ተፈጺሙ።እግዚኣብሄር ሰብ ምስ ኮነ እግዚኣብሄር ምሳና ኢዩ እናተባህለ ተዘመረ።
ኣብ ብሉይ ኪዳንከ ምሳና ኣይነበረን ድዩ?ነይሩባ።እግዚኣብሄር ኣብ ብሉይ ኪዳን ይኹን ሓድሽ ኪዳን፡ወይ ውን ድሕሪ ምጽኣት ዘሎ መወዳእታ ዘይብሉ ዘመን ዕድሜናውን ሽዑኡ ምሳና ኣሎ።እሞ ድንግል ክትጠንስ ወዲ ክትወልድ ስሙ ድማ ኣማኒኤል ክትብሎ፡ትርጉሙ ከኣ ኣምላኽ ምሳና ማለት ኢዩ ተባሂሉ ብትምቢት ተነጊሩ ኢዩ።መጽሓፈ ቀለሜንጦስ ድማ፡ካብ ጋል ጋልካ ተወሊደ ከድሕነካ ኢየ ዝብል ጽሑፍ ነንብብ።እግዚኣብሄር ብስጋ ከይተወልደ ከድሕነና ኣይምኸኣለን ድዩ፧ ኣምላኽ ምሳና ተባሂሉ ዝተነግረሉኸ ብብሉይ ኪዳን ብኸመይ ምሳና ነይሩ ማለት ኢዩ፧
እግዚኣብሄር ንዓለም ክፈጥራ እንከሎ ብጥበብ ፈጠራ፡ከድሕና እንከሎውን ብጥበብ ፈጠራ።ንሰብ ክሰርሖ እንከሎ ብጥበብ ሰርሖ፡ከድሕኖ እንከሎ ድማ ብጥበብ ኣድሓኖ።ህልውንኡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ብጥበብ ይነብር፡ንደቂ ሰባትን ንቅዱሳን መላእኽትን ድማ ብጥበቡ ተገልጸሎም።እግዚኣብሄር መግቦቱ ኩሉ ጥበብ ኢዩ፡ብፍሉይ መግቦት ድማ ንደቂ ሰባት ብጥበቡ መገቦም።እዚ ጥበብ እዚ እግዚብሄር ኢዩ።ስሙ ድማ ኣማኒኤል ተባህለ።ብስጋ ከይተገልጸ ኣብኡ እንከሎ ተዘድሕነና ፍቕሩ ኣይምተረዳኣናን፡ኣብኡ እንከሎ ስግኡን ደሙን ሂቡ ተዝምግበና፡መግቦቱ ኣይመዕገበናን ዋላውን ንዕዳና ኣይምኸፈሎን።ምኽንያቱ እቲ ዝኽፈል ዕዳ ብሞት ዝኽፈል ዕዳ ኢዩ፡ኣምላኽ ብባህሪኡ ኣይመውትን ኢዩ፡ንሕና ብሓጥያትና ሞት ምስ ኣምጻና ግን፡ነዚ ሞትዚ መታን ክቐብር ንሱ ነቲ ዝመውት ስጋና ክለብስ ፍቕርና ገደዶ።ነዚ ብየናይ ጥበብ ኢና ክንትንትኖ።ነርምምን ስቕ ንብልን እምበር ክንዲዝ ይኸውን ኢልና ፍቕሪ እግዚኣብሄር ክንልክዖ ኣይከኣለናን።
ብዘመነ ብሉይ ምስ ደቂ ሰባት ንዝነበሮ ፍቕሪ ብጸጋ ይነብር ነበረ።ሕጂ ግን ብተዋህዶ ምሳና ተጣበቐ፡ቀደም፡ንእግዚኣብሄር ፈጣሪና ንብሎ ነበርና፡ሕጂ ግን ፈጣሪናን ሓውናን ክንብሎ በቓዕና፡ቀድም ንእግዚኣብሄር ረዳኢና ንብሎ ነበርና ሕጂ ግን ስጋና ለቢሱ ክሳብ ሞት ተበጅዩ ዝረድእ መድሓኒትና፡ቀድም ንቃል እግዚኣብሄር ወድ እግዚኣብሄር ጥራይ ንብሎ ነበርና፡ሕጂ ግን ወድ ሰብ ተባሂሉ ሰባኣዊ ልደት ብድንቂ ተኣምር ለበሰሞ ወድ ሰብውን ተባህለ።
ስለምንታይ? ኣምላኽ ንሕና ደቂ ኣምላኽ መታን ክንብሃል፡ንሱ ወድ ሰብ ተባህለ፡ንሕና መታን ክሳብ ሰማያት ክንልዕል ንሱ ክሳብ ሰብ ምኻን እረ ሞይቱ ክሳብ ሲኦል ወረደ፡ንሕና ሰማያዊ መንነት መታን ክንለብስ ንሱ ኣብ ምድሪ ካብ ትርከብ ካብ ጋል ኣዳም ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ኣምላኽን ሰብን ኮነ።እሞ እግዚኣብሄር ንድኹም ስጋይ ካብ ተዋሃሃዶ ኣየናይ ድኻም ኢዩ ከድክመኒ?ምላኽ መንነተይ ካብ ወሰዶ፡ኣየናይ መንነት ኢዩ ከታሃራርፈኒ? ኣምላኽ ክንድዚ ዝኣክል መከራ ጸጊቡ ከብቅዕ ኣነ ደኣ ኣየናይ ፈተና ኢዩ ክሕንኩለኒ።ኣምላኽ ምሳይ ብምህላዉ ብሓይሉ ስጋይን ነብሰይ ክሕይል፡ስለ ምድራዊ መንነት ኣይክጭነቕን ኣብዚ ዓለም ንዘሎ መከራ ምስቲ ናይ እግዚኣብሄር መከራ ኣይከዋዳድሮን።ኣብ ሰማያት ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብሰለስትነቶምን ብሓድነቶምን ይስለሱን ይምስገኑን ኣሎዉ።ኪሩቤል ብፍርሓት ይሰግድሎምን የመስግንዎምን ኣሎዉ፡ካብዞም ሰለስተ ኣካላት እቲ ሓደ ኣካል፡ስጋይ ዝለበሰ፡ወድ ሰብ ተባሂሉ ዝመ ዝነበረ ኣምላክ ወሰብእ፡ተባሂሉ ብተዋህዶ ዝኸበረ ኢዮሱስ ክርስቶስ ኣማኒኤል ኢዩ።ብስጋ ተገሊጹ፡ከም ኩሉ ብዘይካ ሓጥያት ንበይና ሰብ ኮይኑ መሎኮቱን ስግኡን ብተዋህዶ ሓደ ዝኾነ ኣማኒኤል ኣምላኽና ይኽበር ይመስገን።
ስብሀት ለኣምላክነ እንተ ስሙ ኣማኒኤል፡ወስብሀት ለወላዲቱ ቅድስት ድንግል ብክልኤ ማርያም ወስሀት ልክቡር መስቀሉ ኣሜን።

Ingen kommentarer:

Legg inn en kommentar

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...