በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
እዚ ጽሑፍዚ ኣብ ገጻት ፌስቡት ተሓጢጡ ዝተሰንዘረ፣ንልቢ ገርህታት ከደናግር ይኽእል ኢዩ ኢለ ስለዝገመትኩ፣ብመልክዕ ቃንቃ ናይቲ ሓታቲ ዝተመለሰ ቁንጫል መንፈሳዊ መልሲ ኢዩ።ሕቶ ክቕበል ፍቓደኛ ኢየ ግን ኣብ ፕሪቫት።

1ይ ክፋል፣-
1. ሕቶ፣-ስማዕ'ስከ ፈጣሪ፣-
መልሲ፣- ኣሽንካይዶ ምስ ፈጣሪስ፣ምስ ሓደ መቕርብካ ንምልዛብ እካ፣ከምዚ ዓይነት ላዛ ኣይትዛረቦን።ካብኡ ክብሪ መታን ክትቅበል ንሰብ ተኽብሮ፣ፈጣሪ ግን ኣክንዲ ዝፈጠረ ተዘንጢሉ፣ግርማውነቱ ሕልና ክልክዕ ዘይክእል፣ብፍጥረቱ ተዘንጢሉ።ኣብዚ ግን ትዕግስቱ ጎሊሑ ይረአ እነሆ።
2. ሕቶ፣-ሕቶ ከም ዘይትፈቱ'ዩ ዝንገር፣-
መልሲ፣- ሕቶ ዘይፈቱ ደኣ ዋላ ሳይነስውንኮ ሕቶ ኣይፈትዉን ኢዮም።ሳይንስ ዘይምልሶም እልፊ ኣእላፋት ሕቶታት ኣሎዉ፣ነዚኣቶም ሳይንስ ልብን ሕልናን ብጠልጠሎም ሓዲግ ሰማይ ገዲፍዎም ይነብር።ፈጣሪ ግን በንጻሩ ኢዩ፣ንኹላቶም ሕቶታትና ዓቕሙ ስለዝድርቶ ስለዝኾነ ዘይኮነስ፣ኣእምሮና ክስከሞ ብዘይምኽኣሉ ኢዩ።ጽበት ኣእምሮና ንመልሲ እግዚኣብሔር ጽፍሒ ወረቐት ኣይኮኖን ኢዩ፣፣ስለዚ ፈጣሪ ነቶም ልዕሊ ዕቕሚ ኣእምሮ ዝኾኑ ነገራትና፣ብእምነት ክንሓልፎም ንጥቕምና ዓንተዉኡ ወሰነ።ንናይ ጽባሕ ውድቀትካ ሎሚ ተትፈልጦ ገመድ መንጠልጠልካ፣ ፈጣሪ ግን ልዕሊ ዓቕሚ ንዝኾኑ ንጥቕሚ ከዊሉ፣ብእምነትን ተስፋን ከምዝሕለፍ ገይሩ እምነት ዓቢ መልሲ ብምኻኑ ኢዩ።።ሳይንስ ግን ጠልጠል ኣቢሉ ሕቶኻ ከይመለሰ እንደገናዊ ሕቶ ኮይኑ ንልቢ ይህውጻ።

3.ሕቶ፣- ግብሪ ሰዓብትኻ'ውን ነዚ'ዩ ዝምስክር፡-
መልሲ፣- ግብሪ ሰዓብቲሞ፣ግብሪ ፍጡራን ስለዝኾነ ክሓትትምበር ክምልስ ዓቕሚ የብሉን።እንተመለሰውን ፍጥረታውነቶም ስለዝግድቦ ቁንጫሎ ኢዩ።ሰሪ ግብሪ ሰዓብቲ ግን፣ፈጣሪ ኣይምልስን ኢዩ ከብሎ ኣይከኣልን።ፈጣሪ ይምልስ ጥራይ ዘይኮነስ ንባዕሉ መልሲ ኢዩ።

4. ሕቶ፣- ብጸሎት ከም ትሰምዕ
ተለሚንካ ከም ትረድእ
ይዝረብ'ሞ፡ ግር እብለኒ፣-
መልሲ፣-እወ ሓቂ ኢዩ፣እቶም ኣመንቱ ተለሚኑ ከምዝረድእ ንዛረብ ኢና ።እዚ ክበሃል እንከሎ ግን፣ካብ ሰብኣውነት ናብ ጤል ክልወጥ ደልየ ኣሎኹሞ ጸሎተይ ስምዓ ኢልካ ለሚንካዮ ጤል ዝገብር፣ካብ ሰብ ናብ ብሑቕ ክልወጥ ደልየ ኢልካ ለሚንካ ዝሰምዕ ማለትና ግን ኣይኮነን።ፐርከስ እቶም እንጽሊ ሰንኪ ፍጥረታዊ ባህርይና፣ይጠቕሙና ኢልና ዝሓሰብናዮም፣ኣብ ሎሚ ኮይንና ስለጽባሕ ናይ ምርኣይ ግንዛቤና ምስ ኣእምሮ ፈጣሪና ስለዘይመዓራረ፣ይጠቕሙና ኢልና ዝሓሰብናዮም ጎዳእትና ዝኾኑሉ ኣጋጣሚ ክኽሰቱ ስለዝኽእል፣ንሱ ፈጣሪ ንጸሎትና ኣስተኻኺሉ ይሰምዖ።ኣብ ናይ ስነፍልጠታዊ ምርምር፣እዚ ይሓይሽ ኢዩ ተባሂሉ ዝተገመተሉ፣ብካልእ ስነፍልጠታዊ መጽናዕቲ ወዲቁ ዕንወት ናይ ስነሓሳብ ዘጋጠሞም ማእለያ የብሎምን። እምበኣር፣እግዚኣብሔር ተለሚኑ ከምዝሰምዕ ምፍላጥ ጭውነት ኢዩ፣ሰንኪ ግንብንብነት እምነት ኣልባ ምኻን ግን ውሕስነት ኣብ ዘየብላ ጃልባ ተንሳፊፍካ ምንባር ኢዩ።ስለዚ ወይ ምስቶም ዝልምኑ ብእምነት ለምን፣ወይ ድማ ነቶም ዝልምኑ ኣይትዓንቅጽ።ኣብ ዓውዲ ስነፍልጠት ሪስፔክት ኢሎም ኣይመሃሩኻን ድዮም፧ወይከኣ መጺኻ ሕተቶም።ከመይ ኢሉ ኢዩ ለሚንክሞ ዝሰምዓኩም ኢልካ ንጹር መልሲ ንምርካብ ንጹር ሕቶ ሕተት።

5. ሕቶ፣- ለማኒኡ ዝፈጥር ስለ ዘይብርሃኒ!
መልሲ፣- ስለዚ ተለማኒ ኮይነ ዘይተፈጠርኩ ድዩ ሕቶኻ፧ድሓን እንካዕሞ ፍጡር ምኻንካ ፈለጥካ፣እንካዕሞ ኣነ ንገዛእ ርእሰይ ብገዛእ ኢደይ ኢየ ሰሪሐያ ኣይበልካ፧ እዚ ንህልውና ፈጣሪ እካ እንተዘይከሓድካ፣ንስኻ ግን ጎዶሎ ዓቕሚ ምኻንካ ኣዳዕዲዕካ ፈሊጥካ ኣሎኻ።ሓደ ህጻንሲ ምስ ኣቡኡ ክከራኸር ሰማዕክዎ፣
ህጻን፣- ኣቦ ኣነ ስለምንታይ ኢየ ክንዲ ናትካ ሓይሊ ዘየብለይ፣
ኣቦ፣-ድሓን ክህልወካ ኢዩ፣
ህጻን፣-ንመዓስ፣-
ኣቦ፣-ክንዳይ ምስ ኣኸልካ።
ሰብ ፍጡር ሰሪ ምኻኑ፣እቶም ዝወልዶም ውሉድውን ዋላካ ብቕዓትነት ናይ ጅማሬኦም ዘይከም ጉብዝነኦም ኣይኹንምበር፣ወትሩ ጉድለት ዝዓብለሎም ኢዩ ዝወልድ።ሰብ ሰሪ ዘይፍጽምነቱ፣ፍጹም ከምጽእ ዘይከኣለ ተባሂሉ ከመይ ኣድማ ይፍጸም፧እሞ ለማኒኡ ዝፈጥር ኣይብረሃንን ተባሂሉ ዝሕመኸ፣ኣብ ተለማንነቱ ድዩስ፣ኣብ ፍጥረትነትካ እቲ ነቔፌታ፧ ተለማኒ ክኾውን ነይርኒ ተኾይኑቲ ዘረባ፣ሓኽሊ ምሳር ንምንታይ ሓኽሊ ማዕጺድ ገይሩቲ ጸራቢ ዘይሰራሓኒ ኢላ ኣድማ ከም እትእድም ሓኽሊ ኢዩክኸውን።ስሩሕ ስቕ ኢሉ ይስራሕምበር፣ከምዚ ኮይነ ክስራሕ ይሕሸኒ ኢሉ ክመርጽ ዕድል ኣይወሃቦን ኢዩ፣ተዘይኮነ ክትጽሕፍ እንከለኻውን ነቲ ጽሕፍተት ከምዚ ገይርካ ጽሓፈኒ ክብለካ ምርጫኡ ክትሰምዕ እዝንኻ ከም ምጽላው ኢዩ።ከይለመንካዩ ዝህብ ወይውን ፈጣሪ ክኸውን ኣይነበሮን ተኾይኑ ትሕቶ ድማ፣ብርግጽ ከይለመንካዮ ይህብ ኢዩ።ገና ኣብ ምልማን ከይበጻሕና ዝሃበና ነገራትናውን ማእለያ የብሎምን።ፈጣሪ ካብቶም ለሚንናዮ ዝሃበና ነገራት፣እንከይለመንናዮ ዝመጠወልና ይበዝሑ።የዒንቲ ንክህልዋኻ ዝለመንካሉ ግዜ መቸም ኣሎ ኣይብልን ኢየ፣ኣፍንጫ፣እስትንፋ፣እግሪ ወዘተ እንከይለመንናዮ ዝመጠወልና ህያባቱ ኢዮም።እዚ ምግባሩስ ከንቅፎዶ ከመስግኖ ነይርዎ፧ፈጣሪ ክኸውን ኣይነበሮን ተኾይኑ ግን፣ምስ ሰይጣን ምትዕርራኽ ኢዩ፣ንሰይጣን ክሳብ ሕጂ ዘይተመለሰትሉ ሕቶ እዚኣ ኢያ።እንታይ ስለዝተደለየ ኢዩ እቲ ዕላማ፣ፈጣሪ ክትከውን ስለዝደለኻ፣ኣብ ዙፋን ተቐሚጥካ ኩሉ ኣብ ትሕቴኻ ክምብርከኸልካ፣ስለዝደለኻ፧ ከምዚ ዓይነት ክብሪ ክወሃበካ ትልምን ምህላውካ፣ናይ ውሽጥኻ ሕሹኽታ ይስማዕ ኣሎ።ምልማንካ ጽቡቕ ኢዩ ድሩት ዝዓቕሙ ፉጥርነትካ ስለዝመስከርካ፣እዚ ግን ድፍረት ኢዩ፣እረ ዕሽነት ዝተሓወሶ ድፍረት!!

እግዚኣብሔር ንዝሓትት ሕልና በቲ መላሲ ባህሪኡ ክምልሰሉ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን።
ወስብሀት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።

እዚ ጽሑፍዚ ኣብ ገጻት ፌስቡት ተሓጢጡ ዝተሰንዘረ፣ንልቢ ገርህታት ከደናግር ይኽእል ኢዩ ኢለ ስለዝገመትኩ፣ብመልክዕ ቃንቃ ናይቲ ሓታቲ ዝተመለሰ ቁንጫል መንፈሳዊ መልሲ ኢዩ ኢለ ዝቐረብክዎ ኢዩ።ሕቶ ክቕበል ፍቓደኛ ኢየ ግን ኣብ ፕሪቫት።
2ይ ክፋል ይቕጽል።
2ይ ክፋል ይቕጽል።