onsdag 26. april 2017

ንዑ ባርኹኒዶ፣ንዑ ክባርኸኩም፣

ንዑ ባርኹኒዶ፣ንዑ ክባርኸኩም፣
ኣብዚ ዘመን ዝባርኹ እምበብር፣ዝባረኹ ተሳኢኖም፣ንዓ ክባርኸካ ዝብል እምበር ባርኸኒ ዝብል ሰብ እንዳሰሓወ ይመጽእ ኣሎ።ነገሩ እቶም ንዑ ክንባርኸኹም ኢሎም መለኸት ዝነፍሑ፣ነቲ ምንጪ በረኸት ኣይተሰከምዎን።በረኸት ከይተሰከምካስ ከመይ ክትባርኽ፣ኣብ በረኸት ከይተኾየጥካስ ካበይ በረኸት ከተፍሲስ።

ሓደ ግዜ ኣብ ናይ ገጽ መጽሓፍ (ፌስ ቡክ) ሓደ ኣዚየ ዝፈትዎ መንፈሳዊ ዝኾነ ድያቆን፣የዒንተይ ረኣያኦ፣ካብ ዝፈላለ ነዊሕ ገይርና ስለዝነበርና፣ከምዛ ብኣካል ዝረኣኽዎም መሲልኒ፣ነታ ኮምፒዩተር ክስዕማ ቁሩብ ተሪፋትኒ።ከምቲ ትፈልጥወን እዘን ካብቶም ዘይእዙዛት ጭዋዳታት ዝቖማ የዒንተይ፣ክንደይ ዝኾኑ ፈተውቲ ኣሎዉዎም ንምቁማት፣ናብ ታሕቲ ጠመታ።ብዙሓት ፈተውቲ ፍቕሩ ንምግላጽ ዝጸሓፍዎ ኮመንትታት፣በብሓደ ከንንብብ ጀመርኩ።ናይ ሓባር ጸብጻብ ወሲደ ምስ ረኣኽዎ ስታትስቲክስ ወሰድኩ፣፣መብዛሕትኦም እቶም ኮመንትታት ገጸ ንባቦም፣<<ድያቆን እግዚኣብሄር ይባርኽካ፣ተባርኽ፣ብሩኽ ኩን፣እግዚኣብሄር ይቐድስካ፣>>ወዘተ ክብሉ ጸኒሖምኒ።እቶም ቃላት ብዙሕ ግዜ ክውንጨፉን ብየእዛነይ ክሓልፉን ይርኢ ስለዝነበርኩ፣ኣይሓደሱንን።እንተኾነ ካልእ ሓጠቕ ሓጠቕ፣ዝብል ላህጃ ስለዝዘከርኩ፣እቶም ሰባት ምላልባሽ እቶም ቅድሚ 10 ዓመታት ኣቢሎም ኣብ እዝነይ ዝድርጉሑ ዝነበሩ፣ናይ መናፍቓን ናይ ቅብጥሮት ድምጺ መሲሎምኒ፣ቸክ ንምግባር፣ኣስማት ናይቶም ነዚ ኮምነት ዝጸሓፉ ሰባት ክርኢ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ፕሮፋል ብምእታው ወናም ናይ ፌስቡክ ዳህሳሳይ እንክመስል፣ድህሰሳ ጀመርኩ።

ኣብ ፌስቡኮም ስእሊ ድንግል ማርያም፣ስእሊ ቅዱሳን ዘለዎ፣እረ ገሊኦም ከኣሞ ኣዝየ ዝፈልጦም ኮይኖም ጸንሑ።መብዛሕትአንሲ ወረ ደቀንስትዮ ትምህርተ ሰምበት ኮይነን ኢየን ጸኒሐናኒ።ሽህዑኡ ንነብሰይ ክሓታ ጀሚረ።ቅድሚ 10 ዓመታት ሓደ መናፍቕ ሰንደር ኢሉ<<እግዚኣብሄር ይባርኽካ>>፣ንዝብለኒ ዝነበረ እንታይ ይስምዓኒ ከምዝነበረ፣ነቲ ናይ ሽዑኡ ስምዒትን ናይ ሕጂ ሓቀኛ ምስለይን ክመምዮም ጀመርኩ።ለካስ ንነብሰይ ውን ምስቶም፣ክባርኹ፣እግዚኣብሄር ይባርኽካ፣ይቐድስካ፣ዝብሉ ናይ ዘምንናን መስቀል ዘይዓተሩ ካህናን ኮይና ጸናሕትኒ።

ወዮ ነብሰይ!!!፣ከምዚ ኢለ ከኣ ሓተትኩዋ፣<<መስቀል ከይዓተርኪ ደኣ ከመይ ባረኽኪ፣ክህነት ከይተሸለምኪ ደኣ ከመይ ደፈርኪ፣ኣማናዊ ስግኡን ደሙን ንምፍርታት ከይበቓዕኪ ደኣ ከመይ ንማህበረ መእምናን ክትባርኽዮም ከኣልኪ፧እረ ሓደ ሓደ ግዜ፣ነቶም መስቀል ዝዓተሩ፣ቆቢዕ ቅድስና ዝለበሱ፣ንካህናትን መኖኮሳትን፣<ኣባ ጸጉኡ የብዚሓልኩም፣እግዚኣብሄር ይባርኽኩም>>፣ዝበልኩሉ ግዜ ሰዝነበረ፣ ኩሎም ነዞም ካብ ኣፈይ ዝወጹ ቃላተ ቡራኬ ክዝክሮም ፈተንኩ።

ኣብ ግዜ ጾሎተ ቅዳሴሲ፣ኣመ ይሄሉ ኤጲስቆጶስ ይባርክ ኤጲስቆጶስ፣ኣመ ኢይሀሉ ኤጲስቆጶስ ይባርክ ጳጳስ፣ኣመ ኢይሀሉ ጳጳስ ይባርክ ካህን፣፡፡፡፡፡፡፡፡ ተባሂሉ ክንበብ ይሰምዕ ኢየ።ንነብሰይ ሕጂውን ብሕቶ ኣዋጠርኩዋ፣እስከበሊ ካብዚኦምሲ ካበየናዮም ኢኺ፧ገና ዱቁና፣እረ ጀማሪት ናይ መንፈሳውነት ዘይኣኸልክስ፣ንኣዝዮም ዓበይቲ ኣቦታት ክትባርኺ፣ከመይ ኢልኪኸ ከኣልክዮ፧ኢለ ከዋጥራ ጀመርኩ።ነብሰይ መርትዖ ሲኢና ኢያ መስለኒ፣ኣጽቅጥ ኣበለት።

ተማሃራይ ኣስካላ እንከለኹ፣እቶም መምሃራንና ዘዕሉሉና ዝነበሩ ዕላላት ዘከርኩ።እቶም መምሃራን፣<<ንሕና ተማሃሮ እንከለና፣ትምህርቲ ምስተፈደስና ገዛ እቱው ኢልና ቦርሳና ከየራገፍና፣ኣብ የእዳውን የእጋርን ወለድና ንሳለም ነይርና>> ኢሎም ዘዕልሉና ዝነበረ ዕላል ቅጅል በለኒ።ኣብቲ ኣነ ተማሃራይ ዝነበርኩሉ ግዜ ንወለድኻ ኬድካ ክትሳለሞ ቁሩብ ነብሰ ምቲሓት ኮይኑ ይስምዓና ስለዝነበረ፣ዳርጋ ክንዲ ወለደይ ኣኺለ እንድየ ዝብል ሕማም ተላባዕ ዚሓዘና ዝነበረ ይመስል።ብሕልናና ግን ንዘመነ ተማሃራይነት ናይቶም መምሃራንና ኣመስገንናዮ።<<ክንደይ ዝኣክል ቲሕትና ኢዮ ወደይ!!>> ኢልና ንግረም ነበርና።

ሎሚ እቶም ሽዑኡ ኒየእዳውን የእጋርን ወለዳ ንምስላም ቲስልኪ ዝነበረት ነፍሰይ፣ትዕቢታ የመና ሳዕሪሩ፣እረ ምስ ካህናትን መኖኮሳትን ክትመዓራረይ ምስ ረኣኹዋ ገረመኒሞ፣ግረፋ ግረፋ መጻኒ።ኣብዚ ዓዲ ኦምህራም ኣይፍቀድን ዝብል ሕጊ ስለዘሎ ግን ብፍርሒ ተቐርቀርኩ።

ዘመንንና እንተተመልኪትናዮ፣መብዛሕትኡ ሰብ ንኽባርኽን፣ንኽቅድስን ንምቅዲዳም ናይ ማራቶን ትኬት ሒዙ ትርኢ።ደረጃና  ዳርጋ ዝዘንጋዕናሉ ዘምንን ተባሂሉ ከይስመ የፍርሓካ።ምዕራባውያን ዝዘርእዋ፣(GBU) ጋድ ብለስ ዩ፣እትብል ዝተቖራረጸት ናይ እንግሊዝኛ ቋንቋ ቃሎም፣ብትግርኛ ተተርጊማ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ኣትያ፣ኣብ ኣፍ መእምናን ኮይና ንካህናትን ጳጳሳትን፣ድያቆናትን ክትባርኽ ትርአ ኣላ።እዝግዩ፣እዝግዮ፣እዝግዮ፣ጽንሕ ኢልና ንዑ ድንን በሉለይሞ ኣነ ክባርኸኩም ንበለሉ ግዜ ከይመጽእ ትፈርሕ።ሰይጣን ብጥበቡ ንመእምናን፣ኣብ እግሪ ካህናን ከከይድካ ንምስላም ኣብ ክንዲ ዝግባእ፣መስቀል ዘይዓተረት የእዳው መእምናን ብምጥቃም ቅቡኣተ እግዚኣብሄር ብድፍት ክትባርኽሞ፣በረኸት ከይረኸበት ንኽትነብር እንዳዓየየ ኢዩ።ኣቦታትና ቅዱሳን ጳጳሳት፣ካህናት ድያቆናት ግን በንጻሩ፣ክትባርኾም እንከለኻ ቲሕትና ካብ ጎይተኦም ስለዝተማህሩ፣ንስኻ ክትባርኸኒ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ከይበሉ፣ብቲሕትና ኣሜን ንምባል ይቀዳደሙ።ንሕንና ኣሜን ኢልና ክንምረቕ ዝግባእ፣ኣፍና ኣሜን ከይብል ከኒቡ፣ንኽባርኽ ግን ተጊሁ።<<ዘመና ግርምቢጥሲ ማይ ንዓቐብ>> ድዩ ዝብሃል።

ንሕና ግን ከም መእምናንን ነኣሽቱን መጠን ደረጃና ክንፈልጥ ነይርና።ሓደ ጥዑም ቃል እግዚኣብሄር ንዝተዘራረበ ሰብ ኣብ ክንዲ እግዚኣብሄር ይባርኽካ፣ቃለ ሂዎት የስምዓልና ምባል ይምቅር።ንሓደ ጥዑም ዜማ ዘስምዑ ካህን፣ብጣዕመ ዜማኦም ስለዝተማረኽካ፣ኣብ ክንዲ እግዚኣብሄር ይባርኽኩም፣ተባረኹ፣እግዚኣብሄር ይቀድስኩም ኢልካ ምድፋር፣እግዚኣብሄር ይመስገን፣ንዓኹም ኣይኽለኣና፣ጸሎት ግበሩልና ኣቦና፣ባርኹና እንተዝበሃሎ ኣዝዩ ምጠዐመ።

ናይ ሎሚ ልሳን ግን ንዑ ክባርኸኩም፣እምበር ንዑ ባርኹኒ ንምባል ይህከያ ስለዘሎ ዓገብ ክትበሃል ይግበኣ።ደኒንኪ ተባረኺ እምበር፣ንዒ ባርኺ ክትባሃል ኣይግበኣን።ንሳስ ትድነን ደኣምበር፣መስቀል ከይዓተረት፣ከመይ ኢላ መስቀል ንዝዓተሩ ክትባርኾም፣ቅዱስ መዓርግ ንዝተሰከሙ ከመይ ኢላ ኣብ ልዕሊኦም ተሰቐለት፣ቅዱስ ጴጥሮስሲ ከመይ ኢሉ ንክርስቶስ ንዓ ክባርኸካ ክብሎ፣መጺኡምበር ክባረኽ ነይሮዎ፣ቅዱስ ጢሞጢዎስሲ ከመይ ኢሉ ነቲ መምህሩ ቅዱስ ጳውሎስ ንዓ ክባርኸካ ክብሎ ከኣለ፣ቅዱሳን ኮኾብ ካብ ኮኾብ ከምዝኸብር ፈሊጦም ቲሕት ኢሎም በረኸት ይቕበሉ ነይሮም።ናይ ሎሚ ኣቦታትውን በታ ፍጽምቲ ቲሕትነኦም ገይሮም ይምህሩና ኣሎዉ።በሊ ልበይ፣ቲሕት በሊ፣ነፍሰይ ድንን በሊ፣ርእሰይ፣ኣብ ትሕቲተን ንመሎኮት ዝርፍትታ የእዳው ንኽትባረኺ ርእስኺ ኣድንኒ።ቅዳሴ ተወዲኡ፣እተዉ በሰላም ቅድሚ ምባሉ ድያቆን፣ዝብላ ቃል ኣላ፣<<ኣቲሕቱ ርእስኩሙ፣ከመ ይባርክኩሙ እግዚኣብሄር በኢደ ገብሩ ካህን፣>>
ትርጉሙ፣-<ርእስኹም ኣድንኑሞ፣እግዚኣብሄር በኢድ ናይዚ ኣገልጋሊኡ ዝኾነ ካህን ገይሩ ክባርኸኩም ኢዩ።> ይብል።
በሊ ልበይ ልብ በሊ።ንሱ ይባርኸኪ እምበር ነቲ ቅዱስ ካህን ንዓ ድነነለይ ኣይትበልዮም።
ስብሀት ለእግዚኣብሄር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...