lørdag 6. juli 2019

ኣፍቀርትና እናወሓዱ፡ ጸላእትና እንዳበዝሑ ይኸዱ ኣሎዉ!

በስመ ስላሴ!

ኣፍቀርትና እናወሓዱ፡ ጸላእትና እንዳበዝሑ ይኸዱ ኣሎዉ!

√ ጠንቁ ዘፍቅረና ሰብ ስለዝተሳእነ ኣይኮነን፡ ብሓቅን ብምሉእ ልብናን እነፍቅሮ ስለዘየብልና'ዩ።
√ ጸላእቲ ስለዝበዝሑና ኣይኮነን፡ ልብና እትጸልኦም ስለዝበዝሑ'ዩ።
√ ቁጽሪ ተጻረርትና ስለዝበዝሐ ኣይኮነን፡ ንህልኽ እንምነዮም ኣካላት ባዕልና እንዳብዛሕናዮም ንመጽእ ስለዘለና'ዩ።
√ ቃል ጸላእትና ንከይምቅር ዝገበሮ ወጥሪ፡ ልሳንና ጥዑም ቃል ንኸይተውጽእ ስለዝተሓረማ'ዩ።
√ ኩሉ ኢዱ ዘወጣውጠልና ዘሎ፡ ኣእዳውና ናብ ብዙሓት ስለዝወጣወጣ ኢየን።
√ መን ኣብ ልዕሊ መን ክፈርድ፧
√ ኩሉ ፈራዲ ተዝኸውን ዝፍረድ ምተሳእነ ነይሩ።
√ ኩሉ ተፈራዲ ተዝኸውን ድማ ዝፈርድ እምበይምሃለወን።
√ ፈጣሪ ግን ንኹሉ በብመስርዑ ገይሩ ብጥበቡ መደቦም።
√ ኣብ መንጎና ብዙሓት ዳነይቲ ኣሎዉና፡ ብዙሓት ድማ ተጸበይቲ ፍርዲ ኣሎዉ። ዓይነቶም ጥራይ ኢዩ ዝፍለ።
√ ኩሉና ፈራዶ ኣይኮንና፡ ፈራዶ ዘይክንስና ድማ፡ ብኢደ-ዋኒንና ዝፈረድናዮም ኣካላት መሊኦም'ዮም፡፡ ንሱ እዚ ዝፈረድናዮ ሰብ'ውን ክፈርደና ወይ ኣሕሊፉ ንፈራዲ ክህበና ባይህርያዊ ኢዩ።
√ እምበኣር ፍርዲ ንፈራዲ ንሃቦ። ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ንፈራድነት ዝተረቕሑ ኣካላት ኣለዉ፡ ኣብ ማሕበራዊ ዓለም ድማ ንዳንነት ዝተመደቡ ሰባት ኣለዉ። ነዚ ደረጃ'ዚ ክቕመጥዎ ዝኸኣሉ ብዘይፍላጥ እግዚኣብሔር ኣይኮነን። ንሕና ምስ'ዞም ፈራዶ'ዚኣቶም ዘይተመደቡ ኣካላት ክሳብዝኾንና ድማ፡ ኢድና ኣይነወጣውጥ፡ ኣፍና'ውን ኣይንረምጥጥ! ተኸኣልና ግን ንኹሉ ብዓይኒ ፍቕሪ እንዳጠመትና ንተሓጋገዝ፡፡ ተዘይከኣልና ድማ ልብና ጽልኢ ንኽትጭንጉዕ ኣይንደፋፍኣያ ።
√ ጠንቂ ቁጽሪ ጸላእትና እንዳበዘሐ ምምጽኡ፡ እቶም ተጻረርትና፡ ንኽጸልኡና ካልእ ብዙሕ ምክንያታት እካ እንተሃለዎም፡ ናይ ልብና ዘይምህራህ'ውን ንቅርሕንቶም ከምዝንህር ይገብሮ'ሎ።
√ ልብና ብዝጨከነትሉ ቁጽሪ ከኣ፡ ብዝሒ ጸላእትና እናዛየደ ከም ዝኸይድ ይገብሮ ።
√ ክርስትና ናይ ርህራሄ ጎደና እምበር፡ ንዕቀትን ኣሽሙርን እተርእየሉ ናይ መድረኽ ድራማ ኣይኮነን።
√ ክርስትና ንኹሉ ከም ፈጣሪ ብዓይኒ ፍቕሪ እትመዝነሉ መንፈሳዊ መነጸር'ምበር፡ ብሌላን ጉሌናን እትሕመሰሉ ናይ ዓሌታውያን ከይዲ ኣይኮነን።
√ መጽሓፍ ቅዱስ "ነቶም ዝጸልኡና ክነፍቅሮም!" ኣዚዙና፡ ንሕና ደቂ ሰባት ግን እቶም ዝጸላእናዮም ኣካላት፡ "ስለምንታይ ዘየፍቀሩና፧" ኢልና ነጉረምርም።
√ ክርስቶስ ኣምላኽና፡ ንዓና ንእንጸልኦ ሰባት ክሳብ ኣብ መስቀል ምስቃል፡ እረ ክሳብ ናብ ሲኦል ብምኻድ ፍቕሩ ገሊጹ፡ ብቃልን ብግብርን ኣርኣየና። ንሕና ደቂ ሰባት ግን እቶም ዘዋረድናዮም ሰባት ከፍቁሩና ንደሊ።
√ ኣይፋሉን! ንሕና መን ሰዓረ፡ መን በለጸ ኢልና እንተሃላለኸሉ ምኽንያት የብልናን። ልዕሊ ኩሉ እግዚኣብሔር ይበልጽ፡ ኣብ ትሕቲኡ ድማ መርዓቱ ቅድስት ቤተክርስትያን ኣላትና። ኣብኣ ኣእላፍ ቅዱሳን ምስ ቅድስት ኣዴኡ ብሕብረት ኣለዉልና።
ንሕና ኩልና፡ ንሳ እዛ ቤተክርስትያን ምስ ፈጣሪ ስለዘላለየትና፡ "ልዕሊኣ'የ!" ኢልና እንንየተሉ ዓቕሚ የብልናን። እረ ብሓጢኣት ዝዘቕበብና፡ ፍርድን ቁጥዓን እግዚኣብሔር ዝግበኣና እምበር፡ ናብ ቤቱ ክንሳጉምን ንስሙ ክንጽውዕን ዘይንበቅዕ ምኻንና ክርደኣና ኣለዎ። እዚ ተገይርና ድማ ሓጢኣትን ቁስልን ካልኦት ኣይክነድህበሉን ኢና። ሓጢኣትና ረሲዕና፡ ሓጢኣት ካልኦት ንምዕዛብ ናብ ቤቱ ንግስግስ ተሊና ግን፡ ሕማም ክንውስኽ ተዘይኮይንና፡ እንፍወሰሉ መገዲ እንዳጸበበ ክኸይድ'ዩ።
√ ናብ ሕክምና ዝኸዱ ስለስተ ዓይነት ሰባት ኣለዉ።
1) ሕሙም-ክሕከም ዝደሊ!
2) ሓጋዚ ሕሙም- ንመቕረቡ ናብ ሕክምና ወሲዱ ከርእዮ ዝደሊ።
3) በጻሒ- ኣብ ሕክምና ንዘሎ ብጻዩ ክርኢ ዝኸይድ።
ካብዞም ሰለስተ ዓይነት ሰባት፡ እቶም ክልተ (1ይን 2ይን) ይመሳሰሉ።(1ይ) ዝሓመመ ሰብ፡ ሕማሙ ጥራይ ስለዝረኣዮ፡ ኣብ ሕክምና ከይዱ ናይ ካልኦት ቁስሊ ረርእዩ ንክጽየን ልቡ ኣይእዝዞን'ዩ። ብኸመይ ይሓዊ ዝብል ስምዒት'ምበር፡ ናይ ካልኦት ሕማም ዘስተብህል ኣእምሮ ኣይህልዎን'ዩ።
(2ይ) እቲ ንመቕረብ ንሕክምና ከርእዮ ሒዝዎ ዝኸይድ ሰብ'ውን ሕማም ብጻዩ ከም ሕማም ገዛእ ርእሱ ቆጺሩ፡ ብጻዩ እንክቕንዞ ንሱ'ውን ስለዝቕንዞ፡ "ሓወይ ብኸመይ ይሓዊ!" ዝብል ዕላማ ተዘይኮይኑ፡ ኣብ'ቲ ሕክምና ንዘለዉ ካልኦት ሕሙማት ረርእዩ ክፍንፍንን ክጽየንን ሕልንኡ ኣይእዝዞን'ዩ።
√ (3ይ) እቲ ክበጽሕ ኢሉ ንሕክምና ዝኸይድ ሰብ ግን፡ ንዝሓመመ ብጻዩ ክርኢ ምካድ ጽቡቕ እካ እንተኾነ፡ ከባቢኡ ረርእዪ ኣፍንጭኡ ክዓብስ፡ ክጽይን ግን ይረአ። ስለዚ ኣብ ዕላማ መምጺኢኡ ጥራይ ኣተኩሮ ገይሩ ንቤቱ ክምለስ ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ'ዩ። ፐርከስ ጥዑይ ኮይኑ ይኸይድ ስለዘሎ፡ "በቶም ሕሙማት ከይልከም" ዝብል ስግኣት ክሓድሮ ዝተለምደ'ዩ። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ዋላ እካ ኣብ'ታ ብጻዩ ዘለዋ ክፍሊ ኮይኖም ብቑስሊ ኣዝዮም ፈጀቕ-ጀቕ ዝበሉ ሰባት ረርእዩ፡ ከይጽየን ትዕግስቲ እንተገበረ፡ ካብ'ቲ ሕክምና ክወጽእ እንከሎ ግን፡ ካልእ ሕሙም እንክርኢ ከይጨንዎ ኢሉ ኣፍንጭኡ ክዓብስ ባህርያዊ'ዩ።
√ እምበኣረከስ ቤተክርስትያን'ውን ሕክምና'ያ። ናብኣ ዝመጹ ኣካላት ድማ ሓጥኣን ምኻኖም ፈሊጦም ክሕከሙ ዝመጹ እምበር፡ ንሕሙማትን ብሓጢኣት ንዝቖሰሉን ሰባት፡ ክዕዘቡ ዝመጹ ኣየድልይዋንን ኢዮም። ንዓኣ ዘድልይዋ፡ ብሓጢኣት ንዝመሽመሹ ደቃ፡ ናብ ቤተክርስትያን ሕዞምላ ዝመጹ ርህሩሃት ሓለይቲ የሕዋቶም፡ ወይ ድማ ዝሓመመ ሰብ ሕማሙ ዘኪሩ ባዕሉ ክሕከም ወትሩ ዝግስግስ ውሉድ ኢያ ትደሊ ቤተክርስትያን።
√ እምበኣር ብመንገድና ኣብ ቤተክርስትያን መጺኦም ዝተሓከሙ ኣካላት ክሳብ ዘየጥረና፡ ብውሕዱ ሓጢኣት ሓድሕድና ዘይኮነስ፡ ሓጢኣት ገዛእ ርእስና እንዳዘከርና ናብ'ዛ መንፈሳዊ ሕምና ንክንሕከም ንገስግስ። ሓጢኣት ካልኦት ርኢኻ ንምጽያን ተኾይኑ ምምጻእና ግን፡ ከይተፈወስናን ሕማም ወሲኽናን ኢና ንቤትና ክንምለስ።
√ ቤተክርስትያን ድማ ነቲ ክሕከም ኢሉ ዝመጸ ኣካል፡ በቲ ዘለዋ መንፈሳዊ ጸጋ ክትፍውሶ ኢያ፡፡ ነቲ ሕሙም ተመሲሉ፡ ልዕልና ቤተክርስትያን ዕሽሽ ብምባል፡ ነቶም ንፍወሳ ዝቐረቡ ደቃ፡ መመሊሱ ክብክሎም ኢሉ ዝመጸ ድማ በቶም ሰማያውያን የዒንታ መምያ፡ በቲ ዝተዋህበቶ መለኮታዊ ስልጣና ገይራ ቆሪጻ ክትድርብዮ ኢያ።
" " ዛቲ ይእቲ ምዕራፍየ፡ ለ ዓለም ፡እስመ ሐረይክዋ ዘየ አኅድር ለዓለም!"
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር!
ሕቱም-መጽሓፍ

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...