torsdag 23. mars 2017

ቅድስና ኣብ መላእ ዓለም ክትሥበኽ ደሊኻያ ኢኻሞ፣ምዕራፍ ሓደ በየን ትጀመር፧



ስለሰብዶ ትጽሊ ኣሎኻ፣ስለሰብ ትምህር፧ንሰብ ጽቡቕ ምግባርዶ ትምህሮ ኣሎኻ ወይሲ ነቲ ንስኻ እትምህሮ መንፈሳዊ መልእኽቲ:ንምቕባል ዓቕሚ ካብ እግዚኣብሄር ንኪወሃብ ትጽልየሉ ኣሎኻ፧ ኣንታ ክቡር መምህር፣ንሰብ ስለእግዚብሄርዶ ትምህሮ ኣሎኻ: ዋላስ ኣቐዲምካ ንእግዚኣብሄር ስለቶም ንስኻ ትነግሮም ሰባት ብጸሎት ትነግሮ ኣሎኻ፧ንእግዚብሄር ስለሰባት ብጾሎት ምሕታትን፣ንሰባት ስለእግዚኣብሄር ምስትምሃርን ቅደም ተኸተል ዘድልዮ ነገር ኢዩ።ነቲ ሰብ ብዛዕባ ቅድስና ቅድሚ ምንጋርካ፣ነቲ ቅዱስ ኬድካ ቅድስቲ ልቢ ንኽቲህሉ ብጸሎት ለምኖ።ምኽኒያቱ ቅድስት ልቢ ከይተረኽበት ቅዱስ ቃል ክዝራእ ኣይከኣልን ኢዩ።ብዘይ ቅዱስ ልቢ ዝዝራ ቅዱስ ቃል፣ልምላሜ ናብ ዘይብሉ ግራት ከምዝዝራእ ዘርኢ ኢዩ።እሞ ፍረ ዘለዎ መንፈሳዊ ምህርቲ መታን ክሕፈስ፣ነታ ክትነግራ ዝደለኻ ልቢ መታን ከለምልማ፣ብእምነት ከጽንዓ ንኣምላኽካ ብጸሎት ንገሮ።ንሱ ድለ ክትረክብ፣ኳሕኲሕ ክራሓወልካ ዝብል እሙን ቃል ኪዳን ኣሎዎሞ፣ቅድሚ ቃሉ ምዝራእካ እታ ልቢ ንኽትስተኻኸል፣ነቲ ኣብኣ ዘሎ ሰይጣን ዝተኸሎ እሾኽ ብጸሎት መንቁሶ።
ደቂ ኦርቶዶስ ዝኾኑ ኣመንቲ ብዝተቐበልዎ መሪር 21 ሰማእትነት ናይ ሊብያ፣ኣብ ግብጺ ከቢድ ሓዘንን ሓጎስን ተደባሊቑ ነይሩ።እቲ ሓዘን ዝተባህለ፣ስጋ ለበስ ስለዝኾንና:ወገንካ ንዝኾነ ሰብ ብከቢድ ጭካነ ብካራ እሞ ድማ ኣብ ዓዲ ጓና ክሕረድ እንከሎ ከቢድ ኢዩ።እዚ ኢዩ ንህዝቢ ግብጺ ከቢድ ሓዘን ኮይንዎም ነይሩ፣ንህዝቢ ግብጺ ጥራይ ዘይኮነስ ንኹሉ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ።ዋላ እቲ ሕልናዊ ሰብኣውነት ዚሓስብ ሰብ ውን ኩሉ ኣብ መላእ ዓለም ነዚ ኣብ ሊብያ ዘጋጥም ዝነበረን ዘሎን ሰማእትነት ፈጺሙ ሓዚኑ ውዒሉ።
በንጻሩ ድማ ዓበይቲ መንፈሳውያን ሰባት ተሓጊሶም ውዒሎም።ሓንቲ ወዳ ዝተሓረዳ ሰበይቲ፣ኢንተርቪዩ ምስ ገበሩላ ከምዚ ክትብል መሊሳ።
ጋዜጤኛ፣ ነዚ ንወድኽን ዚሓረደ ሰብሲ እንታይ ምበልክንኦ፧
እታ ኣደ ኣዝየ መመስገንክዎ።
ጋዜጤኛ፣ እዋእ እሂ ስለምንታይ፧

እታ ኣደ፣ ምኽኒያቱ ኣነ ኣደ ኮይነ ክሓዝን ይኽእል ኢየ፣ወደይ ግን ምስቶም ሰማእታት ኢዩ ተቖጺሩ።እዚ ሓራዳይ ጠቒምንኒ ምበር ኣይጎደኣንን።ንዓይ ኣደ ሰማእት ገይርኒ፣ንወደይ ድማ ምስቶም ሰማእታት ተቖጺሩ ዓቢ ክብሪ ከምዝለብስ ገይርዎ።ንዓይ ኣብ እምነተይ ማዕረ ክንደይ ክተግህ ከምዘለኒ ነብሰይ ንኽምርምር ገይርኒ፣ንወደይ ድማ ፍጹም ተባዕ ኮይኑ ክሳዱ ንኻራ ንክህብ ዘተባብዐ መንፈስ ቅዱስ፣እምነቱ ህያሃው ኮይና ኣብ ዓለም ከምዝሲበኽ ገይሩ።ስለዚ ነዚ ሓራዳይዚ የመስግኖ እምበር ኣይራገሞን፣ይጽልየሉ እምበር ኣይጸርፎን ኢየ።መን ኮይነ ኢየኸ ክጽልየሉ።እቲ ዝተሓርደ ወደይ ሰማእት ጸልዩሉ ኢዩሞ ኣነደኣ ተኸኣልኩ ስለድኻመይ ንኽጽሊ ገይርኒ ኢዩሞ፣ወደይ ኣብቲ ገማግም ባሕሪ እንዳተሓርደ: ሰማእትነት እንዳተቐበለ እንከሎ ዝጸለያ ጸሎት፣ነዚ ሓራዳይ ናብ ንሲሓ ቀስቂሳቶ ትኾውን።እንሆ እኳ ንዓይ ማዕረ ክንድዚ ነብሰይ ከምዝፍቲሽ ገይራትኒ።

ናብቲ እምባ ዝንጠቕ ክንደይ ተዓዲሉ!!!

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን
ናብዚ እምባ ዝደየባ ኣእጋርሲ ክንደይ ተዓዲለን፡እነገሊኡ ኣእጋር ኪናት ኽከፍት ናብ ኩርባ ይሓኩር ኣእጋርኩም ግን ናይ ቅድስና ዋና ንኽርእያ ሓኾረኦ።ናብዚ እምባዚ ዘንቃዕረራ የዒንትስ ክንደይ ይፈርያ ክንደይከ ይጽብቓ፡፡ኣብ ዓድና ንሓደ የዒንቱ ፍሩይ ተኾይኑ ንኽትጸርፎ ምስትደሊ "ፈራር ዓይኒ ብዕራይ" ትብሎ፡ክትውድሶ ምስትደሊ ድማ፡ብሩር ዓይኑ ዓይኒ ፍንጃል ኢልካ ትውድሶ። ንሓንቲ ጎርዞ ክትውድሳ እንተደሊኻውን፡ቁመታ ክሳድ ሰገን ዝመስል፡የዒንታ ናይ ሱፍ ዕምባባ" ብምባል ትውድሳ፡
ነዚ እምባዚ ሓኺረን ዝተመልከታ የዒንቲ ግን ከይትነቕፈን መሎኮት ርእየን ንዝዓገባ ብምንታየን ክንቀፋ፡ከይትንእደን ኣምላኸን ኮለ ገና ንኢዱወን ኢዩሞ፡እንታይ ዓይነት ናኣዳ ኢዩ ካባና ክወሃበን።ኣቤት ምስጢረ እግዚኣብሄር! ለካ ካብ የዒንቲሲ የዒንቲ ይመርጽ ኢዩ፡ካብ የእጋርውን የእጋር ይመርጽ ኢዩ።እግዚኣብሄር ዝዓደሎ የእጋር ናብዛ እምባዚ ኣንጊሁ ይግስግስ፡እግዚኣብሄር ዝጸልኣሉ የእጋር ድማ፡ናብ ርኽሰትን ናብ እንዳ ባርን ጋይላን ከይዱ የኹድድ።እግዚኣብሄር ዝባረኾ የዒንቲ ኣብ እምባ ደይቡ፡ናይ ዓለም ድኻማን ናይ እግዚኣብሄር ሓያልነትን ይርዳእ፡እግዚኣብሄር ዝጸልኣሉ የዒንቲ ድማ፡ርኽሰት ዘይረኣኹ ንኽብል ብሕልሚ ለይቲ ከይተረፈ ድቃስ ይስእን።
ኣንቱም ቅዱሳን ሃዋርያት እንታይ ሰሚዕኩም፡መን ኢዩከ እቲ ዝተዛረበ፡እቲ ንስኹም ዝፈራህክሞ፡ኣነውን ምሳኹም ኮይነ ብሕልናይ ይፈርህ ኣሎኹ።ኣሺንካይዶ እግዚኣብሄር ብግርማ ሞሎኮት ድምጹ ከስምዕሲ፡ሓንቲ ሰብ ዝሰርሓ ሞርታል፡ናይ ቶኽሲ ድምጺ ሰሚዐካ ልበይ ይመሉቕ።ቅዱሳን ሃዋርያት ተዓዲልኩም ዓዲልኩምና፡ሰሚዕኩም ኣስሚዕኩምና ኢኹም እሞ፡ነቲ ንዓኹም ዘስምዐ ኣምላኽ ነመስግን፡ንዓኹም ድማ ነኽብረኩም ኣሎና።
ለካ መንፈሳውነት ከምዚ'ዩ፡ሓደ እንተድኣ ብቅድስና በሊጽካ፡"ኣነኸደኣ ብምንታየይ ኢየ ደኺመ፡ነዚ ክርኢ ዘይበቕዓኹ፡ብርግጽ ሓጥእ ስለዝኾንኩ ኢየሞ፡እረ እግዚኣብሄር ብምሕረትካ መሓረኒ" ኢልካ ብድካምካ ምኣማን።ሃዋርያት ነቲ ን3 ዓመት ብዝትፈለለየ መንፈሳዊ ትምህርቲ ናይ ቅድስና ኮርስ ክህቦም ድሕሪ ምጽናሕ፡ሓደ ነቲ ሓደ ብቅድስና ቀዲሙ ካልኣይ ሳልሳይ ተባሂሎም ንኸይስርዑ፡ ናብ 2 ማለት ሓዲኦም ንጎይትኡ ዘትሕዝ ዩሁዳዊ ሕልና፡ሓዲኦም ድማ፡ክሳብ ሰማያት ተነጢቑ ክሳብ ዕጸ ሂዎት ንዘሎ ሕልና ሰብ ዘይበጽሖ፡ንምርኣይ ዝኸኣሉ ከም ዮውሃንሳዊ ቅድስና ዝወነኑ ንኸኮኑ ወትሩ ሂዎቶም ይምርምሩ ነይሮም።ክርስትና ካብ ቀዳማይ ክሳብ 10ይ ዘሎ ብሉጻ ተባሂሎም ዝሽለሙ ዋንጫ ዓለም ዘይኮነስ፡ኩሉኻ ቀዳማይ ወጺኻ ኩሉኻ ሰማያዊ ዋንጫ እትዓትረሉ ግጥም ኢዩ።
እወ! ገሊኦም "ኣደ ኣምላኽ ትኣክል ካብ ሰማያት ንኽትመጻናሞ፡የአሃንስ ዝረኣዮ ንሕና ከኣ ክንርኢ" ብማለት ቅዱስ ቅንኢ ሒዝዎም መታን ክብርትዑ ብጾም ሱባኤ ኣተዉ፡ንሳ እታ ቅድስቲ ኣደ ንሰማያት ምስ ዓረገት ድማ፡ኣብቲ ደመና ዝነብረሉ ስፍራ ሰማያት እንክትሓልፍ ቶማስ ዘሃዋርያ ነዚ ተኣምር ናይ ትንሳኤ ብዘይምርኣዩ ንነብሱ ፈጺሙ ፈንፈና፡"ጎይታይ ኣነ ሓጥእ ብኻነይ ድየ ነዚ ክልተ ትንሳኤ፡ናትካን ናይ ኣዴኻን ከይርኢ ዝኸልከለኒስ ብርግጽ ሓጥያተይ ኢዩሞ ኦ ጎይታ ተለመነኒ፡ዋላ ሱባኤ ክኾነኒ ካብዚ ዓንዲ ደመና ክጸድፍ!" ኢሉ ነቲ ብመንፈሳዊ ተጋድሎ ዘምጽኦ ክሳብ ብደመና ናይ ምጉዓዝ ጸጋ፡ንድሕሪት ገደፎ።ቅድስና ንዘለካ ይኣኽለኒ ኢዩ ኢልካ ንነብስኻ ምትዕሽሻው ዘይኮነስ፡ድኻምካ ንምፍላጥ ዝግበር ናይ ሕልና ቃልሲ ኢዩ።ቅዱስ ቶማስ ናይ ኣየር ትኬት ኣይከፈለ፡ፓስፖር ቪዛ ኣይሓተተ፡ኣብ ምድሪ ኮይኑ ብዝሰርሖ ናይ ቅድስና ተጋድሎ፡ክሳብ ብዘይክንፊ ንደመና ከም ጫማ ክጥቀመሉ ተፈቕደሉ።ነዚ ግን ንመንግስተ ሰማይ ከብጽሓኒ ኢዩ ኢሉ ንነብሱ ኣየተዓሻሸወን፡ነዚ ትንሳኤ ከርእየኒ ዘየኽኣለኒሲ ሓጥያተይ ክኾውን ኣሎዎሞ፡ጎይታይ ሓጥያተይ ንገረኒ በለ።ኣደ ኣምላኽ ግን " ኣጆኻ፡እዚ ንስኻ ትርእዮ ዘለኻ ሃዋርያት ኣይረኣይዎን!" በለቶ።ንምስክርውን መግነዛ ሃበቶ።
ኣቤት ሕልና፡እግዚኣብሄር ዝባረኾ ሕልና ስለሓጥያቱ የስተንትን፡እግዚኣብሄር ዝጸልኣሉ ሕልና ድማ ስለጅግንነቱ ከውሪ ይውዒል፡እግዚኣብሄር ዝዓደሉ ሕልና ባዶ ምንም ዘይብሉ ምኻኑ ይኣምን፡እግዚኣብሄር ዝጸላኣሉ ሕልና ግን ኩለን ዝገበረን ጽቡቕ ትሩፋት፡ከም ዝጠፈሸ ነጋዳይ ክጸባጸብ ጽሓይ ትዓርቦ።ናይ ሃዋርያት ሕልና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ዝያዳ በረኸት ተዋሂብዎ ክርእዩ እንከለዉ፡ብቐጥታ ዝሓስብዎ ሰይጣናዊ ቅንኢ ዘይኮነስ፡" ኣነ ነዚ ዘይበቕዓኽዎኮ እግዚኣብሄር መዳለዊ ስለዝኾነ ዘይኮነስ ብርግጽ ሓጥያት ስለዝፈጸምኩ ኢየ" ኢሎም ይሓስቡ።ሽዑኡ ብጾምን ብጾሎትን ሱባኤ ይኣትዉ፡ንኣምላኾም ኢሎም ዝጸሙን ዝጥመዩ ብጿኣን ኢዮም ኢሉ ዝመሃሮም ኣምላኽ፡ብዝገበርዎ ናይ ቅድስና ሱባኤ ብርእዮ የርእዮም።
ነዚ ዝገበረ እግዚኣብሄር ይመስገን።
በረኸት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።
በረከተ ናይ ኣቦና ጻድቅ ኣቡነ ኣረጋዊ ይክፈለና፣ኣሜን፣፣
ወስብሀት ለስሉስ ቅዱስ።
ብምኽንያት በዓለ ደብረ ታቦርን በዓለ ፍልሰታን ዝተጻሕፈ መንፈሳዊ ጽሑፍ ኢዩ።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...