søndag 3. september 2017

ቅዱስ ዮውሐንስ ርእሰ ዐውደኣመት፣ 1ይ ክፋል


ቅድስት ቤተክርስትያን እተኽብሮም ቅዱሳን በዓላት ኣሎዉ፣እትጸልኦም ርኹሳት በዓላት ከኣ ኣሎዉ።ቅድስት ቤተክርስትያን ኣኽቢራ እትሪኦም ዕለታት ኣሎዉ፣ብዘይ ፍልልይ ሓደ ዓይነት ዓይኒ ገይራ እትርእዮም ዕለታት ከኣ ኣሎዉ።ኣዝዮም ክቡራት ዓመታት ኣሎዉዋ፣ንኹሎም ዓመታት ብሓደ ርእየት እትምልከቶም ዓመታት ውን ኣሎዉ።ቅዱስ ዮሐንስ ርእሰ ኣውዐውደኣመት፣ተባሂሉ ዝኽበር ኣብ ቅድስት ቤተክርስትያን ካብቶም ዓበይቲ በዓላት ተባሂሎም ዝኽበሩ በዓላት ሓደ ኢዩ።ናይ ብዙሓት ኣህዛባውያን በዓላት ትጽየፍ፣ነቶም ዕለታት ግን እግዚኣብሄር ዝፈጠሮም ከምምኻኖም መጠን ብሕስረታዊ ዓይቲ ኣይትርእዮምን።ኩሉ ፍጥረት ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ክቡር ዕለት ኢዩ።እዚ ድማ እግዚኣብሄር ዕላማ ገይሩ ዝፈጠሮ፣ንደቂ ሰባት ተጠቀምቲ ንክኾኑ፣መንፈሳዊ ዕላምኡ ንኸካናውነሉ ኢሉ ዝፈጠሮ ፍጥረታት ብምኻኖም ኩላቶም ዕለታት ክቡራት ዕለታት ኢዮም።ኩላቶም ፍጥረታት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክቡራን ፍጥረታት ኢዮም።ገሊኣቶም ፍጥረታት ናጻ ፍቓድ ዝብል ስልጣን ካብ ፈጣሪኦም ስለዝተዋህቡ፣ነዛ ነጻ ፍቓድ ተጠቒሞም ኣብ ዘይምልከቶም፣ኣብ ዘይግብኦም የእዳዎም ብምእታው፣ፈጣሪ ክኾኑ ስለዝተመነዩ፣ብርእዮ ድማ ሓሶታዊ መንገዲ ንክኸዱ ብገዛእ ርእሶም ስለዝዘምበሉ፣ክብሮም ዝቐነሱ ተባሂሎም ይስመዩ።

ነዚ ቅዱስ ጴጥሮስ፣<<ኣምላኽ ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ፣ብመቑሕ ጸልማት ተኣሲሮም ፍርዶም ክጽበዩ ኣብ ገሃንም እሳት ደርበዮም እምበር ኣይነሓፎምን፣(2ጴጥ2,፣4)>> ብምባል፣ነዞም ዝሰሓቱ ሊቀ ርኹሳን ጽዩፍ ሳጥናኤል ዝመራሒኦም፣ኩላቶም እቶም በታ ካብ እግዚኣብሄር ዝተዋህበቶም ናጻ ፍቓድ ተጠቒሞም፣ንምኽንያት ውድቀት ዝተጠቕሙላ ፍጥረታት፣እግዚኣብሄር ከምዘይንሕፎም፣ናጻ ፍቓድ ዝሃቦም ፍርዲ ከምዝምልከቶም ፈሊጦም ኩሉ ዝገበርዎን ዝገብርዎን ብጽድቅን፣ብኩነኔን ከምዝፍረድሉ ነኸስተብህሉ እግዚኣብሄር ወትሩ እንዳነገረ ኢዩ።እዞም ናጻ ፍቓድ ማለት ድሞክራስያዊ መሰል፣ናጻ ስልጣን ብጸጋ ካብ እግዚኣብሄር ዝተመጠዎሎም ፍጥረታት፣ደቂ ሰባትን ቅዱሳን መልኣኽትን ኢዮም።ካልኦት ኩላቶም ፍጥረታ ግኡዛን ፍጥረት ስለዝኾኑ፣ዝገበሩ እንተገበሩ፣ዝፍረድሉ፣ናብ ሲኦል ዝወርድሉ ኣጋጣሚ ኣይክሰትን ኢዩ።ምኽንያቱ ህልውንኦም ድሩት ስለዝኾነ።ሰብን መላእኽትን ግን ኣይሞቱን ኢዮም።ህልውነኦም ዘይጠፍእ ሂዎት ኢዩ ዘለዎ።ምላልባሽ ካልኦት ዘይሓልፉ፣ንዘልኣለም ጸኒዖም ዝነብሩ ፍጥረታትውን ኣሎዉ፣ሰንበት፣መንግስተ ሰማያትን ካልኦት ዝተወሰኑ ኣሎዉ።ናይ መልኣኽትን ሰባትን ዘይምሕላፎም ምኽንያት ግን ሂዎቶም ጠፋኢ ሂዎት ስለዘይኮነ ኢዩ።ሰብ ስጉኡ እካ መሽሚሻ እንተተረፈት፣ነፍሱ ግን ኣይትጠፍእን ኢያ።ቅዳሴ ኣትናቴዎስ፣ንሕናስ ንሰብ ዘይትጠፍን ዘይትመዉትን ነፍሲ ከምዘላቶ ንፈልጥን ንኣምንን ኢሉ ይትንትን።

እዞም ፍጥረታት እዚኣቶም፣ናጻ ፍቓድ ተዋሂቦም ጥራይ ኣየኽተመን፣ነቲ ብነጻ ፍቓዶም ዝፈጸምዎ ግብሪ ውን ባዕላቶም ሓላፍነት ክወስድሉ ከምዝግብኦ እግዚኣብሄር ወሲኑ ኢዩ።ማንም ነባቢትን፣ሂያዊትን፣ለባዊትን ነፍሲ ዝሓዘ ፍጡር፣ንዝፍጽሞ ገበን ሓላፍነት ባዕሉ ኢዩ ዝወስዶ።ስለዚ ግቡእ መቕጻዕቲ ክወስደሉ ኢዩ።በዚ መሰረት ኣጋንንቲን መራሒኦምን ብናጻ ፍቓዶም ሓጢኣት ስለዝፈጸሙ፣ገበኖም ሓላፍነት ዝወስደሉ እግዚኣብሄር ንክኸውን ኣይንጽበይን ኢና።ኣብዚ ሕጂ እዋን፣ንሰይጣን ዘምልኹ ወገናት ኣሎዉ።ዳርጋ ኣብዛ ዓለም ቁጽሮም እንዳበዘሐ እንዳበዘሐ ይመጽእ ኣሎ።እዞም ወገናት እዚኣቶም ካብ ዘቕርብዎ ክሲ ሓደ፣እግዚኣብሄር ስለምንታይ ንሰይጣን ፈሪድዎ ዝብል ኢዩ።መሰሉ ኣይሓለዎሉን፣ሰይጣን ድላዩ ክገብር፣ድላዩ ክሓስብ ንምንታይ መሰሉ ግሂስዎ በሃልቲ ኢዮም።እዚ ንሰይጣን ዝሓለይሉ የምስል።ፈጣሪኡ እግዚኣብሄር ኢዩ፣ስለዚ ዝያዳ ደቂ ሰባት፣ዋንኡ እግዚኣብሄር ኢዩ ስለኩላቶም ፍጥረታቱ ክሓሊ ዝግበኦ።ሰይጣን ግን ብጥበቡ፣ተሓለቕቲ ናቱ ኮይኖም ከምዝትንስኡ ገይሩ ኣእምሮኦም ገዘኦ።ሰይጣን ብእግዚኣብሄር ዝተፈርደ፣እግዚኣብሄር ስለዝተጋግየ፣ኣብ ፍርዱ ስለዘቕነነ ኣይኮነን፣ኩሉ እቲ ሰይጣን ዝፈጸሞ ገበን፣ክሕተተሉ ዝግበኦ ባዕሉ ሰይጣን ስለዝኾነ ኢዩ።ገበኑ ተራእዩ፣ንንስሓ ካብ ዕለተ ሰንበት ክሳብ ዕለተ ዓርቢ ዕድል ተዋሂቡ፣ኣብዩ ኣይምለስን ኢሉ።ድሕሪኡ ናብቲ ዝዓሞቐ ጉድጛድ፣ፍርዱ ክሳብ ዝቕበል ብሞቑሕ ከምዝእሰር ተፈርዶ።ሕጂ ናይ ንስሓ ዕድል የብሉን።እዚ ንኸይምለስ ወሲኑ ኢዩ፣እግዚኣብሄር ድማ ፍርዱ ሂቡ ኢዩ።

በንጻሩ ደቂ ሰባት፣ውድቀት ኣብዝፍጽምሉ ግዜ ናይ ንስሓ ዕድል ኣሎዎም።እዛ ዕድል እዚኣ እተብቅዓላ ግዜ ግን ኣላ።ፍርዲ ምስተዋህበ፣ገሊኦም ናብ ገሃንመ እሳት፣ገሊኣቶም ድማ ናብ መንግስቱ ምስተፈላለዩ፣ሽዑኡ ናይ ንስሓ ዕድል፣ወይ ድማ ናይ ቅድስናዊ ገድሊ የለን።ኣብቲ እዋንቲ ምእንቲ ቅድስና ኢልካ ዝፍጸም ገድሊ ኣይክህሉን ኢዩ እንታይ ደኣ ኩሉ ግዜ ቅድስና ኢዩ።እቲ ዘመን ንባዕሉ መወዳእታ ዘይብሉ ቅዱስ ዘመን ኢዩ ዘለዎም።እቶም ሓጢኣን ድማ ተጣዒሶም ዝምለስሉ ዕድል ኣይክህልዎምን ኢዩ።እቲ ንዓኣቶም ዝወሃብ ዘመን ድማ፣ተጣዒስካ ምሕረት እትረኽበሉ ዘይኮነስ፣ንዘልኣለም እንዳስቆርቆርካ እንትነብረሉ ዘመን ኢዩ ክወሃቦም።እዚ በቲ ብገዛእ ፍቓዶም ዝፈጸምዎ ናይ ጽድቂ ወይ ናይ ሓጢኣት ግብሪ ዝወሃቦም ፍርዲ ኢዩ።ኣብዚ ፍርዲዚ እግዚኣብሄር ኣይተጋገየን፣ንሳቶም ድማ ዘግርምርምሉ ኩነት ኣይክፍጠርን ኢዩ።ኩሉ ሓጢኣቶም ብፍሩይ ቀለም ተወቂቡ ኣብ ቅድሚኦም ክግንጸልን ክርእይዎን ኢዮም።

ካልኦት ፍጥረታት ግን ግኡዛን ስለዝኾኑ፣ዝፈጸምዎ ግብሪ ናብ መንግስተ ሰማያት፣ወይ ናብ ሲኦል ዘእቱ ፍርዲ ኣይወሃቦምን ኢዩ።ምላልባት ኣብ ምድሪ ከም እንተመን፣ኣዝያ ምልክዕትን፣ቁመታ ክንዲ ውላድ ገመል ዝኣክል ቁመት ዝነበራ ከብቅዕ፣በቲ ዝፈጸመቶ መሕደሪ ሰይጣን ናይ ምኻን ዕሽነታ፣እግዚኣብሄር፣ነተን ነዋሕቲ መሓዉራ፣ኣብ ከብዳ ከምዝስተያ፣ነቲ ኣስተውዓሊ ኣእምሮኣ ፈጺሙ በረኻ በረኻ ከምእዘብላ ገይሩ ፈሪድዋ።እዚ ግን ንተመን መንግስተ ሰማይ ወይ ሲኦል ይምልከታ ብምኻኑ ስለዝኾነ ዘይኮነስ፣እግዚኣብሄር ሓቀኛ ፈራድነቱ ንኽገልጽ ኢዩ።

ኣብዚ ከም ኣርእስቲ ተወሲዱ ዘሎ፣ሰለስተ ዝተፈላለዩ ነጥብታት ኣብ ሓደ ረምታ ኣትዮም ሰሚሮም ኣሎዉ።ቅዱስ ዮሐንስ፣ርእሰ ኣውደኣመት ዝብላ ኢየን።ነዜአን በብሓደ ቅድስት ቤተክርስትያት እትህቦ ተናብቦ ክትንተን እንከሎ፣-

ሀ) ቅዱስ ዮሓንስ፣-

ቅዱስ ማለት፣ፍሉይ፣ክቡር፣ካብ ኩሎም ዝመዓረገ ማለት ኢዩ።ዮሓንስ ማለት ድማ፣ብርሃን፣ፍስሐ፣ደስታ፣ሓሰት ማለት ኢዩ።ቅዱስ ዝብል ናይ መዓርግ ስም ንእግዚኣብሄር ጥራይ ዝወሃብ ስም እካ እንተኾነ፣ፍቓዱ ኮይኑ፣ነቶም ንዑኡ ዘፍቅሩ፣ትእዛዛቱ ሓልዮም ከም ፍቓዱ ዝነብሩ፣ምእንቲ ክብሩ ዝነብሩን ዘገልግሉን ፍጥረታቱ ነዚ መዓርግዚ ከምዝወሃቡ ገይሩ ኢዩ።ስለዚ ቅዱስ ዮውሓንስ፣እቲ ቀቅድሚ ጎይታናን መድሓኒናን ኢዮሱስ ክርስቶስ፣ብርሃነ ብስራት ወንጌል እንዳሰበኸ፣ናይ ንስሓ ድምጺ ዘስምዕ ዝነበረ፣ቃለ ኣዋዲ፣መለኸት ናይ ንስሓ ዝሰብኽ፣ካብ ነብያት መጨረስታ፣ካብ ሃዋርያት መጀመርታ ዝኾነ ቅዱስ ሰብ ኢዩ።ካብ ጽንሰቱ ክሳብ ሰማእትነቱ ንዘሎ ታሪኽ ብሕጽር ዝበለ ክንርእዮ እንተኾይንና፣-

ክጥነስ እንከሎ፣
ብቅዱስ ጸሎት ኢዩ ተጠኒሱ፣ስድርኡ ኣዝዮም ንእግዚኣብሄር ዘኽብሩ ቅዱሳን ሰብ ሓዳር ብምንባሮ፣ወትሩ ቅዱስ ውሉድ ንክህቦም ንዘብጽሕዎ ዝነበሩ ጸሎት፣ፈጣሪኦም እግዚኣብሄር ንጸሎቶም ሰሚዑ፣ዮሓንስ ዝብሃል፣ናይ ሓጎስን ደስታን ውሉድ ክህቦም ምኻኑ ኣበሰሮም።ነዚ ቅዱስ ዳዊት፣<<ወኢተሀባእ እምኔከ ኣዕጽምትየ ዘገበርኮ በህቡእ።ወኢ ኣካልየ በመትሕተ ምድር።ወዘሂ ገበርኩ ርእያ ኣዕይንቲከ ወኩሉ ይጸሐፍ ውስተ መጽሐፍከ።(ኣዕጽምተይ ምስተፈጥራ፣ኣብ ማህጸን ኣደይ ከኣ ብጥንቃቐ ምስ ተሰርዓ፣ኣብኡ ብሕቡእ ክዓቢ ከለኹ ኣብኡ ከምዘለኹ ረኻኒ።ኣዒይንትኻ ድቂ ከለኹ ረኣያኒ፣እቲ ምዱም ዕድመይ ገና ከይጅመረ ከሎ ኩሉ ኣብ መጽሓፍካ ጽሑፍ ኢዩ።መዝ 139፣15-16)>> ኢሉ ይምህረና።ስለዚ ቅዱስ ዮውሓንስ፣ውጺኢት ናይ ቅዱስ ጸሎት ጥራይ ዘይኮነስ፣ኣብ ማህጸን ኣዲኡ እንከሎ ዝተሓረየ፣ገና ሰባት ከይሓሰብዎ እንከለዉ፣እግዚኣብሄር ግን መዲብዎ ዝነበረ ቅዱስ ኣቦ ምንባሩ ክዝንጋዕ የብሉን።

ልደቱ ለቅዱስ ዮውሓንስ መጥመቕ፣-

ተዓጺዩ ንዝነበረ ኣፉ ኣቡኡ ከፊቱ፣ኣብ ጥንሰቱ ነተን ወትሩ ንኽውለድ ዝጽልያ ዝነበራ ከናፍር ናይ ኣቡኡ ካህን ዘካርያስ፣ክትወልድ ኢኻ ዝብል ብስራት ምስተዋህቦ ንምእማኑ ስለዝተሸገረ፣ኣፉ ከምዝዕበት ተገብረ።እቲ ዝተጸንሰ ናይ ሱባኤ ህጻን ምስተወልደ ግን ከምቲ ቅዱስ ስርዓት ዝእዝዞ፣ኣብ ግዝረቱ ኣፍ ኣቡኡ ካህን ዘካርያስ ከምዝኸፍት ተገብረ።ምኽፋት ጥራይ ዘይኮነ ከኣ ከም ብዙሓት ኣቡታቱ ነብያት ኮይኑ፣ሰፊሕ ምስጢራዊ ትንቢት ተናገረ።ካብቲ ትንቢታቱ፣<<ወኣንተኒ ህጻን ነቢየ ልዑል ትሰመይ፣እስመ ተሐውር ቅድመ እግዚኣብሄር፣ኣንታ ህጻን ነብይ ናይቲ ልዑል ክትስመ፣መንገዲ እግዚኣብሄር ድማ ክትጸርግ ኢኻ።ከመ ትሀቦም ለኣሕዛብ ያእምሩ መድሐኒቶሙ።ንኣህዛብ ፍልጠት ሓቂ ናይ ድሕነት ፍልጠት እትሰብኽ ክተውን ኢኻ ኢሉ ተነበ።ኣብ መወዳእታ፣ወልህቀ ሕጻን ወጸንዐ በመንፈስ ቅዱስ፣እቲ እቲ ህጻን ዓበየ፣ብመንፈስ ቅዱስ ከኣ ደልደለ ይብል።(ሉቃ1፣80) >>ኣብዚ ቁልጭ ኣቢሉ፣ነቲ ኣብ በረኻ ከም ባሕታዊ ኮይኑ ዝነበሮ ዝነበረ ናይ ቅድስና ሂዎት ካብ ፍላሜኡ ክሳብ ፍጻሜኡ፣ኣተዓባብያ ናይ ቅዱስ የውሃንስ መጥመቕ ከመይ ከምዝነበረ ነጊሩና ኣሎ።

መወዳእታ ሂዎት ቅዱስ ዮሓንስ መጥትምቕ፣-

ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት መንግስቱ ንጢባርዮስ ቄሳር፣እዚ ማለት ኣውጎስጦስ ቄሳር ኣብ መበል 42 ዓመተ መንግስቱ ክርስቶስ ኢዮሱስ ተወልደ፣መወዳእታ ንግስትነት ናይ ኣውጎስጦስ ቄሳር 56 ዓመት ኢዩ።ድሕሪኡ ጢባዮስ ቄሳር ዝባህል ነጊሱ 15 ዓመት ምስ ገበረ፣ኣብቲ እዋንቲ ጲላጦስ ጴንጤናዊ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ገዛኢ ንኽከውን፣ሄሮስ ኣብ ገሊላ ንጉስ ክኸውን፣ፊልጶስ ሓው ኢጡርያስን ኣብ ዓዲ ጥራያኮዶስን ሽሞኛ ክኸውን፣ሓናን ቀያፋን ሊቃነ ካህናት ክኾኑ ኣብ ዝተሸሙሉ ግዜ፣ቅዱስ ዮውሃንስ መጥመቕ ካብ ብሕትውናዊ ሂዎት ናይ ገዳም ናብቶም ህዝቢ ኣምላኽ ክንሶም ብግብሮም ምስ ኣህዛብ መሲሎም ዝነበሩ እስራኤላውያን መጸ።መጺኡ ስለ ግላዊ ክብሩ ዘይኮነ ሰቢኹ፣ስለክብሪ እግዚኣብሄር፣ስለድኻማቶም፣ስለምሕረት ኣምላኽ፣ዘመነ ኩኔነ ከም ዘኽተመ፣ኩሉ ዝናሳሕ ሰብ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽኣቱ ዕድል ከምዝተኸፍተሉ፣ኩሉ ንስሓ ቅዱስ ንስሓ ጥራይ ይኹን እምበር፣ከምቶም ዝሓለፉ፣ጽድቅና ከም ጨርቂ መርገም ኮነ ኢሎም ዝጭርሕዎ ዝነበሩ ቅዱሳን፣ሕጂ ግን ታሪኽ ኩነኔ ከምዘብቀዐ ኣወጀሎም።ክሳብ ዕለተ ዕረፍቱ ድማ ነዚ ኣዋጅ እዚ እንዳሰበኸ መጸ።ኣብቲ ንሱ ዘጠምቐሉሉ ዝነበረ ግዜ፣ክርስቶስ ኣብ ከባቢ 30 ዘመኑ ኣቢሉ ምስ ኮነ ክጥመቕ ናብ ዮሓንስ መጥመቕ መጸ።እዚ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፣ሓቀኛ ልደት ናይ ክርስቶስ፣ኣውገስጦስ ቄሳር ምስ ነገሰ ኣብ መበል 42 ዓመተ ንግስነቱ ኢዩ ክርስቶስ ተወሊዱ።ቅዱስ ቄርሎስ ኣውጎስጦስ ቄሳር ካብ ዝነግስ 18 ዓመት ምስገበረ ክርስቶስ ተወሊዱ ይብል።

እዚ ክብል እንከሎ፣ኣውጎስጦስ ቄሳር ንጉሰ ነገስታት ተባሂሉ ካልኣይ ሽመት ካብ ዝረኸበላ ዓመት ስለዝቖጸረ ኢዩ።እዚ ድማ ኣብ መበል 24 ዓመተ ንግስነቱ ኢዩ ረኺብዋ።18ዓመት ምስ 24 ተደሚርናዮ 42 ዓመት ይኾውን።ክርስቶስ ብዘመነ መንግስት ኣውጎስጦስ ቄሳር ኣብ መበል 42 ዓመተ ንግስነቱ ተወልደ።ድሕሪ 30 ዓመት ማለት ጢባርዮስ ቄሳር ነጊሱ 15 ዓመታት ምስ ገበረ፣ብኢድ ዮውሓንስ መጥመቕ ክጥመቕ ናብ ማይ ዮርዳኖስ መጸ።ስለዚ ቅዱስ ዮውሓንስ መጥምቀ መለኮት ዝብል ናይ መዓርግ ሰም ተወሰኸሉ።መለኮት ኣይተሓዝን ኣይጭበጥን፣ኣይሕቆፍን ኢዩ።እቲ ብኢድ ዮውሐንስ ዝተዳህሰሰ፣ዝተታሕዘ፣ዝተጠመቐ ከኣ መለኮት ዝተፈልዮ ስጋ ጥራይ ኣይኮነን።ስጋን መለኮትን ዝተዋሃሃድዎ ሓደ ወልደ ኣምላኽ ኢዩ።ስለዚ ዮውሃንስ መጥመቕ፣ኣብ ማህጸን ኣዲኡ እንከሎ፣ብሓጎስ ንፈጣሪኡ ምስጋንኡ ኣቕረበ፣ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ድማ ብኢዱ ክጥመቕ ኣምላኽና ፈቐደ።
ኣብ መወዳእታ ስብከተ ዮውሃንስ ምስ ናይ ቅዱስ ኤልያስ ዝመሳሰ ብምንባሩ፣ነቲ ኣብ ገሊላ ገዛኢ ክኸውን ተሸይሙ ዝነበረ ሄረዶስ ንሰይቲ ሓውካ ከተእቱ ኣይትኽእልን ኢኻ ኢሉ ስለዝገንሖ ተቐይሙ ኣእሰሮ።ድሕሪኡ ዕለተ ልደቱ ከኽብር፣ብዙሓት ዕዱማት ኣብ ዝገበረሉ ግዜ ድማ ጛል ሓዉ ብዘቕረበቶ ፍሉይ ትልሂታዊ ሳዕስዒት ስለዝተመሰጠ ክሳብ ፍርቂ መንግስቱ ክህባ ምኻኑ መብጽዓ ኣተወላ፣፣ንሳ ድማ ካብ ኣዴኣ ብዝረኸበቶ ምኽሪ ርእሲ ዮሓንስ መጥምቕ ቆሪጹ ከምጻላ ኣዘዘቶ።እዚ ሰብኣይ፣ንዮውሐንስ መጥምቕ ብልቡ ከም ጻድቕ ሰብ ገይሩ ይሓስቦ እካ እንተነበረ፣ብሰንኪቲ ኣብ ጛይላን ሳዕስዒትን ዘለዎ ዝንባሌ ግን ክሳብ ርእሲ ናይቲ ቅዱስ ንኸሰይፍ ድሕር ከምዘይብል ገበሮ።በዚ መሰረት ድማ ብዕለተ ክልተ መስከረም ርእሲ የውሐንስ መጥቕመ ተሰየፈት።እዚ ኩሉ ዝተረኽናዮ ታሪኽ  ቅዱስ ዮሓንስ ርእሰ ዐውድኣመት፣እንታይ ኢዩ ትርጉሞ ንዘለና ኣፍልጦ ንምፋሕ ኢዩ።

ለ) ርእሰ፣-

ርእሰ፣ኣርእስቲ፣ጅማሬ፣መጀመሪ፣መፈለሚ፣መጀመርን መፈጸምን፣ናይ ኩሎም ርእሲ ኮይኑ ዘጠቓልል ብዝብል ትርጉም ይዝርዘር።ርእሰ ኣድባራት፣ርእሰ መካናት፣ርእሰ ጽሑፋት፣እዚ ርእሲ ዓድታት፣ርእሲ ከተማታት ኣርእስቲ ጽሑፋት ወዘተ ንምዝርዛር እንጥቀመሉ ግእዛዊ ስም (Substantive) ኢዩ።ብዙሓት በዓላት ኣሎዉ፣ናይ ኩላቶም በዓላት መጀመሪ ርእሲ ዝኾነ ግን ዮሓንስ ኢዩ፣ንምባል ኢዩ።ርእሲ ከምንፈልጦ፣ናይ ኩላቶም ሓሳባትና ውህላሌን ፍጻሜን ኢዩ።ፍጻሜታትና ውጽኢት ናይ ሓሳባትና ኢዮም።ወይውን ብኻልእ መንጽር፣ኩላቶም ግብርታትና ርእሰ ጥንቶም ኣብ ርእስና ኢዩ።ኢድ ክትንቀሳቐስን ዘይክንትቀሳቐስን ጅማሬኣ ኣብ ርእሲ ኢዩ።እግሪ ክትከይድ፣መልሓስ ክትዛረብ፣እዝኒ ክትሰምዕ፣ልቢ ከስተውዕል ዝእዝዝ ኣማሓዳሪ ናይ ሰብነትና ርእስና ኢዩ።እግዚኣብሄር ድማ ርክቡ ነዛ ኣማሓዳሪት ዝኾነት ክፋል ኣካላትና ኢዩ ዝደሊ።ሓንጎል ናይ ወድሰብ ኣስተብሃልን ኣስተውዓልን ኮይኑ ኢዩ ተፈጢሩ።ስለዚ ርእሰ ሽሞኛ ኮይኑ፣ናይ ኩሎም ፍጻሜታትና ቀላሲ ኮነ። ኣብ ሃይማኖታዊ ፍጻሜታትና፣ርእሰ ጅማሬኦም ኩላቶም ካብዛ ዕለት እዚኣ ማለት ካብ በዓለ ዮሓንስ መጥመቕ ኢዮም ዝጅመሩ።

ቅድስት ቤተክርስትያን ርእሰ ኢላ እትሸሞም ክስተታ ኣሎዉ።ንኣብነት፣ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ናይ ሊቀ ጳጳሳት ሽሞኛ፣ርእሰ ኣድባራት፣ናይ ኩለን ኣድባራት ርእሲ ደብሪ ዝኾነት ዝበሃሉ ኣሎዉ።ብኻልእ መንጽር፣ርእሰ ዐንቀጽ ( The title of the paragraph), መበገሲ ሓሳባት፣ጅማሬ ሂዎት (The starting of life) ወዘተ ዝብሉ ኣብ ቃንቃና እንጠቀመሎም ግልጸታት፣ብጋሴ ሓሳባቶም ንምግላጽ ርእሰ ዝብል ኣንቀጽ ንጥቀመሉ ህሞት ኣሎ።ኣብ ቅድስት ቤተክርስትያን ዝኽበሩ ቅዱሳን በዓላትን፣ቅዱሳን ዕለታትን ብዙሓት ኢዮም።እዚኣቶም ዕላምኦም ንምንታይ ኢዩ እንተ ኢልና፣ኣብቲ ዕለት'ቲ ጣዖት መታን ክኸብር ኣይኮነን።ወይውን እግዚኣብሄር እንትዳተጸየፎ እንከሎ ኣንጻር ኣምላኽ ዝግበሩ ኣይኮኑን።ጀማሪኦም እግዚኣብሄር ኢዩ፣ ሽዱሽተ መዓልታት ግብረ ፈጣርነቱ ምስ ፈጸመ ነታ ሻብዐይቲ ዕለት ግን ካብ ኩለ ኣኽቢሩ ቀዲስዋ ወዓለ።ነቶም ሕጋጋቱ ክሕልዉ ኢሉ ዝፈጠሮም ፍጥረታት ድማ ክሕልዉዋን ከኽብርዋን ከምዘለዎም ኣዘዘ።ቅዱሳን መላእኽቲ ንዓኣቶም ኩሉ መዓልቲ ሰንበቶም ኢዩ፣ንዓና ነዞም ኣብ ምድሪ ዘለና ግን ንዝተፈላለየ ቅዱስ ዕላማ፣እግዚኣብሄር ካብ ኩላቶም ዕለታት ዕለታት ፈሊና ከነኽብር፣ነቲ እቲ ኣብቲ ዕለት እቲ ከቢሩ ዝውዕል ድማ እግዚኣብሄር ክኸውን ከምዝግበኦ ኣዘዘ።ካብቶም 10 ትእዛዛት ተባሂሎም ዝጥቀሱ ናይ ፈጣሪ ትእዛዝ ንሰንበት ኣኽቢርካ ክትቅድሳ ከምዘለካ ዘዘኻኽር ተሪር ትእዛዝ ኢዩ።ንሰንበት ዝሰዓረ ሰብ ንስሓ ይግበኦ ኢዩ።ሰንበት መዓልቲ ረኺሱ ዝወዓለ ጥራይ ዘይኮነስ፣ግላዊ ግብሩ ጥቕማ ጥቕሚ ክኣሪ ዝወዓለ ከይተረፈ ንስሓ ክኣቱ ከምዝግበኦ እግዚኣብሄር ኣዘዘ።ዘጽ20፣8 ብፍሩይ ቃል ኣስፊርዎ ኣሎ።ንሕና ደቂ ሰባት ድኹማት ስለዝኾንና ንብዙሓት ክቡራን በዓላት ከምቲ ዝግባእ ዘይዘከርናሉ ግዜ እንዳበዘሐ ይመጽእ ኣሎ።እዚ ኩሉ ጉድለትዚ ግን መዓልታዊ ንስሓ ዘድልዮ ፍጻመ ኢዩ።ናይዞም ኩላቶም ዐውደኣመታት ርእሰ ጅማሬኦም ካብ በዐለ ዮውሐንስ መጥመቕ ኢዮም ዝጅምሩ።

ሐ) ርእሰ ዐውደኣመት እንታይ ማለት ኢዩ፣-

ርእሰ ዐውደኣመት፣ብእብራይጥን ጽርእን፣ኤታንየም ይብልዎ።ኤታንየም ማለት መሰረት፣ጥንተ ወርሒ፣ጥንተ ዓመት፣ጅማረ ናይ ኩሉ ፍጥረት፣ጥንተ ዕለታት ዝብሉ ትንታኔታት ይህብሉ።ቅድስት ቤተክርስትያን ርእሰዐውደኣመት ኢላ በዓለ ዮውሓንስ መጥመቕ ትጠቕሶ።ኩላቶም ቅማሬ ናይ ዕለታት ካብ ዮውሓንስ ወይ ካብ ሓደ መስከረም ይጅምሩ ንምባል ኢዩ።ብዙሓት ቅዱሳን ብዓላት ክበዓሉ እንከለዉ፣ናይቲ ግዜቲ ፍጻሜ ታሪክ መበገሲ ኣሎዎ።ንኣብነት፣ልደቱ ናይ ጎይታትናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢዮሱስ ክበዓል እንከሎ፣እቲ ዕለተ ልደት ኣበየናይ ዘመን ከምዝተፈጸመ፣ኣብቲ ግዜቲ ዝተፈጸሙ ኩነታት እንታይ ኢዮም።ሕጂኸ ምስቲ በዓል ዝመዛዘን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ነገራት እንታይ እንታይ እንዳገበርና ክነብዕሎ ይግበኣና ንዝብል፣ኩላ እታ ሽዓኣ ዕለተ ልደቱ ኢያ ትምልሰልና።ጛሶትን መልኣኽትን ሓቢሮም ከምዝዘመሩ፣ኣብ ልደት ዝወሃብ ስብሀታትን ውዳሴታትን ምስ ናታቶም ዝመሳሰል ኢዩ።ኣብ ልደት ዝወድቕ ቅኔ ንዑኡ ዝትንትን ኢዩ።ኣብቲ በዓለ ልደቱ ዝወሃብ ስብከት፣ንዑኡ ኣነጻጺርካ ኢዩ ዝወሃብ።ኣብ ስቕለቱ፣ኣብ ትንሳኤኡ፣ኣብ ዕርገቱ ንዘሎዉ በዓላትውን ክበዓሉ እንከለዉ፣ምስቲ ናይጥንቲ ፍጻሜ ተመዛዚኖም ኢዮም ዝከናወኑ።
በዓለ ማርያም፣ጽንሰታ፣ልደታ፣ፍልሰታ፣ዕርገታ ከምኡውን ናይ ዝተፈላለዩ ቅዱሳን ዝግበር ዕለተ ዝኽሮም፣ጅማሬኡ እቲ ስለእግዚኣብሄር ኢሎም ዝሓለፍዎ ክርስትናዊ ገድሊ ብኣስተንትኖ ሕልና ኮይንካ ብምሕሳብ፣እግዚኣብሄር ድማ ድኹማት እካ እንተኾንና፣ከምቲ ናታቶም ገድለ ቅድስና ንምምባር ክሕግዘና ብጸሎት ንምሕታት ኢዮም ዝበዓሉ።ስለዚ ጅማሬኦም ዕለት ወርሒ ኣሎዎም ማለት ኢዩ።ናይ ኩላቶም መዓልታት ጥቕሉል ስሞም ዕለታት ይበሃሉ፣ናይ ኩላቶም ሰሙናት ጥቕሉል ስሞም ሰሙን ይበሃሉ፣ናይ ኩላቶም ኣዋርሕ ጥቕሉል ስሞም ወርሒ ይበሃሉ፣ናይ ኩላቶም ዓመታት ጥቕሉል ስሞም ዓመት ይበሃሉ።ከምኡ እንዳበሉ፣ጥንተ ዐበቅተ፣ዐበቕተ ወዘተ ተባሂሎም ይዝርዘሩ።ሰሙን ሽዱስተ መዓልታት ትሕዝ፣ወርሒ  ኣርባዕተ ሰሙናት ትሕዝ፣ዓመት12ኣዋርሕን 5 መዓልትን ትሕዝ።ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለታት ናይ ሓንቲ ዓመት፣ወድ ሰብ በረኸት ስለዘገድሶ፣ኩላቶም ዕለታት ንደቂ ሰባት ጠቐምቲ ንኽኮኑ ዝተፈጥርሉ እካ እንተኾኑ፣መዓልታት ፈፈልዩ ንኣምላኹ ዝዝክረሉ ዕለት ንኽህልዎ ግን ተፈቒድሉ።ንኹላቶም ዕለታት ጅማሬኦም ግን እታ ናይ መጀመርያ ዕለት ናይ ሓንቲ ዓመት ኢያ።

ብዛዕባ ዓመታት ዝተበጽሐ ጅማሬያዊት ዕለት ካብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ደቂ ሰባት፣፠፠፠፠ 2ይ ክፋል ይቕጽል
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...