torsdag 30. mars 2017

ሼመታ ሓሲሩስ ዓጸቦ ግን ኣስፋሕፊሑ!

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን
ሼመታ ሓሲሩስ ዓጸቦ ግን ኣስፋሕፊሑ!
ከብዲ ክትጠሚ እንከላ ኣብ ቅድሚኣ ዝረኣያ ብልዖት ኢዩ፡ክትበልዕ እንተኾይና ግን ሸውሃት ክኽፈት ኣሎዎ።ቅድሚ ሸውሃት ምኽፋቱ ድማ ውሓለ ሰራሒ መግቢ፡ጥበብ ዝተመለኦ ኢድ የድሊ፡መቸም ኣብ ዓድና ምስ በልዓኻ ምስ ጸገብካ እንታይ ኢዩ ዝብሃል"ጡዑም ጡዑም!" እቲ ኣእንጋዲ በዓል ውራይ ብፍላይ ብዓል ሓዳር እንተኾይኑሞ፡ክልቲኦም ብሓደ እንተጸኒሒም፡ብሓደ ድምጺ"ጡዕም ይሃብካ!" ኢሎም ይምልሱ።እዚ መልሲዚውን ነቲ ተመጊቡ ዝጸገበ ተመጋቢ ካልኣይ መግቢ ኮይኑ ኣብርሲ እቲ ዝበልዖ ካልእ ብልዖት ይኾኖ።ነዚ ዝቕበል ስምዒት ውን ሸውሃት የድሊ፡ኩሉ ብሸውሃት ኢዩ ዝኾውን፡ሸውሃት እንተትዓጽዩ፡ተንዲኖ መጽኡ ክፍንቅሎ ኣይከኣልን።
ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ኣብ ዓለም ዓቢ ዓጸቦ ኣትዩ ኣሎ፡እቲ ዘገርም መግቢ ስለዝኸበረ፡መግዚኢ ገንዘብ ስለዝተሳእነ ኣይኮነን፡እቲ መግቢ ሕሱር ኢዩ፡እረ ምንም ትኸፍሎ ዋጋስ ምስቲ ትምገቦ መግብን፡ምስቲ ጣዕምኡን ኣወዳዲርካ፡ትኽፍሎ ዋጋ ዳርጋ የለን ኢዩ ዝብሀል።ቅዱስ ዳዊት" ጼኣ ወባህበሄ ኣዕጽምትየ፡እምገጸ ኣበድየ፡(መዝ37፥5)ትርጉም ካብ ሓጥያተይ ዝተላዕለ ኣዕጽምተይ ይሞግል ኣሎ ይብል።ምግሊ ሓደ ካብቶም ንሸውሃት ዝዓጽዉ፡ዓበይቲ መዓጹ ኢዩ።ምግሊ እተሪኢኻ፡ምሉእ ሕልናኻ ረሸሽ ኢዩ ዝብለካ፡ይዋእ ኣብዚ ዘመን ዘለና ደቂ ኣዳም፡እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ምግሊ ነቲ ካብ እግዚኣብሄር ከም ካብ ጭሔሎ ዝፈሥስ ምሕረቱ ንኸይንምገብ ንመንፈሳዊ ሸውሃትና ዓጽይዎ ይርከብ።እኽሊ ክሓስር ይኽእል ኢዩ፡ስርናይ ክሓስር ይኽእል'ዩ፡ስገም ክሓስር ይኽእል ኢዩ፡ገንዘብውን ክሓስር ይኽእል ኢዩ፡እረ ሎምስ ብዙሕ ጻዕሪ ከይገበርካ ብድቅስካ ገንዘብካ እንዳተዋህብካ ዝንበሮ ዘሎ ናብራ ስለዝኾነ ኣብነት መረዳእታ ዘድልይክ ኣይኮነን፡ኣዚ ብቐሊሉ ዝርብ ክኾውን ይኽእል ኢዩ።እቲ ዝሓሰረ፡እረ ብቀሊሉ ዝርከብ፡ብጣምነቱን፡ፈዋስነቱ ምንም መወዳድርቲ ዘይብሉ ግን ምሕረት እግዚኣብሄር ኢዩ።
እግዚኣብሄር ፡ነፍሲ ወድ ሰብ መታን ክትምገብ ኢሉ፡ምሕረቱ የፍስስ፡ነፍሲ ወድሰብ ግን እቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ሓጥያታዊ ምግሊ ንሸውሃታ ስለዝኽልክሎ፡ነቲ መግቦተ ምሕረተ እግዚኣብሄር ንኸይትምገብ ምኽንታት ይኾና።ብዘይ ውረድ ደይብ፡ምሕረቱ ምሉእ እንዳሃለወ፡ሓጥያታዊ ምጉልና ግን ነዚ ምሕረትዚ ንኸይንምገብ ሸውሃትና ዓጽይዎ።ምሕረቱ ምሉእ ብምሉእ ይፈስስ ኢዩ፡ዝምገብዎ ግን ውሕዳት ኢዩ።ናይዞም ምሕረት እግዚኣብሄር ዝምገቡ ሰባት"ጥዑም ጥዑም" ዝብል ድምጺ ካብ ገጾም ይንበብ።ኣፎም እካ እንተዘይተዛረበ፡ኣካይደኦም፡መንፈሳውነቶም ግን መጋልሕ ድምጺ ገይሩ ይጭርሕ።"ጥዑም ይሃብህካ" ዝብል ድምጺ ድማ ካብቲ ናይ ባህሪ ወሃቢ ምሕረት እግዚኣብሄር ዘይኮነስ፡ካብቶም ክኣስሩን ክፈትሑን ካብ ሞሎኮታዊ ባህሪኡ ስልጣናዊ ጸጋ ዝመቐሎም ካህናት ይስማዕ፡ንሳቶም ቅዳሴ ኣቐዲሶም ነቲ ኣማናዊ ምሕረት ዝኾነ ብልዒ ነፍሲ፡ንስጋን ንነፍስን ከኣ ዝፍውስ ቅዱስ ስጋ ወደሙ ይህቡና።እዘን ነዚ ዝሰርሓ ዘለዋ ናይ ካህናት የእዳው፡ኣፎም እካ "ጥዑም ይሃብኩም" ክብል እንተዘይተሰምዓ፡የእዳዎም ግን ከሳልማና እንከለዋ፡ነቲ መሎኮት ተንኪፈን ስለዝጸንሓ ናይ እንካዕ ደስ በለኩም፡ስግኡን ደሙን ተመጊብኩም እንካዕ ብመግቦቱ ዓገብኩም" ዝብል ብስራት ሒዘን ካብ ውሻጠ ቅድስተ ቅዱሳን፡መንጦላዕተ ብርሃን ወጽየን ናብ ኩሉና ክዘራ ብየዒንትና ንርእየን።
ኦ ህዝቢ እግዚኣብሄር ምሕረት ኣምላኽ ብገንዘብ እንተትግዛእ መን ምገዝኣ፡ምሕረት ኣምላኽ ተሰዲድካ እንተትርከብ መን ምረኸባ? ምሕረት ኣምላኽ ተማሂርካ ተማራሚርካ እንተትብጻሕ መን ምበጽሓ፧እግዚኣብሄር ግን ነቲ ካብ ኩሉሉሉ ዝኸበረ ነገር፡ካብ ኩሉ ዝሓሰረ ገይሩ ብቐሊሉ ከም ዝርከብ ገ ገበሮ።ምላልባሽ ሓደ ሰብ ንስሓ ስለዝኣተወ፡ጾም ጸሎት፡ስግዳን፡ምጽዋት ወዘተ ነዚኦም ስለዝገበረ፡"ኣነሞ ከፊለ እንድየ፡እቲ ዝኸፈልክዎ ዋጋኮ ማዕሪኡ ክንድቲ ዝምሕረኒ ኢየ ከፊለዮ" ዝብል ኣይስኣንን።
ኣይኮነን! ፍጹም ኣይኮነን፡እግዚኣብሄር ንዝምሕረና ምሕረት ዋላ ሓደ ዝዋዳደሮን ዝመዓራረዮን የብሉን፡ነፍስና ንስሓ ክትኣቱ እንከላ፡ነቲ ካብ እግዚኣብሄር ዝምጦ ምሕረት ማዕረ ዋጋ ንኽትከፍል ኢላ ዘይኮነትሲ፡እቲ መሓሪ ባዕሉ ብጸግኡ "ንምሕረተይ ዝዋዳደር ነገር እካ ኣይሃሉ እምበር፡ተጣዒስኩም እንተመጻኹም ግን ምስቲ ጣዕሳኹም ኣረኣእየ፡ምሉእ ብምሉእ ምሕረተይ ክህበኩም ኢየ" ብምባል፡ንሕና ጣዕሳና ብንገልጸሉ ግዜ ንሱ ምሕረቱ ይኽዑ፡ንሕና ልብና ንህቦ ንሱ ምሕረቱ ንልብና ይመልኦ፡ንሕና ንመንገድና እንካ ምርሓዮ ንብሎ፡ንሱ ድማ ብምሕረቱ ነታ መንገዲ ቀጥ ዝበለት ሓንቲ ይገብራ።ለካ ኣብ መንጎ ምሕረት እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎናን ሸመታ ይፍጸም'ዩ፡እረ ዓቢ ዕዳጋ ኢዩ፡ብዓል ዱንካን እግዚኣብሄር'ዩ፡ሸማቶ ድማ ወድ ኣዳም፡እዛ ድንካን እዚኣ ትሕዝቶኣ ኣይውዳእን ኢዩ፡ግን ብጥርሑ ከኣ ይርከብ፡እቲ ዘድሊ ናብዛ ድንካን መጺኻ ሃበኒ ምባል ጥራይ ኢዩ።ንሰብ መዓልታዊ ሃበኒ የሸልችዎ ኢዩ፡ንእግዚኣብሄር እናሻዕ የሐጉሶ።
ናብ ሰብ ዝውንኖ ድንካን ኣቲና፡ይትረፍዶ እቲ ዝኸበረ ነገርሲ፡ዋላ እታ ዝሓሰረት ነገር ንበላ ብዘይ ዋጋ ኣይህበናን ኢዩ።እግዚኣብሄር ግን ልብና ምሉእ ብምሉ ተጣዒሱ፡'ሂዎተይ ብዘይዛ ድንካን እዚኣ ክዕረ ኣይክእልን ኢየሞ ናብዛ ቤት እዚኣ ክኸይድ' ኢልና፡ነቲ ወናኒ ምሕረት ፡ምሕረት ሃበኒ እንተኢልናዮ፡ ሓጥእ ነይርካ ክትምሓር፡ውሽጥኻ ብሓጥያት መጊሉ ክንሱ ብምሕረት ክጸሪ፡መንገድኻ ዘምቢሉ ዝነበረ ክዕረ እቲ ዝኸበረን ዝዓበየን ዋጋ ዝሓትት ክንሱ፡እግዚኣብሄር ነዛ ምሕረት እዚኣ ብፍቓዱ ብናጻ ይህበና።ወየ ወየ ወየ መልቀስ ዘድልዮ ወየ!!! እንታይ ዝበለ ዕሽነት ኢዩ ወሪሩና!!!ልብና ሸውሃታ ተዓጽዩ፡ሓወይ ምሕረት እግዚኣብሄር ትደሊዶ፧ንስኺኸ ሓፍተይ ክትምሓሪ ትደልዪዶ፧ ጣዕሳ ጥራይ ይሃልውካ እምበር ምሕረት ኣምላኽ እንሃ፡ፍቕሪ ኣምላኽ ጥራይ ይሃልውኪ እምበር ንሱስ ስሌኺ ክብል ክሳብ ሞት ዘፍቀረኪ መድሂን ዓለም ጣዕሳኺ ክጽበ የእዳዉ ዘርጊሑ እንሆ።
እግዚኣብሄር ሆይ፡ምሕረትካ ንኸይምገብ ሸውሃተይ ዝዓጸዉ ብዙሓት ሓጣውእ ኣሎዉ፡ኣብ ውሽጠይ ምግሊ እንዳሰርሑ ንኸይጥዓስንሞ ንስኻ ንከይትምሕረኒ፡ ከም ብተንዲኖ ዝተሰርሐ መንደቕ ኮይኖም ጋሪዶምኒ ኣሎ።ኦ እግዚኣብሄር ናባኻ ክምለስ ሓይሊ ሃበኒ፡እዛ ዓለም ብሰብ ኣዕለቕሊቓ ኢያ፡ነቦና ኖህ ኪዱ ንዓለም ምልእዋ ኢልካ ዝኣዘዝካና፡ምድሪ ብፍጥረካ መልአት፡ምሕረትካ ቀረባ እንዳሃለወ ግን ሸውሃትና ተዓጽዩ፡ብሰንኪ ሓጥያትናን ዕሽነትናን ናባኻ ምምላስ ሓንጊድና፡ኣምላኽና ሆይ ነዚ ኩሉ ፍጥረትካ ምሕረት ካባኻ ክሽምት ሓይሊ ሃቦ።እመ ኣምላክ ቅድስት ድንግል ማርያም ሆይ ናብዛ ምሕረት እዚኣ ክንምለስ ኪዳንኪ ይሓልወና፡ኣሜንንንን
ስብሀት ለስሉስ ቅዱስ እንዘ ሰለስቱ ኣካላት ወይትሀዱ በመለኮት፡ወስብሀት ለቅድስት በ2ኤ ማርያም ወስብሀት ለመስቀኩ ክቡር ኣሜን።

Ingen kommentarer:

Legg inn en kommentar

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...