mandag 31. desember 2018

ህድኣት ሃዲኣ!


በስመ ሥላሴ

ፈላለይቲ ስምዒታት፡ ሓደሽቲ ሕርኽራኻት፡ ኣጋይሽ ሓሳባት ናብ ስነ-ልቦና ክኣትዉ ከለዉ፡ ኣእምሮ ይርበሽ፡ ሕልና ይስነፍ፡ እምነት ይልሕልሕ፡ ምግባረ-ሃይማኖት ይርሳዕ፡ እቲ ቀረባኻ ዝኾነ እግዚአብሔር ከኣ፡ ከም ጓናኻ ኴኑ ይስምዓካ። ልብን ሕልናን፡ ሓሳብን ፍልጠትን፡ ምግባርን ሃይማኖትን እናተበኣሱ የሸግሩኻ። ልብኻ ብዝርጉሕ ኢዳ፡ ንዂሉ ፍጡር ብፍቕርን ግርህነትን ትልግስ ዝነበረት፡ ሎሚ ፍቕሪ ይኹን ህያብ ክትቅበል ዓቐብ ይኾና፡፡ ምስ ኣእላፋት ብሰላምን እፎይታን ክትነብር ዘይእግመካ ዝነበርካ ሰብ፡ ድሕሪ ዝርግርግ ግን ምስ ገዛ ርእስኻ'ኳ ምትዕራቕ ይሰኣነካ። ውሽጥኻ ብቃል ኣምላኽ ክጠልል ዝግበኦ፡ እንታእዋኑ ቃልቃል ከብለካ ይጅምር። ቃሉን ተግሳጹን ንምስምዑ ዓቐብ ይኾነካ። እንታይ ጉዱ፧ እንታይ'የ ዝኸውን ዘለኹ፧ ንምርባሸይን ምጭናቐይን መን ተሓታቲ፧ ንመን'የ ዘላግበሉ፧ ንእግዚአብሔር፧ ፍጹም!


ኣብ ውሽጠይ ርእየዮም ዘይፈልጥ፣ንኣሽቱ ዝመስሉ ግን ከኣ ፍርዝን-ፍርዝን ዝበሉ፡ ንናይ ውሽጠይ ህድኣት ዝህውኹ፣ሓደሽቲ ዝመስሉ ግን ከኣ ዘመናት ዘቕጸሩ፣ስጋዊ መንነት ዘለዎም ዝመስሉ፡ ግን ከኣ ምስ ጅማሬ  ዕድመ ናይቶም ርኹሳን መናፍስቲ ምትሕሓዝ ዘለዎም፣ ንትዕግስተይ ዝፈታትኑ ህዉኻት ኣጋይሽ ኣብ ውሽጠይ፡ብናይ ሕልናይ መነጸር የንብቦም ኣሎኹ።ቅድሚ ሕጂ ተፈሊጦምኒ ዘይፈልጡ፡ኣሻቦም ተረበጽቲ መናፍስቲ ይበቕሉኒ ኣሎዉ።ብኸመይ ከምዝኣልዮም፣ብኸመይ ከምዝሃድእ መፍትሒ ክደሊ ዝተበገስክሉ ግዜ ኣይነበረንንን።ንዒቐዮም ግዲ ኮይነስ፣ብዙሕ ግምት ኣይሃብክዎምን።ግን ድሮ ዘሰነፉኒ መሲሎም ይረኣዩኒ ኣሎዉ።ቀልጢፈ ቁጥዕ-ቁጥዕ ይብል።ንዝተሓተተኒ ይኹን ንዝመጻኒ ነቔፌታ፣ ግብረ መልሲ ንምሃብን ንምምላስን ብዓይኒ ጥርጣሪ ጥራይ ክጥምት ካብ ዝጅምር ነዊሕ ግዜ ኣቚጺረ ኣሎኹ።ስመይ ህድኣት ኢዩ። ንነገራት ግን ብህድኣት ክምልከቶም ኣይተኸኣለንን።መቸስ ዝተጸዋዕክሉ ዕላማ፣ብዝተረበሸ መንፈስ ንዝርበሹ ዘለዉ ወገናት ንከህድኦም'ዩ ነይሩ።ግን እንከይሃዳእኩ ክህድእ ብምፍታነይ፣ነቶም ዝህወኹ ዘለዉ እንደገና ከምዝህወጹ ገይረዮም'የ።ናይ ምርባሽ ሓዊ ኣሳዊረ ቃል ቃል ኣቢለዮም።ሳላይ ክሃድኡ ዝግበኦም፣ብሰንከይ ክቃጸሉ ጀሚሮም።ናብ ቤት ህድኣት እንዳተመላለስኩ፣ህድኣት ቀሲመ ህድኣት ንከቐስሞም ጸጊምኒ።ዘንብቦም መጽሓፍቲ ኩላቶም ብዛዕባ ህድኣት ተንቲኖም ዘረድኡ፣ነገራት ብኸመይ ከምእትፈትሖም ዝገልጹ ህዱኣት መጽሓፍቲ ክንሶም፣ኣነ ግን ህድኣት ተማሂረ፡ኣይኮነን ክምህረሎምሲ፣ህድኣት ክለብሰሎም'ውን ኣይከኣልኩን።ካበይኮን'ዩ'ቲ ጸገም! ካብቶም መጽሓፍቲዶ ወይሲ ካባይ፧ብዙሓት ናይ ወንጌል መምሃራነይ፣መራሕተይ ኣዝዮም ህዱኣትን ትሑታትን ክንሶም፣ነዚ ባህሪ'ዚ ካብኣቶም ክወርሶ ኣይተኻእለንን።ካብ ልሳኖም ዝፍኖ ቃል፣ብዛዕባ ህድኣት'ዩ፣ልበይ ግን ተሪሩ ድዩ ፈርኪሹ ክሃድእ ኣይከኣለን።ኣቡ-ነፍሰይ፣ንናይ ነፍሰይ ህድኣት ብዘይ ምትኻስ ከምዝዓዩ እንዳፈለጥኩ፣ኣነ ግን ክሃድእ ኣይከኣልኩን።ካብ ጥቕሉልን ድምርን ናይ ከባብየይ ወትሩ ዝመሃሮ ዘለኹ ነገራት፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ህድኣት'ዩ። እናሻዕ  ዝኾኖ ዘለኹ ግን፡ ታህዋጽ ዝተመልአ ሕይወት ኴኑ በቃ!


እንታይ ኢዩ እቲ ጸገም፧እሞ ስመይዶ ክቕይር ነይሩኒ፡ ወይሲ ነቶም ናይ ህድኣት መምሃራነይ ክልውጦም ኣሎኒ፧ማለት ከምዚ ከማይ ህዉኻት ክገብሮም፣ኣንፈቶም ዝለወጡ ናይ ህውከት መምሃራን ገይረ ክልውጦም።እዚሞ ፈጺምካ ዘይሕሰብ'ዩ!! ከመይ ኢልካ ይከኣል፧ ኣነ ስለዝተረበሽኩኸ ከመይ ከማይ ህዉኻት ክገብሮም፧ "ቊላዕ እኮ ቁሩብ ዓቕሊ 'ተዝገብር፣ቁላዕ ኮይኑ ኣይምተወልደን" ኢሎም ይምስሉ ኣቦታት።ተሃዊኽካን ተረቢሽካንከ መፍትሒ ድዩ፧ በንጻሩስ ኩሉ ርቡሽ ነይሩ ተዝኸውን ደኣ፣ህድኣት ኣበይ ምሃለወ፣ኩሉ ህዱእ ነይሩ ተዝኸው'ውን ናይ ህድኣት መምሃራን ኣይምነበሩን።እግዚኣብሔር ብቐንዱ ህዱእ ኣምላኽ'ዩ። ኩሉ ፍጡር ህዱእ ነይሩ ተዝኸውን ደኣ፣ንምንታይ ህድኣቱ ኣድለየና።ዓለም ብቐንዳ ህድእቲ 'ተትነብር፣ ቤተክርስትያን ኣብ ዓለም ክትህሉ ኣይመድለየትን።ዋና ተልእኾ ናይ ቤተክርስትያንከ እንታይ'ዩ፧ ንዓለም ካብ ህውከት ንከትህድእ ኢሉ ፈጣሪ  ዝሰረታ ናይ ውልቁ መንፈሳዊት ኤምባሲ ኢያ።ዋይ ኣነ ህድኣት!!ደጊም ስመይዶ ክልውጥ።ነዛ ''ህድኣት'' እትብል ስመይ ክልውጣ። "ርብሽቲ" ተባሂለ ክስመ፡ ብቐሊሉ እትርበሽ።ወይሲ 'ድህልልቲ' ክስመ ህድኣት ዘየድልያ።ከመይ ኢለየ'ሞ ኣነ ከይሃዳእኩ ህዱኣት ዉሉዳት ከፍሪ ዝከኣለኒ፧ ብጭራሽ! "እንጣጢዕሲ ቀስ ኢላ ከይትበስል ክትብል ኣይንዘርኢ ኣይንኸብዲ ኮይና ተሪፋ" ይብሉ ተዛረብቲ። ኣብ ሓዊ ምስተሰኽተተት'ዛ እንጣጢዕ፡ ምቕላዋ ዘይተርፋ ስቕ ኢላ ከይትቕሎሞ፡ቀለብ ሰብ መታን ከይትኸውን ክትብል፡ነነጢራ ናብዛ ምድራ።ወዮ ኣብ ምድሪ ወዲቓኸ ክትበቁል ድያ፧ ወሪድዋ!ኣብ መሬት ድማ ከይፈረየት ትተርፍ። ኣነ ህድኣት'ውን፡ ክርስትያናዊ ትርጉም ስመይ፡ ብናይዛ ዓለም ቀለውቲ ነገራት ተቐሊኻ ቀለብ'ቶም ርሁባት ምኻን'ዩ ነይሩ ጽዉዐይ። "ንዝጸፍዓካ ጽፋዕ" ዘይኮነስ፡"ንዝጸፍዓካ ድገመኒ" በሎ ኢዩ ነይሩ ነገሩ።ድገመኒ ምኸኣል ተሲኢንካ ድማ ስቕ ኢልካ ጽፍዒትካ ምቕባል። "ኣናወጽቲ ነገራት ብተጸዋርነት ኢዮም ዝሓልፉ" ትብል ነይራ ኣደይ። ምስ ኣቦይ ኣብ ገለ-ገለ  እዋናት ዘየረዳድእ ኩነት ይኽሰት'ሞ፡ኣቦይ ንነገራት፡ካብ ብምርድዳእ ብቕልጽሙ ክፈትሖም ስለዝቐለሉ፡ብዙሕ ግዜ ብበትሪ ከም ንሓጺን ክድስቓን ኣደይ ድማ ክትበክን እንከላ ፈጺመ ኣይርስዖን'የ። ነቲ ነገር  ብትዕግስቲ ምስ ሓለፈቶ ድማ፡ ናብ ንቡር ተመሊሶም፡እረ ቡን ከሽ-ከሽ ኣቢላ፡ ጉጁም ክብሉ እንከለዉ ተትሪኦም፡ ግርም ይብለካ! ፍቕሮም ኣዝዩ'ዩ ዘቕንኣካ።ኣደይ፡ "ንኹሎም መሓለኻታት ናይ ሓዳረይ ብትዕግስቲ ተዘይሓልፎም ነይረ፡ንዓኻትኩም ኣይምወለድኩን፡ ስሳ ዓመታት ድማ ምስ ኣቦኺ ኣይምነበርኩን" ኢያ ትብለኒ ነይራ። 60 ዓመትኮ ክንዲ ክልተ ዕድመይ'ዩ።ካብኡ ዝተበገሰት ከይኮነት ኣይትተርፍን ህድኣት ኢላ ዝሰየመትኒ።ንኹላቶም መሓለኻታት ሕይወት፡ ብህድኣትን ትዕግስትን መታን ክሓልፎም ኢላ ከይኮነት ኣይትተርፍን።ኣበይሞ! ሕጂስ እንቋዕ ኣብዚ ምሳይ ኣይትህሉ፡"ነዚ ክትኮኒ ኢለ ስለዘየውጻኹልኪ ደጊም ስምኪ ቀይሪ"ምበለትኒ።


ምዃን እቶም ኣብዚ ኣዋን፡ናብ ልበይ ዝኣትዉ ዘለዉ ቃላትኮ፡ ኩላቶም ካብ ናይ ህድኣት ማዕከን ጥራይ ዝመንጨዉ ዘለዉ ኣይኮኑን።ከመይ ኢለኸ ደኣ ኣነ ኣጠቓቕማ ኣእዛነይ ከየስተኻኸልኩ፣ምስ ነፍሰይ ክማጎት ዝኽእል፧ መቸስ፣ኣእዛነይ ከምዚ ትርእይወን ሰሲዐን ግዲ ኮይነን፣ኣነ በብዘገደድክወን መሰረት፣ክልቲኡ መንፈስ፡ ማለት፣ ዓለማውን መንፈሳውን፣ርቡሽን ህዱእን፡እረ እንሓንሳእሲ፡ መንነቶም ዘይተፈልጠ በየን በየን በቒሎም ዘይፈልጦም፡ መትሓዚ ብዘየብሎም ነገራት ዝተመስርሑ ቃላት ክሰምዓ ካብ ዝጅምራ ነዊሕ ኣውቕጺረን ኢየን'ዘን የእዛነይ።ለካ ነቲ ዝተማሃርክዎ ኢየ ዝነብር ዘለኹ።ከምኡ ተዘይምሃር ነይረሞ፣ከምዚ ዘለኽዎ ኣይምኾንኩን።ዝኾኖ ዘለኹስ፣ንህውከተይ ዘበራትዑ፡ ናይ ህውከት ቃላት ብናይ ሰብነተይ መሳኹቲ እንኮላይ ብየዒንተይ፡  እናሻዕ ይሰንቕ ስለዘለኹ'የ። ይኸይድሞ፡ ካብ'ታ ህድእቲ ቤት ኣምልኣኽ፡ ናይ ህድኣት መንፈስ ይቕበል፣ናብቲ ሰጊረ ድማ፣ ካብቲ ሕንፍሽፍሻዊ ዓለም፡ ናይ ህውኰት መንፈስ ይዕንገል።ግን ዝያዳ'ቲ ህድኣታዊ መግቢ፣ነቲ ሕንፍሽፍሽ፡ ኣኻዕቢተ ስለዘዛየድክዎ፣ንሱ ስዒሩ።እወ! ርኹስ መንፈስ ዝስዕረሉ ኣጋጣሚ'ውን ለካ ኣሎ'ዩ።ርኹስ መንፈስ፣ህድኣት ኣልቦ ናይ ዝርግርግ መንፈስ፣ኣባይ ክሓድር ምሉእ ውክልና ተዘይህቦ ነይረ፣ኣባይ ህውኽ-ህውኽ ዝብል መንፈስ ኣይምሃለወን ነይሩ።ዓይነት ኣጋንንቲ ብዙሓት ኢዮም።ናይ ምርባሽ፣ናይ ዝርግርግ፣ናይ ጥርጣሬ፣ናይ ባእሲ፣ናይ ቂም-በቐል፣ናይ ጽልኢ፣ናይ ቅርሕንቲ፣ናይ ፈኸራ፣ናይ ጃህራ፣ናይ ዓሌትነት፣ናይ ንዕቀት፣ናይ ሻራ፣ናይ ስስዐ፣ናይ ምንፍቕና፣ናይ ክሕደት።እዞም ጠባያት'ዚኣቶም፡ በብሞይኦም ዝዓዩ ዓይነት ኣጋንንቲ፡ ዝጥቀምሉ ኣጽዋር ሰይጣውንቲ ኢዮም።ንሱ'ቲ ሰይጣን ነዚኣቶም ኣጸባቢቑ፣ብደገ ዝወቀበ ሽፋን ኣልቢሱ፡  ሓይሉ ዝገልጸሎም ዓይነታት ኣጽዋራቱ ኢዮም።ዕላማኦም ናይዞም ኣጽዋር፣ ናብ ሓደ ዘአንፈተ'ዩ።ናብ ክሕደት ዝወስዱ፣ ኣምላኽ የሎን ናብ ምባል መሪሖም ዝወስዱ ጎደናታት ሲኦል ኢዮም። እትውንኖ ህድኣት ዝሻመዉ ክፉኣት ሓሳባት'ዮም።


እምበኣር ወሲነ ኣሎኹ ሕጂ።ንኹሉ ኣንጻር ህድኣት ኮይኑ ዝመጻኒ ሓይሊ፣ብመስቀል ክርስቶስ ተቢዐ ክቖውም፡በቲ ዝንውንወኒ ደፋኢ ሓይሊ መታን ከይወድቕ ጨሪሰ ክጸንዕ። ብሓይለይ ዘይኮነ ብኡኡ ብእግዚኣብሔር ክምካሕ ወሲነ ኣሎኹ።እቲ ክሳብ ኣብ መስቀል ምስቃል ዝተዓገሰ፣ካብ ትዕግስቱ ከምዝመቕለኒ ይፈልጥ ኢየ።ብዙሓት ዝደፍኡኒ፣ናብቲ ናታቶም ናይ ታህዋጽ ጎዶና ክንውንዉኒ ምኻኖም ይርደኣኒ'ዩ። ግን መስቀል ክከላኸለለይ ኢዩ።ክርስቶስ ክደፍእዎ እንከለዉ ብፈጣርነቱ "ከይምንጥሉኒ፡ከይስዕሩኒ!" ኢሉ ኣይተጠራጠረን።በንጻሩ፣ብትዕግስቱ ካብ ናይ ሲኦል ምጭብርባር ክወጹ ይዓዪ ነይሩ፣ንሳቶም ብትዕቢት ከላግጽሉ እንከለዉ፣ንሱ ድማ ብትዕግስቲ ናብ ትሕትና ንኽመጹ ይቃለስ ነይሩ።ንሳቶም ክንውንዉዎ እንከለዉ፣ንሱ ድማ ካብ ናይ ሲኦል ጸድፊ ይስሕቦም ነይሩ።እሞ ኣነ ደኣ መን ኮይነ'የ ምስቶም ዝንውነዉ ዝንኖ ዘለኹ፧በቃ ክሃድእ ኢየ፣ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ እውንኮ ተባሂሉ ኢዩ።


ክርስትና ናይ ህድኣት ጎደና እምበር፣ናይ ዝርግርግ መንገዲ ኣይኮነን።ክርስትና ምስ ኣቡ-ነፍስኻ ሃዲእካ እትላዘበሉ፣ምኽሪ ኣቡ-ነፍስኻ እትሰንቀሉ፣ስግኡን ደሙን ብንስሓን ቀነኖናን ኣሰኒኻ እትቕበለሉን፡ ካብ ረበሻ እትሃድኣሉ ስፍራ እምበር፣በብዝጥዕመካ ኢድካ ናብቲ ክቡር ምስሊ እግዚኣብሔር ዝውንን ሰብ እና ኣዋጣወጥካ፣ንገዛእ-ርእስኻ ተረቢሽካ ንኻልኦት እትርብሸሉ ናይ ዕብዳን ኣዳራሽ ኣይኮነን።በሉ ኦ ወገናተይ ህድኣትናን ናይ ርግኣትና ምንጭን እግዚኣብሔር ካብ ኮነ፣ንህዳእ፣ርግእ ንበል።ኣብ ውሽጥና ዘሎ መንፈስ ኣምላኽና ካባና ከይስደድ፣ብህድኣት ኣባና ከምዝነብር ንግበሮ።ብርግጽ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልብና ኣሎ፣ግን ኣይነጒህዮ።እንተንጸርጺርና ኢዩ ዝጉሂ፣እንተተረቢሽና ኢዩ ካባና ዝስደድ፣ንሓድሕድና እንተተጻልኢና ኢዩ ዝጸልኣና።እግዚኣብሔር ዝተጻለኦ ሰብከ መን'ዩ ምስ እግዚኣብሔር ከተዓርቖ ዝኽእል፧እምበኣር ኣነ ከምታ ስመይ ክሃድእ ወሲነ ኣሎኹ።ንስኻትኩምውን ካብ ክትርበሹ፣ክትሃድኡ ይመርጸልኩም፣ካብ ክተዕገርግሩ፣ልዝብ ኢልኩም ክትሓስቡ ይምነየልኩም።


እግዚኣብሔር ኣምላኽ ህድኣቱን ትዕግስቱን ይስደደልና፡ በረኸት ናይ ቅዱሳኑ ይኽፈለና፡ ኣሜን።

ሎቱ-ስብሐት!

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...