torsdag 30. mars 2017

ኣዘንትዉልናሞ ከነዘንትወልኩም!

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
ኣዘንትዉልናሞ ከነዘንትወልኩም!
ብዛዕባ ጽባቐ ወርሒ ብሳትላይት ኬይድኩም ዝፈለጥኩሞ ንገሩናሞ፡ንሕና ከኣ ብዛዕባ ፈጣሪኣ ክንነግረኩም! ብዛዕባ ናይ ጸሓይ ሓያልነት ንገሩናሞ፡ንሓና ድማ ብዛዕባ ኣማናዊ ጽሓየ ጽድቅ ፈጣሪ ጽሓይ ክንነግረኩም፡ብዛዕባ ስፍሓት ኣድማስ(UNVERSE) ዝበጻሕኩሞ ምዕባለ ንግሆ ንግሆ ብዜና መልክዕ ጌይርኩም ንገሩናሞ፡ንሕና ድማ ብዛዕቢቲ ልዕሊ ኣእምሮ ዝኾነ ስሉስ ቅዱስ ናይ ኣድማስ ፈጣሪ ክንነግረኩም።
ኣንቱም ተማራመርቲዶ ክንብለኩም ወይሲ ጽዓዱ!
ኣይ ምኹና ሎሚ ግዳ ኩሉ እንድዪ ኣፍ ኣውጺኡ ተማራማሪ ኮይኑ፡ ክነግረካ ዝብል እምበር ንገረኒ ዝብል ተሳኢኑ፡እመነኒ ዝብል እምበር ብዛዕባ ኣምላኽ ኣእምነኒ ዝብል ተሳኢኒ።ስምዑ ግዳ፡- እዚ ኩሉ ብዛዕባ እቲ ብዝተፈላለየ ሳትላይታት ብዝረኸብኩሞ ሓበሬታ፡ንምንጋር ትቀላጠፉ ኣሎኹም እሞ፡ብዛዕባቲ ነቲ ዝረኸብኪሞ ሓቤሬታታት ዝፈጠረ ልዑል ህልውና ፍጣሪ ክንነግረኪም ከኣ ጽን ኢልኩም ስሙዑና።
ህልውና ንፋስ እንዳኣመንኩምሲ፡ከመይ ኢልኩም ህልውና ፈጣሪ ናይ ንፋስ ምርዳእ ኣበየኩም?
ሓደ ዓይነስዉር ሰብ ብርሃን ከምዘሎ ይኣምን ኢዩ፡ሓንቲ መዓልቲ ግን ብርሃን ርእዩ ኣይፈልጥን፡ነዚ ዓይነስዉዚ ሓደ ግዜ ብሕልናይ ኮይነ ሓቲተዮ?" ነዞም ፈጣሪ የለን ዝብሉ እንታይ ኢልካ መረዳእካዮም "በልክዎ፥ ንሱ ውን ብሕልና መለሰለይ።ኣነውን ብሕልና ኮይነ መልሱ ሰማዕኩ።"ፈጣሪ የለን ክብሉ እንከለዉሲ፡ኣነ ዓይነስዉር ኮይነ ዘለኹሉ ዘመን ኩሎም ነገራት ህልውነኦም ክኽሕድ እንተዝብሎም፡ዝሕዝዎን ዝጭብጥዎን ምጠፈኦም።ምኽንያቱ ንሳቶም ዘምልኽዎ ኣብ ዝርአን ዝጭበጥን እምበር ኣብ ረቒቕ ልዕሊ ኣእምሮ ዝኾነ ኣምላኽ ከምልኹ ብቕዓቶም ውን ላሕሊሑ ኢዪ።ስለዚ ኣነ ዓይነስዉር ኮይነ፡ ፍጥረት ዝበሃል የለን፡ብዜካ ኣነ ንነብሰይ ምሳይ ስለዘላ እምበር ካልእ ፍጥረት የለን፡እንተዝብሎም፡"ካልእሲ ይትረፍ ብዛዕባ ህልውናና ክትኣምን ኣሎካ" ኢሎም ናይ ገዛእ ርእሶም ህልውና ተቐርቆርቲ ምኾኑ" ኢሉ እዚ ዓይነስዉር መለሰለይ።
ዘመንና ተማህሮ ዝውሕድሉ፡ዕልቕልቕ ናይ መምሃራን ግን ልዕሊ መጠን ኣብ ዓለም ዝዝርገሓሉ ግዜ ኢዩ።ዝገርም ግን መብዛሕትኦም እቶም መምሃራን ብዛዕባ ርእሶም እምበር ብዛዕባ ፈጣሪኦም ኣይምህሩን።
እግዚኣብሄር ሆይ ኣነ ደካማ ባርያኻ፡ስምካ ክጽውዕ ዘይበቅዕ ሓጥእ ኢየሞ፡ብዝገበርክዎ በደል፡ዝፈልጦን ዘይፈልጦን ንስኻ ንኹሉ ትፈልጦ ኢኻሞ፡ብዝሓለፈ መሓረኒ፡ብዝመጽእ ብወላዲትካ ደጊፈኒ፡ንኹሎም ፍጥረትካ ብፍላይ ነቶም ዝተበጀኻና ደቅኻ ምሕረትካ ኣፍሥሰልና።ክብርን ምስጋናን ዕቤትን ግርማን ውዳሴን ኣምልኾን ብሓደ ኣምላኽ ብዝኾነ ንኣብምን ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን ሎምን ኩሉሳዕን ኣሜን።
በረኸታ ረዲኤታ ናይ ወላዲተ ኣምላኽ ኣይፈለየና ኣሜን።
ብዛዕባ ህልውና እግዚኣብሄር ዝወሃብ ትምህርቲ

ሼመታ ሓሲሩስ ዓጸቦ ግን ኣስፋሕፊሑ!

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን
ሼመታ ሓሲሩስ ዓጸቦ ግን ኣስፋሕፊሑ!
ከብዲ ክትጠሚ እንከላ ኣብ ቅድሚኣ ዝረኣያ ብልዖት ኢዩ፡ክትበልዕ እንተኾይና ግን ሸውሃት ክኽፈት ኣሎዎ።ቅድሚ ሸውሃት ምኽፋቱ ድማ ውሓለ ሰራሒ መግቢ፡ጥበብ ዝተመለኦ ኢድ የድሊ፡መቸም ኣብ ዓድና ምስ በልዓኻ ምስ ጸገብካ እንታይ ኢዩ ዝብሃል"ጡዑም ጡዑም!" እቲ ኣእንጋዲ በዓል ውራይ ብፍላይ ብዓል ሓዳር እንተኾይኑሞ፡ክልቲኦም ብሓደ እንተጸኒሒም፡ብሓደ ድምጺ"ጡዕም ይሃብካ!" ኢሎም ይምልሱ።እዚ መልሲዚውን ነቲ ተመጊቡ ዝጸገበ ተመጋቢ ካልኣይ መግቢ ኮይኑ ኣብርሲ እቲ ዝበልዖ ካልእ ብልዖት ይኾኖ።ነዚ ዝቕበል ስምዒት ውን ሸውሃት የድሊ፡ኩሉ ብሸውሃት ኢዩ ዝኾውን፡ሸውሃት እንተትዓጽዩ፡ተንዲኖ መጽኡ ክፍንቅሎ ኣይከኣልን።
ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ኣብ ዓለም ዓቢ ዓጸቦ ኣትዩ ኣሎ፡እቲ ዘገርም መግቢ ስለዝኸበረ፡መግዚኢ ገንዘብ ስለዝተሳእነ ኣይኮነን፡እቲ መግቢ ሕሱር ኢዩ፡እረ ምንም ትኸፍሎ ዋጋስ ምስቲ ትምገቦ መግብን፡ምስቲ ጣዕምኡን ኣወዳዲርካ፡ትኽፍሎ ዋጋ ዳርጋ የለን ኢዩ ዝብሀል።ቅዱስ ዳዊት" ጼኣ ወባህበሄ ኣዕጽምትየ፡እምገጸ ኣበድየ፡(መዝ37፥5)ትርጉም ካብ ሓጥያተይ ዝተላዕለ ኣዕጽምተይ ይሞግል ኣሎ ይብል።ምግሊ ሓደ ካብቶም ንሸውሃት ዝዓጽዉ፡ዓበይቲ መዓጹ ኢዩ።ምግሊ እተሪኢኻ፡ምሉእ ሕልናኻ ረሸሽ ኢዩ ዝብለካ፡ይዋእ ኣብዚ ዘመን ዘለና ደቂ ኣዳም፡እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ምግሊ ነቲ ካብ እግዚኣብሄር ከም ካብ ጭሔሎ ዝፈሥስ ምሕረቱ ንኸይንምገብ ንመንፈሳዊ ሸውሃትና ዓጽይዎ ይርከብ።እኽሊ ክሓስር ይኽእል ኢዩ፡ስርናይ ክሓስር ይኽእል'ዩ፡ስገም ክሓስር ይኽእል ኢዩ፡ገንዘብውን ክሓስር ይኽእል ኢዩ፡እረ ሎምስ ብዙሕ ጻዕሪ ከይገበርካ ብድቅስካ ገንዘብካ እንዳተዋህብካ ዝንበሮ ዘሎ ናብራ ስለዝኾነ ኣብነት መረዳእታ ዘድልይክ ኣይኮነን፡ኣዚ ብቐሊሉ ዝርብ ክኾውን ይኽእል ኢዩ።እቲ ዝሓሰረ፡እረ ብቀሊሉ ዝርከብ፡ብጣምነቱን፡ፈዋስነቱ ምንም መወዳድርቲ ዘይብሉ ግን ምሕረት እግዚኣብሄር ኢዩ።
እግዚኣብሄር ፡ነፍሲ ወድ ሰብ መታን ክትምገብ ኢሉ፡ምሕረቱ የፍስስ፡ነፍሲ ወድሰብ ግን እቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ሓጥያታዊ ምግሊ ንሸውሃታ ስለዝኽልክሎ፡ነቲ መግቦተ ምሕረተ እግዚኣብሄር ንኸይትምገብ ምኽንታት ይኾና።ብዘይ ውረድ ደይብ፡ምሕረቱ ምሉእ እንዳሃለወ፡ሓጥያታዊ ምጉልና ግን ነዚ ምሕረትዚ ንኸይንምገብ ሸውሃትና ዓጽይዎ።ምሕረቱ ምሉእ ብምሉእ ይፈስስ ኢዩ፡ዝምገብዎ ግን ውሕዳት ኢዩ።ናይዞም ምሕረት እግዚኣብሄር ዝምገቡ ሰባት"ጥዑም ጥዑም" ዝብል ድምጺ ካብ ገጾም ይንበብ።ኣፎም እካ እንተዘይተዛረበ፡ኣካይደኦም፡መንፈሳውነቶም ግን መጋልሕ ድምጺ ገይሩ ይጭርሕ።"ጥዑም ይሃብህካ" ዝብል ድምጺ ድማ ካብቲ ናይ ባህሪ ወሃቢ ምሕረት እግዚኣብሄር ዘይኮነስ፡ካብቶም ክኣስሩን ክፈትሑን ካብ ሞሎኮታዊ ባህሪኡ ስልጣናዊ ጸጋ ዝመቐሎም ካህናት ይስማዕ፡ንሳቶም ቅዳሴ ኣቐዲሶም ነቲ ኣማናዊ ምሕረት ዝኾነ ብልዒ ነፍሲ፡ንስጋን ንነፍስን ከኣ ዝፍውስ ቅዱስ ስጋ ወደሙ ይህቡና።እዘን ነዚ ዝሰርሓ ዘለዋ ናይ ካህናት የእዳው፡ኣፎም እካ "ጥዑም ይሃብኩም" ክብል እንተዘይተሰምዓ፡የእዳዎም ግን ከሳልማና እንከለዋ፡ነቲ መሎኮት ተንኪፈን ስለዝጸንሓ ናይ እንካዕ ደስ በለኩም፡ስግኡን ደሙን ተመጊብኩም እንካዕ ብመግቦቱ ዓገብኩም" ዝብል ብስራት ሒዘን ካብ ውሻጠ ቅድስተ ቅዱሳን፡መንጦላዕተ ብርሃን ወጽየን ናብ ኩሉና ክዘራ ብየዒንትና ንርእየን።
ኦ ህዝቢ እግዚኣብሄር ምሕረት ኣምላኽ ብገንዘብ እንተትግዛእ መን ምገዝኣ፡ምሕረት ኣምላኽ ተሰዲድካ እንተትርከብ መን ምረኸባ? ምሕረት ኣምላኽ ተማሂርካ ተማራሚርካ እንተትብጻሕ መን ምበጽሓ፧እግዚኣብሄር ግን ነቲ ካብ ኩሉሉሉ ዝኸበረ ነገር፡ካብ ኩሉ ዝሓሰረ ገይሩ ብቐሊሉ ከም ዝርከብ ገ ገበሮ።ምላልባሽ ሓደ ሰብ ንስሓ ስለዝኣተወ፡ጾም ጸሎት፡ስግዳን፡ምጽዋት ወዘተ ነዚኦም ስለዝገበረ፡"ኣነሞ ከፊለ እንድየ፡እቲ ዝኸፈልክዎ ዋጋኮ ማዕሪኡ ክንድቲ ዝምሕረኒ ኢየ ከፊለዮ" ዝብል ኣይስኣንን።
ኣይኮነን! ፍጹም ኣይኮነን፡እግዚኣብሄር ንዝምሕረና ምሕረት ዋላ ሓደ ዝዋዳደሮን ዝመዓራረዮን የብሉን፡ነፍስና ንስሓ ክትኣቱ እንከላ፡ነቲ ካብ እግዚኣብሄር ዝምጦ ምሕረት ማዕረ ዋጋ ንኽትከፍል ኢላ ዘይኮነትሲ፡እቲ መሓሪ ባዕሉ ብጸግኡ "ንምሕረተይ ዝዋዳደር ነገር እካ ኣይሃሉ እምበር፡ተጣዒስኩም እንተመጻኹም ግን ምስቲ ጣዕሳኹም ኣረኣእየ፡ምሉእ ብምሉእ ምሕረተይ ክህበኩም ኢየ" ብምባል፡ንሕና ጣዕሳና ብንገልጸሉ ግዜ ንሱ ምሕረቱ ይኽዑ፡ንሕና ልብና ንህቦ ንሱ ምሕረቱ ንልብና ይመልኦ፡ንሕና ንመንገድና እንካ ምርሓዮ ንብሎ፡ንሱ ድማ ብምሕረቱ ነታ መንገዲ ቀጥ ዝበለት ሓንቲ ይገብራ።ለካ ኣብ መንጎ ምሕረት እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎናን ሸመታ ይፍጸም'ዩ፡እረ ዓቢ ዕዳጋ ኢዩ፡ብዓል ዱንካን እግዚኣብሄር'ዩ፡ሸማቶ ድማ ወድ ኣዳም፡እዛ ድንካን እዚኣ ትሕዝቶኣ ኣይውዳእን ኢዩ፡ግን ብጥርሑ ከኣ ይርከብ፡እቲ ዘድሊ ናብዛ ድንካን መጺኻ ሃበኒ ምባል ጥራይ ኢዩ።ንሰብ መዓልታዊ ሃበኒ የሸልችዎ ኢዩ፡ንእግዚኣብሄር እናሻዕ የሐጉሶ።
ናብ ሰብ ዝውንኖ ድንካን ኣቲና፡ይትረፍዶ እቲ ዝኸበረ ነገርሲ፡ዋላ እታ ዝሓሰረት ነገር ንበላ ብዘይ ዋጋ ኣይህበናን ኢዩ።እግዚኣብሄር ግን ልብና ምሉእ ብምሉ ተጣዒሱ፡'ሂዎተይ ብዘይዛ ድንካን እዚኣ ክዕረ ኣይክእልን ኢየሞ ናብዛ ቤት እዚኣ ክኸይድ' ኢልና፡ነቲ ወናኒ ምሕረት ፡ምሕረት ሃበኒ እንተኢልናዮ፡ ሓጥእ ነይርካ ክትምሓር፡ውሽጥኻ ብሓጥያት መጊሉ ክንሱ ብምሕረት ክጸሪ፡መንገድኻ ዘምቢሉ ዝነበረ ክዕረ እቲ ዝኸበረን ዝዓበየን ዋጋ ዝሓትት ክንሱ፡እግዚኣብሄር ነዛ ምሕረት እዚኣ ብፍቓዱ ብናጻ ይህበና።ወየ ወየ ወየ መልቀስ ዘድልዮ ወየ!!! እንታይ ዝበለ ዕሽነት ኢዩ ወሪሩና!!!ልብና ሸውሃታ ተዓጽዩ፡ሓወይ ምሕረት እግዚኣብሄር ትደሊዶ፧ንስኺኸ ሓፍተይ ክትምሓሪ ትደልዪዶ፧ ጣዕሳ ጥራይ ይሃልውካ እምበር ምሕረት ኣምላኽ እንሃ፡ፍቕሪ ኣምላኽ ጥራይ ይሃልውኪ እምበር ንሱስ ስሌኺ ክብል ክሳብ ሞት ዘፍቀረኪ መድሂን ዓለም ጣዕሳኺ ክጽበ የእዳዉ ዘርጊሑ እንሆ።
እግዚኣብሄር ሆይ፡ምሕረትካ ንኸይምገብ ሸውሃተይ ዝዓጸዉ ብዙሓት ሓጣውእ ኣሎዉ፡ኣብ ውሽጠይ ምግሊ እንዳሰርሑ ንኸይጥዓስንሞ ንስኻ ንከይትምሕረኒ፡ ከም ብተንዲኖ ዝተሰርሐ መንደቕ ኮይኖም ጋሪዶምኒ ኣሎ።ኦ እግዚኣብሄር ናባኻ ክምለስ ሓይሊ ሃበኒ፡እዛ ዓለም ብሰብ ኣዕለቕሊቓ ኢያ፡ነቦና ኖህ ኪዱ ንዓለም ምልእዋ ኢልካ ዝኣዘዝካና፡ምድሪ ብፍጥረካ መልአት፡ምሕረትካ ቀረባ እንዳሃለወ ግን ሸውሃትና ተዓጽዩ፡ብሰንኪ ሓጥያትናን ዕሽነትናን ናባኻ ምምላስ ሓንጊድና፡ኣምላኽና ሆይ ነዚ ኩሉ ፍጥረትካ ምሕረት ካባኻ ክሽምት ሓይሊ ሃቦ።እመ ኣምላክ ቅድስት ድንግል ማርያም ሆይ ናብዛ ምሕረት እዚኣ ክንምለስ ኪዳንኪ ይሓልወና፡ኣሜንንንን
ስብሀት ለስሉስ ቅዱስ እንዘ ሰለስቱ ኣካላት ወይትሀዱ በመለኮት፡ወስብሀት ለቅድስት በ2ኤ ማርያም ወስብሀት ለመስቀኩ ክቡር ኣሜን።

እዛ ናይ ሎሚ ልቢ ከመይ ትመስል $$

ብስም ኣቦን ወዱን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን።
እዛ ናይ ሎሚ ልቢ ከመይ ትመስል $$
ኣብዚ ዘመን ዘሎ ልቢ ክተንብቦ እንተፈቲንካ፡ብዙሕ ዝተባራጀወ ሕብረ ቐለም ኮይኑ ኢዩ ዝረኣየካ።ሕብሩ ከም ዝተሓዋወሰ ስእሊ'ዩ።ስእሊ ምካኑውን ክትፈልጦ ኣጸጋሚ ኢዩ።ሓደ ሰኣሊ ክስእል እንከሎ፡ብዝተፈላለየ ሕብረቐለም እካ ዘቀናብር እንተኾነ፡ ዝተዋሃሃደ ገይሩ ኢዩ ዝዓይዮ።ስቕ ኢሉ ድብልቕ ድብልቕ እንተኣቢልዎ ግን ንተዓዛቢኡ ጋዶ፡ንሰኣሊኡ ባዶ።
ናይዚ ኣብዚ ዘመንዚ ዘሎ ልቢ ግን ዝተዘባረቐ ኮይኑዩ ይጸንሓካ።ኣብ ክንዲ እንታይ ኢልካ፧ ኣነ ክብለካ ስምዓኒ፡፡ኣብ ክንዲ ኣይተረዳኣንንሞ ኣረደኣኒ please፡ ዝብል no ንዓ ከረድኣካ፡ከምዚ ኢዩ እቲ ሓቂ፡፡ኣብ ክንዲ ይሰምዓካ ኣሎኹሞ ቀጽል፡ሓንሳብ ስምዓኒ፡፡ኣብ ክንዲ እዚስ ዓቢ ኢዩሞ፡ዋላ ፍልጠተይ ዝያድኡ ይኹን ዓቕሊ ገይረ ክሰምዖ ኣሎኒ፡ዝብል መን ፍለጥ ኢሉካ፡ኣነዶ ንስኻ ፈላጥ።ኣብ ክንዲ ትሕት ኢልካ ምዝራብ፡ልብኻ ገቲርካ ሓቅነተይ ተዘይወጺኣስ ኣይ ኣነን ኢየ ዝብል ምጉት።
ብዓል ሓዳር ኮይንካ ፍቕርተይ ክሰምዓኪ ኢየሞ ዝስምዓኪ ናይ ልብኺ ስምዒት ዘበለ ኩሉ ግለጽለይ ጽን ኢለ ይሰምዕ ኣሎኹ ምብላ፡ተዘይ ሰምዒክኒ ፍጹም ጽልኣተይ ክገድድ ኢዩ፡፡ኣነ እንተሰሚዐኪ ስብኣይነተይ ይሰዓር ኣሎ።ኣብ ክንዲ እንታይ ኣሎ ዝጎደለባ ግለጽለይ ምባል፡no ዝጎደለ ኣነ ኢየ ክነግረኪ ዘለኒ፡፡ኣብ ክንዲ ግለጽኒስከ እንታይ ኢዩ ጉድለተይ ምባል፡ንዒ ስምዒኒ ዘዝረኣኹልኪ ኣበር ጋሕጊሐ ክነግረኪ ንስኺ ጥራይ ስምዒኒ።
ናይ ዘመንና ልቢ ክተንብቦ እንከለኻ፡ንዓ ንበበኒ እምበር፡ንዓ ከምብበካ ኣይኮነን።ንዓ ፍለጠኒ እምበር ንዓ ክፈልጠካ ኣይኮነን።ንዓ ረኣየኒ እምበር ንዓ ክርእየካ ኣይኮነን።ንዓ ስምዓኒ እምበር እሺ ክሰምዓካ ኣይኮነን።ተዓዘብ ጅግንነተይ እምበር፡ከመይ ደኣሉ ታሪኽካ ክዕዘቦሞ ተርኸለይባ ኣይኮነን።
ኣብ ዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሓን ብፍላይ ድማ ኣብ facebook ክትዕዘብ እንከለኻ፡ብዙሓት ካባና ካባይ ጀሚርካ፡እንታይ ከምዝስምዖም፡ብመልክዕ ጽሑፍ ጸጺሕፍካ post ምግባር፡ሓዘን እንተኾይኑ"ሓዚነ ኣሎኹሞ ንዑ ረኣዩኒ ኢልካ ናይ ሓዘን ምልክት post ምግባር፡እንተተሓጊስካ፡ከም ዓቢ ጅግንነት ስለዝሕሰብ "እንሆ ትማሊ ስዕስዕ ሓዲረ መረጋገጺ ኣብዚ እነሀለኩም፣" ኢልካ ምዝርጋሕ፡፡ወዮ ንሱ ሓጎስ ተሓሲቡምበር ጽላለ ኢዩ።
ምሸት ወይ ንግሆ ብደጋዊ ትርኢትካ ምስ ካልእ ኣንጻር ጾታኻ ንዘለካ ክቱር ሕቡእ ናይ ሕልና ዝሙት ንምትንታን፡እቲ ሰብ ገለ እንተተረደኣለይ ንምባል፡ ብዙሕ ዶክረሽን ብዝተሓወሶ ስእልኻ post ምግባር።ወይ ውን ምስሓንቲ ኣንጻር ጾታኻ፡ብስጋዊ ፍትወት ዝፈጸምካዮ ርኹስ ዝሙት፡'ዓርከይ ኢያ፡ዓርከይ ኢዩ፡ኣፍቃሪተይ ኢያ፡ኣፍቃሪየይ ኢዩ፣' ብዝብል ምስምስ፡ንዑ ረኣዩኒ ከምዚ ክንገብር ሓዲርና፡ኣብ ከምዚ በጺሕና፡ንዝብል ውሽጣዊ ስእልኻ ንምትራኽ፡ተሓቓቒፍካ እንከለኻ ብዘርኢ ስእሊ post ምግባር።ኣዝዩ ዘሕፍር ዘመን ተበጺሑ ኣሎ።ኣንቲ ልቢ ትጋገዪ ከምዘለኺኮ፡እንተ ኣምቢብኪ ኢኺ ትእረሚ እምበር፡ሰባት እንተምቢቦምኺ ደኣ ድምጺ ፈጣሪኺ ብኸመይ ክትረኽብዮ፧ ድምጺ ኣምላኽኮ ህ ፥- ! ኢልካ ኣምቢብካዩ እምበር ተነቢብካ ኣይኮነን።ሰሚዕካ ኢዩ እምበር፡ኣስምዒኻ ኣይኮነን።ተማሂርካ ኢዩምበር፡ምሂርካ ኣይኮነን።ቅድሚ ንሰብ ምምሃርካ ኢካ ትምሃር እምበር፡ንሰባት ድሕሪ ምምሃርካ ኣይሎነካን ትመሃር።
በንጻሩ ምላልባሽ ሓንቲ ናይ ቅድስና ስነምግባር እንተፈጺምካ ድማ፡ረኣዩኒ ኣነኮ ኣብዚ ደረጃዚ ዝበጻሕኩ ሰብ ኢየ፡ኢልካ ማዕረ ክንደይ ዑዉት ስራሕ ሰሪሕካ ንኽትሕበን post ምግባር።ኣዝዩ ብዙሕ ብዙሕ ብዙሕ።ዝገበርካዮ መንፈሳዊ ጅግንነትኮ፡ ብኢድ ኣምላኽካ ኣገናዕ ንኽትብሃል እምበር፡ሰባት ንኸንጨብጭቡልካ ኣይኮነን ክኸውን፡ነይርዎ።
ሰብ ኣምባቢ እንተኾይኑ ኢዩ ዝዓቢ፡ተነባባቢ ግን ኣብ ሂዎቱ ዘምጽኦ ለውጢ የብሉን።ህጻን ብባህሪኡ ንነገራት ብዓይኒ ተመሃራይ ኮይኑ ኢዩ ዝርእዮም።ናይ ለብዘመን ልቢ ግን እነሀለኹ ኣብዚ ንዑ ንበቡኒ ትብል ኮይና ነገራ።
እሞ መን ደኣሉ ክመሃር።እግዚኣብሄር ንሰብ ክፈጥሮ እንከሎ፡ኩሉ ዝፈልጥ ገይሩ ኣይፈጠሮን።ኣሽንካይዶ ሰብሲ ቅዱሳን መላእክት እንካን ኣዝዮም ፈላጣት ልዕሎ ኣእምሮና እረ ልዕሊ ሕልናና ፍልጠት ዝውንኒ እካ እንተኾኑ፡ክንዲ ናይ እግዚኣብሄር ዝኣክል ፍልጠት ግን ኣይውንኑ ኢዮም።ፍጹም ፈላጥ፡እግዚኣብሄር ኢዩ።ሰብውን ይፈልጥ እካ እንተኾነ ውሱን ፍልጠት ኢዩ ዝውንን።እሞ ነዛ ውሱን ፍልጠት ዘለዋ ልብና፡'ንዑ ስምዑኒ ኣነ ከፍልጠኩም' ዝብል ጭርሖ እንተኣሕንጊጥናያ፡መዓስ ደኣላ ንሳኸ ክትምሃር፧መዓስ ኢያ ፍቓድ ፈጣሪኣ ክትፈልጥ፧ሰብ ብዙሕ ፍልጠት ክውንን ይኽእልዩ።ዓባይ ፍልጠት ግን ብምሕረት ኣምላኽ ኢያ።እታ ቀዳመይቲ ክፈልጣ ዝግበኦ ፈጣሪኡ መን ምኻኑን፡ፍቓድ ፈጣሪኡን ኢያ።ፈጣሪኡ እንተፈሊጡ፡ብድሕሪኡ ዝመጽእ ናይ ፈጣሪኡ ትእዛዛት፡ንሱ ዝጸልኦን ንሱ ዝሕጎሰሉ ክምህሮ ኢዩ።
እሞ ኣንታ ናይ ለብዘመን ልቢ፡ብኣነ ክነግረካ ዝብል ስምዒት እንተተወጢርካ ደኣ፡ብኸመይ ኢኻ ፈጣሪኻ ክትፈልጥ፧ብኸመይከ ጽቡቕን ሕማቕን ዝኾነ ናይ ኣምላኽካ ፍቓድካ ክትምሃር፧
ኣንታ ልቢ ጽን በል እምበር፡ኣይትጨድር።ህ:-| ? በል እምበር ስምዓኒዶ ኣይትበል።ኣረድኣኒባ ምባል ይሕሸካ መታን ክትርዳእ፡ኩሉ ግዜ ኣረዳኢ ምኻን ግን ትርደኦ ነገር ክውሕደካ ኢዩ።ግለጸኒ ኣነ ከመይ ኢየ፡ጉድለተይባ ንገረኒ፡በል እምበር፡ንነፍሲ ወከፍ በሰራት ክትለቅም ኣይትወዓል።ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጉንዲ ከየውጻኻስ፡ከመይ ኣቢልካ ኣብቲ ሓውካ ዘሎ ገፈል ክትርኢ በቓዕካ።
ኣንቱም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ግን ኣብዛ ቅድስቲ ኣበር ዘየብላ ድንግል ዝኾነ ቤት እግዚኣብሄር፡ ምንፍቕና ከይትኣቱ፡ብደቂቕ ተኸታተሉ እምበር ሸለል ኣይትበሉ።እታ ንእሽቶ ስሕተት ትምህርቲ ኢያ ኢልኩም ዝገመትኩማ፡ሰይጣን ዝኣለማ ስለዝኾነት፡ምላልባሽ ጽባሕ ኣርዮስ ኮይና ክትመጽእ ትኽእል ኢያ።እታ ሕጂ ድሓን ብስጋኮ ሓወይ ኢዩ ኢልኩም ዝነፈግኩማ፡ጽባሕ ግን ልዮን ኮይና ጭሕምኹም ክትላጽየኩም ትኽእል ኢያ። እታ ሕጂ ድሓን ኣበይ ከይበጽሕ ኢልኩም ዝነዓቕኩማ፡ጽባሕ መንደረጋሕ ኮይና ክትመጽእ ትኽእል ኢያ።
ስለዚ ንፍቓድ ኣምላኽ ዝጠዊ ሰብ፡ዋላ ንእሽቶ ትኹን ሸለልታ ኣይግበኦን ኢዩ።ነገር ግን ንልቡ ብዘየጥፍእ፡ተስፋ ብዘየቑርጽ፡ካብ ቤት ኣምላኽ ከጥፍኦ ብዘይክእል ብፍጹም ትሕትና ፍቓድ ኣምላኽካ ኣረዳኣዮ።እዚውን ፍቓደኝነት ካብ ልቡ ክርከብ ኣሎዎ።ክርስቶስ ብዙሓት ህዝቢ ብዛዕባ ምስጢረ ቁርባን ስለዝመሃረ፡ብዙሓት ሰዓብቲ ንድሕሪት ተመለሱ።ሃዋርያትውን "እዚስ መን ክሰምዖ ይኽእል እጹብ ኢዩ"፡ኢሎም ንምእማኑ ኣሸገሮምሞ፡' no ግድን ክትኣምዎ ኣሎኩም፡ተዘይኮነ ብሴፍ ክውደኣኩም ኢዩ፣' ኣይበለን። እንታይ ደኣ፡ትምህርቱስ ትሕትናን ብናጻ ፍቓድን ዝተቓመመ ነበረ።' "ንስኻትኩምከ ክትከዱዶ ትደልዩ ኢኹም!' ኣዝዩ ደስ ዝብል ናይ ፍቕሪ ቃል ኢዩ።ፍቓድ ኣምላኽ ኣይቅየርን ኢዩ፡ብሓይሊ ዓሚጹ ግን ተቐበሉኒ ኣይብልን ኢዩ።"ተቐበልዎ ኣይትቀበልዎ እቲ ሓቂ እነግረኩም ኣሎኹ፥ ክትቅበሎ እትደሊ ነፍሲ ክትድሕን ኢያ፡ኣይኮውንን ኢዩ፡በዚ ምኻድ ይሕሸኒ ዝበለት ልቢ ግን ብግድነታዊ ሰንሰለት ኣይትእሰርን ኢያሞ፡ንስኻትኩምከ ክትከዱ ትደልዩ ዲኹም፧"በለ።
ኦ ሱዩማነ እግዚኣብሄር ኣብ ቤቱ ዘለኹም ህዝቡ፡ኣብ ቤቱ ንዘላ እሾኽ ነቒስና ንምውጻእ ትግሃትነት ይሓተና ኣሎ።ኦ ሕዝቢ ኣምላኽ "ኣነ!"ዝብል ስምዒት ዘይኮነስ፡"እግዚኣብሄር!"ዝብል ድምጺ ልቢ ነጥሪ።ረኣየኒ ዝብል መግልሒ ድምጺ ዘይኮነስ፡እነሀለ ንኺድ ንረኣዮ ንእግዚኣብሄር ዝብል መቓልሕ ትሕትና ኣብ ልብና ይፈለጥ።
ስብሀት ለእግዚኣብሄር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።

mandag 27. mars 2017

ኣማርቐኒዶ ወይሲ ኣራግመኒ ኢኻ ዝበልካ!

በስመ ሥላሴ



ዘለናዮ ዘመን፡" ንዑ ንርገም ዝብሉ እምበር፡ንዑ ንመርቕ" ዝብል ፈጺሙ ተሳኢንሉ ዘሎ ዘመን ኢዩ።ወድሰብ ሓንቲ ልሳን ተዋሂባቶ ከተብቅዕ፡ነዛ ካብ ኩሉ ፍጥረት እትፈልዮ ልሳን(ነባብነት)፡ክረግመላ ይውዕል ኣሎ።ወይ ጉድ፡-ከመይ ደኣሉ ዝሕሰቦ፧ ሓደ ሰብ እንቃዓ እንቃዓ እንዳስተንፈሰ፡" ንዑባ ኣራግሙኒ፡ክረግም ደልየ ኣሎኹሞ ኣራግመኒ፧" ዝብለኩም ሰብ ረኪብኩም ትፈልጡዶ፧ኦይ እንድዒ ንዓኹም እምበር ንዓይሲ፡መሊኦም፡እረ ኣነውን ኣብቲ ቁጽሪ እትዉ ዝኾንኩሉ ኣጋጣሚታት ቆጺርካ ኣይውዳእን።

"ክሓሚ ደልየሞ፡ኣታሕምየኒ፡ክጸርፍ ደልየሞ ኣጻርፈኒ፡ክቃወም ደልየሞ፡ኣቃውመኒ፡ክቐትል ደልየሞ ኣቃትለኒ፡ክኽሕድ ደልየሞ ኣካሕደኒ፡ ክጠራጠር ደልየሞ ኣጠራጥሩኒ፡ክዕንድር ደልየሞ ኣታዓናዱሩኒ፡ክርስትናዊ ሉጋመይ ክበትኽ ይደሊ ኣሎኹሞ ኣባትኸኒ፡ክጭክን ይደሊ ኣሎኹሞ ኣጫኽኑኒ ክስዕስዕ ደልየሞ ኣሳዕስዓኒ፡ክደርፍ ደልየሞ ኣዳርፈኒ።" ብዝብሉ ሰባት ዓለምና እንዳተጎልበበት ትመጽእ ኣላ።እዚ ኩሉ ዝበልናዮ ብቃንቃ መንጽሓፍ ቅዱስ፡ወይውን ብሓሳብ እግዚኣብሄር "መርገም" ይበሃል።
ወገናተይ ነዚ ኣጽዋርዚ ሒዝኩም ዝኸድኩሞም ሰባት ከይተረደኣኩም ኣራግሙኒ እንዳበልኩሞም ኢኹም።ከምዚ ዝብሉ ሰባት ክመጽኹም፡ከለዉ'ውን 'ንዑባ ንርገም' እንዳበልኹም ኢዮም።ይዋእ ዓለም፡ክርስቶስ ክነግሰላ ዝግበኦ፡መርገም ነጊሱላ።
ኣብ ፖሎቲካዊ ዓዘቕቲ ተዋሕጡ ዘሎ ወለዶ፡እቲ ሓደ ወገን ነቲ ካልኣይ ወገን ስለዘይሳማምዖ፡ክቃወሞ ኢዩ ዝነብር።ክቃወሞ እንከሎድማ፡"ኤህ የጥፍእካ፡ተመንቆስ፡ክጠፍእ ኣሎዎ፡እንዳእገለ ክጸንቱ ኣሎዎም፡ምምባር ኣይግበኦምን ኢዩ፡ዝብሉ መሳርሒ ኣጽዋር ሒዞም ኢዮም ዝቃወሙ።እቶም ሓደ ወገን ድማ ልክዕ ብኸምዚ መልክዕ ተጠጅኦም ስብከቶም ይድርጉሑ።ኣብዚ ሕጂ እዋን ብፍላይ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ካብ ኣምልኾ እግዚኣብሄር እንዳረሓቐ ዝኸደሉ ዘሎ ዘመን፡ኣብ ክንዲ ቀናእ ብሃይማኖቱ፡ ፖሎቲካ ዝብህግ በብዕለቱ፡ኣብ ክንዲ ስመያዊ መንነቱ ዝቋምት፡ምድራዊት ሰብነት ዘህርፎ ወለዶ ተወሊድና ኣለና።ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከይዲ ሂዎት ናይ ወድ ሰብ ልሳኑ መርገም ንምውጻእ ድሕር ዘይትብል ኮይና ክሳብ ጥርዚ ናይ ምንዕዓቕ በጺሕሉ ዘሎ ዘመን'ዩ፡።
ንኣብነት ሓደ ሰብ፦ 
'ንሓደ ወገን ክዝልፎ'የሞ ኣዛልፈኒ፡ኤህ ይሞንቁስካ ኢለ ክረግም ደልየ ኣሎኣኩሞ፡ኤህ ኣባህለኒ፡'  እናበለ ተሃንዲዱ ይመጻኩም ንበል።ኣጋጣሚ ኮይኑ ንስኹም ድማ ናይዚ ሰብዚ ተቓወምቲ ማለት ነቲ ንሱ ዝድግፎ ዘሎ ዓይነት ፓርቲ ተቓወምቲ ትኾኑ፡ኣራግመኒ፡ ኤህ ኣባህለኒ ክብለኩም፡ስለዝመጸ፡ዋላኳ ነቲ ንሱ ዝረገሞ ኣይትርገምዎ ምበር፡ነዚ ሰብዚ ብሕልናኹም፡ጥፍኣቱ እንተተመኒኹም፡ብናይ ልብኹም ልሳን እንዳረገምኩሞ ኢኹም።መርገምኮ ጸሎት ኢዩ፡ግን ፍንፉን ጸሎት።እግዚአብሔር በዚ ዝጸለኻዮ ፍንፉን ጸሎት ንጥፍኣትካ ክገብሮ ይኽእል ኢዪ።
ኣንቱም ወገናተይ፡ኣምላኽናሲ ተራገሙዶ ወይስ መርቑ ኢዪ ኢሉና፡ጽረፉዶ ወይስ ወድሱ፡ብዙሓት ፓርትታት ኮይንኩም ኣብዚ ዓለም በበይንኹም ንበሩ ድዩ ኢሉስ፡ወይሲ ሓደ ኩኑ፧ ንዝጸረፈካ ጽረፍዶ፡ንዝጸረፈካ ስሌኡ ጸሊ፧ ክዳንካ ንዝመንጠለካ ንስኻ ድማ መንጥሎዶ ወይሲ፡እታ ሓንቲ ክዳንካውን( እጀ ጠባብካካ ደኣ) ሕደገሉ፡ምዕጉርትኻ ንዝጸፍዓካ ጽፍዓዮዶስ ወይሲ እታ ሓንቲ ምዕጉርትኻውን ድገመኒ በሎ ኢዩ ኢሉና፧ እንታይ ኢና ንኾውን፡ዘለና፧ (ማቴ5፣39---44)
እስከ ደጊመ ክሓተኩም ዝፈትወኩም ወገናተይ።ኣምላኽና መን ኢዩ ኣቦ መርገም ዝኾነ ሰይጣንዶ ብባህሪኡ ምሩቕ ቅዱስ ዝኾነ እግዚአብሔር፧ ኣቦ ሓሶት ዝኾነ ሰይጣንዶ፡ብባህሪኡ ሓቂ ዝኾነ ክርስቶስ፡ቀታሊ ነፍሲ ዝኾነ ድያብሎስዶ፡ብባህሪኡ ሂዎት ዝኾነ ኣምላኽና ኢዮሱስ ክርስቶስ፧ (ዮው8)
ዝተጸዋዕናሉ ዕላማ ኣብዛ ዓለም ንጸልኦም ሰባት መታን ከነጥሪ ኣይኮነን።ንዝጸልኡና ሰባት ከነፍቅር እምበር።ንዝፈትወካ ተፈተኻ ሼቐጥ ኢዩ፡ምኽንያቱ ስለዝፈተወካ ኢኻ ዝፈተኻ፡ንዝጸልኣካ ምፍቃር ግን መንፈሳዊ ጉልበት ዝሓትት ጭዋነት ኢዩ።ንዝመረቐካ ምምራቕ ትያትር ኢዩ፡ንዝረገመካ ምምራቕ ግን ናይ ክርስትያን ባህሪ ኢዩ፡እስከ ካብ ሃዋርያት እንዳተራገመ ዝነብር ዝነበረ መን ኣሎ፧
ፍርዲ ክጅምር እንከሎ፡"ስለምንታይ ካልእ ኣሚንካ" ብዝብል ዘይኮነስ፡ስለምንታይ ኣማኒ እንከለኻ ከምዚ ገይርካ ብዝብል ኢዩ ዝጅምር።ክቡር ሃዋርያ ጴጥሮስ ፍርዲ በቶም ኣብ ቤቱ ዘለና ኢዩ ዝጅምር በለ።" እስመ በጽሓ ግዜሁ፡ለፍዳ ዘያቀድም እምነ ቤቱ፡ ለእግዚኣብሄር።ወእመሰ ኮነ እምሀቤነ ኣቅድመቱ ምንተ፡እንከ ይከውን ድህሪቶሙ፧ለእለ ይክሕድዎ ለወንጌሉ፡ለእግዚኣብሄር።
(1ይ ጴጥ4፥17)"

ትርጉም፦
"ፍርዲ በቶም ኣብ ቤቱ ዘለና ዝጅምር ካብ ኮነስ፡እቶም ኣብ እምነት ዘየለዉ ደኣ ከመይ ክኾኑ ኢዮም፡!"ኢሉ ኢዩ ብኣስተንትኖም፡ስለዞም፡ናይ ሎሚ ኣብ ቤቱ ዘለና ግን ከኣ ፖሎቲካ ዓጢጥና፡ብዛዕባ ግብሪ ጽድቂ ንድሕሪ ኣወንዚፍናዮ ዘለና ደቁ ዘዘኻኽረና ዘሎ።ሎሚ ዳርጋ ዝበዘሕ ሰብ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሓሸዉየ ዝእተወ እምበር፡ጽባሕ ንግሆ ፍርዲ ከምዘሎ ፈሊጡ፡ክፉእ ካብ ኣፉን፡ካብ ልቡን ንኸየውጽእ ዝወሰነ ሰብ ኣዝዩ ዉሑድ'ዩ።እዚ ተኾይኑ ከኣ ንእግዚአብሔር እሺ ክሳብ ዘይበልናዮ ናብ ዝረግም፡መንፈስ ኣሕሊፉ ይህበና።ብፍታውና ጸግ ኣቢልናዮ ካብ ከድና ብፍታዉ ይሓድገና። እትምርቅ ቤተ ክርስትያን ኣኣብ ዘለናዮ እንዳሰደደልና ተዘይተመሊስና፡ ሊቃውንቲ ወንጌል ፈትፊቶም ዝምግቡ እንዳሃለዉ፡ምድራውያን ሰበኽቲ ፖሎቲካ ካብ መረጽና፡እወ ካብ ኣበና ደኣ ንሱ ድማ ከም ምርጫኹም ግበሩ፡ኢሉ ኣሕሊፉ ንዝረግም ኣፍን፡ልብን ይህበና። (ሮሜ1፣26) 

እምበኣር ምርጋምሲ ብልሳንካ ጥራይ ኣይኮነን፡ብልብኻውን ይርገም ኢዩ።ምሕማይ ከንፈርካ እናረምጠጥካ ጥራይ ኣይኮነን፡እንተላይ ልቢውን ትሓሚ ኢያ።እረ ኩሉ ሰናይ ኮነ ጽቡቕ ምንጩ ካብ ልቢ ኢዩ ዝፍልፍል።እግዚአብሔር ድማ፡ብደጌኻ እንታይ መሲልካ ዘይኮነስ ርክቡ ምስ ልቢ ኢዩ።

ቅድሚ ንዑኡዶ ንኻልእ ምምራጽና፡ቅድሚ ረገምቲ ምዃንና፡ወይውን ድሕሪ ረገምቲ ምኻንና፡ኩሉ-ምሉ ዝሕሸና ንሱ ኢዩ ዝፈልጥ።ድሕሪ ምውዳቕና ግን መታን ክንትስእ ኢሉ፡ ዝሕሸና ዳግመግምት መታን ክንገብረሉ ኢሉ ብውሕሉል ወንጌሉ ጌሩ ይምህረና።ኣንቱም ሰባት ቅጽዓት እግዚአብሔር ትምህርቲ ኢዩሞ ኣይነምርሮ፡ወይ ውን ብኻልእ ኣይነቕንኣዮ።ኩሉ ንዓና ኢሉ ዝህበና ዝጠቕመና እምበር ንዓና ዝጎድእ ካብ እግዚአብሔር ከቶ ከምዘይፍኖ ኩሉ ክፈልጦ ዘለዎ ሓቂ ኢዩ።ተዘይምህረናኸ እንታይ ምገበርና፡ግብረሶዶም ኣብ ኣእምሮና፡"ኖርማል'ዩ) ንኸይንብል ደጊፍና ዘሎኮ ስለዘይገደፈና ኢዩ።እምበር ፈጺሙ ተዝሓድገናስ፡ካብዚ ዘለናዮ ፈጺምና ምበኣስና።እወ ብርግጽ ተዘይተመሊስና፡ህልውናና ዝበኣሰ ዝኾነሉ ራሕቂ፡ንዮ ርሑቕ ኣይኮነን። ሰብ ጥብሕ ጥብሕ ኣቢልካ ናይ ምምብላዕ ዝጅመረሉ ግዜ ርሑቕ ዝኾውን ኣይመስልን።ኣካይዳና ከነዕሪ፡ናብ እግዚአብሔር ንመለስ።
ፈጣሪ ናብቲ ንሱ ዝደለዮ ሕይወት ክርስትና ክነቓልብ ልቦናና ክንከፍት ሓይሉ ይልኣኸልና።

ሎቱ-ስብሐት!

በቲ post ዝገበርካዮ መን ምኻንኻ ተኸሻሕካ፣

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን፡
በቲ post ዝገበርካዮ መን ምኻንኻ ፈለጥኩ፡
ኣብዚ ዘለናዮ ዘመነ ቴክኖሎጂ፡ሰብ ንሓንቲ መልእኽቲ ንምብጻሕ ቀደም ዘመን ብእግሩ፡ብምኻድ ዘበጻጽሕ ዝነበረ፡ሕጂ ብሓንቲ ሰከንድ ዝጸሓፍካዮ ደብዳበ ብዘመናዊ መሳርሒ እንክበጽሕ፡ናይቲ ዝጽሓፍካዮ ወይ ዝለኣኽካዮ መልእኽቲ ድማ እቲ ተቐባሊ ደብዳበ፡ዘለዎ ርሕቀት ብኣሽሓት ሚሊዮናት ኪሎሜተር ርሒቑ ዋላ እንተሃለወ፡ናይዛ ደብዳቤኻ ተማቓሊ ንምኻን ግን ክሳብ ኣብ ኢዱ ዝርከባ ዳርባ እምኒ እካ ኣይከድን።ኣብ ኮፍ መበሊኡ ተኾይጡ እናሃለወ፡እታ ሞባይል ደ
ብዳበ መጺካ ኣሎ፡ንኽትብል ምልክት ትገብረሉ።
ኣብ ዓድና ሓዘን እንተጋጢሙ፡ነዚ ሓዘንዚ ተማቐልቲ ኩኑ ንምባል ደብዳበ ኣይኮነን ዝጽሓፍ ነይሩ።እካድኣ ንፉዓት መእወይቲ፡ንዓዲ ምልእቲ ክንቕንቅ ዝኽእል ድምጺ ዝውንኑ እግሮም ውን ነዊሕ ጉዕዞ ከይደን ዘይርብርባ የእጋር ዘለወኦም ሰባት ተሓሪዮም ኢዮም ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ እናኸዱ ዘእውዮ ነይሮም።ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ተለዊጡ፡ማስሜድያ ንብስራት ይኹን ንመርድእ ናይ ክልቲኡ ተውለ ኮይኑ ይዓዪ ኣሎ።
ቅዱሳን መንፈሳዊ መልእኽቶም ንምጽሓፍ ዝሓልፍዎ ዝነበሩ መንፈሳዊ ተጋድሎ፡በዛ ዝጽሕፈላ ዘለኹ ቅንጣብ ሞባይ ገይረ ክገልጾ ኣይክኣልኩን።ግን ቀለም በጽቢጾም ከም ብርዒ፡ቆርቦት ኣልፊዖም ከም ወረቐት፡ንቅዱሳን መጽሓፍቲ ምሉእ ይጽሕፉ ነይሮም እንተኢለኩም ዘይክትኣምኑኒ ትኽእሉ ኢኹም።ግን ናብ ገዳሞም ኪዱሞ ኣሰሮም ክሳብ ሕጂ ከይሃሰሰ ክትረኽብዎ ኢኹም።ሎም ሓደ ሰብ መንፈሳውነቱ ንኽገልጽ፡ዝጥቀመሉ ዓይነት ኣጸሓሕፋን፡ኣሳድዳ ደብዳበን ግን ኣዝዩ ዝተፈለየ ኢዩ።ቁርን ሃሩርን ከይህረም ሳሎን ከም በዓቲ፡ብቀለምን ቆርበትን ከይላዲ ከይልኪ ድማ፡ጽሒፍካላ ወረቐታ ዘይዳእ ኮምፒዩተር ሒዙ ይጽሕፍ እሞ፡ንዓባ ተላኣኸኒ፡ኣብጽሓለይ ዘየብላ send ምስ በላ ብሓቲ ረምታ posted ትብሎ።
ኦ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ዝፈትወኩም ወገናት፡በዚ ሎሚ ንገብሮ post መንነትና ይኽሻሕ ኢዩ። ብዙሕ ግዜ ኣብ facebook ሰብ add ይብሉኒሞ፡መን ክብል ኢለ ክሓቶም እንከለኹ፡በቲ ዝሰደድካዮ ስለዝተሳሕብኩ ኢየ add ዝበልኩኻምበር ኣይፈልጠካን ኢየ፡ዝበሉኒ ብዙሓት ኣጋጢሞምኒ ኣሎዉ፡ገሊኦም ድማ በቲ ዝረኣይዎ ተቖጢዖም "ድሕሪዛ ሕጂሞ ከምኣ ግበር ኢኻ፡block ክገብረካ ኢየ እናተባሃሃሉ ንሓድሕዶም ብናይ ምፍርራሕ እምኒ ክሰናደዉ፡ነዘን የእማን እዚኤን ኣብ commet በጨቕ ኢለን ይረኣያ ኢየን።ኣብ ገለ ኣጋጣሚታትውን፡ገጾም ብሓዘን ከሰል መሲሉ እንክረአ ናይ መልቀስ ግምጃ ለቢሶም፡የልቅስ ኣሎኹሞ ኣላቑሱኒ ንኽብሉ ጸሊም ካባ ገይሮም profile ጥፍዕ የብልዎሞ፡እቲ ኣብ ርሑቕ ዓዲ ሰፊሩ ዘሎ ወገን፡ነዚ ርእዩ መልቀስነቱ ንኽገልጽ R,P ኢሉ ይጽሕፍ።ኣልቂሱ ድዩ ኣየልቀሰን፡አይ አይ ኢሉ ድዩ ኣይበለን ግን እግዚኣብሄር ዋንኡ።ኣብ ካልእ ዓውዲ ድማ ኣብ ኣእሙራዊ ስነኪናት ተመኩሮ ዝወሰዱ ዝመስሉ፡ኣብዚ ክስቶ ዝብሃል ዓዲ ከምዚ ኮይኑ፡ሃገረ ክስቶ ከምዚ ገይራ፡መንግስቲ እገለ ከምዚ ገይሩ ዝብል ወረ ንግሆ ንግሆ መመጽኡ ይረኣየናሞ፡ልብና ነዚ ርእያ ውላዳ ከምዝጠፈአ ሰበይቲ ከብድና ብፍርሒ ይሕቆን።
ኣብዚ ስነ ሞገተ ዘለዎ ዓውደ መራኸቢ ብዙሓን፡ኣብ facebook፡ኣብ viber፡ኣብ wasap፡ኣብ imo,ወዘተ እንሰዶም ደብዳቤታት እንታዎት ምኻንና ንመን ከምንመስል፡ዝነግሩ ንምስልና ቁልጭ ኣቢሎም ንምሉእ ዓለም ዝነግሩ መስቲያት ምኻኑ ብሩህ ኢዩ። ስእሊ post ምስተባህለ "እዋእ ወዲ ኣገለሲ ክንድምንታይ ኢዩንታ ኮይኑ፡ክላእ እዛ ጋልዚኣ ከኣ ምስ ክንደይ ኣወዳት ኢያ ወደይ ክትስኣል፡ኣቤት ጥራሕ ዝባና፡ሓለፍና ክብላስ ሞጎጎ ይዓጥና ኮይኑ፡እዚኣስ ሕጂ ሕጂ መጺኣስ ድሮ ናይ ዓዳ ሓመድ እካ ዘይነገፈትሲ ኣብዚ መጺኣ ጥራሓ ክትሰኣል፡እነሆለ እቲ ኣብ ዓዳ ዝነበረ ጭውነታ ኣፍ ኣውጺኡ ጭዋ ጋል ጭዋታት ምኻና እንዳመስከረስ፡ነዚ ክትቃወም እንክትብል ብባርነት ሓጥያት ዝተኣሰርኩ፡ንሓጥያት ዝተሸጥኩ ኢየ ኢላ ሕፍረታ ቀሊዓ ብስእሊ ከተርእየና፡" እንዳበልካ እተማርረሉ፡ምስሊ እታ ሰብ መን ምኻና በቲ post ዝገበረቶ ስለዝገምገምካ ኢዩ።ብኻልእ መዳይውን ኣይ "እዚኸኣ እዝኑ ተሰቒሩ፡ስሪኡ ማዓኮሩ እንዳተራኣየ፡ሽጋራ ኣብ ኢዱ ጨቢጡስ ንመን ክመስል ስለዝደለየ ኢዩ፡ኣብ ዓዱ ደኣ ከምኣ ዘይገብር ዝነበረ፡ወይዚ መዋረዲ ስድሩኡን ሃገሩን እባ ኣዋሪዱ፡ኣዋሪዱና!" ኢላ ልብና ቅሬታኣ እትገልጸሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ስለምንታይ ኢዩ እንተ ኢልና፡እቲ post ዝተባህለ ምስሊ ልቢ ናይቲ ሰብ ዓው ኢሉ ስለዝዶርጉሓልና ኢዩ።
ወገናተይ፡መቸም ጽቡቓት፡ዉርዙያት፡ለባማት ተባሂልኩም ብኣምላኽ መታን ክትነኣዱ እምበር፡ብሰባት መታን ክትውደሱ ኢልኩም ከምዘይትገብሩ ግምት ኣሎኒ።የግዳስ እቲ post እንገብሮ ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሑ ብዛዕባና ዘውሪ ዓቢ ድምጺ ምኻኑ ክንፈልጥ ኣሎና።post ዝገበርናዮ ሕማቕ እንተኾይኑ ቀዳሞት ተነቀፍቲ ንሕና ኢና፡post ዝገበርና ሰናይ ተኾይኑውን ቀዳሞት ተነኣድቲ ንሕና ኢና።ነዚ ቅሬታ ተሰሚዑ ነቐፌትኡ ዝዱርጉሕ ድማ ቀዳማ ምይ መን ኢዩ፧ ኢልና እንተሓሲብና፡ሰብ ኣይኮነን።ብዝገበርናዮ ሰናይ post ኣገናዕ፡ከመይ ዝበለ ደስ ዝብለካ ሰብ ኢዩ ወደይ፥ኢሉ ዝንእደናውን ሰብ ኣይኮነን።ሰብ post ምስ ገበርናዮ፡እሞድማ ምስ ኣምበቦ ወይ ምስረኣዪ ኢዩ፡ዝንእድን ዝነቅፍን እምበር post ከይገበርናዮ ክፈልጦ ኣይክእልን።ገና post ከይበልናዮ ኣብ ልብና ጽሒፍናዮ ዝጸናሕና፡ገና ናብ ዓለም ከይተዘርግሐ እንከሎ፡እረ ገና ኣብ facebook login ከይበልና እንከለና እንታይ post ክንገብር ምኻንና ኣምቢቦ ዝፈልጥ ግን እግዚኣብሄር ኢዩ።ስለዚ በቲ ገና ክንገብሮ ዝሓሰብና ክፉእን ንሰባት ቅሬታ ዘስምዕን፡ገና በገንኡ እግዚኣብሄር ይሓዝን።በቲ ክንሰዶ ዝሓሰብና ሰናይ ነገርውን ገና ከይሰደድናዮ እንከለና ኣገናዕ እንዳበለ ይሕጎሰልና።
ክብሪ ምስጋና ንዑኡ ይኹን።እሞ ወገናት ምስልና ርእዩ እግዚኣብሄር በቲ ክንገብሮ ዝሓሰብና ከይነቕፈና ዘንቅፍን ንሕልና ዘነውርን ደብዳበ post ኣይንግበር።በቲ ዝገበርናዮ ርእዮም ሰባት ኣብ comment ናይ ምርጋም እምኒ ከይስንድውልናውን እንገብሮ ኩሉ ንጠንቐቕሉ።
ስብሀት ለእግዚኣብሄር ሰብሀት ለማርያም ኣመ ኣምላክ፡ስብሀት ለቅዱስ መስቀሉ ኣሜን።

lørdag 25. mars 2017

መልሲ ንስእሊ ሥላሴ ዝቐዱን ዝቃወሙን!

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን፡
መልሲ ንስእሊ ሥላሴ ዝቐዱን ዝቃወሙን!
ሕቶ፦ ኣንቱም ስላሴ እትብሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስሲ " ስላሴ" ትብል ቃል እስከ ኣበይ ኣላ ንገሩኒ፧
=ኣንቱም እትሓቱና ስለሕቶኹም መንፈሳዊ ደስታ እንዳተሰማዓና ኢዩ።ንሕና ከኣ ክንሓተኩም፡ሥላሴ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ፧ ምላልባሽ ትርጉማ ስለዘይፈለጥኩማ እምበር፡መጽሓፍ ቅዱስሲ ጅምር ከብል ካብ ኦሪት ዘፍጥረ 1፥1----- ክሳብ ራእይ ዘሎ ብዛዕባ ሥላሴ ኢዩ ዝምህር።እስከ ኣስተንቲንኩም ሕሰቡሞ፡ሥላሴ እንታይ ዝብል ትርጉም መጺልኩም፡ግደፍዎሞ ብኻልእ ቋንቋ፡በታ ንስኻትኩም ትፈልጥዋ ቋንቋ ሥላሴ ማለት እንታይ ዝብል ትርጉም ዝሓዘ ኢዩ፧ ኣስተውዕሉ ብቃንቃኹም ኢየ ዝብል ዘለኹ።
ሥላሴ ማለት ሰለስተ ማለት ጥራይ ኣይኮነን።ወይውን ሥላሴ ማለት ሓደ ማለት ጥራይውን ኣይኮነን።ሥላሴ ማለት ቃሉ ናይ ግእዝ ቃል ኮይኑ፡ናብ ትግርኛ እንተቐይርናዮ፡"ሰለስትነት" ማለት ኢዩ።ኣምሓርኛ "ሶስትነት" ይብሎ ዓረበኛ "ኣተስሊስ ወ ኣተውሒድ" ይብል። Eglish "Trinly and Unity" ይብሎ።ሰለስትነት ክበሃል እንከሎ ዘየቃርጽ ሰለስትነት ኢዩ።
ትንተና፥-
ሓደን ሰለስተን ማለት ኢዩ።እግዚኣብሄር ሓደ ጥራይ ኣይኮነን፡ሰለስተ ጥራይ ከኣ ኣይኮነን።እግዚኣብሄር ሓደን ሰለስተን ኢዩ።ሓደ እንተኢልና ግድን ሰለስተ ምባል ከድሊ ኢዩ፡ሰለስተ እንተኢልና ድማ ግድን ሓደ ምባል ከድሊ ኢዪ።ስልጣኑ፡መለኮቱ፡ርቀቱ፡ሓያልነቱ፡ፈጣርነቱ፡ዙፋኑ፡ባህሪኡ፡ሂዎቱ፡እስትንፋሱ፡ቃሉ ሓደ ኢዩ።ኣካሉ፡ግብሩ ስሙ ድማ ሰለስት ኢዩ።

ኣስተውዕሉ፦ ነዛ ዓለም፡ዝፈጠራን ከሕልፋ ዝመጽእን፡ሓደ ስልጣን ዘለዎ ሰለስተ ኣካላት ዝውንን ኢዩ።ንኣብነት ሰብ ብዙሓት ኣካላት ኣለዉዎ፡ኢድ፡እግሪ፡እዝኒ፡ኣፍንጫ፡ዓይኒ ወዘተ፡በዚኦም ገይሩ ዝተፋላለየ ንጥፈታቱ ይሰርሕ።ግን ክንደይ ሰብ ኢዩ እንተኢልና ሓደ ሰብ፡ብዙሓት ኣካላት ዘለዉዎ ሓደ ኢዪ።እግዚኣብሄር ድማ ስልጣኑ ሓደ ክንሱ ብዙሓት ኣካላት ዝውንን ኢዩ፡ብዝሒ ኣካሉ 2 ኣይኮነን፡4 ድማ ኣይኮነን ሰለስተ እምበር።
ዘፍ1፥1 እግዚኣብሄር ሰማያትን ምድርን ፈጠረ ይብል።ኣስተውዕል፡ብቋንቋ እብራይጥ ነታ እግዚኣብሄር ትብል ቃል "ኤሎሂም" ይብላ።እዚ ንብዙሕ ቁጽሪ ዝገልጽ ኢዩ "ኤል" ኣምላኽ ማለት ኮይኑ ንንጽል ቁጽሪ ይገልጽ።ኣግኣዝያን ሊቃውንቲ ኣቦታት ድማ" እግዚ --ኣብ ---ሄር ኢሎም ተርጊሞምልና፡ተመስገን ብሓቂ።ኣዝዩ ዘገርም'ዩ፡ እዚኣ ሓንቲ ቃል ትመስል ክንሳ ሰለስተ ስም ሰለስተ ኣካል ኣሎዋ፡እንተኾነ "ፈጠረ" ብዝብል፡ቃል ድማ ፈጣርነቱ፡ስልጣኑ ሓደ ምኻኑ ይገልጽ ኣሎ።
ስለዚ ስሞም "ኣብ፡ወልድ መንፈስ ቅዱስ" ይበሃሉ።ነዛ ቃል ኣዚኣ ሰለስተ ጥራይ ክትበሃል ኣይትከኣልን፡ሓደ ጥራይ ከኣ ክትበሃል ኣይከኣልን።ሓደን ሰለስተን።
(ቀሌመንጦስ6፣13 )
" ካብና ቀዳማይን ካልኣይን ተባሂሉ ዝጽዋዕ የለን።ኣብን ወልድን መንፈስቅዱስን ህልውናና፡ዕድሜና፡ፈጣርነትና ስልጣንና ሓደ ኢዩ።እቲ ሓደ ሓያል እቲ ሓደ ድኹም፡እቲ ሓደ ቀዳማይ እቲ ድማ ዳሕረዋይ ተባሂሉ ዝንገረሉ የብልናን።" ኢሉ ጎይታ ንቅዱስ ጴጥሮስ ይምህሮ።
ቀጺሉ ኣብ ቁጽሪ 18-- ምሳሌታት ብምሃብ ከረድኦ ይፍትን፡ኣብ ልቢ ኢዩ፡ኣነ ቃል ኢየ፡መንፈስ ቅዱስ ድማ ሂዎት ኢዩ።" ይብል፡ልቢ ይሓስብሞ ቃል ንክንገር እስትንፋስ ድማ ንኽወጽእ( ንክሰርጽ) ይገብር ማለት ኢዩ።ስለዚ ቃል ካብ ልቢ፡እስትንፋውን፡ካብ ልቢ ኢዩ።ኣብ ወላድን ኣጽራጽን ኢዩ።ቃል ይፍኖ እምበር ኣይሰርጽን፡ይውለድ ማለት ኢዩ።ወልድ ቃል ኢዩ ተወላዲ ንብሎ።እስትንፋስ ይወጽእ ወይ ይሰርጽ እምበር፡ኣይውለድን፡ንሓደ ሰብ እስትንፋሱ ወጺኣ ኢኻ ትብሎም እምበር፡እስትንፋሱ ተወሊዳ ኣይትብልን።ወይውን በንጻሩ፡ካብ ሞት ዝተንሰአ ሰብ እስትንፋሱ ሰሪጻ፡ትብል እምበር እስትንፋሱ ተፈንያ ወይ ተወሊዳ ኣይትብልን።መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣብ ዝወጽእ ዝሰርጽ ብምኻኑ " ሰራጺ" ንብሎ።
ቀጺሉ ድማ" ኣብ ማይ ኢዩ፡ኣነ ጠሊ ኢየ፡መንፈስ ቅዱስ ድማ ማዕበል ኢዩ።" ይብል።ማይ ሰፊሕ ኢዩ፡ኣብ ብማይ ይምሰል፡ጠሊውን ሰፊሕ ኢዩ ካብቲ ማይ ኣይፍለይን ኢዩ፡እንተኾነ ኣብ ባሕሪ ምስ ኣተኻ ምሳኻ ዝወጽእ እቲ ባሕሪ ብምልኡ ኣይኮነን፡እቲ ማዕበልውን ኣይኮነን፡እቲ ጠሊ ኢዩ።ካብዞም ሰለስተ ኣካላት ናይ ሥላሴ ስጋ ሰብ ለቢሱ ዝተራእየ ድማ ወልድ ኢዩ ፡ስለዚ ወልድ ብጠሊ ተመሰለ።መንፈስ ቅዱስ ድማ ብማዕበል ይምሰል፡ነቲ ባሕሪ እስትንፋስ ከምዘለዎ ህያው ነገር ኮይኑ ዘንቀሳቕሶ፡እቲ ጠሊ ኣይኮነን፡እቲ ስፍሓት ናይቲ ባሕሪውን ኣይኮነን።እቲ ማዕበል እምበር።ክንድቲ ስፍሓቱ ማዕበሉ ከኣ ኣብኡ ህሉው ኢዩ፡ክንድቲ ህልውና ኣብን ወልድን ድማ መንፈስ ቅዱስ ኣብኦም ህሉው ኢዩ።

መልሲ ናይቶም ስእሊ ስላሴ ዝቐዱ፦
ኣንቱም ሥላሴ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ የለን ኢልኩም እትካትዑ፡ሰለስትነት የለን ማለትኩምዶ ኣይኮነን! እወ ኣብን፡ወልድን፡መንፈስ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ የለን ማለትኩምዶ ኣይኮነን! በሉ ኣሽንካይዶ መጽሓፍ ቅዱስ ብቋንቋና ዝዛረብሲ፡ልሳን ዘይብሎም ግኡዛን ፍጥረታትካ ብዛዕባ ሥላሴ ምሳሌ ገይሮም ይምህሩና ኣሎዉ።ንስኻ ኣንታ ትርጉም ሥላሴ ምርዳእ ዝኣበየካ፡ሰለስተ ኢኻ፡ሓደ ድማ ኢኻ፡ ዝሓስብ ልቢ ኣሎካ፡ዝዛረብ ቃል ኣሎካ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከንቀሳቕሰካ ዝኽእል እስትንፋስ(ሂዎትነት) ድማ ኣሎካ።ሰባት ክጽውዕካ እንለለዉ ግን "ኣንቱም ሰባት"ኢሎም ዘይኮኑስ " ኣንታ ሰብ" ኢሎም ኢዮም ዝጽውዑኻ።እግዚኣብሄር መልክዑ ማለት ሰለስትነቱን ሓድነቱን ንምርድኡ መታን፡ከይርሕቀካ፡  ጥበቡ ኣባኻ ኣብ ውሽጥኻ ገለጾ።"ኩሉ ብዛዕባ ሥላሴ ዝብሃል ትምህቲ በጺሐዮ ኢየ፡ስላሴ ክንድዚ ይኾውን" ኢልካ መታን ከይትዕበ ድማ ካብ ኣምሮኻ ንላዕሊ ኮይኑ ይነብር።ምእንታካ ዘይኮነስ ባህሪ ሥላሴ ንዘልኣለም ከምኡ ስለዝኾነ ምእቲ ብህሪኡ ኢዩ ከምኡ ዝነብር።ብርቀቱ ካብ ኣምሮ ንላዕሊ፡ንዝኣምንን ብትኽክል ንዝሓስብን ሰብ ድማ ንምርድኡ ኣዝዩ ቀረባ እረ ኣብ ልቢ ዝርከብ'ዩ እግዚአብሔር!!!
ኣንቱም ስእሊ ስላሴ ባህላዊ ኢዪ ኢልኩም ትሰብኩ ስምዑስከ፦
ነዚ ሥሉስ ቅዱስ እዚ ብሰለስልተ ሽማግለታት ገይርና ተሳኣልናኢዮም፡ኣረገውቲ ዝቖንቆኑ ኢዮም፡ክንብል ስለዝደለና ኣይኮነን።ዕድሜኦም ካብ ኩሉ ዝዓበየ እረ ዕድመ ህልውነኦምሲ ልዕሊ ኣእምሮ ምኻኑ ንኽንነግር ኢልና ኢና።ንስኻውን ኣንታ ወገነይ፡  "ወልድ ኣይሸየበን፡መንፈስ ቅዱስ ሰብ ኣይኮነንሞ፡ከመይ ኢልኩም ብሰለስተ ሽማግለ ትስእልዎም፧ " ትብል ትህሉ ኢኻ። ወይለከይ! ኣቦኸ ሸይቡ ድዩ፧ ስጋ ሰብ ለቢሱ ድዩኸ ንዘልኣለም ዝነብር ዘሎ፧ ኣይኮነን!!! ሥላሴ ዕድሜኦም ተቐዳምን ተኸታልን የብሎምን።ወልድ ስጋ ይልበስ እምበር ህልውንኡ ካብ ኣቦ ኣይንእስ፡ካብ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኣይዓብን።

ማቴ3፥16-17 ተጻሒፉ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ርግቢት ኢዩ ንምባል ኣይኮነን፡ወይውን ኣካሉ ካብ ኣብን ወልድን ይንእስ ንኽብል ኣይኮነን።ኣቦ ኣብ ሰማያት ኮይኑ ድምጹ ዘስምዐ ድማ፡እግዚኣብሔር ኣቦ ሰማያት ኢዩ ማለት ኣይኮነን።ሰማያትስ ፍትምጥረት ኢዩ፡ርግቢት ውን ፍጥረት ኢያ፡ስጋ ሰብ ውን ፍጥረት ኢዩ።እግዚኣብሄር ግን ብዝርደኣና ቋንቋ ገይሩ ሓድነቱን ሰለስትነቱ ገለጸልና።ሰለስቲኦም ኣካላት ረቀቕቲ ኢዮም፡ወልድ ግን ስጋ ሰብ ለበሰ።ስጋ ሰብ ለቢሱ ክበሃል እንከሎ ኣዝዩ ብኣእምሮ ክትንተን ዘይከኣል ብምስጢረ ተዋህዶ ኢዩ።ናይ ፍጥረት ስጋኳ እንተወሰደ ብተዋህዶ ከቢሩን ጸኒዑን ንዘልኣለም ይነብር ምህላዉ ግን ክርሳዕ ዘየብሉ'ዩ።ስለዚ ወልድ ቤተሰብና ኮይኑ ማለት'ዩ፡እዚ እንተኢልና ድማ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብህልውና ሓደ ስለዝኾኑ ስላሴ ቀረባ ዘመድና፡ኣፍቀርትና፡መድሓኒትና፡ፈጠርትና ማለትና ኢና።

ስለዚ ሰለስተ ሽማግለ፡ኣብ ሓደ ወምበር ይሰኣሉ።ወምበር ናይ ዙፋኖም ምሳሌ ኢዩ፡ሰለስተ ድማ ናይ ሰለስተ ኣካላቶም ምሳሌ ኢዪ።ሓዲኦም ጸዋግ፡ሓዲኦም ፍሽኽተኛ ሓዲኦም፡ድማ ሕዙን ገይርና ኣይኮነናን ንስእሎም፡ብሩህ ፍሕሹው ገጽ ዘለዎም ኣብ ኣጠማምትኦምን ገጾምንሲ ፍጹም፡ፍልልይ ዘይብሎም ገይና ደኣ ንስእል።እዚ ናይ ባህሪኦም፡ምሳሌ ኢዩ።ስላሴ ብባህሪ ሓደ ኢዮም ንምባል ኢዩ።ጻዕዳ ጸጉሪ ዘሎዎም ገይርና ድማ ንስእሎም እምበር ሓዴኦም፡ሼያብ፡ሓዴኦም ጀብጀብ ሓዴኦም ድማ በራሕ ገይርና ኣይንስእልን።ሰለስቲኦም ጻዕዳ ከም፡ጸምር ዝመስል፡ጸግሪ ዘለዎም ገይርና እምበር ንስእል።እዚ ከኣ ናይ ንጽህነኦም ባህሪ ሓደ ምኻኑ ንምግላጽ ኢዪ።

ስእሊ ሥላሴ ክንምልከት እንከለና፡ተመሲጥካ ምስ ቅዱሳን መላኣክት፡ከምቶም 4 ኩሩቤኤል ተሰከሞም ዘለዉ፡ኣብ ግዜ ጸሎትካ ውን ተሰኪሞሞም ኢዮም ናባኻ ዝመጹካ።መቸም ንሥላሴ ክጸሮም ዝኽእል ፍጡር ከምዘየለ ፍሉጥ ኢዩ። ኣብ መጽሓፈ ቀለሜንጦስ 6፥16 ውን "ንዓና ንሥላሴ ክስከመና ዝኽእል ሰማያት ይኹን ምድሪ የለን ይብል።"ኣብዚ ስእሊ ሥላሴ 4 ኩሩቤኤል ዝበሃሉ መላእክት ዝጸርዎም ገይርና ንስእሎ፡ልኽዕ ከምቲ ጫማና ንዓና ዝስከመና ማለት ኢዩ።እስከ ንገሩኒ ጫማና ድዩ ዝስከመና ወይስ ንሕና ኢና ንጸሮ፧
ብትኽክል ንጫማና ንእዝዞ ንሕና ኢና፡ባዕልና ንሰርሖ፡ንሱ መታን ክኸብር ድማ ኣብ እግርና ንክደኖ እምበር ካባና ንላዕሊ ክብሪ ሃሊይዎስ ንዓና ንምስካም ዝበቐዐ ኣይኮነን፡ባዕልና ኢና ነኽብሮ። ምስ ጸረና ይጸሪ፡ምስ ረገጽና፡ይረግጽ፡እንተውጺናዮ ድማ እምቢ ኣይወጽእን ኢሉ ንኸይእዘዝ ኣይሕንግድን።
እወ!
ሥላሴ ድማ ንቁዱሳን ኪሩቤል መታን ከኽብርዎም ካብ ቅድስነኦም ቅድስና፡ካብ ክብሮም ድማ ክብሪ ንኽማቐሉ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ይውጥሑ።ከምኡ ገይርና ድማ፡ንስእሎም።ሓደራኹም ኣብ ቅድሚ ስእሊ ሥላሴ ኮይንኩም ክትጽልዩ እንከለኹም፡ሕልናኹም ምስ ኪሩቤኤል ቃንይዎምሞ፡ሥላሴ ኣብ ሕልናኹም ክውጥሑ ኢዮም።ሽዑኡ ሕልናኹም ክቕደስን ክቐስንን ኢዩ።
ነቦና ኣብርሃም ዝተገልጹ ስላሴ ንዓና ድማ ምእንቲ ቅዱስ ኣብርሃም ኢሎም ምሕረቶምን ቸርነቶምን ኣይፈለየና።ኣሜን!!!
ስብሐት ልቅድስተ ሥላሴ፡ 
ወበስመ ሥላሴ ይቀጥቀጥ ከይሲ። ኣሜን!
ሕቱም-መጽሓፍ

torsdag 23. mars 2017

ቅድስና ኣብ መላእ ዓለም ክትሥበኽ ደሊኻያ ኢኻሞ፣ምዕራፍ ሓደ በየን ትጀመር፧



ስለሰብዶ ትጽሊ ኣሎኻ፣ስለሰብ ትምህር፧ንሰብ ጽቡቕ ምግባርዶ ትምህሮ ኣሎኻ ወይሲ ነቲ ንስኻ እትምህሮ መንፈሳዊ መልእኽቲ:ንምቕባል ዓቕሚ ካብ እግዚኣብሄር ንኪወሃብ ትጽልየሉ ኣሎኻ፧ ኣንታ ክቡር መምህር፣ንሰብ ስለእግዚብሄርዶ ትምህሮ ኣሎኻ: ዋላስ ኣቐዲምካ ንእግዚኣብሄር ስለቶም ንስኻ ትነግሮም ሰባት ብጸሎት ትነግሮ ኣሎኻ፧ንእግዚብሄር ስለሰባት ብጾሎት ምሕታትን፣ንሰባት ስለእግዚኣብሄር ምስትምሃርን ቅደም ተኸተል ዘድልዮ ነገር ኢዩ።ነቲ ሰብ ብዛዕባ ቅድስና ቅድሚ ምንጋርካ፣ነቲ ቅዱስ ኬድካ ቅድስቲ ልቢ ንኽቲህሉ ብጸሎት ለምኖ።ምኽኒያቱ ቅድስት ልቢ ከይተረኽበት ቅዱስ ቃል ክዝራእ ኣይከኣልን ኢዩ።ብዘይ ቅዱስ ልቢ ዝዝራ ቅዱስ ቃል፣ልምላሜ ናብ ዘይብሉ ግራት ከምዝዝራእ ዘርኢ ኢዩ።እሞ ፍረ ዘለዎ መንፈሳዊ ምህርቲ መታን ክሕፈስ፣ነታ ክትነግራ ዝደለኻ ልቢ መታን ከለምልማ፣ብእምነት ከጽንዓ ንኣምላኽካ ብጸሎት ንገሮ።ንሱ ድለ ክትረክብ፣ኳሕኲሕ ክራሓወልካ ዝብል እሙን ቃል ኪዳን ኣሎዎሞ፣ቅድሚ ቃሉ ምዝራእካ እታ ልቢ ንኽትስተኻኸል፣ነቲ ኣብኣ ዘሎ ሰይጣን ዝተኸሎ እሾኽ ብጸሎት መንቁሶ።
ደቂ ኦርቶዶስ ዝኾኑ ኣመንቲ ብዝተቐበልዎ መሪር 21 ሰማእትነት ናይ ሊብያ፣ኣብ ግብጺ ከቢድ ሓዘንን ሓጎስን ተደባሊቑ ነይሩ።እቲ ሓዘን ዝተባህለ፣ስጋ ለበስ ስለዝኾንና:ወገንካ ንዝኾነ ሰብ ብከቢድ ጭካነ ብካራ እሞ ድማ ኣብ ዓዲ ጓና ክሕረድ እንከሎ ከቢድ ኢዩ።እዚ ኢዩ ንህዝቢ ግብጺ ከቢድ ሓዘን ኮይንዎም ነይሩ፣ንህዝቢ ግብጺ ጥራይ ዘይኮነስ ንኹሉ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ።ዋላ እቲ ሕልናዊ ሰብኣውነት ዚሓስብ ሰብ ውን ኩሉ ኣብ መላእ ዓለም ነዚ ኣብ ሊብያ ዘጋጥም ዝነበረን ዘሎን ሰማእትነት ፈጺሙ ሓዚኑ ውዒሉ።
በንጻሩ ድማ ዓበይቲ መንፈሳውያን ሰባት ተሓጊሶም ውዒሎም።ሓንቲ ወዳ ዝተሓረዳ ሰበይቲ፣ኢንተርቪዩ ምስ ገበሩላ ከምዚ ክትብል መሊሳ።
ጋዜጤኛ፣ ነዚ ንወድኽን ዚሓረደ ሰብሲ እንታይ ምበልክንኦ፧
እታ ኣደ ኣዝየ መመስገንክዎ።
ጋዜጤኛ፣ እዋእ እሂ ስለምንታይ፧

እታ ኣደ፣ ምኽኒያቱ ኣነ ኣደ ኮይነ ክሓዝን ይኽእል ኢየ፣ወደይ ግን ምስቶም ሰማእታት ኢዩ ተቖጺሩ።እዚ ሓራዳይ ጠቒምንኒ ምበር ኣይጎደኣንን።ንዓይ ኣደ ሰማእት ገይርኒ፣ንወደይ ድማ ምስቶም ሰማእታት ተቖጺሩ ዓቢ ክብሪ ከምዝለብስ ገይርዎ።ንዓይ ኣብ እምነተይ ማዕረ ክንደይ ክተግህ ከምዘለኒ ነብሰይ ንኽምርምር ገይርኒ፣ንወደይ ድማ ፍጹም ተባዕ ኮይኑ ክሳዱ ንኻራ ንክህብ ዘተባብዐ መንፈስ ቅዱስ፣እምነቱ ህያሃው ኮይና ኣብ ዓለም ከምዝሲበኽ ገይሩ።ስለዚ ነዚ ሓራዳይዚ የመስግኖ እምበር ኣይራገሞን፣ይጽልየሉ እምበር ኣይጸርፎን ኢየ።መን ኮይነ ኢየኸ ክጽልየሉ።እቲ ዝተሓርደ ወደይ ሰማእት ጸልዩሉ ኢዩሞ ኣነደኣ ተኸኣልኩ ስለድኻመይ ንኽጽሊ ገይርኒ ኢዩሞ፣ወደይ ኣብቲ ገማግም ባሕሪ እንዳተሓርደ: ሰማእትነት እንዳተቐበለ እንከሎ ዝጸለያ ጸሎት፣ነዚ ሓራዳይ ናብ ንሲሓ ቀስቂሳቶ ትኾውን።እንሆ እኳ ንዓይ ማዕረ ክንድዚ ነብሰይ ከምዝፍቲሽ ገይራትኒ።

ናብቲ እምባ ዝንጠቕ ክንደይ ተዓዲሉ!!!

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን
ናብዚ እምባ ዝደየባ ኣእጋርሲ ክንደይ ተዓዲለን፡እነገሊኡ ኣእጋር ኪናት ኽከፍት ናብ ኩርባ ይሓኩር ኣእጋርኩም ግን ናይ ቅድስና ዋና ንኽርእያ ሓኾረኦ።ናብዚ እምባዚ ዘንቃዕረራ የዒንትስ ክንደይ ይፈርያ ክንደይከ ይጽብቓ፡፡ኣብ ዓድና ንሓደ የዒንቱ ፍሩይ ተኾይኑ ንኽትጸርፎ ምስትደሊ "ፈራር ዓይኒ ብዕራይ" ትብሎ፡ክትውድሶ ምስትደሊ ድማ፡ብሩር ዓይኑ ዓይኒ ፍንጃል ኢልካ ትውድሶ። ንሓንቲ ጎርዞ ክትውድሳ እንተደሊኻውን፡ቁመታ ክሳድ ሰገን ዝመስል፡የዒንታ ናይ ሱፍ ዕምባባ" ብምባል ትውድሳ፡
ነዚ እምባዚ ሓኺረን ዝተመልከታ የዒንቲ ግን ከይትነቕፈን መሎኮት ርእየን ንዝዓገባ ብምንታየን ክንቀፋ፡ከይትንእደን ኣምላኸን ኮለ ገና ንኢዱወን ኢዩሞ፡እንታይ ዓይነት ናኣዳ ኢዩ ካባና ክወሃበን።ኣቤት ምስጢረ እግዚኣብሄር! ለካ ካብ የዒንቲሲ የዒንቲ ይመርጽ ኢዩ፡ካብ የእጋርውን የእጋር ይመርጽ ኢዩ።እግዚኣብሄር ዝዓደሎ የእጋር ናብዛ እምባዚ ኣንጊሁ ይግስግስ፡እግዚኣብሄር ዝጸልኣሉ የእጋር ድማ፡ናብ ርኽሰትን ናብ እንዳ ባርን ጋይላን ከይዱ የኹድድ።እግዚኣብሄር ዝባረኾ የዒንቲ ኣብ እምባ ደይቡ፡ናይ ዓለም ድኻማን ናይ እግዚኣብሄር ሓያልነትን ይርዳእ፡እግዚኣብሄር ዝጸልኣሉ የዒንቲ ድማ፡ርኽሰት ዘይረኣኹ ንኽብል ብሕልሚ ለይቲ ከይተረፈ ድቃስ ይስእን።
ኣንቱም ቅዱሳን ሃዋርያት እንታይ ሰሚዕኩም፡መን ኢዩከ እቲ ዝተዛረበ፡እቲ ንስኹም ዝፈራህክሞ፡ኣነውን ምሳኹም ኮይነ ብሕልናይ ይፈርህ ኣሎኹ።ኣሺንካይዶ እግዚኣብሄር ብግርማ ሞሎኮት ድምጹ ከስምዕሲ፡ሓንቲ ሰብ ዝሰርሓ ሞርታል፡ናይ ቶኽሲ ድምጺ ሰሚዐካ ልበይ ይመሉቕ።ቅዱሳን ሃዋርያት ተዓዲልኩም ዓዲልኩምና፡ሰሚዕኩም ኣስሚዕኩምና ኢኹም እሞ፡ነቲ ንዓኹም ዘስምዐ ኣምላኽ ነመስግን፡ንዓኹም ድማ ነኽብረኩም ኣሎና።
ለካ መንፈሳውነት ከምዚ'ዩ፡ሓደ እንተድኣ ብቅድስና በሊጽካ፡"ኣነኸደኣ ብምንታየይ ኢየ ደኺመ፡ነዚ ክርኢ ዘይበቕዓኹ፡ብርግጽ ሓጥእ ስለዝኾንኩ ኢየሞ፡እረ እግዚኣብሄር ብምሕረትካ መሓረኒ" ኢልካ ብድካምካ ምኣማን።ሃዋርያት ነቲ ን3 ዓመት ብዝትፈለለየ መንፈሳዊ ትምህርቲ ናይ ቅድስና ኮርስ ክህቦም ድሕሪ ምጽናሕ፡ሓደ ነቲ ሓደ ብቅድስና ቀዲሙ ካልኣይ ሳልሳይ ተባሂሎም ንኸይስርዑ፡ ናብ 2 ማለት ሓዲኦም ንጎይትኡ ዘትሕዝ ዩሁዳዊ ሕልና፡ሓዲኦም ድማ፡ክሳብ ሰማያት ተነጢቑ ክሳብ ዕጸ ሂዎት ንዘሎ ሕልና ሰብ ዘይበጽሖ፡ንምርኣይ ዝኸኣሉ ከም ዮውሃንሳዊ ቅድስና ዝወነኑ ንኸኮኑ ወትሩ ሂዎቶም ይምርምሩ ነይሮም።ክርስትና ካብ ቀዳማይ ክሳብ 10ይ ዘሎ ብሉጻ ተባሂሎም ዝሽለሙ ዋንጫ ዓለም ዘይኮነስ፡ኩሉኻ ቀዳማይ ወጺኻ ኩሉኻ ሰማያዊ ዋንጫ እትዓትረሉ ግጥም ኢዩ።
እወ! ገሊኦም "ኣደ ኣምላኽ ትኣክል ካብ ሰማያት ንኽትመጻናሞ፡የአሃንስ ዝረኣዮ ንሕና ከኣ ክንርኢ" ብማለት ቅዱስ ቅንኢ ሒዝዎም መታን ክብርትዑ ብጾም ሱባኤ ኣተዉ፡ንሳ እታ ቅድስቲ ኣደ ንሰማያት ምስ ዓረገት ድማ፡ኣብቲ ደመና ዝነብረሉ ስፍራ ሰማያት እንክትሓልፍ ቶማስ ዘሃዋርያ ነዚ ተኣምር ናይ ትንሳኤ ብዘይምርኣዩ ንነብሱ ፈጺሙ ፈንፈና፡"ጎይታይ ኣነ ሓጥእ ብኻነይ ድየ ነዚ ክልተ ትንሳኤ፡ናትካን ናይ ኣዴኻን ከይርኢ ዝኸልከለኒስ ብርግጽ ሓጥያተይ ኢዩሞ ኦ ጎይታ ተለመነኒ፡ዋላ ሱባኤ ክኾነኒ ካብዚ ዓንዲ ደመና ክጸድፍ!" ኢሉ ነቲ ብመንፈሳዊ ተጋድሎ ዘምጽኦ ክሳብ ብደመና ናይ ምጉዓዝ ጸጋ፡ንድሕሪት ገደፎ።ቅድስና ንዘለካ ይኣኽለኒ ኢዩ ኢልካ ንነብስኻ ምትዕሽሻው ዘይኮነስ፡ድኻምካ ንምፍላጥ ዝግበር ናይ ሕልና ቃልሲ ኢዩ።ቅዱስ ቶማስ ናይ ኣየር ትኬት ኣይከፈለ፡ፓስፖር ቪዛ ኣይሓተተ፡ኣብ ምድሪ ኮይኑ ብዝሰርሖ ናይ ቅድስና ተጋድሎ፡ክሳብ ብዘይክንፊ ንደመና ከም ጫማ ክጥቀመሉ ተፈቕደሉ።ነዚ ግን ንመንግስተ ሰማይ ከብጽሓኒ ኢዩ ኢሉ ንነብሱ ኣየተዓሻሸወን፡ነዚ ትንሳኤ ከርእየኒ ዘየኽኣለኒሲ ሓጥያተይ ክኾውን ኣሎዎሞ፡ጎይታይ ሓጥያተይ ንገረኒ በለ።ኣደ ኣምላኽ ግን " ኣጆኻ፡እዚ ንስኻ ትርእዮ ዘለኻ ሃዋርያት ኣይረኣይዎን!" በለቶ።ንምስክርውን መግነዛ ሃበቶ።
ኣቤት ሕልና፡እግዚኣብሄር ዝባረኾ ሕልና ስለሓጥያቱ የስተንትን፡እግዚኣብሄር ዝጸልኣሉ ሕልና ድማ ስለጅግንነቱ ከውሪ ይውዒል፡እግዚኣብሄር ዝዓደሉ ሕልና ባዶ ምንም ዘይብሉ ምኻኑ ይኣምን፡እግዚኣብሄር ዝጸላኣሉ ሕልና ግን ኩለን ዝገበረን ጽቡቕ ትሩፋት፡ከም ዝጠፈሸ ነጋዳይ ክጸባጸብ ጽሓይ ትዓርቦ።ናይ ሃዋርያት ሕልና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ዝያዳ በረኸት ተዋሂብዎ ክርእዩ እንከለዉ፡ብቐጥታ ዝሓስብዎ ሰይጣናዊ ቅንኢ ዘይኮነስ፡" ኣነ ነዚ ዘይበቕዓኽዎኮ እግዚኣብሄር መዳለዊ ስለዝኾነ ዘይኮነስ ብርግጽ ሓጥያት ስለዝፈጸምኩ ኢየ" ኢሎም ይሓስቡ።ሽዑኡ ብጾምን ብጾሎትን ሱባኤ ይኣትዉ፡ንኣምላኾም ኢሎም ዝጸሙን ዝጥመዩ ብጿኣን ኢዮም ኢሉ ዝመሃሮም ኣምላኽ፡ብዝገበርዎ ናይ ቅድስና ሱባኤ ብርእዮ የርእዮም።
ነዚ ዝገበረ እግዚኣብሄር ይመስገን።
በረኸት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።
በረከተ ናይ ኣቦና ጻድቅ ኣቡነ ኣረጋዊ ይክፈለና፣ኣሜን፣፣
ወስብሀት ለስሉስ ቅዱስ።
ብምኽንያት በዓለ ደብረ ታቦርን በዓለ ፍልሰታን ዝተጻሕፈ መንፈሳዊ ጽሑፍ ኢዩ።

tirsdag 21. mars 2017

https://eritreantewahdo.org/?sermons=%E1%89%A4%E1%8B%9B%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%88%9D%E1%88%BB%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8D%8B%E1%88%8D

በእንተ ኣጋንንቲ እስመ ይትናገሩ በበይናቲሆሙ፣በእንተ ቅዱስ ሚካኤ፣ኣጋንንቲ ብዛዕባ ቅዱስ ሚካኤል እንታይ በሉ?

ብስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
ናይ ኣጋንንቲ ምስክርነት፦
" ብእዝነይ ብርቱዕ ድምጺ ይሰምዕ ኣሎኹ፡ቅድሚ ነዊሕ እዋን ዝፈልጦ ዝጥዕመኒ ድምጺ ኢዩ።ኣብ ዘመነ ስልጣንነትና ' ንስኻ ኣምላኽ ኣይኮንካን፡ከማና ፍጡር እምበር ፣ ከመይ ኢልካ ፈጣሪኹም ኢየ ትብለና'! ኢሉ ካብ ዝተቓወመና ዝመስል ድምጺ ሕጂውን ኩሉ ግዜ ንሰምዖ ኣሎና።ሰባት ስሙ እንክጽውዑ ሕልናና ይርበሽ፡ንሰባት ከነናውጽ ዝሓሰብናዮ፡እዚ ስምዚ ክጽዋዕ እንከሎ፡ምላልባሽ ውን ስም ፈጣሪ ኣብኡ ከይህሉ ኢኻ ትፈርህ።ውሽጥና ብሕፍረት ይምላእ፡ዕላማና ፈርከሽ ከሽ ይብል።ህዝቢ ክርስትያን ነዚ ድምጺዚ ዓው ኢሎም ከስምዑና እንከለዉ፡ዓቕልና ኢዩ ዝጸበና።
ሓያል ሴፍ ተመሊሑ ንርኢ ኣሎና፡ነቶም ንስለ ፈጣሪና ኢሎም ክሳብ ስግኦምን፡ነፍሶምን ዝፈላለያ ኣብ ሃይማኖቶም ዝጸንዑ ሰባት ንሕና ናብ ሲኦል ዓድና ክንወስዶም ንደሊሞ፡እዚ ሴፍዚ ምሕላፍ ይኸልኣና።ከምዝመስለና ሓላፊና ርኹስ ሳጥናኤል ሊቀ ኣጋንንቲ፡ነዚ ሴፍ መዚዙ ንህዝቢ ፈጣሪ ዝሕሉ ዘሎ ሚካኤል ብስልጣን ይበልጾ ከምዝነበረ ወትሩ ኣብ ሲኦል ኮይንና ንመሃሮ ትምህርቲ ኢዩ።እንተኾነ ሓንሳብ ልብና ስለዘንቀለ፡ነዚ ብዓል ዝናር፡ስም ፈጣሪ ዝተዋህበ፡ብዓል ሽዱሽተ ክንፊ፡ንደቂ ክርስቶስ ፈጣን ረዳኢ ዝኾነ ሚካኤል ክንጻረሮ እካ እንተዘይከኣልና፡ነቶም ንሱ ዘፍቅሮም ደቂ ኣምላኹ ግን ኩሉ ግዜ ከነስሕት ተዳሊና ኣሎና።ንሱን ኩሎም፡ሰዓብቱ መላእክትን ናይ ሓደ ብንስሓ ዝኣቱ ሰብ ዓቢ ናይ መርዓ ሓጎሰ ደስታ ኣብ ሰማያት ይገብሩ።ንሕና ድማ ሓደ ሰብ ብንስሓ ናብ ፈጣሪኡ ናብ እግዚኣብሄር እንተተመሊሱ፡ኣብ ሲኦል ናይ አውያትን ሓዘንን ዝኾውን ልቕሶ ነካይድ ኢና።ምኽንያቱ ብሓጥያት ኣታሊልና ገንዘብና ናይ ሲኦም ዜጋ ገይርናዮ ከነብቅዕ፡ዜግነቱ ብንስሓ ሓኺኹ ልዕሌና ክበጽሕ እረ ሰማያዊ ዜጋ ክለብስ እንከሎ ከመይ ዘይንጉሂ።
ንጥበብና ዝፍርሽሕ ክንሕይሎ ዘይንኽእል ኩሉ ግዜ ጥበብ ዝኾነ ጸሎት ንሰምዕ ኣሎና።እዚ ጸሎት እዚ ነቶም ብንጽህና ንዓና ንኣጋንንቲ ንምቅዋም ተባሂሉ ናብ እግዚኣብሄር ዝዓርግ ጸሎት ኢዩ።ንሕና ብጥበና ነዚ ጸሎትዚ ናብ ተቐባሊኡ ናብ እግዚኣብሄር ንኸይበጽሕ ብዙሕ ጻዕርታት ንገብር ኢና።እዚ ሚካኤል ዝብሃል መልኣኽ ግን ነዚ ጸሎት ካብዞም ሰባት መንዚዑ፡ብፍጥነት ናብ ኣምላኾም ይወስዶ፡፡ኣምሳዩኡ ድማ እንተድኣ' ኦ እግዚኣብሄር ንሓይሊ ኣጋንንቲ እሰረልና፡ካባና ኣርሕቐልና፥' ዝብል ነይሩ፡እዚ ጸሎትዚ ንዓና፡ዝቃወም ስለዝኾነ፡ንኸይበጽሕ ብዙሕ ዕንቅፋታት ንገብርሞ፡ሚካኤል ዝብሃል መላእኽ ግን፡እንታእዋኑ ነቲ ጸሎት ናብ ወንኡ ኣብጺሒ ብቐጥታ መልሲ ሒዙ ይመጽእ።ንሕና ድማ ሓይልና ይልሕልሕ፡ጥበና ፋሕ ይብለና።(ራእ5፥8 ዘካ3፥7)
ሓደ ግዜ ንባህራን ዝበሃል፡መንእሰይ ብብዙሕ ተንኮል ኣሊምና ናይዚ ሚካኤል ዝብሃል ቃል ንኽንዓጽፍ ውዲታት ኣሊምና ነበርና፡እንተኾነ፡ንሚካኤል ክንክእሎ ኣይከኣልናን።በቲ ኢልካ በቲ ግን ኣንቱም ደቂ ሰባት ክሳብ ሚካኤል ንምጽኣተ ክርስቶስ ንምፍጻም፡ቀዳማይ ካልኣይ፡ሳልሳይ መለኸታት ዝነፍሕ፡ንዓኹም ካብ ምስንኻል ዓዲ ኣይክንውዕልን ኢና።ዕላማና ኣብ ሲኦል ዘሎ መንግስትና ንኸስፋሕፍሕ ኢዩሞ፡ገና ኣብ ርእስኹም ኣሎና።ማሕተምና ሒዝኩም፡ናትንና ኣባላት እንተዘይገይርናኩም፡ናትና ቪዛ ማለት ናይ ሲኦል ቪዛ ብጥበብና፡እንተዘይ ሂብናኩም ኣይክንድቅስን ኢና።"
ምስክርነት ቅዱሳን መልኣኽቲኸ፥
-" ኣንቱም ደቂ ሰባት ደስ ይበልኩም፡ክትጽልዩ ከለኹም፡ክተመስግኑ፡ክትነጽሁ፡ካብ ርኽሰት ክትሕለዉ፡ንኣምላኽኩም ከተኽብሩን፡ከተምልኹን ከለኹም ዝስመዓና ደስታ ወሰን የብሉን።ኣጋንንቲ ኩሉ ግዜ መጻርርቲ ኣምላኽና ኢዮም፡መንግስቲ ኣምላኽ ስለዝተመነዩ ኢዮም ናብ ሲኦም ዝተደርበዩ፡ናብሲኦል ንኽድርበዩ ናይ ኣዛዝነት ሰራዊ ስልጣን ዝተዋህቦ ንቅዱስ ሚካኤል ኢዩ፡ምስ ሰራዊቱ ድማ ተዋግኦም፡ዝነበሮም ስፍራ ድማ ከምዘይነበሩ ኮኑ፡(ራእ12፥7-8 ቀሌ1፥17-18 ሕጂውን ንሕና ምስ ሓለቓና ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ጎንኹም ኣሎና፡ብልክዕ ብፍጥረትነትኩም ካባና ትደኽሙ፡ካባና ትንእሱ፡ፍልጠትኩም ካባና ይውሕድ፡ነገድኩም ሓደ ነገድ ጥራይ ብምኻንኩም ካባና ትውሕዱ፡ግን ኣጆኹም ጥራይ ኣብ ሃይማኖትኩም ጽንዑ፡ ብምግባርን ብእምነትን ተሓለዉ እምበር፡ኣብ ድካምኩም ከነበርትዓኩም ኢና፡ኣብ ውድቀትኩም ከነዕብየኩም ኢና፡ንውሑድ ፍልጠትረተ ነገድኩም ድማ ከነስፍሖ ኢና። ሰብ ክሳብ ሓደ ቅዱስ ነገድ ዝኣክል ንቕድስናኹም ክንሕሉ ወትሩ ኣብ ጎንኹም ኣሎና።

እግዚኣብሄር ነዚ ናይ ምድሓን ስራሕ እዚ ንኽንገብር ኣዚዙ ኢዩ።ከምቲ ሓለቓና ቅዱስ ሚካኤል፡ንባህራን ክሳብ ፍጻመ ምስኡ ኮይኑ ካብ ውዲት ናይ ሞት ኣውጺኡ ናብ ንግስነት ዘሳጋገሮ፡ከምቲ ቅዱስ ሚካኤል ንሃዋርያ ጴጥሮስ ካብ ማእሰርቲ ዘውጽኦ፡ከምቲ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ንህዝቢ እስራኤል መሪሑ ናብ ክንኣን ዘእተዎም፡እወ ኣጆኹም ክሳብ እታ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ናይ ኣዋጅ ድምጺ መለኸት ዘስምዓላ ግዜ እትኣክል፡ንሕና ንዓኹም ካብ ምሕጋዝ ኣይክንሕለልን ኢና።( መዝ34፥7,,,እብ1፥14)
ነቶም ዝቃወምኹም ረቀቕቲ ኣጋንንቲ ንሕና ከነባርሮም ቁሩባት ኢና፡ጥራይ ንስኹም ንኣምላኽኩም ጸውዕዎ።ኣምላኽኩም ኣብ ትጽውዕሉ፡ናትና ሓገዝ ኣብ ትሓትሉ ከም ቃሕሰብ ኣብ ጎንኹም ኣሎና።(መዝ35፣5)ፈጣንነትና ካብ ኤለክትሪክ ይቕልጥፍ፡ፍልጠትና ድማ ካብ ሰብ ሰርሖ masmedia ይረቅቕ።"
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።
በረኸቱ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ይኽፈለና፡

ኣማኒኤል ኣምላክነ


ብስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።

ኣማኒኤል እንታይ ማለት ኢዩ?
ኣማኒኤል እግዚኣብሄር ምስለነ፡ኣምላኽ ምሳና ማለት ኢዩ።እዚ ቃል እዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብመንፈስ ትምቢት ቅዱሳን ዝተነበይዎ፡ፍጻሜኡ ግን ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብዕለተ 29 ሊደት ኢዩ ተፈጺሙ።እግዚኣብሄር ሰብ ምስ ኮነ እግዚኣብሄር ምሳና ኢዩ እናተባህለ ተዘመረ።
ኣብ ብሉይ ኪዳንከ ምሳና ኣይነበረን ድዩ?ነይሩባ።እግዚኣብሄር ኣብ ብሉይ ኪዳን ይኹን ሓድሽ ኪዳን፡ወይ ውን ድሕሪ ምጽኣት ዘሎ መወዳእታ ዘይብሉ ዘመን ዕድሜናውን ሽዑኡ ምሳና ኣሎ።እሞ ድንግል ክትጠንስ ወዲ ክትወልድ ስሙ ድማ ኣማኒኤል ክትብሎ፡ትርጉሙ ከኣ ኣምላኽ ምሳና ማለት ኢዩ ተባሂሉ ብትምቢት ተነጊሩ ኢዩ።መጽሓፈ ቀለሜንጦስ ድማ፡ካብ ጋል ጋልካ ተወሊደ ከድሕነካ ኢየ ዝብል ጽሑፍ ነንብብ።እግዚኣብሄር ብስጋ ከይተወልደ ከድሕነና ኣይምኸኣለን ድዩ፧ ኣምላኽ ምሳና ተባሂሉ ዝተነግረሉኸ ብብሉይ ኪዳን ብኸመይ ምሳና ነይሩ ማለት ኢዩ፧
እግዚኣብሄር ንዓለም ክፈጥራ እንከሎ ብጥበብ ፈጠራ፡ከድሕና እንከሎውን ብጥበብ ፈጠራ።ንሰብ ክሰርሖ እንከሎ ብጥበብ ሰርሖ፡ከድሕኖ እንከሎ ድማ ብጥበብ ኣድሓኖ።ህልውንኡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ብጥበብ ይነብር፡ንደቂ ሰባትን ንቅዱሳን መላእኽትን ድማ ብጥበቡ ተገልጸሎም።እግዚኣብሄር መግቦቱ ኩሉ ጥበብ ኢዩ፡ብፍሉይ መግቦት ድማ ንደቂ ሰባት ብጥበቡ መገቦም።እዚ ጥበብ እዚ እግዚብሄር ኢዩ።ስሙ ድማ ኣማኒኤል ተባህለ።ብስጋ ከይተገልጸ ኣብኡ እንከሎ ተዘድሕነና ፍቕሩ ኣይምተረዳኣናን፡ኣብኡ እንከሎ ስግኡን ደሙን ሂቡ ተዝምግበና፡መግቦቱ ኣይመዕገበናን ዋላውን ንዕዳና ኣይምኸፈሎን።ምኽንያቱ እቲ ዝኽፈል ዕዳ ብሞት ዝኽፈል ዕዳ ኢዩ፡ኣምላኽ ብባህሪኡ ኣይመውትን ኢዩ፡ንሕና ብሓጥያትና ሞት ምስ ኣምጻና ግን፡ነዚ ሞትዚ መታን ክቐብር ንሱ ነቲ ዝመውት ስጋና ክለብስ ፍቕርና ገደዶ።ነዚ ብየናይ ጥበብ ኢና ክንትንትኖ።ነርምምን ስቕ ንብልን እምበር ክንዲዝ ይኸውን ኢልና ፍቕሪ እግዚኣብሄር ክንልክዖ ኣይከኣለናን።
ብዘመነ ብሉይ ምስ ደቂ ሰባት ንዝነበሮ ፍቕሪ ብጸጋ ይነብር ነበረ።ሕጂ ግን ብተዋህዶ ምሳና ተጣበቐ፡ቀደም፡ንእግዚኣብሄር ፈጣሪና ንብሎ ነበርና፡ሕጂ ግን ፈጣሪናን ሓውናን ክንብሎ በቓዕና፡ቀድም ንእግዚኣብሄር ረዳኢና ንብሎ ነበርና ሕጂ ግን ስጋና ለቢሱ ክሳብ ሞት ተበጅዩ ዝረድእ መድሓኒትና፡ቀድም ንቃል እግዚኣብሄር ወድ እግዚኣብሄር ጥራይ ንብሎ ነበርና፡ሕጂ ግን ወድ ሰብ ተባሂሉ ሰባኣዊ ልደት ብድንቂ ተኣምር ለበሰሞ ወድ ሰብውን ተባህለ።
ስለምንታይ? ኣምላኽ ንሕና ደቂ ኣምላኽ መታን ክንብሃል፡ንሱ ወድ ሰብ ተባህለ፡ንሕና መታን ክሳብ ሰማያት ክንልዕል ንሱ ክሳብ ሰብ ምኻን እረ ሞይቱ ክሳብ ሲኦል ወረደ፡ንሕና ሰማያዊ መንነት መታን ክንለብስ ንሱ ኣብ ምድሪ ካብ ትርከብ ካብ ጋል ኣዳም ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ኣምላኽን ሰብን ኮነ።እሞ እግዚኣብሄር ንድኹም ስጋይ ካብ ተዋሃሃዶ ኣየናይ ድኻም ኢዩ ከድክመኒ?ምላኽ መንነተይ ካብ ወሰዶ፡ኣየናይ መንነት ኢዩ ከታሃራርፈኒ? ኣምላኽ ክንድዚ ዝኣክል መከራ ጸጊቡ ከብቅዕ ኣነ ደኣ ኣየናይ ፈተና ኢዩ ክሕንኩለኒ።ኣምላኽ ምሳይ ብምህላዉ ብሓይሉ ስጋይን ነብሰይ ክሕይል፡ስለ ምድራዊ መንነት ኣይክጭነቕን ኣብዚ ዓለም ንዘሎ መከራ ምስቲ ናይ እግዚኣብሄር መከራ ኣይከዋዳድሮን።ኣብ ሰማያት ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብሰለስትነቶምን ብሓድነቶምን ይስለሱን ይምስገኑን ኣሎዉ።ኪሩቤል ብፍርሓት ይሰግድሎምን የመስግንዎምን ኣሎዉ፡ካብዞም ሰለስተ ኣካላት እቲ ሓደ ኣካል፡ስጋይ ዝለበሰ፡ወድ ሰብ ተባሂሉ ዝመ ዝነበረ ኣምላክ ወሰብእ፡ተባሂሉ ብተዋህዶ ዝኸበረ ኢዮሱስ ክርስቶስ ኣማኒኤል ኢዩ።ብስጋ ተገሊጹ፡ከም ኩሉ ብዘይካ ሓጥያት ንበይና ሰብ ኮይኑ መሎኮቱን ስግኡን ብተዋህዶ ሓደ ዝኾነ ኣማኒኤል ኣምላኽና ይኽበር ይመስገን።
ስብሀት ለኣምላክነ እንተ ስሙ ኣማኒኤል፡ወስብሀት ለወላዲቱ ቅድስት ድንግል ብክልኤ ማርያም ወስሀት ልክቡር መስቀሉ ኣሜን።

onsdag 15. mars 2017

<< ሰላም ሲኢነ፦>>

<< ሰላም ሲኢነ፦>>ንሓደ ሰብ ስለምንታይ ሓጥያት ትፍጽም ኢልካ ምስቲሓቶ ዝምልሰልካ ግብረ መልሲ ኢዩ።ሓጥያት ስሙን መልክዑን ይቀያየር ይኾውን እምበር፣ጽሩይ ፍሉጥን ስሙስ ሓጥያት ኢዩ።ጓይላ፣ስኽራን፣ኣምልኾ ጣዖት፣እዚኦም ቀንደኛ ስሞም ኣምልኾ ጣዖት ኢዩ ተቐያይሮም ግን ብዙሕ ዓይነት ሳጓ ይሕዙ።ጓይላ ዝስዕስዕን ዘሳዕስዕን፣ዝሰምዕን ዘስምዕን ክልቲኦም ሓደ ዓይነት ዕላማ ኣሎዎም።ነቲ ሳዕሳዓይ ስለምንታይ ትስዕስዕ እንተበልካዮ፣ሰላም ሲኢነ፣ይብል።እቲ ደራፋይውን ከሙኡ።ሰላም ኣብ ጓይላ ዝርከብ ኣምሲሉ ሰይጣን ልቢ መእምናን መንጢሉ ወሰዶ፧ ዕሽር ንኸውጽኣ ዓቐብ ኮይንወን ዝነበራ የእዳው፣ሕጂ ግን ንኽብሪ ጓይላ ክብላ ናይ ለይታዊ ትልሂት ትኬት ንምኽፋል ድሕር ኣይብላን እሞ ድማ ኣሽሓት።ሞባእን ምጽወታን 10 ሳንቲም ነኸተውጽእ ጸላዕላዕ ዝበላ ጁባ፣ሕጂ ግን ጓይላ መታን ክሙጐስ፣ስለክብሪ ጓይላን፣ስለቲ ኣሳሳዪ ጓይላን ክትብል እልፊ ዘየብሉ ሞባኣት ብስም <<ዓሽ ዓሽ ዓሽ>> ዝብል ሸፈጥ፣ኣብ እግሪቲ ደራፊ፣ኣብቲ ዐውደጥፍኣት ትድርዶሮ።ካብዚ ዝዓቢ ኣምልኾ ጣዖት ደኣ ኣበይ ኣሎ።ሞባእን ዕሽርን እግዚኣብሄር መመንጢሉ ክእብ ጁባ መእምናን ዝምንጥል፣ልቢ ሰባት ከምድላዩ ኮይኖም ክእዘዝዎ ዝጠዊ ጓይላ፣ካብዚ ዝኸፍእ ኣምልኾ ጣዖት ደኣ ኣበይ ኣሎ።እልፊ ኣእላፍ ኣቕራሽ ይወድቕ።ኣንታ ሓወይ ስለምንታይ ክንድዚ ዝኸውን ዶላራት ከፈልካ ኢልካ እንተሓተትካዮ ሰላም ስለዝሰኣንኩ፣ክንድዚ ዝኸውን ገንዘብ ናብ ጓይላ ከከይድካ ምኽፋልዩ ዝብራሃኒ ይብል።
ሓደ መንእሰይ ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝምከሓላ ነገር ኣላ።ጓይላኮ ናይ ኣቦታተይ ኢዩ፣መን ኢሉ፣ኣየኖት ኣቦታት ኢዮምከ?ስጋውያን ኣቦታት እንተኾኑ፣ጋይላ ዝስዕስዕን ዝዋጥን ዘውጠጥን፣ሓምየን ኢሎም ይጽየፍዎ ነይሮም፣እረ ጓይላስ መውስቦ የኽልእ ነይሩ።ኣቦታትና ነታ ዝፈትውዋ ጓሎም ናብ ጓይላ ጓይላ ዝኸይድን ዋጣ ዝዋጥን ሰብ ኣይህብዋን ኢዮም ነይሮም። "ነገር ዘይጸገበስ ግያል ዋጣ ይሕጸ፣" ዝብል ምስላ ናይ ኣቦታትና ኢዩ እምበር ናይ ጸዓዱ ኣይኮነን።ስለዚ ጓይላ ከምዚ ሎሚ ሞያዊ ስራሕ ተባሂሉ ኣብ ልብና ከይተዘረአ እንከሎ፣ፍንፉን መሳርሒ ሓጥኣት ኢዩ ካብ ቀደሙ።እንተ እቶም መንፈሳውያን ኣቦታት ድማ ንጓይላ ፈጺሞም ኮኒኖምሲ፣ኣብ ሰማያት ከይዶም መንፈሳዊ ዜማ ተማሂሮም ናብ ምድሪ መጹ ።ናይዛ ዓለም ዜማ ኣጽሊኡዎም፣ሓድሽ ዜማ ናይ መላእክት ዝማሬ ካብ ሰማያት ተቐበሉ።ኣየኖት ኣቦታትና ደኣሎም ጓይላ ናይ ኣቦታትና ኢልና ንሕለቐሎም ዘለና፧ ጓይላ ብምንም ተኣምር ናይ ኣቦታትና ኮይኑ ኣይፈልጥን ኢዩ።ጓይላ ዝፈትዉ ኣቦታት የብልናን። 
ኣብ ዘመነ ብሉይ ዝነበሩ ደቂ ሰባት፣እዚ ኣምላኽና ኢዩ ኢሎም ዝግረምሉን ዘድንቕዎን ብወርቂ ዝተለበጠ ነገር ሰሪሖም ኣምልኾኦም የካይዱ ነይሮም።ነዚ ኣህዛብ ስለምንታይ ደኣ፣ኢልካ እንክቲሓቶም፣ውሽጣዊት ሰላምና ኣብዚ ስለዘላ፣ዝኸፈልና ከፊልና ነዛ ወርቃዊት ጣዖት ክንገዝኣ ኣሎና ኢሎም ይምልሱ።ቅዱስ ኣብርሃም ካብ ዓሌት ሸየጥቲ ጣዖት ነበረ፣ሰላም መታን ክረኽቡ በቲ ውቅብ ስርሓት የእዳው ደቂ ሰባት ዝተሰረሐት ጣዖት ብምግራም፣ብምሒር ኣድናቖትን እዚኦምሲ ኣማልኽቲ ክኾኑ ኣሎዎም፣ለካ ሰላም ኣብዚኦም ኢዩ ዝርከብ ኢሎም ይምልሱ።
እግድዚኣብሄር ግን ቅጽል ስሙ ሰላማዊ ንጉስ፣ንጉሰ ሰላም ተባሂሉ ይጽዋዕ።ናይ ኩሎም ሰላማት ዋንኦም እግዚኣብሄር ኢዩ።38 ዓመታት ስጋዊት ሰላም ሲኢኑ ዝነበረ ድዌ፣ዋና ሰላም ዝኾነ ክርስቶስ፣ደጊም ኣነ ሰላም ኣብ ውሽጥኻ ክኣቱ መጽየ ኣሎኹ።ጥራይ ፍቓደኛ ኩን እምበር፣ስጋውን ነፍሳውን ሰብነትካ ሰላመይ ክዓስሎ ኢዩ።ኢሉ ሰላም መታን ክህቦ ፍቓደኝነት ሓተተ።ንሱ ግን ሰላም ካብ ሰባት ዝርከብ መሰሎ ሰላም ዘውህብ ሰበ የብለይን በለ።
ን3 ዓመታትን 3 ወርሕን ዝኣክል ብዛዕባ ሰላም ዝመሃሮም ክርስቶስ ንሃዋርያት፣ፍጽምነት ሰላም መታን ክምህሮም ኢሉ ምእንትኦም ክብል ክሳብ ሲኦል ኣተወ።ነታ ብሰንኪ ድኻም ደቂ ሰባት ተነፊጋ ዝነበረ ሰላም ድማ ኣብ ሲኦል ከይዱ ናጽነት ሰላም ኣወጀ፣፣እቶም ሃዋርያት ግን ነዚ ኩሉ ዝተመሃርዎ ኣሻቦም ረስዕዎ።መሸጎር ሸጊሮም፣ገዛ ዓጽዮም ብፍጹም ፍርሒ ኣብ ሓንቲ ገዛ ተኣከቡ።በቲ ኣብ ደገ ዝነፍስ ዝነበረ ናይ ቀያፋውያን መሾምቦባ ኣዝዮም ፈርሕዎ።ንሱ ግን ክርስቶስ፣ ሰላም ክህብ እንተደልዩ ዝኽልክሎ የለን።ቀያፋውያን ንናይ ክርስቶስ ሰላም ኣይከልከልዎን።እረ ናይ ፈሪሳዊ ልቢ ንናይ ክርስቶስ ሰላም ናብ ዓልም ንኸይትፍኖ ክትዓት ዓቕሚ የብላን።ምላልባሽ ኣብ መሸጎር ክሽጉሩና ይኽእሉ፣ንሱ ግን መሽጎር እኳ ኣይዓጽዎን፣ምላልባሽ ሂዎት ከም ምጉዕባዕ ሃናውያንን ቀያፋውያንን ከተባህርረና ትኸውን፣ኣብ ቅልጽም ክርስቶስ ግን ሓይላ ድኹም ኢዩ።ንሱ ንነፍሲ ወከፍ ልቢ ሰላም ክመልእ ወትሩ ትጉህ ኢዩ።ሃዋርያ ተዓጽዮም ምህላዎም ፈለጠ።ኣፍ ሃዋርያት ፍርሒ ፍርሒ ይሽትት፣ክርስቶስ ግን ኣብ ውሽጦም ዘላ ድምጺ ኣምቢቡ፣ሰላም ከምዝናፈቑ ርእዩ ሰላም ለኩልኩሙ፣ሰላም ንዓኹም ይኹን በለ።ወገናተይ ንተኣሰር፣ንተሓየር ብዘየገድስ፣ሰላም ብዘይ እግዚኣብሄር በየናይ መንገዲ ኢያ ክትመጻና፧
ሓደ ግዜ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን  ብዝነበረ ኲናት፣ካብ ሻምብቆ ካብቲ ንነብረሉ ዝነበርና ዓዲ ተሰዲድና ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ንስደድ ነበርና፣፣ኣብቲ ከባቢ ዓበይቲ ብረታት ይትኮስ ነይሩ፣ነፈርቲ ምስቲ ዘፍርሕ ድምጸን ከም ዕስለ ንህቢ ይዝምብያ ነይረን።ንሕና እቶም ዕኹኽ ዝበልና ብእግርና ክንከይድ እንኽእል ሰባት ወድናን ጓልናን፣ኣንስትናን ሰብኡትናን ብፍርሒ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ድምጺ ተኽሲ ትርግታ ልብና ህርመታ ቲዛይድ ነይራ።ኣብተን ኣንስቲ ተሓዚሎም ዝነበሩ ህጻናት ግን ምንም ፍርሒ ኣይመጾምን፣ንሳቶም እቶም ህጻናት ደቂሶም፣ንሕና ግን ንሃድም።እታ ኣደ እንዳሃደመት እቲ ህጻን ግን ኣብ ዝባና ደቂሱ።ነዚ ህጻን ኣብ ማሕዘል ኣዴኡ ምህላዉ እኹል ሰላም ኮይኑ ክሳብ ክንድዚ ከምዝድቅስ ገይርዎ።
ኣንታ ህጻን ምስጢር ድቃስካባ ንገረኒ።ክንድቲ ንስኻ ዝደቀስካዮ ክድቅስ፣ክንድቲ ዝቐሰንካዮ ክቐስን፣ክንድቲ ነዴኻ ዝኣመንካዮ ክኣምንንን ክእመንንሲ ምስጢር ድቃስካ እንታይ ኢዩ፧ኦ ህዝቢ ክርስትያን፣ሰላም ድዩ ውሒድኩም፣ደቂ ንጉሰ ሰላም እንከለኹምሲ ክንድዚ ቲሽበሩ።እረ መንስከ ይሓይሽ እዚ ህጻንዶ ንስኻትኩም፧ንሱ ነዛ ፍጥረት ዝኾነት ሰበይቲ ኢዩ ኣሚኑ ኣብ ዝባና ሟሚቑ ደቂሱ፣ንስኻትኩም ግን ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ ኢኹም ተሓዚልኩም ዘለኹ።ንሱ ዝምገቦ መግቢ ካብ ፍጥረት ዚሕለብ ጸባ ጡብ ኢዩ፣ንስኻትኩም እትምገብዎ መግቢ ግን መግበ መሎኮትን ደመ መሎኮትን ቅዱስ ቁርባን ኢዩ፣ንሱ ተጎልቢብዎ ዘሎ፣ፍጡር ዝሰረሖ ነጸላ ኢዩ፣ንስኻትኮም እትማምቑሉ መንጸፍን ኮቦርታን ግን እልፊ ኣእላፋት ዝኾኑ ሰማያውያን፣ቅዱሳን፣ጻድቃናት ሰማእታት ብጾሎቶም ኣማሚቖምኹም'ዮም ዘለዉ።ንስኻትኩም መታን ኣስተርሒኹም ክትቐስኑ ንሳቶም መንጸፍን፣መጎልበብን ኮይኖም ወትሩ ስለትንሳኤኹም ተጊሆም ኣሎዉ።
ደጊም ጓይላ ወጊድ፣ርኽሰት ወጊድ፣ስጋዊ ዕንደራ ወጊድ፣ናይ ገዛእ ርእስኻ ክብሪ ክትረክብ ዝግበር ፍንፉን ጉዕዞ ሓጥያት ደጊም ይኣክል።ካብ እግዚኣብሄር ዝዓቢ ሰላም፣ካብ ቅድስና ዝማሙቕ ድቃስ፣ካብ ጸሎት ቅዱሳን ዝድልድል ዕርዲ የለን።ኣምላኽና ኢዱ ዘርጊሑ እንኩ ሰላመይ ይብል ኣሎ።እሺ፣እሺ፣እሺ፣ዝብላ የእዳው ከይረኸበ ግን ኣገዲዱ ኣይህብን ኢዩ።ሰላም ንምቕባል የብቅዓና።
ኣሜን ኣሜን ወኣሜን!
ወስብሐት ለእግዚኣብሄር።

fredag 10. mars 2017

ጋለንስተይቲ ንወድ ተባዕታይ እንተዓሚጻቶኸ እንታይ መቕጻዕታ ይዋሃባ ይኾውን፧"

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ፡ኣሜን።
ኣብ ውትህድርናዊ ኣገልግሎት እንከለኹ፡2008 ሓደ እዋን ብዛዕባ ሕጊ ንማሃር ነይርና።እቲ ትምህርቲ ብዛዕባ ንደቀንስትዮ ዝግበር ዓመጽ መቕጻዕቱ እንታይ ምኻኑ ብሰፊሑ ንመሃር ነይርና።ስለዚ ካብቲ ዝተማሃርናዮ መቸም ኣነ ንሕልናይ ትወቕሰኒ ስለዝረኸብኩ ሕቶ ዘለኩም ሕተቱ ምስ ተባሃልና ዝሓተትክዋ ሕቶ፡ሕጂ ኣብዚ ዘለኽዎ ደረጃ መንፈሳውነት ኮይነ ኣማዕድየ ክርእያ እንከለኹ፡ብዛዕባኣ ክጽሕፍ ሕልናይ መርሓኒ።ስለዚ ሽዑኡ ዝሓተትክዋ ሕቶ ከምዚ ትብል፡-" ጽቡቕ ብዛዕባ ወድ ተባዕታይ ንጋለንስተይቲ እንተዓሚጽዋ፡ኣብ ሊዕሊኣ ብሓሊ ብዘይፍታዋ ኣገዲዱ እንተተጋሲስዋሲ፡ ገበን ኮይኑ ክሳብ ክንድዚ መቕጻዕቲ ከምዘለዎ ተማሂርና።በንጻሩ ጋለንስተይቲ ንወድ ተባዕታ እንተዓሚጻቶኸ እንታይ መቕጻዕታ ይዋሃባ ይኾውን፧"ኣስተውዕሉ!ኣይትስሓቑ።
ነዛ ሕቶ ምስ ሓተትኩ፡ኣብቲ ኣኼባ ዝነበረ ህዝቢ ብሙሉኡ ብሰሓቕ ትዋሕ ኢሎም ብጅምላ ሰሓቑ።ጌለኹም ነዛ ሕቶይ ምስ ኣምበብኩም ውን ዝኾነ ዓይነት ስምዒት ከምዝስመዓኩም ርዱእ ኢዩ።ሕጂውን ክሓተኩም ዘፍቅረኩም ወገናተይ ንእግዚኣብሄር ብምምላኽኩም የሕዋተይ፡ንስጉው ቃል ናይ ኢዮሱስ ክርስቶስ ኣድሓንነት ናይ መስቀል ዝተቐበልኩም ደቂ ተዋህዶ የሕዋተይ፡ኣብ ናይ ድንግል ማርያም ኣድነት እትሕቆፉ ኩሉኹም፡ካልኦት ውን ኣብ ዝተፈላለየ ንስኹም እዚ ኢዩ ሓቂ ኢልኩም፡ሓቅነትኩም ብዘየገድስ ግን መሲልኩም ኣብቲ ዝኣመንኩምሉ ተጸጊዕኩም ዘለኹም፡ብሃይማኖትካ የሕዋተይ እንተዘይኮንኩም ብሕገ ተፈጥሮ ግን ፈጣሪኹም ፈጣርየይ ስለዝኾነ፡እስከ እዚ ሕቶ መልሱለይ? ኣንቱ ደቂ ተዋህዶ ፈራዲ ነቲ ትጽበይዎ ዘለኹም ክርስቶስ ዳኛ ገይርኩም፡ደቀንስትዮ ንደቂ ተባዕቶ፡ደቂ ተባዕትዮውን ንደቀንስትዮ፡ኣብ ዝተፋላለየ ሓጥያት ንምፍጻም ዝግበር ዓመጽ፡ብዓይኒ ሰባት ብዝረአ ዘይኮነስ ብዓይኒ እግዚኣብሄርን ብሕልናኹምን፡ንስኹም ኣንቱም ካልኦት ነዚ ጽሑፍ ተንብብዎ ውን በቲ እግዚኣብሄር ካብ ባህርይ መልክዑ ኡፍፍፍ ኢሉ ዝሃበኩም ነፍሲ(ለባዊ፡ዝሓስብ፡ነባቢ ዝዛረብ፡ህያዊ ህያው ዝኾነ ሕልናኹም መስክሩ)።ክንድምንታይ ዓመጽ ይፍጸም ይኾውን ኣብ ነንሕድሕድ ወድሰብ ብፍላይ ኣብዚ ሎሚ፡respect ተባሂሉ ጽላሎቱ ጥራይ ዝረኣየሉ ዘመን። ኣቀዲመ ከምዝነገርክኹም ኣብዚ ሕጂ ዘለኽዎ መንፈሳዊ መንገዲ፡መልስኹም ውን ብመንፈሳዊ መንገዲ ክኾውን ኢየ ዝደሊ።
ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ኣዝዩ ብትምህርተ ወንጌል ዝጸገበ፡ንቡዙሓት ናብ ንስሓ ንኽኣትዉ ብምልኣት ቃለ ወንጌል ዝመሃረ ኣቦ፡ትርጋሜታት ከይተረፈ ውን ፈትፊቱ ዝምግብ ኣቦ፡ካብቲ ዘጋጠሞ፡ክነግረኩም።ብሓያል ስብከት እንዳሰበኸ እንከሎ፡ሓንቲ ካብተን ብትምህርቱ ዝተተንከፋ ነፍሳት ሓንቲ ሰበይቲ፡ትምህርቱ ስለዝሰሓባ፡ብፍትወት ስጋ ነደደት።እወ"ነዚስ ምሳኻ እምበር ተሕድሮ፡ሰብኣይካ እምበር ትገብሮ፡ነዚ ከይረኸብኩም ከመይ ኢለ ክቐስን ኢላ ንነዊሕ እዋን ብፍትወተ ስጋ ክትሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ።ሓደ እዋን ደፊራ፡ደልየካ ኣሎኹ፡ንዓናይ ገዛይ በለቶ።እዚ ቅዱስ ኣቦ፡ስርሑ ወንጌል ስለዝነበረ፡ደኒና ክሳብ ትኸይድ፡ሕልንኣ ክሳብ ትወቅስ ቃል ኣምላኽ ሰቢኹ ገሰጻ።
በዚ ክትዓርፍ ኣይከኣለትን፡ሓደ እዋን ኣብ ሓደ ጸቢብ ቦታ ብብዝሒ ሰብ ዘይርከቦ ጎደና ረኺባ፡እቲ ቦታ ከባቢ ገዝኣ ስለዝነበረ፡ብክዳኑ ሓዛ፡በጃኻ ሎሚ ምሳይ ሕደር ኢላ ትውጥጦ።ንሱ ግን ከምዚ ከማና ብስጋዊ ሓሳብ ዝተመለአ ሰነፍ ዘይኮነስ፡ብፍጹም ቅንኣተ እግዚኣብሄር ዝነደደ ብምምባሩ(ከምቲ ቅዱስ ዳዊት ቅነኣት ቤትካ በልዓኒ መዝ) ዝበሎ፡ናይ ኣምላኽ ሕጊ ብምጥሓሳ ፈጺሙ ገሰጻ።ወዮ ጋል ንተግሳጽ ዕድል ረኺባ ካብ ሲኦል ክተምልጠሉ ዝግባኣ፡ካልእ ብልሓት ኣምጺኣ።" ስማዕ ኤፍሬም፡ኣነ ብዘይ ብኣኻ ፍጹም ኣይኮውንን ኢየ፡ሂዎተይ ክትባላሾ ተደሊኻያ ክትኣብየኒ ኢኻ፡ተዘይኮነ ተሓልየለይ ተኾይንካ ሕራይ በለኒ" ናይ ጥበራ ቃላት እናነዘሐት ንብዓት ሓርገጽ ነበዐት።እምቢ ኢሉ ክኸይድ ፊሑኽ ክብል፡ብክዳኑ ኣጽኒዓ ሒዛ፡ወይ ሕራይ በለኒ፡ወይድማ ንብምልእታ ዓዲ ኡይይይይ ኢለ፡ብሓይሊ ክትዕምጸኒ ከምዝሓሰብካ ክነግራ ኢየሞ፡ኩሉ ሰብ ብትምህርትኻ ተመሲጡ ዝነበረ ክፍንፍነካ ኢዩ።ካብ ቤተ ክርስትያን ክትውገዝ ኢኻ፡ኩሎም ብቃልካ ተለዊጦም ኣብ ንስሓ ዝኣተዉ፡ብሰንክኻ ንድሕሪት ክምለሱ፡ክላእ ስቕ ኢልካ ኢዩ እዚ መንፈሳዊ ሂዎት ኢሎም፡ክንዕቕዎ ኢዮም።ኢላ ኣፈራረሐቶ።
ወይ ጉድ ዘመን ግርምቢጥሲ ማይ ንዓቕብ ኢልኩም መቸም ትምስሉ ትህልዉ፡ኣብ መጽሃፍ ቅዱስ ተማሳስሊ ፍጻሜ ናይ ዮሴፍ ቅዱስ ኣሎ፡(ዘፍ 39፣9---) ተመልከት።ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ዝተጠቕመሉ ጥበብ ዘገርም ኢዩ።" ሐራይ ከምቲ ዝበልክኒ ክገብር ኢየ።ድላይኪ ክፍጽመልኪ ኢየ፡ የግዳስ ናብ ኣነ ዝደለኽዎ ቦታ ክወስደኪ ፍቓደኛ እንተኾይንኪ ጥራይ ኢዩ" በላ።ደሥሥሥ እናበላ ብሓጎስ ተቐበለቶ።
ወዮ ቅዱስ ኤፍሬም መሪሕዋ ናብ ሓደ ዲቕ ዝበለ ከተማ፡ማእከል ሴንትሩም፡ዕዳጋ ዝሽየጠሉ ቦታ ወሰዳሞ፡ ኣብዚ ቅድሚ ኩሉ ህዝቢ፡ንዒ በሊ ሕጂ ከምቲ ዝበልክኒ ንግበር።ክዳንና ነውጻዮ፡ሃየ ቀልጥፊ ኢሉ ኣዘዛ።"ዋይይይይ እንታይ ኢኻ ትብል ዘለኻ፡ሎሚስ ኣብዚ ቅድሚ ህዝቢ ከተሕፍረኒ፡ከተዋርደኒ ዲኻ ዓጢቕካ" በለቶ።ኣይኮነን፡ንዒ ደኣ ካብ ተሓቢእና ንገብሮስ ህዝቢ እንዳረኣየና ንግበሮ በላ።ሰበይቲ ፍጹም ሕፍረት ተሰመዓሞ፡ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ከምዚ እንዳበለ ገሰጻ፡ሰብ ድኹም፡ንሰብ ክሳብ ክንድዚ ካብ ተሓፈሮስ፡ንእግዚኣብሄርከ ኣይንሓፍሮንዶ፡ኣብ ቅድሚ ሰብ ንክንድዚ ዝኣኽል ርኽሰት ንኽንሰርሕ ሕልናና ምግባር ካብ ኣበየናስ፡ኣብ ቅድሚቲ ናይ ሕልና ፈጣሪ፡ንሰብ ከይተረፈ ዝፈጠረን፡ንሰብውን ዝፈርድን ኣምላኽ ደኣ ከመይ ኣቢሉ ደፊርና ነዚ ክፉእ ተግባር ክንገብር ደፈርና።ስምዕኒስከ ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝግበር ሓፊርክሉ፡ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዝግበር ግን ድፍረት ረኺብኪ፡ለካ ካብ ንእግዚኣብሄርሲ፡ንሰብ ኢኺ እተኽብሪ፡ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግበኦ ሰማያዊ ንጉስ እንዳሃለወ፡ሰብ ንፍጥረት ከምልኽ ጀሚሩ-----"እናበለ ገሰጻሞ፡፡ ኣንታ ብውሽጢኻ ዘይናትካ እትምነ እግዚኣብሄር ንሕልናኻ ይዕዘቦ ኣሎማ፡ዓማጺ ተባሂልካ ኣሎኻ፡ኣንቲ ዘይተዋህበኪ እትምነዪ ብሕልናኺ ጥራይ ምስክንደይ ሰባት ዝዘርኪ፡እግዚኣብሄር ንሕልናኺ ተመልኪትዎ ኢዩሞ፡ዓማጺት ኮይንኪ ረኺብኪ።
እዛ ጋል ኣብ ብርኩ ንኽንኽ ኢላ ካብ ውሽጣ በኸየት።ንእግዚኣብሄር ፈጺማ ከምዝደፈረቶ፡ኣብ ቅድሚኡ ዕልዋ መንግስቲ ገይራ ንሰባት ብዝሃበቶም ክብሪ ንመግስቲ እግዚኣብሄር ከምዝገምጠለት ስለዝተረድኣ፡ካብ ማዓሙቕ ልባ ብጣዕሳ በኸየት።ርድኣኒ፡ርድኣኒ፡ርድኣኒ እግዚኣብሄር ከይወሰደኒ ከሎ ንስሓ ክኣቱ ሓግዘኒ ኢላውን ወጨጨትሞ፡ናብ ሓደ ኣቦ ወሲዱ ኣራኺቡ፡ንስሓ ኣትያ ክሳብ ኣብ ምናነ ከምዝበጸሐት እሞ፡ድሮካ ናይታ ገዳም ኣማሓዳሪት ናይ ምኻን ጸጋ ድማ ተዋህባ።ዘገርም ፍጻመ።እግዚኣብሄር ኣብ ሓድሕዳዊ ርኽሰት ንዘሎ ሕልና መዝሒቑ፡ብቅዱስ ወንጌሉ ናብ ዝምራሕ፡ብፍቓዱ ዝግዛእ ሕልና ይዓድለና።
ናብ መበገሲ ኣርእስተይ ክምለስ፧እስከ ሎሚ መን ኢዩ፡ዓማጺ።ኣብዚ ዓለምዚ ወዮደኣ ሕቡእ ኮይኑእምበር ዓመጽ ኣየቃረጸን።ደቀንስትዮና ደቀተባዕትዮና፡ኣመንቲ እግዚኣብሄር ዘይኣመንቲ ኩሉና ዳርጋ ሎሚ ብግብሪካ ዘይዕምጽ እንተሃለወ፡ብሕልናስ ዳርጋ ኩሉና ዓመጽቲ ኮይንና።እቲ ዓመጽ ዓይነቱ ይፈላለ ይኮውን፡ገሌና ንዘይሰበይትና ንምነ፡ጌሌና ንዘይበጽሓናዮ መዓርግ ካብ ጵጵስና ጀሚርና ክሳብ ዝተሓተ ዘሎ፡ክስቶስ ከምዚ ኢዩ፡ከምዚ ክኾውን ነይርዎ፡ኣነ ተዝኾውን ከመይ ምኽኣልክዎ፡ክላእ በዓልዚ ድዮም ድያቆናት፡በዓልዚኣ ድየን ዘመርቲ! ካብ እዚኦም ዘለዉዎ ቤቴ ክርስትያን ዝኸይድ ዘይምኻድ ይሕሸኒ፡ብምባል ነቲ እግዚኣብሄር ኣገልገልቱ ንኽኾኑ ዝጸወዖም ሰባት ንሕና ግን ዓሚጽና፡እግዚኣብሄር ተጋጊኻ፡ብምባል ብቀጥታ ዓመጽና ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ዝገበርና ክንደይ ንኾውን።በንጻሩውን ዘይጽባቐና ከነቃምት ኣቤት እዛ ጋል፡ኣቤት እዚ ወዲ ክንበሃሃል፡ብግብሪ ድኣ ኣይንወዓሎ ኣምበር ብሕልናናሲ ድሮ ዓሚጽናስ ፍርዲ እግዚኣብሄር ኮፍ ኢላ ትጽበየና ኣላ።(መጽሓፍ ቅዱስ ሃቤሁ ሀሎ ኩሉ መዝገበ ጥበብ፡ወምክር ህቡእ።ትርጉሙ ብዘሎ መዝገብ ጥበብ ኣብኡ ኣብ ክርስቶስ ተሰዊሩ ኣሎ ይብል። ቆላ2፥3) ገሌናውን ሃይማኖት ከምዚ ኢዩ፡ክኾውን ዘለዎ ኢልና ልጋም ከምዘይብላ ፈረስ ንስጋና መታን ክጥዕመና፡ከምድላይካ ንበር፡ብምርጫኻ ኣብ ደሥሥሥ ዝበለካ ሓሳብ ተሳማማዕ ሰብ ጥራይ ኣይትበድል ዝብል መሪሕ ሓሳብ ብምርዓምና፡ንሕልናና ዓሚጽና ኣንጻር ሕልናና ዝዓጠቕናውን ክንደይ ንኾውን? መቸም ሰብ ኣምልኽኡ ደኣ ይፈላለ ኣምበር ካብ ኣምልኾ ዓዲ ዝወዓለ ሰብ ፍጹም የለን።ግን ገሊኡ ኣብ ገንዘብ የምልክ፡ገሊኡ ኣብ ፖሎቲማ የምልኽ፡ገሊኡ ኣብ ሳይንስ፡ገሊኡ ኣብ ሰብ ዝሰረቶ ፈጺሙ ዘይሓቂ፡መቸም ካብ ኣምልኾ፡ካብ ኣርቕዑተ ኣምልኾ ሓራ ዝኮነ ሰብ የለን።ወዮ ደኣ ዘስተውዕል ተሳኢኑ እምበር ኩሎም እቶም ዝምለኹ፡ዝድነቖሎምሲ ሕልናና ነጺጎጉ ናብ እግዚኣብሄር ንኽንምራሕ ዝናገሩ ልሳን ኢዮም።እዚ ኣብዚኦም ተጸጊዑ ዘሎ ሕልና ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ጥራይ ዘይኮነስ ዋላ ኣብ ገዛ ሰብነቱ ዝዓመጸ ሕልና ኢዩ።
ዋይ ሕልናይ ንክንደይ ደቀንስትዮ ኮን መንጢልኪ ብዘይፍቓድ እግዚኣብሄርን ብዘይፍቓደንተን ደቀንስትዮን መንጢልኪ ወሲድክየን ትኾኒ።ንክንደይ ነገስታት ኮን ትኾኒ እግዚኣብሄር ዘይሃበኪ ዙፋን ብምቕማጥ ነቶም ነገስታት ዘሪፍክዮም ትኾኒ፡ (ምሳሌ 8፥15-16 ተመለክቲ በሊ) ንክንደይ ደቂ ቤተክርስትያን ኮን ዝገበርዎን ዘይገበርዎን ብዘየገድስ፡ዳኛን ኣሳሪትን ኮይንኪ ኣብ ቤቱ እናሀለኺ ግን ንእግዚኣብሄር ቦትኡ ተኪእኪ፡ንስኻ እቶ ንስኻስባ ውጻእ ብምባል ዓመጻ ፈጺምኪ ትኾኒ? ኣየ ሕልናይ፡ነቶም ዝምቡዕ እምነት፡ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ዕልዋ ዘምጽኡስኮ፡ብውሽጢኺ ዘይኮነስ ተናጋሪት ልሳን ኣላትኪ፡ተኻኣልኪ በቲ ውሕሉል ቃለ ፈጣሪኺ ገይርኪ ክትመልስዮም ምተገበአ።ተዘይኮነ ግን እግዚኣብሄር ንወላሓደ ሰብ ክትጸልኢ ኣይፈቐደልክን።በንጻሩካ ደኣ ኣብ ክንዲቶም፡ዘሳድዱኺ ክትጽልዪ፡ኣብ ክንዲቶም ክፉእ ዝፈደዩኺ፡ንኣምላኽኪ ምሕረት ክትልምንሎም ተኣዚዝኪ።ኣይከኣልክዮን በንጻሩ ኮይኑ ዕዮኺ ነብሰይ።
ወገናተይ ዘለናዮ ዘመን ስጋና ዕረፍቲ ዝስመዓና ሕልናና ግን ፈጺሙ ዝርበሸሉ፡ብዝገበርናዮ ንዓግበሉ ዮሴፋዊ፡ኤፍሬማዊ ሕልና ዘይኮነስ፡ሰንከፍ ዝረገጽና ክሳብ ግብረሶዶም ይንገስ ዝበሃለሉ ዘመን፡ሓጥያት ሕጋዊ ይኹን ተባሂሉ ነጋሪት ዝተኣወጀሉ ዘመን በጺሕና።ኣብዚ ዝሓምበሰ ሕልና ዋላ፡ኣይፈጽም፡ደኣምበር ብሕልና ካብ ምዕማጽ ዝድሕኑ ውሕዳት ኢዮም።ወንጌል ጽዉዓት ብዙሓት ኢዮም ሕሩያት፡ዝድሕኑ ግን ከም ስድራ ኖህ ውሕዳት ኢዮም ከምዝበለና፡እግዚኣብሄር ምስቶም ኣብ መርከብ ኖህ ጸምባሃለል ኢሎም፡ካብ ምጥሓል ማይ ኣይሂ ዝደሓኑ ክገብርና ብንስሓ ክንቀርቦ፡ንሱድማ ክሓጽበና ሰናይ ፍቅዱ ይኹን።
ይትባረክ እግዚኣብሄር ኣምላክ ኣበዊነ፡ኪያነ ዘፈጠረ ከመናምልኮ።ኣሜን ተኽለማርያም ኢልኩም ብጸሎኩም ሕሰቡኒ ንድኹም ሓውኩም፡የሕዋተይ ደቂ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ

torsdag 9. mars 2017

እንጀራ ወይውን ቕጫ፡ክትበልዕ እንከለኻ፡ኣዚ እንጄራ ካብ ሓመድ ይርከብ ምኻኑ ዘኪርካ ትፈልጥዶ፧እንታይ ደኣሞ ናይ ፈጣሪ ስራሕ ምድናቕ ኣይከኣለካን ድዩ፧

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
"መኣዲ መስ ሶርያዊ!"
፨፨፨ ፨፨፨ ፨፨፨
ኣዚኻ ብዝጠመኻሉ ዕለት ኢዩ ንበል፡ኣብ ቅድሜኻ መግቢ ተቐሪቡልካ ንስኻውን ንምብላዕ እንክትቀራረብ፡ሓደ ኣቦ ነቲ መኣዲ ንኽባርኹ ተንሲኦም።ኣቦ ናይ መኣዲ ጸሎት ቁሩብ ኣንውሕ እንተዘብልዎስ እንታይ ምተሰመዓካ፧
መቸም መዓናጡኻ ብጥሙዩ፡ብኣፍካ ኣሜን እንዳበልካ ብልብኻ ግን ምርጋምካ ኣይተርፍን።" ኣነ ነቲ ጸሎት መዓስ ኢየ ዝጸላእክዎ፧ ነገር ግን ሰሎሞን 'ንኹሉ ገግዚኡ ኣሎዎ' ኣይበለን ድዩ፧" እንዳበልካ ምስ ገዛእ ርእስኻ ትማጎትዶ ትህሉ፧መቸም ጸሎቱ ኣብቂዑ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ካብ ጎይታ ብዝተማሃርክዎ ስርዓት፡(ሉቃ 24፣30) እቲ ካህን ካብቲ እንጌራ ቆሪሱ ምስሃበ ባዶነትካ ዘይክበርሃልካ ይክክእል ኢዩ።ማእዲ ምስተጀመረ ግን ቂምታኻ ረሲዕካ ደስ ኢሉካ ኢኻ ትምገቦ።እቲ ሶርያዊ ዝበሎ እንተትሰምዕ ግን ገዛእ ርእስኻ ምተዓዘብካያ!
እቲ ሶርያዊ ቅዱስ ኤፍሬም ቅድሚ ምብልዑ ንዝግበር ጸሎት፡ሓደ ካብቶም ኣዝዩ ዓቢ ቦታ ዝህብዎ ኣቦታት ነበረ።ርግጽ ኢዩ ኣብ መጽሓፈ መነኮሳት መግቢ ቀሪቡ ክባርኽ ኢሉ ጸሎት ምስ ጀመረ፡ድሕሪኡ ነቲ መግቢ ረሲዑ፡ብተመስጦ ጸሎት እንክገብር ዝሓደረ፡ንጽባሒቱ ዝቐጸለ መዓልቲ ጾም ዝኣትዎ ኣቦ ኣሎዉ።ብርግጽ ናይ እግዚኣብሄር ስም መግቢ ዝኾኖም ኣቦታት ካብ ሰማያዊ መኣዲ ብድድ ኢሎም ተንሲኦም፡ናብ ምድራዊ መግቢ ምምጻእ፡ቁልቁለት ይኾኖም።ንሕና ስጋውያን ድማ፡ንሰማያዊ ናይ ጸሎት ጉዕዞ ቀሪብና እንካን ስለምድራዊ መግቢ ምሕሳብ ኣይነቃርጽን።
ብርግጽ ንምብላዕ ፈጣሪ ምምስጋን ስለምንታይ ኣድለየ፧
ቅዱስ ኤፍሬም ስለ መግቢ ብዝደረሶ ኣብ
(Table Blessing of Mar Ephrem) ዝብል መጽሓፉ፡" ኣዳም ኣብ ገነት እንዳሃለወ ነታ ዕጸ በለስ ቅድሚ ምብልዑ ኣየመስገነን።ምብልዑውን ዓመጽ ኮይኑ ተቖጽረሉ፡( ንኣዳም ንምድሓን ንካሕሳ ዝመጸ) ጎይታ ግን ማእዲ ኣመስጊኑ ፡ባሪኹ ይቖርስ ነበረ።"ብማለት ይዛረብ።እስከ ኣዳምን ሄዋንን ነታ ዕጸ በለስ ዝበልዑላ ዕለት ንዘክራ!

"ብለይቱ ነታ ዕጸ ንምብላዕ ዝጠዓመት ከምዝኾነ፡ንዓይኒውን ኣዝዩ ከምዝስሕብ፡ጥበብ ንምሃብ ጽቡቕ ከምዝኾነት ረኣየት።ካብቲ ፍሬኡ ወሰደትሞ በለዐት።ድማ ፦ንሰብኣያ ሂባ፡ንሱውን ምስኣ በለዐ።" (ዘፍ3፣6)
"ወሰደትሞ በለዐት፡ሃበቶሞ በልዐ።" ንዝብላ ቃላት ኣዳምን ሄዋንን ከየመስገኑ ምብልዖም ቁልጭ ኣቢሉ የርእየና።ምላልባሽውን ቅድሚ ምብልዖም ብጸሎት ኣመስጊኖም እንተዝነብሩ፡ናይ ፈጣሪኦም ትእዛዝን ዝገበረሎም ኩሉን ሓሲቦም ካብ ሓጥያት ክኽልከሉ ምኸኣሉ ነይሮም።
ቅዱስ ኤፍሬም ሰብ ብብልዑ ካብዘየመስገነ፡ካብ እንሥሳ ኣይፍለይን ኢዩ ይብል።እንሥሳታት ስለቲ ዝበልዕዎ ነገር ኣመስጊኖም ኣይፈልጡን ኢዮም።( ሓደ ኣቦ፡ ደርሆ ማይ ክትሰቲ እንከላ ቅንዕ እትብሎ፡ንምስጋናዶ ይኾውን፧) ክብሉ ሰሚዐ ነይረ።ማይ ምውራዱ ከምዘለዎ ኮይኑ'ዩ።) ስለዚ ቅዱስ ኤፍሬም " በሊዖም ከምዘየመስግኑ ከም እንሥሳታት ኣይንኹን።" ይብል። መሊሱ ድማ" ኣብ ቅድኒ መኣዲ ኮፍ ኢልና እንዳበላዕና ነመስግን፡እንዳመስገንና ንብላዕ።ነቲ ዝወረረና ዓጸቦ ካብ ተወገደልና፡ጽምእና ካብ ተቓረጸልና፡ሕጂ ብዘይምህዋኽ ነመስገን።" ይብለና።ምኽንያት ምምስጋንና ነፍሲ ወከፍ ኣብውሽጢ መግቢ ናይ ፈጣሪ ስራሕ ስለዘሎ'ዩ።እዚ ድንቂ ኣቦ፡ብውሁብ ናይ ዝማሬ ግጥሚታቱ ዘርዚሩ ይነግረና።
እንጀራ ወይውን ቕጫ፡ክትበልዕ እንከለኻ፡ኣዚ እንጄራ ካብ ሓመድ ይርከብ ምኻኑ ዘኪርካ ትፈልጥዶ፧እንታይ ደኣሞ ናይ ፈጣሪ ስራሕ ምድናቕ ኣይከኣለካን ድዩ፧ጡዑም ጽማቕ ክትሰቲ እንከለኻ፡እዚ ጽማቕ ካብ ዕንጨይቲ ዝተረኽበ ምኻኑ ኣስተውዒልካ ትፈልጥዶ፧ነቲ መግቢ ጣዕሚ ዝሃቦ፡ካብ ኣሻኽ ዕንጨት ዝተጸምቀ ዘይቲ ከምዝኾነ ስለምንታይ ትርስዕ ኣሎኻ፧ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ዓይነይ ኣደናቒ ቸርነት ኣሎ፧ጨው እንተዘይነብር እዚ መግቢ ማይ ማይ ዘብል ኣይምነበረን።ጨውሲ ከም እምኒ ኣብዝረግጽዎ ስፍራ ዘቐመጠልካ ፈጣሪ ከየመስገንካ ስለምንታይ ትበልዕ ኣሎኻ፧" ይብል እቲ ቅዱስ።
ቅዱስ ኤፍሬም ሓቁ'ዩ።መግቢ ዘብሰሉልና ክኢላታት ሰብ ሞያውያን ነመስግኖም ኢና፡ነመጉሶም ኢና።መግቢ ዝፈጠረ ደኣ ከመይ ዘንጊዕናዮ፧ናይቲ መግቢ ጣዕሚ ተገሪምናሉስ፡ናይቲ መግቢ ፈጣሪ ንምምስጋን ንእሽቶ ደቓይቕ እንካን ምዕጋስ ተሳኢኑና፧ጡዑም መግቢ ዘብሰሉልና ሰባት" ኢድ ይባርኽ!" ኢልና ነመስግን ኢና።ናይቶም ኣብሰልቲ ኢድን ነቲ ዝበስለ መግብን ዝፈጠረ ጎይታ ግን ኣይንዝክሮን እካ፧ቤት መግቢ ኣቲና፡ንውሑድ ሰዓታት ተመላሊሶም፡ቦታ ሂቦም፡ጽቡቕ መግብን መስተን ብኣኽብሮት ንዘቕረቡልና ኣአንገድቲ ምስጋና ነቕርበሎም ኢና።ዝነኦም ድማ ንኻልእ ሰብ ንነግረሎም ።ከም ሓደ ክቡር ኣአንጋዲ ኣብዚ ምድሪ ዝርከብ ኩሉ ኣሰናዲኡ ብምፍጻም፡ዝፈጠረን ካብ ዝተፈጠርናሉ ዘመን ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ኣብቂሉ ብጸሓይ ኣብሲሉ ዝምግበና ፈጣሪ ግን ንምምስጋን ግዜ ክሓጽረና ክንደይ የሐዝን!!!
ቅዱስ ኤፍሬም ኣብ ቅድሚ መኣዲ ስለ ሓዊውን ኣመስግኑ ይብል።
" እሳት ኣይብላዕን'ዩ፡ብኡኡ ንዝበስሉ መግብታት ኩሉ ግን ጣዕሚ ይህቦም።ብናይ መግቢ ጣዕሚ፡ናይ እሳትነት ዋዒ እንዳሃለወ ነበልባሉ ግን የለን።ሙቐቱ ኣብ የእዳውና 'ዩ፡ምቅጻሉ ድማ ካባና ርሓቐ።" ስለዚ ነቲ ሓዊ ድንቂ ገይሩ ዝፈጠረ ኣምላኽ እንዳመስገንኩም ብልዑ ይብል።
"ጎይታና እንጀራን ዓሳን ኣበርኪቱ ብዘብለዓሉ ግዜ ከምዝተመገቡ ሰባት ንኹን።ንሳቶም ክበልዑ እንከለዉ፡ብስጋውነቶም ጥራይ ዘይኮነስ፡ብነፍሳውነቶም ውን እምበር።ኣፎም ነቲ ዓሳን እንጌራን ኣየዕረፈን፡ሕልነኦም ድማ ፈጣሪ ካብ ምድናቕ ኣየዕረፈን።ይኹን እምበር ካብ መግቦም ንላዕሊ መግቢ ንዝሃቦም ጎይታ፡ምፍላጦም በሊጽሎም ምስጋንኦም ተተኪኡ ነበረ።(ዮው6፣13)
ቅዱስ ኤፍሬም ኣይወደአን፡" እንዳበላዕኩም ስለእግዝኣብሄር ተዘራረቡ፡መኣድኹም ናይ መንግስተ ሰማያት መኣዲ ይኹን፡" ይብል።ኣብ መኣዲ ስለምንታይ ንዛረብ፧ ካብ በልና ድማ ስለማኣዲ ተዛረቡ ይብለና።"
ኣብርሃም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ተረኺቦም፡ስለቲ ዝቕረብሉ መኣዲ ተዛራረቡ፡(ዘፍ19፣1)።ነቲ ድኻ ኣልኣዛር ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ኣደቂሱ ይብልዕ ንዝነበረ ስለ ናይቲ ብዓለጸጋ መኣዲ ተዘራረቡ።(ሉቃ16፣21) ክትበልዑ እንከለኹም፡" ጠምየዶ ኣብላዕኩምኒ፡እንክትሰትዩ ጸሜአዶ ኣስቲኹምኒ፡ንዝብል ቃል ዘክር።
ብመኣድኹም ወይኒ ቀሪቡ እንተሎውን ብዙሕ ነገራት የዋጃበሩኻ።ወይኒ ከይሰተዩ ዝነበሩ ዝነበሩ ደቂ ኢናዳብ ተዘራረቡ።(ኤር35) ወይኒ ክትቀድሑ እንከለኹም ጳውሎስ ንጢመጢዎስ" ንኸብድኻ ቁሩብ ወይኒ ስተ" ከምዝበሎ ዘክሩ።(1ጢመ5፥23)በዚ ወይኒ መስተ ምብዛሕ ሎጥን ኖህን ናብ ምንታይ ጥፍኣት ከምዝወሰዶም እንዳዘከርኩም ካብ ምስካር ተቖጠቡ።(ዘፍ9፣21። 19፣33)
ብግዜ መኣዲ ሰብ ካብ ምትሕምማይ ቃሉ ምዝርራብ ይሓይሽ በሃሊ ኢዩ።መሃሪ ኤፍሬም ከምዚ ይብል።
"ከም ሓደሓደ ሰብ ክበልዕን ክሰትን ተቐሚጡ ዝረኣኻዮ ስጋኡ ኣየርውዮን ኢዩ።ሳኦል ስጋ ንምምጋብ ተቐሚጡ፡ናይ ዳዊት ስጋ ይምገብ ነበረ።ብገሃዲ ወይኒ እንዳሰተየ ብስውር ግን ናይ ዳዊት ደም ይሰቲ ነበረ።(1ሳሚ 20፣24)
ናይ ዮሴፍ የሕዋት ክበልዑ እንከለዉ፡ተቐሚጦም ሓዎም ንምቕታል ናብ ጉድጋድ ደርብዮም ይማኸሩ ነበሩ።መግቦም እንዳዋገዑ እንክበልዑ ደስ በሎም።ዮሴፍ" ክትሰግዱለይ ርእየኩም" ኢሉ ሕልሙ ካብ ዝነገሮም ግዜ ጀሚሮም፡ከምዛ መዓልቲ እዚኣ ገይሮም ዝበልዑላ መዓልቲ ግን የላን።
የዋህ ዮሴፍ ብግጺ ገዛኢ ኮይኑ ምስ ተሾመ ግን እንዳበልዑ ንዝሸጥዎ የሕዋቱ፡ኣብ ቤተ መንግስቱ ንኽበልዑ ናብ መኣዱ ጸውዖም።" ምስ የሕዋቱ ኮይኑ ካብ ዝበልዓላ መዓልቲ፡ዮሴፍ ናይ ግብጺ እንጄራ ኣይምቅሮን ነበረ።ምስ የሕዋቱ ኮይኑ ንዝሰተዮ መዓልቲ ንላዕሊ፡ናይ ፈርዖን ወይኒ ኣየደሰቶን ነበረ።"
"ንዝፈትዎ ሰብ እንዳረኣዮ ዝሰትዮ ሰብ ምስቲ ወይኒ ገይሩ ይሰትዮ፡ጸላኢኡ እንዳረኣየ ዝሰትዮ ግን ምስቲ መስተኡ ቁጡዓ የመንጩ።ንሕና ግን ወይንናን እንጀራናን ከምንፈቱ፡ንሓድሕድና ንተሓቓቖፍ። እቲ ወይኒ ብናይ ጎሪረና ደም ምስዝወርድ፡ፍቕሪ ብሕልናና ይፈሰሰ።መግቢ ናብ ከብድና ክወርድ እንከሎ ጸሎት ብሕልናና ይምበር።"
በሊዕና ክንውድእ እንከለና" ስብሀት " ኢልና ነመስግን።እስራኤል በሊዖም ብዘይምምስጋኖም ከምዝተቐሰፉ ዘክሩ።(ዘህ21፣6)
ፈጣሪ ስጋ ሂብዎም ከየመስገኑ ክበልዑ ከለዉ፡ከይተንስኡ ናይ እግዚኣብሄር ቁጥዓ ነደደ።እቲ መግቢ ብኣፍንጭኦም ወጸ።(ዘህ11፥20)
ቅዱስ ኤፍሬም ብኣፍንጭኦም ወጸ ንዝብል፡ከብርሃልና እንከሎ"ካብ ኣፍ ንላዕሊ ንዘሎ ኣፍንጫ፡ኣፍ ብዘይምምስጋኑ ኮይኑ፡ካብ ሕገ ተፈጥሮ ንላዕሊ እቲ መግብክ ብኣፍንጫ ወጸ።" ይብል።
መቸም በሊዑ ስለምምስጋን ንዘብርሃልና፡ነዚ ጽሑፍ እንከንበብ"ሕጂ ክንደይ ምልዮን ህዝቢ እንዳጠመየ፡በሊዑ ናይ ምምስጋን ናይ ዝጽሓፍ ግዜ ኢዩ፧እዚ ህዝቢ እንታይ በሊዑ'ዩ ከመስግን፧ ዝብል ሰብ ኣይሰኣንን!!!( እቲ ጹሑፍውን ዘይክጭርሶ ይኽእል ኢዩ!!)
ቅዱስ ኤፍሬም ግን ንምምስጋን ምጽጋብ ጥራይ ምኽንያት ኣይኮነን በሃሊ ኢዩ።ናይ ሉቃስ ወንጌል ታሪኽ ብምትቃስ " እቲ በዓል ጸጋ ኔዌ ጸጊቡ ኣየመስገነን፡እቲ ድካ ኣልኣዛር ግን ጠምዩ የመስግን ነበረ፡ይብል።
ሓቂ'ዩ! ከይበልዐ ዘመስገነ ሰብ ብሰማይ መኣዲ ኣብ ናይ ኣብርሃም ሕቕፊ ይእንገድ።ካብ መንግስተ ሰማያት መኣዲ ይጋበዝ።ምስ ኣብርሃም፡ምስ ይሰሃቅ፡ምስ ያዕቆብ ይቕመጥ።ናይ ሂዎት እንጀራኡ ከቶ ካብ ዘየጽምኦ ምስ ናይ ሂዎት ማዩ ይረዊ።ንዘልኣለም ኣይጠምን፡ኣይጸምእን።
ስብሀት ለእግዚኣብሄር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።
ብድያቆን ሄኖክ፡
ትርጉም ተኽለማርያም

•ናይ ዕሸላት ኣምልኾ፡•(ህጻናት ኣብ ኣምላኽ ንዝህልዎም ኣምልኾ ብዛዕባ ዝለዓል ሕቶ፣ ዝተዋህበ መልሲ፣)

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
•ናይ ዕሸላት ኣምልኾ፡•
ዕሸል ህጻን ኢዩ።ናይዚ ኣርእስቲ ቀንዲ ዕላማ፡" ህጻንዶ የምልኽ ኢዩ፧" ኣብዝብል መዋጥር ንዝኣተወ ሕልና ንምምላስ ኢዩ።
እግዚኣብሄር ድቂ ከይኮንና እንከለና እረ ፈሳሲ ኮይንና ኣብ ሕቆ ኣቦናን ኣዴናን ከለና ይፈልጠና ኢዪ።ሎም መዓልቲ፡ጥዑም ቃል እግዚኣብሄር" ሐረኩከ እምከርሰ እሙከ'፥" ብዝብል ኣርእቲ እግዚኣብሄር ብዝሃቦም ጸጋ ሓደ ድያቆን ሓውና መሃሩና።መበገሲ ዝወሰድዎ( ኤር1፥4-5) ኮይኑ ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ከይሃነጽኩኻ ሓረኹኻ እንዳበሉ፡እግዚኣብሄር ኣብልዕሌና ንዘሎዎ ፍቕሪ ቁሊጭ ኣቢሎም፡ነገሩና።ንስኺ፡ንስኻ፡ንስኻትኩም ኩሉና ገና ከይተሓሰብና ከለና ንሱ ሓሰበና፡ከይመረጽናዮ እንከለና ንሱ መረጸና፡ከይፈለጥናዮ እንከለና መረጸና፡ክብርነቱ ልዕልንኡን ገና ከይፈለጥና እንከለና ንሱ ኣቕዲሙ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ሓረየና።(ኤፌ1፥4 በከመ ሐረየነ ለቱ እምቅድመ ይትፈጠር ዓለመ ከመ ይረስየነ ቅዱሳነ፡ወንጹሐነ ቅድሜሁ በተፋቅሮ።
ትርጉም፥- ኣብ ቅድሚኡ ቅዱሳንን መንቅብ ዘይብሎምን ምእንቲ ክንከውን ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ሓረየና።)
ኣዳም፡ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ተሓርየ፡ንስኻትኩም ኦ ዉሉደ ኣዳም ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ተሓረኹም፣፡{ድንግል ማርያም ድማ ካብ ኩሎም ሰባት እረ ካብ ቅዱሳን ኣዝያ ዝተቐደሰት ኮይና ኣብ ሕልና ኣምላኽ ነበረት፣) ዝብል ትምህርቲ ካብ ባዶ ዝተበገሰ ኣይኮነን።ኩሉ ሰብ ኣብ ሕልና ኣምላኽ ካብ ነበረ ምኽንያት ምድሓን ንምኻን ቅድስት ድንግል ግን ብዝበለጸ ኣብ ሕልናኡ ኣቐሚጥዉ ይሕልዋ ነበረ።ተመስገን ናብ ኣርእስትና ንኽድ!።
ኣስተውዕሉ፡-

ኣብዛ ናይ ኤፌሶን መልእኽቲ 2 ነጥብታት ኣሎዋ ክስትውዓላ ዝግበአን፡ኣዳም ስለምንታይ ኢዩ ተሓርዩ!= ቅዱስን መንቅብ ዘይብሉን ኮይኑ ንኸመስግን፡መዓስከ ተሓረየ፣! ቅድሚ ምፍጥር ዓለም ተሓርየ።እንዳበለ ቅዱስ ጳውሎስ ይሰብኽ።
ነዚ ሕርየትዚ ብዝግባእ ኣርኣያ ንምኻን ኢሉ ዝጸውዖም ህጻናት፡ ብዙሓት ኣሎዉ፡ካብኦም፡ገለ ገለ ኣብነተ ጠቒሰ ክነግረኩም ኢየ።ኤርምያስ ብህጻኑ እንከሎ ንቅድስና፡ንስብከተ ትምቢትን ተጸወዐ።(ኤር1፥1--)
ኣብዚ ዕለትዚ ዝዝከር ዘሎ ቅዱስ ኣቦ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ሓድሽ ህጻን ኮይኑ ካብ ማህጸን ኣዲኡ ምስ ወጸ፡ንስሉስ ቅዱስ ብድድ ኢሉ ኣመስገነ።ኣምልኽኡ ገለጸ፡(ስንክሳር 5 መጋቢት ተመልከት።) ቅዱስ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ካብ ማህጸን ኣዲኦም እንከለዉ ሓድሽ ህጻን እንከሎ ብድድ ኢሉ ንስሉስ ቅዱስ ከም መልኣኽቲ ኮይኑ ኣመስገ።(ገድሉ ተመልከት) ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ውን ድንቂ ኣቦታት ተመልከት፡ቅዱስ ኣቦና ኖህ ትውልድ ምስ ኣበለ ሓድሽ ህጻን እንከሎ ሓፍ ኢሉ ብምትንሳእ ንእግዚኣብሄር ኣምላኹ ምስጋን ኣምልኾን ኣቕረበ።( መጽሓፈ ሄኖክ41፥1-3) " ህጻን ኖህ ምስተወልደ የዒንቱ ቃሕ ኣበለሞ፡እታ ቤት ብምልእታ ከምጽሓይ ብብርሃን መልኣ።ካብ ኢድ እታ መሕረሲት ብድድ ኢሉ ከኣ ኣፉ ክፈተ፡ንጎይታ ጽድቂ ድማ ኣመስገነ።(ሄኖ41፥3) " ኢሉ ብዘደንቕ ቃል ይምህረና።ካብዚ ብዝበለጸ ኣገራሚ ነገር ድማ ህጻናት ኣብ ኣምላኾም ዘለዎም ኣኽብሮትን ኣምልኾን ኣርኣያ ዝኾውን ድንቂውን ክነገረኩም።

ዮውሃንስ መጥመቕ፡-እዞም ዝበልናዮም ህጻናት፡ምስተወልዱ ኢዮም ምስጋና ኣቕሪቦም፡የውሃንስ ግን ገና ከይተወልደ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ እንከሎ ኣምልኽኡ ገለጸ።ጎይትኡ ኣብ ማህጸን ተወሲኑ፡እታ ንዑኡ ዝጸረት ኣደ ክትመጽእ ብማዕዶ መንፈሳዊ ዓይኒ ገይሩ ረኣያ፡'ሰላምምምም!" ዝብል ድምጺ ምስ ተሰምዐ፡እቲ ሰላምታ ካብ እዝኒ ኣዴኡ ኤልሳቤጥ ሓሊፉ፡ናብ ማህጸና ብምሕላፍ፡ንዮውሃንስ መጥመቕ ውን ብናይ ኣብ ማህጸን ዘለዉ ህጻናት ዝዛረብዎ ቃንቃ ገይሩ ሰላም በሎ።ብርግጽ ኣብ ከብዲ ኣዴኦም ዘለዉ ህጻናት ቃንቃ ከምዘለዎም፡ንኣምላኾም ንምምላኽ ኣምልኾኦም ዝገልጽሉ ኣጋባብ ከምዘሎ ተረዳእኩ።ካብዚ ናትና ዓይነት ቃንቃ ይፍለ ኢዩ፡ግን የውሃንስ በቲ ኣምላኹ ዝሃቦ ቃንቃ ገይሩ፡እንዳተሰራሰረ ሓጎስ ኣምልኽኡ ገለጸ።(ሉቃ1፥41-) ተመልከት።
ነዚ ፈሊጡ ኢዩ ቅዱስ የውሃንስ፡-" እጽሕፍ ለኩሙ ደቂቅየ፡ እስመ ተሀድገ ለኩሙ ሓጥያትኩሙ፡በእንተ ስሙ።
ትርግሙ፥- ኣንቱም ቆልዑ ነቦ ስለዝፈለጥኩሞ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ።"(1ይውሃ 2,፣13) ይብል። ለካ ህጻናት ኣምልኾ ኣሎዎም፡ኣምላኾም ሓርይዎም ኢዩ፡ቅድሚ ምፍጣሮም፡ቅድሚ ኣዳም ምፍጣሩ፡ቅድሚ ዓለም ምፍጣራ ሓርይዎም ኢዩ፡ከመይ ደኣ ዘየመስግንዎ።
( መዝ139፥16 ወዘሂ ኢገበርኩ፡ርእያ ኣዒንትከ፡
ኣዒንትኻ ድቂ ከለኹ ረኣያኒ፣" ይብል።
በረኸት ናይ ቅዱሳን ህጻናት ኣይፈለየና፡ብህጻንነቶም ጀሚሮም ክሳብ ዘመነ፡እርጋኖም ዝሰዓቡ ቅዱሳን በረኸቶም ይክፈለና።
ይትባረክ እግዚኣብሄር ኣምላከ ቅዱሳን ህጻናት፡
ኪያነ ዘፈጠረ ከመ ንሄሉ በውስተ ቅዱሳት መካናት ወናምልኮ ለዘለኣለም ዓለም ኣሜን።

ንብረት ጠፊኡ ክሳብ ክንድዚ ዝተሻቐለ ወድሰብ፡ነብሱ ብሓጥያት ጠፊኣ፡ካብ ማሕበረ ቅዱሳት ተነጺላ እናሃለወት ግን ንዓኣ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝግበር ምፍታሽ ተራ ነገር ገይሩ ሓሲብዎ!!! ኣየ ሰብ!!

ብስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን፡-ንኣግርሞተይ ብምንታይ ክገልጾ ኢየ፧
ኣየ ሰብ፡ወርቂ ጥፊእኒ ኢሉ መሬት ይፍሕትር፡ገንዘብ ጠፊኡኒ ኢሉ ክደሊ ይውዕል፡ብሩር ስለዝጠፍኦ ምድሪቤቱ ንብምልኡ ክኽስትር ይርከብ፡ገዛእ ርእሱ ጠፊኡ ግን ምንም ዝገበሮ ኣስተዋጽኦ የለን።ነብሲዶ ይኸብር ንብረት፧ብካልእ መዳይውን ክቡር ንብረት ወርቂ ብሩር ስለዘንጠልጠልና ንሕና ዲና ክንኮርዕ ዝግባኣና ወይሲ እቲ ሂዎት ዘይብሉ ንብረት ኣባና ኣብቶም መልክዕ ኣምላኽ ዘለና ሰባት ስለዝተንጠልጠለ ክኾርዕ ነይርዎ፧ ንሕናግን በንጻሩ ገይርናዮ።እቲ ንብረት ምስ ጠፈአ ድማ ክንድዚ ሻቒሎት!!ንብረት ጠፊኡ ክሳብ ክንድዚ ዝተሻቐለ ወድሰብ፡ነብሱ ብሓጥያት ጠፊኣ፡ካብ ማሕበረ ቅዱሳት ተነጺላ እናሃለወት ግን ንዓኣ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝግበር ምፍታሽ ተራ ነገር ገይሩ ሓሲብዎ!!!
ኣየ ሰብ!!
እዞም ሕጂ ትርእይዎም ዘለኾም ጨካናት ነገስታት ጭላፍ ናይቲ ኣብ ሲኦል ዘሎ ንጉስ ኢዮም።እዞም ሕጂ ዝረኣይኹም ዘለዉ ርህሩሃት ነገስታት ድማ ጭላፍ ናይቲ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዘሎ ንጉስ ኢዮም።ኣብ ሲኦል ሓደ ጨካን ንጉስ ጥራይ ኢዩ ዘሎ ንሱ ድያብሎስ ኢዩ፡መንግስቱ ንኸስፍሕ ሰራዊት ኣኽቲቱ እነሀለ።ሰለያ ኣሎዉዎ፡ናብ ሓጥያት ዝመርሑ ተቓናቐንቲውን ኣዕጢቑ ኣሎ።ብሕጂ ናቱ ሰራዊት ክኾውን ዝደሊ እንተሎ ድማ፡ናይዛ ዓለም ዋጋ እንዳኸፈለ ኣባለይ ክገብሮም ብምባል ኣዋጅ ኣውጁ ኣሎ።
ኣብ መንግስተ ሰማያት ድማ ሓደ ላዋህ ንግሱ ጥራይ ኢዩ ዘሎ፡ብዙሓት ሰራዊት ድማ ኣሎዉዎ፡እቲ ካብ ውሽጦም ዝስማዕ ድምጺ ናይቲ ለዋህ ንጉስ ድምጺ ንኽእውጁ ብዙሓት ሰራዊ ኣዕጢቑ ኣሎ፡
ብማዕዶ ብፍሪኦም ኢኻ ትፈልጦም፡ክኸዱ፡ክቕመጡ፡ክኽደኑ፡ክለብሱ፡ክዛረቡ፡ትም ክብሉ፡ፍቕሮም ክገላለጹ ኮታ ቅምጥ ኢሎም ናይቲ ለዋህ ንጉስ መሲሎም ኢዮም ዝረኣዩ።
ክትሪኦም ዝተማረኹ ይመስሉ፡ግን ዝማርኹ ኢዮም፡ዝተምበርከኹ ክመስሉ ይግረፉ፡ግን ሰማያዊ ስልጣን ዝተዋህቦም ዝኣስሩን ዝፈትሑን ሰብ ስልጣን ሰብ ኣኽሊል ኢዮም።ድኻታት ክመስሉ ዝስደዱ ኢዮም፡ኣብ ሰማያት ግን ንምርኣያ ዘይትጽገብ ሃገር ኣላቶም።እዞም ሰራዊት እዚኦም ነንኣሽቱ ጉጅለታት እንዳሰደዱ ናብዛ ዓለም ተላኢኾም ኣሎዉ፡ዕላምኦም ኣባላት ናይቲ ለዋህ ንግስ ኣብዛ ምድሪ ብዙሓት ሰራዊት ንከኽትቱ ኢዩ።ሃዋርያ ጳውሎስ ከም ዓቀይታ ኮይንካ ናይ ክርስቶስ ወታሃደር ኩን በለ። እወ ዕላማ ናይዞም ሰራዊትዚኦም ከምኣቶም ለዋሃት ሰራዊተ እግዚኣብሄር ካብዛ ምድሪ ገፊፎም ንኽከዱ ኢዩ፡ካልእ ዕላማ የብሎምን።

እሞ ወገናተይ፡እዞም ሕጂ ምስዞም ናይ ምድሪ ነገስታት እዚ ጨካን ኢዩ፡እዚባ ይሓይሽ እንክንብል ጸሓይ ዓሪባትና ዘላ፡ናይ መን ኣባል ምኻን ይሓሽ ትብሉ፡ናይዞም ኣብ ምድሪ ዘሎዉ ጭላፍዶ ወይሲ ናይቶም ክልተ ቀንዲ፡እዞም ቀንዲ ዝበልናዮም ድያብሎስን እግዚኣብሄርን ኢዮም።
ኣባላት ሰራዊት እግዚኣብሄር ኮይንና ንኽንነብር ዕድሜና ገና ከይጀመረ ፡ናይ መንፈሳዊ ብርጌደር ጀነራል ማዕርግ ብጥምቀት ዝሃበና ኣምላኽ ክብሪ ምስጋና ንዑኡ ይኹን።ብጥምቀተ ተዋህዶ እምነት ካብ እግዚኣብሄር ዝተወለድኩም ደሥሥሥ ይበልኩም!!!
ኣባላቱ ክትኮኑ ገና ብቕዓትኩም ከይጀመረ መሪጽኩም ኣሎሞ፡ሐራይ በልዎ።
ወይ ሰብ! እዚ ሕጂ ትርእይዎ ዘለኹም ሓዘን ካብ ሲኦል ተጨሊፉ ዘመጸ ሓዘን ኢዩ፡እዚ ሕጂ ትርእይዎ ዘለኹም ደስታውን ካብ ገነት ተጨሊፉ ዝመጸ ደስታ ኢዪ።ወገናተይ ኣብዚ ምድሪ ሓቀኛ ደስታን ሓቀኛ ሓዘንን የለን።ሓዘንነቱ ፈጺምካ ንምግላጹ ዘይክኣል ከቢድ ሓዘን ኣብ ሲኦል'ዩ ዝርከብ፡ደስታነቱ ንምትንታን ፈጺምካ ዘይግለጽ ደስታ ውን ኣብ ገነት ኢዩ ዘሎ።እዚ ዝረኣየና ዘሎስ ምሳሌ ኢዩ።
(ዮውሃንስ ኣፍወርቂ)
ትፈልጡ ኢኹም፡ናይ እንሥሳ ሓኪም ኣሎ፡ናይ ሰብ ሓኪም ከኣ ኣሎ።ናይ መላእክት ሓኪም ግን ክሳብ ሕጂ ሰሚዕና ኣይንፈልጥን።ወድሰብ እዛ ሕጂ ምስ እንሥሳ እተማሳስለና ናይ ምድሪ ሂዎት ምስ ኣብቀዐት፡ከም መልኣእክት ክንከውን ኢና።ሽዑኡ ሕማም የለ፡ድኻም የለ፡ጭንቀት የለ ሓኪም ርእሲ የለ፡ሓኪን ስኒ የለ፡ሓኪም ዓይኒ የለ፡ኩሉ ግዜ ደስታ ኩሉ ግዜ ዝማሬ ኩሉ ግዜ ኣምልኾ ክኾውን ኢዩ።ናብኡ የብቅዓና እግዚኣብሄር
ሰብ ምስ ተፈጠረ ኣብ መንጎ መላእክት ዓቢ ደስታ ኮነ፡ምክንያቱ ሰብ ብኣምሳል ኣምላኽ ስለዝተፈጥረ፡ናይ እግዚኣብሄር ፎቶ ኣብ ኣዳም ተገሊጹ ስለዝተራእዮም ዓቢ ደስታ ኾነ፡ንሓድሕዶም' ከመይ ዝበለ ዘገርም ነገር ኢዩ' እንዳበሉ ክድነቑ ጀመሩ።
ካብዚ ንላዕሊ ኣጸቢቖም መታን ክግረሙ ኢሉ ድማ እግዚኣብሄር ሰብ ኮነ፡እዚ ንምግላጹ ኣሸገሮም፡ናይ ኣምላኽ ፎቶ ኣብ ሰብ ስለዝተራእየ ዝግረሙ ዝነበሩ፡እቲ ዝፈልጥዎ ግዙፍ ኣካል ዘለዎ ወድ ሰብ ድማ ናይቲ ረቂቕ ኣካል ናይ እግዚኣብሄር ባህሪ ክውሃሃድ ስለዝረኣዮ፡ዓቢ ደስታ ኮነ።እግዚኣብሄር ንኣድነቖቶም እናሻዕ ደስተኛታት ንኽኮኑን፡በይኖም ጥራይ ዘይኮነስ እንተላይ ደቂ ሰብ ክንድምንታይ ከምዝኸበሩ መታን ኽርድኦምን፡ኣምላኽ ሰብ ኮነ፡ባህሪኡ ምስ ባህሪ ሰብ ፍጹም ተዋሃሃደ፡፡ነዚ ምስጢር እዚስ ከመይ ኢልካ ይግለጽ፡ኣዝዩ እጹብ ኢዩ።
ስብሀት ለእግዚኣብሄር

onsdag 8. mars 2017

romes book andmta

http://www.ethiopianorthodox.org/amharic/holybooks/paulos%20commentary/01%20Romans.pdf

book of qelementos

http://www.ethiopianorthodox.org/amharic/holybooks/qelementos/qelementos_Part1.pdf
http://www.ethiopianorthodox.org/amharic/holybooks/qelementos/qelementos_Part2.pdf
http://www.ethiopianorthodox.org/amharic/holybooks/qelementos/qelementos_Part3.pdf
http://www.ethiopianorthodox.org/amharic/holybooks/qelementos/qelementos_Part4.pdf

ሓዲኦም ናብ ባቢሎን ሓዲኦም ናብ ገዳም እንዳኸዱ ጎፍንጎፍ ተራኪቦም ዝገበርዎ ሓጺር ዝርርብ፣፣

ሕቶ፥-ናበይ ደኣልካ ትኸይድ ዘለኻ ክቡር መንእሰይ፧
መልሲ፥-ናብቲ ፊትና ዘላ ዓባይ ከተማ ምስሓጥያታ ክቃደስ እንዳበልኩ ኢየ ዝሸባሸብ ዘለኹ።እዚ ምሳይ ዘሎ ሓጥያት ውሒዱኒስ፡ምዕራባዊ ስነ ሓሳብ ክምገብ ሓጥያት ከዋህልል ኢየ ናብታ ዓባይ ከተማ ዝኸይድ ዘለኹ።
ሕቶ፦ንስኹምከ ሽማግለ ናበይ ኢኹም፧
መልሲ፣- ኣነስ ኣብታ ትኸዳ ዘለኻ ከተማ ንነዊሕ ዘመናት ዘዋህለልክዎ በበይኑ ዓይነት ሓጣውእ፡ምስካሙ ስኢነስ፡እግዚኣብሄር እንተማሓረኒ ኢለ ናብ ገዳም ኣንዳኸድኩ ኢየ፡
ሕቶ፦ እግዚኣብሄርሞ ኣብቲ ከተማ የለን ድዩ፧
መልሲ፦ ኣሎባ።ኣሎ የግድኻ።ግን ኣይከኣልክዎን፡ኣብኡ ኮይነውን ይነብዕን ይጽልን ኢየ ነይረ።ስለሓጥያተይሲ ኣብታ ዓባይ ባቢሎን ኮይነ ብምብካይ ምጽጋብ ሲኢነዮሞ፡ናብ ብሕትውና ኮይነ ሰብ ከይረኣየኒ ኣነን እግዚኣብሄርን ጥራይ ዘለናሉ ኮይነ ስለቲ ዘፍረኽዎ ናይ ሓጥያት ፍርያት ክበኪ ወሲነ።ኣብቲ ከተማ ክበኪ እንከለኹ ሰባት ኣብ ቤተ እግዚኣብሄር ስለዝርእዩኒ፡መመጺኦም የድኑቑኒሞ፡እቲ ስለሓጥያተይ ዝበለኽዎ፡ከም ንፋስ ቆውዒ(ማንጢለን) በኒኑ ከምዝኸይድ ይገብሮሞ፡ጸጋይ ይግፈፍ እናተፈለጠኒ ድማ ብስነ ኮንቱ ውዳሴ ይስነፍ።
ሕቶ፦እዋእ፡እሞ ኣነ ናብዛ ከተማ ይኸይድ ኣሎኹሞ፡እንታይ ተማኽረኒ፧
መልሲ፦ ንስሓ እቶ፡መዓልታዊ ክትወድቕ እንከለኻ መዓልታዊ ድማ ንኣባት ነብስኻ ስለሓጥያትካ ክትጸባጸብ ፈትን።ከምቲ መዓልታዊ እቶትካ ኣብ ወረቐት እንዳጸሓፍካ ትጽሕፎ፡ሓጥያትካውን ናይ መዓልታዊ ህያብ ሰይጣን ኢዩሞ፡ዕለታዊ ዘዝገበርካዮ ሰይጣናዊ ዘበለ ጸጺሒፍካ ኣብ ካህንካ ተናስሓሉ።ሕጂ ወደሓንካ።ድንግል ማርያም ምስኻ ትኹን።

ክልተ ሰባት ናብ ናይ ሓጥያትን፡ናብ ናይ ጽድቅን ከተማ እንክኸዱ ጎፍንጎድ ተባሂሎም ዝዕለልዋ ሓጻር ዝርርብ።
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር

ኮፍ ኢሎም ዝሰቐልዎ፣ ደው ኢሎም ምውራድ ሰአንዎ፣፣ መሳጢ ምኽሪ ብድ. Daniel Kibret

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
ኮፍ ኢሎም ዝሰቐልዎ
፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨
ናይ ኢራቕ ኩርዳውያን ከምዚ ኢሎም ይትርኹ።
"ሓንቲ ጋል ንጉስ ነበረት።ሓደ ተፍቅሮ ወዲውን ነበረ እሞኸድኣ፡ምስቲ ናይ ቤተ መንግስቲ ሓላዊ ዋርድያ ትመኻኸርሞ፡ነዚ ኣፍቃሪኣ ናብ ክፍላ ተእትዎ ነበረት።ናይ ቤተ መንግስቲ ሓላዊ ዝተወሰነ ገንዘብን ጨርቀመርቅን ትህቦ ስለዝነበረት ብደስታ ምስጢር ይሕሉ ነበረ።ሓደ መዓልቲ ግን ዘይተሓሰበ ነገር ተኸሰተ።እታ ልዕልቲ ጋል ንጉስን ኣፍቃሪኣን ቱፋሕ ቆሪጾም ብምምጻእ እንዳተጻወቱ ይበልዑ ነበሩ።ክልቲኦም ኣፎም ከከፊቶም ናይቲ ቱፋሕ ምታር ሓደ ነቲ ሓደ ናብ ኣፍ ንኣፎም እንዳወርወሩ ምእታው ነበረ ጸወትኦም።
እንዳተሰሓሓቑ ናይ ቱፋሕ ቁራጽ ናብ ኣፎም ክውርውሩ ፡እታ ልዕልቲ ጋል ንጉስ ዝወርወረታ ናይ ቱፋሕ ቁራጽ፡ሃንደበት ናይ ኣፍቃሪኣ ጎሮሮ ውሽጢ ኣትያ ተቐርቀረት።ማይ እንተሃበቶ፡ክሳዱ ዋላ እንተሃረመቶ ክትወርደሉ ኣይከኣለትን።ኡይይይ ኢላ ከይትውጭጭ፡እዚ ወዲ መን ኢዩ? ከመይ ኢሉኸ መጸ? ዝብሉ ሕቶታት ክትምልሶም ዘይትኽእል ኢዮም።በዚ ህሞት እቲ ወዲ ትንፋስ ሓጺርዎ ብኡብኡ ሞተ።
ናይቲ ዋርድያ ናይ ምውጻእ ሰዓት ክኣክል እንከሎ፡እቲ ዋርድያ መጸ።ከምቲ ቀደሙ ግን ነቲ ወዲ ሓቢኡ ከምውጽኦ ኣይተኸኣለን።ሕጂ ዝጸንሖ ሬሳ ኢዩ።" በጃኻ ትኽእሎ ኩሉ ጌርካ ነዚ ሬሳ ኣውጻለይ።ኩሉ ትደልዮ ነገር ኩሉ ክገብረልካ ኢየ።" በለቶ።ናይ ዋርድያ ሰራሕተኛ" ምንም ሽግር የለን፡ዘድልየኒ ግን ገንዘብ ኣይኮነን።"በላ።ንሳ "ምንም ሽግር የለን፡ጥራይ ቀልጢፍካ ኣውጻለይ።" ኢላ ለመነቶ፡ናይ ዋርድያ ሰራሕተኛ ነቲ ሬሳ ጉሓፍ ዝጉሑፍ ተመሲሉ ኣውጽኦ።ንሳ ድማ ኡፎይ በለት።
ናይ ዋርድያ ሰራሕተኛ ተመሊሱ መጸሞ፡ቃል ብዝኣተዉሉ መሰረት ዝደልዮ ነገር ንኽትገብረሉ ሓተታ።" እንታይ፧?" በለቶ እታ ልዕልቲ ጋል ንጉስ።" ምሳኺ ምድቃስ ኢየ ዝደሊ" በላ።ጸሓይ ከምዝበዝሓ ውልዕ ኢላ ተናደደት።" ከመይ ዝበሉኻ ደፋር ኢካ፡ምስ ልዕልቲ ጋል ንጉስ ክትድቅስ ትሓስብ፣! ሕጂ ካብዚ ጥፋእ!" በለቶ።እሺ ኢሉ ወጸሞ፡ናይ ኣፍቃሪኣ ኣስከሬን ሒዙላ መጸ።እዚ ምስ ገበረ ኽርጥ በላ።እታ ዘላታ ኣማራጺ ናይቲ ወዲ ድሌቱ ከተማልኣሉ ጥራሕ ኮነ። ተሸነፈት።ብሓደ ግዜ ሰለስተ ነገራት ከሰረት።ኣፍቃሪኣ፡ክብራን ንናይ መጻኢ ተስፋኣን፡ኣፍቃሪኣ ብምማቱ፡ክብራ ኣብ ትሕቲ ባኣገልጋሊኣ ብምውዳቑ፡ንናይ መጻኢ ተስፋኣን ድንግልናኣን ብምኽሳራ።
በዚ ጥራይ ኣየብቅዓላን፡እቲ ናይ ዋርድያ ሰራሕተኛ እንዳመጸ" ከጋልጸኪ ኢየ"ይብላ።በታ መዓልቲ ሬሳ ሒዙ ዝመጻላ መጀነኒ የርእያ።ንሳ ድማ ትፈርሕ።ብፍርሃት ዝኣክል ዘይትደልዮ ሰብ ኣብ ትሕቲ እግሩ ወደቐት።ምስኡውን ትድቅስ ነበረት።እዚ ግን ክውድኣላ ኣይተኻእለን።በርነት ኮይኑ ኣሰልቸዋ።"ሽግራት ንምግላጽ እንተዘይክኢልካ ሽግራት እንዳነገሱኻ ክኸዱ ኢዮም" ይብሉ ኩርዳውያን።ሽግር እንተኣታሊልካዮም መሊሶም ይሑዙኻ።እንተጋሊጽካዮም ግን ገዲፎምኻ ይኸዱ ዝብል ኣበሃህላ ኣለዎም።
እታ ልዕልቲ ሕጂው፡ ሽግሩ ክትፈትሕ ዘይኮነትሲ ምህዳም መሪጻ።ሓደ ለይቲ እቲ ናይ ሓለዋ ዋርድያ ሰራሕተኛ ተሓቢኡ ከምልማዱ ናብኣ ክመጽእ ከሎ፡ነቧኣ ተዳልዎ ዝነበረት ናይ ልዑል ወይኒ ኣዳልያ ክትጽበዮ ጸነሐት።ብደስታ እንዳደጋገመ ሰተየ።ምስኣ ምስ ደቀሰ ድማ ብሓደ ቦክሰር ከም ዝተሃርመ ኮይኑ ተዘሪሩ ተረፈ።ንሳ ድማ እንዳጎተተት ወሲዳ በቲ ኣፍደገ ኣጋረደቶ።ክወግሕ ክደሊ ከሎ ሓለውቲ ረኣዪዎ።ጽግዕ ኢሎም እንተሸተትዎ ኣፉ ናይ ወይኒ መስተ ሸተተ።እቲ ወይኒ መስተ ናይ ልዑል ንጉስ ምኻኑ ብጨንኡ ይምስክር ኢዩ።"ናይ ልዑል ወይኒ ሰሪቑ ሰትዩ!" ኢሎም ኣብ ማእከል ኣደባባይ ሰቂሎም ቀተልዎውን።ነገሩ በዚ ዘብቅዐ መሰለ።ነገር ግን ናይ ዕብዳን መዓልቲ ኣይመስን ኢዩ፡ኩርዳውያን ከምዚ ይብሉ።"እቲ ትሰርሖ ኣፍ ደገ ኩሉ ግዜ ትኸደሉ ምኻንካ ኣረጋግጽ፡ንሓንቲ ግዜ ጥራይ መውጺኢ ኢልካ ነቲ ኣፍደገ እንተሰሪሕካዮ፡ካብቲ ኣፈፈት ንድሓር ዘሎ ናበይ ከምትኸይድ ጋን ክኾነካ ኢዩ።ነቲ ኣፌፈትን፡ነቲ መንገድን ሕሰበሉ።ነቲ መንገድን፡ትበጽሖ መዕረፍን ምስቲ ደው ኢልካሉ ዘለኻ፡ጸኒሕካሉ ዘለኻ ይኹን መኽረሚኻ ሕሰበሉ።" ይብሉ ኩርዳውያን።
ናይቲ ሓለዋ ዋርድያ ኣብ ማእከል ኣዳባባይ እንክስቀል፡ናይቲ ወይኒ ጣዕሚ ኣብ ኣፉ ተሪፉ ስለነበረ፡እንዳደጋገመ ከናፍሩ ይልሕስ ነበረ።ካብዚ ተበጊሱ እቲ ዝሰተዮ ወይኒ ኣዝዩ ጥዑም ኢዩ፡ተባሂሉ ኣብታ ዓዲ ተወረየ።እዚ ወረ ዝሰመዐ ካልእ ልዑል ወድንጉስ፡ነዚ ወይኒ ዝሰርሐቶ ጋል ልዑላን ጋል ንጉስ ደለያ።ናብ ስድራእ ናብ ቤት ንጉስ ድማ ሽማግለታት ለኣኸ።
እዚ ዜና ነቦኣ ናይ ብስራት፡ንዓኣ ግን ናይ ውርደት ዜና ነበረ።ድንግልናኣ ከሲራ ኢያ፡ብኩርዳውያን ድማ ድንግል ዘይኮነት ጋል ኣሽንካይዶ ወድ ልዑል ንጉስሲ ተራ ሰባት እካ ኣየእትዉዋን ኢዮም።ክሳብ ሕጂ ነቲ ሽግር ካብ ምግላጽ እንዳሃደመት ነይራ፡ነገር ግን ሓደ ሽግር ብኻልእ ሽግር እንዳሕለፈት መጸት።ሕጂ ናይ መጋለጫ ሰዓት ኣኸለ።ሽግራት ብመፍትሒ ምፍታሕን፡ሽግራት ብኻልእ ሽግር ምሕላፍን ይፈላለ ኢዩ።ሽግር ብሽግር እንተሕሊፍካዮ፡ግዜ እንዳገዝኣኻ ኢኻ።ሽግር ብመፍትሒ እንተሕሊፍክስዮ ድማ ልቢ እንዳገዝእካ ኢኻ፡ይብሉ ኩርዳውያን።
ናይታ ልዕልቲ ኣቦ መርዓ ምቕባሉ ምስ ሰመዐት፡ከም ልማዳ ሓደ ብልሓት ቀየሰት።ሓደ ተኣማኒ ኣገልጋሊ ጸወዐትሞ፡ሓደ ሕማኾ ወርቂ ሂባ ከምዚ ክትብል ኣዘዘቶ።" ኣብ ምሉእ ዒራቕ ኮሊልካ ዙር፡ብመልክዕን ብቁመትን፡ብጠባይን፡ንዓይ ትመስል ጋል ደሊኻ ኣምጻለይ።" ወዮ ወዲ ንኽሓትት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዞረ።ኣብ መጨረሽታ ሓንቲ ጋል ረኸበ።እታ ልዕልቲ ምስ ረኣየታ ቅምጥ ኢላ ንዓኣ ትመስል ኮይና ጸንሓታ።ከምዚ ድማ በለታ እታ ልዕልቲ።"ሕጂ ንስኺ ልዕልቲ ክትኮኒ ኢኺ፡ወዲ ልዑል ውን ክትምርዓዊ ኢኺ።ሕጽኖትኪ ግዜ ውን ምስኡ ሓቢርኪ ከተሕልፍዮ ኢኺ፡ኣነውን ንዓኽን ነቲ ልዑል ወድንጉስን ንግዚኡ እንዳተኣዘዝኩ ከገልግለኪ ኢየ።ልክዕ ሕጽኖትኪ ኣብ ዝሓልፈትላ ግዜ ግን ክትቅይርኒ ኢኺ።ንስኺ ናብ ኣገልጋሊትነት፡ኣነ ድማ ናብ ቤዓልቲ ቤትነት ክምለስ ኢየ።ነዚ ኹሉ ውዕለታኺ ከኣ ክህበኪ፡ንመርዓይ ዝመጸ ህያብ ኩሉ ትወስድዮ።" በለታ።እታ ኣገልጋሊ ብደስታ ተፈኽነነት።
ናይ መርዓ መዓልቲ ኣኸለ፡እታ ገረድ ናይ መርዓት ልንሲ ለበሰት።እታ ጋል ንጉስ ድማ ናይ ገረድ ልብሲ ለበሰት።ማንም ክፈላልየን ዝኽእል የለን።ሉዑል ወድ ልዑላን መጸ።መርዓቱ ሒዙ ከደ።እታ ኣገልጋሊት ተኸቲላ ምስኦም ከደት።ኣብቲ ናይ ውድሉዓል ቤት ድማ ቀነየት።ናይቲ ወድልዑላን ድግስ ምስ ተወደአ፡እታ መርዓት ምስ መርዓዊኣ ናብ ቤት ሕጽነት  ኣተወት፡እታ ኣገልጋሊት ግን ኣብ ደገ ተረፈት።ኣተሓሳሰባ፡እዚ ዕድልዚ ናታ ነበረ።ነገር ግን ሕጅ ኣይኮነን።ሕጂ ኣብ ውሽጢ ክትህሉ ዝግበኣ ዝነበረ ንሳ ኢያ፡ግን ንምሕላፍ ኢላ ብዝፈጠረቶ ሽግር ግዳም ተረፈት።ኣብዚ ደረጃ ከይበጽሐት እንከላ፡ነገራት ኣስተኻኺላ ብክብሪ ክትወጽእ ትኽእለሉ ዝነበረቶም ዕድላት ትዝክሮም ተስተንትኖም።ዕድላት ኩሎም ኣምሊጦማ ኢዮም።ሽግራት ብኻልእ ሽግር ብምትካእ ዕድላት ኣምኪና ኢያ።ስለዚ ክብራ ንኻልእ ኣሕሊፋ ሃበት።እቲ ህዝቢ፡እታ ኣብቲ ሕጽኖት ዘላ ንሳ መሲላቶም፡ግን ኣይኮነትን።ዝተመረጸት ንሳ ናብ ክብሪ ዝኣተወት ግን ካልእ፡ዝተመርዓወቶ ንሳ፡ዘእተወቶ ግን ካልእ ኢያ።
ናይ ሕጽኖት መዓልታት ሓለፉ፡እታ ጋል ግን ናብ ገረድነት ክትምለሰላ ኣይከኣለትን።ሓደ ግዜ ኣብ መሕጸቢ ክፍሊ፡እታ እመቤትን እታ ኣገልጋሊትን ጎፍ ንጎፍ ተራኸባ፡ቁሊሕ ኢላ ድማ" ሕጂ ይኣኽለኪ፡ተመለሲ ።ንውዕለትኪ ዘዳለኽዎ ህያብ ድማ ውሰዲ፡!" በለታ።እታ እመቤቱ ግን"የዋህ ኢኺ።ክርእዮ ዘይክእል ዝነበርኩ ኣርኢኺኒ፡ክረኽቦ ዘይክእል ዝነበርኩ ሂብክኒ፡ክበጽሖ ዘይክእል ቦታ ኣብጺሕክኒ።እቲ ኣነ እሺ ክብለኪ እንከለኹ፡ነዚ ኹሉ ኣይፈልጥን ነይረ።እዚ ዓራት ክንድዚ ዝማውቕ ምኻኑ ኣይቀመስክዎን ነይረ።ክብሩ ክንድዚ ዘሑጉስ ምኻኑ ኣይፈልጥን ነይረ።ምቾትነቱ ክንድዚ ልብኻ ዝሰልብ ምኻኑ ኣይፈልጥን ነይረ። እምበኣር ሕጂ ንዓኺ ካብ ኣገልጋሊትነት ናብ እመቤትነት ምምጻእ ቀሊል'ዩ ዝኾነኪ፡ንዓይ ግን ካብ እመቤትነት ናብ ገረድነት ምውራድ ከቢድ ኢዩ።ነዚ ዝመስል ነገር ድሕሪ ምቕማሰይ ፡'ክትሓድገለይ ኢያ'ኢልኪ ምሕሳብኪ ዕሽነትኪ ብዙሕ ኢዩ።ዓራት ብከምዚ ብቀሊል ዝግደፍ ኣይኮነን፡ሃብቱ ኩሉ ናተይ ምኻኑ እንዳረኣኹኸ፡ናትኪ ህያብ ዝምባህቖኒሲ ይመስለኪዶ!?" በለታ።
"እነሆ" ይብሉ ኩርዳውያን፡ " እነሆ በዚ ዝተበገሰት እታ ኣገልጋሊት እመቤት፡እታ እመቤት ጋል ንጉስ ድማ ኣገልጋሊት ኮይነን ነበራ።ኮፍ ኢላ ዝሰቐለቶ፡ደው ኢላ እካ ንውራዱ ጸገማ።"
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር።
ጽሓፊ ድ፣ዳኒኤል ክብረት
ትርጉም፣ተኽለማርያም ጉዕላይ

ናሁ ይመጽኡ ብዙሐን ብስምየ፣ብዙሓን ብስመይ ክመጹ ኢዮም

ብስም ኣብ ወወልድ ወመንፈ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
ክርስትያን እንተድኣ ኮይንካ፡ኣህዛብ "ናበይ ገጽካ ኢኻ ትኸይድ፧" ኢሎም ክሓቱኻ ኢዮም።"ናብ ቀራንዮ" ኢልካ መልሰሎም።"ቀራንዮ ደኣ፡ኣምላኽኩም ዝተሰቕለላዶ ኣይኮነትን፧ኣቦኻ ዝቐተለትልካስ ከመይ ኣቢልካ ኣፍቀርካያ፧" ኢሎም ከስዕቡልካ ኢዮም።ንስኻ ድማ ቅድሚ ብዛዕባ ኣምላኻ ነቶም ሰባት ምንጋርካ፡ንኣምላኽካ ስለቶም ሰባት ብጸሎት ንገሮ፡ልቦነኦም ክኽፈትን ሓቂ ክፈልጡን፡ ኣምላኻ ብመሎኮታዊ ምሐርቱ ክሕግዞም ብጸሎት ለምኖሞ፡ንዕዖም ድማ ሕተኦም መልሰሎም።
"ኣቦይ ኣይመውትን ኢዩ።ንስኻትኩም ዝመውት ኣቦ ኢኹም ትውንኑ፡ነዚ ንስኹም ትውንንዎ ኣቦ ኣነውን ብገዛእ ፍቓደይ ይውንኖ ነይረ ኢየ።እንተኾነ ንሱ ሰፈሩ ኣብ ሃገረ ምውታን፡ኣብ ሲኦል ስለዝኾነ፡ንዑኡ ምኽታል ማለት ናብ ሰፈሩ ምእታው ማለት ኢዩ።ስለዚ ብገዛእ ፍቓደይ፡ናብዛ ሰፈር እዚኣ ንኽኣቱ ነዚ ናይ ሞት ኣቦ ባርያ ክኾኖ ቃለ ማሕላ ገይረሉ ነበርኩ።ስለዚ እቲ ዘይመውት ኣምላኸይን ኣምላከ ኩሉ ፍጥረትን፡ነታ ትመውት ባህሪ ወድሰብ ተዋሃሂዱ፡ካብ ጉድጋድ ሞት ሓራ መታን ከውጻኒ ኢዩ ዝሞተ፡እታ ንሱ ዝተሰቕለላ ንዑኡ ዝቐተለት ዘይኮነትሲ ንዓይ ካብ ሞቑሕ ዝፈተሐትኒ ንዑኡ ድማ ክሳብ ክንድዚ ከምዘፍቅረኒ ንምግላጽ ዝተጠቕመላ ናይ ዝፋኑ ብርዒ ኢያ ።በዛ ብርዒዚኣ ንወድሰብ ፍቕሩ ገለጸሉ፡ኣብዛ ዓባይ ዝፋኑ ገይሩዋ ዝወዓለ ናይ ክርስትያን ኣርማ፡ ገንሸል ኮይኑ ሓንሳብን ንሓዋሩን ስለኹሉ ሰብ ዝተበጀወላ'ያ፡እምበር ንሱስ ሰፈሩ ኣብ ሃገረ ምዉታን ስለዝኾነ ኣይኮነን።
ቀጺሎም ክሓቱኻ ኢዮም።"እሞ እቲ ኣብ መስቀል ተኣሲሩ ዘልቅስ ዝነበረ ደኣ መን ኢዩ፧"
" ንሱዶ፡ንሱደኣ ኣነ ብገዛእ ፍቓደይ ብመልቀስን ጫውጫውታን ዝሳቐዮ ዝነበርኩ ስቅያተይ መኸተምታ መታን ክህልዎ፡ቃንዛ ዘይስምዖ ክንሱ ብቓንዛይ ዝተቐንዘወ፡ካብ ቃንዛይ ድማ ሓራ ዘውጻኒ ክርስቶስ ኢዩ።ንሱ ዝተቐንዘወ፡ነቲ ምንጪ ቃንዛ ኮይኑ ንሰባት ናብ ሲኦል ዝመርሕ ዝነበረ ሰይጣን መታን ክኣስር ኢዩ።ዓይነ ሕልናኻ ብስጋ ዝተኣሰረ ክርስቶስ ሪኢኻዮ ሓቀይ ፡መስቀል ግን ንክርስቶስ ሹጉጥ ኮይና ዝቐተለት መሳርያ ዘይኮነትሲ፡ንሰይጣንን ሰራዊቱን መሓንኮላ ኮይና ዝቐፈደቶ ናይ ክርስትና ኣርማ ኢያ።"
ሕቶ ኣሎኒ ኢሉ ሕጅውን ክመጻካ ኢዩ፥-
"እሞ ሓራ እንተወጺእኻ ደኣ፡ዳግማይ ናብ መስቀል፡ናብ መከራ ዘኽይድ እንታይ ኣሎካ፧"
ኣጆኻ ብመንፈቅዱስ ተመሊእካ መልሰሉ።
"ናብ ቀራንዮ ዘኺደኒ ዘሎ ምኽንያት ኣብኡ፡ከምቲ ሰይጣን ዝተኣሰሮ ተሓኒቐ ንኽተርፍ ዘይኮነስ፡ከምቲ ክርስቶስ ዝሓለፎ ሕላፍ ንኽሓልፍ ኢየ።ቀደም ዘመን፡መንግስተ ሰማያት፡ብዶሞዝ ክትእቶ ከባድ ነይራ፡ሕጂ ግን ክርስቶስ ነቲ ሽዑኡ ዝነበረ ክብደት ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ኣፍኺስዎስ፡ብዓስብን ብገድልን ቅድስና ክትእቶ ከምትከኣል ገይርዋ።ክርስቶስ ስሌኻ ክብል መከራ ዝተቐበለ ምኻኑ ትኣምን ተኾይንካ፡ነቲ ንሱ ዝሓለፎ ኣሰር ክትረግጽ፡ነቲ ንሱ ዝተሰከሞ ኣርማ ክትስከም፡ነቲ ንሱ ዝተኸደኖ ቀይሕ ካባ ክትክደን፡ነቲ ንሱ ዝሰተዮ ናይ ጽዋእ ሓሞት ክትጥዕም ግድነትካ ኢዩ።ምኽንያቱ መንግስተ ሰማያት ናይ ሃካያት ስፍራ ዘይኮነትሲ፡ናይ ጽዒሩ መንፈሳዊ ጻዕሪ ዝመሃረን፡ተጋዲሎም 'ኣገናዕ ኣንቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት' ዝበሃሉላ መዕረፊት ቅዱሳን ኢያ።" ሽዑኡ ንስኻ ድማ ሕቶቶ፦
"ክሓተካዶ፧"
ሕተት ሕተት"
" ናብ ናይ ዕረፍቲ ስፍራስ ክትኣቱ ተስፋ ኣሎካዶ፡"
እንታይ ተስፍኡ፡ብርግጽ እምበር።" ኢሉ ክምልስ ኢዩ።ሽዑኡ ንስኻ ዕትብ ኢልካ መልሰሉ።" እሞ ክተዐርፍ ትደሊ ተኾይንካደኣ፡ኣየናይ ግብሪ ጽድቂ ምሠሰራሕካ ኢኻ ክተዕርፍ።ዘዕርፍ ሰብኮ፡ምስ ደኸመ፡ምስተቓለሰ ኢዩ፡ኣበይ ሰሪሕካ ኢካኸ ከዕርፍ ኢየ፡ዝበልካ፧ መስቀል ናይ ስራሕ ስፍራ ኢዩ፡ብዙሕ ዓይነት ስራሕ እካ እንተሃለወ፡ንናይ መስቀል ስራሕ ዝደፍርዋን ዝበቕዑዋን ግን ኣዝዮም ውሑዳት ምኻኖም፡መጽሓፍ ይዛረብ ኢዩ።' (ጹውዓት ብዙሓት፡ሑሩያት ግን ውሑዳት፡ ከምዝብል) ናብ'ቲ ዕረፍቲ'ቲ ክእትወኒ ኢዩ፡ክፈርድ ኢዩ ኢልካ ትጽበዮኸ መን'ኢዩ፧
"ንሱ ደኣ ዒሳ፡ዮሱስ፡ክርስቶስ ይብሃል።" ሕጂውን ብትሕትና ጉድለቱ ንገሮሞ ንሓቀኛ ክርስቶስ ክፈልጦ ኢዩ።" ክርስቶስ ክፈርደኒ ኢዩ ኢልካ ትጽበ እንተኾይንካሲ፡
1) ነየናይ ስራሕካ ኢዩ ክፈርደልካ፧
2) ዒሳ ፈራዲ እንተኾይኑኸ፡ፍጡር ክኾውን ከመይ ኢሉ ይከኣል።ፍጡር ክፍረድ ደኣምበር ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ስልጣን ሃሊይዎ ከመይ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ፍጥረት ክፈርድ ይከኣሎ።ንስኻ ትውንኖ ንብረትዶ፡ካልእ ሰብ መጺኡ ከምድላዩ ከቃጽሎን፡ ክምሕሮን ይኽእል ኢዩ።ክርስቶስ ክቃጸል ንዝግበኦም ሓጣኣቶም ርእዩ ናብ ሲኦል ክስንድዎም ኢዩ፡ክመሓሩ ንዝግበኦም ድማ፡ናብ ናይ ዕረፍቲ ቦታ ክወስዶም ኢዩ ፡ኢልካ ካብ ኣመንካስ፡ልዕሊኡ ፈጣሪ ኣሎ ኢልካ ክትሓስብ ከመይ ልብኻ ዓወረ፧
3) ሕጂኸ ነዚ ስልጣንዚ ዝውንን ኢዩ ኢልካ ካብ ኣመንካስ፡ይጽልየለይ ኣሎ፡ነቢይ ኮይኑ ምስቶም ቅዱሳን ጸሎት ይገብር ኣሎ ክትብል ከመይ ኢሉ ሕልናኻ ተቐበሎ፧ ክፈርድን ክኾንን ስልጣን ኣሎዎ እንዳበልካስ፡ተገምጢልካ ሕጂ ይጽልየለይ ኣሎ፡እንክትብል እሞ መንደኣሉ ጸሎትካ ዝቕበል።እምነትካ ተዛቢዑ ኣሎ።ወይ እቲ ዝፈርድ ካልእ ኣምላኽ ኢዩ ክርስቶስ ኣይኮነን በል ወይ ድማ ክርስቶስ ፈራድን ኮናንን፡ተቐባሊ ጸሎትን፡ንጸሎት ቅዱሳን ተቐቢሉ መልሲ ካብ ስልጣኑ ዝምጡን ኢዩ ኢልካ እመን።እምበር ክርስቶስውን "ናሁ ይመጽኡ ብዙሐን ብስምየ፣ብዙሓን ብስመይ ክመጹ ኢዮም ኢሉ ስለዝመሃረ፡ሓቀኛ ክርስቶስ ረኺብና ኣብታ ንሱ ዘርኣየና ቀጣንን ብዙሕ መከራ፡ ዘለዋን መንገዲ ቀጥ ኢልና ኣሎና።ካብኣ ውን ምንቕ ኣይክንብልን ኢና።ብሓጥያት ተወደቕና ውን ንሱ ከተንስኣና ንንስሓ ክጽውዓና ኢዩሞ፡ድንግል ኣዲኡ ኣብ መስቀል ዝሃበና እመ ኣምላክ ክትድግፈና ኢያ።" ኢልካ መልሰሉ።ነዚ ሰሚዑ ናብታ ሓንትን ቅንዕትን ሃይማኖት እንተመጸ ባዕሉ መሪሕካ ናብ መስቀል ክኸይድ ኢዩ፡እንተዘይተመለሰ ፡ኣምሪርካ ስሌኡ ብኸ፡ካብ ሰይጣን መቒሑ ክፈትሖ ድማ፡ ንኣምላኽካ ስሌኡ ለምኖ። ልቡ እንተተሪሩ፡ኣማሲኡ ትረት ልቢ ፡ሓጻርን ኣምስሉ ዘለዋን ይሁዳዊት ንስሓ ተጣዒሱ ናብ ማሕነቕቲ ክወርድ ክሰዶ ኢያ።ይሁዳዊ ንስሓ ናብ ገመድ ኢዩ ዝመርሕ፡ጴጥሮሳዊ ንስሓ ግን ናብ መስቀል፡እረ ቁልቁል ኣፍካ ተሰቒልካ ምስ ክርስቶስ ክመዓራረ ኣይበቅዕን'የ ናብ ምባል 'ዩ ዝመርሕ።
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር ወለወላዲቱ ድንግል፡ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።

ሃብታም ተሃቅፈ በውስተ ህቅፋ ለነዳይ።

ሃብታም ተሃቅፈ በውስተ ህቅፋ ለነዳይ።
እቲ ሃብታም ብሕቕፊድኻ ተሓቕፈ።
ሃብታምነቱ ብኣእምሮ ደቂ ሰብ ዘይብጻሕ፡ኣብ እንዳ ድኻታት እረ ኣብ መሕደሪ እንስሳ ሓደረ።ብመግቦቱ ንዝረአን ዘይርአን ከከምዘድልዮም ዝምግብ እግዚኣብሄር፡ካብ ውሱናት ኣጥባው ጠበወ።ኣብዚ ኣሎ ኣብቲ የለን ዘይብሃሎ፡ብህልውና ምሉእ በኩሉሄ ዝኾነ ረቂቕ ኣምላኽ፡ሓጺር ቁመት ጸቢብ ደረት ካብዘለዋ ካብ ዳግማዊት ሄዋን ብድንግልና ተወሊዱ ተሓቕፈ።ኣንቱም እትጽዑሩን ጾር ዝኸበደኩምን ናባይ ንዑ ኣነ ከዕርፈኩም ኢሉ ዝጭርሕ እግዚኣብሄር፡ምስታ ብስቕታነት እትፍለጥ ድንግልን ዮውሴፍ ኣረጋውን፡ሶሌሜን ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ፡ፈራሕ ክመስል ሃደመ ተሰደደ።
እቶም ከድሕኖም ኢሉ ኣብ ዓዶም ዝመጾም፡ንሳቶም ግን ኣምላኽነት ብምምናይ ምድራዊት ንግስነቶም ከይምንጥሎም ብምፍራሕ ኣሳደድዎ።ነቲ ፈጥርነት ተመንዩ ካብ ፈጣሪ ርሒቑ ዝነበረ ኣዳም ዳግማይ ናብ ናይ ቀደም በትኡ ክመልሶ፡ብምሕረቱ ናይ ኣዳም ስጋ ለቢሱ ኣብ ዓዶም እንተተገልጸስ፡እሩቅ ብእሲ ፍጡር መሲልዎም ካብ ዓዶም ኣሳጎጉዎ።
ድንግል ንወዳ ሒዛ ስለምንታይ ተሰድደት፧
+1+ኣጋር ነቲ ብጸጋ ኣቦ ብዙሀን ተባሂሉ ዝተሰመየ ኣብርሃም፡ኣብ ሕልፊኚኡ ብምምጻእ ኣህዛባዊት ባርያ ክንሳ፡በኣብርሃም ምኽንያት ብቅድስናእካ እንተዘይኮነ ብስጋ ጥራይ 'ወደ ኣብርሃም' ተባሂሉ ኽጽዋዕ ዘለዎ ውላድ ወለደት።እስማዔል ስጋዊት ልደት ካብ ኣብርሃም መታን ክማቐል ኣዴኡ ካብታ ግብጻዊት ዓዲ ሓጥያት፡ ናብ ናይ ኣብርሃም ዓዲ ተሰደደት።ኣጋር ናብ ዓዲ ቅድስና ተሰዲዳ ካብ ኣብርሃም ውላድ ወሊዳ ደኣምበር፡ወራሲ ዝኾነ ውላድ ግን ኣይኮነን።ዘይግዘር፡ዘይእዘዝ፡ዘረባ ኣዴኡ ኣጋር እምበር ዘረባ ኣቡኡ ኣብርሃም ዘይሰምዕ ውላድ ወለደት።ኣብርሃም ፍጡር ክንሱ ነዚ ዓቢ ክብሪዚ ፡ብምቃዕ ኣህዛባውያን ክባረኹ ኣጋር መሪሓቶም መጹ።
ካብ ህዝብን ኣህዛብን ዝተረኸበት ድንግል ግን ከኣ ኣብ ሕቖ ኣዳም ኮይና ከም ዕንቂ ተብርህ ዝነበረት ድንግል ግን፡ ነቲ ንኹሉ ዝባርኽ ኣምላኽ ሒዛ ናብታ መርገምን ሓጥያትን ዝተመልኣ ግብጺ ክትባርኻ ናብ ዓዲ ኣጋር ኣምርሐት።ናይ ኣብርሃም ክብሪ ብናይ፡ ኢዮሱስ ትሕትና ተደበሰ።ኣብርሃም ክንድቲ ዝኸበሮን ቃልኪዳን ዝተዋህቦን፡ኣጋር ኣብ ሕቕፉ እካ እንተደቀሰት፡እንደገና ደኸመ ደኣምበር ንኣጋርን ንግብጽን ክባርኽ ኣይከኣለን።ኢዮሱስ ክርስቶስ ግን ክንድቲ ኣምላኻዊ በረኸቱ ኩሎም ግብጻውያን ክባረኹ ከም ኣጋር ናብ ጋል ኣብርሃም፡ናብ ድንግል ማርያም ክመጹ ዝግብኦም፡ጋል ኣብርሃም ጋል ኢሳቕ፡ጋል ያዕቆብ ዝኾነት እስራኤላዊት ቅድስት ድንግል፡ነቲ ንኹሉ ዝባርኽ ኣምላኽ ሕዚ ተምሳል ኣጋር ኮይና፡ናብ ዓዲ ኣጋር ከደት።ኣጋር ባርያን ሓጢኣት ዝተመለአት ኢያ።ቅድስት ድንግል ግን ኣዳማዊ ይኹን ውልቃዊ ሓጥያት ዘይሓለፋ ንጽህቲ ኢያ።ግብጺ ብኣጋር ጋሎም ሃገሮም ክትባረኽ ዘይከኣለት፡ዳግማዊት ኣጋር ኮይና ድንግል ማርያም ነቲ ዋና በረኸት ሒዛ ናብ ግብጺ ከደት። ኣጋር ሃገራ ከተባርኽ ኢላ ናብ ቤት ኣብርሃም ዝመጸቶ፡ብሰንኪ ድኻማን ዕሽነታን፡ንግብጺ ካልኣይ ውርደት ኣምጸትላ።ድንግል ማርያም ግን ንናይ ኣጋር ዕሽነት ክትክሕስ፡ነቲ ንኣብርሃም ዝባረኸ ፈጣሪ ናይ ኣብርሃም ሒዛ ናብ ግብጺ ከደት።( ዘፍ21፥9-21)
+2+ ደብረ ሲሓት፡ተባሂላ እትጽዋዕ ኦሪታዊት ኣምልኾ እትውንን ኤርትራ፡ነቶም ድሒሮም ዝውለዱ ደቃ ኣብ ብሉይ ጥራይ ክጽበዩ ስለዝኽእሉ፡' እቲ ብሉያዊ ኣምልኾ እናፈጸምኩም፡ብተውፊት ጸኒዕኩም ተምልኽዎን ትጽበይዎን ዝነበርኩም ኣምላኽኩም፡ግዜኡን ሰዓቱ ኣኺሉ እነሆ።' ኢላ ከተሪኦም ናብ ኤርትራ ከደት።ኣብ ኤርትራ ኣምልኾ እግዚኣብሄር ሓዱሽ ዝተጀመረ፡ብምዕራባውያን ሃገራት ወንጌት ዝተበሰረት ሃገር ዘይኮነትሲ፡ ገና ከም እስራኤል ኮይና ድሕነት ኣዳም ትጽበ ዝነበረት ናይ ሕገልቦና ዓዲ ኢያ።ኤርትራ ደኣ ንምዕራባውያን ብዛዕባ ኣምልኾተ እግዚኣብሄር ትነግሮም እምበር፡ምዕራባውያን ንኤርትራ ወንጌል ክምህርዋ ኣይክእሉን ኢዮም።እታ መወለዳ ካብ እስራኤል ዝኾነት፡ብስጋውነታ ግን እንተላይ ነቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ሰባት እትመስል፡ግን ኣዳማዊ ይኹን ተግባራዊ ሓጥያት ዘይሓለፋ ቅድስት ድንግል፡ኤርትራ ናይ ብሉይ ኪዳን ጥራይ ኮይና መታን ከይትተርፍ፡ነቶም ወንጌለ ሓዱሽ ኪዳን ክሰብኩ ክመጽዋ ዘለዎም እንበዓል ኣባ ሰላማ ከሳተ ብርሃን፡ኣቡነ ኣረጋዊ፡ኣባ ጉባ፡ትስዓቱ ቅዱሳ፡እንበዓል ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ፡መራሒት ኮይና ወንጌል ኮይና ወንጌል ሓዚላ ናብ ኤርትራ ብምምጻእ ፡ምድሪ ኤርትራ ብየእጋር ድንግል ማርያምን ወዳን ተባረኸ።
+3+ እዞም ሕጂ ስጋውነትን ናይዛ ዓለም ድኻምን በርቲዕዎም ንሓድህዶም ዝናኸሱ ዘለዉ ደቃ፡ስደት በርቲዕና ኢሎም መታን ከየማርሩ፡ንሳን እቲ ንዝተሰዱ ዝእክብ ወዳን ኮይኖም መምሃራን ናይ ስደት ክኾኑ ናብ ኤርትራ መጹ።ናይ ሎሚ ዘመን ስደተኛታት ህዝቢ ኣምላኽ መከራ እካ እንተሃለዎም፡መከራነቱ ግን ምስ ናይ ኢዮሱስ ክርስቶስ ዝወዳደር ስለዘየለ፡ክርስቶስ 'ኣምላኽን ፈጣርን ክንሰይ ነዛ ስጋጋ ክለብስ ምኽንያት ድሕነት ኣዳም ዝኾነት ሓብቶም ሕዘ ነዚ ኩሉ መከራ እንተተሰደድኩስ ብስደተይ ግዲ ይጸናንዑ ይኾኑ' ብምባል፡" ብጿኣን እለ ይሰደዱ በእንተ ጽድቅ፡እስመ ሎሙ ይእቲ መንግስተ ሰማያት፡ትርጉሙ= ምእንቲ ጽድቂ ኢሎም ዝስደዱ መንግስተ ሰማያት ናቶም ኢያሞ ብጿኣን ኢዮም።(ማቴ510)" ዝብል ስብከት ክድሚ ምእዋጁ፡ንኤርትራውያን መምህር ስደት ኮይኑ ክምህሮም ናብ ዓዶም መጺኡ ተሰደደ።እቶም ስጋዊ ጥቕማጥቕሚ ውሒጥዎም ዝስደዱ፡ሃገሮም ኣይኮነን ንባዕሎም ውን ክባረኹ ኣይክኣሉን፡ድንግል ማርያም ግን እቲ ዝባርኽ ኣምላኽ ምስኣ እንዳሃለወ፡ኣብ ስደታ ነቶም ተቐማጦ ኤርትራ ባረኸቶም።"ኣብዚ ቦታዚ ንወደይ ዝእዘዙ፡ንዓይ ዘኽብሩ፡ብስመይ ቤት መቕደስ ዝሃንጹ፡ብስመይ ደቆም ስም ዘሰይሙ፡ብስመይ በዓላት ዝገብሩ፡ሕሉፍ ሓሊፎም ክሳብ ሰማያት ብምብጻሕ መንግስቱ ዝወርሱ ደቂ ክህልዉኒ ኢዮም" ኢላ ዘይድምሰስ ሕላገት ኣብ ኤርትራ ገዲፋ ከደት።ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣሰር ናትና ኣሰር ጥራይ ኣይኮነን፡ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕላገት ምድራዊ ሕላገት ጥራይ ኣይኮነን፡ሰማያዊ ንጉስ፡ብርቀቱ፡ ብባህሪኡን ክንድዚ ይኸውን ዘይብሃሎ ኣምላኽ፡ዝረገጻ ሃገር ኢያ።ኪዱሞ ኣሰሩ ክጸንሓኪም ኢዩ።ኣሰሩ ጥራይ ኣይኮነን እንተላይ ኣሰራ፡'ኪዳነ ምህረት'፡ዝብል ኣሰር ብኪዳና ተኣምር እንዳገበረት ክትጸንሓኩም ኢያ።
+4+ ንጉስ ሰሎሞን ብጥበብነቱ ኣዝዩ ግሩም ስለዝነበረ፡ኩሎም ጠቢባን፡ንጥበብነቶም ዝዳረግ ስለዝተረኸበ፡" እስከ ክንውጥሮ ኢና፡"! ብምባል ዘለዎም ጥበብን ፍልጠትን ሒዞም ናብ እስራኤል ይመጹ ነበሩ።እንተኾነ ጥበቦም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ሰሎሞን ዋጋ ኣይነበሮን።ሓንቲ ካብዚኦም ዝኾነት ንግስቲ ሳባ ናይ ኢትዮጲያ፡ብጥበባን፡ብድንግልናኣን እትፍለጥ ኣዝያ ልዕልቲ ስለዝነበረት፡"ንጥበብነትኪ ዝዳረግ፡ንንግስነትኪ ዝዕብልል ንጉስ ተረኺቡ ኣሎ"ስለዝበልዋ፡ተገሪማ ናብ እስራኤል ከደት።ብሃብቲ መታን ከይበልጻ፡ኣሎ ዝብሃል ሃብቲ፡ብፍልጠት መታን ከይበልጻ ኣሎ ዝብሃል ሕንቅልሕንቅሊተይን ግድላትን፡ብዝና መታን ከይበልጻ ድማ ኣሎዉ ዝበሃሎ ሰራዊት ኣኸቲላ፡እዚኹሉ ሳህራን ኣጻምእን፡ሰንጢቓ ናብቲ ብጥበብ ኣምላኽ ውሩይ ዝኾነ ንጉስ ሰሎሞን ከደት።ግን ተገሪማን ተደኒቓን ተረፈት ደኣምበር፡ንሰሎሞን ክትዕብልሎ ኣይከኣለትን። ንኣምላኹ ጥበብ ዝዓደሎ፡ኣብ ዓዳ ብሕገልቦና ተምልኾ ዝነበረ እግዚኣብሄር ድማ ኣመስገነት።(1ነገ10፣6-9)
ዳግማዊ ሰሎሞን ክርስቶስ ግን ጥበብነቱ ምስ ሰሎሞን ዝመዛዘን ዘይኮነስ፡ንሰሎሞን ጥበብ ዝዓደለ ጥበበ ባህሪ ክንሱ፡ ጥበብ ክዕድል ነታ ዳግማዊት ንግስቲ ሳባ ዝኾነት ድንግል ማርያም ሒዙ ናብ ኢትዮጲያ ከደ።ንግስቲ ሳባ ናብ ሰለሞን ዝኸደትሉ ምኽንያት ጥበበኛ ሰብ ተረኺቡ ስለዝሰመዐት ኢያ።እንተኾነ ንንጉስ ሰሎሞን ክትስዕሮ ዘይኮነትሲ፡በንጻሩ እካድኣ ብጥበቡ ማሪኹዋ፡ድሩ እካ ወዲ ከምትቡከር ገበረ።ጥበባ ክትዕድሎን ክትምጥወሉን ዝሓሰበቶ፡ጥበብን ውላድን ተዓዲላ ናብ ዓዳ ከደት።(ማቴ12፥42)
ዳግማዊት ንግስቲ ሳባ ዝኾነት ድንግልን ንጽህትን ማርያም ግን፡ብስቕታን ብትሕትናን እትፍለጥ ክንሳ፡ነቲ ካብ ሰማያዊ ባህሪ ንዘልኣለም እናተወልደ ዝነብር ክርስቶስ፡ሓዚላ ንኢትዮጲያ ክትባርኽ ከደት።ንግስቲ ሰባ ካብ እስራኤል ንቀዳማዊ ምሊሊክ ከም ገጸ በረኸት ሒዛ ናብ ዓዳ ተመልሰት፡እዚ ጥራይ ኣኻሊ ስለዘይኮነ ግን ድግንል ማርያም ነቲ ካብ ቀዳማዊ ምሊሊክን ካብ ኣቡኡ ሰሎሙንን ዝዓቢ ክርስቶስ ሒዛ ንንግስቲ ሳባን ንኹሎም ዓልየታን ክትባርኽ ናብ ኢትዮጲያ ከደት።ኢትዮጲያ ቀዳማዊ ምሊሊክ ዝተቐበልና ኢና ኢሎም፡በዚ ካብ ሰብ ዝተወልደ ሰብ እናተመክሑ ጥራይ መታን ከይነብሩ፡ድንግል ማርያም ነቲ ንኢትዮጲያን ንኢትዮጵያውናንን ዝፈጠረ ኣምላኽ ሒዛ፡ብኡኡ መታን ክምክሑ፡ንክርስቶስ ሒዛትሎም ከደት።
ስብሀት ለእግዚኣብሄር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...