onsdag 15. november 2017

ብዘይ እግዚኣብሔርን፣ብዘይ ድንግል ማርያምን ዝብላ ቃላት ተመልከቱ


በስመ ኣብ ወወልድ፣ወመንፈስ ቅዱስ ኣሜን።
ብዘይ እግዚኣብሔርን፣ብዘይ ድንግል ማርያምን ዝብላ ቃላት ተመልከቱ።

እግዚኣብሔር መድሕን ዓለም ኢዩ።ድንግል ማርያምውን፣መድሓኒት ዓለም ክትበሃል ኣይኩርኩሓናን ኢዩ።ክርስቶስ ኢየሱስ መድሕን ዓለም ኢዩ።ንሳ ውን መድሓኒት ዓለም ኢያ።ፍልልይ ግን ኣሎዎ።ንሱ ናይ ባህሪኡ ኢዩ ኣድሓንነቱ፣ንሳ ድማ ብጸጋ ነዚ ክብሪዚ ተቐበለቶ።ንሱ ቤዛ ዓለም ይበሃል፣ንሳውን ቤዛዊት ዓለም ትብሃል፣ንሱ እግዚኦ መሐረነ ክርስቶስ ተባሂሉ ይልመን፣ንሳ ድማ መሓርኒ ወተሳህልኒ ድንግል፣ በበዘመኑ፣ተባሂላ ትልመን፣ንሱ ኣድሕነነ እመከራ ስጋ ወነፍስ ሊተ ለገብርከ፣ተባሂሉ ይልመን፣ንሳ ድማ ኦ ድንድል ኣድሕንኒ እመከራ ስጋ ወነፍስ ሊተ ለገብርኪ፣ተባሂላ ትልመን።

መዝሙርና፣ብዘይብኣኺ መን ኣሎኒ፣ኢልና ንዝምረላ፣ንክርስቶስ ድማ ብዘይ በኣኻ ኮንቱ ኢያ ሂወተይ ኢልና ንዝምረሉ።ዕለታዊ ጾሎትና መልክዐ ማርያም፣ሰላም ለመላትሕኪ፣ኣብ ዝብል ጸሎት፣ሰላም ለመላትሕኪ በእሳተ ኣንብዕ እለ ውዕያ፣ግዜ ሰቀሎ ለበክርኪ ውልደ ራሄል ወልያ፣ማርያም ድንግል ለነፍስየ ደብረ ምስካያ፣(((ኣድሕንኒ እምኣፈ ደመ ዘኣናብስተ ሐቅል ኣርኣያ፣ከመ ማሕፈደ ጠቢብ ወምእመን ኪነያ።))) ኢልና ንደግም።ኣብ መልክዐ ኢየሱስ ድማ፣ሰላም ለመላቲሕከ ከመ ምሉእ ምዕቃለ ማይ፣እለ ወትረ ይትረኣያ ብመንበረ መጽሔት ርሱይ፣(((ኢየሱስ ክርስቶስ መስተስርየ ኩሉ ጌጋይ፣)))ንዝህኒ እግዚኦ በኣዛቢከ ሰናይ፣ወኣጻዕድወኒ እምበረድ ጽሩይ። ኢልና ንጽውዖ።እዚ ጸሎትዚ ግን ኣይጋጨወናን ኢዩ።ንዑኡ ኣድሕነና ንብሎ፣ንዓኣ ድማ ኣድሕንና ንብላ።ንሱ ኣድሓንነት ገንዘቡ ናይ ባህሪኡ ኢዩ።ንሳ ድማ ካብኡ ናይ ምድሓን ጸጋ ተቐበለት።ኣየማዓራረናዮምን።ንክርስቶስ ኣየንኣስናዮ፣ንድግል ድማ ምስ ጎይታ ኣይተኻኸልናያ።

ቅዳሴና፣ስብከትና ኩሉ ኣይጋጮን ኢዩ።ንሱ ቤዛ ዓለም ክበሃል ብባህሪኡ ኣድሓኒ ስለዝኾነ ኢዩ፣ንሳ ቤዛዊት ዓለም ዝተባህለት ድማ፣ብጸጋ ነዚ ስለዝተዓደለቶ ኢዩ።ንሱ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ንድሕነት ሓሲብና፣መዲብና ምምባሩ፣ብባህሪኡ ገባሪ ሰናይና ኢዩ።ንሳ ድማ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፣ንምድሓን ደቂ ሰባት ብጸጋ እግዚኣብሔር ኣብ ሕልንኡ ተዓቒራ ዓቢ ተራ ስለዝተጻወተት፣ገባሪት ሰናይትና ኢያ።ብዘይ ድንግል ማርያም ዓለም ኣይትድሕንን ኢያ ማለትና፣ከምኣ ዝኣመሰላ ደናግል ዘይምርካበን፣ከምኣ ዝኣመሰሉ ንሚስጢረ ስጋዌ ዘሰጕዉ ዘይምምባሮም፣እምበር ምስ እግዚኣብሔር ስለዘወዳደርናያ ኣይኮንናን።ብዘይ እግዚብሔር ዓለም ኣይትድሕንን ኢያ፣ማለትና ድማ፣መለኮታዊ፣ናይ ባህሪ ኣድሓንነት፣ንዑኡ ጥራይ ዝምልከት ምኻኑ፣እቶም ካልኦት ኣሎዉና ተባሂሎም ዝምለኹ ድማ ኩላቶም ትሕቲ ስልጣን እግዚኣብሔር ምኻኖም ንምምልካት እምበር፣ንስጋውነቱ ንምኽሓድ ዝተበገሰ ኣይኮነን።እግዚብሔር ኢልና ንጽውዖ፣ዋላ እቲ ኣብ ማህጸነ ድንግል ድቂ ኮይኑ ዝተጸንሰ ኢዩ።ንዑኡ ድቂ ኮይኑና ኢልና ኣይንንዕቆን ኢና።ሰማያዊ መልኣኽ፣ካብ ስፍርኡ ናብ ምድሪ ከበስር ዝመጸ፣ለካ እቲ ክጥነስ ተባሂሉ ንድግል ዝብሰራ ዘሎ፣ፈጣሪ ናይ ድንግልን ናይ ቅዱስ ገብሪኤልን ኢዩ ነይሩ።እዞም ክልተ ፍጡራት፣ሓዴኦም ኣብሳሪ፣ሓዴኦም ተበሳሪ ኮይኖም።ነቲ ኣብ ማህጸነ ድንግል ድቂ ዝኾነ ባሮቱ ተገዛእቱ ኮኑ።ድቂ ኮይኑና፣ንእሽና ኢሎም ኣይነዓቕዎን።ንሱ ኢዩ ንዓለም ፈጢሩዋ፣ንሱ ድማ ከድሕና መጺኡ።ብዘይብኡኡ ምባልና፣ከምኡ ዓይነት ኣምላኽ፣ወይ ፈጣሪ ዘይምህላዉ ንምምልካት ኢዩ።

ንድንግል ብዘይብኣኣ ምባልና ድማ ከምኣ ዓይነት ጽርይቲ መሕደሪ መለኮት፣ካብ ደቂ ሰብ ወይ ካብ ካልኦት ፍጥረታት ዘይምምባሮም ንምምልካት ኢዩ።ኣምላኽ ድቂ ኮይኑ ኣብ ማህጸን ብጽንሲ ተገሊጹ፣ንሰባት ከድሕን፣ክብል ዝሰጎሞ ናይ ምድሓንና ስጉምቲ፣ከምኣ ዓይነት ፍጥረት ካብ ኩላቶም ፍጥረታት ምንም ዘይነበረ ምንባሩ ንምምልካት ኢዩ።እምበር፣እቲ ኣብ ማህጸና ዝተጸንሰስ፣ካብኣ ዝያዳ ከምዝበልጽ ጠፊእና ኣይኮነን።ንሱ ፈጣሪኣን ወዳን ምኻኑ ጥራይ ተረዱኡልና።ሃይማኖትና ኣይተሓዋወስን ኢዩ።ወልድ ዋህድ ኢልና ኢና ንኣምን።ንሱ ወድኣምላኽን ወድሰብን፣ንሳ ድማ ፍጥረት ኣምላኽን፣ኣደ ኣምላኽን።ንሱ ንዓለም ፈጢሩ ኣድሒንዋ፣ንሳ ድማ ተፈጢራ፣ብፈጣሪ ተሓብሒባ ካብ ኩሉ ርኽሰት ሓሊይዋ ነይሩ፣፣ክሳብ ንመለኮቱ መሕደሪ እትኸውን ድማ ብዘይምርመር ጥበቡ ዓቂብዋ ነበረ።ነዚ ተዓቅቦዚ ክትምርምር እትህቅን ሕልና ወይልኣ።ነዚ ጥበብ ኣምላኽዚ ክትበጽሖ እትመጣጠር ኣእምሮ ወይልኣ።ንባሕሪዶ ብስባር ናይ እንቃቑሖ ገይርካ ናብ ሽያኽ ጨንጊዕካ ክትውድኦ ይከኣል ኢዩ፣ ኣይፋሉን ኣይከኣንባ።ንሕናስ እምበኣር ንኣምን እምበር፣ኣይንጠራጠርን።እግዚኣብሔር እብ ህሕልንኡ ድላዩ ከቐምጥ ከምዝኽእል ንፈልጥ ኢና።ኣንታ ሰነፍ ሰብ፣ንስኻ እዚ ንስኻ እካ ኣብ ሕልናኻ ሓብሒብካ ብሚስጢር እትዕቅቦም ነገራት ኣሎዉኻ።ብማንም ዘይምርመር ኤልሻዳ ገናና እግዚኣብሔር ግዳ፣ንድግል ኣብ ሕልንኡ ካብ ኩሉ ርኽሰት ናይ ደቂ ኣዳም ዓቂብዋ ነይሩ እንተተባህለ፣ከመይ ክትጠራጠር ክኢልካ።ነዚ ረቂቕ ተዓቅቦዚ፣ክትምርምር ምስትህቅን ግን ሕልናኻ ክዓርበካ ኢዩ።ካብ ነዚ ክትምርምር ምፍታን፣ ብማንካ ናይ ሽኮር ገይርካ ንቀይሕ ባሕሪ ናብ ሓደ ሽያኽ ጨንጊዕካ ክትጥርሶ ይቐለልካ።

ገሊኣቶም ነብያት፣ሕደት ዘርኢ ተዘይገድፈልና ነበረያ ነበረ ምኾንና ኢሎም ዘሚሮም።ገሊኣቶም ድማ፣እነሆ ኣብ ምድሪ ያዔር፣ኣብ ቤተልሄም ብዛዕባኣ ሰማዕና ኢሎም ጽንጽንተኦም ደርጉሑ።እቲ ብድንግል ማርያም ዓለም ኣይደሓነትን፣ ድንግል ማርያም ተድሕኖ ሰብ እንተሎ ኣርኡዩኒ ኢሉ ዘዕገርግር ዘሎ ሰብ፣ትምህርተ ስጋዊ ዝኸሓደ ሰብ ይመስል።ኑፋቐ ድማ ኣፍለቕለቐ።ድንግል ማርያም ወላዲተ ሰብ እምበር፣ወላዲተ ኣምላኽ ኣይትበሃልን ኢያ ክብል ኢዱ የዋጣውጥ።እታ ብድንግል ማርያም ዓለም ኣይደሓነትን እትብል ልሳኑ፣ነቲ ተበጃዊ ጎይታ ክትክሕድ ከንፈሩ ምቕምቕ ስለዝበላ ኢዩ።ንሕና ግን ተስፋ ድሕነትና ብኣኣ ኢዩ ተፈጺሙ ኢልና ኢኢና ንኣምን።እዚ ምባልና ግን ንጎይታ ኣይከሓድናዮን። እረ ኣየነኣኣስናዮን።ከምዘይ ከሓድናዮ ውን ይፈልጠና ዩ።እቲ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ንሓጢኣት ብስግኡ ዝኾነኖ፣እቲ ስጋ ካብ ሰማይ ከምዘይመጸ ይፈልጥ ኢዩ። ምስኡ ዘሎ ስጋ ናትና ስጋ ናይ ድግንል ማርያም ስጋ ምኻኑ ይፈልጥ ኢዩ።እቲ ሞይቱ ተንሲኡ ኢልና እንእውጆ መለኮታዊ ኣዋጅ፣ድንግል ማርያም ኣብዚ ስጋውነቱዚ ዓቢ ቦታ ከምዘለዋ ይፈልጥ ኢዩ።ምኽንያቱ ኣምላኽ ኣይመውትን ነይሩ፣ መለኮቱ ብምልኣት ዝተዋሃሃዶ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝወስዶ ስጋ ግን፣ንኸመውት ክሳብ ክንድዚ ፍቕሩ ክገልጸልና ተመቾኦ።እረ ብዘይተዋህዶስ፣እታ ክሳብ ሞት ኣፍቀረና እትብል ጭርሖና ሕጂ ቦታ ኣይምሃለዋን ነይሩ።ክሳብ ክንድዚ ልዕል ልዕል ከም ንብል ድማ ገይሩና።

ንኡኡ ብዘይብኣኻ ዘድሕነኒ የሎን ኢልና እንልምኖ፣ብባህሪኡ ከድሕን ዝክእል ኣምላኽ ንሱ ጥራይ ስለዝኾነ ኢዩ።ንዓኣውን ለዘኢኣፈቅረኪ እግዝእትየ ማርያም፣ጌጋዩ ወሐጢኣቱ ኢተሃደግ ለቱ።ንዓኺ ዘየፍቅር ሓጥያቱን በደሉን፣ኣይተሓደገሉ።ኢልና ንጽሊ።እዚ ዕብየታ ልዕሊ ኣምላኽ ስለዝገበርናያ ኣይኮነን።ክንድኣ ዝኣክል ቅድስና ዘለዎ ፍጡር ዘይምህላዉ ንምምልካት ድኣምበር።እዚ ማለትናውን ነቶም ካልኦት ቅዱሳን ክንጸርፍ ስለዝደለና ኣይኮነን።ኾኾብ ካብ ኮኾብ ከነወዳድር ስለዝግበኣና ኢዩ።ክብርታት ቅዱሳን ምግንዛብ ክንድምንታይ ኣገዳሲ ምኻኑ ንምምልካት እምበር፣ንዓኣ ንድንግልሲ ልዕሊ ፈጣሪ ሰሪዕናያ ኣይንፈልጥን ብሕጂ ውን ኣይክንሰርዓን ኢና።ንሳስ ልዕሊ ፍጡራን፣ትሕቲ ፈጣሪ ኢያ።ብዘካይ ካልእ ኣምላኽ ኣይተምልኽ ኢሉ ዝኣዘዘ ንሱ ኢዩ።ስለዚ ንዑኡ ዘየፍቅር ውጉዝ ኢዩ።ባህርያዊ ኣምላኽነቱ ስለዝኸሓደ ኢዩ፣ንዓኣ ዘየፍቅር ውን ውጉዝ ኢዩ፣ካብ ኣምላኽ ዝተዋህበትና ሂያብ ስለዘይተቐበለ።

ኦ ድንግል ንዒ ናባና።
ኦ ድንግል ንዒ ባርኽና።
ኦ ድንግል ንዒ ርድእና።
ኦ ድንግል ኣስተስርዪ ሓጢኣትና።
ምሕረተን ረዲኤትን ናይ እግዚኣብሔር፣ኣማላድነት ናይ ድንግል ማርያም፣በረኸት ናይ ቅዱስ መስቀሉ ኣይፈለየና።
ኣሜንንን።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...