mandag 19. februar 2018

ቅድስት 2ይ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ፣

Bilderesultat for eritrean orthodox tewahdo photo senbet


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ፣

ቅድስት ቤተ ክርስትያን በቲ ሃብታም ዝኾነ ካብ እግዚኣብሔር ብመንገዲ ቅዱስ ያሬድ ኣቢላ ዝተረከበቶ ሰማያዊ ስርዓታ መሰረት ገይራ፣ሕጂውን ነዛ ሰንበት እዚኣ ቅድስት ኢላ ትሰምያ።ኣብ ቅዱሳን መጽሓፍቲ <<ቅድስት>> ዝብል ቅጽላዊ ናይ ግእዝ ቃል፣ካብ ቀደሰ፣ኣማዕረገ፣ኣወቀበ፣ፈለየ ካብ ዝብሉ ቃላት ዝተቐድሐ ኮይኑ፣ንቅድስናን ንጽህናን ፍሉይነትን ናይ ሰንበተ ኪዳን ንምትራኽ ብፍላይ ድማ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፣ኣብ ዕለተ ሰንበት ዝገበሮም ፍሉያትን ቅዱሳትን ተግባራት እናሻዕ ኣብ ልቢ መእምናን ተጻሒፎም ኣርኣያነቱ ተኸቲሎም ደድሕር ቅድስና ንምስዓብ ኣብ ሕልነኦም ቅጅል ዝብሎም ናይ ፈጣሪኦም ኣስተምህሮ ኢዩ።ኣብ መንፈሳዊ ኣስተምህሮ፣<< ባህርይን ጸጋን>> ዝብሉ ቃላት ኣዝዮም ተዋሰብቲ ኢዮም።ኣብ መንፈሳዊ ሂወት ዝሳግም ሰብ ባህርይ እንታይ ኢዩ፣ጸጋኸ ንመን ኢዩ ዘመልክት ንዝብል ሓደ መእመን፣ፈጺሙ ክርድኦ እንተዘይኪኢሉ፣ንፈተነ ዝተቓለዐ ሰብ ኢዩ።

ብባህርይ ቅዱስ መን ኢዩ፣

እዚ ቅዱስ ዝብል ቅጽል ዝውክሎ፣ መን ኢዩ እንተድኣተባሂኡ፣ብዓንተወኡ፣ካብ ቅድሙ ከይተቐየረ ኩሉ ግዜ ቅዱስ ኮይኑ ዝነብር እግዚኣብሔር ጥራይ ኢዩ።ቅዱስ ማለት ፍሉይ ካብ ኩሎም ተፈልዩ ባዕሉ ንባዕሉ እንዳተቐደሰ ዝነብር ማለት ኢዩ።ቅዱስ ንተባዕታይ ጾታ ከመልክት እንከሎ፣ቅድስት ድማ ነንስታይ ጾታ ይሕብር።<< ቅዱስ እግዚኣብሔር፣ቅዱስ ሓያል፣ቅዱስ ሕያው ዘኢይመውት፣ዘተጠምቀ በዮርዳኖስ፣ዘተሰቅለ በዲበ ዕጸ መስቀል ተሳሀለነ እግዚኦ>> ኣብ ቅዳሴና እንደጋግሞ ጥዑም ናይ ተስፋ ቃል ኢዩ።ሓያልነቱ፣መለኮታውነቱ፣ከሃልነቱ ምስ ናይ ተባዕታዊ ጾታ ተመሳሲሉ ምጥቃሱ፣ ንኹሉ ነገር ሓያል ዝኾነት ቅልጽም እግዚኣብሔር ንምትሕስሳብ ኢዩ። << ኢሳ59፣1 ኢድ እግዚኣብሔር ንምድሓን ሓጻር ኣይኮነትን።>> ይብል።ቅድስና ናይዛ ኢድ እዚኣ ካብ ባህሪኣ ስለዝኾነ፣ብሕልና ፍጡራት ተመጣጥርካ ዘይትልካዕ ኢያ።ብኻልእ መንጽርውን ቅድስት ስላሴ ንብል ኢና።<< በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላኽ በቅድስት ስላሴ፣እንዘእኣምን ወትእማሕጸን እክሕደከ ሰይጣን>> ኢላ ወትሩ ነፍስና ብጸሎት እትምገቦ ናይ ዘውትር ጸሎት ኣሎ።ኣብዚ < በቅድስት ስላሴ> ምባልና፣እግዚኣብሔር ተንስታይ ጾታ ስለዘሎዎ ኣይኮነን።እንታይ ደኣ፣ርህራሄን መግቦትን እግዚኣብሔር ከምታ ኣደ ንውላዳ ካብ ውሽጣ ዝመንጨወ ጸባ ጡብ እንዳዐንገለት፣ብድንጋጸአ ከኣ < ቅድሜኻ ይስጥሓኒ> ብምባል ንውላዳ ሕልፊ ሰብነታ እተፍቅር ኣደ ኣነጻጺርና፣ናይ እግዚኣብሔር ርህራሄን መግቦትን ከኣ ልዕሊ ኣእምሮ ምኻኑ ንምግንዛብ ኢዩ።<< ምሳ 9፣1 ጥበብ ቤታ ሓነጸት፣ሸውዓተ ኣዕኑድ ኣቐመትሉ።>> ተባሂሉ ኣሎ።ትንታኔኡ ብዙሕ ኢዩ ምስዚ ኣርእስቲ እትኸደልና ግን እታ፣ጥበብ እትብል ዘላ ቃል ንስም እግዚኣብሔር እትውክል ኢያ።ስለዚ ቅድስና እግዚኣብሔር ብተባዕታይ ጾታ ይኹን ብተንስታይ፣ብኽልቲኡ ኣሰማሚዕና ከነመስግኖ ተኻኢሉ።

ኣብ ካልእ ጽሑፍ << 1ይ ጴጥሮስ 1: 15-16 ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ>> ይብል። ስለዚ ቅድስና እግዚኣብሔር ገና ፍጥረት ከይጀመረ እንከሎ ካብ ዘልኣለም ክሳብ ዘልኣለም ቅዱስ ስለዝኾነ፣ነቶም በታ ቅድስቲ ኢዱ ዝዓየዮም ደቁ ድማ፣ካብ ቅድስንኡ ቅድስና ክማቐሉ ብዘይብቂ መጠወሎም።እዚ ግን ካብታ ባህሪኡ ዝተጨለፈ ናይ ፍታዉ ትዕድልቲ ስለዝኾነምበር፣ብባህሪና ቅዱሳን ስለዝነበርና ኣይኮነን ቅዱሳን ኩኑ ዝበለና።ፍጡር ቅድስና የድልዮ ኢዩ፣ግን ካብ ፈጣሪኡ ብጸጋ ምስተዋህበ ኢዩምበር ካብ ባህሪኡስ ኣይኮነን።

ብጸጋ ቅዱሳን ዝበሃሉ፣-

ቅዱሳን መላእክቲ፣ቅዱሳን ኣቦታት፣ቅዱሳን ነገስታት፣ቅዱሳን ህጻናት፣ ቅዱሳን ኣዴታት፣ቅዱሳን መካናት፣ቅዱሳን ኣሳእል፣ ንዋየ ቅዱሳት፣ቅዱሳን በዓላት፣ቅዱሳን ዕለታት፣ስመ ቅዱሳን፣ቅዱሳን ቃላት፣ቅዱሳን መጻሕፍት፣ቅዱሳን መዛሙር፣ቅዱሳን ዜማታት ወዘተ።እዚኣቶም ንሕና ንክንጥቀመሉሞ ብቐረባ ናብ ድሕነት ክንቀርብ፣ ተባሂሉ እግዚኣብሔር ዝዓደለና ስለዝኾኑ፣ቅዱስ ዝብል ቅጽል ሒዞም ይርከቡ።ነዚ ዝተጠቕሰ ነገር ዝጻረር ዘበለ ድማ ኩሉ ኣንጻር እግዚኣብሔር ስለዝኾነ፣ቅድስና ዝተነፍጎ ኢዩ።እግዚኣብሔር ንሕና ደቂ ሰባት ክንድሕነሉን ወረስቲ መንግሱ ክንከውንን ኢሉ ነዚ ንሕና እንጥቀመሉ ዘበለ ብቅድስና ኣማዕሪጉ፣ብኡኡ ንክንቅደስ ገፊሕ ዕድል ከፈተልና።ነዛ ቅድስና እዚኣ ቅዱስ  ጥበበኛ ሰሎሞን፣<< ነታ ኣብ ጥቓ ዙፋንካ ተቐሚጣ ዘላ ጥበብ ሃበኒ፣ካብ መንጎ ኣገልገልትኻ ኣውጺእካ ኣይትደርብየኒ።ጥበብ 9፣4>> ኢሉ ለመነ።እዛ ጥበብዚኣ ቅድስና ናይ ባህሪኣ ዝገበረት ስለዝኾነት፣ንኹሉ ነገራትና ክትቅድስ ሓይሊ ዘለዋ ጥበብ ኢያ።ስለዚ ክንድዝኾንናዮ ንኹን ብዘየገድስ፣ንሓይሊ ቅድስና እግዚኣብሔር ዝዕንቅጽ ግን ኣይርከብን ኢዩ።እዚ ግን ብኡኡ ብቅድስንኡ ንክትቅደስ ፍቓደኛ ምስ እንኸውን ኢዩ።ቅዱስ ሰሎሞን ብቅድስንኡ ንክቕደስ፣ልቡ ከፊቱ ለመነ።

ሰንበት ቅድስቲ ኢያ።ባዕሉ ቅድስቲ በዓል ገይሩ ስለዝጀመራ ባሪኹ ቀደሳ።እዚ ድማ ክፈጥር እንከሎ ብዕለተ ሰንበት ፈሊሙ ናይ ፍጥረት ጅማሪት፣ክውድእ እንከሎ ድማ ናይ ፍጥረት ደምዳሚት ገይሩዋ።< ዘፍ1፣1-8 ዘፍ 2፣2> እታ ፍጥረት ዝጀመረላ ሰንበት ሎሚ ሰንበተ ክርስትያን ተባሂላ ትጽዋዕ ኣላ።ምኽንያቱ ንሳ ናይ ጎይታ መዓልቲ፣ክርስትያን ድማ ትንሳኤ ጎይታኦም ዝተበሰሩላ ዕለት፣ኣብ ሕልፈት ዓለም ከኣ ናብታ ዝትስፈዉዋ መንግስቱ ንምውራስ ንጎይታኦም ዝጽበዩላ ዕለተ ምጽኣት ብምኻና፣ሰንበተ ክርስትያን እንዳተባህለት ትዝከር ኣላ።ነዚ ክቡር ኣቦና ቅዱስ ጳውሎስ፣<< እምበኣር ንህዝቢ ኣምላኽ፣ዕረፍቲ ሰንበት ተነቢራትሎም ኣላ፣ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዘዕረፈ፣ንሱውን ካብ ግብሩ የዕርፍ። እብ4፣9-10>> ይብለና።ኣብ ብሉይ ኪዳን ብስራሕ ኢዱ ዝጀመራን ዝባረኻን መዓልቲ፣ኣብ ምጽኣቱ ድማ ፍርዱ እትቕልቀለላ ዕለት ነዛ ሰንበት እዚኣ ኢዩ መሪጹዋ።

እታ ሓንቲ ሰንበት ድማ ናይ ፍጥረታት ድምዳመ ወይከኣ መወዳእታኦም ዝኾነት ማለት ካብ ኩሉ ግብሩ ኣዕሪፉ ብምውዓል ዘኽበራን ዝቐደሳን መዓልቲ ኢያ።ቀዳሚት ሰንበት ከኣ ትበሃል።እዚ ቀዳመይቲ ሰንበት  ዝተባህለትሉ ምኽንያት ኣብ ብሉይ ኪዳን ብክብ ዝበለ እትኽበር ዝነበረት ንሳ ቀዳመይቲ ስነበት ምንባራ፣ዳሕራዩ ግን ናይ ክርስትያን ሰንበት ከምዝተጨመረት፣ንምትሕስሳብ ተባሂሉ ኢዩ ቀዳሚት ሰንበት ተባሂላ።ክቡር ቅዱስ ኣቦና ኤፍሬም ሶርያዊ፣<<ውዳሴሀ ለእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘይትነበብ በዕለተ ቀዳሚት ሰንበት፣>> ኢሉ ጠቐሰልና።እዚ ማለት ከኣ በታ ቀዳመይቲ ሰንበት ዝንበብ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስጋና ማለት ኢዩ።ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ እግዚኣብሔር ካብ ናይ ምፍጣር ግብሩ  የዕሪፉ ከምዝወዓለ ኩሉ፣ ቀዳሞት ኣቦታት ናይ ብሉይ ኪዳን ድማ ካብ ስጋዊ ግሮም ኣዕሪፎም፣ቅዱስ ግብሪ ክሰርሑ  ይውዕሉ ነይሮም፣፣እዚ ከኣ እግዚኣብሔር ንደቁ ዘላቂ ዕረፍቲ መታን ክምጡ  ኣብ ዕለተ ዓርቢ ኣብ መስቀል ብምስቃል ንሞት ቀሚሱ፣ብዕለተ ቀዳም ኣብ መቓብር ኣዕሪፉ ወዓለ።ንጽባሒቱ ሰንበት፣ ሰንበተ ክርስትያን ድማ ካብ ከተማ ምውታትን ብክብሪ ተንሰአ።እዘን ሰናብቲ ሰናብቲ እዚኣተን ኸኣ ንሕና ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ከምእንወሃብ እንትስፈወለንን ቅዱስ ግብሪ ሰሪሕና ብእግዚኣብሔር እንባረኸለንን፣ቅዱሳን ናይ ዕረፍቲ ዕለታት ኢየን ።

ስለዚ እዛ 2ይቲ ሰሙን ናይጾመ ኣርብዓ እዚኣ እተማሓላልፎ መልእኽቲ እንታይ ኢዩ እንተተባሂሉ፣እግዚኣብሔር ነቶም ናብ ናይ ምልኣት ቅድስንኡ ንምምጻእ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ደቁ፣ንሱ ድማ በቲ ከሃልነቱ ገይሩ ናብ ናይ ቅድስንኡ ሑቕፊ  ክሓቕፎም ወትሩ የእዳዉ ዝርጉሓት ምኻነን ዘተንብህ ቃል ኢዩ።ካብ ሓጢኣት ብምርሓቕ፣ነዚ ቅድስናዚ ለቢስና ወረስት መንግስቱ ክንከውን ብጸግኡ ይደግፈና።

ወስብሀት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ይተኣኮት ወይሴባሕ፣ወትረ በኩሉ ግዜ ወበኩሉ ሰዓት ኣሜን።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...