lørdag 25. februar 2017

ንክብሪ ዝዝንጥላ ከናፍር ሎሚ፡

በስመ ስላሴ ይቀደስ ልሳንነ።
ንክብሪ ዝዝንጥላ ከናፍር ሎሚ፡
እለን ከናፍር እስመ ኢይመጥዋ ክብረ ለክቡራነ መዐርገ በዛቲ ዘመን።
ቀደም ዘመን ሓንቲ ወይዘሮ ንበዓልቤታ ጎይታይ ትብሎ ነይራ፡ሎሚ ግን ኣንታ፡
ቀደም ሓደ ብዓል ሓዳር ንበዓል ቤቱ እመ ቤት ኢሉ ይጽውዓ ነይሩ ሎሚ ግን ኣቲ።ቀደም ሓደ ንጉስ ነታ በዓልቲ ቤቱ ንግስቲ ይብላ ነይሩ፡ሎሚ ግን mss፡ቀደም እታ ሰይት ንጉስ ንበዓል ቤታ ንጉሰ ነገስት ትብሎ ነይራ፡ሎሚ ግን minster፡ዘገርም እዚ ኩሉ ክብሪ ሎሚ ከም ጨው ተዘቒቑ ጥራሑ ተሪፉ።
ቀደም ታቦት ካብ ቤት መቕደስ ክወጽእ እንከሎ ብዘሎ መእመን፡ፍግም ኢሉ ኣምልኽኡ፡ንእግዚኣብሄር ዘለዎ ፍጹም ፍቕሪ ንኽገልጽ ይሰግድ ነይሩ።ኣዕዋፍ ከይተረፋ ክብሪ ኣምላኽ ዝተረደአን ክመስል ምንቅስቓስ የቃርጻ ነይረን፡ሎሚ ግን ወዮ ኣምልኽኡ ንኽገልጽ እካ ናብ ቤት ኣምላኽ ምምጻእ እንዳተቓረጸ ይመጽእ ኣሎ።ታቦት ክወጽእ እንዳተራእየ፡ካህናት ብልብሰ ክህነቶም ማዕሪጎም፡ድያቆናት ብወርቃውን ምዕሩግን ልብስታት ለቢሶም መስቀል ኣብ ኢዶም ዓቲሮም፡እነገሊኦም ድያቆናት ድማ ከም ቅዱስ ዳዊት ብከበሮ እንዳዘመሩ ፡ከም ቅዱስ ያሬድ ማህሌታይ መቖምያ ሕዞም ወረብ ክውርቡ እንክረአ፡ምስኦም ዝዝምር፡ምስኦም ኣምልኽኡ ዝገልጽ መንእሰይ ግን እንዳወሓደ ይመእ ኣሎ።ታቦት ዝኣክል እንዳወጸስ ከመይ ንታቦት ዘለና ክብሪ ክንገልጽ ተጸገመና።ከመይ ምስጋድ ኣበና።መናፍቓን ሰኣን ምስትውዓሎም ሰኣን እምነቶምን ኣይሰገዱን።ንሕና ግን ህዝበ ክርስትያን ምስ ምሉእ ፍልጠትናን እምነትናን እንከለና፡ስንፍና ወረረና።
ቀደም፡ሓደ ጳጳስ ክመጽእ እንተተራእዩ፡ንኽትንብርኸኽ ኣኽብሮትካ ንክትገክጽ ቅድድም፡፡ኣይኮነን ክቡር ጳጳስ ፡መስቀል ዝጨበጠ ካህን እንካን ክመጽእ እንተተራእዩ፡እግሩ ወዲቕካ ክትሳለሞ ትቀዳደም።ነዚ ኣነ ባዕለይ ጽቡቕ ገይረ ኣርኪበሉ ኢየ።ሎሚ ግን ንካህን ኣብ እግሩ ወዲቕካ ክትሳለሞ ኣይኮነንሲ፡መስቀሉ ንምስላም እካ እንዳሕፈረና ይመጽእ ኣሎ።ኣብ ማእከል ከተማ፡ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ፡ኣብ ህዝቢ ብብዝሒ ዝእከበሉ ስፍራ ንሓደ ካህን ክሓልፍ እንተሪኢኻዮ፡ኣብ ክንዲ ተጋዪኻ የእዳዉ ምስላም፡ተሓቢእካ ምሕላፍ እንዳኾነ ይመጽእ ኣሎ ታሪኽና።ወይ ግብዝና ሎምዘመን፡ግርምባ ኣብ ቤተ ክርስትያን ንክትሳለም ትጋየ፡ኣብ ደገ ግን ተሓቢእካ ምኻድ ካብቶም ቀዳሞት ፈጸምቲዚ ነገር ኣነ ኮይነ ።ደጋጊመ ንነብሰይ ሓቲተያ፡ነፍሰይ ግን እንትርፎ ስንፍንኣ ካልእ እትብሎ የለን።ጳጳስ ዝኣክል እንክመጽእ፡ቀደም " ኦ ጳውሎስ፡ጨርቅኻ ሃበና፡በረኸት ካብ መስቀልካ ጥራይ ኣይኮነን።ናይ ክዳንካ ቁራጽውን ዓቢ በረኸት ኢዩሞ፡ጨጨሪምና ክንወስድ፡" ተባሂሉ ኣብ ዘመነ ሃዋርያት ዝንገር ዝነበረ፡ሎሚሲ እንካዕ ቅዱስ ጳውሎስ ብስጋ ምሳና ኮይኑ ኣይሰምዕ።ብርግጽ ይሰምዕ ኣሎ።" ጴጥሮስ፡ጽላሎትካ መታን ክፍውሰና፡ክባርኸና፡ንዓ በዚ ከባቢና ሕለፍ ፡"ተባሂሉ ኣዝዩ ዓቢ ክብሪ ዝወሃቦ ዝነበረ ቅዱስ ጴጥሮስ እንካዕ ኣብ ዘመንና ኣይሃለወ።መን መኽበሮ።ተተሓቢእና መሕለፍናዮ።
ለካ እንዶ ነገሩ፡ሓጥያት ንምስራሕ ቅጭጭ ዘይብለና፡ነዛ ምንዝርና እንካን ኣጸባቢቕና ከም ጽድቂ ከነምስላ ቁርብተይ ተሪፋትና ዘላስ፡ካብዞም ዝባርኹ ካህናት ኣቦታትና ስለዝረሓቕና ኢዩ።ናይ ዘመነ ሃዋርያት ዝነበሩ ለባማት መእምናን ጽላሎትን ጭራም ጨርቅን ተመነዩ፡ናይ ለብዘመን ሰነፋት ቅድስና ዘየፍትወሎም እንበዓል ኣነ ግን ጨርቂ ኣይኮነንስ፡መስቀል ዓቲሩ፡ጽላሎቱ ዘይኮነስ ኣካሉ ክሓልፈኒ እንዳረኣኽዎ፡ተሓቢእካ ምኻድ ኮይና!!!
ቀደም ድያቆናት ኣዝዮም ክቡራት ነበሩ።ሓደ መእምን ንሓደ ድያቆን ክጽውዖ እንከሎ ዘንጢልካ ምጽዋዕ ኣዝዩ ነውሪ ኮይኑ ስዝስምዖ፡ኣንቱም እንዳወሰኸ ኢዩ ዝጽውዕ።ሎሚ ግን እታ ቅድስት መዓርግ እካ ሓኺኽና ካብ ልብና ብምውጻእ በብስሞም እንዳዘንጠልካ ምጽዋዕ ኮይና።ሓንቲ ወይዘሮ ንሓደ ድያቆን ክትጽውዖ እንከላ ፡ገምቱ እስከ ብመንጽር ናይ ቀደም ኣጸዋውዓ።ኣዝዩ ክብር ዝኾነ መዓርግ ንዝሓዘ ድያቆን ከመይ ኢልና ክንዝንጥሎ ደፈርና።ቅዱስ ድያቆን እስጢፋኖስ ከመይ ብስሙ ተዘንጠለ! ቅዱስ ድያቆን ነበር ሐዲስ ሃዋርያ ኣትናቲዎስ ከመይ ብስሙ ቦግ ኣቢልካ ብምጽዋዕ ተዘንጠለ።
ወገናተይ ብጣዕሚ ምርር ኢሉኒ ኢየ ዝጽሕፍ ዘለኹ።እዞም ሕጂ ንስም ድያቆናት ንዝንጥል ዘለናስ እንካዕ ኣብ ዘመነ ድያቆን እስቲፋኖስ ኣይሃለና።እንካዕ ኣብ ዘመነ ኣትናቲዎስ ኣብ ዘመነ እቶም 72 ኣርድእት ኣይሃለና።እግዚኣብሄር ንዝሃቦም መዓርግ ገዲፍና በብስሞም ምዘንጠልናዮም።
ነዘን ክብሪ ንዘለዎ መዓርግ ዝዝንጥላ ዘለዋ ልሳናት ብሕልናይ ሓቲተየን ነይረስ ንሳተን ድማ ብሕልና መሊሰናለይ።
እቶ ሕቶ፡ስለምንታይ ካህን እንክትሪኣ ተሓቢእክን ትሓልፋ፡ነቲ ክቡር መዓርግ ድማ ክትዝንጥላ ደፈርክን ኢለየን፧፧፧
ንሳተን መለሳለይ።
¶ ሰብ ከይርእየና፡-
ኣብ እኩብ ህዝቢ፡ኣብ ዕዳጋ፡ኣብ ጎደና፡ኣብ ባስ ስቶም፡ኣብ ዱንካን፡ኣብ መንገዲ፡ካህን ጎፍ ንጎፍ እንተረኺበዮ፡ልበይ ይምሸት።ምኽንያቱ በቲ ሓደ ወገን ዘይተሳለምኪ ኢሉ ሕልናይ ይወቕሰኒ፡በቲ ሓደ ድማ ሰባት ሪኢዮም፡ከይንዕቁኒ።" ዝብላ መልሲ። ዘይኮነ መልሲ ትምልሰለይ።እሞ ዓለም ንክርስቶስ ኣይፈለጠቶን ዘላ፡ክርስቶስ ኣብ ዓለም ንዘፍሰሶ ጸጋ ብመንገዲዞም ክቡራን ኣቦታት ኣቢሉ ከምዝግለጽ ኣይፈለጠትን ዓለም።ከናስሕ፡ከጠምቕ፡ከቑሩብ፡ቃል ኮዳን ከእስር፡ቅባኣ ሜሮን ክቐብእ፡ፈውሲ ስጋ ወነፍሲ ዝህብ ቀንዴል ዝገብር እንኮ ንካህን ኢዩ ተዋሂቡ።ንስኻ ድማ እዚ ምኻኑ ትፈልጥ ኢኻ።ዓለም ግን ኣይፈለጠትን።መን ድኣሞ ይንገራ።ኣብ ክንዲ ነቲ ዘሕፍር መንገዳ ኣሪምካ ክትነግራ ዝግባእሲ፡በቲ ዝምቡዕ መንገዳ ክትከይድ ክትብል እምነትካ ክትሓፍር!!!
¶ ሕራይ እቲ ምዝንጣል መዓርግከ እንታይ ኣምጽኦ፧ ኢለ ድማ ደጊመ ነዛ ነፍሲ ሓቲተያ።
ዓለም ንሓደ ብዶክተሬት ዝተመረቐ ብስሙ ዘንጢላ ኣይትጽውዖን ኢያ።ንሓደ ብማናጅመንት ዝተመረቐውን ማዕርጎ ኣይትርስዖን፡ንሓደ ፕሮፌሰር ማዕርጉ ገዲፍካ ምዝንጣል ኣዝዩ ነውሪ ኮይኑ ኢዩ ዝቑጸር።እሞ ኣንቲ ነፍሲ፡ነቲ ክቡር ብዓል ቤትኪ/ ብዓልቲ ቤትካ፡ዘንጢልካ ምጽዋዕሲ ንምንታይ ቀሊል ገይርኪ ወሰድክዮ።ነቲ ካብ ኩሉ ዝኸበረ መዓርግ ዝሓዘ ድያቆን ዝብል መዓርከ ስለምንታ ብስሙ "ኣታ" እንዳበልኪ ክትጽውዒ ደፈርኪ!! 
ኢለ ሓተትክዋ.
ሰነፋት ነፍሳትና ከምዚ ኢለን መለሳ። '
እቲ ንበዓል ቤትካ ምዝንጣል፡ፋሽን ( ምዕባለ) ኢዩ።ንድያቆን ድማ ኖርማል ኢዩ።'
ዎይ ጉድ፡ፋሽን፧ እንታይ ፋሽኑ ወደይ።ክርስትያንኮ ዘመናዊ ዘይኮነስ ዘላኣለማዊ ኢዩ።መንገዲ ክርስትና ምስ ዘመን ኣምጽኦ ዝቀያየር ዘይኮነስ፡ንናይ ዘመን ፋሽን ቀይሩ ዘልኣለማዊ መንገዲ እግዚኣብሄር ዝእውጅ መንፈሳዊ ድምጺ ኢዩ። 300 ዓመታት ዝነበረ ፍጹም ናይ ቅትለት ዘመን፡ቅዱሳን ሰማእታት ግን ነቲ ዘመን ብትዕግስቶም ቀየርዎ።ብስሞም ከምዝጽዋዕ፡ ዘመነ ሰማዕታት ከምዝበሃል ገይረሞ።እቲ ዘመን ዘመናዊ ቅትለተ፡ናይ ፋሽን ቅትለት ዝነበረ፡ንሳቶም ግን ቀየርዎ። ከመይ ኢሉ ደኣ ሎሚ ፋሽን ዝብል ምስምስ ከም ውሕጅ ጸርጊፍና ከደ።
ንድያቆን ምዝንጣልከ ኖርማል፥ከመይ ገይሩ ኖርማል።መቸም ንሓደ ክቡር መዓርግ ንዝውንን ሰብ ብስሙ ዘንጢልካ ምጽዋዕ፡ድሕሪኡ እንታይ ከምዝመጽእ ተመልከቱ።
ኣደ ሓውና ኢዩ።ምስ ሓደ ድያቆን፡ ኣዝዩ ቅርርብ ስለዝነበሮም፡ካብ ምሒር ምቅርራብ ዝተላዕለ።ነታ " ድያቆን" እትብል መዓርግ ናብ ቅብጥሮት ቀይርዋ።ስለዚ "ዲቁ" እንዳ በለ ክጽውዕ ጀሚሩ።ወዩ ዲቁ እትብል ኣጸዋውዓ ከም ዋዛ ዝጀመራ ስለዝለመዳ፡ኣብ ካልእ ዓዲ ብመገሻ ምስ ከደ፡ኣብኡ ሓደ ድያቆን ረኸቡሞ፡ኣብኡ ውን "ዲቁ!" ኢሉ ደገመ።ኩሎም ኣባኡ ዝነበሩ ገረሞም።
እቲ መንፈሳዊ መዓርግሲ ባዕልና ናብ ስጋዊ ቅብጥሮት ለወጥናዮ።
ወገናተይ ተኸባቢርካ ምጽውዋዕ ክብረት እምበር ሓጥያት ኣይኮነን፡ምክብባር ካብ ብዙሕ ሓጥያት ይከላኸል ኢዩ። ንመንፈሳዊ መዓርግከ ከመይ ብቅብጥሮት ተቐየረ።ሓንቲ ወይዘሮ ምስ ክቡር ድያቆን ንኸይትዝሙ ዝኽልክላ ዓቢ መጋረጃ እታ "ድያቆን" እትብል መዓርግ ኢያ።ብስሙ ክትጽውዕ እንተጀሚራ፡ኣታ ክትብል እንተጀሚራ ግና ክትተናኽፎ፡ናብ ዘይተደለየ ርኽሰት ንኽትዕድም ዝኽልክክላ ሓይሊ የለን።ሓንቲ ሰይቲ ድያቆን ዝኾነት፡ ኣታ ክትብሎ ተጀሚራ፡ነተን ካልኦት ማሓዙታ ድማ ኣታ ኢለን ንኽጽውዖኦ ዕድል እንዳኸፈተት ኢያ።እዚ ድማ ምስኡ ብዙሕ ናይ ምንዮታዊ ሓጥያት ንኽፍጽማ ዕድል እንዳኸፈተት ኢያ።ሰይጣን ነቶም ኣብ ቤት ኣምላኽ ዘገልግሎ ኣዝዮም ምልኩዓት ገይሩ ስለዘርእየና፡ንሕልናና ምስቲ ኣታ ኢልና ምጽዋዕ ዝለመድናዮ ድያቆን ርኽሰት ንኽንገብር ይደፋፍኣና።ብኣካል ዋላ ኣይንፈጽም ብልብና ብምንዮት ንፍጽሞ።በንጻሩውን ነቶም ድያቆናት ናብ ዘይተደለየ ፈተነ ነእትዎም። ንሳቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ክንሶም ባዕልና፡ንፍትኖም።
ስለዚ እዛ "ኣታ" እትብል ኣጽውዋውዓ ብዙሕ ዋጢጥ ኣሎዋ።ብማዕርግ ምጽዋዕ ግን መሊሳ ተማዕርግን ካብ ሓጥያት ትከላኸልን ኢያ።
ሓንቲ ብዓልቲ ሓዳር፡ንሰብኣያ ኣንቱም ኢላ ክትጽውዖ ዝጸነሐት፡ኣታ ክትብሎ እንተጀሚራ፡ንሱ ብውሽጡ ናይ ምስናፍ ስምዒት ይወርዶ።ንሳውን ኣብቲ ሰብኣያ ዝነበራ ኣኽብሮት እንዳቐነሰ፡ይመጽእ እሞ፡ገለ ጉድለት እንተፈጺሙ ነዲራ ንኽትዳፈሮ ድሕር ኣይትብልን። ንሱ ውን ከምኡ።መብዛሕትኡ ኣብ ሓዳር ግጭት ዝፍጸም ምዝንጣል ምስተጀመረ ኢዩ።ፍቕርተይ፡ፍቑረይ፡ሓፍተይ ሓወይ፡ጎይታይ፡እመ ቤተይ፡እንዳበልካ ክትጸዋዋዕ ጸኒሕካ ሓደ ክልተ ውላድ ምስ በጻሕካ ግን ምዝንጣል እንተተጀሚራ፡ግዲ የለን ምትፍናን ክመጽእ ኢዩ።እቲ ምትፍናን ብደገ እካ ኣይረአ እምበር፡ብውሽጢ ገሃጽ ሃጽ ከምዝብል ርዱእ ኢዩ።
እረ ሎሚ ምዝንጣል ድንግልና ምስ ፈረሰት ኢያ ትጅምር ዘላ።ሎሚሞኸኣ፡መርዓ ድሕሪ ድንግልና ስለዝኾነ፡እቲ ኣንቱም፡ኣንትን ተባሃሂልካ ምጽዋዕ ዳርጋ ኣዝዩ ኣሕፋሪ እንዳኾነ ይመጽእ ኣሎ።
እግዚኣብሄር እዱባትን፡ኣኽበርትን ልሳን ናይ ኣቦታትናንን ናይ ባህልናን ይዓድለና።ክብሪ ምስጋና ውዳሴ ንእግዚኣብሄር ይኹን።
እመ ኣምላክ ሆይ በረኸትኪ ነማዕዱ ኣሎናሞ፡ኣዘክሪ፡ስደትኪ፡መከራኺ፡ሓዘንኪ ኩሉ ንምህጸነኪ ኣሎናሞ ኣዘክሪ።ኣሜን፨፨፨

መጽሓፍቲ ተዝግንጸል መን ምነበቦ

Bilderesultat for ethiopian orthodox tewahedo books

ብስብ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
¶¶¶በመጽሐፈ ሂዎት ነበብናሀ ገነተ፡ወበመጽሐፈ ስጋ ተራእየ ሞተ።
ብመጽሓፈ ሂዎት ተረኣየት ገነት፡ብመጽሓፈ ስጋ ተራእየ ሞት።¶¶¶
መጽሓፍቲ ተዝግንጸል መን መምበቦ፧ታሪኽ ተዝዝንቶ መን ምተረኾ፧ሕቶታት ተዝሕታት መን ምመለሶ፧ንምካኑ ነቶም ዝተጻሕፉ መጽሓፍቲ መን ጽሓፎም፧ ነቲ ዝትረኽ ገድልታት መን ፈጸሞ፧ነቶም ዝምለሱ ሕቶታትከ መን ሓተቶ፧
ኣብ ዓለም ብዙሕ ዓይነት መጽሓፍቲ ተጻሒፉ፡'ዩ፡እዞም መጽሓፍቲ ንብዙሓት ምክንያት ውድቀት ኮይኖም ኢዮም።ብዙሓት ተረኽቲውን ተቐልቂሎም፡ብምኽንያት ትረኸኦም ድማ ንብዙሓት ሓንኪሎም ኢዮም።ብዙሕ ሕቶታት ተሓቲቱስ ኣብዛ ዓለም ብዝተረኽበ መልሲ ንብዙሓት መሕነቓ ኮይኑ ሓኒቑ ቀተለ።
ንምኻኑ መጽሓፍ ተባሂሉ ዝስመ ዘውድቅ ድዩስ ዘተንስእ፧ልብኻ ምስ መንፈስካ ዘሰማምዕ ድዩስ፡ስጋውነትካ ጥራይ ሓሲብካ ብዛዕባ መንፈሳውነትካ ከምትዝግዕ ዝገብር ኢዩ፧ኣብዚ ዓለም ክልተ ዓይነት ሰብ ኣሎ፡
1)ክሳብ መቓብር ጥራይ ኣምበር ድሕሪኡ ዘሎ ዘይግድሶ።
2) ክሳብ መቓብርን ድሕሪ መቓብርን ንዘሎ ክሓስብ ዝነብር።

እቶም ክሳብ መቓብር ጥራይ ክሓስቡ ዝነብሩ፡መወከሲ መጻሕፍቲ ኣሎዉዎም።ኩሎም እቶም ዝጥቀምሎም መጻሕፍቲ ኣብ ልዕሊ መቓብር ጀምሪካ ዘሎ ስጋውነት ኣመቓቒሮም ይገልጹ፡ስጋዊ ሂዎት ኣዝዩ ሙቁር፡ብስጋ ከምትሰብሕ፡ብስጋዊ ፍትወት ስጋኻ ከምትረዊ፡ብስጋዊ ሃብቲ ከምትህብትም እሞ ናብ ድላይካ ክትከይድ ከምትኽእል፡ብስጋዊ ዓይኒ ድላይካ ርኢኻ ዕግበት ከምትረክብ፡ድላይካ ተመኒኻ ሽዑን ሽዑን መልሲ ከምትረክብ ወዘተ ይትንትኑ።
እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ከመይ ገይርካ ብስጋ ዝያዳ ሃብታም ትኾውን፡ከመይ ገይርካ ብዓል ዝና ፍሉጥ ሰብ ኮይንካ ከም ትምለኽ፡ከመይ ኢልካ ትዝሙ፡ንዝሙት ዘበራትዑን ንፉዕ ዘማዊ ንኽትከውን ዘተባብዑን፡ምስ ዘሞኻኸ እቲ ዘለኻሉ ከይዲ እንታይ ሰም ተጠምቖ፡ከመይ ገይርካ ሰብ ትቐትል፡ከመይ ገይርካ ናይ ላም ኣፍ ኣውጺኻ እምባሕሕሕ ትብል፡ወዘተ ብዛዕባዚ ተጻሒፉን ተደሪሱን ኢዩ።ስለዚ እቶም ክሳብ መቓብር ንዘሎ ሂዎት ክሓልሙ ዝነብሩ ሰባት መወከሲ ሂዎቶም እዞም መጽሓፍቲ እዚኦም ኢዮም።
መጽሓፍ ብብርዐ ቀለም ንዝሕንጠጥ ጥራይ ኣይኮነን ዝውክል፡መጽሓፍ ኣብ ልቢ ተጠጅኡ ዝነበረ ሓሳብ፡ናብ ደገ ክወጽእ ምስ ከኣለ፡እቲ ተዓዛቢ ካልኣይ ኣካል በቲ ዘውጻኻዩ ተጠቃሚ እንተኾይኑ፡ንስኻ ደራሲ፡ንሱ ድማ ኣምባቢ ኮይንኩም።ኣብ ውሽጢ ልቢ ንዝነበረ ሓሳብ፡ብመልክዕ video፡ብመልክዕ ተለፎን፡ብመልክዕ ጽሑፍ ብመልክዕ ዝተፈላለየ ማስመድያ ክፍኖ ይኽእል ኢዩ።ብርግጽ ድማ ተዘርጊሑን ይዝርጋሕ ኣሎን።እቶም ተጠቀንቲ ናይዚ ዕላመኦም ክሳብ መቓብር ስለዝኾነ፡ክሳብ ዝሞቱ ንዘሎ ሂዎቶም ሓንቲ ጭርሖ ሒዞም ይጎዓዙ።ክሳብ ዘለኻ ከም ድላይካ ንበር፡ብድሕሪኡ ከኣ ዝረኣዮ ስለዘየለ፡......ኢሎም ኣብ ምልክት ሕቶ የእትውኻ።
እቶም ክንዮ መቓብር ክሓስቡ ዝነብሩ ዝበልናዮም፡ሰባት ድማ ሰብ ምስ ሞተ እንታይ ይኾውን ዝብል ጭንቀት የብሎምን።ብዓንተዉኡ ሰብ ካበይ ከምዝመጸን፡ናበይ ከምዝኸይድን፡ርግጸኛታት ኮይኖም ብእምነት ዝተቐበልዎ ጉዕዞ ስለዝኾነ፡ብዛዕዛዚ ኣይግደሱን።ንሳቶም ዘገድሶምሲ፡ኣነ ከመይ ክኾውን ኣሎኒ፧ሂዎተይ ቅድሚ መቓብርን ድሕሪ መቓብርን ከመይ ክትከውን ኣሎዋ፧ብስጋ መታን ከይህሰ፡ብመንፈሳዊ ውን መታን ከይጉጠ፡እንታይ ገዲፈ እንታይ ክምልእ ኣሎኒ፧ ኢሎም ዝዉከስዎ መጽሓፍ ኣሎዎም።እዚ መጽሓፍዚ ድማ ቅድሚ መቓብርን፡ድሕሪ መቓብርን ዘሎ ሂዎት ብስእሊ ገይሩ ዝገልጽ ድረስት ኢዩ።ነዚ ዝደረሱ ኣብቲ ክንዮ መቓብር ዘሎ ሂዎት ብሰላም ኣሎዉ፡እቲ ነዚኦም ዘድረሰ ምንጮም እግዚኣብሔር ድማ ኣብ ሕቕፉኡ ተቐቢሉ ሓቖፎም።
እዚ ኩሉ ዝትጻሕፈ መጻሕፍቲ፡ነቲ ክሳብ መቓብር ንዘሎ ሂዎት ጥራይ ዝትርኹ፡ተረኽቱ እቶም ስጋውያን ኢዮም።ድሮእካ ክሳብ ሕጂ ካብ ቃኤል ጀሚሮም እንዳተተረኸ ኢዩ።እቶም ክንዮ መቓብር ንዘሎ ሂዎት ከይተረፈ ዝትርኹ መጽሓፍቲ ግን ዝትርኾም ዘይኮነስ ዘምብቦም እካ እንዳወሓደ ይመጽእ ኣሎ።ካብ ክልተ ብንስሐ 100 ዓመት ዝተሓጸቡ ኣዳምን ሄዋንን ሓደ ኣቤል ምስተረኽበ፡ካብ ኣቦታቱ ዝተረከቦ ስእሊ ናይቲ ክንዮ መቓብር ዘሎ ናይ ገነት ሂዎት ከይትርኽ ብንግሁኡ፡እቲ ብምድራውነት ኣዝዩ ምኩሕ ዝኾነ ሓዉ ቀተሎ።ምድሪ ንኣዳም እካ በኽሪ ወዳ እንተገበረቶ፡ንወዲ ኣዳም ግን በኽሪ ንብረታ ገበረቶ።ኣቤል ኣብ ምድሪ ብሓመድ እካ እንተተበለዐ፡ሰማያት ከይዱ ግን ነታ ዝፈልጣ ናይ ዕረፍቲ ስፍራ ምስረኸበ፡ነቲ ዋና ዕረፍቱ ስምዕትኡ ኣቕረበ።ቃኤላዊ ስነሓሳብ ከይውሕዝ ብኣግኡ ንኽዕገት ድማ ጥርዓኑ ኣቕረበ።ኣምላኽ ድማ ደም ሓውካ ናባይ ይጠርዕ ኣሎ በለ።ደም ኣቤል ኣብ ምድሪ ኣብ መቓብር እካ እንተተረፈ፡እቲ ድሕሪ መቓብር ከይዱ ዝፈስስ ደም ግን ከይዱ ምስ ፈጣሪኡ ተዛራረበ።(ምንት ገበርከ፡ደሙ ለእሁከ በጽሐ ሀብየ ዘፍ4፣10) ይብል።ደም ሓውኻሲ ናባይ በጺሑ፡ንስኻ ኣብ ምድሪ ዝፈሥስ ጥራይ መሰለካ፡ግን ናባይ ኢዩ ፈሲሱ በለ።

ዓለም ምሉእ ብስጋውነት ተዋሒጣ፡ነቲ ክንዮ መቓብር ንዘሎ ስእሊ ዝነግር ጽሑፍ ዘምብቦ ሰብ ፈጺሙ እንዳወሓደ ይመጽእ ኣሎ።ዋላ እቶም ጸሓፍቲውን ስጋዊ ረብሓ ተዘይረኺቦም ምጽሓፍ እንዳቃረጽዎ ይመጹ ኣሎዉ።ሎሚ ኩሉ ዘማሪ ክኾውን፡ካሴት ኣሓቲሙ ዘማሪ እገለ ክበሃል፡ይደሊ ምንጪ ድልየቱ ግን ክንዮ መቓብር ዘማዕደወ ኣይመስልን።መዝሙሩ ጥዑም፡ሓሳብ ግን ክሳብ መቓብር ኮይና፡ስጋዊ ረብሓኣ ጥራይ ዘቐድም ሰብ ከመይ ኢሉ ጣቃ ክህልዎ።ብኡኡ መንጽር እቶም ኣምበብትን ሰማዕትን ውን እናሰልቸዎም ይመጽእ ኣሎ።ዓለም ምልእቲ ብስጋውነትን ዝና ዝተመልኦ ሓጥያትን ተመሊኣ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ፡ክንዮ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ዛንታ ክንሰምዕ ዝገበሩና እቶም ውሑዳት 8 ሰባት ኢዮም።ኖህን ደቁን፡ካብ ኣዳም ክሳብ ዘመኖም ንዝነበረ መንፈሳዊ ትረኻ ብዝግባእ ስለዝሰምዕዎ፡ንርእሶም ካብ ማይ ኣይሂ ድሒኖም፡ናባና ንኽበጽሕ ድማ ምኽንያት ኮይኖም።ሕጂውን ነዚ ሎም ዝፍጸም ዘሎ ይኹን ቅድም ዝተፈጸመ ተረኽቲ ክኾኑ ዝመደቡ ሰባት፡ገሊኦም ከምቶም ዝጠሓሉ ኣብ መቓብር ጥሒሎም ክተርፉ ኢዮም፡ኖሃዊ ጠባይ ዘሎዎ ሰብ ግን ክንዮ መቓብር እንዳሓሰበ፡ነዞም መጽሓፍቲ ናይ ክንዮ መቓብር ንዘሎ ስእሊ ዝገልጹ እንዳምበበ ክነብር ኢዩ።ግን ክውሕዱ ኢዮ።ሎሚ ንምንታይ ኢዩ ካብ ዓለም ምሉእ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዝወሓዱ ኮይኖም እንተኢልና፡ቅዱስ ኖህ ባዕሉ ይምልሰልና።"ኣብ ልቢ ኣቦታተይ ዝነበረ ጽሑፍ ማይ ኣይሂ ክውሕጦ ዘይከኣለ፡ብዙሓት ኣምበብትን ሰማዕትን ስለዝነበርና ኣይኮነን።ተረኽቲ ናይ ዘብዛሕካ ዘይኮነስ፡ነቲ ዝተተረኸ ከመይ ትዕቅቦ ኢዩ ወሳኒ።ኣነን ደቀይን ዓቂብናዮ ስለዝጸናሕና፡ንዋሕድና ማይ ኣይሂ ኣይደምሰሶን።በንጻሩ እቶም ብዛዕባ ስጋውነት ብዙሕ ዝጸሓፉን ዝተረኹን ግን ብዝሖም ንማይ ኣይሂ ኣይገደቦን።ማይ ኣይሂ ንዕዖም ደምሰሶም፡ንዓና ግን ውሕዳት እካ እንተኾንና በቲ ክንዮ መቓብር ንዘርኢ እምነትና ብዝግባእ ስለዝዓቀብናዮ፡ጸምበሃለል ኣበለና።" ኢሉ ይምልሰልና።ኣቦና ቅዱስ ኢዮብ ውን፡"ኣብ ዘመነይ ንኣምላኽ ዝፈርህ፡ክንዮ መቓብር ንዘሎ ደስታን፡ስቅያትን ኣስተኻኺሉ ዝፈልጥ ሰብ በይነይ ኣነ ጥራይ ኢየ ነይረ።ስለዚ ኣንቱም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ደቀይ እንተዋሓድኩምሲ ኣይትሰምብዱ፡ስኽፍ ኣይበልኩም፡ኣብ ቤተ ክርስትያን ክንደይ ሰብ መጺኦም ኢልኩም ክትቃሞቱ ኣይትውዓሉ።ንስኻትኩም መጀመርያ ሂዎትኩም ኣብ መቓብር ጥራይ ከምዘይተብቅዕ እመኑ፡ድሕሪኡ ከመይ ኢልካ ከምዝንበር ድማ ነቶም መወከሲ ጽሑፋት ኣምብቡ።ምንባብ ክበሃል እንኮሎ፡ብ ወረቐት ጥራይ ኣይኮነን።ኣነ ንደቀይ ብጹሑፍ ኣይኮንኩን ዝምህር ነይረ።ማለት ነቲ ብ ኣቦታተይ ዘምበብክዎ ዛንታ፡ብጹሕፍ ኣይተረከብክዎን፡ንደቀይ ውን ብጽሑፍ ኣየሕለፍክዎን።ብሕገ ልቦና ደኣምበር።ስለዚ ንስኻትኩም ድማ ደቀይ ብጹሑፍ ምርካብኩም ጽቡቕ ኢዩ።ኣብ ርእሲኡ ድማ ካብ ኣፍ ኣቦታትኩኩም፡ልብኹም ንትምህርቶም ተምብቦ።" ኢሉ ቅዱስ ኢዮብ ይምልሰልና።
እግዚኣብሄር ሆይ፡ኣብዛ ስጋውነት ዝዓብለላ ዓለም መንፈሳውያን ኮይንና ክንረክብ ንደሊ ኢና፡ሓይልና ግን ላሕልሐ፡ኣብዛ ክሳብ መቓብር ጥራይ ዝሕሰበላ ዓለም ክንዮ መቓብር ክንሓስብ ንደሊ ኢና፡ስጋውነት ግን ባይታ ኣውዲቕና ኢዩሞ ኣዚና ውሒድና ኣሎና።ጎይታየ ስጋውነትና ገደብ ክንገብረሉ፡ነብስና ኣብ ስጋ ክትነግስ፡ንስኻ ድማ ኣብ ነብስና ክትገዝእ ፍቓደኛታት ክንከውን ሰናይ ፍቃድካ ይኹን።ንሕና ደቅኻ ደኣምበር ደቂ ዓለም ኣይኮነናንሞ፡ሰማያዊ ልደትና ከም ንዝክር ግበረና።
ንኣብ ንወልድ ንመንፈስ ቅዱስ ሓደ ኣምላኽ ምስጋና ይኹን ሎምን ኩሉ ሳዕን ኣሜን።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...