mandag 24. februar 2020

መኻን ኣእምሮ ነታ ዝወለደቶ ቤተክርስቲያን "መኻን!" ኢልዋ!

                     በስመ ሥላሴ


√ ንሓሳባት ቤተክርስቲያንሲ "መኻን ሓሳብ ኢሎም ነቒፎሞ።" ምድራውነቶም ንሰማያውነታ ተመጣጢሩ ክርድኦ ስለዘይከኣለዶ ይኸውን፧ ንቤተክርስቲያን ብሓሳቦም ዝነቐፍዋ ዘለዊስ ሓሳቦም ምስ ሓሳብ ቤተክርስቲያን ብተቓራኒ ስለዘይተዛመደዶ ይከውን፧ እረ ንምንቃፍ ዝተሃንደደ ክልሰ ሓሳብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብድፍረት ኣብ መንደቕ ማስሜድያ ዝተጠቀዐ ድርቅና'ዩ ተሰሚዑ ለንቅነ። "ብነቐፋ ዝተኸለለ ኣእምሮ፡ ንምቃፍ ይህወኽ!" ዝብል ኣበሃህላ ቅኑዑ'ዩ። እቲ ምድሪ-ምድሪ ዝጥምት ሓሳባቶም፡ ከም ጎልያድ ንቅዱስ ዳዊት ክህድድ ይስማዕ ኣሎ። እታ ብሓንቲ ወስታ ናይ ዳዊት ወንጭፍ እትቕህም ሓሳባቶም፡ ነቲ ከም ነበልባል ዘቃጽል መለኮታዊ ሓሳባት ቤተክርስቲያን ክዳረጎ እንክትርኢ፡ "ንተገረምቲ ምግዳፍ ይሓሽ!" ክትብል ትግደድ። ነቲ ካብ ሰማያት ወሪዱ ናብ ሰማያት ክወስዶም ዝመጸ ሓሳባት ቤተክርስቲያን፡ ከምኣቶም ምድራዊ ስለዘይኮነሎም፡ ልሳኖም "መኻን ሓሳብ" ኢላ ክትረግም ተሰሚዓ።

√ እዚ ናብ ምድራዊ ዝንቆት ሓሳብሲ ያኢ ነቲ ካብ ሰማያት ዝፍልፍል ናይ ፈጣሪ ሓሳብ ክነቅፍ ከመይ ደፈረ፧ ቤተክርስቲያን ምስ'ቲ ናይ መስቀል መርዓዊ ቃል ኪዳን ከምዝኣሰትዶ ኣይሰምዑን'ዮም፧ ንገርዎምባ!! እሞ እንኮ መኻርን ኣማኻርን ንሱ እቲ ኣማኒኣ ክርስቶስ እንከሎስ፡ ከምይ ክውሸሙዋ ይህቅኑ፧ ብእምነትን ብተስፋን እትጽበዮ መርዓቱ፡ ከመይ ደፈርዋ፧ በጃኹም'ባ "በዓልቲ ኪዳን'ያ፡ ሓሳባ ምስኡ ጥራይ ተዘይኮይኑ፡ ናይ ባዕዲ ሓሳባት ክትቅበል ኣይኮነላን'ዩ!" በልዎም።

√ ኣንታ ነቐፋን ዘለፋን ዝልማድካ ኣእምሮ፡ ከመይ ንዘይትንቀፍን ጽርይትን መርዓት ክትነቅፍ ከኣልካ፧ ከመይከ'ዚ ኣበር ዘመንጩ ሰነፍ ኣእምሮኻ፡ ነዛ ኣበር ኣልቦ ዝኾነት ፍጽምቲ መርዓተ እግዚኣብሔር ክዘናጥላ ሓለነ፧
√ ለካንዶ ግዳ "ዓሻስ ኣብ ክንዲ ዝስተር...!" ንዝብል ኣበሃህላ ዝምጥኑ ኣእምሮታት ዝቕልቀሉ ዘሎዉ ይመስሉ ኣሎዉ። ቤተክርስቲያን ንመዋእላ ብዓቕልን ትዕግስትን ጸይራቶ ዝነበረት ዓሻን ሰነፍን ኣእምሮ፡ ሕጅ ግን ባዕሉ ግዲ ክገሃድ ደልዩስ ከም ልማድ'ቶም ካልኦቱ ፍሒትሒት ክብል ይረአ። ንሳ ጒዱ ብንስሓ ክሽፈነሉ ስለእትደሊ ክሳብ ሕጂ ተዓጊሳቶ፡ ንሱ ግን ብዘይንስሓ ዝጥዒ ግዲ መሲልዎ ጸራፊት ልሳን ዓጢቑ ናብ ሜድያ ተሃንዲዱ እነሆለ።

√ ንሳ'ዛ ቅድስት ቤተክርስቲያን ኣብ ማእከል ብዙሓት ሓቚፋ ንብዙሕ ዓመታት ሓብሒባ ኣሐንቂቓቶ፡፡ ላህጃ ቃላታ ከኣ ኣለማሚዳቶ፡፡ ንሱ ግን እዚ ከንቶ ኣእምሮ'ዚ፡ ውዕለታ ኣሻቡ ረሲዑ፡ ድሮ ናብ'ዛ ምሉእ ዓለም ኣቃሊዓ ኣካሉ እተርኢ መስኮት እነሀለ ተቐልቂሉ። ቤተክርስቲያን ኣብቲ ዘደንቕ ጎጆ ትሕትናኣ ዝሓበአቶ ኣእምሮ፡ ብዝበለጸ ዝሕባእ መሲልዎ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ኣብ ሜድያ ኰይኑ ምውዓሉ። ብዝበለጸ ድማ ምድራውነቱ ንምድራውያን ተጋሂድሎም፡ ድሮኳ ድኣ ምድራውያን ንምድራውነቱ ክሃድንዎ ጀሚሮም!!

√ ቤተክርስቲያን መኻን ኣይኮነትን፡ መኻን ሓሳብ'ውን የብላን። ቤተክርስቲያን ንብዙሓት ዘምከነ ዘይኮነትሲ፡ ብዙሓት ዘፍረየ'ዩ ሓሳባ። መኻን እንተትኾውን'ሞ፡ ንሓናውን ኣይምተጠረናን። ብዝመኸነ ሓሳባት ዘዕለቕለቐት ዓለም፡ ንናይ ቤተክርስቲያን ደልዳላ መምርሒ ከምክኖ ዝኽእል ጸዓት፡ጨሪሱ ዝከኣሎ ኣይኮነን። ግንኮ ሓሳባት ቤተክርስቲያን ኣብ ምድሪ ከምዘይህሉ ንምግባር ዘይተፈነ ጥይት የለን። ኣየ! ካብ ኣእምሮ ኔሮን ቄሳር ዝሕይል ሞደሻ፡ ካብ ሓሳባት ግራኝ መሓመድ ዝበልሕ ሴፊ፡ ካብ ናይ ዘመንና ፍልስፍና ዝብርትዕ ኣቶሚካዊ ቦምብ... ወዘተ ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን'ዩ። ቤተክርስቲያን ግን ነቲ ኲሉ በብእብረ ኣብ ልዕሊኣ ዝዘንብ ገዘፍቲ ናይ መደረጋሕ በረድ፡ በቲ ሰማያዊ ሓሳባታ ገይራ ኣሕቂቓ ኣበርዒናቶ'ያ። ንዓኣ ድማ መበርትዒኣን ተኾሊዓ ከምትረአን ገይርዋ ይርከብ።

√ ስለዚ ማንም ወዲ ቤተክርስቲያን ኣእምሮኡ ኣብ ትሕቲ ቤተክርስቲያን ምዃኑ ይረዳእ። ኲሉ ኣማኒ እግዚኣብሔር ብመንገዲ ቤተክርስቲያን እንተዘይኮይኑ፡ ብኻልእ ጓል መንገዲ ንእግዚኣብሔር ዝረኽቦ ኣይምሰሎ። እቲ ነቓፊ ከም ድላዩ ይንቀፍ፡ እቲ ዓሻ ድማ ክንዲ ዕሽነቱ ዘኣክል ይጽረፍ። ሓሳባት ቤተክርስቲያንን ግን መሊሱ ብዙሓት ከፍሪ'ዩ እምበር፡ ዝፈርስ ኣይኮነን። ብሓንሳባት'ዛ ቅድስት ቤት፡ ዘይነቓነቑ ደቂ ክወልዱ'ዮም እምበር፡ ብማንም ዝጥምዘዝን ዝነቓነቕን ኣይክርከብን'ዩ፡፡
√ እወ፡ ሓሳባታ ብመሎኮታዊ ቃል ኪዳኑ ዝተርነዐ'ዩ።

እግዚኣብሔር ኃይሊ ጸረ-ቤተክርስቲያን የድክመልና፡ ንዓና ድማ ብርታዐኡ ይሃበና።
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር!!
ሕቱም-መጽሓፍ
No photo description available.

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...