torsdag 8. februar 2018

ማስቲካ ዝለመዳ ኣስናን ንብዕሪር ይሕሰማ 2ይ ክፍል

Bilderesultat for teeth with chingamበስመ ስላሴ ተገዲስና ንበረኸት ነንብቦ።
ክልተ የዕሩኽ ነዊሕ እዋን ተፈላልዮም ኣብ ዝነበርሉ ግዜዩ።ከም ኣገጣሚ ኮይኑ ኣብ ሓደ ቦታ ይራኸቡ፣እቲ ሓደ ኣስናኑ ትኽ መታን ክብለሉ፣ቡሩራዊ ዝመስል ሓጺን ገይሩ ብክኢላታት ሓካይም ኣእሲርዎ ስለዝነበረ፣ነዚ ርእዩቲ ዓርኩ ዘረባ ጀመረ።እቲ ሓታቲ።
ክንድምንታይ ወርቂ ደኣልካ ንኣስናንካ ሸላሊምካዮም፣
ኖ ወርቂ ኣይኮነን፣እዚ ንኣስናንካ ዘስተኻኽልን ጽርየት ኣስናን ዝሕሉን ንምባል ዝተዳለወ ኢዩ።
ከመይ ገይሩ ደኣ ጽርየት ይሕሉ፣ከይብዕኽኸካባ ኣስናንካ፣
እረ! ባዕኻኽ ኣስናንካ ኣይፈቱ ቆለይ፣
እዋይ ሓወይ፣ቆለ ኣጥሪኻ ማለት ድዩ፣
እወ፣ናይ ኣስናን ጨና ጉድ ኢየ ዝጸልእ፣
እሞ ኣስናንኮ ዋላ ጸዓዱ እንተመሰላ ክጭነዋ ይኻላ ኢየ፣ጽሩይ ኣስናኖም፣ግን ከኣ ጨና ዝገብር ርኢኻ ኣይትፈልጥን ዲኻ፣
እዚኣቶም ክበልዑ እንከለዉ ዘይጉጽጉጽዎ ክኾኑ ኣሎዎም።
ንስኻኸ ትጉጽጉጾዶ፣
ማዓልታዊ እምበር፣
ሓቅኻ ኣሎኻ ምጉጽጛጽን ጽርየትንሲ ዝመስልዎ የለን፣
እዋእ ኣነ፣ዋላ ማይ እንተሰትየ ኢየ ስነይ ዝጉጽጉጽ፣
ማይ ደኣ የርስሕ ድዩ፣
ኣይፋሉን፣ኩሉ ግዜ ስታንድ ባይ ኮይንካ ምጽናሕ ዝመስልዎ የለንምበር፣
ንምንታይ ደኣ ስታንድ ባይ ምኻን ቀዳምነት ተሰሪዕሉ፣
እወ ማለትሲ፣ ጀርምስ ንክኣትዉ መንገዲ ክትከፍተሎም የብልካ፣
ውሽጣውያን ኣስናንካኸ ትጉጽጉጾምዶ፣
ውሽጣውያን ኣስናን፣እንበዓል ከስዐ፣መዓናጡ፣ዛንጡይ ማዓንጡን ማለትካ ዲኻ፣ንዓኣቶም ምስቲ ፋስት ሌገ፣(ናይ ግሊ ሓኪም) ተሓባቢረ፣ቸክ ዝገብረሉ ግዜ ፍሉጥ ኢዩ፣
እዚውን ጽቡቕ ነገር ኢዩ፣ኣነ ዝበልኩኻ ግን ውሽጣዊ ንኣስናንካ ማለተይ ኢየ፣
ዳሕድሓዮንዶ ንምንታይ ጎቦ ጎቦ ትብል፣
እወ፣ፈሪሀካ እንድየምበር፣ውሽጣውያን ኣስናንሲ፣ሓጢኣት ዘኾምስዑ ንሕልና ዝጎድኡ፣ኣንጻር ፈጣሪ ህልኽ ዝገጥሙ ብስጋውያን የዒንትና ዘይረኣዩ፣ረቐቕቲ ኣስናን ኣሎዉና።በንጻሩ ድማ፣ጠጥዑሙ ዝሕይኹ፣ንነብሲ ዝጠቅም ነገር ንምዕንጋል ወትሩ ዝተግሁ መንፈሳውያን ኮራርምቲ ከኣ ኣሎዉና።እዞም ኮራርምቲ እዚኣቶም ወትሩ ችክ ምግባር የድሎም ኢዩ።ፋስት ሌጌ ( ናይ ግሊ ሓኪም) ክህልዎም፣ወትሩ ኩነታት ጥዕነኦም ንምፍላጥ ኣመቶም ምግባር ዝመስልዎ የለን ክብል ስለዝደለኹ ኢየ።ብየእዳውና እንድህስሶም፣ብስጋዊ የዒንትና እንርእዮም ስጋዊ መግቢ ንምሕቓቕ ዝጠቕሙና ስጋውያን ኣስናን እካ ክሳብ ክንድዚ ምክንኻን እንዳድለዮምሲ፣ነቶም ረቀቕትን ውቁባትን፣ንመንፈሳዊ ነገር ንምሕቓቕ ወትሩ ካብ ውሽጦም መንፈሳዊ ሸውሃት ዘለዎም ነዝዕታት እንዳተፍኡ ነቲ መንፈሳዊ መንግቢ ኣብ ነፍስና ዘሕቁቁልና ኣስናንና ድሃዮም ክንፈልጥ፣ጨና ከይህልዎም፣ብንስሓ ክንሓጽቦም፣ጀርምስ ከይለግብዎም ድማ ብጾምን ጾሎትን ክንጸርጎም፣ጽቡቅ ትርኢት ሒዞም ኣብ ቅድሚ ቅዱሳን መታን ክረኣዩ፣ወትሩ መንፈሳዊ ክንክን ክንገብረሎምሲ ኣገዳስነቱ ዝጠፍኣካ ኣይመስለንን።
ቆብ ኣቢለካ፣እንታይ ክትብል ከምዝደለኻ ተረዲኡኒ።ዝገርመንስ፣ማይ ሰትየዉን ይጉጽጉጽ ኢየ ክብለካ ጸኒሐ ነይረ።ገለ መሰልቲ ክምስሉ እንከለዉስ፣<< ሓበሻ ከይሓሰወ እንተውዒሉስ፣ንቑማል ክንዲ ብዕራይ ይገብሮ፣>> ይብሉ።ሓቂ ዩ፣ኣነስ ዘይገብሮ ኢየ ክትንትን ጸኒሐሞ፣ዝያዳ ኣበይ ክዓዪ ከምዘለኒ ኣረዲእካኒ ኣሎኻ የቐንየለይ።
ንስኻትኩምከ ማይ ሰቲኹም ዲኹም ኣስናንኩም ትጉጽጉጹ፣ዋላስ ሓጢኣት ንዝወሓጣ ውሽጣውያን ኣስናን ኢኹም ብቐዳምነት ትመርጹ፧
ወስብሀት ለእግዚኣብሔር።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...