mandag 4. mai 2020

ኣበይ-ኣሎኻ፧

በስመ ሥላሴ!

ናብቲ ናይ ሓጢኣት ጫካ
ሰጒመን ግዲ ኾይነን ኣእጋርካ
ድምጺ ኣርሒቕካ
ሕፍረት ድዩ ዕሽነት ጐልቢብካ
ዝተኸደንካ መሲልካም'በር
ዘይጥራሕካ ዘለኻ

ኣሻብካ ረሓቕካኒ
እንታይ እዋንካ ካብ ጸጋይ ተኸወልካ
ዘይከምትማሊ ሎሚ ኣብ ቤተይ ስኢነካ
እንታእዋና ተሰሎንቌ ወሓጠትካ
ከመይ ኢልኻኸ ካብ ጳውሎስ'ቲ ሓዋርያዊ
ናብ ዴማስ'ቲ ዓለማዊ
ንምዃን ተሃንደድካ

ዘየለኻ ኣለኹ ትብለኒ
ንድኻማትካ ኣጸባቢቕካ ትነግረኒ
እናረኣኹኻ መሲልካ ዘዐሸኻኒ
በጃኻ ኣዳም ይፈልጠካ'የ ኣይተታልለኒ
ሓጢኣትካ ድዩ ከዊልኒ
ወይሲ ምሕባእካ'ዩ ንምርኣይካ ጸጊምኒ
ተመለስባ ንዓ ተረኣየኒ

ኣነ ክርእየካ ጥቕሚ'ለዎ
ንልብኻ ክሓድሮ
መንፈስካ ክሰፍሮ
መንገድኻ ክዕይሮ
መወዳእታኻ ከመቅሮ
"ኣብዚ'ለኹ!" በለኒ
ንብዓትካ ኣስትየኒ

ሎቱ ስብሐት!



…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...