torsdag 18. april 2019

ማህረምቲ ንዘይህረም

በስመ ስላሴ!
ማህረምቲ ንዘይህረም
ብርሃን ስጋ ሰብ ለበሰሞ ተሃርመ፡ ብርሃን ተቐንዘወ፡ ረቂቕ ደመየ፡ ኣምላኽ ተሰቕለ ገዓረ ድማ። ብማህረምቱ ማህረምትና ኣልገሰ፡ ብቃንዝኡ ቃንዛና ሓወየ፡ ብደሙ ደምና ተሓጽበ፡ ብስቕለቱ ካብ ስቕለት ወረድና። ቃንዛ ንብርሃን ኣይባህሪኡን ነይሩ፡ ምእንቲ ሰብ ክብል ግን ዝቕንዞ ስጋ ለቢሱ ተቐንዘወ። ኣምላኽ ከማና ከም ፍጡር ደም ለበስ ኣይኮነን፡ ምእንቲ ሰብ ክብል ግን ባህሪ ሰብ ለቢሱ ደመየ፡ ፈጣሪ ኣይቅንዞን'ዩ፡ ቃንዛና ከልግስ ተኾይኑ ግን ብቓንዛ ክከሓስ ነይርዎ። እዚ ድማ ብኣምላኽ ተዘይኮይኑ ብማንም ፍጡር ከልግስን ክከሓስን ዝኽእል ቃንዛ ኣይነበረን።
ስለዚ ፈጣሪ ብቓንዝኡ መታን ንቃዛና ከርሕቕ፡ እትቕንዞ ንጽሕይቲ ቅድስት ስጋ፡ ካብ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ስጋ ክወስድ ነይርዎ። ንመልአከ ገብሪኤል ልኢኹ ድማ "ኬድካ ለምና፡ ኣብ ማህጸንኪ ክሓድር፡ ስጋኺ ክለብስ፡ ንሰባት ከድሕኖም ፍታውኪ ድዩ?"
ኢሉ ፍቓዳ ክሓትት ለኣኾ። ኣብ ጅማሬኡ ድንግልናኣ ኣፍሪሱ ዝጥነስ መሲልዋ፡ ኪደቱ ንምርዳእ ስለዝኸብድ ሰፊሕ መንፈሳዊ ክርክር ምስቲ መልኣኽ ኣካየደት ድንግል።
"ትቤሎ ማርያም ለመልአክ፡ እፎኑ ይኩነኒ፡ ዝንቱ እንዘኢይአምር ብእሲ እፎኑ ይኩነኒ?" እዚ ከመይ ኢሉ ይኹን፡ ሰብኣይ ከይፈለጥኩ ከመይ ኢሉ ኣብ ማህጸነይ ክሓድር? በለቶ ድንግል። ንሱ ድማ፡ እቲ ምስጢረ ተዋህዶ፡ ብግብረ መንፈስ ቅዱስ ምኻኑ፡ ብብርሃናዊ ባህሪኡ ንዓኣ ክብራ ከይቀነሰ፡ እካ ድኣ ኣብርእሲ'ቲ ዝነበራ ክብሪ ክብሪ ወሲኹ ኣደን ድንግል ተባሂላ ከምእትጽዋዕ ገይሩ፡ ንሱ ድማ ኣምላኽን ሰብን ክኸውን ስጋና ክለብስ ምኻኑ ነገራ'ሞ፡ "ከምቲ ዝበልካዮ ይኹነለይ" ኢላ ፍቓደኝነታ ኣረጋገጸት። ኣብዚ እነሀ ኣብ ጉዳይ ድሐት ደቂ ሰብ እጃምካ ምብርካትን ተሳታፊ ምኻንን!!
በዚ ድማ ከም ቅጽበት ዓይኒ፡ ብርሃንን ስጋን ኣብ ማህጸነ ድንግል ሓደ ክኾኑ ጀመሩ። ብርሃናዊ ባህሪ ኣምላኽ ረቂቕ ስዝኾነ፡ ኣይተሓዝ ኣይዕተርን'ውን። ምእንቲ ሰብ ክብል ግን፡ ኣብ ማህጸነ ድንግል ተወሰነ፡፡ ብጨርቂ ተጠቕለለ። ኣብ ሕቕፎ ድንግል ተሓቕፈ። መምህር ክንሱ፡ ብመምሃራን ክመሃር ናብ መምህር ከደ። ብርሃን ከም ኩሉ ስርዓተ ተፈጥሮ ናይ ሰብ ዓብዩ ጎበዘ። ኣስተምሃረ፡ ብግብሪ ድማ ነቲ ዝመሃሮ ኣርኣየ፡ ጾመ፡ ጸለየ፡ ሰገደ። ኣብ ዝባነ ገልገል ብውሱን ኣካል ተወሲኑ ተወጥሐ፡ ብኢድ ኣይሁድ ተታሕዘ።
ኣይሁዳውያን "ንሕና ከም ናይ ግብጻውያን ዝረኣዩ ዝተሓዙ፡ መሪሖምና ዝኸዱ ኣማልኽቲ ስለእንደሊ፡ ኣማልኽቲ ግበረለልና!" እናሉ ንካህን ኣሮን ዘሸገሩ ኣቦታት ከምዝነበርዎም ይፈልጡ ኢዮም። ስለዚ ክርስቶስ ምእንተኦም ክብል ከም ድላዮም ኮነሎም። ዝተሓዝ ኮይኑ ብፍታዉ ኣብ ኢዶም ወደቐ፡ ሓንሳብ ናብ መጋባእያ እንሓንሳእ ድማ ናብ ፈራዲ እናሉ ብገመድ ኣሲሮም ላዕልን ታሕትን ኣበልዎ። ንሳቶም ዝሓሰብዎ፡ ሰቒሎም ከቃብጽዎ፡ ንሱ ግን ካብ ስቕለት ንኽወርዱ ይዓዪ ነይሩ። ኣየ ስራሕ ፈጣሪ!!
ብፍቓዱ ኣብ ኢዶም ከምዝኣተወ፡ "ኣነ ኢየ!" ኢሉ ምስ መለሰ፡ ሰለስተ ግዜ ናብ መሬት ጻሕ ከምዝበሉ ግን ኣሻቦም ረሲዖሞ፡፡ ዘይድፈር መልኮት ምኻኑ ዘንጊዖምስ፡ ኣብ ልዕሊኡ ጀጋኑ ክኾኑ ሃቀኑ።
ክርስቶስ ግን ብርሃን'ዩ፡ ብዘይኦፕሬሽን ኣብ ልቢ ወዲ ሰብ ኣትዩ ዘብርህ፡ ዘልኣለማዊ ሕይወት'ዩ፡ ንሞት ከም ኢምንት ዝርኢ፡ ተፈራሂ ኣምላኽ'ዩ፡ ንኹሉ ግብርታት ልቢ ኣንቢቡ ዝዳኒ፡ ፈጣሪ'ዩ፡ ብዘይብኡኡ ማንም ፍጡር፡" እገለ ፈጢርኒ" ኢሉ ዝንየተሉ ዘየለ፡ ካብ ስሉስ ቅዱስ ሓደ ኣካል ወልድ ኢዩ፡ ካብ ስላሴ ኣይንእስ ኣይዓቢ። ስሙ ይመስገን!
ነዚ ባህርዩ ንምርድኡ ሕጂ ዝተዋህበና ኣእምሮን ሕልናን ቁንጣሮ'ዩ፡ ዳሕራይ ኣብ ምጽኣቱ ግን ከም መልኣኽቲ፡ ከም ቅዱሳን ኮይንና ከም እንርእዮ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እግዚኣብሔር ኣብ ሲኦል ስዉር ረመጽ'ዩ፡ ኣብ መንግስቱ ግን ኣፍቀርቱ ብዝርድእዎ ብግህዶ ዝቕደስን ዝምስገንን ገናና ኣምላኽ'ዩ።
"ንእዚኣብሔር ሓንቲ ነገር ይልምኖ፡ ጽባቐ ገጹ ክርኢ!"
ወረስቲ መንግስቱ ክገብረና ሰናይ ፍቓዱ ይኹን።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...