søndag 5. mai 2019

ንመንኩም ደኣልና ክንኣምን፣ ንዓኻዶ፣ ንፈጣሪ፧


ንመንኩም ደኣልና ክንኣምን፣ ንዓኻዶ፣ ንፈጣሪ፧




ንስኻ ሓቀኛ ምኻንካ ትንግረና ኣለኻ፣ እግኣብሔር ድማ ሓጥእ ምኻንካ የረድኣና ኣሎ።ንስኻ 'ኣነ ሓቀኛ'የ'' ትብል ኣለኻ፣ እግዚኣብሔር ድማ፣ ''ንሱ ሓሳዊ ኣምስሉ'ዩ'' ይብለና ኣሎ። ንስኻ ስለጽድቅኻ ከተረድኣና ትህንደድ ኣለኻ፣ እግዚኣብሔር ድማ ሎሚ ውን እንተኾነ ክሳብ ክንድዚ ከምዝተዓገሰካ እምበር፣ ክንዲ ናይ እግዚኣብሔር ዝኣክል ጽድቂ ከምዘየብልካ፣ እረ ገና ኣብ ሱግመ ሓጢኣት ከምዘለኻ ይነግረና ኣሎ። እሞ ንመንኩም ደኣልና ክንኣምን፧ንዓኻዶ ወይሲ ንእግዚኣብሔር፧
''ሓጢኣት የብልናን'' እንተበልና፣ ንገዛእ ርእስና ንጥብር ኣሎና፣ እታ ሓቂውን ኣባና የላን። ሓጢኣትና እንተተናዘዝና ፣ ኣምላኽ እሙንን ጻድቕን ስለዝኾነ፣ ንሓጢኣትና ይቕረ ክብለልና፣ካብ ኩሉ በደልናውን ኬንጽሓና ኢዩ። ''ሓጢኣት ኣይገበርናን'' እንተበልና፣ ሓሳዊ ንገብሮ፣ ቃሉውን ኣባና የሎን። (1ዮሐ1፣8-10)''

ንሃዋርያ ዮሐንስ፣ ቤተክርስትያን ''ሓዋርያ፣ እቲ ጎይታ ኣዝዩ ዘፍቅሮ፣ ወደሞዝሙር ናይ ክርስቶስ፣ ሞት ከይጠዓመ ዝዓረገ ጻድቕ`` ዝብል ሽመት ከምዘለዎ ትኣምንን ትምስክርን።ውሉዳ ውሉደ ቤተክርስትያን ግን ብስድነት ድፍረትን፣ ``ኣነ ጻድቕየ፣ ኣነ ቅኑዕ`የ፣ ንዓይ ስምዑኒ፣ ኣነ`የ ሓቀኛ፣'' ኢሎም ዝዳፈሩን ንንስሓ መህደሚ ንምርካብ ሃሰው ዝብሉን  ውሉድ መታን ከይርከቡ'ሞ፣ ካብ መንግስቲ እግዚኣብሔር ተፈልዮም ከይነብሩ፣ ወትሩ ነፍሶም እንዳወቐሱን፣ '' ኣነ ድኹም ሓጥእ'የ፣'' እናሉ ገዛእ ርእሶም ዝወቕሱን ኣመንቲ ክህልዉዋ ትደሊ። እዚ ማለት፣ ሓጥእ ምኻንካ ተኣሚንካ ከተብቅዕ፣ ልዕሊ ሰበይ ሓቀኛ'የ በሃሊ እንተኾይንካ፣ ገና ንትዕቢትካ ብመለሳ ደኣ እምበር፣ ብንስሓ ኣይሸፈንካዮን። እግዚኣብሔር ግን ካባኻ ሓንቲ ነገር ይደሊ፣ ሓጥእ`የ እናልካ ክትነብር፣ ፐርከስ ክንድ ዝኣኸለ ጽድቂ ይሃልኻ፣ ምስ ናይ ፈጣሪኻ ዝመጣጠን ጽድቂ ግን የብልካን። ክንድ'ቲ እምባ ዝኣክል ሓቂ ይሃልኻ ኣይሃልኻ ብዘየገድስ፣ ምስ ናይ እግዚብሔር ናይ ባህርይ ሓቂ ግን ብጭራሽ ኣይዛመድን'ዩ ሓቅኻ፣ ነቲ ንስኻ ትብሎ ዘለኻ ሓቂ፣ እግዚኣብሔር ቅድሜኻ በጺሕዎ ከምዘሎ ምፍላጥ ከድልየካ ዩ። ስለዚ ምውጥዋጠ ኢድ ተዘድሊስ፣ ቅድሜኻ እግዚኣብሔር ብናይ ብይን ኢዱ ገይሩ ከዋጣውጥን ክፈርድን ምኸኣለ።እግዚኣብሔር ግን ዝደለዮ ነገር ብምህላዉ፣ ስቕ ኢሉ ተረኣኻዮስ፣ ልዕሊኡ ናይ ሓቂ ተሓላቒ ኮይንካ ክትረኣየና ትህርደግ ኣለኻ። ኣንታ ወገነይ፣ እግዚኣብሔርኮ ንጽድቅኻ ይርእዮ፣ እንታይ ክንዓብሰልካ ኢና ንዓና ስለዕብየትካ ትነግረና ዘለኻ፧

ስለዚ ጽድቅኻ ኣይትንገረና፣ ኣየድልየናንዩ'ውን፣ ምኽንያቱ፣ ''ኣነስ ሰናፍ ድየ''  ኢልና ብትዕቢት ከምእንለዓዓል ኢኻ ትገብረና ዘለኻ። ተኸኣልካስባ ኣበራትካን ድኻማታትካን ብትሕትና ንገረናሞ፣ ክንመሃረሉ። ፐርከስ ህላወ ጽድቅኻ ተጠቃምነቱ ንዓኻዩ፣ ስለጉድለታትካ ብድፍረት ምውራይ ግን ንተመኩሮ ክኾነና ተትነግረና ኣዝዩ ይጠቕመና ዩ። ካብ ጽድቅኻ ንምንጋር ብድፍረት ትለዓልሲ፣ ሓጢኣትካ ንምንጋር ተትደፍር ምበለጸ። ንእግዚኣብሔር ድማ ዳግማዊ ነብይ ዮናስ ምኾንካዮሞ፣ ኣብ ከብዲ ዓሳ፣ ቤተ ጸሎት መዳለወልካ ነይሩ። ስለኣበሳኻ ተዘይተዛረብካ'ውን፣ ''ኣበስኡ ዘይነገረና'' ኢልና ኣይነዕገርግርን። ምኽንያቱ ኩሉ ብይን ዝወሃበሉ ኣብ ቅድሚ ኩሉና ግልጺ ኮይኑ ብግህዶ ዝፍረደሉን እዋን ስለዘሎ፣ ንዑኡ ነቲ ፈራዲ ይኽበዶን ይቕለሎን።
"ኣነ ሓቀኛ'የ"፣ ኢልካ ምምዳር፣ ናይ ሓጢኣን ባህርይ'ዩ። ኣብ ግዜ ፍርዲ፣ እቶም ኣብ ጸጋሙ ዝቖሙ ሓጢኣን፣ 'ኪዱ ካባይ ረሓቑ፣ ምኽንያቱ ጠምየ ኣየብላዕኩምንን፣ ጸሚአ ኣየስተኹምንን፣ ዓሪቐ ኣይከደንኩምንን፣ ሓሚመ እግዚሔር ይምሓርካ ኣይበልኩምንን፣'` ዝብል ወቐሳ ምስ መጾም፣ ብጭራስ ከምዘይበደሉን፣ እካ ደኣ ነቲ ዝተበየነሎም ፍርዲ ይግባይ ክብሉን፣ ''ኣበይ ሓሚምካ ርኢናካ፣ ኣበይ ጠሚኻ፣ መዓስ ዓሪቕካ ርኢናካ፧'' እናሉ ስለጽድቆም ክራኸሩ ነንብብ። ንሱ እቲ ፈራዲ ክርስቶስ ግን፣ ብዘይሕብእብእ ንኹሉ ኣበሰኦም ብግህዶ የርእዮም፣ ንሓደ ካብዞም ዝሓመሙ ዘይበጻሕኩም፣ ንዝጠመየ ዘየዕንገልኩም፣ ንዝጸመአ'ውን ዘየርወኹም፣ ንዓይ ከምዝኸላእኩምኒ'የ ዝቖጽሮ፣ እናለ ይፋረዶም።

በንጻሩ ጻድቕ ሰብ ድማ፣ ክሳብ ግዜ ብርዱ፣ ምንም ግብሪ ጽድቂ ከምዘይገበረ ገና ብሕጂ ዝጎድሎ ከምዘሎ እንዳእመነ'ዩ ዝነብር። ኣብዚ ተማሳሳሊ ዘመነ ፍርዲ'ዚ፣ እቶም ጻድቃን፣'' ኣንቱም ብሩኻን፣ ንዑ ናብዚ ክቡር ዝኾነ ርስቲ ውረሱ፣'' ዝብል ምስጋና ምስተዋህቦም፣ እንታይ ኢና ገይርና ክንድዚ ምስጋና፣ መዓስ ኢና መጊብናካ፣ መዓስከ ሓሚምካስ በጺሕናካ፧'' እናሉ ነቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ግብረ ጽድቂ፣ ፈጺሞም ይዝክርዎ ከምዘይዘበሩ የረድኣና። ንሱ ግን ንኽልቲኣቶም ወገናት ነቶም ሓጢኣንን ነቶም ጻድቃንን ብግልጺ፣ ስለጽድቆም፣ ስለሓጢኣቶም ኣብ ኣደባባይ ይድርጉሓሎም።

እሞ ክቡር ሓወይ፣ ንዓና ስለጽድቅኻ ክትነግረና ኣየመልክዕን ኢዩ፣ ንዓኻውን ትዕቢት ከይኮነካ ጽቡቕ ኣይኮነን። ተሓሰብካዮኸ፣ ልዕለይ ኣምላኽ ኣሎ፣ ልዕለይ ጻድቕ ኣሎ፣ ልዕለይ ሓቀኛ ኣሎ፣ ንኹልንትናይ ዝምርምር ናይ ውሽጠይ ፈራዲ ኣሎ፣ ኢልካዶ ኣኮንካን እትኣምን፧ እንታይ ደኣሞ፣ ንርእስኻ ልዕሊ ካልኦት ጻድቕ ገይርካ ብምግላጽ፣ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ጎብለል ኬንካ  ክትረኣየና ትደሊ'ለኻ። ብኡኡ ክትምዘን ንዑኡ ናይ መዛንነት መዝነት ዘይትህቦ። ኣብዚ'ውን እንተኾነ ልዕሌኻ ክህልዉ ከምዝኽእሉስ እንታይ መርትዖ  ኣሎካ፧ ነብይ ኤልያስ፣ '' ኣነ በይነይ ኢየ ተሪፈ፣ ብዘይካይ ቅኑዕ የለን፣ ንዓይውን ክቐትሉኒ ይደልዩ ኣለዉ`ሞ፣ ብዓልኻ ውሰደኒ'' ኢሉ ንበይኑ ዓብይ ገይሩ ክሓስብን፣ ሞት ክልምንን ነንብብ። ሮሜ11፣3-4- ኣምላኽ ግን፣'' ገና ንስኻ ዘይትፈልጦም፣ ንጹሓን ንጣዖት ዘይሰገዱ ሓቀኛታት ተኸተልተይ፣ሾብዓተ ሽሕ ሰብኣይ ኣትሪፈ ኣለኹ።'' ኢሉ በይኑ ልዕሊ ሰቡ ጥራይ ንኣምላኽ ዘፍቅር ከምዘይኮነ፣ በንጻሩ እካ ድኣ ብዙሓት ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ዘለዉ፣ ካብ ነብይ ኤልያስ ግን ስዉራት ዝኾኑ ብዙሓት ጻድቃን ከምዘለዉ ኣረዲእዎ።

ስለዚ ዝኸበርካ ወገነይ፣ ነቶም ንስኻ ትኽእሎም ነገራት እንዳምጻኻ ስለዕብየትካ ኣይትንገረና፡ ብዙሕ ዘይትኽእሎም ነገራት ከምዘሎዉኸ ከመይ ትዝንግዕ'ለኻ፣ ዘይትፈልጦ ብዙሕ ኣሎ፣ ዘይበጻሕካዮ ነዊሕ ጉዕዞ ኣሎሞ፣ ትሕትናኻ ንገረና ክንመሃረሉ፣ ሓቢርና ትሕት መታን ክንብል።ጽድኻ ከተውርየልና ግን ንፈራዲኡ ክሰምዖ ይበልጽ።
ሕቱም-መጽሓፍ

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...