onsdag 20. juni 2018

ስለሰማእታት ኤርትራን ስእላዊ ገለጻ ናይ ሎሚ ደቆምን!

በስመ ሥላሴ



Bilderesultat for conversation between peoples
ዝኸበርካ ኣንባቢ፣እዚ ጽሑፍ፣ ንነፍሲ-ወከፍ ልቢ ኤርትራዊ፣ ስምምዓዊ ፍቕሪ ዝጽውዕ መቓልሕ እምበር፣ ዝኾነ ይኹን ፖሎቲካዊ ወይ ወገናዊ ጽግዕተኝነት ተገይሩ ዝተጻሕፋ ከምዘይኮነ ኣቐዲመ ክነግር ይፈቱ።
ሰናይ ንባብ...

ጽሓይ ካልኦት ንኸብርቑ፣ጽሓዮም ብፍታዎም ኣዕሪቦም፣ከባቢኦም ብነበልባል እሳት ተኸቢቡ፣ሰማይ ናፓልን ብኢደ ሰብ ዝተሰርሐ እሳተ ጎሞራን ዘኒቡ፣ሓዳርን ናብራን ይጽናሓላና ብምባል፣ ኣብ ትማሊ ኮይኖም፣ ንሎሚ ኣወንዚፎም  ስለሎሚ ሓሊፎም።ኤርትራ እትበሃል ምድሪ ካብ ታሪኽ ዓለም ክትሕክኽ ብወግዒ ተኣውጁ ንዝነበረ ኢፍትሓዊ ኣዋጅ፣ብተበጃውነቶም ህልውነኣ ቀጻልነት ከምዝህልዎ ገይሮም።በብዘመናት ዝተበገሱ ሓይለ ዓለማት ናይዛ ምድሪ፣ነቲ ብሃይማኖቱን፣ቅዱው ስነ ምግባሩን ዝፍለጥ ዝነበረ ብኹሉንትኑሁ ሕፉር ህዝቢ ኤርትራ፣ኣፉ ተለዂኹ፣ኣስቃጢ ኮይኑ ንክተርፍ፣ባህሉን ሃይማኖቱን ተበሪዙ፣ክቡራን ልምድታቱ ብባዕዳውያን ብፍታዉ ንኽውረር ኣሕሊፉ ክህብ፣ኩላቶም ገዛእቱ በብእብረ መመጺኦም ኣግባዕቢዖምሉ ምንባሮም ናይ ቀረባ መዛግብቲ ታሪኽ ዝትርኾ ሓቂ ኢዩ።

ንዘመናት ተቐቢሩ ዝነበረ ታሪኽዛ ምድሪ፡ ታሪኽ ኤርትራ፣ሎሚ ተፋሒሩ ናብ ዓለም መታን ክዝርጋሕ፡ ንሳቶም እዞም ሳማእታታ ናብዛ መሬት ክቕበሩ በረኻ ወጹ።ኣብዛ ምድሪ ነጊሱ ዝነበረ ልበ-ስሱዓዊ ስምዒት ተፋሒቑ፣ እዚ ናይ ሎሚ ትውልዲ 'ንስኻ ንበር ኣነ ግን ኣብ ክንዳኻ ክሓልፍ'የ' ዝብል ካሪክለም መታን ክለማመድ፣ታሪኾም እናሻዕ ዓመት መጸ ይትረኽ ኣሎ።መዓልቲ ስውኣት ኤርትራ 20 ሰነ። ሽምዓ ዋና ቀማሚት ናይቲ ታሪኽ ኮይና ስለዝተረቖሐት ድማ፡ ዓመት መጸ "ከምዛ ሽምዓ ስለ ህልውና ህዝቢ ኤርትራ ሰብነቶም ኣብምኪኾም፣ብርሃን ኣንጸባርቖም" እናተባህለ ይዝንቶ ኣሎ።ኣብዚ መዓልቲዚ ልዕሊ ካዕበት እንግረመሉ ነገር ኣሎ፣፣ እዚ ኸኣ ዕላምኦም ኢዩ። እዞም ስውኣትና ኢልና ብልብና ሃገራዊ ክብሪ እንህቦም ኣቦታትናን ኣያታትናን፣ ኣብ ግዜ ፖሎቲካዊ ቃልሶም፣ኣብ መንጎኦም ብዙሕ ፍልልያት ነይርዎም እናሃለወ'ዩ።ሃይማኖት፣ግላዊ ኣረኣእያ፣ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኣተሓሳስባ፣ ቤተሰባዊ ክብሪ፣ ዓሌት ቋንቋ፣ እንዳ፣ ሃብቲ፣ ዝና ወዘተ።ነዞም ፍልልያት እዚኣቶም ጸይሮም፡ እረ ኣብ ገለ ገሊኡ ዓመታትሲ፣ናብ ከቢድ ውግእ ሕድሕድ ክሳብ ዘብጽሕ ፖሎቲካዊ ጎንጺ ገጢጥምዎም እኳ እንተነበረ፣ ነቶም ረዘንቲ ፍልልያት ንድሕሪት ኣወንዚፎም፣  እቲ ከሰማምዖም ዝኽእል ናይ ሓባር ነጥቢ ጥራይ ቅድመ ኲነት ብምሕሳብ፣ስለጉዙፍ ሓባራዊ ዕላማ ክብሉ ብመስዋእቲ ሓሊፎም።

ኣብ ሎሚ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ኣብ ሓድሕዱ ዕቡጥ ቅሬታ ዘለዎም መሲሉ ይረአ እነሀ። ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ዝቕመጥ ህዝቢ፡ ኣብ ክንዲ ብዛዕባ እቶም ሓደ ክገብርዎ ዝኽእሉ ጉዳያት ዓቲቦም ዝዝትዩ፣ ቅድመ ዝኣገረ፣ብዛዕባ ፍልልያቶም ክላዘቡ ክብሉ፣ ከይተላዘቡ ጽዓይ ትዓርቦም ኣላ።ሰብ ምስ ሰብ ክረዳዳእ እንተኾይኑ፣ ቅድም ብዛዕባ'ቶም ሓደ ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገራት ብዕምቆት ክላዘብ ኣሎዎ።እምርከስ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ፍልልያት፣ ዕቡጥ ጓህሪ ተቐሚሩ'ሎ። ምይይጥ ብዛዕባ ፍልልያት ጅምር እንክብል ድማ፣ እዚ ዕቡጥ ጓህሪዚ ተተኲሱ ይወጽእ'ሎ። ሽዑ ፍቕሪ ከምጽእ ዘይኮነስ፣ ነታ ዝነበረት ቁንጣሮ ፍቕሪ እኳ በኣጋ ኣንፊጹ፡ ትርኑዕ ጽልኢ ኣብ መንጎ ህዝብታት ከምዝትከል'ዩ ዝገብር። ይተከል ድማ ኣሎ፡ እነሆ ካብ ዝትከልውን ዓመታት ፈሊሙ'ሎ!

እምበኣር ኣብ ውሽጥን ወጻእን እንነብር ህዝቢ ኤርትራ፣ ፍቕሪ ንኹሉ ሕብረተ-ሰብ ከተሰማምዕ እትኽእል እኽልቲ ቋንቋ እያ። እሞ ውሽጣዊ ይኹን ደጋዊ እምነትና ከይተተናኸፍና፡ ኣብ ዘራጽሙና ነገራት ድማ ከየድሃብና፡ ስለቲ ብመገድና ክውለድ ዝኽእል ትውልዲ ክንሓስብን ባይታ ክንፈጥርን መታን ክንክእል፡  በብክእለትና ስለፍቕሪ ንምከር።

ስለፍቕሪ ልዝብ ንምግባር ድማ፣ምዕራፍ ሓደ በቶም ዘሰማምዑና ነገራት ምጅማር'ዩ ዘድሊ። ንምሳሌ፡ ካብ ሓንቲ ማህጸን ዝወጹ ክልተ መንእሰያት፡ ክልቲኣቶም ዘይሰማምዕሉ ብዙሓት ነገራት ክህልዉ ባህርያዊ ኢዩ። ክንዮ'ዚ ውን፡ ክልተ ኣሕዋት ንኣከባብያውን ውሽጣውን ኣተሓሳስባኦም ዝምልከት፣ 100% ተሰማሚዖም ካብ ዝነብሩ፣ ፍልልያት ክህልዎም ይምረጽ።ንኣብነት ቻይናን ኣሜሪካን ፍልልያት ተዘይህልወን ውድድር ኣይምገበራን፣ ሩስያን ጀርመንን 100% ስምምዕ ተዝህልወን ናብዚ በጺሐንኦ ዘለዋ ምዕባለ ኣይምበጽሓን። ፍልልያት ንብልሒ እምበር፣ንጎንጺ ኣይኮኑን ዝጠቕሙ።ሓሙሽቴአን ኣጻብዕተይ በበይኑ ቁመት ድኣ ይሃልወን እምበር፣ ፍልልያተን ጸይረን ይምግባኒ ኣለዋ። በቲ ዝህባኒ መግቦት ድማ ንዓይ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንናይ ገዛእ-ርእሰን ህላወ'ውን ዓቢት ተራ ኴንወን ኣሎ። 

እምበኣር ነዞም ፍልልያት እዚኣቶም ብፍቕሪ ክትጥቀመሎም እንተሃቂንካ፣ ፍልልያት ንዕቤት ዘእንፍቱ መራሕቲ ቀስቲ ይኾኑ። ክልተ ኣሕዋት ክልተ በበይኑ ሓሳባት እንተሃልይዎም፣ በቶም ዘሰማምዑ ነገራት ግን ስለትሳማማዕ ልዝብካ ክባተኽ ግቡእ ኣይኮነን። ዘይተሰማምዕ ሓንቲ ነጥቢ ስለዝተረኽበት ጥራይ፣ ነቲ ገዚፍ መሰማምዒ ድልድል ክተፍርሶ ክትብል ኣብ ሓድሕድካ ከቢድ ክሳራ ኢዩ ዝፍጠር። እወ ዕድሜኻ፡ ፍልጠትካ፡ ሕውነትካ፡ ፍቕርኻ፡ ሃገርካ ትኸስር። ድማ ዘይምስምማዕ ኣባና ኣብ ብዙሓት ዝተጀመረ ኣይኮነን። ኣሽንካይዶ ንሕና ብቑጽሪ ሚልዮናት ደቂ ሰባትሲ፣ እቶም ሒደት ኣዳምን ሄዋንን'ኳ፡ ሓደ ኮይኖም ክሰማምዑ ኣይተኻእሎምን። ነዛ ብኮ መዝሚዙ ድማ ሰይጣን፣ ጨሪሶም ተበቲኖምሉ ዝነብሩ መገዲ ንምንዳይ ኣይተጸገመን። ሰንኪዚ ከኣ ዝነበሮም ክብሪ ክንፈጎም ክኢሉ።

ካልእ ኣብነት፣ ኣሽንካይዶ ንሕና ከም ኣብ ምድሪ እንነብር ሰባትሲ፣ኣብ ውሽጢ ማህጸን ዝነበሩ፡ ያዕቆብን ኤሳውን'ውን  ክሰማምዑ ኣይከኣሉን። ንሕናስ ኣብዛ ዓለም ክሳብ ቴስዓ ዓመት ንምምባር ፍልልያት ከነምጽእ ግድነት'ዩ። ያዕቆብን ኤሳውን ግን፡ ካብ ማህጸን ክሳብ ዝወጹ፡ ንትሽዓተ ኣዋርሕ ጥራይ ተዋሂብዎም ከብቅዕ፣ ብምድፍፋእ'ዮም ግዜኦም ኣሕሊፎሞ። ኣማሲኡ ድማ እቲ ኣብ ፍልልያት ጥራይ ኣተኲሮ ምግባር፡ ድሕሪ ልደቶም ስለዝቐጸልዎ፣ ክሳብ ዓመታት ተረሓሒቕዕም ብሕኒን እንዳተጠማመቱ ኣሕሊፎሞ። መወዳእቶኦም ደኣ ፍቕሪ ኣሰኒፋቶም'ምበር።እወ  ፍቕሪ ኣብቲ ስግር ሩባ፡ ተሓናኒቕቖም ክቃተሉ ዘይኮነሲ፣ ሕንቕንቕ እናሎም ተሓቛቚፎም ከም ዝሰዓዓሙ ገይራቶም።

ስለዚ ካብቶም ገዘፍቲ ኣሰማማዕቲ ነገራት ዝበሃሉ ናይ ሓባር ቋንቋታትና፡ ቊጽሪ ሓደ ፍቕሪ'ያ። ፍቕሪ ንዂላቶም ፍልልያት ከምትጸውር እትገብር ገዛፍ እምባ ኢያ። ብጽልኢ ቂሒሩ ዝነበረ ልቢ፣ ፍቕሪ ከተራጋግኦ እኹል ዓቕሚ ኣሎዋ።ፍቕሪ ሃይማኖት ወይ እምነት፣ ሕብሪ-ቆርበት፡ ሃብቲ፣ ዝና፣ፖሎቲካ፣ ገዛውቲ፣ ዓሌት፣ ቋንቋ፣ ባህሊ ወዘተ ኣይትፈልን ኢያ። ሰብ ንዘበለ ኲሉ ብዘይኣፋላላይ ከተፍቅሮ ከምዘለካ፡ ተፎጥሮኣዊ ግዴታ ሒዛ እትርከብ ኣርማ'ያ ፍቕሪ።ስለዚ ንስኻ ከም ሰብ ንሰብ ተፍቅር እንተኾይንካ፣ ነቲ ካብ ኣተሓሳስባኻ ዝተፈልየ ኮይኑ ዝተረኽበ ሰብ፣ ሓሳባትካ ንምግላጽ እትጥቀመሉ ቅማሜ ፍቕሪ ዝመለኦ፣ንዕቀት ዘወገደ እንተዘይኮይኑ፣ ዋላ ንስኻ ቅኑዕ ሃሉ፣ቅንዕናኻ ንዑኡ ዋጋ ኣልቦ ኴኑ ኢዩ ክረኣዮ።ንሱ ጥራይ ከይኣክል ድማ፣ኣባኻ ገዚፍ ጽልኢ ንኸሐድር ባይታ ትፈጥረሉ ምህላውካ'ዩ። እምበኣር ሓወይ፣ዋላ ንሱ ንሰናያትካ ዝጸልእ ሰብ ይኹን፣ንስኻ ግን ድሌታትካ ንምግላጽ ፍቕራያን ቃላት፣ፍቕራዊት ልቢ፣ብፍቕሪ ዝተቐብኡ ከናፍር ኣጥሪ። ዘመኑ ንዓለምና ፍቕሪ ፍቕሪ ከምትሽትት ይግበራ ስለዘሎ፡ ( ዜና ዕርቂ ክልቲኤን ኮርያን፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ማለት'ዩ)  በዚ ሽታዚ ክትማረኽ እምበር፣ካብ ፍቕሪ እትሃድመሉ ምኽንያት ንምርካብ ሃሰው ክትብል ኣይትንበር።

ብኻልእ ገጻት ድማ ዝኸፈአ ጽልእኻ ንምንጋር  ኣሽሙር ዝብሃል ጣቋ ኣሎ።ብደጊኡ ፍቕሪ ለበሰ ዝመስል፣ ኣብ ውሽጡ ግን ድጉል ጽልኢ።ኣሽሙር ንኣሽሓት ደቂዛ ምድሪ፣ ንሞት ተፈሪድሎም ከምዝጠፍኡ ዝገበረ፣ ረቂቕ ኲናት ኢዩ።ፍቕሪ ኣሎኒ እናበልካ፡ በንጻሩ ኣሽሙራት ትነዝሕ እንተኾይንካ፣ፍቕራዊት ልብኻ ካባኻ ጎጥጒጥካ ብምውጻእ፣ ብጽልኢ እንዳተካእኻያ ኢኻ።እቲ ምሳኻ ብዛዕባ ፍልልያትኩም ዝማጎት  ዘሎ ሰብ፣ ቅድሚ ምስኡ ክትላዘብ ምጅማርካ፣ከማኻ ሰብ ምኻኑ ፍለጥ። ምስ ሰብ ትላዘብ ተሃሊኻ፡ ሰብኣዊ ፍቕሪ ክትልግሰሉ ሕገ ተፈጥሮ ይግድደካ ኢዩ። ሓሳብካ ቅድሚ ክትገልጽ ምጅማርካ፡ ነቲ ሰብ ብዘይ ነግ ፈረግ ከተፍቅሮ ሓልን። ሽዑኡ እቶም ንሱ ዘውጽኦም ቃላት ዋላ ጎዳእቲ ይኹኑ፣ ኣማሲኡ ንዑኡ እምበር ንዓኻ ኣይክጎድኡኻን ኢዮም።ንዑኡ ተጎዲኦሞ ድማ ውዒሉ ሓዲሩ ክጠዓሰሎም ምዃኑ ኣይትዘንግዕ።


እግዚአብሔር ኣምላኽና፡ ንህዝብናን ሃገርናን ዓለምናን ዘሰማምዕ መንፈሳዊ ፍቕሪ፡ ንነፍሲ-ወከፍና ክምጥወልና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን።እቶም ወትሩ ኣብ ሕልናና ዘለዉ ሰማእታት ኤርትራ ድማ፣እግዚአብሔር ኣምላኽ ነፍሶም የዕርፍ። ደቆምን ቤተ-ሰቦምን ድማ ጽንዓቱ በረኸቱን ይልኣኽ።

ወስብሀት ለእግዚአብሔር!



…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...