fredag 30. mars 2018

ኣምልኾ ዝተኸልከሉ ህጻናት፡

በሰመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዲ ኣምላክ።

እዋ! ባባስ ከምዚ ኮይኑ።እንታይ ኢዩ ዝብል ዘሎ፧ "ብዘይበኣኺ ክነበር ኣይክእልን ኢየ"! እንካዕ ማማየይ ኣይትፈልጥ፡እንካዕ ባባ ኣነ ይመዝኖ ምህላወይ ኣይፈልጥ።እዋይ ተክኖሎጂ! ኣብ መመደቀሲና ኮይንና ከም ንመዛዘን ገይርና። ኣደይን ኣቦይን ከመይ ዘይክሰማምዑ ክኢሎም ንምፍትሑ ግድላት ኮይንኒ ዝነበረስ ለካ ጠንቁ እዚ ኢዩ። ኣደይ ምሸት መጸ ኣብ ፌስቡክ መን ፎቶ ፖስት ገይሩ፡መን ኣይገበረን ክትቃመት እተሕልፎ ግዜኣ ቆጺርካ ኣይውዳእን።ኣቦይውን ካልኦት ኣዋልድ ከስድዕ ብዝብል ዝንባለ ዝተኣሰረ እንክመስል፡በቲ ኣብ ቤተክርስትያን ኣገልጋሊ ክንሱስ ኣብዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ምሸት ኣእንጋዲ ደቀንስትዮ ይኸውን።ፌቨን ሓፍተይ ንእሽቶ እካ እንተኾነት፡ኣተሓሳስባኣ ግን ምስ ዕድሜኣ ዝኸይድ ኣይኮነን።ወትሩ ንቤተክርስትያን ክንከይድ ትደፋፋኣኒ ሓፍተይ ኢያ፡ነገሩ ግን ንኸይስዕባ ዝዕንቅጹኒ ብዙሓት ባእታታት ኣሎዉ።ንሳውን ምላልባሽ ብዛዕባ ወለድና ዘይበጽሐቶም ነገራት ስለዘለዉምበር፡ንድሕሪት እትምለሰሉ ግዜስ ርሑቕ ኣይክኸውንን ኢዩ። ኣብ  ኣምልኾ ንኸይህልዉ ተዓንቀጽቲ ዝኾኑ ህጻናት ኣነ በይነይ ጥራይ ኣይኮንኩን፡፡ብዙሓት ከምዝኸማይ ህጻናት ኣብ እምነት ዘለዎም ርእየት ኣሉታዊ ጽልዋ  ብምሕዳር፡ንድሕሪት ከምዝምለሱን፡ምስ ናይ ምዕራባውያን ስነሓሳብ ክርዕሙን ኮይኖም ኢዮም።

" የፍቅረኪ ኢየ! ወይ ጉድ።ኣደይከ ከምኡዶ ትገብር ትህሉ ምስ ካልእ! እንታይ ስንክሳሩ ኢዩ ደቀይ።" ምስ ባባ ዝተፈላለየ ፎቶ ናይ ደቀንስትዮ ፕሮፋይል ብምግባር፡ምስብዙሓት ደቀንስትዮ ናይ ምዝማው ዘለዎ ህርፋን ንምፍላጥ ኮነይ ኢለ ብዝገበርክዎ መጽናዕቲ፡ናይ ሎሚ ምሸት ግን ሕልፍ ዝበለ ኢዩ።"ሕጊ እግዚኣብሔር ከነኽብር ኣሎና፡ዓርኪ ክትሕዚ የብልክን፣ቅድሚ መርዓ ዝግበር ዓርከይ ኣፍቃሪተይ ዝብሉ ቃላት ናይ ክርስትያን ሕጊ ኣይኮነን፡መጽሓፍ ቅዱስ ኣይትዘሙ! ኢሉ ብፍሩይ ቃሉ ይእዝዘና ኢዩ።" ኢሉ ወትሩ ይምዕደኒ ክንሱ ባባ፡ኣነ ናይ ዝተፈላለየ ኣስማትን ስእሊ ፕሮፋይልን ብጥቃም ምሳኡ፡chat ንገብርሞ፡ካብ ሓድሽ ሌላ ክሳብ ናብ "የፍቅረኪ ኢየ፡ክምርዓወኪ ኢየ፡ሓዳር የብለይን፡በይነይ ኢየ ዝነብር"ናብ ምባል የብጽሖ።ኣበይ ደኣሎ እቲ ኣምልኾ እግዚኣብሔር፡ሎሚ ንግሆ ሰንበት ተንሲአ፡ከምዝተጸለኣኒ ንባባ ነጊረዮ።ብኻልእ መንጽር ግን፡ትማሊ ምሸት በታ ሓዳሽ ናይ ጻዕዳ ( Norska) ስም ተጠቒመ ዝተላለኽዎ ምኽንያት ብምግባር ከነዕልል ስለዝቐነና፡ንሎሚ ንግሆ ክንራኸብ ተቓጺርና ነይርና።ባባ ቤተክርስትያን ክኸይድ ከምዘለኒ እካ ምዒድኒ እንተነበረ፡ምሉእ ኣድህቡኡ ግን ናብ ቆጸርኡ ኢዩ ነይሩ።ቦታን ሰዓትን ፈልየ፡ኣዝየ ከምዘፍቀርክዎ፡ንሓዳር ከምዝምነዮ ኮይነ ኢየ በታ ናይ ኖርወጅያዊት ስምን ፎቶን ተጠቒመ ዝተላለኽዎ ናብ ሓደ ቦታ ቆጺረዮ።ኣነ ዝገረመኒ ንዓይ ኣብ ኣምልኾ እግዚኣብሔር ፍጽምቲ ክኾነሉ እንዳደለየንስ፡ከመይ ኢሉ ንሱ ብትግባረ ፍጹም ዝረሓቐ ይኸውን፧ እዚ ንባባ ዝገብሮ ዘለኹ ምትላል ተዝፈልጥሲ እንታይ ኮን ምገበረ።መቸም ብሕጊ ኖርወይ ከምኡ ምግባር ግቡእ ከምዘይኮነ ይፈልጥ ኢየ።ግን ኣብ ሕልናይ ኣትዩ ንሕጊ እግዚኣብሔር ከይክተል ዝቃለሰኒ ዘሎ ሓይሊ ክፈልጥ  ግድነት ኮይኑ ተሰሚዕኒ።ምስ ባባ ብዛዕባዚ ኮፍ ኢልና ንላዘበሉ ባይታ ዝፍጠር ኮይኑ ኣይስምዓንን፡ምላልባሽ ተተፋኒና ክሳብ ትባተኽ እንበጽሓሉ ግዜ ተዘይኣጋጢሙ። ኖ፡ኖ ብፍጹም።ክነግሮ፧ ብጭራሽ ኣይከኣልን ኢዩ!!

ተሃንዲዱ ካብ ገዛ ባድላ ክዳውንቲ ቀያይሩ ብምውጻእ፡ኣብቲ ናይ ቆጸራ ቦታ በጺሑ ደዊሉለይ፡ኣይተቐበልክዎን፡ድምጸይ ቀይረ ሪከርድ ብምግባር ኢየ ወትሩ ድምጸይ ዘስምዖ ነይረ።ከም ኣመለይ ሪከርድ ገይረ ብምስዳድ፡ከምዘይጥዓመኒ፡ነጊረዮ ክኣምን ኣይከኣለን።ተቐላጢፈ፡"ከምተፍቅረኒስከ ሪከርድ መሊእካ ስደደለይ በልክዎ።" "ብዘይብኣኺ ክነብር ኣይክእልን ኢየ" ኢሉኒ።ወይ ጉድ፡እታ ኣብ ቤተክርስትያን ኮይና፡
 "ብዘይ ብኣኻ መን ኣሎኒ፡
ጎይታይ ፍቕርኻ መቂሩኒ፡
ሕግኻ ንዓይ ይመርሓኒ
ፍጹም ዘይልወጥ ጎይታ ኣሎኒ"
ኢላ  ካብ ህጻንነተይ ኣትሒዛ ዝማሬ ዝመሃረኒ ልሳኑ፡ሕጂ ግን ብሓንቲ ኖርወጅያዊት ተማሪኻ፡ብዘይበኣኺ ክነብር ኣይክእልን ኢየ ክትብል ይሰምዓ ኣሎኹ። ዘሰምብድ ፍጻመ ኢዩ።
ኩላቶም ማሓዙተይሲ ከምዚ ከማይዶ የጋጥሞምዶ ይኸውን! ብርግጽ ከኣምበር።ወለዶም ደረፍቲ፡ከመይ ኢሎም ንደቆም ዘመርቲ ክኾኑ ይምነይሎም፡ወለዶም ሳዕሳዕቲ ከመይ ኢሎም ንውሉዶም ኣብ ቤተክርስትያን ወረብትን ሸብሸብትን ክኾኑሎም ይሓስቡ፡ወለዶም ምስቡዙሓት እንዳዞሩ ብፍትወተ ስጋ ተኣሲሮም ክንሶም ከመይ ኢሎም ንደቆም ኣብ ዝሙት ከይወደቑ ክሳብ መርዓኦም ብድንግልና ተዓቂቦም ክነበርሎም ይደልዩ፡እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕልና ናይ ማሓዙተይ ህጻናት ሰፊሩ ዝርከብ ኣጀንዳ ኢዩ።እዚ ኣጀንዳዚ ንእግዚኣብሔር ብፍጽምና ንኸይንስዕቦ ዕንድፍቲ ኮይኑ ከልኪልና ኣሎ።

ማማ ንሎሚ ንግሆ ቤተክርስትያን ክንከይድ ደልያኒ እካ እንተነበረት፡"ተጸሊእኒ ኣሎ" ኢለ ስለዘማኻነኹ ግን ገዲፋትኒ ኢያ ከይዳ።ኣብ ቤተክርስትያን እቲ ወትሩ ዝምህረና ድያቆን፡" ኣብ ዘመነ ስጋውነት ናይ ክርስቶስ፡ህጻናት ሆሳእና ንወዲ ዳዊት" ኢሎም ክዝምሩ ምስ ጀመሩ፡እቶም ወለዶም ግን ካብ ምዝማርን ኣምልኾን ክኽልከሉ ጦቂሞሞም ነይሮም።ክርስቶስ ግን " ነዞም ህጻናት እካ ስቕ እንተበልኩሞም፡ኣእማን ቢታንያ ክዝምሩ ኢዮም ኢልዎም" ብምባል ይምህረና ነይሩ።እዞም ብወለዶም ካብ ኣምልኾ ዝተኸልከሉ ህጻናት፡ካባና እንታይ ዘፍሊ ኣሎዎም፧ ፍልልያቱ ወለዶም ብልሳኖም ኢዮም ከልኪሎሞም፡ወለድና ድማ ብተግባራቶም።እቶም ንሆሳእና ዝኸልከሉ ወለዲ፡ልብሶም፡ኣካይደኦም፡ኣተሓሳስበኦም ኣምለኽቲ ይመስሉ፡ልሳኖም ግን ንናይ ህጻናት ኣምልኾ ይቃወም ነይሩ።እዞም ናይ ሎሚ ወለድና ድማ፡ልሳኖም ኣምልኹ ዝብል ክንሱ፡ልብሶም፡ኣተሓሳስበኦም፡ኣብ እምነት ዘለዎም ናይ ምግባር ትሩፋት ግን፡ንሕና ህጻናት ሓይሊ ረኺብና ንኸይነምልኽ መንደቕ ኮይኑ ከልኪልና'ሎ።ወለድና  ቆረብቲ ዘይክንሶም፡ንዓና ቁሩቡ ክብሉና ፡ከመይ ኣብ ግዜ ማኣዲ እግዚኣብሔር ዘይንውጭጭ።ወለድና ዓርኪ ከይትሕዙ እንዳበሉ፡ንሳቶም ግን ክምርዓዉን፡ክተኣታተዉን እንከለዉ'ውን ከይተረፈ፡ቅድሚ ዝኣገረ ናብ ድላዮም ክዕንድሩ ዝነበሩ፡ ብፍትወት ዝነደዱ እንዳነበሩ፡ንዓና ክሳብ ትምርዓዉ ደናግል ኩኑ ክብሉና፡ ልሳኖምን ትግባሬኦምን ተሓዋዊሱ ስለዝመጻና እቲ ትምህርቲ ኣብ ልብና ከይሰረጸ ይተርፍ።ብድንግልና ናይ ምምባር ዘሎ ሓይልና ከኣ ይልሕልሕ።" ወለደይ ክሳብ ዝምርዓዉ ደናግል ዘይነበሩስ፡ከመይ ኢለ ኣነ ከምኡ ክኸውን"፧ ብዝብል ስንፍና ንኽንውረር ፡ብትግባረኦም ኣንጻር ኣምልኾ ክንዓጥቕ ኣሕሊፎም ይህቡና።

ኤውሮጳውያንን ካልኦት ጸዓዱን፡ንህጻናት ኤውሮጳ ኣምልኾ ናይ ወለድና ንኸይንሕዝ ቀንዲ ጠንቂ ኮይኖም፡ ኣምላኽና ራሕሪሕና ፍኖት ምዕራባውያን ክንክተል፡ከቢድ ተጽዕኖ ይገብሩልና እካ እንተሃለዉ፡ናይዚ ተጽዕኖዚ ቀንዲ ተጸለውቲ ግን ወለድና ብምኻኖም ኢዩ።ኣበይሞ፡ወለደይ ብንስሓ ዝተሓጸቡ፡ወትሩ ሰንበት ሰንበት ቆሪቦም ዝመጹ፡ብፍጹም ኣምልኾ ዝኽተሉ ኣይምኾኑን።ኣብ ውሽጠይ ዘለዉ ናይ ነግ ፈረድ ስምዒታት ንኽርሕቁለይ ግዜ ኣይምወሰደሎምን።ሎሚ ብዛዕባ ቅድስና ብዙሕ ስለዝተማሃርኩ፡ዳርጋ ዝኣክል ኣፍልጦ ሒዘ ኢየ፡ንኹላቶም ሃይማኖታውያን ኣፍልጦታተይ ኣብ ትግባረ ንኸየውዕሎም ዝሓንኮለኒ ግን ወለደይ ተግበርቲ ሃይማኖቶም ብዘይምኻኖም ኢዩ።ምስ ወላዲየይ ተሓቢኤ ክሳብ ክንድዚ ኣብ ምትህልላኽ ክኣቱ ዝደረኸኒ፡ኣብ ገዛና ምስ ማማ ወትሩ ምጭቕጫቕን ዘይምርድዳእን ስለዝኽሰት ኢዩ።ማማ ከተቕንኦ ኢላ ትጽዕት፡ባባ ድማ ከምበርክኻ ከይቀሰነ ይነብር።ለካ ናይ ባባ ልምድታት ኣነ ዝፈልጠሉ ጥራይ ክሳብ ክንድዚ ካብ ኮነ፡ካልኦት ኣንጻር ኣምልኾ እግዚኣብሔር ዝኾኑ ብዙሓት ልምድታት ከይሃለዉዎ ውን ኣይተርፍን ኢዩ።ማማውን ከምኡ።ከመይ ኢልና ደኣ ንሕና ከነምልኽ ይጽበዩና፧ ከመይ ኢልና ንሃይማኖትና ከነጽንዕን ክንትግብርን ይሓስቡና፧ ቅጫስ ብኽልቲኡ ከይበሰለት፡ከይተገምጠለት ከመይ ክትብላዕ ይከኣል፧ ልሳኖምን ትግባሬኦምን ወለድና ብቃል እግዚኣብሔር ከይበሰለ፡ከመይ ኢሎም ንዓና ብመንፈስ ከብስሉና ይጽዕቱ።ወለዶም ንወለድና ማለት ኣቦሓጎታትና፡ መቸም ፍጹም ፍርሓት እግዚኣብሔር ከምዝነበሮም ቀቁሩብ ጽንጽንታ ኣሎኒ።ሕጂ ግን እንድዒ።ብዝኾነ  ፍኖተ ክርስትና ሓንቲ ክትከውን ከምዝግበኣ ይፈልጥ ኢየ፡፡እዚ ክሳብ ክንድዚ ዝምብዝሑ ምንፍቕናታትን ምፍልላያትን ዝኾነሉ ጠንቂ እምበር ለካ ካብዚ ኢዩ ዝጅምር።ሓንቲ ስድራ ሓቀኛ ተኸታሊት እግዚኣብሔር ተዘይኮይና ከመይ ኢሎም እቶም ህጻናት እምነት ወለዶም ኣብ ፍጻምንታ ከብጽሑ ይከኣል፧ ባባ ክመጽእ ኢዩ፡ማማውን ክትመጽእ ኢያ።ክልቲኣቶም ኣብ በበይኑ ዕላማ ውዒሎም ኢዮም ክመጹ።ዝገርመኒ ግን ፈቨን ሓፍተይ ቆሪባ ኢያ ክትመጽእ።

ወስብሀት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።

søndag 4. mars 2018

ናብራ ናፊቐ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
ሓደ ሓደ ግዜ፡ምስ ገዛእ ርእስኻ ምጉት ትፈጥረሉ እዋን ኣሎ።ብዛዕባ ምምባር ዝምልከት! ብዙሓት ዝነብሩ ዝነበሩ ግን ዘየለዉ ኣሎዉ፡ብዙሓት ዝነብሩ ዘለዉ ግን ከኣ ዘይክነብሩ ድማ ኣሎዉ ንዓይ ወሲኽካ ማለት ኢዩ።ወድ ሰብ ንክነብረለን ዝተገበአ ኣርባዕተ ዝተፈላለየ በበይነን ዓለማት ኣለወኦ።

እታ ቀዳመይቲ ዓለም፡ጸባብ እትመስል ግን ከኣ ምስ ዕለታዊ ምዕባለ ዕብየቱ ስፍሓታ እንዳወሰኸት እተኸይድ ናብራ ኣብ ማህጸን ኢዩ። ናብራ ኣብ ማህጸን ኣብዚ ዘለኽዎ ዓለም ኮይነ፡ እንታይ እንታይ ይጥዕም፡ኣወንታውን ኣሉታውን ጽልዋታቱ ክትንትኖ ዓቕሚን ተዘክሮን ይሓጽረኒ።"ብዛዕባ ናብራ ኣብ ማህጸን ዝምልከት ቃለ መጠየቕ ( enterviw) ክንገብረልካ ደሊና" ዝብሉ ኣካላት ተዝመጹኒ፡ካብ ሕቶታቶም እንኮ ክምልስ ከምዘይክእል ተረዲኤዮ ኢየ።ሓንቲ ነገር ግን ብድግምጋማዊ ቃል ክምልሰሎም ምኸኣልኩ።" ጥዑም ኢዩ።" ብምባል ጥራይ።እቲ መቐረት ናብራ ማህጸን ብምንታይ መምዘኒ ኢዩዝተለክዐ፡ክምጥኖ ዓቕሚ ኣይክህልወንን ኢዩ።ሃልክን ኣድካምን ከምዘይነበሮ ግን ኣዳዕዲዐ ይፈልጥ ኢየ። ናይ ማህጸን ናብራ፡ከቢድ ኣይኮነን፡ኣይትሰርሕ ኣይትርህጽ፡ኣይትታኸስ ኣይትብዕዝዝ፡ተመቺእካ እትነብሮ ብዘይገዛኽራይ፡ናይ ኤለክትሪክ ከይከፈልካ፡ጸልማት ኣይክውለካ ብርሃንውን ኣይደግሓካ፡ሂወት ተመቺኣትካ ኢኻ እትነብሮ።ናብራ ማህጸን ካብ ጅማሬኡ ክሳብ ፍጻሜኡ ክትትርኾ እንከለኻ፡ሓጸርቲ ኣዋርሕ ዝወስድ ኢዩ፡፡ማለት መጽናዕቱኡ ኣብ ድምዳሜ ንምብጻሕ፡ብዙሕ ኩዕታ ናይ ጎዳጉዲ ዘድሊ እካ እንተዘይኮነ፡መስርሑ ግን፡ብናሽቶይነት ኮይንካ ብምጅማር፡ዓቢ ኮይካ ብምውጻእ ኢዩ።ህጻን ናብራ ኣብ ማህጸን ክጅምር እንከሎ ብንእሽቶ ኮይኑ ኢዩ ዝጅምራ፡እንዳዓበየ ምስ ከደ ድማ፡ንናብራ ማህጸን ራሕሪሑ፡ዓቢ ኮይኑ ይውለድ።ኣብዛ ዓለም ምሳኻትኩም እትሪኡኒ ዘለኹም፡ናብራ ማህጸን ጸሊአ ዝመጻኹ ኣይምሰልኩም።ጉዳይ ተፈጥሮ ኮይኑኒ ተዘይኮይኑ፡፡ሕገ ማህጸን፡ንትሸዓተ ኣዋርሕ ጥራይ ክትቅመጠሉ ጥራይ ኢዩ ዝፈቅድ።ክሳብ 9 ኣዋርሕ ዝኣክል ቀረባት ኣዳልዩ ኢዩ ከንብረካ ዝጅምር።ንኽትነብር ኢልካ እተህልኾ ጽዓት ይኹን ህልኪ ጉልቦት ፈጺሙ የለን።ኩልንትና ወጻኢታትካ ማህጸን ኢዩ ዝሽፍነልካ።ዕለታት ምፍናውካ ምስ ኣኸለ ግን፡ዋላ "ኣብዚ ምንባር ይሕሸኒ" ዝብሉ ዊንታታ ይሃልዉኻ ብዘየማትእ፡ብግዴታ ኢኻ ካብ ማህጸን ክትፋኖ።እቲ ዝገርመኒ፡ናብራ ማህጸን ክትውድእ እንከለኻ፡እታ ኣደን ንስኻ ብጻዕሪ ኢኻ ትስናበት።ማለት ኣደ ንውላዳ ካብ ማግጸና ክወጸላ ዘይድልየታ ምኻኑ ንከተገናዝብ ክትብል፡ብመሪር ልቕሶን፡ሕማም ሕርስን ትሰሓግ፡ህጻን ድማ ካብታ ኣራጢጡ ዝቕመጠላ ዝነበረ ማህጸን እንክወጽእ ብርቱዕ ኣውያት ይድሕድሖ።እዚ ፍጻመዚ ኣዲኡን ንሱን ብዘይፍታዎም ዝከናወን ዘሎ ኢዩ መስለኒ፡ህጻንን ኣደን ናይ ሓባር ኣውያት ገይሮም፡ናብራ ማህጸን የብቅዕ።ንሱ ጥራይ ኮይኑ ከይተርፍ ከኣ፡እታ ከም ዓራትን ሳሎንን ሶፋን ኮይና እትምግቦን ትከናኸኖን ዝነበረ መደሓንቲ ከይተረፈት ምስኡ ካብ ማህጸን ተጎሲሳ ትወጽእ።

እቲ ካልኣይ ናብራ ናይ ወድ ሰብ፡ኣብዛ ምድራዊት ዓለም ኢዩ።ህጻን ነዛ ዓለም ክላለያ እንከሎ  ብኣውያትን ልቕሶን ሓዊሱ ስለዝመጻ፡ዓለም ኣዝያ መራርን ብዙሕ ሃልውኽለኽ ዘለዋን ምኻና ዝተረደአ ይመስል።ኣብዚ ጉዳይዚውን ዝገርመኒ ነገር ኣሎ።እቶም ናይ ምምጽኡ ዜና ሰሚዖም፡ክሳብ ዝውለድ ከብዶም  ፍርሕን ስግኣትን ተሓቒኑ ዝጽበይዎ ዝነበሩ፡መቕረብን ቤተሰብን፡ዕልልታትን ኣዝማች ዝተሓወሶ ጣቕዒትን ገይሮም ይቕበልዎ።"ንዓለምሲ፡እንካዕ በይንና ንነብራ ኣይኮንና፡እንካዕ መናብርቲ ረኸብና፡ምስ ሰብካ መዓት ዳርጋ ገዓት ኢዩሞ፡እንካዕ መጸኻና" ኢሎም ናይቲ ቆልዓ ድሓን ምውጽኡ በቲ ሓደ ወገን፡ነታ ክትጸዓርን፡ብሕማም ሕርሲ ክትቅሎን ዝሓደረት ኣዲኡ ድማ፡ገዲፋቶም ከይትኸይድሞ፡ነዛ ዓለም በይኖም ሕልምልም ከይኮኖም ዝሰግኡ እንክመኣሉ ድማ በቲ ካልእ ወገን፡ኩሉሙሉ ብድሓን ስለዝተዛዘመ፡"ንስኺውን እንካዕ ገዲፍክና ኣይከድኪ፡በይንና ሕልምልም ክንብል፧ መን ክኽእሎ፧" ብምባል ኢዩ መስለኒ፡ነዚ ኣብዛ ዓለም ዝርከብ ኣሉታውን ኣወንታውን ክውንነታት መባዝሕቲ ስለዝረኸቡ፡ኣብ ግዜ ሕርሲ ነቲ ህጻን ብሓጎስ ይቕበልዎ።ኣብ ዓድና፡" ተሓቢአን ዝጠንስኦ፡ህዝቢ ኣኪበን ይሓርስኦ!" ዝብሃል ብሂል ኣሎ።እታ ኣደ ዋላ ብዘይሕግን ብዘይኣገባብን ተሓቢኣ ዝጠነሰቶ ይኹን፡ምላልባሽ ኣብ ግዜ ጥንሱ ብዘይጉቡእ ስለዝተጠንሰ፡እታ ኣደ ኣብቲ ሕብረተሰብ ብዙሕ ተነጽሎታት ከጋጥማ ይኽእል ኢዩ።ኣብ ግዜ ወሊድ ግን ኩሉሙሉ  ስለዝርሳዕ ኣሕረስቲ ህዝቢ ኣኪብካ ኢዩ።ድሕሪ ሕርሲ ግን ነታ ኣደ ተነጽሎ፡ነቲ ህጻን ድማ" ኪድ ወዲ ሰበይቲ" እናተባህለ፡ፍጹም ንፍገት ይግበረሉ።ነዚ ተነጽሎዚ፡እቲ ህጻን ኣካል ናይቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ናብራ ምካኑ ተረዲኡ ኣቐዲሙ ናብዛ ዓለም ክመጻ እንከሎ፡ስለዝበኸየሉ፡ሕጂ ዘይተሓነቕኩ፡ናብ ማህጸን ምለሱኒ ኢሉ ዘግረምርመሉ ምኽንያት የብሉን።ኣብዛ ዓለም ንዘለዉ ነገራት ፈትዩ ኣይፈትዩ ወይ በፍንጫ፡ወይውን ብድፋጫ ክቕበሎም ይግደድ።ከምቲ ናብራ ማህጸን ሓጺርን ምቁርን ዝኾነ፡ናብራ ዓለም ድማ ብዙሕ ሕልኽላኻትን ግድላት ዝበዝሖም ነገራትን ሓሊፉ፡ነዛ ብብኽያት ዝተቐልቀላ ዓለም ክፋነዋ ግድነት ይኸውን።መጽሓፍ ቅዱስ ክዛረብ እንከሎ፡ዕድሜና 70 ዓመት ተበዚሑ ከኣ 80 ዓመት ኢየ።እዚውን ድኻምን መሪርን ኢዩ ይብል።ሪኤኹም፡ምምባር ኣብ ማህጸን 9 ኣዋርሕ ናይ ዓለም ግን 70-80-90 ዓመታት።ካብ ማህጸን ንምውጻእ ብዘይድሌታትካ፡ካብ ዓለም ንምፍናው ድማ ብዘይፍታውካ።እቶም ካብ ማህጸን ናብ ዓለም ምምጻእካ ኣሕጊስዎም ዝዕልሉ ዝነበሩ ቤተሰብ፡ሕጅውን ስለዘይጸገቡኻ፡ማለት ኣብዛ ዓለም ተማቓሊ ሽግራቶም ክትከውን ስለዝደልዩ፡ብመሪር ልቕሶ ይፋነውኻ።ብፍላይ እታ ኣብ ማህጸና ን9 ኣዋርሕ ዓቒራትካ ዝነበረት ኣደ፡ካብ ዓለም ክትፋኖ ፍጹም ኣይትደልየካን ኢያ።እንተስ ተሓኒቖም፡ወይ ገዛእ ርእሶም ቀቲሎም ዝሞቱ ኣሎዉ፡፡ውሽጦም ግን ናብራ ዓለም እንዳበሃገቶ ስለዝነበረት፡ንዓለም ከይመነውዋ ይፋነውዋ።

ሳልሳይ ናብራ ኣብ መቓብር ኢዩ፡መቓብር ክትህነጽ እንከላ ማዕቐንካ ኮይና ክትስራሕ ነይርዋ።መንጸፍካን ኣንሶላኻን ብዙሕ እትኸፍሎ ዋጋታት ኣይክህሉን ኢዩ።ኣብዚ ንኽግረም ዘገድድነኒ ነገር እንተሃልዩ፡ማህጸንን መቓብርን ይመሳሰላ ብምኻነን ኢዩ።ኣብ ክልቲኣተን ንእትነብሮ ናብራ ኩሉ ወጻኢታት ካብ ጁባኻ ኣይኮነን።እዚ ጥራይ ዘይኮነውን እትውንኖ፡ናተይ እትብሎውን ቅንጣብ ሕርካም የለን።በንጻሩ ናብራ ማህጸንን መቓብርን ዝቃረናሉ ኩነትውን ኣሎ።ኣብ ማህጸን ክትነብር ክትጅምር እንከለኻ፡ግዝፍኻ እንዳወሰኸ፡ህጥራንካ እንዳሰፈሐ ኢዩ ዝመጽእ፡ኣብ መቓብር ንዝንበር ናብራ ግን፡ ብገዚፍካ ኢኻ ትጅምሮ።እንዳተወዳእካ፡እንዳሓቐቕካ ስለእትኸይድ ድማ፡ኣብ መወዳእታ ዳርጋ ናብታ ጥንታዊት ፍጥረት ኣዳም፡ናብ ሓመድ ትልወጥ።"ኦ ኣዳም፡መሬት ኣንተ ወትገብእ ውስተ መሬት" መሬት ኢኻሞ ናብ መሬት ክትምለስ ኢኻ፡ዝብል ዝነበረ ቃጭል ብዓይንኻ ክትርእዮ ትጅምር።ኣብ ማህጸን ዝተሰነጉ ብዙሓት መግቢ ካብ ሰብነት ናይታ ኣደ መመዚዞም ዝምግቡኻ፡ንርስሓታትካ ንደገ ንምግሓፍ ድማ፡ብመንገዲ ርሃጽን ስርዓተ ዙረት ደምን ኣቢሎም ንደገ ዝወጹን ንኣሽቱ ዋህዮታት (Celles)  ኣሎዉ።እዚኣቶም ንስኻ ክሳብ እትዓቢ ንናይ ዕብየትካ ርእየት ዓቢ ተራ ዘለዎም ኢዮም።ኣብ መቓብር ግን በንጻሩ ኢዩ።ኣብ ውሽጡ ዝተሰነጉ፡ንዓኻ መመጅሪጦም ንሓመድ ዝዕድሉ ደቀቕቲ ናይ መቓብር ዋህዮታት ኣሎዉ።ንስኻ ክሳብ ሓመድ ኮይንካ እትሓቅቕ ከኣ ይገድፉኻን።ንዓኻውን  እንክትብላዕን ከምዘይነበርካ ክትሓቅቕን እንከለኻ ኣይፍለጠካን ኢዩ።

ራብዓይ ናብራ።ዘመናት ዘይልክዕዎ ናብራ።ናይ መወዳእታ ብይን ዝወሃበሉ ናብራ።ከምዚ ኢዩ፡እዚ ይጎድሎ፡እዚባ ተወሲኽዎ ኢልካ ግላዊ ርእይቶኻ ክትህበሉ ዘይትኽእል ናብራ።ናብራ ኣብ መንግስተ ሰማያት ወይውን ኣብ መንግስተ እሳት ኢዩ ክኸውን።ናብዚ እትወትዚ ንምብጻሕ፡ወሳንነቱ ንስኻ ኢኻ።ድማ ኣብዚ ኣብ ምድሪ ኮይንካ ኢዩ።ኩላቶም ኣብዛ ዓለም ዝነበርካዮም ክውንነታውያን ነገራት ዶሞዝካ ንምኽፋል ተባሂሉ ዝተሰርሐ ዓለም ኢዩ።እዘን ዓለማት እዚኣትውን ክልተን ተቓረንትን ኢየን።ናብ ክልቲኣተን ንምእታው ዘብቅዕ ነጥቢ (Karakter) ሒዝካ እንክትጸንህ፡ ኣብዛ ዓለም ዝነበርካለን እዋናት ምኽንያት ኮይነይ እትኽፈለን ናይ ዶሞዝ ዓለማት ኢየን።ገሊኣቶም ነታ ሓንቲ ዓለም፡"ብምሒር ጋሂ ኣስናንካ እትሕርቅመላ ዓለም!" ኢሎም ይሰምይዋ።ኣብኡ ምንባር ኣዝዩ ስለዘፍርሖም መዳፍርቲ ንክኾንዎም፡ንደቂ ሰባት ብብዙሕ ጥበራን ተንኮልን እናታለሉ ደቀመዛሙርቶም ክገብርዎም ብምባል ተሃኪይዎም ኣይፈልጥን ኢዩ።ደቀመዛሙርቲ ሲኦል!!ነታ ሓንቲ ዓለም ድማ እቶም ሓደ ወገን፡" ናይ ዕረፍትን ዝማረን ደስ እትብለካ ዓለም!!፡ማህጸን ጥዑም ናብራ ዘለዋ እካ እንተኾነት እዛ ዓለም እዚኣ ግን ዕድመ ናብራነታ ገደብ ዘየብሉ ብርሃናዊት ዓለም!!" ኢሎም ይስይምዋ።ኣብኣ ተፈጥሮኣዊ ብርሃን ኣይከድልን ኢዩ።ፈጣሪ ባዕሉ ኢዪ ብርሃና፡ኣብኣ ተፈጥሮኣዊ መግቢ ኣይከድልን ኢዩ፡ባዕሉ እቲ ሰራሒኣ ኢዩ መጋቢኣ።ኣብዛ ዓለምዚኣ ዘሎ ናብራ ምስጢር ኢዩ።ሕልና ይኹን ልቦና መርሚሩ ክበጽሖ ዝኽእል የለን።እረ እንኮላይ ነታ ሓንቲ።ናይ ክልቲኣተን ናብራ፡ኣሉታውን ኣወንታውን ጎድንታት ሒዘን ስለዝርከባ፡ነታ ኣሉታዊት ዓለም ዝኾነት ገሃንመ እሳትን፡ነታ ብእወታዊ ዝተኸበበት መንግስተ ሰማያትን፡መርሚርካ ክብጽሓ ዝከኣላ ኣይኮናን።ሕልና ወዲሰብ ግን ሓንቲ ነገር ክትፈልጥ ይከኣላ።ካብዛ ዓለም ከይፈተወ ክፋኖ፡ብድሕሪኡ ድማ ከቢድ ቅጽዓት፡ወይ ብርቱዕ ሞሳ ክወሃብ ምኻኑ።እቲ ሕልንኡ ዝሸጠ ሰብ ግን ክልቲኣተን እዘን ዓለማት እዚኣተን ተሰዊረንኦ ኢዩ ዝነብር።ስለዚ ዕድሉ ከቢድ ኢዩ።እረ ከቢድ ጥራይ ኢልካ ዝሕለፍውን ኣይኮነን!!

ኣብዘን ኣርባዕተ ዓለማት ንምምባር ምሉእ ዕድላት ከምዝተዋህበና ጽቡቕ ገይሩ ተረዲኡኒ ኢዩ።ኣበየነይቲ ዓለም  ትሕሸኒ ኣየነይቲከ ኢያ ዘይትሓሽ፡ንምምርማር መታን ክኽእል ድማ ምሉእ ዕድል ዝረኽበሉ ኣብዛ ዓለም ኮይንካ ዘሎ ናብራ ኢዩ።እዚ ሚዛናዊ ምርጫዚ ንባዕሉ ኣካል ናይቲ ኣብዛ ምድሪ ዘሎ ናብራ ኢዩ።ሰብ ኣብ ምድሪ ይነብር ኣሎኹ ይብል እንተሃልዩ፡ብዛዕባ ሎሚ ጥራይ ኣይኮነን ክሓስብ ዘለዎ።ብዛዕባ ትማልን ጽባሕን ከኣምበር።ምኽንያቱ ትማልን ሎምን ኣካል ናይ ናብራ ኢየን።ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ጽባሕ ምሕሳብ፡ኣብ ውሳነታትካ ዘየጣዕስ ውሳነ ንኽትውስን ዝሕግዝ ባእታ ሂወት ኢዩ።ሓወይ ይነብር ኣሎኹ ትብል እንተሃሊኻ፡ካብታ ግዜ ልደትካ ክሳብታ ግዜ ቀብርኻ ክትሓስብ ግቡእካ ኢዩ።ድሕሪ ቀብሪ ዘሎ ዓለም ዶሞዝካ እትሓፍሰሉ ዘመን ስለዝኾነ፡ኣብዚ ምህላውካ ንባዕሉ ደሞዝካ እንዳኣወሃለልካ ኢኻ።ሕማቕ ክፍሊት ንክትከፈል ዝወሰንካ እንተኾይንካ፡ሕጂ እቲ ስራሕ ጀሚርካዮ ምኻንካ ኣይትዘንግዕ።ድሕሪ ቀብሪ ዘሎ ናብራ ጥዑም ናብራ ንክኾነልካውን እቲ ውሳነ ካብ ሕጂ ኢዩ ዝጅመር።ሕጂ ደኣ ወስን እምበር ድሕሪ መቓብር ኣይኮንካ ውሳነታት ክትህብ።ሽዕኡ ናይቲ ዝሸቀልካዮ ደሞዝ እትኽፈለሉ ዕለትምበር፡ንክትነብር እትውስነሉ ግዜ ኣይኮነን።ዓንተዎኻ ተዓረ።ክሳብ ዝምርዓዉ ጥራይ ዝሓስቡ ኣሎዉ፡ገሊኣቶምውን ክሳብ ዝወልዱ፡ብካልእ ወገን ክሳብ ትምህርቲ ዝውድኡ፡እነገሊኦም ክሳብ ደቆም ዘዕብዩ።ድሕሪኡ ዘሎኸ ምስ ምንባር ኣይቁጸርን ማለት ድዩ፧ እረ ክሳብ ሽዑኡ ከምትነብርከ እንታይ ውሕስነት ኣሎካ፧ መጀመርያ ስለጽባሕ ምሕሳብ ጽቡቕ ምኻኑ ውሽጥኻ ክቕበሎ ኣላማምዶ።ስለጽባሕ ሕሰብ ማለተይ ግን ክሳብ መቓብር ጥራይ ከምዘይኮነ ግምት ይሃልኻ።ኪኖ መቓብር ዘሎ ክውንነትከ ንከይትሓስበሉን ኣብቲ ድሕሪ መቓብር ዝከናውን ህሞት ተሓቲትካ መላሲ ኮይንካ ኮይንካ እትዕወተሉን መገዲ ንኸይተጣጥሕ ዝኽልክለካ እንታይ ኢዩ፧ክነግረካ ኣብዘን ኣርባዕተ ዓለማት ንምምባር ውህብቶ ኢዩምበር ኣብዚ ይሕሸኒ ኣብዚ ኣይደልን ኢልካ መሪጽካ እትኣትወን ኣይኮናን።ኣብተን ድሕሪ መቓብር ንዘለዋ ክልተ ተቓረንቲ ዓለማት ንምእታው ግን ብምርጫኻ ንምእታ ሕጂ ምሉእ ሓላፍነት ኣሎካ።ምረጽ፡ንስኻን ቤትካ ንመን ከምተገልግል ምረጽ፡ንዓናይ ክብሉኻ እንከለዉ ወሲንካ ዘየጣዕስ ውሳነን መልስን መልስ።ናብ ቤት ሓጎስ ተኾይኑ፡" ናብ ቤት ሓጎስ ንዓናይ ምስ በሉኒ ተሓጎስኩ!" ኢልካ ዘምር።ትንሳኤኻን ጽቡቕ መጻኢኻን ክርእዩ 99 ነገድ፡ውድቀትካ ከይርእዩ ከብዶም ሓቒኖም፡ትንሳኤኻ ንምርኣይ ድማ ልቦም ብዕልልታ ተኸቢባ ይዕዘቡኻ ኣሎዉ።ወዮ ደኣ ኣይርደኣካን ይኸውን እምበር፡እቶም ስለውድቀትካ ዝምነዩ ኣጋንንቲ፡ቁሩብ ዕድል ከምዘላቶም ፈሊጦም ብብርቱዕ ቁጡዓ ወሪዶም፡ኣብ ከባቢኻ ከም ዝጋዝም ኣንበሳ ይሕነንዩ ምህላዎም'ዩ።
እዝግዚኣብሔር ኣምላኽ ከምታ ካብ ማህጸን፡ ብሰላም ክንውለድ  ፍቓዱ ዝኾነ፡ሕጂውን ናብታ ኣእዳዉ ዝሰርሓኣ ሰማያዊት ቤት ንምእታው ምሉእ ፍቓድ ሂብና ኢዩሞ፡ሓይሊ መንፈሳውነትና ኣነቓቒሑ ብዛዕባኣ ጥራይ ንምሕሳብ ከኽእለና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን ኣሜን።
ወስብሀት ለእግዚኣብሔር።
ሼር።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...