tirsdag 8. mai 2018

ናይ ኮቦርታ ፈተነ፡



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሀዱ አምላክ አሜን
ሰብ ብፈተነን ብዓወት ተነዲቑ ዝተሃምጸ ምኡዝ ህንጻ ኢዩ።ህንጻ ክጽብቕ ተኾይኑ፡ክሳብ ዝህነጽ ዘሎ ጎነጽ ደራሲ ሓንጢጡ፡ካድረ መዲሩ ኣይውድኦን።ሰብ ሰብ ተባሂሉ ህልውንኡ ዘኸረጋግጽ ፈተነን ዓወትን ዝጨበጠ ናይ እግዚኣብሄር ምስሊ ኢዩ።ኣሽንኳይዶ ሰብሲ እግዚኣብሄርውን ተፈቲኑን ተዓዊቱን ኢዩ።ናይ እግዚኣብሄር ፈተንኡን ዓወቱን ኣብ መስቀል ነበረ።ስለዚ ሰብ እንተተፈተነ ወይ እንተተዓወተ ናይ ኣምላኹ ኢዩ ወሲዱ።እዚ ድማ ፈተንኡን ዓወቱን ኩሉ ግዜ ኣብ መስቀል ተኾይኖም ኢዩ ንኣምላኹ ዝመስል።
ካብዞም ፈተነታት ናይ ወድሰብ ኢልና ንጽውዖም ሓደ ኣብ ኮቦርታ ዝፍጸም ፈተነ ኢዩ፡ዓወቱ ድማ ካብ ናይ ኮቦርታ ፈተነ ሲዒርካ እተምልጦ ናይ መንፈሳዊ ጽምብል ኢዩ።እዛ ናይ ኮቦርታ ፈተነ ሓጻር ትመስል ግን ነዋሕን መራርን፡ብዙሓት ዓይነት ሓጣውእን ጽድቅን ክተፍርየላ እትኽእል ዓባይ መድረኽ ኢያ።ለካ ናይ መስቀል ምረት ኣብዚ ተሰዊራ ስለዓወት ደቂሰባት ትቕልስ'ያ።

ገለ ገለ ፈተነታት ናይ ኮቦርታ ክንጠቅስ፡
¶¶¶ ናይ ተዘክሮታት ፈተነ፡-
ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት እተሕልፎ ዝነበርካ ስንፍና ይኹን ጅግንነት፡ኣብታ ሰዓት እቲኣ ከም ቃሕ ሰብ ኣብ ኣእምሮኻ ይሰኣሉሞ፡ንኹሎም ዘዘኪርካ በዚ ዘለኻዮ ከምተማርር፡እረ ሓደ ሓደ ግዜ ብኮቦርታ ተሓኒቕካ ሕደር ዝመጸልካ ግዜ ኣሎ።ኣብዚ መድረኽዚ፡ሕልና ጸጸኒሑ ኢዩ ሕሹኽ ዝብለካ፡ይዝከረካዶ ምስ በዓል ክስቶ ክትሰቲ እንከለኻ፡ክትስዕስዕ፡ዘመነ ንእስነትካ ትዝክሮዶ፡ኩሉ ሰብ ብመልክዕካ ረሪኡ ሰብ ክድነቐልካ፡ንዓኺኸ ይዝከረኪዶ፡ምስ ክስቶ ክትዘሪ እንከለኺ፡እንዳበለ ሕልናኻ ካባኻ ተመንቂሱ ስጋኻ በይኑ ምስ ኮቦርታ ከምዝተርፍ ይገብር።
√√√ ብሰንኪዚ ዝመጽእ ጠንቂ፡-
ስለምንታይ ንድሕሪት ተመሊስካ ትዝክር ኣሎኻ፡ከተማርር ፡ስለዝደለኻዶ ወይሲ በዚ ሕጂ ዘለካ ዝያዳ ከምዝዓገብካ ንእግዚኣብሄር ፍቕርኻ ዝያዳ ክትገልጸሉ ስለዝደለኻ ኢኻ፧
ወገነይ፡ስለምንታይ ንድሕሪት ተመሊስኪ፧ናይ ትማሊ ሂዎትኪ ዝያዳ ካብ ናይ ሎሚ ስለዘዕገበኪሞ፡ንእግዚኣብሄር ዝያዳ ካብ ናይ ሎሚ ከተመስግኖ ስለዝደለኺዶ፡ወይሲ ኣብ እግዚኣብሄር ዘለኪ ቅሬታ ክትገልጺ ስለዝደለኺ ኢኺ፧
√√√ መፍትሒኡ፡-
ሰይጣን በዛ ኩነትዚኣ ተጠቒሙ፡ምሉእ መዓልቲ ኣብ ምስጋናን ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትን ንዝወዓለት ነፍሲ፡ምሉእ መዓልቲ ከየሸነፋ ስለዝወዓለ፡ሕጂ ዕድል ስለዝረክብ በዛ መንገዲዚኣ ተጠቒሙ ክወስዳ ይሕልን።
ኣብ ኮቦርታ እንከላስ ሒዝዋ ናብ ቃልዕ ይኸድ፡ተሸፊና ኣላ ግን ከኣ ብዘይክንፊ በሪራ ዓዲ ዓዲ ከምትበጽሕ ይገብራ፡ድሕሪ ዝተወሰና ደቓይቕ ክትድቅስ ኢያ፡ግን ምስቶም ዝነቕሑ ኮይና ሓጥያትን ጽድቅን ተሰላስል፡ደኺማ ኢያ ዘላ ግን ምስቶም ብርቱዓት ትንፍር።ኣብዚ ጽድቅን ሓጥያትን፡ውድቅትን ትንሳኤን ዝተደባለቐለን፡ደቓይቅ፡ነፍሲ እንታይ ትግበር፧ ንናይ ትማሊ ተዘክሮ፡ጽቡቕ ተኾይኑ ደጋጊምካ ምዝካር የድሊ ኢዩ።ምኽንያቱ ካልእ ከየስተማቐርካዮ ዝሓለፈካ ጽቡቕ ክነብር ስለዝኽእል፡ሕጂ ዕድል ረኺብካ እንከለኻ፡ከምዚ እንዳበልካ ንፈጣሪኻ ኣመስግን።
ኣምላኸይ፡ቅድሚ 10 ዓመትሲ ካብ ምንዝርና ናብ ቃል ኪዳን፡ካብ ሓዳር ኣልቦ፡ምስ በዓልቲ ቤተይ፡ወይ ካብ ስጋዊ ሰብ ናብ መንፈሳውነት ዘሰጋገርካኒ ግዜ ኢዩ ነይሩ።ካብ ሳዕሳዓይ ናብ ወራባይ፡ካብ ደራፋይ ናብ ዘማራይ፡ካብ ተላኻፋይ ናብ ቃሕ ኢሉ ዘይጥት፡ካብ ጨጋርን ዘመናውነት ዝዓብለሎን ሰብ ናብ መንፈሳውነቱ በጨቕ ኢሉ ከም ቅዱስ ሙሴ ገጹ ብመንፈሳዊ ብርሃን ዝደጉሕ ግዜ ኢዩ ነይሩ። ሽዑኡስ ከምቲ ዝነበርክዎ እንተዝቕጽል ጥፍኣተይ ማዕረ ክንደይ ከቢድ ምንባሩ ሕጂ ጎሊሑ ተረኣየኒ ኣሎሞ ስለዝገበርለይ ኩሉ ተመስገን።ቅድሙ ዝነበረ ካካይ ሂዎተይ እካ ከይተጸየፍካ ዝሓቐፍካኒ ደኣ፡ናይ ሕጂ ድኻመይ ማዕረ ክንደይ ሸለል ዘይትብለኒ፡ናይዚ መርኣያ ድማ ብንስሓ መታን ክጸሪ እተገብሮ ዘለኻ ትዕግስትኻ መመሊሰ ንኸመስግነካ ሕልናይ ይድርኸኒ ኣሎ።" እንዳበልካ፡ንውድቀትካ ብናይ እግዚኣብሄር ቀላጽም ከምዝተንሳእካ ንሕልናኻ ብትረት ኣእምኖ።
¶¶¶ ስጋዊ ፍትወት፦
ሕዛ ዓይነት ሕማምዚኣ ዋላ ነቶም ሰብ ቃል ኪዳን ተላቢዓቶም ኢያ።በዛ ለኽፊዚኣ ዘይልከፍ ሰብ ይከሰስ።ሰበይቱ ምስኡ እንዳሃለወት፡ቀትሪ ቆራጽ መራጽ ገይረን ከረኣየኦ ዝወዓላ ይዝክርሞ፡ብፍትወት ምስአን ይነድድ።
ኣብ ኮቦርታ ምስኡ ዘለ ብዓልቲ ቃልኪዳኑ፡ንሱ ግን ብሕልንኡ ኣብ መገሻ ኣሎ።ነታ በዓልቲ ቃል ኪዳኑ "ቁሩብ ተጸበይኒሞ፡ንእሽቶ ዑደት ገይረ ክመጽእ ኢየ" እንተዝብላኳ ምሓሸ።ንሳ ካብ ፍትወተ ስጋ መታን ክሕልወኒ፡ደጋፊ ክኾነኒ ኢላ ዝሓዘቶ ኣማኒኣ፡ሕጂ ግን ብሕልንኡ ኣብ ኮቦርታ ተጠቕሊሉ ክንሱ፡ከይዱ ጠሊምዋ።ለካ ኣብ ኮቦርታ ኮይንካውን ጥልመት ኣሎ ኢዩ።በንጻሩ ድማ ንሳ፡ኣብ ዕላላቶም ከስግልን ጸጸኒሑ፡"እ እ፡እ፡እ፡" ክብላ ምስ ጀመረን፡ንሳውን ምስኡ ኣብ ኮቦርታ እንዳሃለወት ገዲፋቶ ትገይሽ።ክልቴኦም ኣብ ኮቦርታ ግን ከኣ ኣብ መገሻ።ወይ ናይ ኮቦርታ ፈተነ !!!
" እንታይ ኮይኑ ኣስጊሉ፧ምስታ ቀትሪ ኣብ መንገዲ ሰላም ዝብላ ዝነበረዶ ደኣ ርክብ ጀሚሩ ኮይኑ፡በቐዳማይ'ውንኮ ሓንቲ ደዊላትሉ ነይራ ኢያ፡ኣነባ ኢየ ዓሻምበር፡ንሱስ ቀደም ሸይጥኒ ኢዩ።ሕጅስ ኣነ ምስኡ ኣብ ኮቦርታ ስለዘለኹምበር፡ፍጹም ኣይምዘከረንን" ኢላ ነቲ ንዑኡ ዝኸፈለቶ ናይ ቃልኪዳን መንፈሳዊ መስዋእቲ ከም ዋጋ ኣልቦ ትቖጽሮ።ወይ ጉድ ንባዕላ ሕጂ ምስኡ ዘየላስ ምስኡ ኣሎኹ ከኣ በለት።እዛ ኮቦርታ በይና ገዲፎማ ተዓዚሮምሲ ኣብ ኮቦርታ ኣሎና ከኣ ይብሉ።
ኣብ ኮቦርታ ብሕልና፡ ስጋዊ ፍትወት ዝተሓሓዝ ቀንዲ ከኣ ምስ ሰብ ሓዳር፡ዝሙት ኢዩ።መጽሓፍ ቅዱስ፡"ኣብ ልዕሊ ጓህሪ ዝኸደ ሰብከ ኣእጋሩዶ ኣይሓርርን ኢዩ፧ምስ ሰበይቲ ብጻዩ ዝዝሙ ሰብ ከኣ ከምኡ ኢዩ፡ከምዚ ዝገብር ሰብ ከይተቐጽዐ ከቶ ኣይተርፍን ኢዩ።(ምሳ6፣28-29)" ይብል።ስለዚ እዞም ክልተ ሰብ ሓዳር፡እተማሙቖም ኮቦርታ ገዲፎም እተንድዶም ጉህሪ ከናድዩ ብሓሳቦም ተዓዘሩ።
ንንጽል ሰብ፣ሰብ ቃል ኪዳን ዘይኮኑ ከኣ፡-
ቀትሪ ክርእይዎ ዝወዓሉ፡ንኣብነት እታ ወይዘሮ፡ኣወዳት ከመስግንዋ ዝወዓሉ ምስጋናታት በብሓደ ትጽብጽበን።ናይ መነን ትጽብቕ፡ናይ መኖም ዕግበት ትህባ ኣብ ኮቦርታ ኮይና ብሕልናኣ ምስ ኩላቶም ኣብ ኮመንት ጸጺሕፎም መታን ክንእድዋ፡ናይ ፍትወተ ስጋ እንግዶት መታን ክኾና ኢላ ኣብ facebook ዝለጠፈታ ፎቶ፡ደጋጊማ ነቲ ኮምንትታት ትገናጽሎ።ነቶም ሰባት ድማ በብስሞም ነቲ ዘደንጹ ፍትወታ ተዐንግሎም።እቲ ዝገርም፡ምስ ሓደ ጥራይ ከይኣክል ንኹላቶም ዘለዋ ክቱር ፍትወት ንኸተርኢ፡"እዋይ ምስ ክስቶስ፡ኣቤት ክስቶስ፡"እንዳበለት ኣብዘን ዝተወሰና ደቓይቕ፡ብሓሳባ ምስ ኩላቶም ብሕልናዊ ዝሙት ትእለኽ።
ሓይሊ ስለትስእን እምበር፡ንኹላቶም ጸጸዊዓ ምስ ፍትወታ ከተአንግዶም ኣይትጸልእን።ሽዕኡ ምስቲ ኮቦርታ እንዳተጠቕለለት ፈጺማ ካብኡ ብሓሳብ ትንጠቕ።ንኹላቶም በብስሞም፡በብመልክዖም ዘዝግብኦም፡ክስቶ ከምዚ ደሊኻሞ እንካ፡ክስቶ እዚኣ ትሕሸካሞ እንካ እንዳበለት ቀርብለይ ከይበልዋ ባዕላ ንፍትወታ ተእንግዶም።መጽሓፍ ቅዱስ፡"ምድሪ መስዩ፡ ሽዑኡ እታ ኣመንዝራ ሰበይቲ ክትቅበሎ ወጸት፡ክዳን ኣመንዝራ ተኸዲና ነበረት፡ተንኮል ድማ ትኣልም ነበረት፡ኣብ ገዝኣ ድማ ኮፍ ኣይትብልን ነበረት።ሓንሳእ ኣብ ኣደባባይ፡ሓንሳእ ኣብ ዕዳጋ፡ ሓንሳእ ኣብ ቀራና መንገዲ ኣድብያ ትጸንሕ ነበረት።ነቲ መንእሰይ ከኣ ሓኒቓ ሰዓመቶ። (ምሳ7፣10-12)" ኢሉ ናይዛ ኣብ ኮቦርታ ተሸፊና ብሕልና እትሃድን ዘላ ናይ ከቦር ሃዳኒት ቅዱስ ሰሎሞን ቁልጭ ኣቢሉ ይነግረና።
√√√ ጠንቂ ናይዚ፡-
ቀትሪ ብሕልና ክትዝምዎም፡ዝወዓልካ ከይኣኽሉ፡ሕጂ ብምድጋምካ "ናብ ምሉእ ለይቲ ይሰጋገረለይ፡ሕልናዊ ዝሙት ኣይመነኹዎን፡እተን ብግዜ ቀትሪ ዓይነይ እንዳረኣኹ ክምነየን ዝወዓልኩ ሕጅውን ቢስ ቢስ ቢስ፡ዋላ ብድቃሰ ክረኣያኒ ኣሎወን፡" ንምባል እትጽልዮ ጸሎት ድዩ ወይሲ፡ሓቀኛ ጸላኢ ዝሙት ስለዝኾንካ ኢኻ፧ ጸላኢ ዝሙት ተትኾውንሞ፡ምስ፡ዘዝዘከርካያ ጓል ሄዋን፡ንዝሙት ስለዝተመነኻ ብንብዓት ምተሓጸብካ።ወዮ ደኣ ኣይተረዳኣካንምበር ትምነያ ሄዋን እንዳቀተልካያ ኢኻኮ፡መጽሓፍ "ሓደ ዝዘመወ ሰብ፡ እታ ኣካሉ ምስቲ ዝምንዝር ዘሎ ሓደ ኮነ" ይብል።ስለዚ ምስኻ ክትቃጸል ተደሊኻ፡ንዓኣውን እሳት እንዳተመነኻላ ኢኻ።ብርግጽ በዚ ዝገበርካዮ ሕሳት ተንጠልጢሉልካ ኣሎ።እዚ ንስኻውን ኣይትዝንግዖን ኢኻ፡ኣብዛ ሓጻር ደቓይቕ ኣብ ኮቦርታ ኮይካ ነዚ ከተሰላስል፡እንታይ ዘዕውት ነገር ስለዘሎ ኢዩ፧ናይ ዝሙት ድምር ዓወቱ ሲኦላዊ ዋጋ ኢዩ። ዓስብኻሞ ትግምቶ ዲኻ፧
√√√ መፍትሒኡ፡-
ወገነይ ብዓል ቃል ኪዳን ዲኻ፡ልዕሊ ማንም ኣምላኽኻ ነዛ ምሳኻ ኣብ ኮቦርታ ኣምጺልካ ዘሎ ኣምላኽ፡ካብ ዝሙትን ፍትወትን ንኽትሕሎ፡ደጋፊትን ናይ ዘርእኻ ቀጻልነትን ንኽትረክብ እግዚኣብሄር ማዕረ ክንደይ ከምዝሓለየ ኣስተብህል።እዚ ናብ መስቀል ክወስደካ ኢዩ።ኣምላኽኻ ምስ ቤተ ክርስትያን ኣብ መስቀል ኮይኑ ብደሙ ቃል ኪዳን ኣሰረ።እዛ ሕጂ ምሳኻ ኣብ ኮቦርታኻ ዘላ፡እግዚኣብሄር ዝሃበካ እኳ እንተኾነት፡ባዕልኻ ከምዝመረጽካያ ግን ኣይትረስዕ።ክርስቶስ ንቤተክርስያን መረጻምበር።ቤተክርስትያን ንክርስቶስ ኣይመረጸቶን፡ንሱ ምስ መረጻ ግን ንሳዉን ፍቓዱ ክትፍጽም ፍጹም ማሕላ ፈጸመት።ክልቲኦም ዝተጠቐምሉ ማሕላ ኣብ መስቀል ነበረ።ንሳኻውን ወገነይ፡ክትመርጻ እንከለኻ፡"ብዘይካኺ ካልእ ኣይክጥምትን ኢየ፡ድሕሪ ሕጂ ከፊእኪ ጸቢቕኪ ክሳብ መቓብር ናተይ ኢኺ" ኢልካ ዝመርጽካያ ክንሳ፡ሕጂ ብሕልና ምጋሽካ፡  ክሳብ ኮቦርታ ኮይና ድዩ ነይሩ ማሕላኻ፧ ክርስቶስ ማሕልኡ ክሳብ መቓብር ጥራይ ኣይነበረን፡ክሳብ ዘልኣለም እምበር።
ንስኺ ሓፍተይ፡በይንኺ ዲኺ ኮይንኪ፡ወዮ በይንኺ መሲልኪምበር፡በይንኺ ኣይኮንክንን።እግዚኣብሄር ከ ናበይ ከይድኪ፧እንታይ ኢልክዮምከ ነቶም ዘመስገኑኺ ኣጓብዝ ትጥምቲ፡ምጥማት ምጥማቱስ ቆጺርካ ዘይውድኡ ቅዱሳን ኣብ ዙርያኺ ከቢቦምኺ ኣሎዉ።እግዚኣብሄር ከምታ ኣዴኡ ኣብ ጨርቂ ዝጠቕለለቶ፡ምሳኺ ካብ ፈተና መታን ከውጻኪ ኣብ ኮቦርታኺ ተጠቕቅሊሉ ኣሎ።ኣየስተውዓልክን እምበር፡ንሱ ኣብ መብልዒ ማል ዝተጠቕለሎኮ፡ኣብ ኮቦርታ ኮይንካ ንዝስራሕ ናብ ሲኦል፡ዝመርሕ ሓጥያት ጎንዲቡ ምሕረት መታን ክገብር ኢዩ።
ማንም ምልኩዐኛ ወዲ ክትዝክሪ እንከለኺ፡"ኦ ጎይታይ ከማኻ ዝበለ በዓል፡ግርማስ ፍጹም የለን በሊ፡መዳሪ ተዛራቢ ሰብ ንልብኺ ዝሰለበ ኣብ ሕልናኺ እንተመጽዩ፡ጎይታ ኣብ ነዊሕ እምባ ኮይኑ ዝሰበኣኮ ስብከተ ኣንቀጸ ብጿኣን ዘክሪ፡ጨሓም ጉልቡት ነዊሕ ዝቑሞቱ ተኾይኑ ንናዝራዊ ግሩም ዝመልክዑ ክርስቶስ ዘክሪ።ሽዑኡ ካብዚ ዘለኽዮ ፈተነ ኣምሊጥኪ መታን ክትዕወቲ፡ኦ ኣምላኽ ዝሕሸኒ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻሞ፡ነቲ ዝሕሸኒ ስደደለይ ኢልኪ ለምኒ። ሰይጣን በዛ ልማኖዚኣ ተጠቒሙ ኢዩ፡ናብ ሓጥያት ዝሸመኪ፡ንስኺ ንጽቡቕ ዝሓሰብክዮ፡ሰይጣን ግን ምስ ብዙሓት ኣብ ዓራት ኮይንኪ ከምትዘሪ ይገብረኪ ኣሎ።ኣስተውዕሊምበር ኣይትተሃመሊ።
¶¶¶ መደምደምታ-
ልብና ንምስጋና የንቅድ።ሕልና ወድሰብ ካብ ምስጋና እንተተነፊጉ፡ክወድቕ ግድን ኢዩ።ዓወት ብምስጋና ኢዩ ዝጅምር፡ብምስጋና ከኣ ይጭረስ።ውድቀት ድማ ብምምራር፡ኣብዛ ሓጻር ደቓይቕ፡ኩሉ ታሪኽ ሂዎትካ እንዳገንጸልካ ንእግዚኣብሄር ተመስጊንካዮ፡ማዕረ ክንደይ ዝኣኽሉ ቅድስናታት ከምዘጠራቐምካ ተመልከት።ቅዱሳን መላእኽቲ 24 ሰዓታት ኣብ ምስጋና ይተግሁ።ንስኻ/ ንስኺውን ኣብዛ ንእሽቶ ናይ ኮቦርታ ወቕቲ ኣብ ምስጋና እንተተጸሚድካ፡ምስ ቅዱሳን እንዳሓበርካ ኢካ።ንስኻ ከይፈለጥካ ምስጋናኻ ግን ናብ መምበረ ጻባኦት ይዓርግሞ መልሲ ሒዙ ድማ ኣብ ደቓይቕ ደበኽ ይብለካ።ለካ በረኸትሲ ኣብ ኮቦርታውን ኣሎ ኢዩ።
ኣብ ኮቦርታ ኮይና፡ንነፍሲ ወከፍ ታሪኽኻ ብዓይኒ ዘይዕጋበት፡ኣብ እግዚኣብሄር ድማ ብፍላይ ብዓይኒ ቅሬታ ትጥምቶም ተኾይንካ ግን፡ከይተረዳኣካ ምስ ፈጣሪኻ እንዳተዳረግካ ኢኻ።መን ኮይንካ ኢኻሞ ንፈጣሪኻ ትከራኸር፧ ዋላ ኣለኒ ኢልካ እትምሓክሉ ግብሪ ጽድቂ ይሃልኻ፡ንሱስ ብዘይ ረዲኤት እግዚኣብሄርዶ ፈጺምካዮ ኢኻ፧ ኣይፋልካን።በዛ ንእሽቶ ናይ ኮቦርታ ሓጥያት ኣብ መንበረ ሲኦል ብዙሓት ኣጋንንቲ ዕልልተኦም ደርጊሖም ኣሎዉ።ወዮ ንስኻ ኣይፈለጥካን እምበር በዛ ኣብ ኣምላኽኻ ዝፈጸምካያ ንእሽቶ ቅሬታ ማሕበረ ኣጋንንቲ ብሕበረት ናይ ታሕጓ ጨብጨባ ኣስሚዖም ኢዮም።ስለዚ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከይዶም፡"እቲ ንስኻ ኣብ መስቀል ተሰቒልካ ዝዓደግካዮስ፡ሕጂ ናትና ኮይኑ፡እቲ ዝተበጃኻዮስ፡ባዕሉ ተማሪኽልና፡እንቋዕ ሓጎሰካ፡" ዝብል ባጫ የስምዑ'ለዉ።ዕጉስ እግዚኣብሄር ግን ትንሳኤኻ ክጽበ ይጽመመካ።እሞ ወገነይ ድቃስ ናይ ሞት ምሳሌ ኢዩ።ቅዱሳን ኣበው ፡ንእሽቶ ሞት ኢሎም ይሰምይዎ ንድቃስ።እሞ እዛ ሰዓት እዚኣ ምላልባሽ እግዚኣብሄር ናይ መወዳእታ ትዕግስቱ ክትከውን ስለትኽእል፡ንጽባሕ ወጊሓ ንንስሓ መታን ክትዳሎ ንኣምላኻ ዕድመን ንስሓን ለምኖ።ነዛ ግዜዚኣ ሓጻር ኢያ ኢልካ ከይነዓቕካ፡ ከም ፍያታዊ ዘየማን ተጠቐመላ። 
"ተዘከረኒ እግዚኦ በውስተ መንግስትከ።"
ዕለት 27 may 2017 ተጻሓፉ
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...