lørdag 24. august 2019

ደረቐኛ ትውልዲ ብኸመይ ይፈሪ፧

በስመ ስላሴ ይቀጥቀጥ ከይሴ!



ናይ'ዞም ደረቐኛታት ትውልዲ ቀንዲ ምኽንያታዊ ምጭጫሖም፡ ሓደ ኣምስሉ ሰብ ዓብን ቀንድን መምህሮም'ዩ።

ንዝርዝርን ሜላን ትምህርቱ ዝምልከት፥-

√ "ተባዓት ኩኑ!" ኢሉ ዝምህር ንሱ ግን ብፍርሕን ስጋዊ ጥቕማ-ጥቕምን ቤቱ ገዲፉ ኣብ ስደት ተሸጊጡ ይነበር፡፡

√ "ከቢድ ጽዕነት ተሰከሙ!" ኢሉ ዝእውጅ፡ ንሱ ግን ብጫፍ ኣጻብዑ ክትንክፍ ዘይፈቱ፡

√ "ሞትን ማእሰርትን ፈሪሑ ዝሃደመ፡ ንኻልኦት ግን ሰማእትነት "ተዘይከፈልኩም!" ኢሉ ጥሩምባ ዝነፍሕ፡

√ ብጣዕምታት ዓለምን ፍትወታን ዝዘቕበበ ክንሱ፡ ነቶም መናንያንን ዓለም ዝነዓቑን ንጹሓን ደናግል ግን፡  ኣብርእሲ'ቲ ንዓለም ብምምናን ዝኸፈልዎ ዓቢ መንፈሳዊ ዋጋ፡ ከም ኢምንት ብምቕጻር "እዚ ምናኔ'ዚ ኣኻሊ ኣይኮነን፡ ውሒዱ ኣሎ፡ ክትስየፉ፡ ክትእሰሩ ኣለኩም" ብምባል ነታ ንሱ ፈሪሑ ዝሃደመላ ጾር ከሰክሞም ይህቅን፡

√ ኣይኮነን ምሉእ ለይትስ፡ ነዛ ሓንቲ ሰዓት እካ ነቒሑ ክጽሊ ዓቕሚ ዘየብሉ ክንሱ፡ ምስቶም ምሉእ ለይትን ምሉእ ረፍድን ብጸሎተ-ማህሌትን ቅዳሴን  ነብሶም ምስ ፈጣሪኦም ከራኽቡ ዝሓደሩ ኣካላት፡ "እዚ ምግባርኩም ኣኻሊ ኣይኮነን፡ ውሒዱ'ሎ፡ ወስኹ፡ ወስኹ ወስኹ!" እንዳለ ነቲ ዝጸለይዎ ከይተረፈ ዘቃሽሽ።

 √ እረ እናሓንሳእሲ፡ ማህሌት ኣብ ዝግበረሉ ግዜ፡ ምስቶም ማህሌት ዝቖሙ ሰብ ጸሎት ከይቆውም፡ ናይ ባዕሉ ካልእ ማህሌት ይፈጥር። ማለት ከም'ቶም ድኻምን ድቃስን ዝጸቐጦም ሰባት "ደኺመ" ኢሉ ከም ሰቡ ናብ መደቀሲኡ ከይዕዘርሲ፡ በቲ ሓደ ኣንጎሎ ጉጅለ ፈጢሩ ምሉእ ለይቲ ጉጅም ክብልን ክሓምን ይሓድር።

√ ቦትኡን ደረጅኡን ረሲዑ፡ ደረጃን ልዕልናን ካልኦት ንምውራስ፡ ፈላጥን ሊቕን መሲሉ ንኽረአ ልዕሊ ዓቐን ይህቅን።

√ ዕለታዊ ኣብ መስኮት ሜድያታት፡ ተተቐልቂሉ ዓብላልን ተሰማዕን ኮይኑ ክረአ ይደሊ።

√ ነታ ብኣዝዮም ውሑዳት፡ እረ በኣጻብዕ ዝቑጸሩ ትሑታት ሰባት ዝሰረትዋ ቅድስት ቤት ኣምላኽ፡ ከቢድ ጻዕርን መንፈሳዊ ተወፋይነትን ዝኸፈሉላ ቤተክርስትያን፡ ኣብ ክንዲ ሕጂ መጺኡ፡ በቲ ዝረኸቦ ክፉት ናይ ኣምልኾ ዕድላት ኣመስጊኑ፡ ንዓኣ ንምዕባይ ዓቕሙ ዝፈቐዶ እጃሙ ዘበርክት፡ ክብሪ ገዛእ ርእሱ ከርኢ ብምባልን ስሙ ንኸጸውዕን ከም ሕሱም ጎረቤት፡ ኣብ ጥቓ'ዛ ዝጸነሐቶ ቤት ኣምላኽ፡ ካልእ ናይ ገዛእ ርእሱ ክብሪ እተንጸባርቕ ማሕበር ክስርት ሓርኮትኮት ይብል።

√ እረ እነ ገሊኡስ፡ "ንስኹም ምስወዳእኩም ብድሕሬኹም ኣብዛ ቤተክርስትያን፡ ናትና ናይ በይንና ፕሮግራም ክንሰርዕ ፍቐዱልና!" ክሳብ ምባል ይደናደን፡ ብድፍረት ይወሓጥ!!

ወዘተ. ወዘተ. ወዘተ! መልእዎ፡ ካልእ  ብዙሕ ብዙሕ ክጥቀስ ይከኣል'ዩ!

እቶም ኣብ ትሕቲ ወንበረ-ደረቀኛታት ኮፍ ኢሎም ዝመሃሩ መንፈሳውያን ሰባት ድማ፡ 10 ዕጫታት የጋጥሞም። ልዕሊኡ'ውን ክኸውን ይኽእል'ዩ።

1. ልብኻ ካብ ንስሓን መንፈሳውነትን ርሒቕካ፡ ኣገልጋሊ ቤተክርስትያን ምንባርካ ተረሲዑ፡ ናይ facebook ኣገልጋሊ ኬንካ ምትራፍ።

2. ዕለታዊ ሓጢኣትካ ብምዝካር፡ ብፍርሕን ምንቅጥቃጥን ንኽትረግጻ ትብዓት ትስእን ዝነበርካ ቤተ እግዚኣብሔር፡ ትምህርቲ ደረቐኛታት ምስ ሰነቕካ ግን፡ ኣብ'ቲ ቅዱስ ስጋኡን ክቡር ደሙን ዝፍተተሉ ቅዱስ ስፍራ፡ ካብ  ኣራግጻኻ ክሳብ ኮፍ ኣበሃህላኻ ጠገለ ዘየብሉ ይኸውን፡፡ ቅድሚት ኮፍ ምባል ኣዝዩ ዝኸብደካን ዘፍርሃካን ዝነበረ፡ ሕጂ ግን ብድፍረት፡ ክሳብ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣቲኻ ነቲ ቀዳሲ ካህን'ውን ከይተረፈ ኣዒይትኻ ከተፍጥጠሉን ኢድካ ከተዋጣውጠሉን ከም እትደሊ ትኸውን።

3. እቲ "ቦ ዘኣስታሕቀረ ዝንቱ ቃለ ቀሲስ፡ ኣው ዘሰሓቀ...!" ዝብል ከቢድ መንፈሳዊ መጠንቀቕታት ናይ ድያቆን ንዓኻ ግን ከምዘይምልከተካ ገይርካ ከምእትሓስቦ ትኸውን።

4. ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ድምጺ ኣልቦ መንፈሳዊ ኣራግጻኻ ተረሲዑ፡ ሕጅስ ከምኡ ገይርካ እካ ኣብ ጽርግያ ኣይትዘልልን፡፡ ካብዝን ናብትን ዲግ ዲግ ክትብል ክሳብ ክንድዚ ንቤት ኣምላኽ ከምእትንዕቖን ተቃልሎን ትኸውን!

5. ኣዛራርባኻ፡ ዘለፋን ምውጥዋጥ ኣእዳን ዝዓብለሎ ይኸውን። ኣብ ልዕሊ ንጹሓን ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር፡ ዝነበረካ ሕፍረትን ትሕትናን ፈጺሙ ይርሳዕ።

6. ኣብ ክንዲ ከም'ቲ ቅድም ኣብ ምጅማር መንፈሳውነትካ፡ ዝነበርካዮን ንኣገልገልቲ እግዚኣብሔር እትህቦም ዝነበርካ ክብርን መመሊስካ ተማዕብሎስ፡ ንሱ ኣሻቡ ተረሲዑ፡ ሰብ ምኻኖም እንካን ፈጺምካ ትዝንግዖ፡፡ መራሕትኻ ብምኻኖም'ውን ጭምር ልዑል ትሕትናኻን ኣኽብሮትካን ተርእዮም ዝነበርካ ተዘንጊዑ፡ ከም ሓደ ምንኣስካ ንእሽቶ ሕንጣይ ቆልዓ ብምሕሳብ ክትዳፈሮምን ክትዝልፎምን ከምዝቐለልካ ትኸውን።

7.እረ እናሓንሳእ ሓንሳእሲ፡ እቲ ከም ሰብ ጥራይ እካ ክቡራት ምኻኖም ተዘንጊዑ፣ ክብርታት ሰብኣውነቶም ጨሪሱ ካብ ልብኻ ተሓኺኹ፡ ትሕቲ ሰብ ሰሪዕካ፡ ኣብ ፌስቡክን ዩትዩብን ብዘይፍቓዶም ስእልታቶምን ድምጾምን ብምልጣፍ፡ ጽርስፍ ውዒልካዮም ከይኣክል፡ ንጸራፊ ኣሕሊፍካ ክትህቦም ከምትውዕል ትኸውን።

8. ኣብ ሕጊ ዓለም፡ ስእልን ምስልን ናይ ሓደ ሰብ፣ ብዘይፍቓዱ ክትዝርግሖ ምስትርከብ ኣዝዩ ከቢድ ዝኾነ ቅጽዓት ኢዩ ዘምጽእ። መንፈሳውያን ሰባት ግን መንፈሳዊ ትዕግስቲ ገይሮም ስቕ እንተበሉልካ፡ ዝፈርሑኻ፡ ነቲ ትብትኖ ዘለኻ ድፍረት'ውን ዘድነቑልካ ክሳብ ዝመስለካ ቸይ-ቸይ ከምእትብል ትኸውን።

9. ንስኻ ንባዕልኻ ጥራይ ካብ ቅድስና ምህዳምካ ከይኣክልሲ፡ ካልኦት ከማኻ ንካህናት ዝጽየፉ፡ ንስሓ ዝሕሰሙ፡ ቅዱስ ቁርባን ጨሪሶም ዘቃርጹ፡ ምስ ፈጣሪኦም ዘለዎም ርክብ ጸሎት ይኹን ካልኦት መንፈሳውያን ግብራት ፈጺሞም ዝርስዑ ኣካላት ከምተፍሪ ትኸውን።

10. ልብኻ መሕደሪ እግዚኣብሔርን ቅድስና ዝዋህለሎን መንፈሳዊ ጎጆ ዝነበረት ተረሲዑ፡ ንሓጢኣትን ድርቅናን ምችእቲ ክትገብራ ትደራደር።

ከም'ዚ ዓይነት ብዝሒ ትውልዲ ኣብ ዘመንና ብብርቱዕ ናህሪ ይውስኽ ኣሎ።

ኣብ ቅዱሳን ናይ ትንቢት መጽሓፍቲ፡-

"በቲ ግዜ'ቲ ወረ ንምስማዕ፡ ነገር ንምርኣይ ናብ`ዝን ናብትን ቀልባዕባዕ ክብሉ ኢዮም።
( ፍካሬ-ኢየሱስ ገጽ 29)

"ዓመት ዝገበሩ ቆልዑ ክዛረቡ ክጅምሩ ኢዮም...። (2ይ እዝራ 6፥21)

"በቲ ግዜ'ቲ ኣብ ማኅፀን ኣዴኦም ከለዉ ዝንቅዉ ኣኽላባት ክውለዱ ኢዮም፡፡ ኣኽላባት ዝተባህሉ፡ ኣኽላባት ኣይኮኑን፡፡ ኣብ'ቲ ግዜ'ቲ ዝውለዱ ሕፃናት ደኣ ኢዮም፡ ኣብ'ቲ ዘመን'ቲ ዝውለዱ ሕፃናት፡ ቃሎም ልዕል ልዕል የብሉ፡ ኣብ ልዕሊ ወለዶም ይትንሥኡ፡ ንወለዶም ኣይእዘዙን፡ ነቦኦምን ነዴኦምን ኣየኽብሩን።"
(ፍካሬ ኢየሱስ ገጽ 31)

"ሓንቲ ሃገር ነታ ጎረቤታ ዝኾነት ሃገር ' ጽድቂ ንባዕላ ወይ ጽድቂ ዝገብር ሰብዶ ርኢኺ ትፈልጢ፧' ኢላ ክትሓታ ኢያ። መልሲ ግና ኩሉ ግዜ 'ኣይረኣኹን!' ዝብል ክኸውን'ዩ።
 (2ይ እዝራ 5፥11)

ዝብሉ ትንቢታት ግዜኦም ዝኣኸለ መሲሉ ይረአ ኣሎ!!
ኦ እግዚኣብሔር ነዞም ናይ ሎሚ ትውልዲ ደቅኻ ኢና`ሞ፣ ብምሕረት ዓይንኻ ጠምተና። 
ለቱ ስብሐት!!!

tirsdag 20. august 2019

ዕብየታን ክብራን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም! 1ይ ክፋል



በስመ ስላሴ!

በእንተ ዕበያ ወክብራ ለእግዝእትነ ቅድስት ድንግል በክልኤ ማርያም።

ናሁ ኣነ እነግር  ክብራ ወዕበያ ለእግዝእተ ኩልነ ቅድስት ድንግል በክልኤ ማርያም ወላዲተ ኣምላክ፡ በትሕትና ወበፍርሀት፡ ዘተቀድሐ እምሀበ ትምህርተ ኣበዊነ ቅዱሳን፡  ከመ ይኩን ለዚኣነ በረከተ ሰናየ፡፡ ወለዝንቱ መናፍቃንሰ ዘኣልቦሙ ርትይዕተ ሃይማኖት ይኩኖሙ ተግሳጸ።

-- ንዓና በረኸት፡ ንደፋራት መናፍቃን ድማ ተግሳጽ ይግበረልና።

ሀ)  ስለዕብየትን ልዕልናን ቅድስናን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ኣብ ቤተክርስትያን ክንገረና እንከሎ፡ ካብቲ ኩሉ ዝኽእል ፈጣሪና፡ ኣምላኻዊ ቃሉ ተቐዲሑ ዘይውዳእ ፈልፋሊ ትምህርተ ቤተክርስትያን ደኣምበር፡ ምድራዊ ፍልስፍና ዘንቀሎ ኣይኮነን።

1. ድንግል ማርያም ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኣብ ሕልና እግዚኣብሔር ተሓሲባ ነይራ።
√ ብኡኡን፡ (( በታ ቀደም ዝተዋህበትና ጸጋን))  ኣድሓነና።
2ጢሞ1፥9-10
-- ኣስተውዕል፡
"ብኡኡ ተዋህበትና " ዝተባህለ እግዚኣብሔርነቱ'ዩ፡ "በታ ቀደም ዝተዋህበትና ጸጋ" እትበሃል ዘላ ግን፡ ናይ ኣዳምን ዘርኡን ግምጃ ኮይና ዝጸነሐት ቅድስት ድንግል'ያ። እግዚኣብሔር ዘድሓነና ብመለኮቱ ጥራይ ኣይኮነን፡ ፐርከስ መለኮት ኣይሓምምን ኣይመውትን'ዩ። እንታይ ደኣ ብተዋህዶ ስጋን መለኮትን'ምበር። ስለዚ እታ ርስሓት ንከይኣትዋ ብመንፈሳዊ ሓይሉ ዓቂብዋ ዝጸነሐ ድንግል፡ ዕለቱ ምስ ኣኸለ፡ እቲ ንጹሕ ኣምላኽ ኣብ ማሕጸና ብመንፈሳዊ ሚስጥር ተቐመመ። ንሕና ድማ ኣምላኻዊ ፍርዱ እካ ብሰንኪ ግብርና ናብ ሲኦል የውርደና እንተነበረ፡ ኣምላኻዊ ምሕረቱ ግን በዛ ተረፍ ቅድስና ኣዳም ዝኾነት ድንግል ካብ ሲኦል ከምእነምልጥ ገበረና። "ነዚ ጥበብ'ዚ ኣንክሮ ይግባእ!" በለ ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ።
ገላ4፣4
√ እግዝእትነ ማርያም ነበረት እምቅድመ ዓለም በሕልና ኣምላክ።
ቅዱስ ኣባ ደቅስዮስ (ግብጻዊ)፡ መቅድመ ተኣምረ ማርያም

2. እግዚኣብሔር ቅኑዕ ፈራዲ ብምኻኑ ንኣዳም ብግብሩ እካ እንተፈረዶ፡  ቅኑዕ ምሕረቱ ንከርኢ ግን፡ ብርሃናዊት ተስፋ ድሕነት ኣብ ሕቖ ኣዳም ኣቐመጠ። ስለዚ ንእግዚኣብሔር "ዘይፈረዶ" ኢልና እንወቕሰሉ ሓይሊ የብልናን፡ ምኽንያቱ ንኣዳም ፈሪድዎ ዩ። "ምሕረቱ ተሰዊራ!" ኢልናውን እንወቕሰሉ ምኽንያት ኣይነበረናን፡ ምኽንያቱ ኣብ ባህሪ ኣዳም ሓንቲ መርገም ዘይሓለፈ ንጽሕት ተረፍ ቅድስና ኣትሪፍልና'ዩ እግዚኣብሔር። ምሕረቱ ኣብዚ እነሃ ተገሊጻ። ቅዱሳን ድማ ብዛዕባዛ ተረፍ ቅድስና ኣዳም ዝኾነት ድንግል፡ ብዝተፈላለየ ምሳሌ ትረኣዮም ስለዝነበረት፡ ኣኣብ ዝነበርሉ ዘመን በብጸገኦም ተነበዩላ። "ኢሳይያስ ተረፍ ተዘይሓድገልና..." በለ፡ ጳውሎስ ድማ "ንዑኡ ኣመስገንቲ ንክንከውን ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ሓረየና!" ኢሉ ተርጎሞ። ሕርየት፡ ካብዝን ካብትን ኢልካ'ዩ። እግዚኣብሔር ንሰብ ድሕሪ ምፍጣር ዓለም ፈጢርዎ ከብቅዕ፡ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ግን ሓረዮ፡ ማለት ካብ ኩሎም ፍጥረታት ኣብሊጹ ሓለኖ። ስለዚ ኣዳም  ብውድቀቱ እካ ክብሩ ትሕቲ ኩሎም ፍጥረት ብምኻኑ ብኹሎም እንተተናዕቀ፡ በታ እግዚኣብሔር ኣብ ባህሪ ኣዳም ዓቒርሉ ዝጸነሐ ተረፍ ቅድስና ግን ሕርየቱ ብምኽንያት ድንግል ማርያም ልዕሊ ኩሎም ኮይኑ ክቕጽል ጸነሐ።
√ ኢሳ 1፥9፡ ኤፌ1፥4, 2ጢሞ1፡9-10
√ ከም ዕንቂ ባሕሪ ኣብ ከርሰ ኣዳም ኮይና ተበህ ነበረት።
ቅዱስ ያሬድ ማህሌታይ

3. ቅድስት ድንግል ማርያም ጥንተ ቅድስና እምበር ጥንተ ኣብሶ የብላን።
-- "ጥንተ" ዝበሃል ዘሎ፡ ኣዳም ቅድሚ ምውዳቑን ድሕሪ ምውዳቑን ዘመልክት ትረኻ'ዩ። ኣቦና ኣዳም ቅድሚ ምውዳቑ ቅዱስ ንጹሕ ገይሩ እግዚኣብሔር ብጥበቡ ፈጠሮ፡፡ በዚ ድማ መላእክት ብክብሪ ዓጆቦም ኣኽበርዎ፡ ኣብ ገነት ድማ ን7 ዓመታት ብቅድስና ከቢሩ ጸነሐ።
ቀሌመንጦስ 1፥38፡ ኩፋሌ 4 ተመልከት፡
--ምስ ወደቐ ግን ክብሩ ብፍርዲ እግዚኣብሔር ተነጥቀ። ስለዚ ድንግል ካብቲ ጥንታዊ ቅድስና ኣዳም ድኣ እምበር፡ ካብቲ ድሒሩ ዝመጸ ኣበሳ ኣዳም ሒዛ ኣይተወልደትን። ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ካብቲ ኣምላኻዊ ፍርዱ፡ ብኣምላኻዊ ጥበቡ ከምእተምልጥ ገይርዋ ኢዩሞ።

√ እግዚእትነ ማርያም ትነጽሕ እመላእክት፡ እግዝእትነ ማርያም ትዓቢ እምኩሉ ፍጥረት።
እመ ቤትና ማርያም ካብ መላእክት ትነጽሕ፡ ካብ ኩሉ ፍጥረት ድማ ትዓቢ።
-- ዕብየታን ንጽሕናኣን ልዕሊ ኩሉ ፍጥረት፡ ግን ከኣ ትሕቲ ፈጣሪ ኢልካ ንምንጋር ደኣምበር፡ መላእክት ኣበሳ ስለዘለዎም ኣይኮነን ካብ መላእክት ትነጽሕ ዝበሃል ዘሎ።
መቅድም ተኣምረ ማርያም ተመልከት፡ ቅዱስ ደቅሲዮስ (ግብጻዊ ኣቦ)

4. ቅድስት ድንግል ማርያም ጥንታዊት ቅድስና ሒዛ እምበር፡ ጥንታዊት በደል ሒዛ ኣይተወልደትን።
√ ንስኺ ግን ንኹለን ትበልጽየን ኢኺ፡ ምሳ31፥29
√ ሐረያ እግዚእ ለጽዮን ከመ ትኩኖ ማህደሩ፡ መዝ132፥13
-- "ሐረያ!" ዝብሃል ዘሎ፡ መዓስ ሓርይዋ ብዝብል ገጽታ፡ ናብቲ ጥንተ ፍጥረት ኣዳም ይወስደና። ገለ ገሌኦም፡ " ከመይ ኢልካ፡ "ከይተወልደት እንከላ ሓርይዋ" ብምባል ንእግዚኣብሔር መዳለዊ ትገብሮ ኣለኻ!" ዝብሉ ኣለዉ። እሞ እንታይ  ንበል፡ እግዚኣብሔር ንኹሉ ምሉ ምልኣታዊ ባህሪ ኣዳም ፈሪድዎ'ዩ፡ እንተበልና ደኣ፡ ምሕረቱኸ ኣይዘንጋዕናዮንዶ፧ ቅዱስን ልዕሊ ኩሉን ገይሩ ንኣዳም ብመልክዑ እንክፈጥሮ መዳለዊ ዘይተባህለስ፡ ሕጂ ተረፍ ቅድስና ኣዳም፡ ኣብ ሕቖኡ ስለዘቐመጠ ክንቅልቀፍ? በጭራሽ!! በዚስ ንጥበበ እግዚኣብሔር ንንእዶ እምበር፡ መዳሊዊ ኢልና ኣይንነቕፎን።

√ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ'ሞ ኣይትፍርሂ።
-- ((ኣስተውዕል " ጸጋ ክትረኽቢ ኢኺ" ኣይኮነን ዝብል'ዘሎ ቅዱስ ገብርኤል። ገና ጥንሲ እንከይተጀመረ ንሳ ግን ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ጸጋ ረኺባ ስለዝጸነሐት'ዩ ዘመስግናን ዘበስራን ዘሎ ።))
ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ።
(ሉቃ1፥30)

5. ትምህርተ ኣበው ቅዱሳን፡-

√ ኢያእመረ እስመ ዘተፈጥረት እምነ ጽቡር ወጽሩይ ትከውን መቅደሶ ለእግዚኣብሔር።
-- ካብ ንጹሕ ጽሩይ ዘርኢ ዝተፈጥረት ኮይና፡ ንእግዚኣብሔር መሕደሪኡ ከምእትኸውን ኣይፈለጣን።
ዘኢራቅሊስ ናይ ቆስጠንጥንያ ኤጲስቆጶስ ዝነበረ ኣቦ
ሃይማኖት ኣበው48፥31
- ብዛዕባ ፈሊጥ ናይ ጻድቅ ዮሴፍ'ዩ ዝትርኽ ዘሎ። ታሪኹ ኣብ ወንጌል ኣለና፡ ጸኒሳ ስለዝጸነሕት፡ እንታይነታዊ ክብራን ቅድስናዊ መንነታን ክርደኦ ኣይከኣለን። ንሳ ካብ ዘርኢ ሰብኣይ ከምዘይምኻኑ እቲ ጽንሲ ነጊራቶ'ያ፡ መልኣኽ ድማ ብሕልመ ለይቲ ክሓድጋ ከምዘይብሉ ምስ መጠንቀቕትኡ ኣረዲእዎ'ዩ። እምበኣር ዮሴፍ ኣረጋዊ፡ ክሳብ ኣብ ቤተልሔም ንጎይታ እትወልዶ ክብራን ዕብየታን ክርደኦ ብዘይምኽኣሉ፡ "ኣይፈለጣን!" ተባሂሉ ደጋጊሙ ተነግረ። ቅዱስ ዘኢራቅሊስ ድማ ስለቲ ቅድመ ምጽናሳ ዝነበረ ክብረ ቅድስናኣ ብሓጺር ገለጻ፡ ነዊሕን ሰንሰለታውን ጽሩይነታ ተረኸልና።

√ ወሐደረ በከርሰ ማርያም ድንግል ንጽሕት ወትረ ወጽሩት እምቅደመ ድንግልናሃ።
-- ኣቐዲማ ቅድሚ ምጽናሳን ድሕሪ ምጽናሳን ድንግል ንጽሕቲ ጽርይቲ ኣብ ዝኾነት ኣብ ማርርያም ድንግል ሓደረ።
ቅዱስ ዘሚናስ ዘእስክንድርያ ሊቀ ጳጳስ (ግብጻዊ)

-- ቅድሚ ጽንሰት ብሉይ ኪዳን'ዩ፡ ካብታ "ከምቲ ዝበልካዮ ይዂነለይ፡" ዝበለትላ እዋን ኣትሒዙ ግን ሓዲስ ኪዳን ጀመረ፡ ስጉው ቃል ኣብ ማህጸና ንድሕነት ደቂ ኣዳም ክስጎው ጀመረ። ስለዚ ቅዱስ ሚናስ፡ "ነየናይ ቅድስናኣ'ዩ ዘድንቕ ዘሎ?"  ኢልና እንተሓቲትና ነቲ ቅድሚ ምጽናሳ ዝነበረ ቅድስና ምኻኑ የረድኣና'ሎ።

√ ዕበያ ለድንግል ኢትከሀል ለተነግሮ እስመ እግዚእ ሐረያ ወመጽአ ወሐደረ ላዕሌሀ።
-- ዕብየታ ናይ ድንግል ክንገር ኣይከኣልን'ዩሞ፡ ጎይታ ሓርይዋ መጺኡ ድማ ኣብ ልዕሌኣ ሓደረ።
ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ
ውዳሴ ማርያም ዘሰሉስ
-- ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ንናይ ገብርኤል መልኣኽን ቅድስት ኤልሳቤጥን ምስጋና ምርኩስ ብምግባር ተመሲጡ፡ ንዕቤተ ድንግል ብኣደነቕቲ ቃላት ይነግር ኣሎ።

√ ተፈስሒ ኦ ሙዳይ እንተ ኣልባቲ ነወር ፍጽምት ዘኣልባ ርስሐት።
-- ኣንቲ ኣበርን ርስሓትን ዘየብልኪ ፍጽምቲ ሙዳይ ተሓጎሰ ደስ ይበልኪ።
ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ፡ ውዳሴ ማርያም ዘረቡዕ
-- ቅዱስ ኤፍሬም '?"ነዚ ንድግል ዝወሃብ ምስጋናን ኣድናቖትን ካበይ ወሲድዎ፥ መን'ዩ ምሂርዎ?" ኢልና እንተሓቲትና፡ ካብ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ'ዩ ተማሂርዎ። ነታ
"ኦ ምልእተ ጸጋ"  እትብል፡ ዘርዚሩ ዝተርጎማ'ዩ።

√ ብኪ ግርማ ራእይ ዘየዓቢ እምግርማ ኪሩቤል እለ ብዙሐን ኣዒንይንቲሆሙ፡ ወሱራፌል እለ ስድስቱ ከነዲሆሙ።
ቅዱስ ያሬድ ማህሌታይ፡ ኣንቀጸ ብርሀን
-- ግርማኺ ካብ ግርማ ኩሩቤል ብዙሓት ዘዒንቶም፡ ሱራፌል ሽዱሽተ ዘኽናፎም ይዓቢ።
-- እግዚኣብሔር ብባህሪኡ ካብ ማንም ዘየምጽኡ፡ ማንምውን ክወስደሉ ዘይክእሉ ገንዘቡ ዝኾነ ኣምላኻዊ ግርማ ኣለዎ። እዚ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ማለተይ'የ። ኩላቶም ፍጥረቱ ድማ በበቲ ዝሃቦም ናይ ጸጋ ክብሪ፡ ንሓድሕዱ ዝበላለጽ ግርማ ኣለዎም። ድንግል ማርያም ግን እግዚኣብሔር ጥራይ ደኣሉ ብኣምላኻዊ ግርማኡ ዝበልጻ እምበር፡ ግርማኣስ ልዕሊዞም ተሰምዮም ዘለዎ ኪሩቤልን ሱራፌልን እረ ልዕሊ ኩሉ ፍጥረት፡ ናይ ኣደ ኣምላኽ ምኻን ግርማ ዝተዓደለት ምኻና የዘንቱ ኣሎ ቅዱስ ያሬድ ማህሌታይ።


√ ኣኮ ዘተኣምሪ ርስሐተ ከመ ኣንስት እለ እምድሕሬኪ ወእምቅድሜኪ።
-- ከምተን ድሕሬኽን ቅድሜኽን ዝነበራ ኣንስቲ ርስሓት ኣይትፈልጥን ኢኺ።
ቅዱስ ኣባ ህርያቆስ፡፡ ቅዳሴ ማርያም፡
-- ድሕሬኣ ዝተወልዳ ናይ ሓዱሽ ኪዳን ደቀንስትዮ ኢየን፡ ቅድሜኣ ዝነበራ ድማ ናይ ብሉይ ኪዳን'የን። ከምኣተን ርስሓት እትፈልጢ ኣይኮንክን ኢሉ የድንቓ ኣሎ ቅዱስ ህርያቆስ።

ጣዕመ ፍቅራ ወበረከታ ይክፈለነ።
እግዚኣብሔር ብፍቕሩ ምስ ቅዱሳኑ ይደምረና።
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር።
2ይ ክፋል ይቕጽል።
√ ሕቱም-መጽሓፍ

mandag 19. august 2019

ዘመነ ሓዊ-ሓሰር


በስመ ሥላሴ!
ሞልቂ-2005


2005 ኣቢሉ ይኸውን ምስ ሓደ ኣዝየ ዘፍቅሮ ዓርከይን መታዓቢተይን፣ ``ግጥሚ ንጽሓፍ`ሞ  መንና ቀልጢፉ ዝጸበቐት የዳሉ`` ተባሃሂልና፣ ውዕውዕ ክልቲኣዊ ውድድር እንከነካይድ ሕጂ ይዝከረኒ። ኣብቲ እዋን`ቲ፡ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ሞልቂ ጅሃን፡ ውዕዉዓት ተመሃሮ ዝጠርነፈት፣ ብስፖርታውን ስነ-ጥበባውን መዳይ ድማ ነቲ ዝነበረ ሓፈሻዊ ሕጽረታትን ኩነታትን ኣብ ግምት የእቲኻ፡ ''ከባቢ ንኡስ ዞባ ሞልቂ ኣዝዩ ጸላውን ትስፉውን ትውልዲ ኣፍርያ``፣ ኢልካ እትሕበነሉ መድረኽ ዝቐረበ መሲሉ ይረአ ነይሩ ።ክቡራት ኣንበብቲ ናብ'ቲ ናይ ሽዑ ወቕቲ ክመልሰኩም።  ቅንያቱ በቶም ናይ ሞልቅን ከባቢኣን ተምሃሮ፣ ዝተፈላለየ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ንጥፈታት ዘካተተ ውድድራት ዝካየደሉ እዋን ብምንባሩ፣ ኣነ ከም ሰበይ  በተን ሽዑ ዝሕንጥጣ ዝነበራ ኣእዳወይ ገይረ፣ ምስቶም ሞዛነይ ንውድድር ኣብ ጽዑቕ ልምምድ ግጥምን ስነ ጽሑፍን ኣትየ ምንባረይ ትዝ ይብለኒ። ብምፍላይ ምስ'ቲ መጋጥምተይ ገጣማይ ኴነ፣ ኣብታ ንሱ ተኻርይዋ ዝነበረ ናይ ስካፕሊ ንእሽቶ ቤት ኮይንና፡ ሓጻርን ጽዕጽዕትን ናይ ልምምድ ግዜ ዘሕለፍናያ ህሞት ሕጂ እንክዝክራ ገለ ጦብላሕታ ፈጢራትለይ ኣላ። 

ስሙ ንግዚኡ ዓቂበ ናብቲ ናይ ሽዑ ቊምነገር ክወስደኩም። እቲ መስርሕ ሓባራዊ ዝኾነ ዛዕባ ኣልዒልካ ንዑኡ ዝምልከት ምጽሓፍ ኢዩ ነይሩ። መቸም 'ነቲ ሽዑ ዝጸሓፍክሞባ ንኹሉ በበሓደ ንገረና' ተትብሉኒ፡ ምስ ምንዋሕ ግዜ፡ ንዂሉ'ውን ኣብ ግምት የእቲኻ፡ ሸምዲደ ንምዝካር ዓቕሚ ይሓጽረኒ ምኻኑ ርዱእ`ዩ፣፣ ብሓጸርቲ ደቓይቕ ኣብ ሓደ ዓንኴል ዛዕባ ዝገበረን፡ክልቲኣትና ንናይ ክልቲኣትና ልምምድ ዘቕረብናዮን ስለዝዀነ ግን፡ ዋላ ደኣ ትሕዝቶ'ተን ግጥምታት ኣይዘክሮ'ምበር፡ ፍረ-ነገረን ንዓቕሚ ኣእምሮና ዕጋበት ከምዝፈጠረሉ፡ ብኡኡ መጠን'ውን በበቲ ዝጸሓፍናዮ ገጽታ፣ ሕድሕዳዊ ስሓቕን ወኻዕታን ከምዝሰነቕና ኣይርስዖን'የ።

ናብ`ዚ ናይ ሕጂ ጉዳየይ ክኣቱ፣፣ እታ ሽዑኡ ንግጥሚ ኢልና ዝመርጽናያ ኣርእስቲ፣ '' ሓውን ሓሰርን!`` ኢያ ትብል ነይራ። ድማ `ኣብዚ ሕጂ እዋን በበዚ ዘለኹሞ ህሉው መድረኽኩም ኣብ ግምት የእቲኹም ዘለኩም ርድኢት፣ "ሓውን ሓሰርን ዝብል  ከም ቀንዲ ኣርእስቲ ጔርኩም ጸሓፉ" ተንበሃል መቸም፣ ንባዕሉ እዚ ዘለናዮ ወቕቲ ነዚ ኣርእስቲ ዝመጣጠን ስለዝኾነ፣ ቃላት ክንመርጽ ምጸገመና ኣይብልን`የ።  ምኽንያቱ ሓንቲ ፊደል ክንጽሕፍ ከይጀመርና እኳ፣ ባዕሉ ኣፍ ኣውጺኡ እዚ ግዜ ዝንበብ ጽሑፍ ምኾነልና ይብል ኣነ።

ተመልከቱ!

ኣብ መንፈሳውን ስጋውን ዓለም ዘሎ ናይ ሎም ትውልድና፡ ሓውን ሓሰርን መሲሉ ንሓድሕዱ ክረአአ ካብ ዝጅምር ነዊሕ እዋን ኣቕጺሩ`ሎ። ሓዴኦም ዓብላሊ፣ ሓዴኦም ጠፋኢ ንምኻን ኣብ ቅልስ ዘለዉ እንክመስሉ፣ ምስ ሓውን ሓሰርን ይመሳሰሉ'ለዉ። ኣብ ዓድና `` ጽርዲ!`` ዝበሃል ናይ ቁልዕነትና ኣበሃህላ ኣሎ፣ ጽርዲ ማለት ኣብ ግዜ ህጻንነት ተጠቃምነት ዝረክብ ኣበሃህላ ኴኑ፣ ኣይተሕምቖ፣ ኣየሕምቐካ፣ ወትሩ ጽልእ ኮይንካ ምንባር ማለት`ዩ። ንስኻ ትመልኽ ተኾይንካ፣ እቲ ሓደ ተንከስ ኢሉ ኣንጻርካ ክለዓል ኣይክእልን`ዩ። ብመጠኑ ሓዴኻ ዘሕምቕ ኮይኑ`ተጸኒሑ ግን፣ ካብ ጽርዲ ምዃን ዝፍለየሉ ባእታ'ሎ። እዚ ከኣ ኣብ መንጎኻ ግዝያዊ ሰላም ሰፊኑ ስለዝረአ`ዩ፣፣ ማለት ንሓድሕድካ ኣይትባላዕን ኢኻ፡ ኣይትተሃራረምን'ውን። ንስኻ ስለትመልኮ 'ክሃርመኒ ኢዩ' ዝብል ስክፍታ ከይሃለወክ ቀሲንካ ትሓድረሉ መድረኽ'ዩ። ንሱ`ውን ስለተሕምቖ 'ተዘይተኸራኸርክዎን 'ተዘይፈጋእክዎን' ኢሉ ከዕገርግር ዕድሚኡ ኣይከስርን'ዩ። ጽርዲ ምዃን ግና ሰላም ዝበሃል የብሉን። ነፍሲ ወከፍ ኣብ እትራኸበላ ግዜ በብዝጥዕመካ ምቱዃስ`ዩ። በቃ በብዝተራኸብካሉ ትበኣስ ካብ ኰንካስ ዘይምርኻብ ትምነየሉ ኣጋጣሚ'ሎ። ምስ ጎበዝካን ኣብ ስብእናዊ ዕድመ ምስ በጻሕካን ግን፡ ዂሉ ጽልእታት ናይ ቁልዕነት ኣሻቡ  ስለዝርሳዕ፣ ወኻዕካዕ እናልካ መዕለልን መስሓቕን መታን ክኾነካ እናዘከርካዮ ኢኻ ትነብር። 

ኣብ'ዚ ምዕቡል ዘመነ-ዓውላማ፡ ጉዳይ ጽርዲ ምዕራፍ ክልተ፡ ሕጂ እንደገና ጀሚሩ ዝያዳ ጎሊሑ ዝረአ ዘሎ ይመስል። ዘመነ ጽርዲ በቲ ዘገርም መልክዑ፣ ከም ሓውን ሓሰርን ብናህሪ ክጎብጠና ደልዩ እነሆ።  ሕብረተ-ሰብና ንሓድሕዱ፡  ብቂም በቐል፣ ክባላላዕ ተሃንዲዱ፣ ክርቢት ከነቐብሎ ኣእዳዊ ዊጥ ዘበለ መሲሉ ክረአ ካብ ዝጅምር፡ ቀሊል ግዜ ኣየቕጸረን። ክልተ ኣሕዋት፣ ክልተ ሰብ ሓዳር፣ ክልተ ስድራ፣፣ ክልተ ኣዝዮም ሕፉራትን ክቡራት ቤተሰብ፡ ክወናጀሉ፡ ክወቓቐሱ፣ ክናኸሱ፣ ክጸራረፉ፣ እናሻዕ ብዘርእይዎ ሕድሕዳዊ ቂም በቐል፣'ንሓውን ሓሰርን' ዝሓለፍዎም ዝመስልሉ ግዜ እናበዘሐ ይመጽእ ኣሎ። ደረስቲ ክልተ ገጸ-ባህርያት ናይ፡ "Tom and Jerry", William Hanna and Josuph Barber, 1940-1958, ነዚ ኣብ`ዚ እዋን ዘሎ ናይ ትውልድና ገጽታ ኣንቢቦም ዝተረድኡ ይመስሉ። እዞም ክልተ ደረስቲ፡ ናይ ኣንጭዋን ድሙን ባሕርያት'ዮም ኣብ ትራጀዲ የእትዮም ዝምህሩና። ንዓይ ግን ንሕና ደሪስና ባዕሉ ህሉው ሕይወትና ዝዋስኦ ዘሎ'ዩ ዝመስለኒ። ወለዶና ሓደ ነቲ ሓደ ከጥፍእ ይህንደድ ኣሎ። ክልተ ፍጹም ጽልኢ ክጸላልኡ ትርኢ`ሞ፣ በቲ ድማ ተኣኪቦም `` ንሕና ናይ ሰላም ኢና፣ ዕርቂ ኣባና`ዩ ሰፈሩ፣`` ዝብል ዜና ካብ ኣፍ ክልቲኣቶም  ክፍኖ እንክትሰምዕ። ኣርምም የብለካ፡ ንኣርመምቲ ክትህቦ'ኳ ኣይትጸልእን።

ዳርጋ ኲሉ ግዜ ክትብል ትደፍር፣ ሓውን ሓሰርን እንተተራኺቦም፣ ሰዓርን ዓብላን ኮይኑ ዝወጽእ ሓዊ`ዩ። ``ንጣር ቁልዒ ንምሉእ እምባ ዘባርዕ ሓይሊ ኣለዋ፣`` ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ። እቲ ዘገርም ግን ክበኣሱ እንከለዉ፣ ናይ ክልቲኣቶም ህልውና የብቅዕ ምዃኑ`ዩ። ሓሰር ናብ ሓሙዂቲ፣ ሓዊ ድማ ናብ ቃህሚ ተለዊጡ ቅሂሙ ይጠፍእ። ባርዕ ንዂሉ እምባታትን ጎላጉን ኣቃጽሉ ምስወደአ፣ ንባዕሉ ሓሙኽሽቲ ኰይኑ ይተርፍ ምዃኑ ይገርመካ። ክልቲኣቶም ክህልዉ እንተኾይኖም፣ ከይተታኾቡ፣ እቲ እሳትንቱን ንገዛእ ርእሱን ዓቒቡ፣ እዚ ድማ ሳዕርነቱ ከይበተነ ብሓደ ተጠርኒፉ ምስ ዝነብር'ዩ፡፡ በዚ መስርሕ'ዚ፡ ህልውና ክልቲኣኣቶም ኣብ ምልክት ሕቶ ክኣቱ ኣይምኸኣለን። እታ ምስዚ መታዓቢተይ ብዘመን ቊልዕነትና፡ ኣብ 2005 ዘልዓልናያ ኣርእስትስ ለካ፣ ብዛዕባኣ ንምሕንጣጥ ' ካብ ሽዑ ዝያዳ ሕጂ ምመቸአት'  ክብል ምደፈርኩ። 

ዓለምና፣ ንሓጢኣንን ጻድቃንን፣ ሃብታማትን ድኻታትን፣ ሕሱማትን ሕያዎትን፣ ኣመንትን ከሓድትን፣እሱራትን ውጹኣት ሓራን፣ ተንኰለኛታትን ገርህታትን፣ ቀተልትን መሓርትን፣ ጮቆንትን ፍትሓውያንን፣ ዘሞውትን ደናግልን፣ ምሁራትን ጭዋታትን፣ እንስሳታትን ሰባትን ክሓቁፍ ዝኽእል እኹል ጎጆ ኣለዋ። ክንዮ`ዚ`ውን ብስጋ ምስ ዓረፍና ከይተረፈ፣ ኣብ ከርሳ ክትዓቚረና ዘኽእል ኣዝዩ ሃብታም ዝኾነ ውሻጠ ኣለዋ። እቲ ዘገርም ግን፡ ኩሉ ወድ ሰብ ነባሪ ዘይምኻኑ እናፈለጠ፣ ሕልፊ ሰቡ ኣብዛ ዓለም ዝነብር መሲልዎ፡ ናይ ካልኦት ክብርታት ክነጥቕ ይነብር ምህላዉ ኢዩ። እዚአብሔር ድማ ነዛ ኢዱ ዝፈጠረታ ዓለም፣ ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ በብዕለቱ ክሓንን እኳ ይርኢ እንተሃለወ፡ ምስ ምሉእ ትዕግስቱ፡ መን ይኹን መን ብዘየገድስ፡ እዛ ዓለም ክሳብ`ቲ ዝተመደበላ ዕለት ብዘይ ነግ ፈረግ ንዂሉ ወዲ ኣዳም ክትጸውር ከምዘለዋ በዓንተዉኡ ኣዘዘ። ግዜኣ ኣኺሉ ምስ ኣረገት ግን፡ ከም ሓሙኽሽቲ ክትበንን'ያ። ንዓና ንኹላትና ናብ ዋናኣ ተፊኣ ንፍርዲ ኣሕሊፋ ክትህበና ምኻና ፈሊጣ ድማ፡ እነሃ ብስቕታ ንምጽኣተ እግዚኣብሔር በዓቕሊ ትጽበ`ላ።

እግዚኣብሔር ሕድሕዳዊ ፍቕርን ስኒትን ክህልወና ሓይሉ ይልኣኸልና!!
ሕቱም-መጽሓፍ፣

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...