torsdag 28. juni 2018

ሰላም፣ ንምዕቃባ ይኸብድ!

Bilderesultat for the war of peace
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን!

ኣምላኽና እግዚኣብሔር ኢዩ፣ሰላምና ፈጣሪ ኢዩ፣መንገድና መንገዲ ፈጣሪ ኢዩ፣ጉዕዞና ካብ ምድሪ ናብ ሰማያት ደኣምበር፣ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ኣይኮነን፣ነዊሕ ጉዕዞ ይጽበየናምበር፣ ገና ጉዕዞና ኣይወዳእናን።ብርግጽ እንናፍቖ ዝነበርና ሰላም ኣሎ፣እንጽበዮ ዝነበርና ጡዑም ኣየር ኣሎ፣ብጸሎት ዝነባዕናሉ ራህዋ ኣሎ፣እናሻዕ ዝተማጎትናላ፣ክንውንናሞ ኣብ ጎጆኣ ክንውጣሕ፣ብእንግዶኣ ክንሳሲይ፣ተበታቲኑ ዝነበረ ቤተሰብ ክተሓቓቖፍ፣ተረሓሒቆም ዝነበሩ ማሕበራት፣ትካላት፣ሃይማኖታት፣ፖሎቲከኛታት፣ምሁራን፣ ሓረስቶት፣ጛሶት፣ተረኽቲ ክተሓቓቖፉሞ፣ዝነበሮም ዓጸቦ ናይ ሰላም ብምትሕቑቓፍ ክዕንገሉ፣ዝነበሮም ጽምኢ ራህዋ ብውህደት ክረውይሉ፣እንተስ ብሕብረትን ብማሕበራትን ወይ ብጉጅለታትን፣ወይ እንተስ ምስ ውሽጢ ገዛእ ርእሲ ወይ ምስ ግሊ፣ከቢድ ምጉት ዘካየድናሉ ስለዝኾነ፣ከም ውጺኢቱ እነሆ ኣብ ቅድሜና ተኾይጡ።እታ ክንዮ ማዕዶ እንጽበያ ዝነበርና ሰላም ቅርቢ ኮይናትልና እነሃ፣ክንድዚ ዝኣክል ርሒቓ ዝነበረት ብውልቂ ይኹን ብሕብረት ዝተመነናያ ሰላም እነሃ ቀሪባ።ክንዮዚውን ኣሎ።ሰማያዊ ሰላም፣ኣምላኻዊ ሰላም፣ሕምስምስ ኣልቦ ወትሩ ብደስታ ዝተኸለለ ዓለምውን ኣሎ።ፈጣሪ እንታይ ይሰኣኖ፣ክንዮ ኣእምሮና ዝምጦ ሰላም ክህብ፣ክንዮ ሕልና ዝኾነት መንግስቲ ከውርስ እንታይ ይሰኣኖ!

እሞ እንታይ ንግበር፣-ዮና1፣11

ዓወታት ንምምስራቶም ዘይኮነስ ንምዕቃቦም ይኸብዱ።ከምቲ ህውከታት ንምጉንጻፍ ተበጃውነት ዝሓቱ፣ሰላም ንምዕቃባውን ተበጀውቲ ትደሊ ኢያ።ደጊም ቶባእ ስንፍና ኢሎም ርእሶም ዝገትኡ፣ነፍሶም ዝፈርዱ፣ንዓይ ናብቲ ባሕሪ ደርብዩኒሞ ሰላም ክሰፍን ኢዩ ዝብሉ፣በዳሊ ንስኻትኩም ዘይኮንኩስ ኣነ ኢየ ኢሎም ብትብዓት ገዛእ ርእሶም ዘድንኑ ተበጀውቲ ትደሊ ኢያ ሰላም።ኣብዛ ዓለም ብጅግንነቶም ዝፍለጡ ብዙሓት ክጥቀሱ ይከኣሉ ኢዮም።በንጻሩውን ብጭካነኦም ዝውቀሱ ኣዝዮም ውሩያት ውን ዓለምና ትውንን ኢያ።ክሳብ ሕጂ ተወዳደርቲ ዘይረኽቡ ግን እቶም ገዛእ ርእሶም ዝወቕሱ ኢዮም።እቶም ገዛእ ርእሶም ዝፈርዱ፣በቲ ምቕሉል ተበጃውነቶም ነታ ተራር ልቢ ናይ ወድሰብ ብጣዕሳ ከምትምርከኽ ክገብሩ ዝኽእሉ፣ውሽጣዊ ናይ ሰላም ድርዒ ዝዓጠቑ፣ክሳብ ሕጂ ተወዳደርቲ ዘይረኸቡ ኢዮም።ኣብ ዓለምና፣ናይ ኩዕሶ፣ናይ ጉያ፣ናይ ሞያ ወዘተ ዓመት መጸ ዋንጫ መን ወሰደ ውድድር ይካየድ ኢዩ።ናይ ገዛእ ርእስኻ ምውቃስ ዝምልከት ውድድር ግን ዓለምና ከተሳትፍ ኣይከኣላን ኢዩ።ምኽንያቱ እዞም ገዛእ ርእሶም ዝወቕሱ ሰባት፣ዋላ ነቶም ኣዋዳደርቲ ከይተረፈ ስለዝስዕርዎም፣ክወዳደሮም ዝኽእል ጥራይ ዘይኮነስ፣እንኮላይ ከወዳድሮም ዝከኣሎ ዓለም ኣብዛ ባይታዚኣ ዘይምዃኑ'ዩ።ናይዚ ጽሑፈይ ኣፈ ሙዙ፣ነዚ ኣብ ወጻኢ ኮይኑ፣''እገለ ከምዚ ኢዩ፣እገሊት ከምዚ ኢያ፣''እናተባሃሃለ ንሓድሕዱ ክወቓቐስ ዝሓገየ ኤርትራዊ ብሓፈሻ ድማ ሕብረተ ሰብ ዓለም፣ርእሱ ከድንን፣'ኣነ ኢየ በዳሊ፣ይቕረ ግበረለይ'፣ተባሃሂሎም ገዛእ ርእሶም ስለሰላም ክብጀውን ንምባል ኢዩ ተጻሒፉ።ሰላም ተበጀውቲ እምበር፣ኣበጀውቲ ኣይትደልን ኢያ፣ሰላም ደነንቲ ደኣ እምበር ኣንቃዕረርቲ ኣይብርህዋን ኢዮም፣ሰላም ልሳኖም ዝኸንሸቡ እዱባት እምበር፣ሴፍን ጉራዴን ሒዞም ብጭካነ ንሓድሕዶም ዝከናሸቡ ኣይሰማምዕዋን ኢዮም።

ኣብ ሓንቲ ንባሕሪ ተርሴስ ክትስንጥቕ እትህንጠ ዝነበረት መርከብ ዝተሳፈሩ ተጎዓዝቲ፣ሰንኪ ናይ ሓደ ነብይ ዘይምእዛዝን፣ሰንኪ ናይቶም ዋናታት እታ መርከብ ኣምልኾ ጣዖትን፣ፈጣሪኦም ቁንጣሩ ተግሳጽ ፈነዎሎም።በዚ ድማ ባሕሪ ኣፍ ኣውጺኡ ''ሃየ ተናዘዙ፣መን ኢዩ በዳሊ፣መን ዓማጺ፣መን ኢዩኸ ስለሰላም ክብል ርእሱ ዘበጁ'' ዝብል እንክመስል፣ብማዕበላቱ ገይሩ ክጥሕሮም ደለየ።ነዛ ግሳጼ እዚኣ ቀልጢፉ ዘላለያን፣መፍትሒ ዝረኸበላን እቲ ኣይእዘዝን ዝበለ ነብይ ነበረ፣ነብይ ዮናስ።ዓንተቦኡ ''ኣይእዘዝን ኣይለኣኽን'' ኢሉ ዝነበረ፣ሕጂ ግና ባዕሉ ክብጆ መረጸ።ሰላም ንምውሓስ ምብጃው ይሓትት ምኻኑ ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ ኢዩ።ነብይ ዮናስ ጽላሎት ክኾውን በቐዐ፡ ክርስቶስ ድማ ፈጻሚኡ።ነብይ ዮናስ ዘውሓሳ ሰላም ቁንጣሮ፣ንባሕሪ ተርሴስ ንምስጋር ጥራይ ነበረት፣ክርስቶስ ግን ረቂቕ ድልድል ሰሪቱ፣ሰማያዊ ዜግነት ሂቡ፣ናብ ሰማያት ዘአቱ ፓስፖርት መጢዩልና ከደ።እዛ ሰማያዊት ቪዛ እዚኣ እንክትበላሾ ዝዕረየሉ ባይታ ኣጣጢሕልና ስለዝኾነ ሰማያዊት ሰላም ኣብ ኢድና ኢያ።እምበርከ ክርስቶስ ሰላም ንምውሓስ ገዛእ ርእሱ ክውፊ ስለዝመረጸ ኢዩ።

እምበኣር፣ብነኣሽቱ ነገራት ዝተቃሓሓራ፣ማሕበራት፣ኣብያተ ክርስትያናት፣ፖሎቲከኛታት፣ሕብረተ ሰባት ወዘተ ወዘተ፣ ሰላም ተበጀውቲ ስለዘድለይዋ፡ ድምጻ ዓው ኣቢላ ትእውጅ ኣላ።''በደልካ ተናሳሓሉ'' ዝብሉ ዘይኮነስ፣''በደለኛ ኣነ ኢየ'' ኢሎም ገዛእ ርእሶም ዝወቕሱ ኣውሓስቲ ሰላም ትደሊ ኣላ ሰላም።ፍልልያት ክህልዉ ግድነት ኢዩ፣ንኽልቲኣትኩም ተታረኽቲ ኣብዛ ዓለም ናይ ንስሓ ዕድመ ዝውስኸልኩም ዘሎ ፈጣሪኹም ኢዩ።ስለዚ ንስኻትኩም ደኣልኩም ዘይተፋቐርኩም እምበር፣ፈጣሪኹምሲ ንኽልቲኣትኩም የፍቅረኩም ኢዩ። ነዛ ሕንጫልን ሕንጢትን ዝኾነት ሰላም ደልዲላ መታን ክትረግጽ፣ተሰማሚዖም ዘዕብይዋ፣ዘጎብዝዋ ስሙራት ስድራ ትደሊ ኣላ።ደጊም ልሳንና ናይ ይቕሬታኣ ትርሺ እትትኩሰሉ እምበር፣ናይ ጽልኢ ቃላታ እትውርውሮሉ እዋን ኣይኮነን።ናይ ቶኽሲ ቃላት ኣብቂዖም ዓውደ ክርክር ብዓውደ ልዝብ፣ምዝንጣል ብምክብባር፣ምትሕምማይ ብምትእርራም፣ምትኹታኽ ብምትሕቑቓፍ፣ቂምታ ብይቕሬታ ዝትክእሉ እዋን ድሮ ኣኺሉ'ዩ። ተፈጥሮና እነመስግነሉ ግዜ ካብ ሕጂ ንንላዕሊ ዕድል የለን።

ሰላመይ እህበኩም ኣሎኹ፣ዮሓ 14፣27

ንምኻኑ ንሕና እዞም ንሰላም እንሽትታ ዘለና ሕብረተሰብ፣ ህዝበ ክርስትያን ድማ ብፍላይ፣ምንጫ ካብ ላዕሊ ምዃኑስ ከመይ ዘንጊዕናዮ፧ ኣብዛ ዓለም እንምጠዎ ሰላም፣ካብ ሰማያት ተጨሊፉ ዝመጸ ቁንጣሮ ምዃኑስ ከመይ ተሰዊሩና፣ነቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝፍኖ ዘሎ ሰላም ዘይኮነስ፣ንባዕሉ ንእግዚኣብሔር ክንሃርፎዶ ኣይኮነን ዝቕድም ነይሩ፧ክርስትያን ማለት ምድራውያን ሰማያውያን ኢዮም።ኣብ ምድሪ እንከለዉ ሕልነኦም ኣብ ሰማያት ዘሎ ነገራት እናሰላስሉ ዝነብሩ፣ንናይ ምድሪ ሰላም ምስቲ ሰማያዊ ሰላም ከየዳረጉ፣''ነታ ኣብ ሑቕፎኻ ዘላ ሰላም፣ነታ ንዓና ኢልካ ዘዳለኻያ መንግስቲ ንምውራስ ከመይ ክንውንና ንኽእል፧ከመይ ዓይነት ሰባት ኢዮም ዝኣትውዋ፧ኣብ ቤት መቕደስካ ዝነብር መን ኢዩ፧ኣብ መሕደሪኻ ዝሓድሩኸ እነመን ኢዮም፧'' ኢሎም ስለ'ዛ ዘላ ቁንጣሮ ሰላም ዘይኮኑስ፣ሰለ'ታ እትመጽእ ሰማያዊት ሰላም እንዳለመኑ ዝነብሩ፣በዚ ኣብዚ ዓለም ዘሎ ጸበባ ዘይሽገሩ እኳ ደኣ ብሓጎስ ዝቕበልዎ፣በዚ ናይዛ ዓለም ሰላም ድማ ከይተዓሻሸዉ፣ስለቲ ቀንዱ ክዓዩ ዝነብሩ ኢዮም ክርስትያን።ከመይ ኴንና ደኣ ተጸበይቲ ሰማያዊት ዓለም ክንስና፣ምድራዊት ዓለም ክሳብ ክንድዚ ከምእንቀሓሓር ገይራትና፧ ከመይከ ኣብ ምድሪ ዝቕመጡ ሰማያውያን ክንስና፣ምድራዊ ነገራት ክሳብ ክንድዚ ከምእንጨኻኸን ገይሩና፧ዓለምኮ ከምታ ጥራሕና ዝመጻናያ፣ክንከይድ እንከለናውን ንብረታ ክንወስደላ ኣይትደልን ኢያ።ዝና፣ሃብቲ፣ፍልጠት፣ክብሪ ቁንጅና ኩሉ ኣብዛ ዓለም ኴንና ዘጥረናዮ ስለዝኾነ፣ክትምንጥለና ስምና ከይተረፈ ተቐይሩ ሬሳ ዝብል ሳጓ ኣጠሚቓ ክትውሕጠና ምኻናስ ከመይ ዘንጊዕናዮ፧ በሉ ንሱ ፈጣሪ ሰላሙ ንምምጣው ኣእዳዉ ዝርጉሓት ኢየን።ነዛ ሰላም'ዚኣ ጅማሬ እፎይታኣ ካብ ውሽጥና ኢዩ ዝጅምር።ሰላማዊ ሰብ ንምኻን፣መጀመርያ ምስ ገዛእ ርእስኻ ተዓረቕ።ሽዑኡ እቲ ንናይ ገዛእ ርእስኻ ሰላም ንምውሓስ ክትብል ዝኸፈልካዮ ዋጋ፣ንቤትካ፣ማሕበርካ፣ሃገርካ፣ሕብረተሰብካ ምሉእ ሰላም ንኽሰፍን ዝከኣሎ ዋጋ ካብ ምኽፋል ኣይክትደሓርሕርን ኢኻ።ትጸልኦም ሰባት ተሃልዮምኻ ንሳቶም መጺኦም ይቕሬታ ክሓቱኻ ኣይትጸበ።ዝተቐያየምካዮም እንተልዮምውን ምእንቲ ሰላም ክትብል ተበጃዊ ኩን'ምበር፣ተበጃዊ ኣይትድለ።

እግዚአብሔር ኣምላኽና፣ኣብ ውሽጥና፣ኣብ ከባቢና፣ሃገርና፣ህዝብና ኩሉ ዓለምና ሰላሙ ከስፍነልና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን።
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር!

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...