mandag 31. desember 2018

ህድኣት ሃዲኣ!


በስመ ሥላሴ

ፈላለይቲ ስምዒታት፡ ሓደሽቲ ሕርኽራኻት፡ ኣጋይሽ ሓሳባት ናብ ስነ-ልቦና ክኣትዉ ከለዉ፡ ኣእምሮ ይርበሽ፡ ሕልና ይስነፍ፡ እምነት ይልሕልሕ፡ ምግባረ-ሃይማኖት ይርሳዕ፡ እቲ ቀረባኻ ዝኾነ እግዚአብሔር ከኣ፡ ከም ጓናኻ ኴኑ ይስምዓካ። ልብን ሕልናን፡ ሓሳብን ፍልጠትን፡ ምግባርን ሃይማኖትን እናተበኣሱ የሸግሩኻ። ልብኻ ብዝርጉሕ ኢዳ፡ ንዂሉ ፍጡር ብፍቕርን ግርህነትን ትልግስ ዝነበረት፡ ሎሚ ፍቕሪ ይኹን ህያብ ክትቅበል ዓቐብ ይኾና፡፡ ምስ ኣእላፋት ብሰላምን እፎይታን ክትነብር ዘይእግመካ ዝነበርካ ሰብ፡ ድሕሪ ዝርግርግ ግን ምስ ገዛ ርእስኻ'ኳ ምትዕራቕ ይሰኣነካ። ውሽጥኻ ብቃል ኣምላኽ ክጠልል ዝግበኦ፡ እንታእዋኑ ቃልቃል ከብለካ ይጅምር። ቃሉን ተግሳጹን ንምስምዑ ዓቐብ ይኾነካ። እንታይ ጉዱ፧ እንታይ'የ ዝኸውን ዘለኹ፧ ንምርባሸይን ምጭናቐይን መን ተሓታቲ፧ ንመን'የ ዘላግበሉ፧ ንእግዚአብሔር፧ ፍጹም!


ኣብ ውሽጠይ ርእየዮም ዘይፈልጥ፣ንኣሽቱ ዝመስሉ ግን ከኣ ፍርዝን-ፍርዝን ዝበሉ፡ ንናይ ውሽጠይ ህድኣት ዝህውኹ፣ሓደሽቲ ዝመስሉ ግን ከኣ ዘመናት ዘቕጸሩ፣ስጋዊ መንነት ዘለዎም ዝመስሉ፡ ግን ከኣ ምስ ጅማሬ  ዕድመ ናይቶም ርኹሳን መናፍስቲ ምትሕሓዝ ዘለዎም፣ ንትዕግስተይ ዝፈታትኑ ህዉኻት ኣጋይሽ ኣብ ውሽጠይ፡ብናይ ሕልናይ መነጸር የንብቦም ኣሎኹ።ቅድሚ ሕጂ ተፈሊጦምኒ ዘይፈልጡ፡ኣሻቦም ተረበጽቲ መናፍስቲ ይበቕሉኒ ኣሎዉ።ብኸመይ ከምዝኣልዮም፣ብኸመይ ከምዝሃድእ መፍትሒ ክደሊ ዝተበገስክሉ ግዜ ኣይነበረንንን።ንዒቐዮም ግዲ ኮይነስ፣ብዙሕ ግምት ኣይሃብክዎምን።ግን ድሮ ዘሰነፉኒ መሲሎም ይረኣዩኒ ኣሎዉ።ቀልጢፈ ቁጥዕ-ቁጥዕ ይብል።ንዝተሓተተኒ ይኹን ንዝመጻኒ ነቔፌታ፣ ግብረ መልሲ ንምሃብን ንምምላስን ብዓይኒ ጥርጣሪ ጥራይ ክጥምት ካብ ዝጅምር ነዊሕ ግዜ ኣቚጺረ ኣሎኹ።ስመይ ህድኣት ኢዩ። ንነገራት ግን ብህድኣት ክምልከቶም ኣይተኸኣለንን።መቸስ ዝተጸዋዕክሉ ዕላማ፣ብዝተረበሸ መንፈስ ንዝርበሹ ዘለዉ ወገናት ንከህድኦም'ዩ ነይሩ።ግን እንከይሃዳእኩ ክህድእ ብምፍታነይ፣ነቶም ዝህወኹ ዘለዉ እንደገና ከምዝህወጹ ገይረዮም'የ።ናይ ምርባሽ ሓዊ ኣሳዊረ ቃል ቃል ኣቢለዮም።ሳላይ ክሃድኡ ዝግበኦም፣ብሰንከይ ክቃጸሉ ጀሚሮም።ናብ ቤት ህድኣት እንዳተመላለስኩ፣ህድኣት ቀሲመ ህድኣት ንከቐስሞም ጸጊምኒ።ዘንብቦም መጽሓፍቲ ኩላቶም ብዛዕባ ህድኣት ተንቲኖም ዘረድኡ፣ነገራት ብኸመይ ከምእትፈትሖም ዝገልጹ ህዱኣት መጽሓፍቲ ክንሶም፣ኣነ ግን ህድኣት ተማሂረ፡ኣይኮነን ክምህረሎምሲ፣ህድኣት ክለብሰሎም'ውን ኣይከኣልኩን።ካበይኮን'ዩ'ቲ ጸገም! ካብቶም መጽሓፍቲዶ ወይሲ ካባይ፧ብዙሓት ናይ ወንጌል መምሃራነይ፣መራሕተይ ኣዝዮም ህዱኣትን ትሑታትን ክንሶም፣ነዚ ባህሪ'ዚ ካብኣቶም ክወርሶ ኣይተኻእለንን።ካብ ልሳኖም ዝፍኖ ቃል፣ብዛዕባ ህድኣት'ዩ፣ልበይ ግን ተሪሩ ድዩ ፈርኪሹ ክሃድእ ኣይከኣለን።ኣቡ-ነፍሰይ፣ንናይ ነፍሰይ ህድኣት ብዘይ ምትኻስ ከምዝዓዩ እንዳፈለጥኩ፣ኣነ ግን ክሃድእ ኣይከኣልኩን።ካብ ጥቕሉልን ድምርን ናይ ከባብየይ ወትሩ ዝመሃሮ ዘለኹ ነገራት፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ህድኣት'ዩ። እናሻዕ  ዝኾኖ ዘለኹ ግን፡ ታህዋጽ ዝተመልአ ሕይወት ኴኑ በቃ!


እንታይ ኢዩ እቲ ጸገም፧እሞ ስመይዶ ክቕይር ነይሩኒ፡ ወይሲ ነቶም ናይ ህድኣት መምሃራነይ ክልውጦም ኣሎኒ፧ማለት ከምዚ ከማይ ህዉኻት ክገብሮም፣ኣንፈቶም ዝለወጡ ናይ ህውከት መምሃራን ገይረ ክልውጦም።እዚሞ ፈጺምካ ዘይሕሰብ'ዩ!! ከመይ ኢልካ ይከኣል፧ ኣነ ስለዝተረበሽኩኸ ከመይ ከማይ ህዉኻት ክገብሮም፧ "ቊላዕ እኮ ቁሩብ ዓቕሊ 'ተዝገብር፣ቁላዕ ኮይኑ ኣይምተወልደን" ኢሎም ይምስሉ ኣቦታት።ተሃዊኽካን ተረቢሽካንከ መፍትሒ ድዩ፧ በንጻሩስ ኩሉ ርቡሽ ነይሩ ተዝኸውን ደኣ፣ህድኣት ኣበይ ምሃለወ፣ኩሉ ህዱእ ነይሩ ተዝኸው'ውን ናይ ህድኣት መምሃራን ኣይምነበሩን።እግዚኣብሔር ብቐንዱ ህዱእ ኣምላኽ'ዩ። ኩሉ ፍጡር ህዱእ ነይሩ ተዝኸውን ደኣ፣ንምንታይ ህድኣቱ ኣድለየና።ዓለም ብቐንዳ ህድእቲ 'ተትነብር፣ ቤተክርስትያን ኣብ ዓለም ክትህሉ ኣይመድለየትን።ዋና ተልእኾ ናይ ቤተክርስትያንከ እንታይ'ዩ፧ ንዓለም ካብ ህውከት ንከትህድእ ኢሉ ፈጣሪ  ዝሰረታ ናይ ውልቁ መንፈሳዊት ኤምባሲ ኢያ።ዋይ ኣነ ህድኣት!!ደጊም ስመይዶ ክልውጥ።ነዛ ''ህድኣት'' እትብል ስመይ ክልውጣ። "ርብሽቲ" ተባሂለ ክስመ፡ ብቐሊሉ እትርበሽ።ወይሲ 'ድህልልቲ' ክስመ ህድኣት ዘየድልያ።ከመይ ኢለየ'ሞ ኣነ ከይሃዳእኩ ህዱኣት ዉሉዳት ከፍሪ ዝከኣለኒ፧ ብጭራሽ! "እንጣጢዕሲ ቀስ ኢላ ከይትበስል ክትብል ኣይንዘርኢ ኣይንኸብዲ ኮይና ተሪፋ" ይብሉ ተዛረብቲ። ኣብ ሓዊ ምስተሰኽተተት'ዛ እንጣጢዕ፡ ምቕላዋ ዘይተርፋ ስቕ ኢላ ከይትቕሎሞ፡ቀለብ ሰብ መታን ከይትኸውን ክትብል፡ነነጢራ ናብዛ ምድራ።ወዮ ኣብ ምድሪ ወዲቓኸ ክትበቁል ድያ፧ ወሪድዋ!ኣብ መሬት ድማ ከይፈረየት ትተርፍ። ኣነ ህድኣት'ውን፡ ክርስትያናዊ ትርጉም ስመይ፡ ብናይዛ ዓለም ቀለውቲ ነገራት ተቐሊኻ ቀለብ'ቶም ርሁባት ምኻን'ዩ ነይሩ ጽዉዐይ። "ንዝጸፍዓካ ጽፋዕ" ዘይኮነስ፡"ንዝጸፍዓካ ድገመኒ" በሎ ኢዩ ነይሩ ነገሩ።ድገመኒ ምኸኣል ተሲኢንካ ድማ ስቕ ኢልካ ጽፍዒትካ ምቕባል። "ኣናወጽቲ ነገራት ብተጸዋርነት ኢዮም ዝሓልፉ" ትብል ነይራ ኣደይ። ምስ ኣቦይ ኣብ ገለ-ገለ  እዋናት ዘየረዳድእ ኩነት ይኽሰት'ሞ፡ኣቦይ ንነገራት፡ካብ ብምርድዳእ ብቕልጽሙ ክፈትሖም ስለዝቐለሉ፡ብዙሕ ግዜ ብበትሪ ከም ንሓጺን ክድስቓን ኣደይ ድማ ክትበክን እንከላ ፈጺመ ኣይርስዖን'የ። ነቲ ነገር  ብትዕግስቲ ምስ ሓለፈቶ ድማ፡ ናብ ንቡር ተመሊሶም፡እረ ቡን ከሽ-ከሽ ኣቢላ፡ ጉጁም ክብሉ እንከለዉ ተትሪኦም፡ ግርም ይብለካ! ፍቕሮም ኣዝዩ'ዩ ዘቕንኣካ።ኣደይ፡ "ንኹሎም መሓለኻታት ናይ ሓዳረይ ብትዕግስቲ ተዘይሓልፎም ነይረ፡ንዓኻትኩም ኣይምወለድኩን፡ ስሳ ዓመታት ድማ ምስ ኣቦኺ ኣይምነበርኩን" ኢያ ትብለኒ ነይራ። 60 ዓመትኮ ክንዲ ክልተ ዕድመይ'ዩ።ካብኡ ዝተበገሰት ከይኮነት ኣይትተርፍን ህድኣት ኢላ ዝሰየመትኒ።ንኹላቶም መሓለኻታት ሕይወት፡ ብህድኣትን ትዕግስትን መታን ክሓልፎም ኢላ ከይኮነት ኣይትተርፍን።ኣበይሞ! ሕጂስ እንቋዕ ኣብዚ ምሳይ ኣይትህሉ፡"ነዚ ክትኮኒ ኢለ ስለዘየውጻኹልኪ ደጊም ስምኪ ቀይሪ"ምበለትኒ።


ምዃን እቶም ኣብዚ ኣዋን፡ናብ ልበይ ዝኣትዉ ዘለዉ ቃላትኮ፡ ኩላቶም ካብ ናይ ህድኣት ማዕከን ጥራይ ዝመንጨዉ ዘለዉ ኣይኮኑን።ከመይ ኢለኸ ደኣ ኣነ ኣጠቓቕማ ኣእዛነይ ከየስተኻኸልኩ፣ምስ ነፍሰይ ክማጎት ዝኽእል፧ መቸስ፣ኣእዛነይ ከምዚ ትርእይወን ሰሲዐን ግዲ ኮይነን፣ኣነ በብዘገደድክወን መሰረት፣ክልቲኡ መንፈስ፡ ማለት፣ ዓለማውን መንፈሳውን፣ርቡሽን ህዱእን፡እረ እንሓንሳእሲ፡ መንነቶም ዘይተፈልጠ በየን በየን በቒሎም ዘይፈልጦም፡ መትሓዚ ብዘየብሎም ነገራት ዝተመስርሑ ቃላት ክሰምዓ ካብ ዝጅምራ ነዊሕ ኣውቕጺረን ኢየን'ዘን የእዛነይ።ለካ ነቲ ዝተማሃርክዎ ኢየ ዝነብር ዘለኹ።ከምኡ ተዘይምሃር ነይረሞ፣ከምዚ ዘለኽዎ ኣይምኾንኩን።ዝኾኖ ዘለኹስ፣ንህውከተይ ዘበራትዑ፡ ናይ ህውከት ቃላት ብናይ ሰብነተይ መሳኹቲ እንኮላይ ብየዒንተይ፡  እናሻዕ ይሰንቕ ስለዘለኹ'የ። ይኸይድሞ፡ ካብ'ታ ህድእቲ ቤት ኣምልኣኽ፡ ናይ ህድኣት መንፈስ ይቕበል፣ናብቲ ሰጊረ ድማ፣ ካብቲ ሕንፍሽፍሻዊ ዓለም፡ ናይ ህውኰት መንፈስ ይዕንገል።ግን ዝያዳ'ቲ ህድኣታዊ መግቢ፣ነቲ ሕንፍሽፍሽ፡ ኣኻዕቢተ ስለዘዛየድክዎ፣ንሱ ስዒሩ።እወ! ርኹስ መንፈስ ዝስዕረሉ ኣጋጣሚ'ውን ለካ ኣሎ'ዩ።ርኹስ መንፈስ፣ህድኣት ኣልቦ ናይ ዝርግርግ መንፈስ፣ኣባይ ክሓድር ምሉእ ውክልና ተዘይህቦ ነይረ፣ኣባይ ህውኽ-ህውኽ ዝብል መንፈስ ኣይምሃለወን ነይሩ።ዓይነት ኣጋንንቲ ብዙሓት ኢዮም።ናይ ምርባሽ፣ናይ ዝርግርግ፣ናይ ጥርጣሬ፣ናይ ባእሲ፣ናይ ቂም-በቐል፣ናይ ጽልኢ፣ናይ ቅርሕንቲ፣ናይ ፈኸራ፣ናይ ጃህራ፣ናይ ዓሌትነት፣ናይ ንዕቀት፣ናይ ሻራ፣ናይ ስስዐ፣ናይ ምንፍቕና፣ናይ ክሕደት።እዞም ጠባያት'ዚኣቶም፡ በብሞይኦም ዝዓዩ ዓይነት ኣጋንንቲ፡ ዝጥቀምሉ ኣጽዋር ሰይጣውንቲ ኢዮም።ንሱ'ቲ ሰይጣን ነዚኣቶም ኣጸባቢቑ፣ብደገ ዝወቀበ ሽፋን ኣልቢሱ፡  ሓይሉ ዝገልጸሎም ዓይነታት ኣጽዋራቱ ኢዮም።ዕላማኦም ናይዞም ኣጽዋር፣ ናብ ሓደ ዘአንፈተ'ዩ።ናብ ክሕደት ዝወስዱ፣ ኣምላኽ የሎን ናብ ምባል መሪሖም ዝወስዱ ጎደናታት ሲኦል ኢዮም። እትውንኖ ህድኣት ዝሻመዉ ክፉኣት ሓሳባት'ዮም።


እምበኣር ወሲነ ኣሎኹ ሕጂ።ንኹሉ ኣንጻር ህድኣት ኮይኑ ዝመጻኒ ሓይሊ፣ብመስቀል ክርስቶስ ተቢዐ ክቖውም፡በቲ ዝንውንወኒ ደፋኢ ሓይሊ መታን ከይወድቕ ጨሪሰ ክጸንዕ። ብሓይለይ ዘይኮነ ብኡኡ ብእግዚኣብሔር ክምካሕ ወሲነ ኣሎኹ።እቲ ክሳብ ኣብ መስቀል ምስቃል ዝተዓገሰ፣ካብ ትዕግስቱ ከምዝመቕለኒ ይፈልጥ ኢየ።ብዙሓት ዝደፍኡኒ፣ናብቲ ናታቶም ናይ ታህዋጽ ጎዶና ክንውንዉኒ ምኻኖም ይርደኣኒ'ዩ። ግን መስቀል ክከላኸለለይ ኢዩ።ክርስቶስ ክደፍእዎ እንከለዉ ብፈጣርነቱ "ከይምንጥሉኒ፡ከይስዕሩኒ!" ኢሉ ኣይተጠራጠረን።በንጻሩ፣ብትዕግስቱ ካብ ናይ ሲኦል ምጭብርባር ክወጹ ይዓዪ ነይሩ፣ንሳቶም ብትዕቢት ከላግጽሉ እንከለዉ፣ንሱ ድማ ብትዕግስቲ ናብ ትሕትና ንኽመጹ ይቃለስ ነይሩ።ንሳቶም ክንውንዉዎ እንከለዉ፣ንሱ ድማ ካብ ናይ ሲኦል ጸድፊ ይስሕቦም ነይሩ።እሞ ኣነ ደኣ መን ኮይነ'የ ምስቶም ዝንውነዉ ዝንኖ ዘለኹ፧በቃ ክሃድእ ኢየ፣ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ እውንኮ ተባሂሉ ኢዩ።


ክርስትና ናይ ህድኣት ጎደና እምበር፣ናይ ዝርግርግ መንገዲ ኣይኮነን።ክርስትና ምስ ኣቡ-ነፍስኻ ሃዲእካ እትላዘበሉ፣ምኽሪ ኣቡ-ነፍስኻ እትሰንቀሉ፣ስግኡን ደሙን ብንስሓን ቀነኖናን ኣሰኒኻ እትቕበለሉን፡ ካብ ረበሻ እትሃድኣሉ ስፍራ እምበር፣በብዝጥዕመካ ኢድካ ናብቲ ክቡር ምስሊ እግዚኣብሔር ዝውንን ሰብ እና ኣዋጣወጥካ፣ንገዛእ-ርእስኻ ተረቢሽካ ንኻልኦት እትርብሸሉ ናይ ዕብዳን ኣዳራሽ ኣይኮነን።በሉ ኦ ወገናተይ ህድኣትናን ናይ ርግኣትና ምንጭን እግዚኣብሔር ካብ ኮነ፣ንህዳእ፣ርግእ ንበል።ኣብ ውሽጥና ዘሎ መንፈስ ኣምላኽና ካባና ከይስደድ፣ብህድኣት ኣባና ከምዝነብር ንግበሮ።ብርግጽ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልብና ኣሎ፣ግን ኣይነጒህዮ።እንተንጸርጺርና ኢዩ ዝጉሂ፣እንተተረቢሽና ኢዩ ካባና ዝስደድ፣ንሓድሕድና እንተተጻልኢና ኢዩ ዝጸልኣና።እግዚኣብሔር ዝተጻለኦ ሰብከ መን'ዩ ምስ እግዚኣብሔር ከተዓርቖ ዝኽእል፧እምበኣር ኣነ ከምታ ስመይ ክሃድእ ወሲነ ኣሎኹ።ንስኻትኩምውን ካብ ክትርበሹ፣ክትሃድኡ ይመርጸልኩም፣ካብ ክተዕገርግሩ፣ልዝብ ኢልኩም ክትሓስቡ ይምነየልኩም።


እግዚኣብሔር ኣምላኽ ህድኣቱን ትዕግስቱን ይስደደልና፡ በረኸት ናይ ቅዱሳኑ ይኽፈለና፡ ኣሜን።

ሎቱ-ስብሐት!

søndag 16. desember 2018

በእንተ ጾመ ነብያት:- 2ይ ክፋል


በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ፣


በእንተ ጾመ ነብያት፣- 2ይ ክፋል


  • ካብ ናይ ኣህዛብ መስዋእቲ ምኽልካል፣-




ኣብዚ ዘመንዚ፣መብዛሕትኡ ሰብ መስዋእቲ ኣምላኽን፣መስዋእቲ ኣጋንንትን ክፈልየሉ ናብ ዘይክእል ደረጃ እንዳበጽሐ ይኸይድ ኣሎ።እግዚኣብሔር ደቁ፣ናቱ መስዋእቲ'ምበር፣ነቲ ተጻራሪኡ ሰይጣን ተባሂሉ ዝቐረበ መስዋእቲ ክምገቡ ኣይደልን ኢዩ።ታሪኽ ደቂሰባት እንተድኣ በብሓደ ፈቲሽናዮ፣ሰብ ካብ ኣምልኾ ሓራ ወጺኡ ኣይፈልጥን 'ዩ።ሰብ ተመላኺ ናይ ምኻን ባህሪ ዘለዎ ኮይኑ ኢዩ ተፈጢሩ።ስለዚ ሰብ እቲ ዝገዝኦ ይፈላለምበር፣ካብ ተገዛኢ ምኻንስ ተፈልዩ ኣይፈልጥን ኢዩ። እቲ ሓቀኛ ገዛኢኦም ብፍታዎም መታን ክግዝእዎ ኢሉ ቃሉ ወትሩ ኣብ ልቦም ይኩሕኩሕ፣፣እቲ ሓሳዊ ገዛኢ ሰይጣን ድማ ብፍታዎም ክግዝእዎ ወትሩ ምትላሉ ኣየቃርጽን።ከምቲ ንእግዚኣብሔር ተባሂሉ ዝቐርብ በበይኑ ዓይነት መስዋእቲ ዘሎ፣ንሰይጣን ተባሂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ድማ መሊኡ ኢዩ።ስለዚ መስዋእቲ እግዚኣብሔር ዝለመደት መንፈሳዊት ከስዐ፣ናይ ሰጣን መስዋእቲ ክትምነይ ኣይግባኣን።ስለዝኾነ ከኣ እግዚኣብሔር ንደቁ ካብዚ ክኽልከሉ ወትሩ ይነግሮም።



ዳኒ1፣8 <<ዳኒኤል ግና በቲ ብልዒ ንጉስን በቲ ዝሰትዮ ነቢትን ከይረክስ ብልቡ መደበ፣ብግዲ ብላዕ ኢሉ ከየገድዶ ድማ፣ነቲ ሓለቓ ሽማምንቲ ለመኖ።>>ዝብል ጽሑፍ ጽሒፍልና ኣሎ።እዚ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ዝኾነ ነብይ፣ናይቶም ነገስታት መግብን መስተን፣ንዑኡ ከምዘርክስ ስለዝፈለጠ፣ንከይበልዕ፣በንጻሩ እካ ድኣ ሓምልን ኣቕጽልትን ከምጽእሉ ከምዝለመነ ይነግር።ብሓፈሻ ናይ ኣህዛብ መስዋእቲ ክበሃል እንከሎ፣ነቲ ዝኣምንዎ ኢሎም ዘቕርብዎ ኣማሃ ከም ምኻኑ መጠን፣ካብ ዝደቐቐት ክሳብ ዝዓበየትን፣ንክርስትያን ኣይሰማምዖን ኢዩ።



ኣብ ሓዱሽ ኪዳን፣ኣብ ጅማሬ ናይ ቤተክርስትያን፣ኣብ መንጎ ሓደስቲ ኣመንትን ኣብ መንጎ ኣይሁድን ሰፊሕ ክርክር ኣጋጢሙ ነይሩ።ሓደ ካብቲ ክርክራዊ ዛዕባ ብዛዕባ ብልዒ ዝምልከት ኢዩ ነይሩ። እቶም ካብ ኣምልኾ ጣዕት ናብ እምነት ክርስትና ዝመጹ፣ንናይ ሕገ እግዚኣብሔር ሓደስቲ ስለዝነበሩ፣ንናይ ሕሉፍ ኣምልኾኦምን ንዝምገብዎ ዝምልከትን ንጹር መረዳእታ ስለዝደለዩ፣ናብቶም መራሕቶም ዝኾኑ ሃዋርያት መልእኽቲ ሰዲዶም።፣ኣይሁድ ክርስትያን ድማ፣በዚ ዝበልናኩም ተዘይከይድኩም መንግስተ እግዚኣብሔር ኣይክትኣትዉን ኢኹም ብምባል ሰፊሕ ፍልልያት ኣብ መንጎኦም ይረአ ስለዝነበረ፣ሃዋርያት ካብተን <<ንመጀመርያ ግዜ ሲኖዶሳዊ ጉባኤ ገይሮም>> ኢልና እንሰብከሉ፣ኣብዚ ሰዓትዚ ንሕቶኦም መልሲ ንምሃብ ጉባኤ ገይሮም። ብዛዕባ ስጋዊ ብልዒ ዝምልከት ድማ መልሲ ጸሓፉ።

ግብ፣15፣27-29. እንሆ ድማ ነዚ ነገርዚ ካብ ኣፎም ምእንቲ ክትሰምዕዎ ይሁዳን ሲላስን ሰዲድናልኩም ኣሎና። '' ብዘይካ እቲ ዝተገበአ ገለ ሓለፋ ጾር እካ ከይነኽብደልኩም፣ንመንፈስቅዱስን ንዓናን ተራእዩና ኣሎ።ስለዚ ንርእስኹም ንጣዖት ካብ ዝተሰወዐ መግብን፣ካብ ደምን፣ካብ ስጋ ዝሓለቐ እንስሳን ካብ ዝሙትን ተኸልከሉ።'' ካብዚ እንተ ተኸልኪልኩም ጽቡቕ ክትረኽቡ ኢኹም፣ድሓን ኩኑ። ኢሎም ኣብ ቅዱስ ሲኖዶሶም ነዚ ውሳነዚ ወሰኑ።

ሓጺር መረዳእታ፣-


ንኣብነት፣ኣህዛብ ካብ ዘቕርብዎ መስዋእቲ ሓደ፣ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኢዩ፣፣


ክርስትያን ድማ ንኣምላኾም ንምሕጛስ ኢሎም ዘቕርብዎ መንፈሳዊ መስዋእቲ ኣሎዎም። ትምህርተ ወንጌል።ንክርስትያን ካብ ናይ ኣህዛብ ኣዝዩ ዝበለጸ መንፈሳዊ ትምህርቲ ስለዘለዎም ድማ፣ናብ ናይ ኣህዛብ መንፈሳዊ ትምህርቲ፣ማለት ንኣምልኾ ኣህዛብ ዝምልከት ንምርካብ፣ክርስትያን ከምባህቑን ከቕባሕብሑን ኣይግባእን። ናይ ክርስትያን መንፈሳዊ መርገጺኦም ንጹርን ፍሉጥን ኢዩ።ቅድስቲ ቤተክርስትያኖም ዝወሰነቶ መንፈሳዊ ውሳነ ብዘይ ነግ ፈረግ ተቐቢሎም፣ብኡኡ ክድሕኑ ምኻኖም ብእምነት ምቕባል ኢዩ።እቲ ዓብላላዊ ወሳንነት፣ናይ ብዝሒ መራሕቲ ዘይኮነስ፣ናይቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ኢዩ።እዚ ድማ ሰንሰለት ናይ ቅዱሳን ሃዋርያት ዝሓለወ፣ዘይብተኽ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ ኢዩ።<<....ኣነ ድማ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳኹም ኣሎኹ፣ማቴ28,18-19>> ከምዝብል መጽሓፍ


ኣህዛብ ዘቕርብዎ መስዋእቲ፣መዝሙርን ጸሎትን ኢዩ

ክርስትያን ድማ ካብ ናይ ኣህዛብ መዝሙር ዝበለጸ ናይ ቅዱሳን መዝሙር ስለዘለዎም፣ናይ ካልእ መዝሙር ዘይሰማዕና ኢሎም ከዕለብጡ ኣይግባኦምን።ብፍላይ ምስዚ ዝተሓሓዝ፣ደርፍን ጛይላንን ኣብ ግዜ ጾም ካልእ ንርኽሰት ዝመርሕ ናይ ሓጢኣት ጭማራን ዘይቀመስኩ ኢልካ ምዕጥይጣይ ናይ ክርስትያን ባህሪ ኣይኮነን።

ኣህዛብ ዘቕርብዎ መስዋእቲ፣ስጋዊ ብልዖት ኢዩ፡

ክርስትያን ድማ ልዕሊ ስጋዊ መግቢ ኣማናዊ ስጋ ወደሙ ናይ ክርስቶስ ስለዘሎዎም፣መስዋእቲ ናይ ኣህዛብ ዘይበላዕኩ፣ኣብ ንግደቶምን በረኸቶምን ዘይተኻፈልኩ ኢሉ፣ነቲ ክብር ስጋን ክቡር ደምን ናይ ክርስቶስ ዝተመገበ ከስዐ፣ብናይ ኣህዛብ መስዋእቲ ገይሩ ንክርስቶስ ከሳጉጎ ኣይግባእን።ቅዱስ ጳውሎስ፣እሞ መስዋእቲ ኣህዛብ ካብ ተመገብናስ፣ንክርስቶስ ነቕንኣዮዶ፧ ኢሉ ይሓትት።መቸም ክርስቶስ ናይ ኣህዛብ ብልዖት ካብ ናይ ክርስትያን መግቢ ኣብሊጽና ብምርኣይና ብርግጽ ይቀንእ ምኻኑ ርጉጽ ኢዩ፣ምኽንያቱ ንሱ ጥራይ ኣምላኽን፣ክምለኽ ዝግበኦን ምኻኑ እንዳፈለጠስ፣እቶም ደቁ ገዲፎሞ ናብ ካልእ ኣምልኾ ክኾዱ ናይ ኣምልኾኦም ተኻፈልቲ ክኾኑ እንከለዉ፣ከመይ ዘይቀንእ።እዚ ክኸውን እንከሎ ግን ኣምላኽነቱ መታን ከይወስዶ ኢሉ ኣይኮነን፣እንታይ ደኣ፣ደቁ ብምዕላዎም፣ነታ ናይ ተስፋ መንግስቱ ከምትንፈጎም ፈሊጡ ስለዝድንግጸሎም ኢዩ።


ካልእ፣ካብ ሓሊቑ፡ዝጸነሐስጋ፣ኣይትብልዑ

ኢሎም ሃዋርያት ደብዳበ ጽሒፎም።ዝሓለቐ፣ማለት፣ሕሉቕ፣ዘይተኸስተነ፣ዘይተባረኸ፣ማለት ኢዩ።ክንዮዚ ግን ክርስትያን ቀንዲ ክብህግዎ ዝግበኦም መግቢ ምድራዊ ስጋ ዘይኮነስ፣ሰማያዊ ስጋ፣ንኽሰትይዎ ዝህንጠይዎ ደም፣ድማ ምድራዊ ደም ዘይኮነስ ሰማያዊ ደም ኢዩሞ፣ነቲ ዝዓበየ ናይ ነፍሲ መግቢ ንምምጋብ ክቱር ህርፋን ክህልወና ኣብ ግዜ ጾም ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ።መብዛሕትኡ ድኻማትና ኣብ ግዜ ጾም ከነስተኻኽሎም እንተተበጊስና ዘይሕከምሉ ምኽንያት የለን።

ኮይኑ ግን፣ ክርስትያን ኣህዛብ ንዘቕርብዎ መስዋእቲ፣ ኣብ መስዋእቶም እንተድኣ ሓቢሩ፣ንሲኦልን መንግስተ ሰማያትን ሓደ ክገብረን ይቃለስ ኣሎ ማለት ኢዩ።እቲ <<እንታይ ጸገም ኣሎዎ>> ኢሉ፣ምስ ኣህዛብ ኣብ መስዋእቶም ክሓብርን፣በረኸቶም ከምባሁቕን ዝውዕል ክርስትያን፣ኣብ መንገስተ ሰማያት ኣትዩውን ናይ ሲኦል ምረት ከምዝናፍቕ ዘየማትእ ነገር ኢዩ። ካብ ናይ ሓሶት ኣምልኾኸከ እንታይ በረኸት ክርከብ፧ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣህዛብ፣እግዚኣብሔር ገለ ንስሓ ኣቲዮም ምስ ክርስትያን እንተተጸምበሩ ኢሉ ኢዩ ዕድል ናይ ዕድመ ንስሓ ዝህቦም ዘሎምበር፣ክርስትያን ምስ ኣህዛብ መታን ክተሓዋወሱ ኢሉ ኣይኮነን።ክርስትያን ኣብዛ ዓለም ምስ ኣህዛብ ተጸምቢሮም ይነብሩ እካ እንተሃለዉ፣ካብ ኣምልኾኦምን፣መንፈሳዊ ተግባራቶምን ግን ከይጽምበሩ ፈጺሞም ክውስኑ ይግባእ።ምኽንያቱ ሓቀኛ መርገጺ ናይ ክርስትያን መንፈሳውነት ኢዩ።እዚ መንፈስ እዚ ድማ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ኢዩ።

ካብኡ ወጻኢ ዘሎ ግን ሰይጣናዊ ኢዩ።<<ጸገም የብሉን ክርስቶስ ኣብ ልበይ ሒዘዮ ናብኣቶም ምስ ከድኩ ክቕድሶም ኢዩ!!>> ዝብል ክርስትያን እንተሎ ግን፣ነቲ ዘይኣምነሉን ወትሩ ክራገሞን ዝውዕል ክርስቶስ፣ <<ብሓይሊ የድሌካ ኢዩ፣ንዓ ብኡኡ ገይረ ክባርኸካ፣>> እንዳበሎ ምኻኑ ይረዳእ።እግዚኣብሔር ክባርኽ እንተኾይኑ፣ ክርስቶስ ኣብኣቶም ክነግስን ክባርኾምን ፍታዎም ክኸውን ኣሎዎ።እምበኣር፡እዚ ከይኮነ እንከሎ ሒዝካሎም ትመጽእ ዘይኮነስ፣ባዕሎም ንክርስቶስ ክባርኾም ቅድም ክኣምንዎ እንከለዉ ኢዩ።ምላልባሽ እቲ ካብቲ ናቱ መስዋቱ ክትካፈለሉ ዝደሌካ ዘሎ ሰብ ንዓኻ ይፈልጥ ይኾውን፣ንክርስቶስ ግን ኣይፈልጦን ኢዩ፣ክፈልጦ ድማ ፍቓደኛ ኣይኮነን።ንስኻ ድማ ንክርስቶስ ስለእትፈልጦ፡ብመንገድኻ እቲ ኣምላኺ ጣዖት ብክርስቶስ ዝባረኽ መሲልካ ናብቲ ናቱ መስዋእቲ ትኸይድ ኣሎኻ።እዚ ሰብዚ ግን ንዓኻ እምበር፡ንክርስቶስ ኣይፈልጦን ዩ፡ክፈልጦውን ኣይደለየን።ስለዚ መን ክፍለጠልካ ትደሊ፣ክርስቶስዶ ዋላስ ንስኻ፧ ኣብቲ መንፈሳዊ በዓል ኢሎም ዝዕድሙኻ ዘለዉኸ፣መን ዝተዓደመሉ በረኸት ክትካፈል ትደሊ፣ክርስቶስ ዝተዓደሞ መስዋእቲዶ፣ወይሲ ሰይጣን ኢዱ ዘምበረሉ መስዋእቲ፣ክርስትያን ነዚ ክፈልጥዎን፣ክስዕብዎን ከምዝግባእ ስለዝፈለጠት፣ቅድስት ቤተክርስትያን ንደቃ ካብ ናይ ኣህዛብ መስዋእቲ ከይካፈሉ ትኽልክል።

ስለዝሙት፣-

ዝሙት ጅማሬኡ ኣብ ሕልና፣ፍጻሜኡ ድማ በዞም ዝተዋህቡና ህዋሳት ኢዩ። መብዛሕትኦም ናይ ዝሙት መንገድታት ሎም ኣዝዩ ቅሉዕ እናኾኑ ይመጹ ኣሎዉ።ሕሉፍ ሓሊፉ ክርስትያን ተባሂሉ፣ንዝሙት ከም ሕጋዉ ተቆጺሩ፣ከም ናይ ኣህዛብ ኣበሃህላ፣ኣፍቃሪተይ ኢያ፣ኣፍቃርየይ ኢዩ፣ብዝል ሽፋን ሆ ኢልና ንዝሙት ከምእንለዓዓል ኮይንና ኣሎና።ንመንፈሳዊ ኣገልግሎት መጺኻ ክንስኻ፣ብዓይኒ ዝሙት ክትጠማመት ኣዝዩ ኣነዋሪ ነገር ኢዩ።ብፍላይ ድማ ክርስትያን ኮይንካ፣ዘይተዋህበካን፣ብሕጊ ዘይኣሰርካሉን ነገር፣ብሕልና፣ብግብሪ፣ብዝተፈላለየ ቅድመ ሕገ ቤተክርስትያን፡ብገዛእርስኻ ርእየት፡ ውሽጣዊ ፍትወትካ ክትድርጉሕ ክትብል ንኣምላኽ ምብዳል ኣዝዩ ንፍርዲ እግዚኣብሔር ዘቀላጥፍ ነገር ኢዩ።ሎሚ-ሎሚ፣ክርትያን ተባሂሉ፣<< ቅድሚ ዝኣገረ፣ቃል ኪዳን እንተኣሲረላስ፣ክትጠልመኒ ኢያ፣ቅድሚ ዝኣገረ እንተተመርዕየዮስ፣ክጠልመኒ ኢዩ፣>>ብዝብል ሰነፍን፣ዘይክርስትያናውን ሓሳብ ተዋሒጡ፣ጥምቀትን መርዓን ብሓደ ኮይኑ መብዛሕትኡ ክርስትያን ለሚድዎ፣ኩሎም ኣህዛብን ተጻረርቲ ቤተክርስትያንን ድማ ገሪምዎም ኣሎ።እምበኣር ሃዋርያት ኣብ ሲኖዶሶም ዘጽደቕዎ ብጥቕልሉ ቤተክርስትያን ዘይትፈቕዶ ምግባር፣ኩሉ ዝሙት ኢዩሞ፣ብጾም ክንስዕሮ፣እቶም ዝወደቕና ብጾም ክንትንስእ፣እቶም ንምትንሳኡ ዝተጸገምና ድማ ብጾም ሓይሊ እግዚኣብሔር ክንቅበል ጾም የድልየና።

ወስብሀት ለእግዚኣብሔር።
3ይ ክፍላይ ይቕጽል፣

ሕቱም መጽሓፍ።

tirsdag 27. november 2018

መልሲ ንጥንተኣብሳውያን፡-

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላም፡


1.ድንግል ማርያም ጥንተ ቅድስና እምበር ጥንተ ኣብሶ የብላን

ዝወረሰቶ ቅድስና እምበር፡ዝወረሰቶ ሓጢኣት የብላን።ድንግል ማርያም ካብ ኣዳም ጥንታዊት ቅድስንኡ፡ካብታ ኣዳም እንክፍጠር ከሎ ዝነበረቶ ቅድስና ደኣሉ ዘለዋ እምበር፡ካብ ድሕሪ ፍጥረቱ 7 ዓመት ጸኒሑ ብገዛእ ድኻሙ ዝለበሳ ሓጢኣት ሒዛ ኣይተወልደትን።ስለዚ ብግብራ ይኹን ብሕልናኣ ሓጢኣት ኣይፈጸመትን ኢልኩም ምምስካርኩም ጽቡቕ ኢዩ። ግን ከምኡ ምባል ጥራይ ከኣ ኣኻሊ ኣይኮነን።ገና ከይተወልደት እንከላውን ዝሓለፋ ሓጢኣት ወይ ኣበሳ የለን ምባል ከድልየኩም ኢዩ።እዚ ምባል ጥራይ ዘይኮነ ድማ፡በንጻሩ  ዝሓለፋ ንጽሕና ኣሎ ኢልኩም መስክሩ።ናይ ኣዳም ጥንታዊት ንጽሕና።
ጥቕሲ፦ ኢሳ1፣9 እግዚኣብሔር ሒደት ዘርኢ ተረፍ ተዘይሓድገልና ነይሩ....
ኤፌ1፣4-5 እግዚኣብሔር ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ሓረየና።
ቅዱስ ያሬድ፡- ድንግል ማርያም ኣብ ሕቆ ሓዳም ከም ዕንቂ ባሕሪ ተብርህ ነበረት።
ድንግል ማርያም ትነጽሕ እምበላእክት፡ድንግል ማርያም ነበረት በሕልና ኣምላኽ እምቅድመ ዓለም፡
ድንግል ማርያም ካብ መላእክት ትነጽሕ፡ዓለም ቅድሚ ምፍጣሩ ኣብ ሕልና ኣምላኽ ነበረት።(ቅዳሴ ማርያም)

እዘን ጥቕስታት ኩላተን፡ብዛዕባ ድንግል ማርያም ሓጢኣት ሰሪሓን ኣይሰርሐትን ዘይኮናስ፡ብዛዕባ ገና ከይተፈጥረት እንከላ፡እረ ኣዳምውን ገና ከይተፈጥረ እንከሎ ንዝነበረ ንጽሕና ናይ ድንግል ኢየን ዘዘንትዋ።እሞ ቤተክርስትያን ትሓተኩም ዘላ፡"ጥንተ ኣብሶ ኣሎዋ ድዩ የብላን?" ኢላ ኢያ። ንስኹም እትምልስዎ ድማ ኣይሰረሐትን።ሓታትን መላስን በበይንኹም ኣሎኹም።ቤተክርስትያን ግን ንድንግል ማርያም ገና ከይተወልደት እንከላ፡እግዚኣብሔር ካብ ኩሉ ርኽሰት ሓሊይዋ ነይሩ፡ምስተወልደት ድማ ከምዚ ዝበልክሞ፡ዝፈጸመቶ ኣበሳ ብሕልና ይኹን ብግብሪ ፈጺምካ የለን ትብል።እዚ ኢዩ ናይ ቅዱሳን መጽሓፍቲ ትምህርቲ።ሓጢኣት ኣይሰረሐትን ምባልኩም ጽቡቕ ኢዩ፡ግን ሓንቲ ነገር ጎዲላትኩም፡ዝሓለፋ ኣበሳውን የለን ምባል ከድሊ ኢዩ።ፐርከስ እግዚኣብሔር ኣበሳ ዘለዎ ስጋ ክወሃሃድ ምስ ባህሪኡ ዝኸይድ ኣይኮነን።

2.ብስጋ ስለዝዓረፈት ጥንተኣብሶ ሓሊፍዋ ኣይንብልን፡ስጋዊ ሞት ኣብ ክርስትና ጥንታዊ ኣበሳ ዘይኮነስ፡ናብታ ጥንታዊ ቤትና ዘሰጋግር ድልድል ኢዩ፡-

ፐርከስ ታሪኽ ሞት ኣብ ሓድሽ ኪዳን ተሓዲሱ ተለዊጡ ኢዩ።ስጋዊ ሞት ንክርስትያን ኣበሳ ኣይኮነን፡ንሕና ኩሉና ክርስትያን ብስጋ እንመውት ዝሓለፈና ኣበሳ ወይ ጥንተኣብሶ ስለዘለና ኣይኮነን።እንታይ ደኣ፡ብስጋ ተሞትናስ ናብ ሕቕፉ ክንከይድ ስለዝዘለና መሰጋገሪና ኢዩ።
ብርግጽ ድንግል ማርያም፡ዓሪፋ ኢያ።ሞይታ ግን ኣይንብልን።ሞት ኣብ ክርስትና ዝተናዕቀ ነገር ኢዩ።ድንግል ማርያም መቓብር ቀሚሳ ኢያ፡ግን ጥንተ ኣብሶ ስለዝነበራ ኢዩ ኣይንብልን፡ምኽንያቱ መቓብር ኣብ ሓድሽ ኪዳን ናብ መንግስተ ሰማያት ዘሰጋግር ድልድል ስለዝኾነ።ድንግል ማርያም ናይዛ ዓለም ድኻምን ጻዕርን ዘበለ ኩሉ ካብ ጽንሰታ ክሳብ ዕረፍታ ቀሚሳቶ ኢያ፡ግን እቲ "ምድሪ ብሰንክኻ ርግምቲ ትኹን"ዝበሎ መርገም ስለዝሓለፋ ኣይኮነን።እንታይ ድኣ፡ሕገ ክርስትና ደኺምካን ጽዒርካን ዓስብኻ እትወሃበሉ ምኻኑ ንምስትምሃር ኢሉ ዝመደባ ኣደ ስለዝኾነት'ምበር።ፈጣሪና ብመምህርነቱ ንከስተምህረና እንተላይ ነዲኡ ከይተረፈ ኣይበቐቐልናን።ካብ ፍጡራን መምህር ክትከውን ዝተመደበት፡ብዙሓት እካ እንተሃለዉ፡ልዕሊ ኩላቶም ግን ድንግል ማርያም ኢያ።ልዕሊኣ ዝዓቢ ፍጡር የለን፡ልዕሊኣ ንናይዛ ዓለም ሽግርን መከራን ከስተምህረና ዝኽእልን ድማ የለን።ሞታ ንዓና መስተምሃሪ ደኣምበር፡መጠቆሚ ኣይኮነ ክኾውን ዝግበኦ።ንሳ ዝሞተት ጥንተተኣብሶ ሓሊፉኪ ኢልና ንኽንጥቁማ ዘይኪነትሲ፡ብመከራኣ ንኽንመሃር፡ብሞታ ንክንጸናናዕ ኢዩ።ንሳ ብስጋ ክትዓርፍ እንከላኮ፡ ክንደይ ኣሽሓት ነፍሳት ናይ ሲኦል ሒዛ ኢያ ዓሪጋ።ሓራ ኣውጺኣቶም።እሞ ብስጋ ሙማታ ንዓና ከደንቐናን ከስደምመናን ምተገበአ እምበር፡ከውቅሳ ኣይግበኦን ኢዩ።እስከ ንሰተውዕሎ፡ንሳ  ብስጋ ስለዝዓረፈት፡ንሞታ ጥንተተኣብሶ እንተኢልናዮ ደኣ፡እቶም ብስጋ ዘይዓረፉ እንበዓል ኤልያስ፡ሄኖክከ እንታይ ክንብሎም ኢና፡ ኣይሓለፎምን ክንብል፧ ይበልጹዋ ኢዮም ክንብል፧ ብጭራሽ ዝበልጻ የለን።ሞታ ንዓና ንሞት ከምእንንዕቆ ኢዩ ዝገብረና እምበር፡ንሳ ብስጋ ስለዝሞተት ብሞት ክንብህርር ኣይግባን።ጥንተተኣብሶ ኣሎዋ እንተኢልናኮ፡ገና ፍርሒ ሞት ኣይወጻልናን።ብክርስቶስ ዝተሳዕረ ሞት፡ንሕና ግን ገና ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ኣሎና ኢልና ንክርስቶስ ንክሕዶ ምህላውናዶ ኣይኮነን።

ንሱ ጥራይ ዘይኮነውን፡ኣቦና ኣዳም ምድሪ ብሰንክኻ ርግምቲ ትኹን ደኣ ይበሃል እምበር፡ቅድስት ምድሪ ከምዘላ ነኸነጽርውን፡ንሙሴን ንኢያሱ፡እዛ ዘለኻያ ቅድስቲ ምድሪ ኢያሞ ኣሳእንካ ኣውጽእ ተባሂሎም ኢዮም።ስለዚ ኩላ ምድሪ እካ  ሰንኪ ድኻም ኣዳም እንተተረግመት፡ስላ ጸጋ እግዚኣብሔር ግን መርገም ዘይሓለፋ ምድሪ ከምዘላ ክንዝንግዕ ኣይግባእን።ብኻልእ መንጽርውን፡ንናይዛ ዓለም ፈተና ከመይ ኢልካ ከምዝሕለፍ ንምስትምሃር ዋላ በዲኡ ገይሩ ክምህረና ስለዝመደበ፡ኣዲኡ ልዕሊ ኩሎም ፍጡራት ክንሳ፡ልዕሊ ኩሉ ፍጡር መከራ ከምትቐምስ ገበረ።
እሞ፡ነቲ ንሳ ካብዛ ዓለም  ዕረፍታ ኮይኑ ዝተፈለየታን፡ሽግራን ጸበበኣን ከም ጥንተኣብሶ እንተቆጺርናዮስ፡ክርስቶስ ስለኹሉ ክብል ኣብ መስቀል ምስቃሉስ ዋጋ ከምዘይሃብናዮ ዶ ኣይኮነን ዘስምዕ፧ ሞተ ስጋ ስለዝቐመሰት፡ንናይ ስጋ ሞት ጥንተኣብሶ እንተኢልናዮ፡ክርስቶስ ጥንተኣብሶ ኣሎዎ ኢልኩም ከምእትመጹና ኣየጠራጥርን ኢዩ።ሞት ግን ባህርይ ኣይኮነን።ድሕሪ ፍጥረት ኣዳም ዝመጸ ጭማሮ ድኣምበር፡ባህሪ ኮይኑ ኣብቶም 7 ባህርያት ናይ ኣዳም መበል 8ይ  ባህሪ ተወሲኹ ዝተጠፈዐ ኣይኮነን ሞት።ክርስቶስ ምስመጸ ጥንታዊ ሞት፡ ታሪኹ ቀይሩ ፈጺሙ ተለዊጡ ኢዩ።ሞት ንክርስትያን ዝተናዕቀን ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ከምዘለናን ምኻኑ ከነጽር ቅዱስ ጳውሎስ፡ኦ ሞት ኣበይ ኣሎ ሓይልኻ ኢሉ፡ፈከረ።እሞ ደጊም ንሕና ክርስትያን ኣብ ልዕሊ ሞት ክንፍክር ደኣምበር,ነታ ኣደ ፈጣሪና ዝኾነት ድንግል ነቲ ንክንዕቆ ስልጣን ዝተዋህበና ሞት፡ከም ዘይተፋሕቐ ኣበሳ ቆጺርና፡ ኣዴና ኣበሳ ሓሊፍዋ ኢዩ ክንልብል ኣይግባእን።ጨአኢስካ ጽዩፍ ኣበሃህላ ውን ኢዩ።

ጥቕሲ፦ ወሰጠጠ መጽሓፈ ዕዳሆሙ ለኣዳም ወለሄዋን።ናይ ዕዳ ( ናይ ክሲ) ደብዳቤኦም ድማ ቀደዶ።ውዳሴ ማርያም ዘሶኑይ፡
ናይ ዕዳ ደብዳበኮ ተቐዲዱ ኢዩ፡ክርስቶስ ቀዲድዎ ኢዩ።ኣበይ ዝጸነሐት ናይ ጥንታዊት ደብዳበ ደኣላ ናብ ድንግል ማርያም ሓሊፋ እትብሉና ዘለኹም፧
ኦ ሞት ኣይተ ሀሎ ሐይልከ፡ኦ ሞት ሓይልኻ ኣበይ ኣሎ።

3.ገብርኤል መልኣክ ንከብስር እምበር፡ጥንታዊት ኣበሳ ክድምሥስ ኣይተላእከን።

ፈጺምካውን ምስ ዓቕሙ እትኸይድ ኣይኮነትን እዛ ጥንተኣብሶ ምድምሳስ።ጥንተኣብሶ ክድምሲስ ዝኽእል ነይሩ ተዝኾውን እኮ፡ቅድሚ ንድግል ማርያም ካልኦት  ብዙሓት ዘብሰሮም ኣሎዉ።
ኣብነት፡-
ነብይ ንዳኒኤል ኣበሲርዎ ግን ጥንተኣብሶ ከርሕቐሉ ኣይተኻእሎን፡-(ዳኒ10)።ንካህን ዘካርያስ ኣበሲርዎ፡ጥንተኣብሶኡ ከርሕቐሉ ግን ኣይከኣለን(ሉቃ1) ።ንድግል ማርያም ግን ከበስራ፡ጥንተ ኣብሶ ከምዘየብላ፡ምልእተ ጸጋ ምኻና ክነግራሞ፡ንኣምላኽ ንምጽናስ ከምዝበቐዐት ድማ ከበስራ፡ደኣምበር  ጥንተኣብሶ ክድምሲሰላ ኢሉ ኣይመጸን።
ከምኡ ተዝኾውንሞ፡-

* ተፈሲሂ ኦ ምልእተ ጸጋ፡ ኦ ምልእተ ጸጋ ደስ ይበልኪ ኢሉ ኣይመመስገናን።ምሉእ ጸጋ እንተሊዋኸድኣ ነየናይ ኣበሳ ኢዩ ከርሕቕ ኢሉ ክመጽእ፧ምልእቲ ጸጋ ማለት እኮ ንጹር ትግርኛ ኢዩ።ኣበር ዘየብላ ማለት ዩ።ብርግጽ ካልኦት ከምዚ ዓይነት ምስጋና ዝተቐብውሉ ኣሎዉ፡እንበዓል መጥብቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ፡"ካብ ኣንስቲ ዝወለድኦም ከም ዮውሓንስ ዝበለ የለን" ተባሂሎም፡እቶም ኣብ ምጽኣት ክርስቶስ ምስጉናት ኮይኖም ዝተረኽቡ ናይ ብሓቂ ክርስትያን "ኣንቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ንዑ ናብቲ ዓለም ቅድሚ ምፍጣራ ዝተዳለወልኩም ክትወርሱ፡ማቴ25" ተባሂሎም።እዚ ግን ምስ ናይ ድንግል ማርያም ምልኣታዊ ምስጋና ክወዳደሮ ዝኽእል ዓይነት ምስጋና ኣይኮነን።ኩሎም ቅዱሳን ብእግዚኣብሔር ምስጉናት እካ እንተኾኑ፡ናይ ድንግል ማርያም ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ዘለዋ ሞገስ ግን ልዕሊ ኩሎም ቅዱሳን ፍሉይ ኢዩ።ምልእተ ጸጋ እትብል ሓረግ፡ንኹሉ ልዕልነኣ ኣጠቓሊላ ከተረስኣና እትኽእል ዓባይ ምስጋና ኢያ።

*ገብርኤል ጥንተኣብሶ ከርሕቕ ዝኽእል ነይሩ ተዝኾውን ኮ፡ናይ ክርስቶስ ምምጻእ ኣገዳስነት ኣይመሃለዎን
ዋና ነገሩ፡ክርስቶስ ናብዛ ዓለም መምጽኢኡ ኣዳማዊ ሓጢኣትና ንከርሕቐልና ኢዩ።ምኽንያቱ እታ ክትሞውት ኢኻ እትብል ፍርዲ ንሱ ኢዩ ፈሪድዋ፡ንሱ ድማ ይድምሲሳ።ስለዚ ጥንተኣብሶ ዘይሓለፎ ስጋ ወሲዱ ክለብስ ነይርዎ።እዚ ድማ ኣቐዲሙ ጥንተኣብሶ ዘይሓለፋ ኣደ ከዳሉ ነይርዎ።
እምበኣር ድንግል ማርያም፡ጥንተኣብሶ ዘይኮነ ሓሊፍዋ እንብልሲ፡ጥንተ ቅድስና ሒዛ ኢያ ተወሊዳ።እዚ ትምህርቲዚ ንጹር ዩ፡ክርስቶስ ጥንታውነቱ ካብ ዘልኣለም ክሳብ ዘለኣለም ቅዱስ ኢዩ።ኣዳም ድማ ክፍጠር እንከሎ፡ካብ እግዚኣብሔር ቅድስና ብጸጋ ስለዝተመጠዎ፡ቅዱስ ኮይኑ ተፈጢሩ።ስለዚ ዋላ እንተወደቐን እንተሞተን፡ኣብ ውሽጡ ግን ንእሽቶ ተረፍ ቅድስና ነይራቶ።ኣብ ሲኦል,ኣብ ውሽጢ ኣዳም ኮይና ከም ዕንቂ ባሕሪ እተብርህ፡ንኹላቶም ቅዱሳን ነብያት   ብዝተፈላለየ ምሳሌታት ኮይና እንዳተገልጸት፡ኣብ መወዳእታ ድማ ብቀንዳ ምስተወልደት ኣትሒዛ ክሳብ ንክርስቶስ እትጸንስ፡ብመልኣኽቲ ትዕጀብን ትንከባኸብን ነይራ።ኣብ ምጽናሳ ካብ ምድራውያንን ካብ ሰማያውያንን ቅዱሳን ፍጥረታት ኣምላኽ ምስክርነት ሰሚዕና።ገብሪኤል ካብ ቀደም ስለዝፈልጣ፡ንኹላቶም ሰማያውያን ወኪሉ ጥንታዊ ቅድስናኣ መስኪሩ።ቅ.ኤልሳቤጥ ድማ፡ካብ ቀደም ስለእትፈልጣ ብዛዕባ ኣብ ምድሪ ንዝነበራ ክብሪ ንምድራውያን ወኪላ መስኪራ።ኣደ ጎይታ፡ናባይ ክትመጺ እዚ ከመይ ኢሉ ይኾነለይ በለት።

4.ኣስተውዕሉ ንድግል ማርያም ከምዚ ኢልና ክሳብ ክንድዚ ስለዘኽበርናያ፡ሰማያዊት ፍጥረት ዝገበርናያ ኣይምሰልኩም

ጥንተኣብስ ዘይምህላውኮ፡ንሰማያዊ ፍጥረት ዘምስል ኣይኮነን።ፐርከስ ኣዳም ኣብተን 7 ዓመታት ኣበሳን ኣበርን ኣይነበሮን፡እዚ ዘይምንባሩ ድማ ፍጥረቱ ካልእ ዓይነት ኮይኑ ኣይፈልጥን።ኣዳም ክፍጠር እንከሎ ኣዳም ነይሩ፡ክወድቕ እንከሎ ድማ ኣዳም ነይሩ።ቅድስንኡ ንፍጥረትነቱ ክልውጦ ኣይከኣልን ኢዩ።ኣበሳኡ ድማ ንፍጥረትነቱ ክብርዞ ኣይክእልን ኢዩ።ኣዳም ክፍጠር እንከልክ 3 ባህርያተ ነፍሲ፡4 ባህርያተ ስጋ ሒዙ ተፈጢሩ።ብተወሳኺ ድማ ግርማ እግዚኣብሔር፡ጸጋ እግዚኣብሔር ዓሲልዎ ብመልኣኽቲ ተመስጊኑ።ድንግል ማርያም ተረፍ ናይዚ ግርማዚ ኢያ።ተረፍ ናይዛ ንኣዳም ዝተዋህበቶ ጸጋ ሒዛ ዝተረኽበት ኢያ።ኣዳም ምስ ወደቐ  እቶም 7 ባህርያት ኣይተፈለይዎን ኣይተወሰኽዎንውን።እቲ ዝተቐነሶ እንታይ ኢዩ እንተኢልና ጸጋኡ ተገፊፉ ዕራቑ ተሪፉ፡ኣበሳ ስለዝፈለጠ ክሓፍር ጀሚሩ።ንኹላቶም ፍጥረታት ዝገዝኦም ዝነበረ ሕጂ ግን ኩላቶም ፍጥረታት ከፍርሕዎ ጀሚሮም።ንመሬት ዝረግጻ ዝነበረ፡ሕጂ ግን ክትቀብሮ ጀሚራ።እዚ ድማ ክሳብ እቲ ናይ ተስፋ ዕለት ዝኣክል፡ስጋኡ ብሞት ስለዝተተሕዘ ናብ መቓብር፡ብኡ ኣቢሉ ድማ ነፍሱ ናብ ሲኦል ይወርድ ነይሩ።ግን ኣበሳ ኣዳም ባዕሉ ዘምዝኦ መርገም ደኣምበር፡ከም ፍጥረት ኮይኑ ከም መበል 8ይ ባህሪ ዝተወሰኾ ኣይኮነን።እግዝኣብሔር ነዚ ኣበሳዚ ሓንቲ መዓልቲ ከርሕቀሉ ምኻኑ ይፈልጥ ነይሩ።ዕለቱ ክሳብ ዝኣክል ግን ካብታ ጥንታዊ ቅድስቲ ንጽህቲ ባህሪ ኣዳም ንእሽቶ ጩራ ኣትሪፉ፡ብተስፋ ክጽበያ ንኣዳም ተላብይዎ።" እትወለድ እምወለተ ወለትከ" ካብ ጛል ጛልካ ተወሊደ ከድሕነካ ኢየ ብምባል።ነዛ ተስፋ እዚኣ ናብ ደቁ ብለበዋ ኣመሓላለፋ፡ማለት ናብ ወዱ ሴት።ሴት ድማ ነቶም ዝተወልዱ ደቁ"ኣምላኽ ካብ ባህሪና ክለብሳ ዘለዎ ንጽሕቲ ባህሪ ኣላ፡ንሳ ናትና ዘርኢ ኢያ።ካብ ስጋኣ ስጋ፡ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ከድሕነና ስለዝኾነ ድማ፡ነዛ ንሱ ክለብሳ ዘለዎ ሰብ ካብ ናትና ኣበሳ ከመዘይሓልፋ ገይሩ ንሱ ብዝምርምሮ መለኮታዊ ሓለዋ ክሕልዋ ኢዩ።"ኢሎም ተስፋ ክገብሩ፡ብእምነት ክጽበዩ፡ነዚ ትምህርቲዚ ድማ ናብ ወሎዶታት ከሰጋግሩ ተላብይዎም ዓሪፉ ኣቦና ሴት።(መጽሓፈ ቀሌሜንጦስ12)።

እሞ ድንግል ማርያም፡ኣበሳ ኣይሰረበትን ጥራይ ዘይኮነስ፡ገና ከይተወልደት ጀሚሩ፡ ጥንታዊ ኣበሳ የብላን ስለዝበልናስ፡ፍጥረታ ካልእ ዓይነት ኢያ ንብል ዘለና ኣይምሰልኩም።ምኽንያቱ ኣዳም ኮይንካውን ጥንታዊ ኣበሳ ከይሓለፈካ ክትርከብ ስለዝከኣል።እነሆ እካ ንድንግል ማርያም ርኢና።እሂ እተምልኽዎ ኣምላኽ ነዚ ክገበር ዘይክእል ድዩ፧ ንድግል ማርያምሲ፡ፍጥረትነታ ከይተለወጠ፡እቶም 7 ባህርያታ ካብኣ ከየልገሱ፡ወይ ካልእ ዓይነት ተውሲኽ ከይሃለዋ፡ብዘይጥንተኣብሶ ከምትውለድ ክገብራ ኣይክእልን ኢዩ? እንድዒ ናትኩም ኣምላኽ እምበር፡ኣምላኽናስ ይከኣሎ ኢዩ።ንሱ ዘይክእሎ የለን።እስመ ኣልቦ ነገር ዘይሰኣኖ ለእግዚኣብሔር፡ኢልና ኢና ንሕና እንቕበሎ።ስለዚ እግዚኣብሔር ንፍጥረትነት ናይ ድንግል ከምቶም ጥንታውያን ኣዳምን ሄዋንን፡ካብ ጛል ጛሉ ንኣዳም ዝተረኽበት፡ኣበሳ ከይሓለፋ ዝተረኽበት ኣደ ፈጣሪ ኢያ።ክርስቶስ ድማ ነዚ ነገር እዚ ኣቐዲሙ ይፈልጦ ነበረ።ዕለቱ ምስ ኣኸለ ድማ መጺኡ ፍቓደኝነት ካብኣ ብምሕታት ተጸኒሱ ተወሊዱ ንዓና ከኣ ናይ ድሕነት ዕድል ከፈተልና።

ክብሪ ምስጋና ንዑኡ ጸሓዮ ንእግዚኣብሔር።
ምስጋና ንድግል ማርያም ይኹን።
ሕቱም-መጽሓፍ

torsdag 22. november 2018

በእንተ ጾመ ነብያት

በእንተ ጾመ ነብያት

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን

እዚ ኣውደ-ጾምዚ፣ቅድስት ቤተክርስትያን ንህዝባ ጽድቂ ኣዋህሊሎም ኣሰር ቅዱሳን ኣቦታቶም መታን
ክስዕቡ ኢላ ንደቃ እትሰርዖ ሓደ ካብቶም 7 ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ኢዩ።ህዝበ እግዚኣብሔር ንፈጣሪኦም
ንዘለዎም መንፈሳዊ ፍቕሪ ክንድምንታይ ልካዔ ከምዘለዎም ንምምልካት ብፍታዎም፣ትእዛዝ
ቤተክርስትያኖም ንምኽባር ይተግሁ።እዚ ናይ ኣዋጅ ጾምዚ ድማ ሓደ ካብቶም ንፈጣሪኻ ንምኽባርን ንምምላኽን ተባሂሉ ዝፍጸም ተኣዛዝነት ኢዩ።

ትርጉም ጾም፣-

● ካብ ዝብላዕን ዝስተን ምኽልካል፣
እግዚኣብሔር ዝብላዕን ዝስተን ኢዩ።ስለዚ ህዝቢ እግዚኣብሔር፣ካብቲ ኣብዚ ዓለም ዝረኽብዎ ዝብላዕን
ዝስተን ነገራት ኣብሊጾም ንፈጣሪኦም ብምጥማት፣ካብ መግበ ስጋስ፣ንስኻ ትሕሸና፣ካብ መስተ ስጋውን
ንዓኻ ንጸምእ ኣሎና ኢሎም፣ነፍሲ ናይ ክርስትያን ብፈጣሪኣ እትዕንገለሉን እትረውየሉን ቅንያት
ኢዩ።ክርስትያን ካብዚ ኣብዛ ዓለም ዝርከብ ብልዕን መስተን ክኽልከል እንከሎ፣በኣንጻሩ ነቲ ዝብላዕን
ዝስተን እግዚኣብሔር ይጸምኦን ይጠምዮን ስለዝኾነ ኢዩ።መጽሓፍ፣-[[ ከመ ያፈቅር ሀይል ኣንቅዕተ
ማያት፣ከማሁ ታፈቅር ነፍስየ ሀበ እግዚኣብሔር፣ከምቲ ኢራብ ንዓይኒ ማያት እትጸምኦ፣ኣነ ድማ ኦ
እግዚኣብሔር ነፍሰይ ትጸምኣካ ኣላ። መዝ42፣2]] ኢሉ ይምህር።

● ካብ ስብሕን ንስጋና ዘህጥሩን ነገራት ምኽልካል
እግዚኣብሔር ንህዝበ ክርስትያን እቲ ሓደን መዳርግቲ ዘይርከቦን ከህጥሮምን ከስብሖምን ዝኽእል
ኢዩ።እግዚኣብሔር ነቶም ዘይቅበልዎን ዝቃወምዎን ከይተረፈ፣ናይ ስጋ መግብን መስተን
እንዳቐረበ፣ስጋዊ ናብርኦም ከ።ዝከናወን ይገብር ኢዩ።ነታ መንግስቱ ክወርስዋ ኢሉ ዘዳለዎም ሓቀኛታት
ክርስትያን ደቁ ግን፣ነዚ ኣብዚ ምድሪ ዝረኽብዎ ስጋዊ ስብሕን ህጥራንን ምስታ ክብርቲ መንግስቱ
ከዋዳድርዋ ኣይደልን ኢዩ።ስለዚ ድማ ኢዩ፣ናብኣ ክኣትዉ ዘለዎም ሰባት፣ስጋዊ ህጥራን ዘይተመነዩ፣ናይዛ
ዓለም ጽቡቕ ነገራት ዝነዓቑ፣ነፍሶም መታን ክትሃጥር ወትሩ ምእንትኡ ኢሎም ነቶም ንስጋ ዘህጥሩ
መግብታት ዝተኸልከሉ ስለዝኾኑ፣ንሱ ድማ ኣገናዕ ንኽብል፣ካልእ ህልነኦም ዘይሓለኖ፣ኣእምሮኦም
ተመራሚሩ ዘይበጽሖ፣የዒንቶም ዘይረኣየቶ፣ብልሳኖም ከምዚ ኢያ ኢሎም ክገልጽዋ ዘይክእሉ፣እጽብትን
ድንቅን ዝኾነት ቤት ብኢዱ ዝሃነጻ ናይ ክርስትያን ቤተ መስባሕቲ ኣዳልዩ፣ነዚኣ ንምርካብ ወትሩ ሃረር
ኢሎም ዕብየቱ ክሳብ ክንድዚ ከምዘድልዮም ክፈልጥሉ ይደሊ።

ቅዱስ ነብይ ዳኒኤል፣<< እተን ሰለስተ ሰሙን ክሳዕ ዚውድኣ፣ጥዑም መባልዕ ኣይበላዕኩን፣ስጋን ወይንን
ኣብ ኣፈይ ኣየእቶኹን፣ዘይቲውን ኣይተለኼኹን፣ ዳኒ 10፣3 >> ኢሉ የዘንትወልና። ስለምንታይ ካብ
ጥዑም መባልዕ ተኸልኪልካ፣ኢልና እንተድኣ ተወኪስናዮ፣ኣብቲ ጽሑፍ፣እግዚኣብሔር ክገልጸሉ ዝተደለዮ
ራእይ ነይርዎ።ስለዚ ህዝበ ኣምላኽ፣ካብ ኣምላኾም ክወሃቦም ዝደለይዎ መንፈሳዊ መግቢ ክህሉ
እንከሉ፣ስጋዊ ስብሖም ክቕንሱ የድልዮም።መንፈሳዊ ህጥራን ንምርካብ፣ስጋዊ ዕብራን የድሊ።ዳኒኤል
ጥዑም መንፈሳዊ መግቢ ንምርካብ፣ጥዑም መግብን መስተን ናይ ስጋ ከይበልዕ፣ንሰለስተ ሰሙን ዝኣክል ክኸልከል ወሰነ።
2ይ ክፋል ይቕጽል።
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር።

lørdag 17. november 2018

ጸሎት!!

ጸሎት!!

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።

ጾሎተ ምስጋና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር፣


ኦ እግዚኣብሔር በተን ቅዱሳን ኣእዳውካ ገይርካ፣ንምስልኻ ከም እትመስል ገይርካ ዝፈጠርካያ ነፍሰይ፣ብገዛእ ስንፍናይን ንምኽሪ ሰይጣን ብምስመዐይን ካባኻ ከምትሽፍት ገይረያ ነይረ ኢየሞ፣ብምሕረትካ ነዛ ሓጥእ ነፍሰይ፣ናብ ምስጋናኻን ኣምልኾኻን ከምእትቐርብ ስለዝገበርካያ የመስግነካ ኣሎኹ። ጎይታየ፣ብክንድዚ ዝኣክል ክብደት ስንፍና ተዋሒጠ እንዳሃለኹ፣ጾሎተይ ከይነዓቕካ ጽን ኢልካ እትሰምዕ ኣምላኽ ምኻንካ ዕጹብ ድንቂ ኢኻሞ ምስጋና ንዓኻ ይኹን። ኦ እግዚአብሔር ኣብ ቅድሜኻ ቈይመ ክመጻደቐሉን ክማጎተሉን ዝኽእል ግብረ ጽድቂ ከምዘየብለይ ትፈልጥ ኢኻ።ነታ ገና መንፈሳውነት ዘይደልደለት ዕሸል ሰብነተይ፣በቲ ነቀይ ነቀይ ዝብል ኣካይዳኣ ንዮው-ነጆ ትንኖ እንዳሃለወት፣ኣብዚ ቆይመዮ ዘለኹ ናይ ምስጋናኻ ዙፋን ንምስጋናኻ፣ምስ ቅዱሳንካ ኮይነ ከመስግን ስለዝፈቐድካለይ ምስጋና ንዓኻ ይኹን።

ጣዕሳን ንስሓን ኣብ ቅድሚ ፈጣሪኻ፣

እምበኣር ኦ ጎይታይ፣ምእንቲ ሰብ ክትብል ስጋ ሰብ ለቢስካ፣ንዓጢኣት ረጊምካ፣ንጽድቅኻ መታን ኽንለብስ ናይ ድሕነት ዕድል ከፊትካልና ክንስኻ፣ዕሽነት ዓብሊሉኒ ዝወዓልክዎን ዝሓደርክዎን ትፈልጦ ኢኻ።እወ እቲ ዝወዓልክዎ ኣነውን ንኹሉ ደኣ ክዝክሮ ኣይኸኣል እምበር፣ካባኻ ከምዝፍለ ግን ገይሩኒ ኢዩ።ናብ ናይ ምስጋናኻ ስፍራ ወትሩ ክግስግሳ ዝግበአን ኣእጋረይ፣ኣገዲደ ናብቲ ንስኻ እትጽየፎ ስፍራ ከምዝኸዳ ገይረየን።ነቲ ብናይ ቅድስናኻ ነጸብራቕ ዝወቀበ ባህርይ ጽባቐኻ ኣብ ቤትካ ወትሩ እንዳረያኻ ክዓግባ ዝግበአን ኣዒይንተይ፣ብሓይሊ ወጢጠ ነቲ ንስኻ ዝረገምካዮን እትጽየፎን፣ ምኽረ ሰይጣን ዝከናወነሉን ነገራት ከምዝርእያ ገበርክወን። ኦ ጎይታይ፣ምስቶም ቅዱሳንን ንጹሐንን ኣመስገንትኻ ኮይነን ንኽብርኻ ክሽብሽባን ከጣቕዓን ዝግበአን ኣእዳወይ፣ኣነ ግን ንኽብሪ'ቲ ንስኻ እትጸየፎም ነገራት ከምዝትንክፋ፣ናብቶም ንስኻ ዘኽበርካዮም ንጹሓንካ ድማ፣ብድፍረትን ብንዕቀትን ከምዘወጣውጣን ገበርክወን።ስለኽብርኻ ክትዕልል፣ስለውዕለትካ ክትቓኒ፣ስለኣምላኽነትካ ክትምስክር፣ስለበደለይ ክትበኪ ዝግበኣ ልሳነይ፣ኣነ ግን ብገዛእ ኢደይን ፍቓደይን፣ንልሳነይ ደፊራ ድርቅና ለቢሳ፣ካብቲ ንስኻ እትቕመጠሉ  ዓሚቕ ውሽጣዊ መዝገብ ልቦናይ፡ ሕማቕን ኣቐያምን ቃላት ከምትተፍእ ገበርክዋ።በዚ ቃላት'ዚ ድማ ብዙሓት ነፍሳት ተጎድኡ፣ብዙሓት ሰንከሉ ብዙሓት'ውን ቀሓሩ።ብዓቢኡ ድማ ንዓኻ ብልሳነይ ከኽብረካ ዝግበኣ፣ ኣግሃኹኻ።እዚ ድማ ኣነ ባዕለይ፡ ሰይጣን ንክካረየንን ብልሳነይ ገይሩ ግብሩ ክፍጽምን ፍታወይ ስለዝነበረ ኢዩ።ደጋዊ ትርኢተይ ብኣኻን ብቅዱሳንካን ካብ ርሑቕ ዝፍቶን ዝበሃግን ኮይነ ናብ ሕቕፉኻ ዝጠበቐ ሰብ ክኾውን ዝግበኣኒ ክንሰይ፣ኣነ ግን እቲ ንብረቱ በቲኑ ኣብ እንዳሓሰማታት ዝጓሲ፣ እረ ዕንጋለ-ከርሲ ደልዩ ግን ክሳብ መግቢ ሓሰማታት ዝተሓረሞ ሰብ ዝኾንኩ፣ እነሆ ብድኻማቱ ዝሓነኸ ሰብ ኮይነ ተሪፈ ኣሎኹ።

ልመናን ተማሕጽኖን ንፈጣሪ፣

 ኦ ገይታይ፣ኣነ ብዛዕባኻ ሓንቲ ነገር ይፈልጥ። መሓሪ ምኻንካን፣ንሓጢኣን ከምዘይትንዕቅን።ንዝጠፍኡ ከምእትረክብን፣ብሓጢኣት ንዝመሽመሹን ኣብ ናይ ሓጣውእ መቓብር ንዝተቐብሩን ብስሞም ጸዊዕካ ከምእትሓቑፍን።ንምሉእ ዘመኖም ብሽፍትና ንዘሕለፍዎ፣ ብምሕረትካ ሓጺብካ፡ምስቶም ቀዳሞት ወረስቲ ክብርኻ ክኾኑ ከምእትገብርን፣ኣማኢት ሰባት ብሕሜታን ጽልእን ሓሪዶም ንዝበልዑ ድማ ፣ንስኻ ግን ንበደሎም ንምሕዳግ ከምዘይጽግመካ ይፈልጥ ኢየ። እምበኣር ኦ ጎይታይ ኣነ'ውን ምሕረትካ ንምቕባል ዝበቅዕ ሰብ እኳ እንተዘይኮንኩ፣ብዘይካኻ ዝጽውዖ ኣምላኽ ግን የብለይን።ብዘይካኻ ካልእ ኣማራጺ የብለይን።ንመን 'የኸ ደንግጸለይ ክብሎ፧ብዘይካኻኸ መን ኢዩ ክረድኣኒ፧ ጦንቆልቲ፣ከሓድቲ፣ሓጢኣን እንተተጸጋዕክዎም ካባኻ ክፈልዩኒ እምበር፣ከምቲ ናትካ ዕረፍቲ ክህቡኒ ኣይተኻእሎምን።ዓለምን ፍትወታን መመሊሳ ከተርክሰኒ እምበር፣ከተንጽሓኒ ኣይተኻእላን።ከመይ ኣቢላኸ ንርእሳ ከተንጽሕ ዘይተኻእላ ዓለም ንዓይ ከትንጽሓኒ፧ ኦ ጎይታይ፣ንዝጠፍአት ነፍሰይ፣ምስተን ኣባጊዕካ ኣብቲ ናትካ ሞጓሰ ከምእትጽንበር ግበራ።ምስጋናኻ ተሓሪምዋ ዝነበረት ልሳነይ፣ጎሮሮኣ ክሳብ ዝስንጠቕ ስለ ክብርኻ ከምእትዝምር ግበራ።ኦ ጎይታይ ብሰንኪ ደገ ከናፍረይ ብዙሓት ከይጉዱኡ፣ንስኻ'ውን ከይትጉሂ፣ኣነ ድማ ሰንኪ ዘይልኡም ቃላተይ ኣብ ቅድሜኻ ኣብ  ቅድሚ መንበረ ፍርድኻ ከይሓፍርሲ፣ንብህሎታተይ ቀፊር ግበረሉ።ብድፈረትን ድርቅናን ካባኻ ርሒቓ ዝነበረት ልበይ፣ብኣምልኾኻ ከምእትምበርክኽ ግበራ።ንስሓ ንዘይምእታው ርዒማ፣ሕጋጋታትካ ንምፍጻሙ ከቢድዋ ዝነበረት ሰብነትይ፣ብትእዛዛትካ ባህ ከምዝብላ ግበራ። እዚ ድማ ንስኻ ምስእትምሕረኒ፣ብናይ ድንጋጸ ዓይንኻ ምስእትርእየኒ ኢዩ።ኦ ጎይታይ ደንግጸለይ፣በደለይ ሕደገለይ።

ብቅዱሳነ እግዚኣብሔር ምምሕጻን፣

ንዓኻ ዘኽበሩ፣ንስኻውን ዘኽበርካዮም፣ከምዝኸማይ ስጋ ለበስ ነይሮም ክንሶም፣ብውድቀቶም ከይቀሓርካ ጣዕሳኦምን ተጋድሎኦምን ጥራይ ተመልኪትካ ናብቲ ንስኻ ዘዳለኻሎም ናይ ክብሪ ስፍራ ከምዝኣትዉ ዝገበርካዮም ብዙሓት ኢዮም።እወ፣ኣብዛ ምድሪ ብብዙሕ ተጋድሎ ናይ ቅድስና ሓሊፎም፣ዘኽበርካዮም፣ምስኣቶም ኮይንካውን ቃል ኪዳን ዝኣተኻሎም ብዙሓት ኢዮም።እምበኣር ኦ ጎይታ፣ምእንቲ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣዴኻ፣ምእንቲ ቅዱሳን መላእክትኻ፣ምእንቲ ንጹሓን ነብያትካ፣ምእንቲ ሕሩያን ሃዋርያትካ፣ምእንቲ እሙናት ሰማእታትካ፣ምእንቲ'ቶም ትጉሃን ኣኽበርቲ ቃልካ ዝኾኑ ሊቃውንቲ፣ምእንቲ ኩሎም ጻድቃናት፣ ምእንቲ'ቶም ንዓለም ዝመነኑ ንዓኻ ድማ ወትሩ ዘኽብሩኻ መነኮሳትን ደናግላንን፣ምእንቲ'ቶም ኣርዑት መስቀልካ ተሓንጊጦም፣ወትሩ ኣብ ኣገልግሎትካ ተጸሚዶም ዘለዉ ትጉሃን ኣገልገልትኻ ክትብል፣ንሕሉፍ በደል ናይ ነፍሰይ ይቕረ ግበረላ፣ካብ ኩሉ ዝመጽእ ርኽሰት ድማ ከምእትርነብ ግበራ።ኣብዛ ዓለም ዘለና ደቅኻ ኩሉና ኣብ ኣምልኾኻ ከምእንጽመድ፣ብፈተና ዓለም ከይተሰናኸልና ከምእንብርትዕ ግበረና። '' ኣብ ጸሎትካ ዘክረኒ፣'' ዝበሉኒ ደቅኻ ኣሎዉ።ኣነ ግን ንነብሰይ እኳ ካብ ፍትወት ዓለም ከምእተምልጥ ክገብራ ኣይተኻእለንን። ባርያኻ ክንሰይ ባርያ ካልእ ክገብራ  ዝህደድ ዘለኹ ድኹም ሰብ ኢየ'ሞ፣ኣብዛ ቆይመያ ዘለኹ ናይ ምስጋናን ጸሎተይን መኣዲ  ኮይኖም ምሳይ ከምዝጽልዩ ዘለዉ ገይርካ ሕሰቦም።ንናይ ኩሉና ጸሎት ድማ ስምዓዮ።ካባይ'ሞ ንሳቶም ኣብዚሖም ይሕሹ ፣እምበኣር ጸሎት ናይቶም ኣብ ጸሎትካ ዘክረኒ ዝበሉኒ ተቐበል።ብዓቢኡ ኣብዛ ቆይመያ ዘለኹ መኣዲ ጸሎት፡እልፊ ኣእላፋተ ቅዱሳን ተጋቢኦም ካባኻ ምሕረት ተሰኪሞም ናባይ ናብ ሓጥእ፡ ጸሎቶይ ጾሎት ደካማ ተሰኪሞም ድማ ናባኻ ናብ ልዑል ንምብብጽጻሕ ዝህንጠዩ ትጉሃንን ፈጣናትን ኣሎዉኻ።እምበኣር ኦ እግዚኣብሔር፡ ጸሎቶይ ኣብ ቅድሜኻ ዝበቅዕ መስዋእቲ ኣይኮነን እሞ ጸሎት ናይቶም ቅዱሳንካ ሰሚዕካ ምሕረትካ ናብ ኩሉና ልኣኽ።ኦ ጎይታ ኣነስ ዋላ ኣብ ልመናይ'ውን ዝጋገ ሰብ ኢየ። ነቲ ዘድልየኒ ማሚኻ እትፈልጥ፣ ነቲ ዘየድልየኒ ድማ ኮለ ገና እትምርምር ኣምላኽ  ስለዝኾንካ፡ ነቲ ዘድልየና ካብቲ ሃብተ መግቦትካ ቆሪስካ ልኣኸልና፣ንዘየድልየናን ዝጎድኣናን ነገራት ድማ ዋላ እካ ንሕና ንዝጎድኣና ነገር ንክንቅበል እንተለመንናካ፣ንስኻ ግን ብምሕረትካ ካባና ከውሎ።ምሕረትካ ልዕሊ ኩሉ ነገር ኢዩሞ፡ንኹሉና ደቅኻ ይቕረ ግበረልና።

ስለኻልኦት ምጽላይ፣

ኦ ፈጣሪ ንድኹማት ብርተዐኻ፣ንሕዙናን ጽኑዕ መንፈስካ፣ንድኻታት ሃብትኻ፣ንርቡሻት ህድኣትካ፣ንብቱናት ሓድነትካ፣ንእሱራት ፍትሕኻ፣ንሓጢኣን ይቕሬታኻ፣ንደፋራት ትሕትናኻ፣ንደናቑር ጥበብካ፣ንቂምተኛታት ርህራሄኻ፣ንሓተትትን ከሓድያንን መናፍቓንን እጹብ መልስኻ ክትህብ ይጽሊ ኣሎኹ።እዚ ድማ ብጥሙያትና እንዳሃለና፣ንበልዕ ዘለና፡ብጽሙኣትና እንዳሃለና ድማ ንረዊ ዘለና ስለዝመሰለና ኢዩ። ኣብቲ ንስኻ ዘዳለኻልና ምኡዝ መኣዲ ቅድስና መታን ክንሳተፎ እሞ፣ንብልዕኻ በሊዕና ክንዕንገል፣ነቲ ጥዑም መስተኻ ሰቲና ከኣ ክንረዊ እሞ፣ናብ መንግስትኻ ንምእታው ዝኽልክለና መጋረጃ መታን ከይርከብ ኢዩ።ምድራዊ ኣቦ እኳ፣ዓሳ ለሚነዮ ተመን ከምዘይህበኒ፣ዳቦ ለሚነዮ እምኒ ከምዘይምጥወለይ ይፈልጥ ኢየ።ንስኻ ግዳ ጎይታይ ክንድምንታይ ወሃብን ሰማዕን  ዘይትኸውን።እዚ ባህርይዚ ኣባኻ ንዘልኣለም ጸኒዑ ከምዝነብር ይፈልጥ ኢየሞ፣ንጾሎተይ ኣይትንዓቕ። ንኹሉ ሰብ ኣብ ቅድሜኻ ዝተመርከኸን ንስኻ እትሕጎሰሉን ሰብ ኮይኑ ክርከብ እጽሊ ኣሎኹ።ኣብ ጎጆ ሕልናኦም እንዳሃለኻ ዝተኸወልካዮም መሲልካዮም ንዓኻ ዝናፍቑ፣ምስኣቶም እንዳሃለኻ ዝረሓቕካዮም መሲልዎም ዝርበሹ፣ሓቒፍካዮም እንዳሃለኻ፣ ዝተፈለኻዮም መሲልዎም ሕቕፉኻ ዝናፍቑ፣መግቦትካ እንዳመገቦም ፣ብረሃብ ዝተጠቕዑ መሲልዎም፣ዕንጋለ ንዝልምኑ፣ኦ ጎይታ ግልጸትካ ከምዝስኽሰተሎም ክትገብር ይከኣለካ ኢዩሞ፣'' ኣሎኹልኩም'' ኢልካ መልሰሎም።ኣበራትዓዮም።ካብቶም ብምሉእ ሓይሎም ዝዋግዎም ርኹሳን፣ ናትካ ንጣብ ረድኤት ትሕይል።ካብቲ ፈታዊኦም ተመሲሉ ንድሕሪት ከምዝጉተቱ ዝገብር ሓያል ጸረ ሰናያት፣ እታ ካብቲ ጥልቀት ባሕሪ ስሒባ ከተውጽእ ዝከኣላ እተድሕን ኢድካ ትብርትዕ።ካብቶም ንውድቀቶም ዝህንደዱ እልፊ፣ንስኻ ንረዲኤት ደቂ ሰባት እትልእኾም ኣእላፋት ፈጣናት ቅዱሳንካ ይበዝሑን ይሕይሉን'ሞ፣ ኦ ጎይታ ናይ ልበይ ድኻምን ጥርጣረን ከይተመልከትካ ብረዲኤትካ ኩላቶም ከምዝርድኡ ግበር።

በረኸት ረዲኤት ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣዴኻ፣ጾሎት ኩሎም ቅዱሳንካ ኣይፈለየና ኣሜን።
ጾሎተይን ምስጋናይን ጣዕሳይን ስለዝተቐበልካ፣ክብሪ ምስጋና ኣምልኾ ውዳሴ ንዓኻ ይኹን ሎምን ኩሉ ሳዕን ንዘለኣለም ዓለም ኣሜን።

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር።

ሕቱም መጽሓፍ፣

torsdag 8. november 2018

ደረቐኛ ልቢ፥-

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ።

ደረቐኛ ልቢ፥-

ደረቕ ዕንጸይቲ ወይ ቀልጢፉ ክስበር ኢዩ፡ወይ ድማ ቀልጢፉ ክሰብር ኢዩ።ደርቕ ቅጫ ንምሕያኹ ጛዶ ወይ ድማ ንምሕቓቑ።ደረቕ ቃልውን ከምኡ፡ወይ ኣብ ምስምዑ የእዛን የጽምም፡ወይ ድማ ኣብ ምስትምቓሩ ሕልና ይጎድእ።መብዛሕትኦም ድርቀት ዝዓብሎሎም ቃላት፡ንልቢ ሰማዕቲ ምቹኣት ኮይኖም ስለዘይንዝሑ፡ውዒሎም ሓዲሩሮም ለበ-ልምሉማት ከይሰበሩ ኣይሰሩን።ብዙሓት ልምሉማት ልቢ፡ብደረቐኛታት ቃላት ክስበሩ ርኢናን ሰሚዕናን ኢና።ብደረቐኛ ቃል ዝተሰብረ ልቢ፡ንምጽጋኑ ከቢድ ዋጋ ኢዩ ዝሓትት።መብዛሕትኦም ደረቐቓታት፡ ልቢ ዝጽግኑ ዘሎዉ መሲልዎም ኢዮም ደረቐኝነት ዘዘውትሩ።እቲ ዘገርም ግን እቲ ደረቕ ቃሎም፡ንዝተሰብረ ልቢ፡ኣይኮነን ክጽግንሲ፡ክዒቱ እካ፡ንልቢ ርህራሄ ከምእተፈልፍል ክገብራ ኣይክእልን።በንጻሩ፡ በቲ ደረቐኛ ቃሎም እዛ ልቢ ስለእትስበር፡ወይ ንፋሶም ጸሊይዋ ንሳዉን ደረቕ ቃል ከተፈልፍል ትጅምር፡ወይ ድማ ልቦናኣን ልምላሜኣን ተሓንኪኹ ጨሪሳ ምስቶም ዘየለዉ ትህሉ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡"ቃል ይቐትል፡ትርጉም ግን ህይወት ይህብ፣" ይብል።ልቢ ብትርጉም እንተዘይ ተሃኒጻ፡ክትጉብዝ ኣይትኽእልን ኢያ።ህጻን ስለምንታይ ሕቶታት የዘውትር ይመስለኩም? ልቡ ገና ነገራት ፍሒርካን ተመራሚርካን ንምፍላጥ ስለእትህጠ ኢዩ፣ " ከመይ፡ስለምንታይ፥ እንታይ፣ኣበይ!" ዝብሉ ትርጉም ሓዘል ዝኾኑ ነገራት ንምርካብ፡ነዞም ምርምራውያን ቃላት ካብ ልሳኑ ኣይፈልን ኢዩ።ፐርከስ ትርጉም ኢዩ ህይወት ዝህበካ፡እቲ ንጽል ብህሎ ጥራይ ንበይኑ ግን፡ኣርእስቲ ጥራይ ዝሓዘት መጽሓፍ ኢዩ ዝኾነካ።ንሓንቲ መጽሓፍ እሞ ንረኣያ፡ ምሉእ ትሑዝቶኣ ንምፍላጥ ኣርእስቲ የድሊ እካ እንተኾነ፡ብዘይዝርዝራዊ ጽሑፍ ግን  ኣርእስቲ ጥራይ ንበይኑ፡ ነቲ ጥበብን ርድኢትን ዝናፍቕ ኣእምሮ፡ ጭቡጥ መረድኢ ክሕዝ ኣጸጋሚ ኢዩ።ስለዚ እታ ደረቐኛ ልቢ ክትሓትት ኣብ ክንዲ ዝግበኣ፡ነቲ ዘይተመለሰላ ሕቶ፡ገና ተወንዝውፉ እንዳረኣየቶ፡ባዕላ መላሲት ኮይና ኣብ ድርቅናኣ ደሪቓ ትነብር።

ልምልምቲ ልቢ ክሳብ እትጉብዝ፡ሉምሉም ቃል እዩ ዘድልያ።ዓጺቓ ለምሊማ፡ደልዲላ ኣብ ፍረ ንእትበጽሕ ልቢ ግን፡እንደገና ማይ ዘይኮነ፡ኮስካስን፡ግሳጼን ኢዩ ዘድልያ።መታን ዓብያ ደልዳላ፡ፍረ ኣውጺ ደልዳላ ጉንዲ ናይ ጉባዜ ክህልዋ።መብዛሕትኦም ደረቐኛታት እንታይ ዓይነት ቃል የውጽኡ ኣሎዉ፡ደረቐኛ ቃሎም ንመን ናብ መን ይፍኖ ኣሎ ኣየስተብህሉሉን ኢዮም።ክምርምሩን ከስተብህሉን'ውን ግዜ ኣይወስዱን፡እታ ደረቐኛ ልቦም ዘዝሃበቶም ደረቕ ቃል፡ኣውጺኻ ምስንዳው ጥራይ ኢዩ ግብሮም።እምበኣር፡እታ ነቲ ደረቐኛ ቃሎም ዝተቐበለት ኣብቲ ማዕዶኦም ዘላ ልቢ፡እንተድኣ ኣብ ስብእናን ድልዳሌን ዝበጸሐት ኮይና ጸኒሓ፡ነቲ ዝተሰደደ ቃሎም ማምያን ኣገናዚባን ክተኾምስዕ እትኽእል ልቢ ስለዝኾነት፡እቲ ደረቐኛ ቃሎም ክጎድኣ ኣይክእልን'ዩ።እካ ድኣ ከም ጉስያ ዕፉን ኮይኑ ይኹስኩሳ እሞ፡30-60-100 መንፈሳዊ ሸዊት ዕፉን ከምትጫጭሕ ይገብራ።በንጻሩ እታ ተቐባሊት ልቢ ኣዝያ ዘይገርዘዐት፡ኣብ ፍላሜ ናይ ቡቕሎ ዘላ ገና ዘይዓበየት ልቢ እንተኾይና ግን፡ከምቲ ጉስያኣ እንከይኣኸለ እትሕረስ ግራትሞ፡ ሰንኩ ቀልጢፋ እትቅምስል ስለዝኾና፡እቲ ከም ማሕረሻ ተዋጋኢ ደረቐኛ ቃሎም፡ጠፊኣ ከምዘይነበረት ከምእትኸውን ይገብራ።እቲ ዘገርም ግን ንሱ ኣይኮነን፡፡ናብዘን ክልተ ዓይነት ልብታት ዝተወርወረ ደረቐኛ ቃል፡ነቲ ሰዳዲ ዘይጠቅም፡በንጻሩ እካደኣ ንዑኡ ዝጎድኦ ምኻኑ ኢዩ።

ከመይ ኢላ ሓንቲ ደረቐኛ ልቢ በቲ ደረቐኛ ቃላ ንባዕላ ትጉዳእ፧

ብደረቐኝነት ኣሰንዮም ዝፈነዉዎ ቃሎም፡ናብቲ እኹል ስብእናዊ ልቢ ዘለዎ ሰብ ይበጽሕሞ፡ እቲ ትሑትን መንፈሳዊ ብስለት ዘለዎን ሰብ ብድርቅነኦም ስለዘይስንብድ፡ብዘይምስንባዱ ንሳቶም ይስንብዱ።በዚ ድማ እቲ ተቐባሊ ቃሎም፡ድርቅነኦም ጉስያን ኮስካስን ኮይኑ ከም ተግሳጽ ገይሮም ይቕበልዎሞ፡እንደገናዊ ድልዳለ ከምዝውስኹ ይገብሮም።እቶም ደረቐኛታት ግን እቲ ደረቐኛ ቃላም ናባኣቶም ተመሊሱ፡ብጣዕሳን ብስጭትን ልቦም ተበታቲኹ ብመንፈሳዊ ስዕረት ረኽመሽመሽ ከምዝብሉ ይገብሮም።ባዕሎም ንባዕሎም ይጎድኡ።በቲ ካልእ መንጽርውን፡ናብቲ ገና ብድልዳለ ለበ-እግሩ ክረግጽ ዘይጀመረ፡ባጉም- ባጉም በሃሊ ህጻን፡ እወ ናብቲ መንፈሳዊ ስብኣና ዘይኣኸለ ሰብ ምስተወርወረ እቲ ደረቐኛ ቃሎም፡እቲ ዕሸል፡ብሰንኪ ደረቐኝነቶም ስለዝህሰ፡ንሳቶምውን ይህሰዩ ማለት በይኖም ክጎዩ ይጅምሩ። ንድርቅና በይኖም ይብሕትዎሞ፡" እዚ ተጋጊኻ፡ኣብዚ የዕርዮ፡ከምዚባ ግበር!" ኢሉ ዝእርሞምን ንጉዕዞኦም ዝከታተልን ዘየብሎም ኮይኖም ስለዝተርፉ በይኖም ይጎዩ።ካብ በይንኻ ምጉያይ ዝኸፍእ ምህሳይከ እንታይ ኣሎ፧ ለካ በይንኻ ምግያይውን ድሕሪት ምውጻእ ኢዩ።በይኑ ዝጎዪ ሰብ ዝቕድሞ ዘየብሉ መሲልዎ ኢዩ ዝጎዪ፡ግን ንንጥፈታቱ ዝከታተልን፡ቀስቂሱ ዘሳጉሞን ብዘይምህላዉ እናተሃሰየ ይነብር። እዚ ድማ ብኹሉንትናኻ እንዳተሳዓርካ ምንባር ኢዩ።

ስለዚ እቲ ደረቐኛ፡ሰንኪ ድርቅንኡ ደሪቑ ይነብር።ንላዕሊ ኣይውስኽ፡ንታሕቲ ኣይሓጽር።
እቲ ልምሉም ልቢ ዝወነነ ሰብ ግን፡ንዑኡ ዘደልዱሉ ምህሮታት ክፍትሽ ስለዝነብር፡ሓንቲ መዓልቲ ደልዲሉ ዝረግጸላ፡ኣብ መንፈሳዊ ሸዊት ዝበጽሓላ ናይ ፍረ ዘመን ከምዘላቶ ስለዘይጠራጠር ወትሩ መንፈሳውነቱ ከዐቢ'ዩ ዝነብር።ቃላት ክኸብድዎን ግድላት ክኾንዎን እንከለዉ ንዘመነ ህጻንነቱ ይዝክርሞ፡" ትማሊ ህጻን እንከለኹ እኮ ሕቶታተይ ብውንዝፉ ቀሲነ'የ ዝሓድር ነይረ፡ሕጂኸድኣ እንታይ ወሪዱኒ ኢየ፡ርግኣታዊ ልቢ ንኽህልወኒ ዘይጽዕር!" ኢሉ ምስ ልቡ እንዳተዛራረበ ይነብር።እግዚኣብሔር ድማ ምስትሑታት ልቢ እምበር ምስ ደረቐኛታት ዘይምኻኑ ይፈልጥ ኢዩ፡፡ እወ ምስ ርህሩሃት እምበር ምስ ጨካናት ኣይኮነን፡ምስ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም እምበር ምስቶም ደፋራት ንመዓርጋት ዝንዕቁ ኣይኮነን።እታ ትሕቲ ልቢ ትሑታት ቃላት ክትደሊ ትነብር፡እታ ደረቐኛ ልቢ ግን ንልምሉማት ቃላት ከተጽንት ትንበር።እግዚኣብሔር ድማ ስቕ ኢሉ ይዕዘብ።ነቲ ደረቐኛ ካብ ድርቅንኡ ክሳብ ዝምለስ፡ነቲ ትሑት ድማ ዓስቢ ትሕትንኡ ንምብርካት ኢሉ፡እንደገና ትሕትና ክሳብ ዝውስኽ ብትዕግስቲ ንኽልቲኦም ይጽበዮም።ሽዑ ነቲ" ኣንታ ብሩኽ  ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻሞ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ ኢየ" ኢሉ ይምጉሶ፡ነቲ ሓደ ድማ "ኪድ ካባይ ረሓቕ፡ቅድሚ ምርሓቑ ግን ነታ ዘላቶውን መንጥልዎ" ኢሉ ይነቕፎ።
እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከምቲ ለውሃቱ፡ ለውሃት ይዓድለና።
ወስብሀት ለእግዚኣብሔር!
ሕቱም-መጽሓፍ

tirsdag 16. oktober 2018

ሓባሪት ፊስካ

ሓባሪት ፊስካ


ተነፊሓ ብሕሹኽታ
ምኽንያታ ክትድርጉሖ
ንሰማዒኣ ከተስምዖ
ወዮ ሰሚዕዋ
ድምጻ እንከይወጸ
ቀዲምዋ
ንሳ ዝሓሰበቶ ንዓና
ንሱ ግን ከይተሰምዐት ሰሚዕዋ

ኣየ ፈጣሪ
ንምኽንያት ልቢ
ኣንባብቢ
ድምጺ ስለዘየውጽአት ነይግድሶ
ንሕና እንከይሰማዕናያ'ዛ ፊስካ
ሰሚዒዋ ኣሪምዋ
ጀሚሩ መልሲ
ከይትጠፍኦ'ዛ ነፍሲ
ንሕቶኣ ይምልሶ
 ይመላልሶ
"ግድፊ ፊስካ ልቢ
ዝዝረብ ተዛረቢ
ዝስማዕ ተናበቢ
ብሰብካ'ዚ ሰብ ከይትከዓቢ
 ዝሓፈርኪ
ኣነኸደኣ ናበይ ተሰዊረኪ
ኣይረኣየክን ድየ ኣብ ውሽጢ
ኣብ ልብኺ
ኣብ ሕልናኺ!"

እናለ የሕሾኽሽኻ
ብዓውታ ይጽውዓ
'ተተሰምዓ
ድምጻ ብሕሽኽትኡ
ናቱ ብዓውትኡ
 ሰሚዕናዮ
ምኽንያት'ዛ ፊስካ
እንከይበጽሐ ናብ ኣእዛንና
ተግሳጹ ሰሚዕናዮ
ንሕናውን ተገሲጽናዮ
ምዕድኡ ተመጊብናዮ

ኣየ ፈጣሪ
መን ይቕድሞ
ምኽንያታ'ዛ ልቢ ኣላሊይዋ
ቅድሙ ሓሲባ ክትጥብሮ
ግንከ ፈጣሪ፡-
ኩሉ ከምዘይስወሮ
ምኽንያታ ከምዝዕይሮ
ኣብ ዕምኮኡ ከምዘዕቕሮ
ከምዝመዝኖ
ትፈልጥ'ያ'ዛ ፊስካ
ኣየ ፊስካ ልቢ!!!

søndag 14. oktober 2018

ንብዓት ሕንጢት!

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ።
ሕንጢት ትነብዕ ኣላ!

''ሕንጢት'' ኢለ ክጽውዓ ሓሲበስ፡
ተረኣኽዋ ግን ፍርዝን ዝበለት ኮይና ጸኒሓ።
"እንታእዋና ደኣላ ጎቢዛ" እንዳበልኩ ብልበይ፣
'' እንታይ ደኣ ጠፊእኪ! እ....ሓፍትኺ ድያዚኣኸ" ካብ ሕቕፊ'ታ ዓባይ ሓፍታ ተቐቢለ ሰዓምክዋ ንሕንጢት።
" እወ! እ...እ...ማማ ...እንድያ'ሞ ናብ ቤተክልስትያን እ...እ...ዘይመጸት ኮይና።"
ኢላ እታ ንሽቶ ሕንጢት ሓፍታ ቀዲማ መለሰት።
"ኣ...ኣ... ኣባ ቀሺ...እ...እ...ጸሎትባ መሃሌና!"
በለትኒ ደጊማ።

በቲ ራህሪሄላ
ልበይ ተሰይሩ
ድራር ዓለም ከይኮና
'እንታይ'የን ክኾና!" ብምባል
ብመጻኢአን ተሻቒሉ
በቲ ድማ ተስፋ ገይረ
ንቃሉ ናፊቐን
ናብ ቤቱ ብምምጸአን
ብቆሪጸ ተስፋ
ንዝደቀሰ ልበይ ኣበራቢረ
ክሕግዘን ብሕልናይ ተላዒለ

"ኣብ ገዛ፡ ምስ ማማ ትጽልያዶ፧"
ኢለ ሓተትክዋ።
"እ...እ...ማማ ደኣ...እ...እ... እንታይ ትጽሊ ኮይና!"
"እንታይ ደኣ ከይጸለየት ትድቅስ፧"
"ኣ...ኣ...ኣይኮነን...እ...እ...ደልፊ እምበል ትሰምዕ!"
በለትኒ ሕጢት።
እታ ዓባይ ሓፍታ፡ ስቕ ኢላ ክትሰምዕ ጸኒሓ፡ሕጂ ግን "ይኣኽለኪ" ዝበለታ እንክትመስል ብዓይና ገነሐታሞ፡
"ካብ መጽሓፍ ቅዱስባ፡ታሪኽ መሃረና!" በለትኒ እታ ዓባይ።
ኩሉ ናይ'ታ ሕንጢት ዘረባ ከይግደሰሉሞ፡ከይንዕቐን ግን ኣዝያ እንዳፈረሐት'ያ።
"ኣጆኺ፡ኣጆኺ፡እዚ ደኣ ስርሐይ እንድዩ።ወሸለ ናብ ቤቱ መዓልታዊ መጺኽን፡ ጥራይ ድሊየት ይሃሉ እምበር ኣብ ዝኾነ ግዜ ኣነ ወትሩ ቅሩብ ኢየ።" ኢለ ንስክፍትኣ ከይርሕቐላ ፈተንኩ።" እ...ቅዱሳን ጽሑፋት፡ ኩላቶም ንሕይወትና መራሕቲ ስለዝኾኑ፡ ሰሰሚዕና ከነተግብሮም ኣሎና፡ሕራይ!"
በልክዋ።
ብርእሳ ነቕ-ነቕ እንዳበለት እወታኣ ነገረትኒ።እንተላይ'ቶም ኣብቲ ጉባኤ ዝነበሩ ህጻናት ሕጉስ ገጽ ኣርአዩኒ'ሞ፡
ሽዕኡኡ፡"ሕጻናት ናባይ ይምጽኡ ሕደጉ ኣይትኸልዎ፡"
ዝብል ጽሑፍ ክትርኸሎም ጀመርኩ።

"ሕደግዎም ይምጽኡ
እንታይከ ኣቢሶም ካብ ቤተይ ክወጽኡ
ስለምታይ ተፈራርሕዎም ንኽወጽኡ
ወረ ናበይ ክርሕቁ
ናበይ ክጠፍኡ
ደቅኹም ተማልኡ
እምበር በይንኹም ኣይትምጽኡ
መንግስተይ ንኸምዚኦም  ዝኣመሰሉ ኢያ'ሞ
ባሩኾተይ ክነስኡ
ሕደግዎም ይምጽኡ

እናበለ ዝመሃረ
ንጽህነኦም ዘበሰረ
ነቶም ዘይፈለጡ
ብንዕቐት ዝተበዓጡ
ንልቦም ሰቢኽዎ
ትዕቢቶም ነቒፍዎ
መንግስተ ሰማያት
ብህጻናት መሲልዎ
ልዕሊ ህጻናት ኢና'ናሉ
ህጻናት ዝኸልከሉ
ኣትሪሩ መኺሩ
ንህጻናት ክመስሉ

ኢለ ምስ ምስ ጀመርኩላ
ሕንቕንቕ ኢልዋ
ተደናጊራ ድያ ኣሕነቕኒቕዋ
እንድዒ!
ገጻ ግን ንብዓት ተኻዒይዋ
እንተስ ብጉድለት ወለዳ
ክትማጎቶም እንክትመስል
ናብ ቤቱ ስለዘየምጽእዋ፡
እንተስ ብጸወታ ዝኸሰረቶ ግዜ ኣጣዒስዋ
መመሊሱ ኣንቢዕዋ

ነቲ ሓጢኣት ዘይእንታዩ ዝነበረ ሰብነታ
ብንጽህንኡ፡ ዘይነበሮ መሰታ
ጎጎቲታ
ምስ ነንኣሽቱ ሓጣውእ ተለማምዶ ብምህላዋ
ትነብዕ ጠጠሚታ

በቲ ናብ ንቡር ክትምለስ ትደሊ
ንዓለም ዝነዓቐቶ
ኮይና ክትረአ ከምቲ ቀደም ዝነበረቶ
በቲ ድማ ሓይላ ይደኽማ
መጻኢኣ ይድብና
እቲ ቀረባ፡ ክንዮ ማዕዶ ይኾና
"መን ክመርሓኒ
መንከ ክሕግዘኒ
ስድራይ እካ ንጋዳ
ዘይንሳቶምሲ ኣብኡ እንደኣሎም ዘለዉ
ኣብታ ዓባይ ከተማ
ናይ ሓጢኣት ዕዳጋ
ይሸጡ ይሻየጡ
ንዓይ ደኣ በየን ክሓስቡኒ
ወረ ናብኡ ከይጎትኒ
ናብቲ ዕዳጋ ከየቕሩቡኒ"

ትብል እንክትመስል
ቶኪራ ትርኢ
ልባ ንቃሉ ጸሚኣ
ደጊኣ ብዓለም ሓሲኣ
ብኽልተ ምርጫ ትርኢ'ላ
ናይ መን ክትመርጽ
ብምስሊ መን ክትቅረጽ
ኣብ ክልተ ተመቒላ
ሕንጢት፡

"ናብ'ታ ነጸብራቓዊት ርስቲ
ክኾኑ ተኻፈልቲ
ናይ ሎሚ ጀመርቲ
ንጽባሕ መራሕቲ
ተካእቲ ኮይኖም
ኣብ ቤቱ ክስረቱ
ቅዱሳን ንኽወልዱ
ረቒሕዎም ብዓነዉኡ
ክንዮ ሕጂ
ክንዮ ትማል ገና ናብ ዓለም እንከይመጹኡ
እረ ካብ ማሕጸን እንከይወጽኡ
"ሐረኩከ እምከርሰ እምከ"

ዝበል ተስፍኡ ዘዘኪራ፡
ክትበጽሖ ትደሊ
ሓንሳብ ናብ ዓለም
ሓንሳብ ናብ  ወለዲ
ሓንሳብ ናብ ቤተክርስትያን
ሓንሳብ ንዓለማውያን
መንገዲ ቅድስና ዘርእይዋ
ተማዕዱ ገለ ተመርሕዋ
ግን መን ይምርሓያ'ዛ ህጻን፧
ትነብዕ ኣላ ሕንጢት!
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር።

søndag 7. oktober 2018

ስለምንታይ ንቅዱሳን ነመስግኖም፣ምስጋና ደኣ ንኣምላኽ ጥራይዶ ኣይኮነን ዝግባእ?

ንዝሓተቱ ሓጺር መልሲ፣Bilderesultat for answer to your question


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ።

ናብ ሕቶኻ ክኸይድ፣ ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱሳን ክምስገኑ ክትሰምዕ እንከለኻ ኣይትሰንብድ።ፐርከስ ክልተ ዓይነት ምስጋና ወይ መዝሙር ኢዩ ዘሎ፣፣እዚ ከኣ ንፈጣሪ ዝወሃብ ናይ ኣምልኾ ምስጋና ኣሎ፣ንፍጡር ማለት ንክቡርን ንኡድን ዝኾነ ፍጡር ዝወሃብ ድማ ናይ ኣኽብሮት ምስጋና ኣሎ።ፈጣሪ ንዑኡ ጥራይ ንበይኑ ናይ ባህርይ ኣምልኾን ምስጋናን ከምዝግበኦ ኩሉ ሰብ ክርደኦ ዝኽእል ነገርንኢዩ።ክቡራንን ብእምነቶም ንኡዳንን ዝኾኑ ቅዱሳን ድማ ምስጋና ከምዝግበኦም ጎይታ ባዕሉ ምሂሩና ኢዩ።ንኣብነት ሓንቲ ካብ ብሉይ ሓንቲ ድማ ካብ ሓዲሳን ጥቕስታት ክነግረካ።ኣብ ብሉይ ኪዳን፣ኢሳይያስ 3፣10 "ንጻድቕ ፍረ ግብሩ ክበልዕ ኢዩሞ ተዓዊትካ በልዎ።"ተባሂሉ ተጻሒፉ ንረኽብ። እዚ ምስና ኢዩ፣ቑጽሪ 11 ከኣ "ንረሲእሲ እኩይ ክረኽቦ ኢዩ፣ግብሪ ኢዱ ክፍደ ኢዩሞ፣ ወይልኡ።" ዝብል ተጻሒፍልና ኣሎ።ተመልከት፣እታ ቀዳመይቲ ቑጽሪ 10 ምስጋና ኢያ፣ "ተዓዊትካ በልዎ፣"እትብል ምስጋና።እካ ደኣ ነቲ ዘየመስግን ሰብ ከመስግን ከምዘለዎ እተዘኻኽር ጥቕሲ ኢያ።ንጻድቕ ዝወሃብ ናይ እክብሮት ምስጋና ኢዩ፣እታ ካልአይቲ እብ ቑጽሪ 11 ዘላ ድማ ወቐሳ ኢያ፣ንሓጥእ እትወሃብ መጠንቀቕታዊት ወቐሳ።" ወይልኡ!" እትብል ኢያ።ካልእ ኣብ ብሉይ ኪዳን ምስጋና ንክቡራን ወይ ቅዱሳን መዝሙር ከምዝተዘመረ ኣብ ብዙሕ ቦታ ተጻሒፉ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና።እዚ ምስጋናዚ ከምቲ ንፈጣሪና ክርስቶስ ዝወሃብ ናይ ኣምልኾ ምስጋና ኣይኮነን።ከምኡ ከምዘይምኻኑ ከኣ ባዕሉ ክርስቶስ ኣምላኽና ይፈልጥ ኢዩ።

ኣብ ሓዱሽ ኪዳን እንተመጺናውን፣ባዕሉ ጎይታ፣"ብጹኣን፣ብጹኣን፣" እንዳበለ፣ ኣብ ማቴዎስ 5 ነቶም ሰናይ ዝገብሩ ፍጡራቱ ከመስግኖም ከሎ ንርኢ ኢና።ክርስቶስ ኣምላኽና ነቶም ከምቲ ዝደለዮም ኮይኖም ዝጸንሑ ሰባት ብጹኣን እንዳበለ የመስግኖም።ሓደ ሰብ ብጹእ እንተኢሉካ መቸም፣ ይራገመካ ዘይኮነስ፣የመስግነካ ፣ምህላዉ ርዱእ ኢዩ።ስለዚ ክርስቶስ ንባዕሉ ነቶም ንጹሐን ፍጡራቱ ናይ ኣኽብሮት ምስጋና እንተሃቦም ኣይንግረምን ኢና።"ተጋግዩ ፈጣሪ እንከሎስ ከም ኣምላኽ ሓሲቡ ኣምሊኽዎም" ክንብልውን ኣይከኣለናን ኢዩ።ምኽንያቱ እዚ ናይ ኣኽብሮት ምስጋና ደኣምበር፣ናይ ኣምልኾ ማለት ከምቲ ንፈጣሪ ዝወሃብ ምስጋና ስለዘይኮነ።

ንባዕሉ ኣብ ዳግማይ ምጽኣት ኣብ ማቴዎስ 25፣34 ነቶም ሰናይ ምግባር ናይ ክርስትና ዝገበሩ፣ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ "ኣንቱም ብሩኻት ናይ ኣቦይ" ክብሎም ምኻኑ ቃል ኣትዩልና ኣሎ።ብሩኽ ዝብል ቃል ምስጋና ኢዩ።ግን ንጎይታ "ተጋጊኻ ንሕና ከመይ ገይርና ብኣኻ ክንምስገን ክንብሎ ኣይከኣልን።"ምኽንያቱ እንታይ ዓይነት ምስጋና የመስግን ከምዘሎ ዝጠፍኦ ጎይታ ኣይኮነን።

ብኻልእ መንጽርውን፣ ኣባና ኣብ ደቂ ሰባት ዕለታዊ ብምስትብሃል ይኹን ብልምዲ፣እንጥቀመሉ ቃለ ኣብነት ንውሰድ። ንሓደ ጽቡቕ ዝገበረልካ ሰብ፣የቐንየለይ ትብሎ ኢኻ። ብቃንቃ እንግሊዝ thank you.ዝብል ኮይኑ፣ እዚ ቃል ኣብ ዕለታዊ ናብራና ንጥቀመሉ ነገር ኢዩ።ግን ነቲ ሰብ ከም ኣምላኽ ቆጺርና ነመስግኖ ኣሎና ማለት ኣይኮነን።እንታይ ደኣ ናይ ኣኽብሮት ኢዩ።ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ሰናይ ዝገብሩ ከምቲ ሰናይ ግብሮም ኣመስጊንዎም፣ነቶም ክፉኣን ሓጥኣን ድማ "ኣንቱም ርጉማት ካባይ ርሓቑ፣ናብቲ ንሰይጣንን ንሰራኣዊቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኢዱ።"ክብሎም ምኻኑ፣ኣብ ቃሉ ማቴ 25፣41 ተጻሒፉ ንረኽቦ።እዚ ድማ ወቐሳን ነቔፌታን ኢዩ።በዚ መሰረት፣ንፈጣሪ ዝወሃብ ምስጋና ኣሎ፣ንፍጡር ዝወሃብ ምስጋናውን ኣሎ።ሚዛኑን መልእኽቱን ግን ይፈላለ።እቲ ንፈጣሪ ጥራይ ፈሊኻ ዝወሃብ ናይ ኣምልኾ ምስጋና ኢዩ፣እዚ ድማ ናይ ኣኽብሮት፣ናይ ጸጋ ምስጋና ኢዩ።ሕጂ ኣነ ንዓኻ በቲ ዝገበርካለይ የቐንየለይ፣Thank you. እንተኢለካስ ከም ኣምላኽ ሓሲበካ ማለት ድዩ፧ ኣይኮነን።እንታይ ደኣ ኣባኻ ዘለኒ ኣኽብሮት ይገልጽ ኣሎኹ እምበር።

በንጻሩ ድማ ቅዱሳን ትሕትና ዝተመልኡ ስለዝኾኑ፣ምስጋና ክመጾም እንከሎ፣"ኣነ ፍጡር'የ፣ንዓይ ኣይግባእን ኢዩ፣ኣነን ንስኻን ሓደ ኢና፣" ኢሎም ብትሕትና ክምልሱ ንርኢ ኢና። ማዕረ ክንደይ ዝበቕዑ ክንሶም ንሳቶም ግን ትሕትነኦም ንምግላጽ፣ገና ከምዘይበቅዑ ገይሮም ንነብሶ የእምንዎ።ብደጋዊ ገለጻ፣ዋላ ንሕና ከም ሕብረተ-ሰብውን እንተኾነ፣ኣብ ዕለታዊ ናብራና እንጥቀመሉ ገጸ ባህሪ ኢዩ።ሓደ ሰብ በቲ ጽብቕ ግብርታትካ ከመስግነካ እንከሎ፣"ኣይ ኣነ ደኣ እንታይ ገይረ" ኢኻ ትብሎ እምበር፣"እወ ይግበኣኒ ኢዩ" ኣይብሎን ኢኻ።እዚኸኣ ገባሪ ሰናዩ እንክንስኻ፣ትሕትናኻ ክትገልጽ ክትብል ከምዘይገበርካ ገይርካ ንነብስኻ ትቖጽራ ማለት ኢዩ።ካልእ ኣብነት፣ኣብ ባስ እንዳከድካ ከለኻ ካባኻ ዝዓቢ ሽማግለ ዶው ኢሉ ትርኢ ንበል፣፣ንስኻ ኮፍ ኢልካ ንሱ ግን ብደዉ ክኸይድ ስቕ ኢልካ ኣይትርእዮን ኢኻ።እንታይ ደኣ ተንሲእካ ኮፍ ተብሎሞ፣ንሱ ከኣ "ያእ፣ኣይግባእን" ኢሉ ትሕትና ይገበር፣፣ግን ትሕትና ስለዝገበረ ድማ ስቕ ኢልካ ኣይትርእዮን።ብፍላይ ኣብ ዓድና ዓቢ ከም ዕብየቱ ተኽብሮ ስለዝኾንካ ተንሲእካ ኢኻ ኮፍ ተብሎ ፣ንሱውን "ኣይግበኣንን ኢዩ!" ኢሉ ይምልስ። እዚ ንዑኡ መግለጺ ትሕትንኡ ኢዩ።ነቲ ዘኽብሮ ዘሎ ሰብ ድማ፣ከም ኣምላኽ ስለዝሓሰቦ ዘይኮነስ፣ኣኽብሮት ኢዩ ዝገልጸሉ ዘሎ።ስለዚ ክልቲኣቶም መርኣያ ትሕትንኦም ከምኡ ይገብሩ ማለት ኢዩ።

ሰላምታ ክንለዋወጥ እንከለናውን ካልእ ኣብነት ንርአ።ንሓደ ሰብ ሰላም ንምባል ድንን ኢልካ ሰላም ትብሎ ኢኻ።ሕጂ ከም ኣምላኽ ሓሲብካዮ፣ማለት ግን ኣይኮነን።ክርስቶስውንኮ፣ነቶም 12 ደቀ መዛሙርቱ ብዕለተ ሓሙስ ለይቲ ናብ ዓርቢ ስቕለት ዘውግሕ፣ተምበርኪኹ ኣእጋሮም ሓጺብዎም ኢዩ።ኣብ ወንጌለ ዮሐንስ 13 ኣሎና ነንብቦ።እሞ ስለዝተምበርከኸሎምሲ ተጋግዩ ማለት ድዩ፧ ብፍጹም። ተጋግዩ ዘይኮነንስ፣ትሕትና ኢዩ ዝምህር ነይሩ።ቀጺሉ ንስኻትኩምውን ከምዚ ኣነ ዝገበርክዎ ግበሩ ኢሉ ኣዚዝዎም።እዚ ኣርኣያ ንክኾኖም ዝገበሮ ኢዩ።ስለዚ ንሓደ ሰብ ስለዝደነንካሉ፣ወይ ትሕት ኢልካ ሰላም ስለዝበልካዮ፣ከም ኣምላኽ ሓሲብካዮ ማለት ኣይኮነን።

በጃኹም፣እቶም ዘይተረደኣና፣ከምዝተረደኣና ኣይንኹን።ሰብ ተዘይተረዲእዎኮ ነውሪ ኣይኮነን፣ መዓስ ኢዩ ነውሪ ዝኸውን እንተኢልና ግን ዘይተረደአቶ ክንሳ ከምዝተረደኦን ከምዝፈልጥን ኮይኑ ክመጽእ እንከሎ ኢዩ'ቲ ሽግር።ስለዚ ሰብ ክሳብ ዝኾንካ ኩሉ ትፈልጥ ዘይምኻንካ ተረዳኣ፣፣ምኽንያቱ ፍጡር ክንዲ ፈጣሪ ዝኣልክል ፍልጠን ኣይውንን ኢዩ።እምበኣር ካብ ፈላጣት  ኮይንና ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዓብላልነት ከነርኢ ንፍትን፣ተኺኢልና ንሕተት ተዘይኮነ ድማ ገና ዝምላእ ከምዘለና ንርእስና ነእምኖ። እዚ እንተዘይገይርና ግን ዋጋ ኣይክህልወናን ኢዩ።ተዓዛቢናውን ምንም ዓቕሚ ኣፍልጦ ከምዘየብልና ንኽርዶ ዝጽግሞ ኣይኮንውን።ትፈልጡ ዶ ኣብ ዕድሚኡ ከይተማሃረ ዝነብር ሰብ ከምዘሎ፧እዚ ሰብዚ እቲ ዘይተረደአቶ ክንሳ ከምዝፈልጣ ኮይኑ ዝቐርብ ሰብ ኢዩ፣እቲ ጽን ኢሉ ዝሰምዕ ሰብ ግን ብውሕዱ እካ ነታ ዝነበረቶ ደረጃ እምዳወሰኸላ ኢዩ።

ካልኣይ ነገር፣ ሰብ ናብቲ ንስኻ እትኣምኖ ተወጢጡ ስለዘይመጸ ኣይትጽለኣዮ፣እንታይ ኣሕሊፍካሉ ኢኻሞ ክትጸልኦ።በዓቢኡ ፈጣሪኡ ክሳብ ዝምለስ ናይ ንስሓ ዕድል እንዳሃበ፣ኣብዛ ዓለም ናይ ምንባር ዕድል ሂብዎ ክንሱስ፣ንስኻ ደኣ መን ኮይንካ ኢኻ፣ እትጸልኦን እተናሽዎን። ንስኻስ እንካዕ ድኣ ኣምላኽ ኣይትኸውን! ዕላማ ክርስትናኮ እትፍቅሮም ሰባት ከተጥሪ እምበር፣እትጸልእዕም ሰባት ንኽህልውኻ ኣይኮነን።ስለዚ ናይ ማንም ሰብ ጥፍኣት ኣይትምነ።ተኸኣልካ ንሰብ ሓግዞ'ተዘይከኣልካ ድማ ኣይትግደኣዮ።
ስለቃሉ እግዚኣብሔር ይኽበር ይመስገን።
ወስብሀት ለእግዚኣብሔር።

onsdag 3. oktober 2018

“ምስምማዕ ዝኣበዩ ማንታ!”




በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን!


“ከመይ ትመስል ኢኻ ክትምርዖ ትደሊ፧” በለ እቲ ፍርዝን ዝበለ ርእሲ ዝውንን፣ድሙቕ ጸሊም ጸግሪ ርእሱ፣ከደራይ ሕብረ ቆርቦቱ ማንታ።ማንታ ኮይኖም ብሓደ  ምስቲ ጻዕዳ ማንትኡ ኣብ ሓንቲ ማሕጸን ክነብሩ ካብ ዝጅምሩ ነዊሕ ኮይኑ`ዩ።ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ክርክራቶም ከይተሰማምዑ ኢዮም ዝበታተኑ።ካብ ተሓጓጒሶምሲ፡ ብቅሬታ ተተፋኒኖም ክፈላለዩ ኢዩ ዝቐለሎም።ድሮ ናይ ማህጸን ናብራ ወዲኦም ክጣየሱ ግዲ ኮይኖም፣ናይ ሎሚ ክርክሮም ዝውዳእ ኣይመስልን።መብዛሕትኡ`ቲ ናይ ሕሉፍ ክርክራቶም ብኣሽሙር ዝተሰነየ ኢዩ ነይሩ።ሎሚ ግን ግልጺ ብግልጺ፣ጥቕሲ ብጥቕሲ፣ድብንብን ሕብእብእ ዘየብሉ ኣርእስቲ'ዮም ኣልዒሎም ዝመስሉ።እቲ ከደራይ ማንታ፣``ኣነ ብስነ-ስርዓት ዝተመላኸዐት፣ደጋዊ ሕብራ ብዘየገድስ፣ውሽጣውነታ ግን ብመንፈስ ፈጣሪ ዝተኸለለት ጓል'የ ክምርዖ ዘለኒ፣`` ዝብል መርገጺ ዝሓዘ ኢዩ ዝመስል። ገና ኣብ ማሕጸን እንከለዉስ፡ ብዛዕባ መርዓ ይዝትዩ! መብዛሕቱ ላዛ ቃላት ናይቲ ከደራይ ብትሕትና ካብ ዝወቀበት ልቡ ኢዮም ዝፍልፍሉ።

``ብመንፈስ ፈጣሪ ዝተመላኸዐት ጓል ንምርካብኮ፣መጀመርያ ንስኻ ብመንፈሱ ዝወቀብካ ኢንታ ዘየብልካ ሰብ ክትከውን`ዩ ዘድሊ።እዚ ንምኻን ከኣ ፈጺምካ ዘይከኣልን ክሕሰብ ዘየብሉን ነገር ኢዩ።እምበርከስ፡ ካብዛ ሰላም ዝሰፈና ማህጸን ወጺኻስ፣ከመይ ኢልካ`ዩ  ኣብዛ ሰላም ኣልቦ ዝኾነት ዓለም፣እሞ ድማ ንሓድሕድካ ንኽትናኸስ እምበር፣ሕድሕዳዊ ሰላም ንክህልወካ ፈጺማ ዘይትደሊ ዓለም፡ መንፈስ ፈጣሪ ዝመልኣካ ሰብ ክትከውን ዝከኣል፧`` በለ እቲ ኣዝዩ ጻዕዳ ሕብረ ቆርቦት ዝውንን ማንታ። ርእሱ ኣዝያ ንእሽቶ ኢያ።ጸግሪ ርእሱ  ብጫ ዝመስል ፍልይ ዝበለ ሕብሪ ኢዩ ዘለዎ። ላዛ ኣዘራርብኡ ብኣሽሙር ተዘይኮይኑ ግልጺ ኮይንካ ምዝርራብ ኣይብረሆን ኢዩ።ኣብ ገጹ ፍሽኽታ ኣይረአን፡ ወትሩ ዕትብ ኢሉ ክረአ ኢዩ ዝደሊ፣እንተተፈሺኹ ድማ ካብ ውሽጡ ዝተጨንጎዐ ፍሽኽታ ዘይምኻኑ ብማዕዶ ዝልለ ኮይኑ፣ካብ ክሳድ ንላዕሊ "ኪርኪር" ኢሉ ኢዩ ዝፍሸኽን ዝስሕቕን።ንበሊሕን ትኩርን ተዓዛቢ ግን ተዋስኦ የርእዮ ምህላዉ ንኽርዳእ ኣየጸግምን'ዩ።

`` ናበይ ናበይ ኢኻ ተብሎ`ዚ ዘረባ፣እዛ ማህጸን፡ ሰላም ኣልባ ስለዝኾነት ዲና ክሳብ ሕጂ ንከራኸር ዘለና፣ዓለም'ውንኮ ሰላም ክህልዋን ዘይክህልዋን፣መንፈስ ኣምላኽ ክመልኣን ዘይክመልኣን፣ሕዝባ ሰላማውያን ክኾኑን ዘይክኾኑን፡ እቲ ጅማሬ ኣብቶም ሰባት እምበር ኣብታ ዓለም  ኣይመስለንን።ምኽንያቱ በዚ ናትና መንጽር ለኪዕና እንተወሲድናዮ፣ንሕና ብሰላም ናይ ምንባርን ዘይምባርን ፍጻሜን ዝውስኖ፡ እዛ ማህጸን ዘይኮነትሲ፣ንሕና ኣባናን ዘሎ ዘይምቅዳውን ኢዩ።ኣብ ነገራትና ፍልልይ ናይ ኣረኣእያ ክህልወና ባህርያዊ እኳ እንተኾነ፡ ክሳብ ክንድዚ ብኣሽሙር ክንናኸስ ዝገደደና ግን እዛ ማህጸን ኣይኮነትን። ንሕና ነንባዕልና ክንጣቛቈስ እምበር ክንጠቓቐም ስለዘይከኣልና'ዩ መስለኒ እቲ ጉዳይ።`` በለ ዝመረሮ እንክመስል  እቲ ከደራይ ዝሕብሩ ማንታ። ግልጹነት ምዃን ስለደለየ፡ ኣሽሙራውያን ቃላት ጨሪሱ መኒዎም ኢዩ።

`` ንበል እንዶ ንኣብነት፣`` በለ እቲ ጻዕዳ ምሽልጥ ዝበለ ሕብረ-ቆርበት ዘለዎ ማንታ። `` ኣነን ንስኻን ብዝሕና ክልተ'ዩ። እዛ ንንነብረላ ዘለና ማሕጸን ከኣ ኣዝያ ጸባብ፡ እረ ምስቲ ስፍሓት ናይታ ክንነብረላ ኢልና ተስፋ ንገብረላ ዘለና ዓለም እንተኣወዳዲርካዮስ ክንዲ ኢምንታ እትኾውን ኣዝያ ጸባብ ክንሳ፡ ጨሪስና መንፈስ ኣምላኽ ዝመልኦም ሰባት ኴንና ክንነብረላ ኣይተኸኣልናን። ከመይ ኢልና ኢኻ፡ ኣብዛ ኣዝያ ገፋሕን ብብዙሓት ሕብረ-ቀለማት ናይ ኣተሓሳስባ ደቂ ሰባት ዝተመላኸዐትን ዓለም፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝተመላእና ሰባት ክንከውን እትጽበ ዘለኻ፧`` በለ እቲ ብሕብሩ፡ ኣብቲ ማህጸን ኣዝዩ ዘንጸባርቕ ቆርበት ዘለዎ ማንታ። እንደገና ሓውሲ ኣሽሙር ገይሩ እንዳሸምጠጠ  ወሰኸ። `` እስከ፡ እዛ ጠኒሳትና ዘላ ኣደ ኣብነት ንግበራ፣ብምንታይ ጠኒሳትና ትኸውን ኢልካ ትሓስብ፧ ብሕጊ ኣምላኽ ዝተማእከለ፣መንፈስ ፈጣሪ ዝተሰማማዓሉ፣ማሕተም ናይ መንፈሱ ብዝወደቖ ስርዓትዶ፣ወይስ በንጻሩ፧ ኣነ በዛ ወገነይ፡ ኣብዛ ግናይ ዝኾነት ዓለም እንዳነበረት ክንሳ፣ብሓቀኛን ፍቓድ ፈጣሪ ብዝተማእከለን'ያ ጠኒሳትና ዝብል እምነት፡ 100% ኮይነ ክቕበሎ ይጽግመኒ`ዩ።ብውሕዱስ ካብቲ ብቃል ኪዳን ዝተመርዓወቶ በዓል ቤታ ወጻኢ፡ ትሰርቕ ኢያ ዝብል ስክፍታታት ኣለኒ።`` በለ ደጊሙ እቲ ጻዕዳ ዝሕብሩ ማንታ። ነቲ ሕቡእ ኣጀንድኡ ግልጹነት ከልብሶ ዝፈተነ'ዩ ዝመስል።

``መቸም ኣዴና ኣይትጽረፈልና፣ ከምእትብለኒ ይርደኣኒ ኢዩ።ግንስከ ከምዚ ዝበልክዎ ኮይኑሞ ንበል፣ከመይ ኢልካ ኢኻ  ``መንፈስ ፈጣሪ ዝዓሰላ ሰብ ክረክብ`የ'` ኢልካ እትሓስብ፣ንባዕልኻ እንክትጥነስ ብዘይሕጋዊ ዝተጠነስካ ኢኻ፧` በለ እቲ ጻዕዳ ሕብሪ ዘለዎ ማንታ፡ ሓውሲ ድፍረት ውስኽ ኣቢሉ። '' ይርደኣኒ ኢዩ፣ከመይ ብዘይሕጋዊ ከምዝተጸነስና ርግጸኛ ክትከውን ክኢልካ ኢልካ ከምእትሓተኒ።ግን ብዙሕ መርትዖታት ክህበካ ይኽእል'የ። ብሕጋዊ ዝተጸነስና ተንኾውን፣ሕብረ ቆርበትና ረኣዮ፣ጾግሪ ርእስና፣ግዝፊ ኣከላትና፣ኣተሓሳስባና እምነትና፣ኩሉሙሉ ጨሪስካ ዘይራኸብ ኢዩ።ከምዝርደኣኒ፣ንስኻ ምስዚ ዘለካ ኣዝዩ ጸሊም ሕብሪ፣ካብ ኣዝዮም ጸለምቲ ዓሌት ከምዝቦቖልካ፡ ግምት ጥራይ ክኸውን ኣይክእልን። ብዛዕባ ሕብሪ ኣተሓሳስባናን ግንዛቤናን'ውን ንመልከት። ንስኻ፡ ንነገራት ካብ ክትመራመረሎም፡ ብእምነት ድምዳሜ ንክትህበሎም ክሳብ ክንድዚ ፈጣን ምኻንካ ወትሩ ዝዕዘቦ ነገር'ዩ። እዚ ኸኣ ካብ ኣዝዩ ኣማኒ ሕብረተ-ሰብ ዝኾኑ ዓሌት ከምዝቦቐልካ፡ ጭቡጥ መርኣያ'ዩ።ኣነ ከምዚ ትርእየኒ፣ንነገራት ቀልጢፈ ብእምነት ድምዳሜ ንምሃብ ኣይህወኽን ኢየ።ከየረጋጽኩ፣ኣእምሮይ ተመራሚሩ ድምዳሜ ከይሃበኒ፣ንኽኣምን ኣዝየ ኢየ ዝሽገር።ስለዚ ቀልጢፈ ካብ ዝኣምን፡ ቀልጢፈ ክጠራጠር ይቐለለይ። ደጋዊ ሕብረ ቀለመይ፣ ከምዚ ትርእዮ ኣዝየ ጻዕዳ ኢየ። ለማሸ ጾጒረይ ረኣዮ። ኣነባብራይ'ውን እንተኾነ ከምዚ ናትካ፡ ብሸለልትነት ዝተኸበበ ዓይነት ኣይኮነን።ነፍሲ-ወከፍ ካብዛ ኣደ ዝነዝዕ መግቢ፣ኣየናይ ኢዩ መኣዛ ዘለዎ፡ ኣየናይ ዘየብሉ መምየ ክምገብ ተዘይክኢለ፣ንነፍሰይ ከም ሰነፍ ኢየ ዝቖጽራ።እምበኣር ኣነ ካብ ኣዝዮም ምዕቡላትን ምሁራትን ሕብረተ-ሰብ ከይኮንኩ ኣይተርፍን።በቲ ሓደ ወገን ሳዕቤን ናይ ኣዚኻ ምሁር ምኻን፣ ኣብ እምነት ዝዛሕተልካን ብጥርጣሬ ዝተኸበብካን ኢኻ ትኸውን መስለኒ። ጥንተ መበቆለይ'ውን ከምኡ ከይኮኑ ኣይተርፍን።ምኽንያቱስ ትርእየኒ ኣሎኻ፣ኣብዛ ማህጸን ንዘጋጥም ምዕባለታት ኩላቶም በዓይኒ ጥርጣሬ ክዕዘቦም ካብ ዝጅምር ነዊሕ ኢየ ኣቕጺረ፣፣ንነፍሲ ወከፍ ምዕባሌታት ናይዛ ማህጸን ድማ፣ብመለክዒ ጽበት ኣእምሮይ እናተመራመርኩ ድምዳሜ ንምሃብ ይቀላጠፍ።ንስኻ ግን መብዛሕትኡ ግዜኻ ብድቃስ ኢኻ ተሕልፎ። ንክትመራመር ኣዚኻ ዝደኸምካ ሰብ ኢኻ። ሰንኪ ኣማኒ ምኻንካ ኢዩ መስለኒ፡ ነዚ ኩሉ ነገራት እምብዛ ንኸይትመራመር ጋሪዱካ ዘሎ።'' ኢሉ ሸምጠጣን ዓብላልነትን ዶርጎሓሉ እቲ ጻዕዳ ምሽልጥ ዝበለ ሕብረ ቆርበት ዘለዎ ማንታ ሓዉ።

``ድላይካ ክትኣምን፣ንድላይካ ክትስዕብ ዝኽልክለካ የለን።የግዳስ ኣነ ፈጣሪ ከምዘሎ፣ብኢደ ፈጣሪ ከምዝተሰራሕኩን ምእማነይ እንታይ ኢዩ ነቐፋይ። ዋላ ድኣ ከምዚ ዝበልካዮ፡ "እዛ ጸይራትና ዘላ ኣደ ብዘይሕጊ ኣምላኽ ዝጠነሰት'ያ" ኢልና ድምዳሜ ንሃበሉ  እምበር፣ገባሪት ጽቡቕና ምኻናኸ ከመይ ክርሳዕ ተኻኢሉ፧ ክንዲ ዝመገበትና፡ ክነኽብራን ብጉድለታታ ተማሂርና ድማ ነቲ ንሳ ክተተግብሮም ዘይተኻእላ ጽቡቕ ነገራት ንምትግባር ክንተግህን ምተገበአ እምበር፣ንኹሉ ጽቡቕ ነገራታ ሰሪዝና፣ብዓይነ ነቐፋን ዘለፋን ክንርእያ እንታይ ኢዩ ጣቁኡ፧`` ኢሉ መረሩኡ  ገለጸ እቲ ከደራይ ማንታ።`` ድሓን ንስኻ ድላይካ ሕሰብ፣ኣነ ድማ ቅኑዕ ኢዩ ዝበልክዎ ድላየይ ክሓስብ ኢየ።ንዓይ ፈጣሪ ብክርደኦ ዘይክእል ኣዝዩ እጹብ ዝኾነ ኣሰራርሓ ኢዩ ሰሪሑኒ፣ንዓኻውን ከምኡ።ነዚ ብምግባሩ ድማ፡ ንፈጣሪ ኣነ ኣዝየ የድንቖን ፍቕራዊ ፍርሓተይ ይልግሰሉን።ብሕጂውን ክንዮኡ ኣዝዩ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ከምዝገብረለይ ብእምነት ይቕበሎ እምበር፡ ብጥርጣሬ ተኸቢበ ንፈጣሪየይ` እዚ ጎዲልካ፣እዚ መልእ፣ስለምንታይ ከምዚ ትገብር!` ኢለ ኣብ ልዕሊኡ ነቐፋ ኣይገብርን፡ ኣይደፍርን'ውን። ናተይ እጃም ነዚ ድንቂ ስርሓቱ ከድንቖን ከመስግኖን ኢዩ።ድማ ከምኡ ተገበርኩ ጉቡአይ ኢዩ ።ብድሕሪኡ፡ ካብዛ ማህጸን ምስ ወጻና፣ልክዕ ብኸምዚ ከማይ፡ ብኢድ ፈጣሪ ዝተሰረሐት ጓል ሔዋን፣ሕጊ ኣምላኽ እትፈልጥን እትርዳእን፣ንፈጣሪ እትፈርህን ኢየ ከእቱ ዝደሊ።ነዚ ብምሕሳበይ ከምዘይትቕበለኒ ኣዳዕዲዐ ይፈልጥ ኢየ።እረ ንፈጣርየይ ብምእማነይ ዕሽነት ኮይኑ ክስመዓካ ከምዝኽእል ይርደኣኒ ኢዩ።ንፈጣሪኻ ንኽትኣምኖ ኣነ ከገድደካ ኣይደልን`የ፡ መሰልካ ኢዩ ድላይካ ክትሓስብ።ናይ ክልቲኣትና ፍረ ሓሳብ ግን፡ ብናይ ፈጣሪ መንፊት ዝንፈየሉ ግዜ ክመጽእ ኢዩ።መንና ኢዩ ቅኑዕ መንና ኢዩ ግገኛ ድማ ፈጣሪ ፍርዱ ክህብ ኢዩ።'' ኢሉ ድምዳሜኡ ሃበ እቲ ከደራይ።

`` ድሮ ሕጂውን ሕሉፍ ሓሊፍካ፣ነዚ ዝበልናዮን እንሓስቦን ነገራት፣ መማዪ ሽማግለ ኣሎ ኢልካ ትኣምን ምህላውካ ዘገርም ኢዩ፧ መን ኢዩ እንታይ ከምዝሓሰብኩ ዝፈልጥ፣መን ኢዩ ዝፈርደኒ፣መን ኢዩ'ኸ ዝዳንየኒ፧ ሸምጋሊ ኣየድልየንን ኢዩ።ባዕላይ ንባዕለይ ኢየ ሸምጋሊ።`` በለ እቲ ኣዝዩ ብርጡጥ ጻዕዳ ምሽልጥ ዝበለ ሕቡሩ።``ብዝኾነ ናብቲ ኣርእስቲ መበገሲና ክወስደካ፣'' ኢሉውን ጀመረ እንደገና እቲ ጻዕዳ ማንታ። ``ኣነ ክምርዓዋ ዝደሊ ሰብ፣ ሕበረ ቀለማ ምችእቲ ዝጸነሐትኒ ኢየ ዝደሊ።ስቕ ኢለ ክማሚ ግዜየይ ኣይከባኽንን ኢየ።እዚውን ከምዚ ንስኻ እትሓስቦ፣ሰብ ዓዲምካ፣መስከርቲ ሰባት ኣምጺኻ፣መንፈሳዊ ሕጊ ኣልቢስካ፣ብድሕሪኡ ድማ ሓንቲ ምስ ሓደ፣ሓደ ምስ ሓንቲ፣ዝብል ማሕላ ኣፈጺምካ ዘይኮነስ፣ ኣሳሪ ማሕለኻ ዘየብሉ ከም ደስ ዝበለኒ ኢየ ክነብር ዝደሊ።ስለዚ ሎሚ ዝተመራዕኽዋ ምላልባሽ፣ጽባሕ  ካልእ ልዕሌኣ ጽባቐ ዘለዋ ክረክብ ስለዝኽእል፣ኣብ ሓንቲ ዕድል እንዳነበርኩ፡ ንዝመጹ ካልኦት ማዕጾ ዕድላተይ ክኸስር ኣይደልን`የ።`` ኢሉ ኣስተንፈሰ፡ ዓይነ ዓይኑ እንዳጠመቶ እቲ ጻዕዳ ማንታ። ዘረብኡ ድምዳሜ እንከይሃበሉ ግን ክልቲኣቶም፣ ድምጺ ኣውያትን ምውስዋስ ማህጸንን ሰመዑ። እታ ኣደ`ያ ጻዕረ ሕርሲ ተታሒዛ።ካብ ማህጸን ዝፋነዉሉ ግዜ ኣኺሉ።ቃንዛ ስለዝብርተዓ፣ ጅማውቲ ናይቲ ማህጸን ተንቀሳቐሰሞ፣ ካብ ማህጸን ዝፈላለዩላ እዋን ከምዝኣኸለት ዝፈለጡ እንክመስሉ'' ኣነ ቅድም ክወጽእ፣ኣነባ`` ብምባል ዳግማይ ክርክር ሓደ ኢሎም ጀመሩ።

እታ ኣደ ቅልውላው በርተዓ።መን ኢዩ ቅድም ጽሓይ ክርኢ፣መን'ዩኸ ቅድም ጡብ ክቐምስ፣መን`ዩ ስዒሩ ዝዕወት፣ካብ ማህጸን ወጺኡ ተራኺ ማህጸን ክኸውን፧መን ኢዩ ከዘንትዎ ነቲ ዝነበረ ክርክር፧ህዝብን መቕረብን ቤተሰብን ዕልልታኦም ንኽሰምዕ ቀዳማይ ዝውለድ መን`ዩ፧ እቲ ሓደ እግሩ ይሰድድሞ፣እቲ ሓደ ድማ ነዲሑ ይሓድጎ፣እቲውን ብቴስታ የናጉጾሞ፣ብርእሱ ቀልጢፉ ክወጽእ ይደሊ። ክከራኸሩ ክብሉ ግዜ ወሲዶም። ከይተሰማምዑ ግዜ እንተወሲዶም መቸም ዝመጽእ ሳዕቤን ንኹላቶም ዝለኻኽም ምኻኑ ፍሉጥ ኢዩ።ሃንደበት ብዘይተሓሰበ ቦታ ቀዳድ ተፈጥረሞ፣ጩራ ጸሓይ ብማእከል ናይቲ ከብዲ በሲዓ ኣብ ማእከሎም ብርሃና ብማዕረ ደጉሓትሎም።ኦፕረሸን፡ መጥባሕቲ'ዩ። ብፍታዎም ብስምምዕ፣በብሪጋ ፡ ብሕጋዊ ኣፍደገ ክወጹ ዝግበኦም፣ ከይሰማምዑ ስለዝተሰማምዑ እዚ ኾነ። ስለዚ በፍንጫ፡ ብኦፕረሸን ክወጹ ተገደዱ። ክትሰማማዕ ተዘይክኢልካ ለካ ኣሰማማዒ ኣሎ'ዩ፣ክትውለድ ተዘይደሊኻ ኣውላዲ ኣሎ።ኣደ'ውን ባዕላ ክትሓርስ ተዘይክኢላ ኣሕረስቲ ክህልዋኣ ግድነት ኢዩ።ተዘይኮነ ግን ኣሕራሲ ሰንኪ ዘይምህላውን፣ሰንኪ ክርክር ናይቶም መናቱን፣እታ ኣደ ሂወታ ትስእንሞ፣ብኡ መንጽር ድማ እቶም ክልተ ማንታ ጸሓዮም ከይረኣዩ ኣብ ውሽጢ ማህጸን ምተቐብሩ። ማህጻን መንበሪቶምን መቓብሮምን ምኾነት።

ነገራት ብስምምዕ ክፍትሑ ጽቡቕ ኢዩ፣ተዘይኮይኑ ግን ከይፈተኻ ከሰማምዑኻ ዝኽእሉ ኩነታት ክኽሰቱ ባህርያዊ'ዩ።እዞም ክልተ መናቱ ከይተሰማምዑ ትሸዓተ ኣዋርሕ ኣብዛ ማህጸን ተቐሚጦም። ኣብ ግዜ ልደቶም'ውን ንስምምዕ ሓንጊዶም።ከይፈተዉ ዝሰማምዕሉ ኣጋጣሚ ግን ተፈጢሩ። በቃ ብመጥባሕቲ ክወጹ! ኣብዛ ዓለም ምስ መጹኸከ ይሰማምዑዶ ይኾ፧ ዓቢ ምልክት ሕቶ'ዩ፡፡
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር፡
ሕቱም-መጽሓፍ

tirsdag 14. august 2018

ምዕራፋት ህይወት

በስመ ሥላሴ


ምዕራፋት ህይወት፣
 (ያዕቆብን ኤሳውን እንክጽነሱ ኣትሒዞም ክርክር ተጀሚሩ።)
 Relatert bilde
ሰላም

  •  ሓዳርካ ሰላም እንተሰፊንዎ ድኽነትካ ብበረኸት ይመልእሞ ስኡን ክንስኻ ሃብታም ትኾውን፣ሓዳርካ ሰላም ተዘይሃልይዎ ግን እቲ ዘለካ ሃብቲውን ከይተረፈ ምሳኻ እንዳሃለወ ተነጢቑ'ዩ ዝውሰድ።ስለዚ ቅድሚ ክትህብትም ምሕላንካ፣ኣብ ቤትካ ሰላም ክሰፍን ተቓለስ።ንሰላም ድለያ ሰዓባውን።

ወጊድ ንጭንቀት

  • ከበድድቲ ነገራት ክትንገር እንከለኻ ቀልጢፍካ ኣይትሰንብድ፣ምኽንያቱ እቲ ነጋሪ በቶም ፈኮስቲ ኢሉ ዝገመቶም ነገራት ይጅምረልካ ስለዝህሉ።ነገራት በብምዓርፎም ይበላለጹ ኢዮም። ኸምቲ ንጽቡቕ ዝበልጾ ጽቡቕ ዘሎ፣ንሕማቕ ዝበልጽ ሕማቕ ከኣ ኣሎ።ስለዚ ንእትሰምዖም ብድሆታት ቀልጢፍካ ኣካቢድካ ኣይትረኣዮም፣ እምበርከስ ካብኡ ዝኸብድ ተቐሪብልካ ክህሉው ይኽእል'ዩ።ንስኻ ኣብዛ ብኣወንታውን ኣሉታውን ነገራት ተኸቢባ ዘላ ዓለም ትነብር ክሳብ ዘለኻ ንነገራት ቀልጢፍካ ናይ ምቕባል ተለማመድ።

ጅማሬ ፍቕሪ

  • ተፋቒሮም ነይሮም ዝባተኹ ኣሎዉ፣እንከይተፋቐሩ ሓቢሮም ዝነብሩ ድማ ኣሎዉ።ሓወይ ኣፍቃሪ ክትከውን'ኳ እንተዘይከኣልካ፣ ውሕዱ ግን ነቶም እተፍቅሮም ሰባት ንኸይትጸልኦም ካብ ሕጂ ወስን።ምኽንያቱ ንስኻውን ካብቶም ሓንቲ ግዜ ኣብ ጎጆ ፍቕሪ ናይ ፈጣሪ ምስ ኣተዉ ክሳብ ሕጂ ዘይተጸልኡ ፍጡራን ሓደ ኢኻ።ፈጣሪኻ የፍቅረካ ክሳብ ዝሃለወ፣ንስኻውን ፍቕሪ ተላማመድ።

ሓጎስን ተስፋ ምቕራጽን ድምዳሜ ህይወት ኣይኮኑን።

  •  ኣብ ዓድና፣ (ኤርትራ) ደበስ ዝበሃል ጉዳይ ኣሎ፣ነቲ ዝሓዘነ ሰብ ናይ ጽንዓት ይሃብካ ደበስ ማለት'ዩ። ሓወይ ተወሲዱካ ዝነበረ ሓጎስ ውን ይድበስ ኢዩ።ስለዚ ከሲርካዮም ዝነበርካ ሓጎሳት ከምዘይምለሱ ርግጸኛ ኮይንካ ተስፋ ቆሪጽካሉ ዘለኻ ምኽንያት ደኣ እንታይ ኢዩ።
ልሳንን ጫማን ተቓረንቲ ገጻት ኢዮም፣ልሳን ተታልል ጫማ ይፍድሕ።Bilderesultat for shoes and tongue

  • ጫማ ዕለታዊ ስርሑ ኣብ ሓመድ ምርጋጽ ብምዃኒ፡ ረሳሕን ሸታትን ኢዩ።መብዛሕትኡ ሰብ ድማ ሽታ ናይ ጫማ ይጸልእ ኢዩ።እቲ ዝገርም ግን ጫማ ኣበይ ውዒልካ ናበይን ኣበይን ኬድካ ተሪኹ ክንበብ ዝኽእል ዓቢ መጽሓፍ ምኻኑ ኢዩ።ስለዚ ንስኻ እኳ ኣብቲ ኣይወዓልኩን፣ናብቲ ኣይከድኩን ኢልካ ትደራደር እንተሃለኻ፣ኣብ ገጻት ናይ ጫማኻ ግን ብዛዕባ መንነትካ ክንበቡ ዝኽእሉ ስውራት ቃላት ከምዘለዉ ዘክር።

ንብዓት ናይ ልቢ ቃላት ኢዩ።Relatert bilde

  • ንብዓት ነቶም ብቓላት ናይ ልሳንካ ንምግላጾም ዝጸገሙኻ ዝተደበቑ ናይ ልቢ ቃላት፡ ጮንጊዑ ብመሳኹቲ ናይ የዒንቲ ኣቢሉ ክድርግሕ ዝኽእል፡ ካብ ልቢ ዝትኮስ ሓይሊ እካኳ እንተኾነ፣ንነገራት ከቃልል ይኽእል ኢዩ ማለት ግን ኣይኮነን።እትነብዖ ዘለኻ ንብዓት ሓቀኝነት ተዘየብሉ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ክዛይድ ኢዩ።ሓቀኛ ንብዓት ንዝዓወራ የዒንቲ የብርህ ኢዩ፣ለበ-ስምዒታዊ ንብዓት ግን፣መበገሲኡ ኣንነት ስለዝኾነ ነተን ዘለዋኻ የዒንቲ ከዐውር ተዘይኮይኑ ዝምልኣልካ ነገር የለን።ስለዚ ኣብ ታሪኽ ሕይወትካ እጃም ዘየብሉ ንብዓት ካብ ትነብዕ፣ከይነባዕካ ክትነብር ይሕሸካ።እምበኣር ፍረ ዘየብሉ ንብዓት ክሳራ ስለዝኾነ፣ብዝተኻኣለካ መጠን ንነገራት ብልሳንካ ክትገልጾም ጽዓር፣ልሳን ንነገራት ናይ ምቅላል ዓቢ ጽዓት ኣሎዋ፣ነታ ዝሓዘነት ልብኻ ብሓቀኛ ንብዓትካ ገይርካ'ኳ ከተራሳርሳ ተዘይከኣልካ፣ልኡማት ቃላት ግን ንኸተፈልፍል ኣላማምዳ።

ስንፍና ተቓራኒ ዓወት ኢዩ።Bilderesultat for the boat of noah

  • ናይ ወዲ ሰብ ዓቢ ጸላኢኡ ስንፍና ኢዩ፣ዓቢ ደላዪ ጽብቕካ ድማ ትግሃትካ'ዩ። ብስንፍና ዝተሰነፍካ ሰብ እንተኾይንካ፣ኣብ ውሽጥኻ ዘይረአ ዓቢ ጸላኢ ቦቒሉ ኣሎ ማለት ኢዩ።ኣብተን ክትተግሃለን ዝጀመርካለን ዕለታት ግን ሓድሽ ሸውሃት ናይ ህይወት ከተጥሪ ትኽእል ኣሎኻ ማለት ኢዩ።

ሎቱ-ስብሐት!

lørdag 11. august 2018

ጣዕሳ'ቲ ጨካን።

Bilderesultat for s.t david was crying in the bible
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ።
ጣዕሳ'ቲ ጨካን፣-

እቲ ጨካን ሰብ ብንብዓት ዝጠዓሰሉ ግዜ ክበጽሕ እንከሎ ከምዚ ይብል፣
<<ለካ ደው ኢለ ኣሎኹ እንዳበልኩስ ተቐቢረ'የ ዘለኹ
ለካ ንብዙሓት ዘንብዓኽዎምሲ፣ሕጂ ክነብዕ ስለዘለኒ ኢዩ፣
ለካ ሽግር'ቶም ሽጉራት ከይሰምዕ ኣእዛነይ ኣጽሚመ ዝነበርኩስ፣
ሕጂ ኣብ ትሕቲ ሽግር ክንብርከኽ ስለዝነበረኒ ኢዩ፣
ብሕማሞም ከይቅንዞ፣ንፋሶም ከይጸልወኒ ብንዕቀታዊት ዓይኒ ይርእዮም ነይረ።
ለካ ኣነ ኢየ ዝነዓቕ ነይረ፣ለካ ተነዓቕነተይ ሕጂ ክገሃድ ስለዘለዎ ኢዩ ክሳብ ሕጂ ዝዕገሱኒ ነይሮም።
ሕጂሞ እንታይ ይዓብስ፣
ዘይሕፈስ ንብዓት፣ዘይድበስ ሓዘን፣ደንጋጺ ኣልቦ ሹቕረራ  መን ክቕበለለይ፧
ዘይድንገጾ ሰቆቃይ መን ኢዩ ዝርደኣለይ፣በደለይ ክሳብ ክንድዚ ዝኽብደቱ ምንባሩ ይርደኣኒ ኣይነበረን፣ሕጅ ግን ተረዲኡኒሞ መን'ዩ ዝዕረቐኒ።
በፍጹም ይቕሬታ ዝግበኣኒ ዘይምኻነይ ይፈልጥ ኢየ፣መን ደኣ ኢዩ ዝሰትረኒ፧እንድዒ!
ኣዳዕዲዐ ዝተረዳእክዋ ሓንቲ ነገር ጥራይ ኣላ፣ንሳ ከኣ ምንባር ከምዘይግበኣኒ።Relatert bilde
በቃ ክኸይድ፣ክቕበር፣ደጊም ዝሰትረኒ ኣካል የለን፣ኣንቲ መቓብረይ፣ምሉእ ስልጣን ናይ ሰታርነት ንዓኺ ሂበኪ ኣሎኹ። እኔኹ እዚ ኹሉ ጉድ ፈጺመ ከብቅዕ ክስተር ናባኺ እመጽእ ኣሎኹ።በቃ ስተርኒ!!
ኢሉ ክሕነቕ ይውስን፣፣ወሲኑ ነታ ብገዛእ ጉልበቱ ናብዛዓለም ዘየምጽኣ ሰብነቱ፣ሕጂ ግን ብገዛእ ኢዱ ከጥፍኣ ነግ ፈረግ ይብል።ገመድ ይሰቅል፣መሾንቆቓ።ዝሓኽረሉ መበረኺ እትኾኖ ኩርሲ ይቕርብ በታ መሾንቆቓ ክሽንቆቕሞ፣ነታ ኩርሲ ክድንክላ፣፣ኣብ ከባቢኡ ሰብ ከይህልዉ፣ካብ ሙማት ዝጻብኡ ኣካል ከይመጹእ ከባቢኡ ይቆጻጸር።ይድይብ።ናብቲ ኩርሲ ሓኺሩ፣ብየእዳዉ ነታ ገመድ ይድህስሳ።ናብታ መሾንቆቓ ቆው ኢሉ ይጥምት።ልቡ ብሓሳብ ይውጠጥ።ትዝታ ልቡ ንድሕሪትናብታ ዝተወልደላ ዕለት ተወንጭፋ ትዕዘር። ነታ ዝወጻላ ማህጸን ይዝክርሞ፣እተን ነታ ገመድ ናይ መደሓንቲ በቲኸን ካብ ማህጸን ኣዲኡ ፈልየን ዘሕረሳ መሕረስቲ ይዝክረን።ልቡ ብፈረግረግታ ትወሓጥ። ኣብ ልቡ ዘይስማዕ ሕሹኽታዊ ድምጺ ግን ከኣ ንመላእ ሰብነቱ ዝቆጻጸር መቓልሓዊ ናይ ዓውታ ድምጺ ይሰምዕ።ልቡን ሕልንኡን ሓቢረን ይቃየቖኦ።ተዋጢሩ፣ልቡ ወጢራቶ፣ኣሰኒፋቶ።ምስ ሕልንኡ ተሻሪኸን ናብ ዘይወጾ ባሕሪ ሓሳብ ሸሚመንኦ።ልቡ ካብ ሕልና ብዝወሰደቶ ጦብላሕታዊ ድምጺ ከተረስርሶ ትጅምር።

Bilderesultat for s.t david was crying in the bible

- ንሽግራትካ ዝርዳእ፣ዕዳ ሓጢኣትካ ዝስከም፣በደላትካ ሓጺቡ ዘጽሪ፣ንኹሉንትና ድኻማትካ ብምሕረት ዓይኑ ዝርኢ፣ክንዮ መቓብር ሓሊፉ ዝሰትረካ ፈጣሪ። ናብ እግዚኣብሔር ክቕርብ ከምዝግበኦ፣ፈጣሪኡ ዳግማይ ሓድሽ ናይ ሕይወት ዕድል፣ናይ ዓወት መድረኽ ክኸፍተሉ ምኻኑ፣ሓድሽ ታሪኽ ክጅምር፣  -እገለ ጨካን ፣ዝበሃለሉ ዝነበረ ዛንታ ተቐይሩ፣ብርህሩነት ክትካእ፣ጸላእነቱ ብፈቃርነት ክድበስ፣ኩላቶም'ቶም ክርሕቕዎ ዘለዎም፣ኣብ ጎጆኡ ተሸጊጦም  ባህጊ ናይ ሕቕፉኡ ክህልዎም እንከሎ እንክርኢ፣ልቡ ትነግሮሞ፣ኩሉ ነገር ገዲፉ ድምጺ ፈጣሪኡ ክሰምዕ ይውስን።ሽዑኡ ሓድሽ ሓሳብ ብሓድሽ ውሳነ ይፍልም።ብመጀመርያ ካብታ ኩርሲ ከይወረደ እንከሎ፣ ነታ ገመድ በቲኹ የውርዳ፣ ብሓዊ ከኣ የቃጽላ፣ከምዚ እንዳበለ ድማ ብሕልንኡ ምስ ፈጣሪኡ ክዛረብ ይጅምር።


  Bilderesultat for the cry of s.t david in the bible - ኦ ጎይታ እቲ ጠፊኡ ዝነበረ በጊዕ ኣነ ኢየ፣እቲ ሃብቱ በቲኑ፣ባርነት ናይ እንዳሓሰማ መሪርዎ ዝመጸ ዓሻ ጎበዝ፣ -ወዲኻ ክኸውን ኣይበቅዕን ኢየ፣ ዝበለካ ሓጢኣተኛ መንእሰይ ኣነ ኢየ፣እቲ ንዘመናት ብሽፍትነት ዝፍለጥ ዝነበረ ወራሲ ርስትኻ ክኸውን ዘይበቅዕ ዕሉል ሽፍታ ኣነ ኢየ።እቲ ናብ ዝዓበየ ክብሪ፣እረ ካብ ገፋፊ ዓሳ ናብ ገፋፊ ሰብ ናብ ምኻን ለዊጥካዮስ ክንዮዚውን፣መራሒ ቤትካ ክኾውን ዝሸምካኒ ክንሰይ፣ - ነዚ ሰብዚ ኣይፈልጦን ኢየ። ኢለ ቅድሚ ደርሆ ቅድሚ ነቆ ቅድሚ ወጋሕታ፣ሰለስተ ግዜ ዝኸሓድኩኻ ኣነ ኢየ። -ኦ ጎይታይ፣ ንጸሎት ይኹን ንምስጋና ዘይበቅዕ፣እካ ድኣ ንፍርድን ብቁጥዓ ክብየነለይ ዝግበኣንን ሰብ ምኻነይ ትፈልጥ ኢኻ።ምሕረት ግን ኣሎካ።ሃብታም ምሕረት።ምሕረትካ ነዞም ኣብዛ ምድሪ ዘለና፣ክሳብ እንምለሰካ፣ክሳብ ብሞት ካብዛ ዓለም እንፍለ፣የእዳውካ ዝርጉሓት ምኻነን ይፈልጥ ኢየ።እምበኣር ስለበደለይ ዘይኮነስ ስለምሕረትካ ክትብል ኣብ እትመጽእ መንግስትኻ ዘክረኒ።እንዳበለት ልቡ ክትነብዕ ትጅምር።ለካ ልቢ'ውን ትነብዕ ኢያ።ፈጣሪ ድማ፣ናይ ከናፍሩ ቅንባሬ ዘይኮነስ፣ናይ ልቡ ዓውታዊ ድምጺ ሰሚዑ  ብድንጋጸን ብምሒር ርህራሄን ይምልሰሉ፣፣

Relatert bilde -ብሓቂ ብሓቂ ይብለካ ኣሎኹ፣ወደይ ሞይትካ ነይርካ ተንሲእካ፣ንዓኻ ክደሊ ክሳብ ክንድዚ ካብ ሰማያት ወሪደ ምምጸአይ፣ ፍቕርኻ ከምዝሰሓበኒ ተረዲእካ ኢዩሞ፣ሕጂ ሕጂ ምሳይ ኣብ ገነት ክትህሉ ኢኻ።ኣባጊዐይ ክትሕሉ፣ዕያውተይ ከተብልዕ ኢኻ፣ እዚ ድማ ብጣዕሳኻ ዝጠዓሱ ብዙሓት ክህልዉ ስለዝኹኑ ኢዩ። እምበኣረከስ ወደይ፣ናይ ዘለኣለም ሕይወትነት ክትወርስ፣ሞት ድማ ኣይክትንክፈካን ኢዩ።እቲ መቓብር ብሞተይ ተደፊኑ ኢዩ።ገመድ ሲኦል ተበቲኹ ኢዩ። ከምታ ዘቃጸልካያ ገመድ ድማ፣ድያብሎስ ብመስቀለይ ኣቃጺለዮ ኢየ።ደጊም ንሱ ትሕቲ እግርኻ ንክንብርከኽ ኣሕሊፈ ካብ ዝህበካ ዘመናት ሓሊፉ ኢዩ።ዝብለካ ነገር ግን ኣሎኒ።ኪድ ርእስኻ ንካህን ኣመርምር፣ኩሉ ዝግበኣካ ድማ ንኽትገብር እቲ ካህን ክነግረካ ኢዩ።ከይትጠሚ ስጋይ ከይትጸምእ ድማ ደመይ ክቕርበልካ ኢዩ።ኣጆኻ ደጊም ብዝሓለፈ በደልካ ኣይጸባጸብን ኢየ፣ኣነ ንዓለም ስዒረያ ኢየሞ፣ንስኻውን ብቃለይ ስዓራ።ደጊም ገመድ ምስቃል ገዲፍካ፣መስቀልካ ተሰከም፣ኣብ ክሳድካ እሰሮ፣ኩሉ ናይ ዓለም ነገር ብመስቀለይ ንዑቕ ኢዩ። ደጊም ንስኻ ናተይ እምበር ናይ ዓለም ኣይኮንካን።እዚ ድማ ንዓይ ምስትስዕብ ኢዩ።ንስኻ ጥራይ ምሳይ ሃሉ እምበር፣ኣነ ደኣ ብዓንተዉኡሲ ዘይምሳኻ ዝነበርኩ።እንዳበለ የጸናንዖ ፈጣሪኡ።

ድምጺ እግዚኣብሔር ምስማዕ ብድያቆን ሃብቶ ኪሮስ፣- Relatert bilde
https://www.youtube.com/watch?v=QlNANxVqnXE
ንዝያዳ መንፈሳዊ መኽሰብ ነዛ ስብከት ኮፒ ኢሉ ብጽንታ ክሰምዓ ይጅምር።

ለካ ፈጣሪ ንግግሩስ ምስ ልብና ኢዩ።ሰብ ንልቡ ከድምጽ እንተጀሚሩ ሓቀኛ ሕሹኽታ ኢዩ ዝሰምዕ።ናይ ሕልና ሕሹኽታ፣ምስ ፈጣሪ እተራኽብ ረቃቕ መስመር ናይ ልቢ። ኣየ ልቢ ወዲ ሰብ፣ኣብ ውሽጢ ሰብነት ተሸጊጣ ክንሳስ፣ምስቲ ረቂቕ ግን ከኣ ንኹሉ ኣድማስ ኣብ ዕማኾ ኢዱ ጨቢጡ ዝነብር ፈጣሪ ንምዝርራብ ትበቅዕ።መቸም እቲ ዓሻ ዝልብመሉ፣እቲ ተንኮለኛ ብግርህና ዝምለኣሉ፣እቲ ጸላኢ ብፍቕሪ ዝስነፈሉ፣እታ ደረቐኛ ልቢ ብመንፈሳውነት እትልምልመሉ፣እቲ ከሓዲ ብእምነት ዝተመለአል ልቢ ዘጥርየሉ፣እቲ ቀታሊ ናብ ፈዋሲ ዝቕይረሉ ዘመን ርሑቕ ኣይኮነን።በንጻሩ ግን ኣቱም ርህሩሃት ብሰንኪ'ቲ ዝተጨከነልኩም ከይትጭክኑ፣፣ኣቱም ጽሉኣት ብሰንኪ'ቲ ተጸላእነትኩም ልብኹም ብጽልኢ ከይምላእ፣ኣንቱም እሱራት ሰንኪ'ቲ ቃንዛ ናይ ሞቕሕኩም፣ ምስ ተፈታሕኩም ንኻልኦት ከይትኣስሩ፣ኣቱም ንስለ ዕለታዊ ዕንጋሌኹም ክትብሉ እትልምኑ ዘለኹም ለመንቲ ድማ፣ ምስ ረኸብኩም ንጥሙያት ከይትንዕቁ ሕጂ ምጥንቃቕ ተለማመዱ።እግዚኣብሔር ኣቐዲሙ ኣጠንቂቑ ኢዩ።

 -ብዙሓት ቀዳሞት ዳሕረዎት፣እቶም ዳሕረዎት ድማ ቀዳሞት ክኾኑ ኢዮም በለ።ናይ ኩሉ ሰብ ድሕነት ክደሊ ክብል ድማ ንኹሉ ሰብ ከም ንሕዝቅያስ፣ናይ ንስሓ ዕድመ እንዳወሰኸ ይነብር ኣሎ።ስለኹሉ ውዕለቱ እግዚኣብሔር ፈጣሪና ይኽበር ይመስገን።
ወስብሐት ለእጊዛብሔር።
በረኸተ ኣብ በረኸተ ወልድ በረኸተ መንፈስ ቅዱስ ምስ ኩሉና ይኹን።

tirsdag 7. august 2018

ፍላስፋ ሶቕራጦስን ተዋህዶ ሃይማኖትን

Bilderesultat for eritrean orthodox tewahdo church

በስመ ሥላሴ


ናይ ኣህዛብ እምነት ብፍላስፋታት ተነቒፋ፣እታ ቅንዕቲ ሓይማኖት ግን ንኹላቶም ረቲዓ፣ክሳብ ዘለኣለም ጸኒዓ፣-

The philosophies fought against the wrong believers and attacked them throgh their words. However, the only one and right phase wins them all. The truthful phase sntands straight, and never ever reforms at all.

Relatert bilde
ሶቕራጦስ  እቲ ሓታቲ ፍላስፋ (Sokrates the questioner) ፣-


ፍላስፋ ሶቕራጦስ ነቲ"ኣማልኽቲ ብዙሓት ኢዮም!" ዝብል ናይ ኣህዛብ እምነት፣ ብኸምዚ ዓይነት ሓቲቱ ብዝረኸቦ መልሲ ይነቕፎ፣- 
ንሱ፡ ብ(469-399 ዓመተ ዓለም) ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ኣቴንስ ግሪኽ ዝነበረ  ሓደ ካብ ፍሉጣት ፍላስፋታት ዓለምና ኢዩ።

ሕቶ ሶቕራጦስ፣- "ስለዚ ኣማልኽቲ ኩሉ ይፈልጡ ኢዮም ኢልካ ኢኻ ትኣምን ማለት ኢዩ፧" ኢሉ ንሓደ ወኪል ኮይኑ ዝመጾ ናይቶም ኣህዛብ መራሒ እምነት ይሓቶ።

መልሲ፣- "እወ፣ምኽንያቱ ንሳቶም ኣማልኽቲ ብምኻኖም ኩሉ ይፈልጡ ኢዮም።"
ሕቶ ሶቕራጦስ፣- "እሞ ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ዘየሰማምዕ ነገር ኣሎዶ የለን ትብል፧"
መልሲ፣- "እወ ግድን እምበር ክህሉ ኢዩ፣መዓልታዊ ኢዮምኮ ዝከራኸሩ።"
ሕቶ ሶቕራጦስ፣-"ስለዚ ኣማልኽቲ እዚ ቅኑዕ ኢዩ፣እዚባ ጌጋ ኢሎም ስለ ቅኑዕን ዘይቅኑዕ ክከራኸሩ ኢዮም ዝነብሩ ማለትካ ኢኻ፧"
መልሲ፣- "እወ፣ንሓድሕድካ ዘይምስምማዕ ክርከብኮ ግድነት ኢዩ።"
ሕቶ ሶቕራጦስ፣- "እምበኣረከስ፣ገለ ገለ ኣማልኽቲ ዝኽእልዎ ነገር፣እቶም ካልኦት ኣማልኽቲ ግን ዘይክእልዎ ኣሎ ማለት ኢዩ፧"
መልሲ፣- "ግድን እምበር፣ክላቶም ደኣ ከመይ ኢሎም ሓደ ዓይነት ዓቕሚ ክህልዎም ኢልካ ክሕሰብ፧"
መደምደምታ ሶቕራጦስ፣- "ስለዚ ኣማልኽቲ ኩሉ ይፈልጡ ኢዮም ዝብል ትምህርትኹም ፈሪሱ።ምኽንያቱ ኩሉ 'ተዝፈልጡ፣ዘከራኽር ነገር ኣይመሃለዎምን። ኣነ ሓንቲ ነገር ጥራይ ኢየ ዝፈልጥ፣ንሳ ከኣ ዘይፈልጥ ምኻነይ ስለዝፈለጥኩ ኢየ።"
ምንጪ ብኖርወጅያን፥ "Den store filosofi boka side 48"፡ ዝተወስደ ኢዩ።)

ኣስተምህሮ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን፣-

ሥላሴ፣- ትርጉሙ፣ሠለሰ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ  ዝወጸ (Geezian Verb) ኮይኑ ብዛዕባ ሓድነትን ስለስትነትን ናይ እግዚኣብሔር ዝነግር መንፈሳዊ ትምህርተ ቤተክርስትያን ኢዩ።እዚ ከኣ ሰለስተ እንከለዉ፣ሓደ፣ሓደ እንከለዉ ከኣ ሠለስተ ማለት ኢዩ። ኣብ ህልውነኦም ስለስተ ጥራይ ዝኾንሉ ወይውን ሓደ ጥራይ ዝኾንሉ ዘመን የለን።ካብ ዘለኣለም ክሳብ ዘለኣለም ብሰለስትነትን ብሓድነትን ይነብሩ ኢሉ ዘስተምህር መንፈሳዊ ትምህርተ-ሥላሴ።

Relatert bilde

ሥላሴ ክንደይ ኢዮም፧ ሰለስተ ይኾኑ ሓደ ይኾኑ።
ብምንታይ ሠለስተ ይኾኑ፣ ብስም ብግብሪ ብኣካል፣
ብምንታይከ ሓደ ይኾኑ፣- ብስልጣን፣ብመለኮት፣ብፍቓድ፣ብፈጣርነት፣ብህልውና፣ብባሕርይ፣
ስሞም እንታይ ኢዩ፣- አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን፣
ኣካሎምከ እንታይ ዘማልአ ኢዩ፣- ንአብ ፍጹም ገጽ፣ፍጹም መልክዕ፣ፍጹም ኣካል ኣሎዎ።ንወልድ ፍጹም ገጽ፣ፍጹም መልክዕ ፍጹም ኣካል ኣሎዎ።ንመንፈስ ቅዱስ ድማ ፍጹም ገጽ ፍጹም መልክዕ ፍጹም ኣካል ኣሎዎ።ኣካሎም ንሓድነቶም ኣይብትኖን፣ሓድነቶም ድማ ንሰለስትነቶም ኣይጭፍልቖን።ሰለስተ ኣካላት ብሓደ መለኮት ተዋሃሂዶም ይነብሩ።"ይሴለሱ በኣካላት፣ወይትዋህዱ በመለኮት" ከምዝብል ሃይማኖት ኣበው።
ናይ ኣካላዊ ግብሮም እንታይ ኢዩ፣- አብ ወላድን ኣስራጽን ኮይኑ ንወልድ ይወልድ፣ንመንፈስ ቅዱስ ከኣ የስርጽ፣፣ወልድ ተወላዲ ኴኑ፡ ካብ ኣብ ይውለድ፣መንፈስ ቅዱስ ድማ ሰራጺ ኢዩ። ካብ ኣቦውን ይሰርጽ።መንፈስ ቅዱስ ካብ ወልድ ኣይሰርጽን፣ወልድ ድማ ካብ መንፈስ ቅዱስ ኣይውለድን።እዚ  እንተኾይኑ ግን፡ ኣካላዊ ስሞምን ካላዊ ግብሮምን ክተሓዋወስ ኢዩ።ስለዚ ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን፣ኣካላዊ ስሞምን ኣካላዊ ግብሮምን ብሰለስትነቱ፣ሓድነታዊ ስሞምን ሓድነታዊ ግብሮምን ከኣ ብሓድነቱ ካብ ዘለኣለም ክሳብ ዘለኣለም ጸኒዑ ይነብር።


ናይ ሓድነታዊ ግብሮምከ እንታይ ኢዩ፧
ብሓድነትኮይኖም ዝፍጽምዎ ግብሪ ኣሎ፣፣እዚ ከኣ ፈጣርነት፣መሓርነት፣ፈቃርነት፣ርህራሄ፣ፈራድነት፣ርትዓውነት፣ጥበብነት፣ከሀልነት ኢዩ። እዚ ማለት፣ኣቦ ኩሉ ይኽእል፣ወልድ ኩሉ ይኽእል፣መንፈስ ቅዱስ ኩሉ ይኽእል፣ግን ብኸኣልነት ሓደ ኢዮም። መለኮቶም ሓደ ስለዝኾነ።ኣቦ ኣብ ኩሉ ይርከብ፣ወልድ ኣብ ኩሉ ይርከብ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኣብ ኩሉ ይርከብ፣ግን ብህልውና ሓደ ኢዮም።ኣቦ ኩሉ ይውንን፣ወልድ ኩሉ ይውንን መንፈስ ቅዱስ ድማ ኩሉ ይውንን፣ግን ስልጣኖም ሓደ ኢዩ።እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ እዚ ሃበኒ ተበሃሂሎም ኣይለማመኑን፣ሃብቲ ኣብ፣ሃብቲ ወልድ፣ሃብቲ መንፈስ ቅዱስ ሓደ ስለዝኾነ።ማለት ኩሉ ፍጥረት ትሕቲኦም ትሕቲ ዙፋኖም ብምኻኑ፣ዙፋኖም ድማ ዘይትምቀል ሓንቲ ኢያ።ብዛዕባ ዕድመ ህልውነኦም ድማ፣ኣቦ ካብ ዘለኣለም ክሳብ ዘለኣለም ይነብር፣ወልድ ካብ ዘለኣለም ክሳብ ዘለኣለም ይነብር፣መንፈስ ቅዱስ ከኣ ካብ ዘለኣለም ክሳብ ዘለኣለም ይነብር።ግን ከኣ ብህልውና ሓደ ኢዮም።ኣብቲ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ዘለዉዎ፣ወልድ ኣሎ፣ኣብቲ ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዘለዉዎ ኣቦ ኣብኡ ኣሎ፣ኣብቲ ኣብን ወልድን ዘለዉዎ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ኣሎ። ብህልውና ኣይቀዳደሙን ኢዮም።ኣብ ኣፍቃሪ፣ወልድ ኣፍቃሪ መንፈስ ቅዱስ ድማ ኣፍቃሪ፡ ግን ሥላሴ ብፍቕሪ ሓደ ኢዮም።ኣብ ኣምላኽ፣ንኹሉ ይመልኽ።ወልድ ኣምላኽ፣ንኹሉ ይመልኽ። መንፈስ ቅዱስ ድማ ኣምላኽ፣ንኹሉ ይመልኽ። ሰለስተ ኣማልኽቲ ዘይኮነ ግን ሓደ ኣምላኽ ንብል።ከምቲ ጸሓይ፣ብርሃን፣ሙቐት፣ክበብ ዝወነነት ክንሳ ሓንቲ ጽሓይ እንብላ ማለት'ዩ።

ኣካሎም ከመይ ኢዩ፧ ረቂቕ፣ሰፊሕ፣ኣብ ኩሉ ምሉእ፣እሳታዊ፣ፈጣርያዊ ኣካል ኣሎዎም።እዚ ማለት፣ኣቦ ረቂቕ፣ወልድ ረቂቕ፣መንፈስ ቅዱስ ድማ ረቂቕ።ግን ብርቀት ኣይበላለጹን።


ካብ ቅድስት ሥላሴ ሓደ ኣካል ወልድ፡ ብዛዕባ ሰብ ኮይኑ፣ስለድሕነት ደቂ ሰብ ክብል መከራ ተቐቢሉ፡ ድሕነት ዝፈጸመሉ ዜና ዝነግር መንፈሳዊ ኣስተምህሮ ካብቲ ብዙሕ ብኸፊሉ እዚ'ዩ።
Bilderesultat for sdeta lemariam


ኢየሱስ እንታይ ማለት ኢዩ፣- ፈውሲ፣መድሓኒት። እዚ ማለት እቲ ካብ ኣቦ ይውለድ ዝበልናዮ ወልደ እግዚኣብሔር፣ናይ ባህሪ ኣምላኽ ኮይኑ ካብ ሥላስያዊ ሓድነቱን ሰለስትነቱን ከይተፈልየ፣ካብ ቅድስት ቅዱሳን ድንግል ማርያም፣ካብ ስጋኣ ስጋ፣ካብ ነፍሳ ነፍሲ ብምውሳድ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ኮይኑ ብስጋ ተራእየ።ፍጹም ሰብ፣ፍጹም ኣምላኽ ብተዋህዶ ተገልጸ፣፣እዚ ፍጽምናዚ ብኽልተ ሸነኽ ይረአ።በቲ ሓደ ወገን ካብ ጥንቲ ምስ ኣቡኡ ብጥንታዊ ማዕርነት እንከሎ፣ ብቅድሙ ፍጹም ኣምላኽ'ዩ ነይሩ። ካብ ሥላሴ ስለዘይንእስ ድማ ኣምላኻዊ ስልጣን ዝውንን ናይ ቅድሙ ኢዩ። በቲ ካልኣይ ወገን ድማ፣ካብ ድንግል ማርያም ዝተወስደ ስጋ ሰብ፣ ፍጹም ስጋ ነይሩ። ምኽንያቱ እታ ነዚ ስጋዚ ንኽለብስ ዝገበረት ማሕጸን ጉድለት፣ሕፍቲ፣ኣበር፣ኣዳማዊ ይኹን ግላዊ ሓጥያት ወይ ብጥንቲ ዝወረሰቶ ኣበር ዘየብላ ፍጽምቲ ሰብ ስለዝነበረት ኢዩ ፍጹም ስጋ ለቢሱ።በዚ ድማ ካብ ጽንሰቱ ክሳብ ዘለኣለም ፣ስግኡ ንመለኮቱ ከየድከሞ፣መለኮታዊ እሳትነቱ ድማ ንስግኡ ከየሕቐቆ፣ብተዋህዶ ተገልጸ።ብመለኮት ረቂቕ፣ብስጋ ግን ግዙፍ ክንሱ፣ኣብ ደስ ዝበሎ ይረቅቕሞ ብሕቱም ድንግልና ይውለድ፣ብሕቱም መቓብር ይወጽእ፣ብሕቱም ማዕጹ ድማ ይኣቱ፣ኣብ ደስ ዝበሎ ከኣ ይገዝፍሞ፣ ይተሓዝ፣ይግረፍ፣ጡፍ ይበሃለሉ፣ይእሰር፣ይስቀል። ብስጋ ክሳቐ እንከሎ፣መለኮት ቃንዛ ኣይተሰምዖን፣ምውታን ከተንስእ፣ሕሙማን ክፍውስ እንከሎ ድማ፣መለኮቱ ንስጋኡ ሃብተ ወሲድካለይ ኢሉ ኣይከሶን።ጥፍጣፍ ዘይነበሮ መለኮት፣ብስጋ ጡፍ በለ። ስልጣን ዘይነበሮ ስጋ ድማ፣ንዕዉር ፈወሰ።ኣብ ሲኦል ከይዱ ድሕነት ኣበሰረ።ስልጣን ዘይነበራ ነፍሲ ወዲሰብ፣ምስ መለኮት ተዋሃሂዳ ኣብ መንግስቲ ሲኦል ደፊራ ኣምላኻዊ ድሕነት ፈጸመት። እቲ ንኹሉ ዝሓዘ መለኮት ድማ፣ብድምጺ ናይ ነፍሲ ደቂ ሰብ ብተወተዋህዶ፣ ብውሱን ኣካለ ነፍስ ናይ ወዲ ሰብ ኣብ መንግስቲ ሲኦል ኣምላኻዊ ድምጹ ደርጎሐ።እዚ ከኣ ብስግኡ ሞተ፣ብመለኮት ድማ ህያው ኮነ።እዚ ኩሉ ዝኾነ፣ንየዒንትና ክምችኦ፣ንሕልናና ድማ ከሰማምዕ ኢሉ ደኣ ነዚ ኩሉ ገበረ እምበር ንሱስ ኣይለዋወጥን፣ኣይተሓዋወስን፣ ኣይፈላለን፣፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ክልተ ኣክላት ሓደ ኣካል፣ካብ ክልተ ባሕርያት ድማ ሓደ ባህርይ፣ብምውሳድ ብተዋህዶ ሓደ ባህርይ ሓደ ኣካል ኮነ።ሓንሳብን ንሓዋሩን መለኮትን ስጋን ስለዝተዋሃሃዱ ድማ፣ኣብ ሥላስያዊ ዙፋኑ ማዕረ ኣምልኾ፣ማዕረ ስልጣን፣ማዕረ መንግስቲ፣ማዕረ ፈራድነት፣ማዕረ መሓርነት ይውንን።ወልድ ዋላ ደኣ ብስጋ ይገለጽ እምበር፣ካብ ሥላሴ ኣይንእስ፣ካብ ሥላሴ ኣይዓቢ።ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ካብ ዘለኣለም ክሳብ ዘለኣለም ሓደ ኣምላኽ ኢልና ንኣምን።


Bilderesultat for orthodox tewahedo kristos
ክርስቶስ ካብ ዙፋን ሥላሴ እንከይተፈልየ፡ ንየዕይንትናን ሕልናናን ብዝምችእ ግልጸት ኣብ ቀራንዮ ወዓለ።

ብኸመይ ፈዊስና፣- ካብ ሥላሴ ሓደ ኣካል ወልድ፣ስጋ ናይ ሰብ ብፍጹም ተዋህዶ ተሰግዩ፣ኣምላኽነቱ ከይሓደገ፣ሰብኣውነቱ ከይለወጠ፣ሰብ ኮይኑ፣እቲ ንድሕነት ዘድሊ ነገር ብዘይካ ሓጢኣት ንበይና፣ካልእ ኩሉ ብተግባር ፈጹሙ ኣድሓነና።ክሓምም እንከሎ፣ሕሙማት ይፍውስ፣ክወድቕ እንከሎ፣ንዝወደቑ የተንስእ፣ክድቅስ እንከሎ፣ንዝሞቱ የበራብር፣ንግብጺ ክስደድ እንከሎ፣ነቶም ናብ ሲኦል ዝተሰዱ ማሪኹ ይመልስ፣ክጠሚ እንከሎ፣ንዝጠመዩ ይዕንግል፣ክጸምእ እንከሎ ንዝጸምኡ የርዊ፣ክህረም እንከሎ፣ንዝቖሰሉ ይዝንን፣ክሽገር እንከሎ፣ንዝተሸገሩ ናጽነት ይእውጅ ነይሩ።
ነዚ ኲሉ ስለምንታይ ፈጸሞ፧ እዚ ድማ ትንቢት ንምፍጻም፣ሰብኣውነትና ከምዝተወሃሃዶ ንኸረጋግጸልና፣ንጥበበ ሰይጣይን ከንቱ ክገብር፣ፈራድነቱን መሓርነቱን ከሰማምዕ፣ኣርኣያ ክኾነና ኢሉ ደኣምበር ዓቕሚ ስለዝወሓዶ ኣይኮነን፣ዝጠሚ፣ዝጸምእ፣ዝልምን፣ዝወድቕ፣ዝትንስእ፣ዝስደድ፣ዝሓምም፣ዝደክም ዝነበረ።ኣብ መወዳእታ ድማ ብፍቓድ ሥላሴ፡ ሓንቲ ግዜ ጥራይ ኣብ መስቀል ክሳብ ሞት ብምእዛዝ፣ንሞትና ቀበሮ።ኣብ መስቀል ንድያብሎስ ኣስሮ፣ንሕና ከኣ ተፈታሕና። ክርስቶስ ሞትና ክቐምስ ንሕና ድማ ናይ ትንሳኤ ዕድል ክንረክብ ፍቓዱ ኮነ። ፍቓዱ ማለት ፍቓድን አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ማለት'ዩ። እዚ ኩሉ ዝተባህለ ንድሕነት ደቂ ሰብ ዝምልከት፣ሓንሳብን ንሓዋሩን ዘይድገም ኮይኑ ኣብዛ ማእከላዊት ምድረ ኣብ ጎልጎልታ ኣብ ቀራንዮ ፈጸሞ።

መተሓሳሰቢ፣

https://www.youtube.com/watch?v=zH3K84KuHFQ

( ነዛ መዝሙር ኮፒ ገይርካ ስምዓያ)

እዚ ኲሉ ውዕለት፡ ብናይ መን ኣፍልጦ'ዩ፧፣- ነዚ ክገብር እንከሎ፣ብዘይ ፍላጥ ናይ ኣቦን መንፈስ ቅዱስን ኣይኮነን።እንታይ ደኣ ፍቓድ ኣቦን፣ፍቓድ መንፈስ ቅዱስን ዝሰመሮ፣ስላሴ ዝፈረምሉ፣ፍታዎም ኴኑ ኣምላኻዊ ክታም ዘምበርሉ ኢዩ።ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጉምትታቱ፣ ሥላሴ ሓደ ፍቓድ ስለዘሎዎም፣ንኹልንትናዊ ሰናያትና ተባሂሉ ዝተኸፍለ ዋጋ፡ ፍቓዶም ሓደ ነይሩ። ድሕነት ደቂ ሰባት ብፍቓድ ሥላሴ ተኸናወነ፣፣እዚ ማለት፣ኣቦ ነቲ ሓደ በይኑ ካብ ሕቕፉ ዘይፍለ  ናይ ባህሪ ወዱ፣ክሳብ ክንድዚ ስጋ ሰብ ለቢስሱ፡ እረ ክሳብ ሞት ንምቕማስ፣ ክእዘዝ ፍታዉ ብምኻኑ ኣፍቀረና። ወልድ ክሳብ ገዛእ ርእሱ ከይነሓፈን ከይተጸየፈናን፡ ክንድዚ ስጋ  ሰብ ለቢሱ ንሞት ክቐምስ ፍቓዱ ኮይኑ ስለዝፈጸሞ ኣፍቀረና። መንፈስ ቅዱስ ድማ ነቲ ዝተፈጸመ ናይ ድሕነት ስራሕ ካብ ጅማሬኡ ክሳብ ፍጻሜኡ ብፍቓዱ ሓተሞ። እዛ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመት ኣምላኻዊት ፍቕሪ፣ ብማሕተም ሥላሴ ዝተፈረመት ኣምላኻዊት ናይ ድሕነት ፍቓድ ሓንቲ ኢያ። ደጊም ንክርስቶስ ከምቲ ዝነበሮ ብስጋዊ ባህሪ ኣይንፈልጦን ኢና።ምንም እኳ ንዑኡ ብኽምዚ ደኻሚ፣ሓማሚ ስጋ ፈሊጥናዮ እንተነበርና፣ሕጂ ብኸምኡ ኣይንፈልጦን ኢና።እቲ ዝሓምም፣ዝሳቐ፣ዝደክም፣ዝጠሚ፣ዝስደድ፣ዝልምን ዝነበረ ወልድ ከምኡ ኢሉ ከምቲ ዝነበሮ ኣይኮነን ዘሎ።ከምቲ ከምዝሰኣነን ዝተጸገመን ኮይኑ ዝልምኖ ዝነበረ ኣይኮነን ሕጂ ዝልምን ዘሎ፣ከምቲ ከምዝደኸመ ኮይኑ ዝድቅሶ ዘዕርፎ ዝነበረ ኣይኮነን ሕጂ ዝድቅስ ዘሎ። ድኻምን ስእነት ሕጂ ኣይንታዩን ኢዩ ንዕኡ። እንታይ ደኣ ኣብቲ ዘይቅረብ እሳታዊ ዙፋን ምስ ኣቦን መንፈስ ቅዱስን ንዘለኣለም ኣለም ይምለኽን ይምስገንን ኣሎ።መላእኽቲ የምልኽዎ፣ይሰግድሉ።ንሳቶም እቶም ቅዱሳን መልኣኽቲ ካብ ቅድሚ ምጽናሱን ኣብ ማህጸን ምስተጸንሰን ጀሚሮም ክሳብ ድሕነት ደቂ ሰባት ፈጺሙ ኣብ ዙፋኑ ዝቕመጥ ካብ ኣምልኾ ሥላሴ ኣቃሪጾም ኣይፈልጡን።ብኻልእ ሸነኽ ከኣ ነቲ ዝተመደበ ግዜ፣ማለት ንሓጢኣንን ጻድቃንን ፍርዲ ዘወሃበሉ፣ክሳብ ዝኣክል የእዳዉ ንፍርዲ ቀሪብወን ኣሎ።እተን ኣብ መስቀል ዝተሸንከራ ኣጻብዕቱ፣ሕጂ ምእንታና ናብ ካልእ ይልምና ዘይኮናስ፣ በንጻሩ ካብቲ ኣምላኻዊ መግቦተን ደኣ ይምግባና'የን ዘለዋ፡ ብከሃልነተን ድማ ይመርሓና።ኣብ መወዳእታ'ውን ነታ እትመጽእ ናይ መወዳእታ ዕለት፡ ፍርዲ ክህባ ተቐሪበን ኣሎዋ።እዚ ከኣ ነቶም ኣብ ትሕቲ ብርኪ ካህናት በሓቀኝነት ተናሲሖም፣ኣማናዊ ስግኡን ደሙን ዝምገቡ ዘለዉ ሰዓብቱ፣ ዘለኣለማዊ ሕይወት፣ነቶም ኣንጻር ፍቓዱ ዝኸዱ ድማ ብዘለኣለማዊ ሞት ክፍረዶም ምኻኑ ብኣምላኻዊ ስልጣኑ ዝብይኖ እዩ ክኸውን።ኩሉ ብግሁድን ብስዉርን ዝተገብረ ኣብ ቅድሚ ሥላሴ ቅሉዕ ስለዝኾነ ፍርዱ ሓቀኛ ኢዩ። ደጊም ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፈራዲ እምበር፣ኣማላዲ፣ጸላዪ፣ደኻሚ፣ሓማሚ፣መዋቲ ኣይኮነን።ቅድሚ ሕጂ ብኸምኡ ተገሊጹ ደኣ ንረኣዮ እምበር ሕጂ ብኸማኡ እይንፈልጦን ኢና።ብሕጂ ክመጽእ እንከሎውን ብኣዝዩ ዘፍርሕን ዘሰንብድን ግርማ፡ ብነበልባላዊ እሳት ተኸቢቡ፣ቅዱሳን እንዳዓጀብዎ ኢዩ ንኣምላኻዊ ፍርዱ  ክግለጽ፡ ከምቲ ክውለድ መብልዕ ማል ዝመጾ ኣይኮነን ክኸውን።



  
ቅድስት ሥላሴን ኣእላፋት ቅዱሳንን
ቅዱሳንከ ኣማልኽቲ ድዮም፧
ቅዱሳን፣- ንባዕሉ እቲ ቅድስና ዝብል ቅጽላዊ ስም፣( Adjectival noun) ናይ ባህርይኦም ስም ኣይኮነን።እንታይ ደኣ ፈጣሪኦም ብጸጋ ካብቲ ምልኣታዊ ሃብቱ ዝተዓደልዎ ጸጋ ኢዩ። ንባዕሉ ኣብ መንጎ ቅዱሳን፣ናይ ምብልላጽ ዕብየተ ደረጃ ኣሎ።እዚ ከኣ፣ልዕሊ ኩላቶም ቅድስት ድንግል ማርያም ክትከውን እንከላ፣ቀጺሉ ቅዱሳን መላእክት፣ቅዱሳን ነብያት፣ቅዱሳን ሃዋርያት፣ቅዱሳን ኣንስት፣ቅዱሳን ሰማእታት፣ቅዱሳን ሊቃውንት፣ቅዱሳን ጻድቃናት፣ቅዱሳን ነገስታት፣ ቅዱሳን ህጻናት፣ቅዱሳን መካናት፣ቅዱሳን ኣሳእል፣ቅዱሳን መጻሕፍቲ፣ቅዱሳን ዕለታት ንዋየ ቅዱሳን እንዳበልና በብደረጅኡ ንሰርዖ።እዚ ባዕሉ እግዚኣብሔር ካብቲ ምልኣታዊ ውህበታቱ ሰሊሙ ሸላሊሙ ንዓና ንክንጥቀመሉ ዝመጠወልና ሀብተ በረኸቱ ኢዩ።ተጠቀምቱ ድማ ንሕና ደኣምበር፣ፈጣሪሲ ካብዞም ዝበልናዮም ቅዱሳን ዋላ ሓንቲ ዝጥቀመሉ ነገር የለን።ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ኩሉ ስለዝኽእል፣ንኹሉ ስለዝውንን። 
ሶቕራጦስሲ ለካ ቅኑዕ መላሲ ስለዝሰኣነ'ዩ እምበር፡ ነቶም "ኣማልኽቲ" እናበሉ ንባህሪ ፈጣሪ ዘባዝሑ ኣካላትሲ፡ በዳሂት ሕቶ'ዩ ቀሪብሎም ነይሩ።

እግዚኣብሔር ንምኽሪ ኣህዛብ ከንቱ ይገብሮ።ንሓሳባት ሕዝብታት የጥፍኦ።ምኽሪ እግዚኣብሔር ግና ንዘለኣለም ይነብር፣ሓሳባቱውን ንውሉድ ወለዶ ይነብር።መዝሙር 33፣10-11 ሓሳባት እግዚኣብሔር ሒዛ እትነብር ቤተክርስትያን ኣይትሕደስን። ክሳብ ዘለኣለም ዝጸንዕ ሓሳባት ደኣምእምበር ዝለዋወጥ ዝሕደስ ሓሳባት የብላን። ኣብ መንጎ ሓሳባት ናይ ፍላስፋታት ግና ነፍሲ-ወከፎም ታሕዲስ፣ (Reformation) ነይሩን ኣሎን ክቕጽልን'ውን ኢዩ።ቤት እግዚኣብሔር ግን መራሒኣ መንፈሱ ስለዝኾነ ሰጊኣ እትልውጦ ወይ እተሐድሶ ሓሳባት የብላን፣ንሱ ይመርሓ ንሱ ድማ ይውንና።ኣብዛ ቤትዚኣ ክሳብ ዘለኣለም የጽንዓና።

https://www.youtube.com/watch?v=9qqEmiZ3_NQ 

https://www.youtube.com/watch?v=iITjv3u8eEg

(ንዝያዳ ሓበሬታ ኮፒ ገይርካ ተገዲስካ ነዘን ክልተ ቪድዮ ብድምጺ ስምዓየን።)

በረኸተ ኣብ በረኸተ ወልድ በረኸተ መንፈስ ቅዱስ ምስ ኩሉና ይኹን፣ኣሜን።
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር።

onsdag 1. august 2018

ለውጢ ሕብረተ-ሰብና ብመንፈሳውያን መርዓታትና

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላኽ፡

ብዛዕባ መርዓ ዝምልከት ሰፊሕ ኣርእስቲ ወሲድካ ምይይጥን ትምህርትን ዘድልዮ ጉዳይ እካ እንተኾነ፡ንሱ ንግዚኡ ገዲፈ ግን ኣብ መንፈሳውያን መርዓታትና ንዘለኒ ግንዛቤ ክገልጽ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን መንእሰያት ናይ ቤተክርስትያን ብፍላይ ከኣ እዞም ኣብ ወጻኢ እንርከብ፡እቲ % ደኣ ይውሕድ ይኸውን እምበር፡ልዕሊቲ ባዕሎም ንሓድሕዶም ተራኺቦም፡ንዒ ንመርዖ፡ንዓ ንመርዖ ተባሃሂሎም ዝቀራረብዎ፡ኣብ ቤተክርስትያን መጺኦም'ውን ሕጊ እግዚኣብሔር ንምፍጻም ድሉዋት ኮይኖም ምሉእ መርዓ ዘሕልፉ ውሑዳት ኣይኮኑን።በዚ መንጽርዚ ድማ፡ኣብ መንጎ'ቶም መንፈሳውያን ተመርዓውትን ቤተሰቦምን ሰፊሕ ቁሩቅስ ይካየድ ኢዩ።እዚ ማለት፡እቶም ሓደ ወገን፡ነቲ መርዓ ብጛይላ ተዘይገይርናዮ፡ባንዲ ተዘይኣምጻና፡ተዘይሳዕሳዕና፡ኢሎም ኣሻፈረይ ክብሉ እንከለዉ፡እቶም ደቂ ቤተልርስትያን ድማ፡ስለዝተማሃርዎ፡ድሌታቶም ምሉኡነት ስለዝደልዩ፡ኣይንደልን፡መዝሙር ኢና ንገበር ክብሉ ከቢድ ክርክር ኢዩ ዝካየድ።

ከም ሓቂ፡ዋላ ብቆጦባዊ መለክዒ እንተርኢናዮ፡ብመዝሙር ዝሓልፍ መርዓን፡ብጛይላ ዝፍጸምን ብዙሕ ፍልልያት ኣሎዎ።እቶም ሰብ ውራይ'ውን እንተኾነ፡በቲ ሕብረተሰብ ከይንጸሉ፡ከይክዕቡኒ ንናይ ድጄይ ዝኸውን ገንዘብ ከየውጽእ ስለዝበቐቐ ኢዩኮ፡ተባሂሎም ከይሕመዩ ስለዝሰግኡ ደኣ እምበር፡ንቆጦባ ዝምልከት ኣየናይ ከምዝሓይሽ ኣዳዕዲዖም ይፈልጡ ኢዮም።ብኻልእ መዳይ'ውን፡መዛምራን ውሑዳት ኢዮም፡መርዓይ ዘውዓውዕ ነገር ስለዘየብሉ፡ተዓዳሚ ክታኸስ ኢዩ፡ዝብል ስግኣት ስለዝህልዎም ድማ በቲ ሓደ ሸነኽ፡ዘይትጽበዮም ዝነበርካ መንፈሳውያን የሕዋት፡መርዓኦም ብጛይላ ክገብሩ ትርኢ ኢኻ።ዝገርመኒ እታ ደርፊኮ ብድጄይ ኢያ ትካይድ።ድጄይ ከኣ መብዛሕትኡ ካብ ዩትዩብ ወይ ሪከርድ ዝተገብረ ኢዩ ነቲ ህዝቢ ዘሳዕስዖ።እሞ ኣንታ ሓወይ፡ደርፊ ሓጢኣት ምኻኑ ትፈልጥ ኢኻ፡ተዓዳሚ ከይታኽ ክትብል ካብ ድጄይ ተምጽእ ግን፡መዝሙር ኣብ ዩትዩብ የለን ድዩ፧ እሞ ፍጡራት ተዓደምቲ ከይታኸሱ ክትብልዶሞ፡ምስ ፈጣሪኻ ምቅይያም ይሓይሽ ኢልካዮ፧እታ ሓጢእት እተፍሪ ድጂይ ብጽድቂ እተፍሪ ድጂይ ተቐየርካያኸ እንታይ ትኸውን፧ ዶስ ዩትዩብ ናይ ጛይላ ጥራይ ኢዩ ኢልካ ስለዝደምደምካዮ ኢዩ፧እዚእታት ንብዙሓት መንፈሳውያን ተመርዓውቲ ስለዝግኦም፡ድጄይ ይመርጹ።ብዝኾነ ቁርጽ ኣቢሎም ንመንፈሳዊ መርዓ ዝውስኑ ኣሎዉ።እዞም መንፈሳውያን ወሰንቲ እዚኣቶም ንቤተ ክርስትያንን ንሕብረተሰብናን ዓበይቲ ሰባኽያን ኢዮም። እዚኣቶም፡"ቆሪብካ፡ወዲ ቤተክርስትያን ኮይንካ፡ናይ ዓለም ነገር ፈንፊንካ ከተብቅዕ፡ተሓጺብካ ናብ ጭቃ፡እሞ ድማ ናብ ጛይላን ዳንኬራን ኣምላኾም ከምዘግህዩ ስለዝፈልጡ ኢዮም ኣብ መርዐኦም መዝሙር ዝመርጹ።

መቸስ ብሰንኪ ጛይላ ካብ እግዚኣብሔር ዝመጽእ ቅሬታ ንምፍላጥ ካብ ሕጂ እዝን እትን ምባል፡ሊቃውንቲ ባዕሎም ክነግሩና ይሓይሽ።ብሕጽር ዝበለ ግን፡ጛይላን ደርፍን፡ሓጢኣት ምኻኑ፡እግዚኣብሔር ከምዘይሕጎሶሉ፡ኩላቶም ቅዱሳን መጽሓፍትን፡ቅዱሳን ኣበውን ይምህሩና ኢዮም።ምላልባሽ ስለዝሳዕሳዕካ ንስኻ ትሕጎስ ትኾውን፡እግዚኣብሔር ግን ኣይሕጎስን ኢዩ።እሞ ብዛዕባ ንፈጣሪ ዘሕጉሶን ዘግህዮን ነገር ግዳሽ ዘየብልካ፡በንጻሩ ግን ዘሕጉሰካ ነገር ጥራይ ዘገድሰካ እንተኾይኑ ደኣ፡ ካብቶም ዘይኣምኑን ክሓድያንን  ብምንታይ ኢኻ ትፍለ።ንሳቶም ዘይኣምኑን፡ከም ድላዮም ዝኸዱንኮ ኣምላኽ የለን ስለዝብሉ ኢዮም።ንስኻ ግን ህልውና ፈጣሪ እንዳኣመንካስ፡ንሱ ዝጸልኦ ነገር ንምግባር  መን የተባብዓካ ስለዘሎ'ዩ፧ ስለዚ ብሓቀኝነት ከሕጉሰካ ዝግብኦ፡እቲ ፈጣሪኻ ዝሕጎሰሉ ነገር ኢዩ ክኸውን ዘለዎ።ፍጹም ክትጉህየሉ ዝግባእ ድማ፡እቲ ፈጣሪኻ ዝጸልኦ ነገር እንተፈጺምካ ኢዩ።እዚ ኸኣ እምነትካ ስለዝግድደካ ኢዩ።

ካብ ትዕዝብተይ፡እዞም መርዓና ብመዝሙር እንገብሮ ዘለና ሰባት፡ብተዘዋዋሪ ይኹን ብቐጥታ፡ኣብ ቤተክርስትያንን ኣብቲ ሕብረተሰብናን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ትገብሩ ምህላውኩም ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።እዚ ድማ፡ህዝቢ ናይ ደርፊ ወልፊ ኣብ ውሽጡ እንዳሃወጾ ክንሱ፡"ቶባእ!" ኢልካ ከልኪልካዮም ክትውዕል እንከለኻ፡በንጻሩ ድማ ምሳኻ ልሳኖም ንመዝሙር ኣእዳዎም ንሸብሸቦ ክለማመድ እንክትዕድሞ፡ናይ ደርፍን ጛይላን መንፈስ ካብ ክልል ሕብረተሰብ ነፊጹ ንኽከይድ ጸቕጢ እንዳገበርካ ኢኻ።ስለዚ ኣይርደኣናን ይኸውን ደኣ'እምበር፡ነፍሲ-ወከፍ መርዓ ብመዝሙር ክትሓልፍ እንከላ፡ልቢ ናይ ነፍሲወከፍ ተዓዳሚ፡ብፍላይ ከኣ ብዓለማዊ መንገዲ ተዋሒጡ ንዝነብር ሰብ፡ኣብ ህርመት ልቡ፡ሓድሽ ጦብላሕታ ናይ መንፈሳዊ ጥቕሚ ንኽስቆሮ እትዕድም ቅኒት ኢያ።እዚ ድማ ዋላ ኣብ ቆጦባዊ መዳይ ከይተረፈ መዝሙር ዓቢ እጃም ምህላዉ ርድኢቱ ከስፍሕ ይሕግዞ ኢዩ።ድሓር ከኣ ወሎዶ ክልወጥ እንተኾይኑኮ ፡ቀስ ብቐስ ኢዩ'ምበር ብሓንቲ ግዜ ኣይኮነን፡፡ መንፈሳውያን መርዓታትና'ምበኣር፡ ይውሓድ ይብዛሕ ብዘየገድስ፡ኣብ መንፈሳዊ ለውጢ ናይ ሕብረተ ሰብና እጃመን የበርክታ ምህላወን ኢዩ።

በዚ ኣጋጣሚ እቶም መርዓኹም ብመዝሙር እትገብርዎ ዘለኹም፡ብስም ቤተልርስትያን ከየመስገንክኹም ክሓልፍ ኣይደልን።ብርግጽ ካብ ቤተሰብኩምን መቕረብኩምን ብዙሕ ጸቕጥን ግጭትን ከምዘጋጥመኩም ርዱእ ነገር ኢዩ።ግን ቀዳምነት ናይ መን ድምጺ ምስማዕ ይሓይሽ፡ናይ እግዚኣብሔርዶ፡ወይሲ ናይ ቤተሰብ፡ድምጺ ናይቲ ካብ መለኮታዎ ክሂለቱ ዝፈጠረናዶ፡ወይሲ ናይታ ወሊዳ ኣጥብያ ዘዕበየትና ኣደ፧ ናይ መኖም ክብሪኸ ይበልጽ፡ናይ ወለድናዶ፡ወይሲ ናይ ፈጣሪና፧ እዚ ሕልና ናይ ኩሉ ሰብ ዝምልሶ ሓቂ ኢዩ።መጽሓፍ ቅዱስ ድማ፡"እቲ ንቤተሰቡ፡ንስድርኡ፡ንወለዱ፡ንሰበይቱ፡ንደቁ፡ንሃገሩ ወዘተ ካባይ ኣብሊጹ ዝርኢ ንዓይ ኣይበቅዕን ኢዩ።" ኢዩ ዝበለና።ንነገራት ከነፍቅሮምን ክንእዘዞምን እካ ሰናይ እንተኾነ፡ኩላቶም ግን ትሕቲ እግዚኣብሔር ኢዮም።ስለዚ ንኹላቶም መቕረብና ነፍቅሮም ግን ልዕሊ እግዚኣብሔር ክኸውን ኣይግበኦን።ትእዛዝ ወለድና ንቀበል ግን ልዕሊ ትእዛ ፈጣሪና ገይርና ኣይኮንና ክንቅበሎ።ወለድናስ እግዚኣብሔር ብሓደራ ንኸዕብዩና ዝኣዘዞም ደኣምበር፡ንፈጣሪ ዝእዙዙ ኣይኮኑን።
እግዚኣብሔር ዘመንና ወሎዶናን ዝልውጥ ሓይለ መንፈሱ ይልኣኸልና።
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...