søndag 17. mai 2020

ዘይትሕለል ኢድ እግዚአብሔር!! (ኢሳ59፥1)

በስመ ሥላሴ
√ ሰባት ብዛዕባና ንምፍላጥ ንዓና ምሕታት የድልዮም። እግዚአብሔር ግን ገና ሰባት ብዛዕባና ክነግርዎ ከይጀመሩ ፈሊጥና ይጸንሕ። ሰባት ንሕና ብእንነግሮም ቃላት ተበጊሶም ብዛዕባና ወሳሲኹም ከውርዩ ይጅምሩ። እግዚአብሔር ግን ብዛዕባ ድሕረ-ባይታና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ገና ብሕጂ እንኾኖ ሕይወት 100% ፈሊጡ ዝጸንሕ ክንሱ፡ ከም ዘይፈልጥ ጋሻ ኴኑ፡ "ኣዳም ኣበይ ኣለኻ፧" እናለ ይሓተናን ይሓተልናን። ሰባት ብዛዕባና ኣቐዲሞም እንተፈሊጦም፡ ንኣሽሙርነት ተዘይኮይኑ ስሌና ምሕታት ኣየገድሶምን፡ ክንነግሮም እንተጀመርና'ውን ተዓጊሶም ክሰምዑና ኣይክእሉን። እግዚአብሔር ግን፡ ከም ምሉእ ብምሉእ እትንበብ ፊደል "ሀ" ውሽጥናን ውሻጤናን ከይገናጸለ ከንብብ ዝኽእል ኣምላኻዊ ዓቕሚ ዘለዎ ክንሱ፡ ዋላ ወሳሲኽና ክንነግሮ እንከለና፡ ከም ሓንቲ ኣደ ንልሳኑ ዘየጽረየ ውላዳ ኴኑ ብትዕግስቲ ይሰምዓና። 

√ በቲ ስለሕይወትና እነዘንትወሉ ትረኻ ድማ ከም ተመሲጥካ እትሰምዖ ታሪኽ፡ ክሰምዓና ይጅምር፡፡  ድማ ንዝተጋገናዮ ብዘይምጒብዕባዕ ብትሕትና ይእርመና። ሰባት ስለሕይወትና ጌጋ ሓበሬታ ክንህቦም እንተጀሚርና፡ ካልእ ድጋፍ ከይተጠቐሙ፡ ባዕላቶም ብዘይዝኾነ ሓገዝ ጌጋን ኣይጌጋን ክፈልጡ ዓቕሚ ስለዘየብሎም፡ ዘላቶም ኣማራጺት ነቲ ዝተንተንናሎም ቃላት ኣሚንካ ምቕማጥ ጥራይ'ያ። እግዚአብሔር ግን መስከርቲ ንምርካብ ንየማነ ጸጋም ሃሰው-ሰው ምባል ኣየድልዮን። ሰባት ንዘዘንተወናሎም ታሪኽና  ብናይ ካልኦት መሰኻክር ጌጋ ሓበሬታ ምዃኑ እንተኣረጋጊጾም፡ ኢዶም እንዳወጣወጡ ከፋጥጡልና ይጅምሩ። ዘገርም ክእርሙና ክብሉስ የፋጥጡልና። ኣምሳያ'ቲ ዝሃብናዮም ግጉይ ሓበሬታ ድማ ክከሓሱ ይደልዩ። እግዚእብሔር ግን ጌጋ ንነግሮ ምህላውና እናፈለጠ፡ ብትዕግስቲ ይሰምዓና'ሞ ብትሕትና ከኣ ይእርመና፡፡ ዋላ'ውን ትረት ልብና ዘይምእራም እንተመረጸ፡ ክሳብ እንምለስ ብትዕግስቲ ይጽበየና። 

√ ሰባት ንዓና ንምእራም ዝጥቀምሉ ዘዴ፥ ምጒብዕባዕን ንዕቀትን ብዝተሸለሙ ቃላት ገይሮም'ዮም። ምምላስ እንተኣቢናዮም፡ ነውኒዎም ንጸድፊ ኣሕሊፎም ይህቡና። ብውድቀትና ከነንከራሩ እንከለና ድማ፡ ስንፍናና ከደስቶም ይጅምር። "እገለስ እንኳዕ ኣይበለጸኒ፡ እገሊትሲ እንኳዕ ብትሕትናኣ ተመሊሳ ኣየሸነፈትኒ!" ኢልካ ብምሕሳብ፡ እርማትና ኣገዲስዎም እንክመስሉ፡ ኣብ ርሳስና መደምሰስ ክሰኲዑ ይህቅኑ፡ ካብ ጌጋና ተኣሪምና ጽባሕ ልዕሊኦም ሓቅነት ንኸይንውንን ድማ ክጸቕጡናን፡ ኣብ ልዕሌና ክጒይትቱን ይደልዩ። እግዚአብሔር ግን ዋላ'ኳ ክንእረም ዘይንደሊ፡ ወነንቲ ልበ-ደንዳና ምዃንና ይፈልጥ እንተኾነ፡  እርማትና ዝናፍቕ፡ ብጣዕሳና ዝድሰት፡ "ከማይ ቅዱሳ ኲኑ!" ብምባል ብኣርኣያኡ ዝፈጠራ ሰብነትና፡ ንዑኡ መሲላ ክሳብ እትረኣዮ እናሻዕ ይሓጽበና። ሰባት ክእርሙና እንከለዉ፡ እርማትነቶም ፍጽምና ስለዘየብሉ ጌጋና ክድምሲሱ ክብሉ፡ ገለ ኣሰር፡ ተርፍ-መረፍ ገዳዲፎም'ዮም። እግዚአብሔር ግን ብዘይተረፍ መታን ክንጸሪ ንጒድለትና ከም ብብርቱዕ ውሕጅ ዝብሕጎግ እምባ፡ ንኣበርና ብፍጽምናኡ ሓጻጺቡ ዝጸርግ ኣምላኻዊ ዓቕሚ ኣለዎ፡፡ ሓቀኛ ኣራሚ ምዃኑ ንከረድአናን ክረድኣናን ድማ ኣይህከዮን፡፡ 

√ ንምሕላልና፡ ብዘይምሕላሉ የሐልሎ!
√ ንከንቱነትና፡ ብፍጽምንኡ ኣብ ፍጽምና የምጽኦ!
√  ንተጻረርትና፡ ብተጸራርነቱ ይጻረሮም!
√ ሓያላት ብትሕትና ከምዝሰዓሩ፡
√ ብትሕትና ብርቱዕ ከምዝኽወን፡
√ ስንፍና ብልቦና ከምዝሕየል፡
√ መናድቕ ጽልኢ፡ ብፍቕረ-መስቀል ከምዝፈርስ፡
√ ባሕረ-ሲኦል፡ ብምግባረ ሃይማኖት ከምዝስገር፡
√ ጣዕሚ መንግስተ ሰማያት፡ ኣብ ቤተክርስቲያን ከምዝጅመር፡
√ ፍጽምቲ ገጸ-ፍቕሩ፡ ብፍቕሪ ድንግል ማርያም ከምዝተራእየ ከረድኣና ክብል ብዘይምትኻስ ይዓዪ።

ገጽ እግዚአብሔር ምርኣይ ማለት ተወዳዳርነት ዘየብሉ ዕጋበት ምዃኑ ብፍቕሩ የረድኣና። ድሕሪኡ፥-  "ገጽካ ኣይርእየኒ፡ ገጽካ ክርኢ፡ መልክዕካ ክድህሥስ ይደሊ ኣለኹ!" ኢልና ክንውከሶ ክሳብ እንጅምር ንኸውን። ንሱ ድማ ኣብ ደብረ ታቦር፡ ኣብ ቤተክርስቲያን ብስጋ ማርያም ተሰግዩ ክረኣየና ይጅምር። "ብልዑኒ፡ ስተዩኒ'ሞ ሕይወት ክትረኽቡ ኢኹም!" ይብለና። ሽዑ "ንዓኻስ ኣምላከ ሙሴ ደኣ'ምበር፡ ሙሴ ክብሉኻ ኣይግበኦምን፡ ንዓኻስ ናይ ኤልያስ ፈጣሪ፡ ኢሎም ደኣ ብስጋ ምግላጽካ ከድንቑ ምተገበአ'ምበር፡ ንዓኻ ይኹን ነዴኻ ክነቕፉ ኣይግበኦምን ነይሩ!" ኢልና ብሓጎስ ክንምስክር ንጅምር። ሰባት ግን ዋላኳ ኣብ ቅድሜኦም ብጌጋናን ጒድለትናን እንተተኣመንናሎም፡ ስጋኦም ቆሪሶም፡ ደሞም ኣፍሲሶም ክዕንግሉና ኣይክእሉን። እንተፈተኑ'ውን ሞት ደኣ እምበር ሕይወት ኣየውህበናን።

√ ሰባት ስለምድሓና ክዓዩ እንተዄኖም ዘሕልል ምግባራት ተዘይሃልዩና'ዩ። እግዚእብሔር ግን ኣብ ሰብ ዘለዎ ፍቕሪ ክሳብ ኣብ መስቀል ሙሟት፡ እረ ክሳብ ናብ ጥልቀተ-ሲኦል ምኻድ እኳ ዘሕልሎ ኃይሊ ኣይተረኽበን።
ስለኲሉ ፍቕሩን ምሕረቱን፡ እግዚአብሔር ኣምላኽና ዝተመስገነ ይኹን።
ኣሜን!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር!!!

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...