lørdag 4. mars 2017

ንሓንቲ ብምድራዊት ሃገር ጥራይ እትምካሕ ሓፍትና ዝተዋህበ ምዕዶ ሓዘል ተግሳጽ።

በስምኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
"እግዚኣብሔር ዝፈጠረኪ ሓፍተይ፡መንነትኪ ትፈልጥዮዶ ትኾኒ፧!!
ሰብ መንነቱ ስለዝርስዕ ኣብ ዝተፈላለየ ስጋዊ ነገርን ምድራዊ ሓሳባትን ተዋሒጡ ይነብር።መንነትኪ ከምቲ ጽሕፍክዮ ዘለኺ ጓል'ዛ ምድሪ ኣይኮንክን፡ጓል ኣቦኽን ኣዴኽን ውን ኣይኮንክን።ክጸርፍ ስለዝደለኩ ኣይኮንኩን፡ጸርፊ ሃይማኖተይ ተዋህዶ ስለዘይፈቅድ ኣይጻረፍን ኢየ፡እዛ ዘለኽያ ዓዲ ዓቢኽላ እምበር ንዘልኣለም ኣይትነርላን ኢኺ። ዓድኺ፡ሞይትኪ ክትቅበርላ ኢኺ'በር ንዘልኣለም መምበሪኺ ኣይኮነትን።

ሓደ ግዜ ብመንገዲ እንዳኸድኩ ምዉት ሰብ ሒዞም ዝኸዱ ሰባት ተዓዘብኩ፡፡ ኣርባዕተ ደልዳላታት ኣጓብዝ ንሬሳ ብኽብሪ ተሰኪሞሞ ንኣብ መቓብር የምርሑ። እቲ ሬሳ ኣብ ኣዝዩ ዝተወቀበ ሳጹን ኣትዩ፡ ብዝተፋላለየ ክቡር ዕምባባታት ተመላኺዑ ብኣዝዮም ሓያላት ኣርባዕተ ኣጋብዝ ደልደላታት መንእሰያት ተጸይሩ ክኸይድ ርኣኽዎ።ብዙሓት ህዝቢ ድማ ሓዘኖም ክገልጹ ተኣኪቦ በብዝተፋላለየ መስርዕ ተሰሪዖም ናብ ቀብሪ ይኸዱ ነበሩ።ዉሉደ ክህነት ድማ በቲ ቃና ዝውለዎ ጥዑም ዜማኦም እናዘየሙ ቀቅድሚኡ ይከዱ ነበሩ።መቸም እዚ ሬሳ ኣዚዩ ከቢሩ ኢዩ፡ክብረቱ ግን ኣይፈልጥ ነበረ፡፡ ሰባት ኩሎም ደንጊጸምሉ ኢዮም፡ናይዞም ሰባት ርህራሄ ግን ኣይርድኦን'ዩ ንሱ፡ ሬሳ ስለዝኾነ።

ክቕበር እንከሎውን ኣብ ኣዝዩ ዝተማላኸዐ ጉድጓድ የእትውዎ፡፡ ብሓመድ ምስ ደብደብዎ ድማ ብሰሜንቶ ገይሮም ገዛ ይሰርሕሉ፡እዚ ኲሉ ክብሪ ንሱ ኣይርድኦን ኢዩ። እዚ ጥራይ ከይኣክል፡ ዓመት ዓመት መመጺኦም ይበጽሕዎ፡በጻሕተይ ኢሉ ግን ኣይግደሰሎምን።ጥሮታ መሬት ከፊሎም መምበሪ ሂቦሞ ክንሶም ንሱ ግን ስግኡ መሽሚሻ ስለዝተረፈት ነዚ ኩሉ ክብሪ ኣይርድኦን ኢዩ። እቲ ንሱ ዘለዋ ከባቢ፡ ናይ ሬሳታት ዓባይ ከተማ ኮይና ትምስራሕ ነንሕድሕዶም ግን ኣይበጻጽሑን።ሽሞም ኣብቲ ላዕለዋይ መስቀል ተጻሒፉ ኣሎ፡ብስሞም ጸዊዕካዮም ግን ኣይሰምዑን።ነብሶም ድኣላ ንሰማያት ከይዳ ወይ ናብ ዕረፍቲ ወይ ናብ ስቅያት እምበር ንሳቶምምሲ ክሳብ ዳግማይ ምጽኣት ስሞም ኣይእንታዮምን'ዩ፡፡ ክርስቶስ ክመጽእ እንከሎ ግን በዛ ስም እዚኣ ኢዩ ክጽውዖም።ሽዑኡ ፈትዮም ኣይፈትዮም ብግዲ ክሰምዑ ኢዮም።

ንስኺውን ሓፍተይ እዛ ትነብርላ ዘለኺ ዓዲ ክሳብ መቓብር ኢያ ዓድኺ፡ካብኡ ንንዮ ዘሎ ሂዎት ኣይክትወሓሰክን ኢያ።ናይዚ ሬሳ ክብሪ ምስተመልከትኩ፡ "ነብሱስ ከመይ ትህሉ፧" ኢለ ሓሰብኩ። "ረቂቓን መላእኽቲዶ ተሰኪሞም ናብ ዕረፍቲ ቦታ ወሲዲማ ይኾኑ ወይሲ፡ናብ ስቅያት ናብ ሲኦል፧ እዛ ነብሲዚኣስ ነዚ ቀብሪ ሪኣ እንታይ ትብል ትህሉ፧እቲ ሕሉፍ ታሪኻ መቸም ሰብ ስለዘይፈልጠላ ንስጋኣ ኣኽቢርዎ ኢዩ፡ንሳ ግን ከቢራዶ ወይስ ተዋሪዳ፡ዓሊላዶ ወይሲ ኣልቂሳ፡ተጸናኒዓዶ፡ወይሲ እንደገና ሓዚና" ኢለ ምስ ሕልናይ ተማጎድኩ። መደምደምታ ዝበጻሕክሉ እንተነይሩ እንታይ ከምዘጋጠማ ኣይፈልጥን ኢየ፡ "ብርግጽ ግን ዳግማይ ሓዘን ወይ ዳግማይ ደበስ፡ዳግማይ ዕረፍቲ ወይ ዳግማይ ስቅያት ክትረክብ ምኻና ርጉጽ ኢዩ" ኢለ ደምደምኩ።እዚ ድማ ብቃል እግዚኣብሔር ኣረጋገጽክዎ።

እግዚኣብሄር ዘፍቅረኪ ሓፍተይ እዛ ሕጂ ትምክሕላ ዘለኺ ምድራዊት መንነት ጽባሕ ንግሆ ኣይክትዋሓሰክን ኢያ።ኣቦኽን ኣዴኽን ወሊዶምኪ ምበር ኣይፈጠሩኽን፡የዕብዮምኺ እምበር ንዘልኣለም ዋሕስኪ ክኾኑ ኣይክእሉን።ኣብ ሞትኪውን ከልቅሱልኪ ይኽእሉ እምበር፡ኣብ ሰማያት ከይዶም ብዛዕባ ነፍስኺ ኣይክከራኸሩን፡ኩሉ ክፍረድ ኢዩ፡ፍርዱ ሲኦል ወይ ድማ ዕረፍቲ ኢዩ።ክሳብ ፍርዲ ድማ ግዝያዊ ስቅያት ወይ ግዝያዊ ዕረፍቲ ኣሎ።እቶም ግዝያዊ ስቅያት ዝተዋህቦም ካብኡ ኣዝዩ ዝዓበየ ስቅያት ይጽበዩ ኣሎዉ፡እቶም ኣብ ዕረፍቲ ዘለዉ ድማ ካብኡ ኣዝዩ ዝዓበየ ዕረፍቲ ይጽበዩ ኣለዉ።ነገሩ ግብሮም ኩሉ ግልጺ ኮይኑ ስለዝመጾም ብዝተዋህቦም ፍርዲ ኣይከግረምርሙን ኢዮም።

 

ሓፍተይ ኣብ ግዜ ፍርዲ እንታይ መርትዖ ሕዝኪ ኣሎኺ፧ ምእካብ መርትዖ ሕጂ ኢዩ፡ መርትዖና ንስሓ ኢዩ።ኣነን ንስኽን ኩሉ ወድሰብ መርትዖ ምስ ፈጣሪ ሒጂ ኢዩ ክእክብ ዘሎዎ።ንሱ ከኣ ንስሓ ኢዩ።ንስሓ ጣዕሳ ማለት ኢዩ።ዝበደለ ኢዩ ከኣ ዝናሳሕ፡ መቸን "ኣነ ፍጹምቭበደል ኣይፈጸምኩን ንጹህ ኢየ" ክንብል ኣይከኣልን።ምሳና ዘሎ ሓጥያት ኩሉ እግዚኣብሔር ይፈልጦ ኢዩ። ስለዚ ቅድም ኣብነፍሲ ካህን ሕዚሞ፡  ኪዲ ኩለን ሓጥያትኪ ተናዘዚ፡፡ እግዚኣብሔር ድማ ትፈልጥዮን ዘይትፈልዮን ሓጥያትኪ ኩሉ ጸሪጉ ክሓድገልኪ ኢዩ።መሓሪ ስለዝኾነ ዋላ እቲ ዝኸፈአ ሓጥያት ንፈጽም ክምሕረና ኢዩ።ሕጂ እንተዘይ ተመሊስና ግን ጽባሕ ንግሆ ድሕሪ ሞት ንስሓ የለን።ናይ ሽዑ ብኽያት ዋጋ የብሉን፡ናይ ሽዑኡ ንብዓት ሓባሲ የብሉን። ናይ ሽዑ ምሕርቃም ኣስናን ደንጋጺ የብሉን።
እዞም ሕጂ ኣብ facebook niec pic እንዳበሉ ዝንኡድኺ ዘሎዉ ንባዕሎም ጽባሕ ንግሆ ንነብሶም ክፍረዱ እንከለዉ ናይ ማንም ጠበቓ ክኾኑ ኣይክእሉን ኢዮም።እዞም ሕጂ ኣብ facebook ዝጻረፉኺ ዘለዎውን ጽባሕ ንግሆ ኣብ ሲኦል ከይዶም ኣይክጸርፉኽን ኣይክንእዱኽን ኢዮም።ፍርዱ ዝተዋህበ ሰብ ጽባሕ ንግሆ ብዛዕባ ዝተዋህቦ ፍርዲ ጥራይ ኢዩ ክሓስብ።ኣብ ዕረፍቲ እንተኣትዮም ስሌኺ ጸልዮም ለሚኖም ከውጽኡኺ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ ኢዩ፡፡ ምኽንያቱ ሕጂ እንዳጸረፉ ጽባሕ ኣብ መንግስተሰማያት ክኣትዉ ዘሎ ተኽእሎ ከቡድ ኢዩ። ጸረፍቲ ሰባት ንመንግስተ ሰማያት ኣይኣትዉዋን ኢዮም።ንስኺ ንባዕልኺ ምላልባሽ ብቃልኪ ዘይትጸርፊ ትኺኒ፡፡ ብልብኺ እንተጸረፍኪ ግን እግዚኣብሔር ልብኺ ይምርምራ ኢዩሞ፡ሲኦላዊ ዋጋ ከይትወሃቢ ንስሓ እተዊ።
ደቂ ዓድኺ መተዓቢትኺ ሕጂ የንጨብጭቡልኪ ይህልዉ ኢዮም፡፡ ጽባሕ ኣብ ቀብርኺ ድማ ከልቅሱልኪ ይኾኑ፡ኣብ ሰማያት ግን ኣብ ቅድሚ መድሓኔ ኣለም ቆይሞም ክዋሕሱኺ ኣይክእሉን ኢዮም።ስለዚ ብዛዕባ ነፍስኺ ምሕሳብ ጽባሕ ኣይኮነን፡ብዛዕባ ሰማያዊት መንነትኪ ምሕሳብ ድሕሪ መቃብር ኣይኮነን ሕጂ ኢያ። መዓልቲ ምድሓን ሕጂ ኢያ።መዓልቲ ንስሓ ሕጂ ኢያ።መዓልቲ ጣዕሳ ሒጂ ኢያ።ምድራዊ መንነት ዋሕስና ኣይኮነን፡ንሕና ደቂ ሰባት መንነትና ኣብዛ ምድሪ ኣይኮነን ኣብ ሰማያት ኢዩ።ናይ ብሓቂ ወለድና ስድራና ኣይኮኑን እቲ ዝፈጠረና እግዚኣብሄር ኢዩ ኣማናዊ ወላዲና።ንሕና ውሉደ እግዚኣብሄር ኢና።ንስኺ ጓል እግዚኣብሔር ኢኺ ተናስሒ እምበር በዛ ምድራዊ መንነትኪ ምንም እንተተመካሕኪ ኣይጠቅምን ኢዩ። 
ወደሓንኪ!!
ግዚኣብሔር ብምሕረቱ እመ ኣምላክ ብቃል ኪዳና ትደግፍኪ ትደግፈና ሓፍተይ።
ዚ ኩሉ ዝበልክዎ ከም ጌጋ እንተተረድእክዮ፡ከግህየኪ ግቡእ ሰለዘኮትነ ብልቢ ይቕረ ግበርለይ።
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር።

ቤተ ክርስትያን ትሕድስ እምበር ኣይትሕደስን፣፣

በስመ ስላሴ፡ይቀጥቀጥ ከይሴ
ቤተ ክርስትያን ያኢ ዘመናዊት ጎርዞ ተረኺባስ ብፋሽናዊ ስነሓሳብ ክትሕደስ፡ያኢ ግራት ቃድራ ኮይናስ ከረምቲ መጸ ክትሕረስ
ጉባኤ ፓርላማ ኮይናስ ኣብ 4ይ ዓመት ወትሩ ንጉሳዊ ምሕደራኣ ክቕየር፧
ናይ ዘመንና ጎርዞ ምስ ዘመን መጸ ክትከይድ ክትብል ዕድሜኣ ብኾንቱ ስለዝኸይድ፡ንሳ ንኣካላታ ክተጸባብቕ ዕድሜኣ ክኣርግ፡ንሳ ቅብኣ ወድቕባኣ ክትሸባብጥ፡ቆርበታ ይኣኽለኒ ኢሉ ዕድሜኡ ከብቅዕ ይረባረቡሞ፡ኣብ መወዳእትኡ ፋሽናዊ ስነሓሳብ ዘይወልዶ ዘይብሉ ናብ ድቕ ዝበለ ጥፍኣት መሪሕዋ ይኸይድ።ሓለፍና ክብላ ሞጎጎ ይዓጥና ከም ዝብሃል፡ሓለፍኩ ክትብል ጥራሕ ሕፍረታ ክትከይድ ትጅምርሞ ኣየሕፍራን ድማ።ቤተክርስትያን ግን ዘመናዎት ዘይኮነትስ ዘልኣለማዊት ኢያ።ናይ ቤተ ክርስትያን ስነሓሳብ ምስ ዘመን ዝቀያየር ዘይኮነስ፡ንዘመን ዝቕይር ዘልኣለማዊ መንፈሳዊ መርሖ ዝሓዘ ኢዩ።ደቃ ደቂ ቤተ ክርስትያን ውን ደድሕሪ ንፋስ ክነፍሱ ዘይኮነስ ዘልኣለማዊ መንገዲ ሒዞም ቀጥ ክብሉ ኢዩ ዝግብኦም።
ቃድራ ዓመታዊ ይሕረስ ኢዩ፡ክሕረስ እንከሎ ሓደ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዘርኦን ኢኻ፡ምኽንያቱ ተፈጥሮ ናይ ቃድራ ሓደ ዓይነት ዘርኢ እንተዘሪእካዮ ፍረ እቶት ኣይምእክትን ኢዩ።ዋላ ሓደ ዓመት የዕርፍካ ክትዘርኣ እንከለኻ፡ኣብ ዝቕጽል ግን ካልእ ክኾውን ይምልክዕ።ቤተ ክርስትያን ግን ቃድራ ኣይኮነትን፡ኩሉ ግዜ ለምለም ኢያ።ትምህርታዊ ወንጌላ ዓመታዊ እንዳቐያየርካ ንኽሕፈስ ዝተፈላለየ ናይ ሓሳብ ማሕረሻ ምጥቃም ዘይኮነስ፡ሓንሳብ ንሓዋሩ ዝባኑ ተሓሪሱ ብደሙ ዝዓደጋ ግራት ቅዱሳን፡ፍረኣ ምሉእ ኢዩ ክምገብ ዝደለየ ይምጻእ እምበር ንቤተክርስትያ መጋቢ ክኾና ኢሉ ክሕድሳ ኣይክእልን፡፡ዓመት መጸ ዝተፈላለየ ትምህርቲ ምምሃር ግን፡ንክርስቶስ ዓመት ዓመት ንዓ ዝባንካ ዳግማይ ተሓረስ ከም ምባል ኢዩ።ኣንቱም"ናይ ዓሚ ትምህርታ ንቐይሮ፣ናይ ቅድሚ 500 ዓመታት ዝነበረ ንሓድሶ፡ሕጂ ዘለና ብዓል እገለ እገለ ዝተርጎምዎ ኢዩ ጥዑይ እምበር፡ናይ ቀደምሲ ቀደም ኢዩሞ ንቐይራ" ኢልኩም ትጭድሩ ዘለኹም፡ከይተረደኣኩም ነቲ ብየእዳውና ብየእዳው ደቂ ሰብ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዝባኑ ብኹርማጅ ተለብሊቡ፡ደሙ ከም ዝናብ እናዘነበ፡ዝሓረሳን ዘብቆላን ግራት፡ዳግማይ ይደገም ኣይበርሃልናን ከም ማለት ምኻኑዶ ዘንጊዕክሞ፧
ቤተ ክርስትያን ናይ ዘመንና ፓርላማ ኣይኮነትን፡ኣሜሪካዊ ምምሕዳር ኣብ 4 ዓመት 4ዓመት ኢዩ ዝቀያየት፡እቲ system ውን ብመልክዑ እናተሓደሰ ይነብር።ምኽንያቱ ሰብ ብባህሪኡ ዘልኣለማዊ መርሖ ሒዙ ክቐርብ ኣይክእልን።ተኸኣለ ክሳብ 100 ዓመት ካብኡ ንንዮ ነቶም ዝቕጽሉ ወለዶ ገዲፍሎም ይኸይድ።ቤተክርስትያን ግን ዓለም ኣይኮነትን ኣብ ዓለም እትርከብ ናይ ክርስቶስ ቆንስል እምበር።ቤተ ክርስትያን ኣሜሪካ ኣይኮነትን፡ኣብ ኣሜሪካ እትርከብ ናይ እግዚኣብሄር ኤምባሲ እምበር።ቤተክርስትያን ቻይና ኣይኮነትን፡ኣብ ቻይና እትርከብ ግን ከኣ ንቻይናዊ ስነሓሳብ እትጽየን እምበር።ቤተክርስትያን ምድራዊት ንግስቲ ኣይኮነትን ፡ኣብ ምድሪ ትርከብ ክንሳ ሰማያዊ ስልጣን እትውንን ዘልኣለማዊት እምበር።በሉ ነዚኣ ክናሕድሳ ማለት፡ንዙፋን ዋናኣ ምድፋር ኢዩ።መርዓዊ ንመርዓቱ ዝደፍረሉ ኣይፈቱን ኢዩ።መርዓት ውን ንመርዓዊኣ ተውስደላ ጎርዞ ኣይትፈቱን ኢያ።ንቤተክርስትያን ምሕዳስ ማለት፡ውሻጠ መርዓት ኣቲኻ ምዝራፍ ኢዩ።ንቤተክርስትያን ምሕዳስ ማለት፡ኣብ ዙፋን መርዓዊ ተቐሚጥካ መርዓትካ ንዓይ ሃበኒ ከም ምባል ኢዩ።ዕደ ነሳእኩም መርዓቱ የሕሊፉ ዝህብ መርዓዊ ኣይኮነን።ንሳውን መርዓዊኣ እንዳሃለወ፡ጉልባባ ክትቀልዕዎ ስቕ ኢላ ኣይክትርእየኩምን ኢያ።ዝከላኸሉላ ዓርኪ ርእሲ ኣሎዉዋ፡
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር፡ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...