fredag 21. juli 2017

በእንተ ስርዐታ ለቅድስት ቤተ ክርስትያን፣ 1ይ ክፋል


1ቆሮ 1፣40  ግናኸ ኲሉ ብስርዓትን በጋባብን ግበርዎ።

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ፣ኣሜን።
ብዛ ዓለም ዘሎ ስጋዊ ይኹን መንፈሳዊ ኩሉ ብስርዓት ዝወቀበ ኢዩ።  ንፖሎቲካዊ፣ሳይንሳዊ፣ሎጆስቲካዊ፣መንግስታዊ፣ሕክምናዊ፣ሙዚቃዊ፣ባህላዊ፣ሕርሻዊ ወዘተ ንዘሎ ምክዋን ነናቱ ንዑኡ ዝሰማማዕ ንዑኡ ዘካይድ ስርዓት ኣሎዎ።ኣብዛ ዓለም ዘሎ ፍርያት ብፍላይ ካብ ኢድ ሰብ ተሰሪሖም ዝተኻዕበቱ፣ምንጮም ብስርዓት ዝወቀቡ ኢዩ።ንኹሉ ዝግበር ንኽግበር፣ስርዓት የድልዮ።ኩሉ ነናቱ ዝሰማምዖን ዝመጣጥኖን ስርዓት ኣሎዎ።


ቤተ ክርስትያን ረቂቕ ኣገልግሎት ዝከናወነላ፣ረቂቕ ውጺኢት ድማ ዝሕፈሰላ፣ምስ ረቂቕ እግዚኣብሄር ርክብ ዝፍጸመላ፣ካብቲ ሰማያዊ እግዚኣብሄር ድማ ረቂቕን ንሕልና ዝምችእን ንነፍሲ ዘጉስዕን መንፈሳዊ መኣዲ ዝእንገደላ ስፍራ ኢያ።እቶም ንዓኣ ዘፍቅሩ ኩላቶም ምስቲ መርዓዊ ንምርኻብ ስለዝግስግሱ፣ሕልነኦምን ልቦኖኦምን ወትሩ ኣብ ናፍቖተ እግዚኣብሄር ይርከብ። << መዝ 61፣1>> ዕላምኦም ንዑኡ ረኺብካ፣ምስኡ ምምባር ካብቲ ፈጣሪኦም ድማ ሰማያዊ ኣቡኦም፣ናይ ጸጋ ኣቡነተ ፍቕሪ ቀሚሶም ንምሕፋስ ኢዩ።

<< መዝ 92፣1 ይሄይስ ተኣምኖ በእግዚኣብሄር፣ወዘምሮ ለስምከ ልዑል።ወነጊረ በጽባሕ ምሕረትከ።>> ንእግዚኣብሄር ምምስጋን ሰናይ ኢዩ፣ኦ ልዑል እግዚኣብሄር ንኽብርኻ ምዝማር ሰናይ ኢዩ። እንዳበሉ ነቲ ጸዊዖም ዘይጸግብዎ ፈጣሪኦም ካብተን መገብቲ ናይ ምሕረት ኣእዳዉ ምሕረት ክምጠዋ ይሕቆፎኦ።

እምበኣር፣ንኹሉ ስርዓት ከምዘድሊ፣ንቤተክርስትያን ከኣ ስርዓት ኣድለያ፣፣ናይ ቤተ ክርስትያን ስርዓት እግዚኣብሄርን ሰብን ዝራኸብሉ ስርዓት ማለት ኢዩ።ፍጡርን ፈጣርን ፈጣሪ ምሕረቱ ከፍስስ፣ፍጡር ምሕረት ክሓፍስ፣ፈጣሪ ኣቤት ኢሉ ጸሎት ክሰምዕ፣ፍጡር እግዚ ኦ ተሳህለነ፣ኢሉ ጽምጹ ከስምዕ፣ፈጣሪ ኪዳኑ ምስ ፍጡራቱ ውዕል ክፍርም፣ፍጡር ከኣ ነቲ ዝተቐበሎ እሙን ኣምላኻዊ ቃል ኪዳን ኣጽኒዑ ክሕዝ ዝከናወኖ መንፈሳዊ ስራሕ ኢዩ። << ማቴ 7፣7 ዝለመነ ኹሉ ይቕበል እዩ፡ >> ይብል።ስለዚ እሙን ቃል ኪዳን ተዋሂቦም።እቶም ዝተቐበሉ ከይተረፈ፣ነቶም ድኹማት ገና ኣብ ምልማን ንዘይበጽሑ ንምሕጋዝ በቲ ዝተዋህቦም ኣምላኻዊ ቃል ኪዳን ንምርዳእ ዝኣክል ካብ ፈጣሪኦም ኣብዛ ቤተክርስትያን ይነብሩ።


ኣብ ዓለም ዘለዉ ትግባረታት ብስጋዊ ስርዓታት ዝቖሙ ኢዮም።ንኣብነት፣እንስሳታት ነናቶም ስርዓት ኣሎዎም።ገሊኦም ንግሆ ብሕብረት ይወፍሩ፣ገሊኦም ድማ ንግሆ ብሕበረት ናብ መመሕዕረፊኦም ይኣትዉ።ገሊኦም ሃዲኖም ዝምገብሉ ስርዓት ኣሎዎም፣ገሊኦም ድማ ተሃዲኖም ንኸይብልዑ ዝከላኸልሉ ስርዓት ኣሎዎ።ንኣብነት፣ኢራብ ተሃዳኒት ስለዝኾነት ንኸይትህደን እትገብሮ ተሞክራዊ ስርዓት ካብተን ወለዳ ትምሃር፣ዝብኢ ከኣ ሃዳናይ ስለዝኾነ፣ከመይ ገይርካ መጥቃዕቲ ትፍጽም ካብ ብንእሽትኡ እንከሎ ካብቶም ከምኡ ዝኣመሰሉ ኣዛብእ ይመሃር።



ካልኦት ዓይነት ፍጥረታት እንተተመልኪትናውን ኩሉ ነናቱ ስርዓት ኣሎዎ።ጽሓይ እትበርቀሉን፣እትዓርበሉን ክፍለ ግዜ ስሩዕ ኢዩ፣ወርሕንከዋኽብትንውን መዓስ ይበርቁ፣መዓስ ይዓርቡ፣ነናቶም ስርዓት ኣሎዎም።ኣትክልቲ፣ዝዕምብብሉ፣ዝፈርይሉን፣ዘግላዕልዕሉን ስርዓታት ኣሎዎም።እዚ ኩሉ እንክኸውን እቲ ዝሓገገሎምን፣ዝሰርዓሎምን እግዚኣብሄር እካ እንተኾነ፣ዝምዘንን፣ብሕልናኻ ክትበጽሖን እትኽእል ስጋዊ ስርዓት ኢዩ ዘለዎ።ማንም ሰብ ኣትክልቲ መዓስ ይዕምብቡ፣መዓስ ይፈርዩ ዘይፈልጥ ውሑድ ጥራይ ኢዩ።፣እዚ ጥራይ ዘይኮነስ፣ብኸመይ ይዓብዩ፣እንታይ ኢዩ ዝያዳ ከምዝፈርዩ ዘብጽሖም፣እንታይ ይሰማምዖም፣እንታይከ ኣይሰማምዖምን፣ መምዩ ሚንስትሪ ሕርሻ ኣስፊሑ ይፈልጦን፣ይመራመረሉን ኢዩ።

ናይ ቤተ ክርስትያን ስርዓት ግን ሰማያውን መንፈሳውን ስርዓት ኢዩ።ስርዓት ማለት እንታይ ማለት ኢዩ፧

1.ስርዓት፣ሰርዐ፣ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝወጸ ኮይኑ፣-

ስርዓት፣ኣካይዳ፣ምምሕዳራዊ ከይዲ ማለት ኢዩ።<< ብሓጥያትናን፣ሕጊ ብምፍራስናን ካባኻ ረሓቕቅና። ጸሎተ ሰለስቱ ደቂቅ 1፣6 ከምዝብል።>>እቶም ፍጡራት ግዙፋን ኢዮም፣እቲ ፈጣሪ ግን ረቂቕ ኢዩ፣እቶም ሓለውቲ ሕጊ ዝረኣዩ ዝጭበጡ ኢዮም፣እቲ ኣዛዚ ግን ረቂቕ ብግዙፋዊ ዓይኒ ዘይረአ ኢዩ።ነገሩ ግን ንኽልቲኦም ዘራኽቦም ረቂቕ መነጸር እምነት ወይ ሃይማኖት ኢዩ።እግዚኣብሄር ንደቁ ደቀይ ኢሉ ዝቕበሎም፣ብእምነት ክጽውዕዎ እንከለዉ ኢዩ።እቶም ግዙፋነ ፍጥረት ደቂ ኣዳም ድማ ንእግዚኣብሄር እንክጽውዕዎ በዛ ረቃቕ መነጸር ማለት ብእምነት ብሃይማኖት ኢዮም ክጽውዕዎ ዘለዎም።ስለዚ ንኽልቲኦም እተራኸብ ረቃቕ እምነት ካብ ኮነት፣ነቲ ካብ ኢድ ፈጣሪ ዝተኣዘዘ ሕጊ ንምትግባር፣ስርዓት ኣድለየ።

2.ነቲ ዝፍጸም  ትእዛዘ እግዚኣብሄር ውጺኢተ ቅድስና ንምርካብ ዝጠቅም መሳለጢ ናይ  ሕጊ ኢዩ።

<< ከመይ መዝሙር ምስጋና ብጥበብ ኢዩ ክዝመር ዘለዎ።ዘሳልጦ ከኣ እግዚኣብሄር ኢዩ።ሲራክ 15፣10>>መዝሙር ምስጋና ንፈጣሪ ክወሃብ እንተኾይኑ፣ብጥበብ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ።እንታይ ዓይነት ጥበብ፣ኣምላኻዊ ጥበብ።መዝሙር ውዳሴ ንፈጣሪ ኢዩ፣ስለዚ መንፈሳዊ ጥበብ ዝተሓወሶ፣መንፈሳዊ ዜማ ዝተቐናበሮ ክኸውን ኣሎዎ።እዚ ናይ መዝሙር ስርዓት ኢዩ።መዝሙር ብጠበንጃ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ፣መዝሙር ብሴፍ ወይ ብጉራደ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ።ንእግዚኣብሄር ዝኸውን መሳርሒ መዝሙር ዋንኡ ሰሪዕሉ ኢዩ።ገሊኦም ስጋውያን ሓጎሶም ንምኽዕባት፣ጠበንጃ ይትኩሱ ኢዮም፣ገሊኦም ድማ ጛይልኦም ንምብርታዕ ሴፍን ጉራደን ሒዞም ይድብሉ ኢዮም።እግዚኣብሄር ግን ንዑኡ ዝተፈለይሉ መሳርሕን፣ንዑኡ ዝኸውን ውቁብ ኣምላኻዊ ጥበብ ጣዕሚ ግጥምን ይደሊ ኢዩ።<< መዝ 150፣3 ብድምጺ መለኸት ኣመስግንዎ።> በለ እምበር ብድላይኩም ገይርኩም ኣመስግንዎ ኣይበለን።ብጠበንጃ ኣይበለን፣ብቤይዝ ጊታር ኣይበለን።ፈልዩ ንዑኡ ዝኾኑ ናይ ምስጋና ስሩዓት መሳርሒ ደኣ ሰርዐ። ብፍላይ ኣብ ቅድስት ቤተክርስትያን ኦርቶዶስ ተዋህዶ ኤርትራ  ፍልይ ዝበለ ኣምላኻዊ ናይ መዝሙር ስርዓት ኣሎና።ካብ መላእክት ዝተረከብናዮ ሰማያዊ ዜማ።እዚ ዜማዚ መንፈሳውን፣ሰማያውን ስርዓት ኢዩ።ለካ ኣብ መዝሙር፣ኣብ ጸሎት፣ኣብ ምህለላ፣ኣብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት፣ ጥበብ ዝተሓወሶ ክኸውን ኣሎዎ፣ይብል ኣሎም መጽሓፍ።ጥበብሰ እግዚኣብሄር ይኢቲ።ጥበብ ዝተበሃለ እግዚኣብሄር ኢዩ።
3.ስርዓት ማለት፣መንፈሳዊ ቅዋም ማለት ኢዩ።

ናይ ዘመንና ፖሎቲከኛታት ኣብ ሃሃገሮም፣ንምምሕዳር ዝጠቕሞም ነናቶም፣መምስ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝማሕደርሉ ቅዋማዊ ስርዓት ኣሎዎም።እቲ ሕጊ ምስ ተሓገገ፣ምስ ቆወመ፣ንትግባሬኡ ዝምልከት ኣኽባሪ ሕጊ ይከታተሎ።ከቑምዎ እንከለዉ ኣብቲ ኣኼባ ናይ ፓርላማ ኢዩ ዝከናወን።ኣብ ቤተክርስትያን ከኣ መንፈሳዊ ፓርላማ ስለዘሎ፣ነቲ ዝተወጠነ መንፈሳዊ ሕጊ፣ማለት ካብቲ መንፈሳዊ ኣቦና ብባህሪኡ ክንድዚ ተባሂሉ ብሕልናን ኣእምሮን ናይ ኩሎም ፍጥረታት ዘይልካዕ ኣምላኽና ዝተወጠነ ሕጊ ናባና ናብ ደቂ ሰባት ስለዝበጸሐ፣ንዑኡ ንምትግባር፣መንፈሳዊ ፓርላማ ይካየድ።እዚ ክለሳዚ በብደረጅኡ ካብ ቅዱስ ሲነዶስ ጀሚሩ፣ክሳብታ ዝተሓተ ምሕደራታት ቅዱሳን ቤተክርስትያናት ዝጥቀማሉ መንፈሳዊ ስርዓት ይዕየ።ዕላምኡ ነቲ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ዝተዋህበ ኣምላኻዊ ሕጊ ንምትግባር ኢዩ።ሰለዚ ንመንፈስ ቅዱስ ወኪል ማለት ኣቦ ወንበር ገይረን፣ስርዓት የቑማ።መንፈስ ቅዱስ ከኣ ነቲ ዝተወጠነ ቅዋም ፈሪሙ የስምሮ።
<<5.ብናቱ መኣዛነቱ ንሃዋርያት በቲ ሰናይ መኣዘኦም ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ ንዘሎ ምሉእ ዓለም ሰናይ መኣዛ ከምዝህልዎም ገበረ። ቀሌሚንጦስ 10፣5>>

ስለዚ ቅድስት ቤተክርስትያን፣ሰማያዊ መኣዛ ናብ ደቃ መታን ክፈስስ፣ደቃን መርዓዊኣን ዝራኸብሉ ስርዓት ክህሉ ግድነት ኮነ።መኣዛ ካብ እግዚኣብሄር ኢዩ ዝርከብ፣ግን ብዘይ ስርዓት ኣይርከብን።እግዚኣብሄር ደቁ ስርዓት ዘየብሎም ስድታት ክኾንሉ ኣይደልን ኢዩ።ኣሽንካይዶ ሰማያዊ ንጉስሲ፣ምድራዊ ንጉስ እንካን ሃገሩን ህዝቡን ብዘይ ስርዓት ክህልዉ ኣይደልን።ብዘይ ስርዓት ዝነብር ህዝቢ፣መዋረዲ መንግስቱን ህዝቡን ስለዝኸውን፣እታ ሃገር በቶም ውርዙያት ትጽረፍ፣እቶም ህዝቢ ድማ በቶም ውርዙያት ህዝቢ ይንቀፉ።ብሰንኪ እቲ ብዘይስርዓት ዝነብር ህዝቢ ድማ እቲ መንግስቲ ይነዓቕ።ስለዚ ሓደ ምድራዊ ንጉስ ህዝቡ ብዘይስርዓት ክነብሩ ኣይደልን።ምኽንያቱ እቲ ቀንዲ ተነቃፊ ንሱ መታን ከይከውን ኢሉ ኢዩ።እሞኸድኣ፣እግዚኣብሄር ሰማያዊ ንጉስ፣ፈጣሪ፣ነቶም ንሱ ዝምግቦም፣ንሱ ዝሕብሕቦም፣ባዕሉ ዝሰርሖምን ዘናብሮም ኣምላኽ ደቁ ብዘይ ስርዓት ክነብሩ እንከለዉ ክንድምንታይ ቅሬታ ዘይስመዖ!!

ብሰንኪ ብዘይስርዓት ምህላዎም ዝህሉ ጠንቂ፣-

1.ኣምላኻውነቱ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ይነዓቕ።<< ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ መዝ 42፣10>> እንዳበሉ እቶም ጸረ ሃይማኖት ከባጭዉ ይጅምሩ።እግዚኣብሄር መዓስ ኢዩ ክጽረፍ ዝጅምር እንተኢልና፣እቶም ደቂ እግዚኣብሄር ስድታት ምስዝኾኑ ኢዩ።ሓደ ብስድነት ዝዓበየ ቆልዓ፣ስዲ ወዲ ሰበይቲ ተባሂሉ ብመዛኑኡን ብከባቢኡን ይነዓቕ።ኣብዚ ዋላ እቶም ወለዱ ቀጺዖም ብሰንኪ ዘይምዕባዮም ንሱ ብዝገበገሮ ቁጽሪ ስድነት ኣብ ነፍስወከፍ እቶም ወለዲ ይንቀፉ።እግዚኣብሄር ድማ እቶም ንዑኡ ዘምልኽዎ፣ መንፈሳዊ ስድነት ዝዓብለሎም እንተኾይኖም፣እቶም ጛኖት ንፈጣሪኦም ክጸርፍዎ ይጅምሩ።እታ ሓቀኛ መንገድን፣ዋና ናይታ ሓቀኛ መንገድ ክጽረፍ ይጅምር።ክርስቶስ ኢየሱስ ብሰንኪ ተቐበልቲ ቀረጽ፣ዓርኪ ተቐበልቲ ቀረጽ ተባህለ፣ብሰንኪ ዘመውቲ ከም እንበዓል ማርያም መግደላዊት፣ዓርኪ ዘመውቲ ተባሂሉ ተናዕቀ።

2.ህዝቢ ኣምላኽ ቅጽዓትን መግረፍትን ካብ እግዚኣብሄር ይፍነዎም።<<ኢየሩሳሌም ብርቱዕ ሓጢኣት ገበረት፡ ስለዚ ኸም ርኽስቲ ዀነት፡ እቶም ዜኽብርዋ ዝነበሩ ዂሎም ዕርቃና ርእዮም ነዐቕዋ። ንሳውን እህህ እናበለት ንድሕሪት ትምለስ ኣላ። ደጉዓ ኤርምያስ 1፣8>> እግዚኣብሄር ደቁ ስርዓት እንዳፍረሱ ስቕ ኢሉ ኣይርእን ኢዩ።ምኽንያቶም ሓጋጊ ስርዓት፣ንሱ ስለዝኾነ።ከምቲ ሓደ ንጉስ ከምዚ ዝገበረ ከምዚ ክፍደዮ ኢዩ ኢሉ ፍርዱ ዝሕንጥጥ፣እግዚኣብሄር ድማ ሓቀኛ ዳኛ ብምኻኑ፣ነቲ ዘጉደለ ወለዶ፣ቀጺዑ ከምዝምለስ ይገብሮ።እቲ ሻሞጥ ኣምላኽ ፈልዩ ክፈልጥ ዝኽእል ሕልና ኣዳልዩ ንደቂ ሰባት ሂብዎም ኢዩ፣ንዝርደኦ  በትሪ እግዚኣብሄር  ንዝበደለ ከይቀጸዐት ከምዘይትሓድg ሕልንኡ ብመንፈሳዊ ዓውታ ይስምዖ ኢዩ።

3.በረኸት ኣልቦ ኣገልግሎት ስለዝኾነ፣ናብ ትውልዲ ክሓልፍ ዝግበኦ መንፈሳውነት ይልሕልሕ ኣማሲኡ ከኣ በኒኑ ይጠፍእ።<<በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ እዮም። ማቴ 7፣2>> ዝብላ ነፍሳት ኣሎዋ።እዘን ነፍሳት እዚኣተን፣ኣጋንንቲ ምውጻእ ጥራይ ደኣለን ዝፈልጣ እምበር፣ከመይ ገይርካ ከምዝውጻእ ስርዓቱ የብለንን።ጎይታትይ ጎይታት ምባል ጥራይ ኢየን ዝፈልጣምበር፣ጎይተአን እንታይ ዓይነት ጎይትነት ኢዩ ዘለዎ ኣይፈልጠኦን።ክንበያ ይኽእላ ኢየን፣ፍቓድ እግዚኣብሄር ግን የብለንን።ኪዱ ኣይፈልጠኩምንን ኢየ ተባሂለን ድማ ይግሰጻ።ስለዚ እዘን ነፍሳት እዚኣተን መንፈሳውያን ኣይኮናን ጥራይ ዘይኮነንስ፣ካብ ወሎዶታተን እዚ መንፈሳውነትዚ ካብ ዝሃጽጽ ነዊሕ ዝገበረ ይመስል።ኣይፈልጠክንን ኢየ ዝብል ተግሳጽ ተሪር ተግሳጽ ተቐበላ።

3.እቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ሕልነኦም ናብ ኣምልኾ ክመጹ እንዳደረኾም፣ብሰንኪ ስርዓት ዘይምህላው ካብቲ ዝነበርዎ መሊሶም ክንድቲ ካብ መንፈሳዊ ርሕቀቶም ኣርሒቖም ክፍንተቱ ይግድዶም። ኣብ ቤተ ክርስትያን ክግልገል ኢሉ ዝመጸ መእመን፣ናብቶም ኣገልገልቲ ገጹ ይጥምትሞ፣ኣካይደኦም ብሓጺር እዋን ይመዝኖ።ንኣብነት፣ኣተሓሕዛ ጸግሮም ከምቶም ዓለማውያን እንተኾይኖም፣ቀልጢፉ ነቲ መንፈሳውነት ክንዕቆን፣ዓለማውነቱ ክናፍቕን ይግድዶ።ሓንቲ ኣብ ዓለማውነት ዝነበረት ጎርዞ፣ኣለባብሳኣ ፈጺሙ ዘይመንፈሳዊ ስለዝነበረት፣ቤተክርስትያን ፍሉይ ገይራ ኢያ ትቐርጾ፣እተን መሓዙታ ኣለባብሰአን ከምቲ ንሳ ትለብሶ ዓይነት ኣለባብሳ ኣይኮነትን ትጽበየን።ናብ ቤተክርስትያን መጽኢኣ ካብቲ ንሳ ዝነበረትሉ ስርዓተ ኣለባብሳ ዘይሓይሽ ገይረን እንተጸኒሐንኣ ግን ካብቲ ዝነበረቶ ደልሃመት እንደገና ደልሃመት ክትውስኸሉ ትግደድ።

4.ዓለማውን መንፈሳውን ስርዓት ይተሓዋወሶም እሞ፣ነቲ መንፈሳዊ ምስቲ ኣብ ደገ ዝተማህርዎ ዓለማውነት ክሕውስዎ ድንዕ ድንዕ ከምዝብሉ ይኸውን።ምኽንያቱ መንፈሳዊ ስርዓት ካልእ ኢዩ፣ስጋዊ ስርዓት ከኣ በይኑ ኢዩ።ስርዓተ ቤተክርስትያን ምስዘይህሉ ግን ዓለምና ብስርዓት ዝቖመት ስለዝኾነት፣ነቲ ናይ ዓለም ስርዓት ኣብ ቤተክርስትያን ንኽሰርጽ ግዜ ኣይወስደሉን። ናይ ቆሮንጦስ ቤተክርስትያን ብሞዶሻዊ ቃል ናይ ቅዱስ ጳውሎስ፣ምስተሰረተት መንፈሳዊ ስርዓት ተገይርላ መርዓት እግዚኣብሄር ምስ ኮነት ስርዓታ ክፈርስ ስለዝጀመረ፣እቶም ዓለማውያን ናብታ ቤተክርስትያን ኣቲዮም ስርዓቶም ከስርጹ ጀመሩ።<<እምብኣርከ ንነገር እዛ ዓለም እዚኣ ዚፍረድ እንተ ኣሎኩም፡ ነቶም ንዑቓት ኣብ ማሕበርዶ ፈረዲ ትገብርዎም ኢኹም፧1ቆሮ6፣4>>ቤተክርስትያን ስርዓት እንተዘየብላ፣ዓለማዊ ስርዓት ኢዩ ዝትከኣ። ካልእ ብዙሕ ብዙሕ መንፈሳዊ ጠንቂ ክስዕቡ ይኽእሉ ኢዮም።
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር፣
2ይ ክፋል ይቕጽል።

onsdag 19. juli 2017

ምስክርነት ናይ ቅዱሳን መላእክትን፡ልቕሶ ኣጋንንትን፡-

ብስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።

           ምስክርነት ኣጋንንቲ፡-

" ብእዝነይ ብርቱዕ ድምጺ ይሰምዕ ኣሎኹ፡ቅድሚ ነዊሕ እዋን ዝፈልጦ ዝጥዕመኒ ድምጺ ኢዩ።ኣብ ዘመነ ስልጣንነትና ' ንስኻ ኣምላኽ ኣይኮንካን፡ከማና ፍጡር እምበር  ከመይ ኢልካ ፈጣሪኹም ኢየ ትብለና'! ኢሉ ካብ ዝተቓወመና ዝመስል ድምጺ ሕጂውን ኩሉ ግዜ ንሰምዖ ኣሎና።ሰባት ስሙ እንክጽውዑ ሕልናና ይርበሽ፡ንሰባት ከነናውጽ ዝሓሰብናዮ፡እዚ ስምዚ ክጽዋዕ እንከሎ፡ምላልባሽ ውን ስም ፈጣሪ ኣብኡ ከይህሉ ኢኻ ትፈርህ።ውሽጥና ብሕፍረት ይምላእ፡ዕላማና ፈርከሽ ከሽ ይብል።ህዝቢ ክርስትያን ነዚ ድምጺዚ ዓው ኢሎም ከስምዑና እንከለዉ፡ዓቕልና ኢዩ ዝጸበና።
ሓያል ሴፍ ተመሊሑ ንርኢ ኣሎና፡ነቶም ንስለ ፈጣሪና ኢሎም ክሳብ ስግኦምን፡ነፍሶምን ዝፈላለያ ኣብ ሃይማኖቶም ዝጸንዑ ሰባት ንሕና ናብ ሲኦል ዓድና ክንወስዶም ንደሊሞ፡እዚ ሴፍዚ ምሕላፍ ይኸልኣና።ከምዝመስለና ሓላፊና ርኹስ ሳጥናኤል ሊቀ ኣጋንንቲ፡ነዚ ሴፍ መዚዙ ንህዝቢ ፈጣሪ ዝሕሉ ዘሎ ሚካኤል ብስልጣን ይበልጾ ከምዝነበረ ወትሩ ኣብ ሲኦል ኮይንና ንመሃሮ ትምህርቲ ኢዩ።እንተኾነ ሓንሳብ ልብና ስለዘንቀለ፡ነዚ ብዓል ዝናር፡ስም ፈጣሪ ዝተዋህበ፡ብዓል ሽዱሽተ ክንፊ፡ንደቂ ክርስቶስ ፈጣን ረዳኢ ዝኾነ ሚካኤል ክንጻረሮ እካ እንተዘይከኣልና፡ነቶም ንሱ ዘፍቅሮም ደቂ ኣምላኹ ግን ኩሉ ግዜ ከነስሕት ተዳሊና ኣሎና።ንሱን ኩሎም፡ሰዓብቱ መላእክትን ናይ ሓደ ብንስሓ ዝኣቱ ሰብ ዓቢ ናይ መርዓ ሓጎሰ ደስታ ኣብ ሰማያት ይገብሩ።ንሕና ድማ ሓደ ሰብ ብንስሓ ናብ ፈጣሪኡ ናብ እግዚኣብሄር እንተተመሊሱ፡ኣብ ሲኦል ናይ አውያትን ሓዘንን ዝኾውን ልቕሶ ነካይድ ኢና።ምኽንያቱ ብሓጥያት ኣታሊልና፡ ናይ ሲኦል ዜጋ ገይርናዮ ከነብቅዕ፡ዜግነቱ ብንስሓ ሓኺኹ ልዕሌና ክበጽሕ እረ ሰማያዊ ዜጋ ክለብስ እንከሎ ከመይ ዘይንጉሂ!
ንጥበብና ዝፍርሽሕ ክንሕይሎ ዘይንኽእል ኩሉ ግዜ ጥበብ ዝኾነ ጸሎት ንሰምዕ ኣሎና።እዚ ጸሎት እዚ ነቶም ብንጽህና ንዓና ንኣጋንንቲ ንምቅዋም ተባሂሉ ናብ እግዚኣብሔር ዝዓርግ ጸሎት ኢዩ።ንሕና ብጥበና ነዚ ጸሎትዚ ናብ ተቐባሊኡ ናብ እግዚኣብሔር ንኸይበጽሕ ብዙሕ ጻዕርታት ንገብር ኢና።እዚ ሚካኤል ዝብሃል መልኣኽ ግን ነዚ ጸሎትዚ ካብዞም ሰባት መንዚዑ፡ብፍጥነት ናብ ኣምላኾም ይወስዶ፡፡ኣምሳዩኡ ድማ እንተድኣ' ኦ እግዚኣብሔር ንሓይሊ ኣጋንንቲ እሰረልና፡ካባና ኣርሕቐልና፥' ዝብል ነይሩ፡እዚ ጸሎትዚ ንዓና፡ዝቃወም ስለዝኾነ፡ንኸይበጽሕ ብዙሕ ዕንቅፋታት ንገብርሞ፡ሚካኤል ዝብሃል መላእኽ ግን፡እንታእዋኑ ነቲ ጸሎት ናብ ዋንኡ ኣብጺሑ ብቐጥታ መልሲ ሒዙ ይመጽእ።ንሕና ድማ ሓይልና ይልሕልሕ፡ጥበብና ፋሕ ይብለና።(ራእ5፥8 ዘካ3፥7)
ሓደ ግዜ ንባህራን ዝበሃል፡መንእሰይ ብብዙሕ ተንኮል ኣሊምና ናይዚ ሚካኤል ዝብሃል ቃል ንኽንዓጽፍ ውዲታት ኣሊምና ነበርና፡እንተኾነ፡ንሚካኤል ክንክእሎ ኣይከኣልናን።በቲ ኢልካ በቲ ግን ኣንቱም ደቂ ሰባት ክሳብ ሚካኤል ንምጽኣተ ክርስቶስ ንምፍጻም፡ቀዳማይ ካልኣይ፡ሳልሳይ መለኸታት ዝነፍሕ፡ንዓኹም ካብ ምስንኻል ዓዲ ኣይክንውዕልን ኢና።ዕላማና ኣብ ሲኦል ዘሎ መንግስትና ንኸስፋሕፍሕ ኢዩሞ፡ገና ኣብ ርእስኹም ኣሎና።ማሕተምና ሒዝኩም፡ናትና  ኣባላት እንተዘይገይርናኩም፡ናትና ቪዛ ማለት ናይ ሲኦል ቪዛ ብጥበብና፡ክሳብ ዘይሃብናኩም ኣይክንድቅስን ኢና።"

ምስክርነት ቅዱሳን መልኣኽቲ፥-


" ኣንቱም ደቂ ሰባት ደስ ይበልኩም፡ክትጽልዩ ከለኹም፡ክተመስግኑ፡ክትነጽሁ፡ካብ ርኽሰት ክትሕለዉ፡ንኣምላኽኩም ከተኽብሩን፡ከተምልኹን ከለኹም ዝስመዓና ደስታ ወሰን የብሉን።ኣጋንንቲ ኩሉ ግዜ መጻርርቲ ኣምላኽና ኢዮም፡ኣማሕደርቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ንምኻን ስለዝተመነዩ ኢዮም ናብ ሲኦም ዝተደርበዩ፡ናብ ሲኦል ንኽድርበዩ ናይ ኣዛዝነት ሰራዊት ስልጣን ዝተዋህቦ ንቅዱስ ሚካኤል ኢዩ፡ምስ ሰራዊቱ ድማ ብትእምርተ መስቀል ተዋግኦም፡ዝነበሮም ስፍራ ከኣ ከምዘይነበሩ ኮኑ፡(ራእ12፥7-8 ቀሌ1፥17-18 ) ። ሕጂውን ንሕና ምስ ሓለቓና ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ጎንኹም ኣሎና፡ብልክዕ ብፍጥረትነትኩም ካባና ትደኽሙ፡ካባና ትንእሱ፡ፍልጠትኩም ካባና ይውሕድ፡ነገድኩም ሓደ ነገድ ጥራይ ብምኻንኩም ካባና ትውሕዱ፡ግን ኣጆኹም፡ ኣብ ሃይማኖትኩም ጽንዑ፡ ብምግባርን ብእምነትን ተሓለዉ እምበር፡ኣብ ድካምኩም ከነበርትዓኩም ኢና፡ካብ ውድቀትኩም ከተንስኣኩም ኢና፡ንውሑድ ፍልጠትረተ ነገድኩም ድማ ከነስፍሖ ኢና። ሰብ ክሳብ ሓደን ምሉእን ቅዱስን ነገድ ዝኣክል ንቕድስናኹም ክንሕሉ ወትሩ ኣብ ጎንኹም ኣሎና።እግዚኣብሄር ነዚ ናይ ምድሓን ስራሕ እዚ ንኽንገብር ኣዚዙ ኢዩ።ከምቲ ሓለቓና ቅዱስ ሚካኤል፡ንባህራን ክሳብ ፍጻመ ምስኡ ኮይኑ ካብ ውዲት ናይ ሞት ኣውጺኡ ናብ ንግስነት ዘሳጋገሮ፡ ከምኡ'ውን ንሃዋርያ ጴጥሮስ ካብ ማእሰርቲ ዘውጽኦ፡ ንህዝቢ እስራኤል መሪሑ ናብ ክንኣን ዘእተዎም፡እወ ኣጆኹም ክሳብ እታ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ናይ ኣዋጅ ድምጺ መለኸት ዘስምዓላ ግዜ እትኣክል፡ንሕና'ውን  ንዓኹም ካብ ምሕጋዝ ኣይክንሕለልን ኢና።( መዝ34፥7,,,እብ1፥14)
ነቶም ዝቃወምኹም ረቀቕቲ ኣጋንንቲ ንሕና ከነባርሮም ቁሩባት ኢና፡ጥራይ ንስኹም ንኣምላኽኩም ጸውዕዎ።ኣምላኽኩም ኣብ ትጽውዕሉ፡ናትና ሓገዝ ኣብ ትሓትሉ ከም ቃሕሰብ ኣብ ጎንኹም ኣሎና።(መዝ35፣5)ፈጣንነትና ቃሕ ሰም፡ ካብ ኤለክትሪክ ይቕልጥፍ፡ፍልጠትና ድማ ካብ ሰብ ሰርሖ masmedia ይረቅቕ።"
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።
በረኸቱ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ይኽፈለና፡

onsdag 12. juli 2017

በስመ ስላሴ ይርሐቁ ሓጣውእ እምንየ ወእምነ ኩልነ።


መብዛሕትና፡ደረፍቲ ኢና፡መብዛሕትና ሰተይቲ ሽጋራ ኢና፡መብዛሕትና ጫት እንቑሑም ኢና፡መብዛሕትና ሰኽራማት ኢና፡መብዛሕትና ሓመይቲ ኢና፡መብዛሕትና ተባኣስቲ ኢና፡መብዛሕትና ዘማውያን ኢና።ሰይጣን እንዳተጻወተልና ኢዩ።
ንመብዛሕትና ሰይጣን ኣሽካዕለል እንዳተጻወትውልና ኢዩ።ንመብዛሕትና ሰይጣን ኣታሊሉ ደቂ መዛሙርቱ ገይርና ኢዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰይጣን ብከቢድ ነገር ኣሰኒፍና ዘሎ ብደርፊ ኢዩ።መብዛሕትና ኣብ birthday እንተዘይተደሪፉ birthday ኮይኑ ኣይስመዓናን ኢዩ፡መብዛሕትና ኣብ መርዓ እንተዘይተደሪፉ መርዓ ኮይኑ ኣይስመዓናን፡መብዛሕትና ኣብ ግዜ ሓጎስ እንተዘይተደሪፉ ሓጎስ ኣይመስለናን።መብዛሕትና ኣብ ምርቓና ደርፊ እንተዘይተደሪፍልና ምርቓ ኮይኑ ኣይስመዓናን።ሰይጣን እንዳተጻወተልና ኢዩ።ክትዝምር ዝግባኣ ልሳንና እንክትደርፍ ከመይ ዘየጉህየካ፡ንኣምላኻ ብመዝሙር ከተሕጉሶ ዝግበኣ ልሳን ንሰይጣን ብደርዲ ከተኽብሮ እንከላ ከመይ እግዚኣብሄር ዘይጉሂ፧ቅዱስ ምስጋናን ውዳሴን ክትሰምዕ ዝግበአን የእዛን ርኹስ ነገር ክሰምዓ እንከለዋኸ ከመይ ዋናአን ዘይጉሂ !!!
ምላልባሽ ኣነ ሰሚዐምበር መዓስ ደሪፈ ትብል ትኾውን።ሌባን ተሓባባሪ ሌባን ግን ክልቲኦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓሚጾም ኢዮም።ክልቲኦም ሊታያቡ ኢዮም።ኣብ ናይ ክርስቶስ ስቕለት እቶም ብመስማር ዝሸንከርዎ ሮማውያን ወተሃደራት ውሕዳት ኢዮም፡እቶም ተሓባበርቶም ግን መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ኢዮም.አብዛሕትኦም እካ ብመስማር ንኽስምርዎ ዕድል እንተዘይረኸቡ፡ ብዘልዎም ሓይሊ ግን ክስቀል ከም ከምዘለዎ ደገፎም ኣስሚዕም ኢዮም። ስለዚ እቶም ብመስማር ዝሰመርዎን፡ይሰቐል ይሰቐል ኢሎም ዝወጨጩን ኣብ ክልቲኦም እግዚኣብሄር ሓዚኑ ኢዩ።ዝተንጠልጠለ ቅጽትን ድማ ኣሎዎም።
ስለዚ ንሕና ተሓባበርቲ ደራፎ እንተዘይንኸውን እቶም ደረፍቲ ኣይምደረፉን፡ንሕና ካሴቶም ምግዛእ እንተንሓድግ ንሳቶም ኣይምሓተሙን፡ንሕና ኣብቲ ዝዕድሙና ኣዳራሽ night ተዘይንኸድ ንሳቶም ወረቐት ዘርጊሖም ኣይምዓደሙናን።ደርፎም እንተዘንገድፍ ንሳቶም ኣይምደረፉን።እቶም ሰማዕቲ ደርፍን ደራፎን፡እቶም ደገፍቲ ደርፍን ደራፎን ኩላቶም ንእግዚኣብሄር ኣጊሆሞ ኢዮም።ብንስሓ እንተዘይተመሊስና፡ዋላ ንሕና ንንሓፍ ንምሓር ኣይኮንናን።ንሳቶም ብምድራፎም ንሕና ብምድናቕናን ብምድጋፍናን እግዚኣብሄር ኣይክምሕረናን ኢዩ።
ንሕና ንግጥምታቶም ተዘይነድንቕ እቶም ገጠምቲ ነቶም ደራፎ ግጥሚ ኣይምጽሓፉሎምን፡ንሕና ምላልባሽ ኣብ ስትድዮ ኣቲና ኣይደረፍናን ንኸውን፡ማይክሮፎን ሒዝና ኣብ ስተጅ ኣይደረፍናን ንክውን።እንተድኣ ሰሚዕናዮን ኣድኒቕናዮን ግን ተሓተቲ ኢና።ደርፊ ንሰይጣን ከም መስዋእቲ ዕጣን ዝወሃብ ሓጥያት ኢዩ፡እዚ ጥራይውን ኣይኮነን፡እቶም ኣብቲ ደርፊ ዝሳተፉ ድማ ኩላቶም ምስቲ መስዋእቲ እንዳሓበሩ ኢዮም።ደራፊ ብከናፍሩ፡ንሕና ሰማዕቲ ድማ ብየእዛንና ንፈጣሪና ኣግሀናዮ።ደርፊ ብጥበባዊ ድምጹ፡ንሕና ድማ ብጥበባዊ ሳዕሲዕትና ንእግዚኣብሄር በደልናዮ።ንሱ እንክድብል ንሕና እንክንዘልል፡ንሱ ጅም ጅም ጅም እንክብል ንሕና እስክትስም እንክንብል ሰይጣን ከበረ፡ንእግዚኣብሄር ድማ ካብ ልብና ሰጎግናዮ።ልሳንናን የእዛንናን ግን ፈጣሪና ኣብ መስቀል ብደሙ ዓዲግወን ኢዩ።ኩሉ ሰብነትና ናይ ዋናአን ናይ እግዚኣብሄር ኢየን፡ንሱ ብሓደራ ቅድስናዊ ዕዮ መታን ክንዓየለን ሂብና ከብቅዕ፡ንሕና ግን ብድፍረት የሕሊፍና ንሰይጣን ሂብናዮ።
ስለቃላቱ እግዚኣብሄር ዝተመስገነ ይኹን።መብዛሕትና እዚ ዝተባህለ ጸላዕላዕ ክብለና ይኽእል ኢዩ።ግን ልብና ንንስሓ መታን ክቕረብ እምበር፡ ንሓደ ክነቅፍ፡ኣነ ግን ጻድቕ ኮይነ ዘቕረብክዎ ጽሑፍ ኣይኮነን።ኣብዚ ካ ዝተገልጹ ሓጣውእ ዘይተንከፈኒ ሰብ ኣይኮንኩን።ንኩላትና እግዚኣብሄር ክንጠፍእ ኣይደልን ኢዩሞ ናብ ናይ ምሕረቱ ኣደባባይ ንኺድ።

tirsdag 4. juli 2017

ትምቢታት ተመልከቱ፣-

ብስመ ስላሴ ይቀጥቀጥ ከይሲ
እቲ ገፋዒ ኣዝዩ ይግፋዕ፡ እቲ ርኹስ ኣዝዩ ይርከስ፡ እቲ ጻድቕ ኣዝዩ ጽድቂ ይግበር፡ እቲ ቅዱስውን ኣዝዩ ይቀደስ፡ በለኒ።(ራእይ 22፣11)
ቀለሜንጦስ 6፣82-83 ውሉድ ንወለዶም ክጸልኡ ንሽማግለታት ድማ ክዝልፉ ኢዮም ነቶም ዝጻረፉዎም ድማ ነቶም ሃይማኖተኛታት ኢዩ። ክጻረፍዎም እንከለዉ ሕፍረትን ፍርሓትን ኣይስምዖምን፣ ውሉድ ንወላዲኡ ወላዲኡውን ንውሉዱ ብዘይፍርሓት ክቃታተሉ ኢዮም።83.እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ንኣብያተክርስትያናት ክብርብሩ ኢዮም፣ ብወርቅን ብሩርን ዝተሰርሐ ንብረትውን ክወስዱ ኢዮም ብናሕስ ንዝተሃነጹ ኣብያተክርስትያናት ከፍርሱ ንመሰረታቶም ድማ ክነቕልዎ ኢዮም ፣ነቶም ንዓይ ንዝኣምኑ መእምናን ድማ ኣፋቶምን ኣእዛኖምን የእዳዎምን ኣእጋሮምን ክቖርጽዎም ፣በዚ ዝረኸሰ ተግባር ንናይ ብዙሓት ነፍሳት ንምጥፋእ ዝተሰለፉ ክኾኑ ኢዮም ምሕረትን ርህራሄን ኣብኣቶም ፈጺሙ የለን ብሰንኪ መዓቶም ሃገራት ከጥፍኡ ኢዮም።
2ጴጥሮስ 3፣3-4 ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ፍትወት ርእሶም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹ፡ ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ። ንሳቶም ከኣ፡ ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ አሎ ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝደቀሱላ መዓልቲ፡ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ኵሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ፡ ኪብሉ እዮም።
2ጢሞጢዎስ 3፣1-7 ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ፡ እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየማስዉ፡ ርኹሳት፡ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም፡ ተቐየምቲ፡ ሓመይቲ፡ ቀለልቲ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ህዉኻት፡ ተፈኽነንቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ፡ እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ ናብ ኣባይቲ ህሩጕ እናበሉ፡ ሓጢኣት ዝመልኤንን ብብዙሕ ትምኒት ዚድፍኣን፡ ኵሉ ሳዕ ዚምሃራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን ኣንስቲ ዚማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ።
ይሁዳ 1,፣10-13 እዚኣቶም ግና ነቲ ዘይፈልጥዎ ይጸርፍዎ፡ በቲ ብባህርዮም ከምቶም ኣእምሮ ዜብሎም እንስሳታት ገይሮም ዚፈልጥዎ ብእኡ ነታ ርእሶም የጥፍእዋ አለዉ። ብመገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፡ ምእንቲ ዓስቢ ብስሕተት ባላዓም ጸደፉ፡ ብዕልወት ቆራ ኸኣ ጠፊኦም እዮም እሞ፡ ወይለኦም። እዚኣቶም ብዘይ ፍርሃት ምሳኻትኩም እናበልዑ ንርእሶም ዚጓስዩ፡ ኣብቲ ናይ ፍቕሪ መኣድኹም ጻያቒቶ እዮም፡ ንፋስ ንየው ነጀው ዚደፍኦ፡ ማይ ዜብሉ ደበና፡ ዘይፈርያ፡ ክልተ ሳዕ ዝሞታ፡ ካብ ሱረን እተመንቈሳ ኣእዋም ሓጋይ፡ ነቲ ነውሪ ርእሶም ዜዕፍርዎ ብርቱዓት ማዕበል ባሕሪ፡ ብርግርግ ዚብሉ ኸዋኽብቲ እዮም፡ ነዚኣቶም ግብ ዝበለ ጸልማት ንዘለኣለም ተዐቝሩሎም አሎ።
ራእይ ዮሐንስ 13፣5-8 ቃል ትዕቢትን ጸርፍን ዚዛረብ ኣፍ ተዋህቦ፡ በርብዓን ክልተን ወርሒ ግብሩ ኺገብርውን ምልኪ ተዋህቦ።ንምጽራፍ ኣምላኽን ንስሙን ንማሕደሩን ነቶም ኣብ ሰማይ ዚነብሩውን ኪጸርፎም ኣፉ ኸፈተ። ምስቶም ቅዱሳት ውግእ ኪገብርን ኪስዕሮምን ከኣ ተዋህቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ዓሌታትን ህዝብን ቋንቋታትን ኣህዛብን ድማ ምልኪ ተዋህቦ።እቶም፡ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ስሞም ኣብቲ ናይቲ እተሐርደ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅላቶም ኪሰግዱሉ እዮም
ይሁዳ 1፣20-23 ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሀነጽኩም፡ ብመንፈስ ቅዱስውን እናጸሌኹም፡ ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹምሲ፡ ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሐልውዋ።ንገሊኦም፡ ነቶም ዚጣራጠሩ፡ ኣረድእዎም። ንገሊኦም ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣናግፍዎም፡ ንገሊኦም ድማ፡ ነቲ ብስጋ ዝረኸሰ ኽዳን እኳ እናጸላእኩም፡ ብፍርሃት ደንግጹሎም

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...