mandag 27. februar 2017

ፍቕሪ እግዚኣብሄር ብምሳሌ ክገልጾ ፈቲነስ ምሳሌታት ውሒዶምኒ።

እግዚኣብሄር ኣባና ዘለዎ ፍቕሪሲ በየናይ ምሳሌ ከተረድኡኒ ትኽእሉ፧ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ በታ ድኽምቲ ሕልናይ ብምሳሌ ክገልጸልኩም ይፈቱ።
፩፣ሓደ በጽሒ መንእሰይ፣ኣብ ብሩኩ ዘስንተንፍስ እኹል ጎበዝ፣ከም ንሓንቲ ዕድሜኣ ዝወዴአት ሽማግሌ ሰበይቲ ክምርዖ እንከሎ ተትርእይዎ እንታይ ምበልኩም፧ ኩሎም ቤተ ሰቡ ምኸዓብዎ።ፎእ ምበልዎ፣ንስኻ ትመስል መንስእሰይሲ ነዛ ኣራጊት እንዳበሉ መዋረድዎ። ሓቂ ኢዩ፣እግዚኣብሄር ንኣስታት 5500 ዓመታት ዝኣከል ብምረት ሓጥያት ዝላደየት ንነፍስና ብቅድስቲ ፍቕሩ ፍጹም ኣፍቀራ።ኩሎም ፈተውቱ ቅዱሳን መላእክት ክሳብ ክንድዚ ንስሌና ክብል ዚከፈሎ ፍቕሪ ፍጹም ክሳብ ዝድንጽዎም ኮኑ፣ንሱ ግን ዋላ ብሓጥያት ኣረገውቲ ንኹን፣ክሳብ ሰብ ምኻን ኣፍቀረና።ንሕና ናቱ ልብሲ ለቢስና ግምጃ ክንክለል ዝግባእ፣ነቲ ጺእ ዝጨኑ ስጋና፣ ካብታ ጨና ሓጥያት ዘየብላ ፍጽምቲ ምእዝቲ ዕምበባ ብዝወሰዶ ፍጹም ስጋ፣ግርማ ልብሲ መርዓውቲ ኣልበሰና።
እዚ ነዛ ሽማግለ ዝተመርዓወ መንእሰይ፣ገሌኦም ስለዚሓለይሉ ናይ ሓልዮት ክብሉ ክኽዕብዎ እንከለዉ፣ገሊኦም ድማ መንቀኝነት ዝመበገሲኡ፣ነዛ ሽማግለ ሰበይቲ ምስ መንእሰይ ተምርዕያ ክብሪ ከይስምዓ ኢሎም፣ኣንጻሩ ዝዕጠቑ ኣይሰኣኑን ኢዮም።እዚኦም ብርግጽ ፈተውቲ ናይታ ሰበይቲ ኣይኮኑን፣ሓለይቲ ናይቲ መንእሰይ ድማ ኣይኮነን።
ኢዮሱስ ክርስቶስ፣ኣብ መስቀል ንኽስቀል፣ቀሌቤት ቃል ኪዳንና ድማ ብቀለመ ደሙን ቅዱስ ማዩን ክሓትሞ ምስ ወሰነ፣ብዙሓት ግን ኣይተሓጎሱን።ገሊኦም ቅዱሳን መላእክቲ እረ ክንድምንታይ ቲሕትና ኢዩ፣ኢዮም ብኣንክሮ ዓቢ ምስጋና ኣቕረቡ፣እቶም ርኹሳን መናፍስቲ ግን፣ንሕና ብሓጥያት ዝጨቀና ምስ እግዚኣብሄር ክንምርዖ ስለዘይተሓጎሱ፣ፈጺሞም ቀንኡልና።ንሳቶም ክርስቶስ ኢዮሱስ ከፍቅረና ኣይደልዩም ኢዮም ክቑጠዓናምበር፣ክምርዓወና ኣይደልዩን ኢዮም ክፋታሓና፣ቃል ኪዳኑ ክበትኽ እምበር፣ክሕልወና ኣይደልዩን ኢዮም ክርሕርሓና ዋና ከምዘይብሎም ክገድፈና እምበር።እግዚኣብሄር ግን ፍጹም ኣፍቃሪ ኮይኑ ክሳብ መቓብር ኣፍቀረና።ንመቓብር ቤት ሕማ ተጠቐመሉ፣ናብቲ ዝዓበየ ቤተ ሕጽኖት ንኺወስደና ግን ኣብዚ ጽንሑ ኢሉና ንሰማያት ዓረገ።ወገነይ እግዚኣብሄር ናብ ሕጽኖት ንኽትኣቱ ምስተን ዓሰርተ ደናግል ኣምቢርካ ከይዱ ኣሎ።ንስኻ ግን ለባም ድንግል ኮይንካ ጽናሕ።ገሊኤን ደናግል ዓያሹ ኮይነን ዝጸንሓ ኣሎዋሞ፣ንሳተን ድንግልነአን ንጓና ኣሕሊፈን ዚሃባ ስለዝኾና ናብ ቤት ሕጽኖት ኣይክኣትዋን ኢየ።ንስኻ ግን መንፈሳዊት ድንግልናኻ ዓቅብ፣እናሻዕ ንሲሓ እናተሓጸብካ ድንግልናኻ የሕድሳ።
፪፣ሓንቲ ኣዝያ ድኻ ዝኾነት ሰበይቲ፣ዋላ ጽባቐ ይሃልዋ ካብ ምሒር ድኽነታ ዝኣክል፣ብዙሕ ሰብ ኣይቀርባን ኢዩ።ዋላ ደጋዊ ጽባቐ ይሃልዋ፣እቶም ዝቐርብዋ መንእሰያት ግዝያዊት ዕግበት ንኽረኽቡ ኢሎም እምበር ንቃል ኪዳን፣ንቑምነገር ኢሉ ዝቐርባ ሰብ ውሑድ ኢዩ።ገዛኣ ዝተናዕቀ ስለዝኾነ፣ጓል ሃቡና ኢሎም ዝመጹ ዳርጋ የለዉን።እዛ ጎርዞ ጎጆ ፍቕሪ ንኽተማዕዱ ናብ ፈቐዱኡ ከተማ ኮለል ትብል፣ግን ኩሎም ዕግበቶም አኣርውዮም ምስኣ ደደቂሶም፣ኣርኪሶማ ይሃድሙ እምበር ንዒ ኣነ ኾነኪ ኢየ፣ኣያን ኣቦን ኮይነ ጎንኺ ክኾነኪ ዝብላ ሰብ ኣይትረክብን።ብዙሓት ክቐርብዋ እንከለዉ፣ክሳብታ ተድልዮም ዝረኽቡ እዚ ዘይብሃል ዉዳሴ እንዳወደሱ ነታ ተድልዮም ይወስዱሞ፣ክርሕቁዋ እንከለዉ ድማ ብእልቢ ዘየብሉ ጸርፊ እንዳላሃሙ ይፋነዉዋ።

ሕጅውን እዛ ምስኪነይቲ ጎርዞ፣ጎንና ዝኾነ ኣክሳብ ዘይረኸበት፣ኣብ እንዳባር ክቲሰርሕ ትጅምር፣ናይ ምንዝርና በዓልቲ ሞያ ተቖጺራ ናይ ኣጉባዝ ሃዳኒት ትቕየር፣መልክዓ እንዳኮክሓሓለት እናሻዕ ምስ መልክዓ ቅልስ ትገብር።ሕጅውን ኣይሰልጣን።እሞ በቃ ምኻን ካብ ኣበየኒ እድመይ መታን ከይውዳእ ኢላ፣ካብ ሓደ ዘይትፈልጦ ሰብ፣ንሱ መከላኸሊ ጥንሲ ተጠቒሙ ክንሱ ንሳ ግን ያኢ ብጥበባ ጥንሲ ካብኡ ትጠንስ።ኣቡኡ ዘይተፈልጠ ህጻን ወጢጣ ናብ ዓዳ ትኸይድሞ እተን መዛኑኣ ደቂ ዓዳ እንደገና ኣዝየን የዋርዷኣ።ሕጅዉን እንደገና ትነብዕ።ነዛ ጎርዞ እዚኣ ሓደ ኣዝዩ ሃብታምን ወዲ ኩቡራትን መጽኡ እንተዝምርዓዋ ከመይ ይስመዓኩም፧
ከምዚ እዛ ጎርዞ ካብ ኩሎም ዝደኸየት ዝነበረት፣ንሕናውን ምስ ኣምላኽ ዘዋዳድር ምንም ሃብተ ጸጋ ኣይነበረናን።ንሱ ባዕሉ ግን ጸገወና።ኣብ ፈቐድኡ ቤት ሓጥያት ኬድና ዘርከስናያ ሰብነት፣ኩሎም ኣጋንንቲ ሰሓቑና፣ባዕሎም ኣታሊሎም ኣውዲቖምና ክንሶም፣ክሳብታ ቅድስቲ ሰብነትና ዝረቕቡ ብዙህ ከንቱ ውዳሴ ደርዲሮም፣ድሌቶም ምስረኸቡ ግን ተገምጢሎም ሰሓቑና።ሲኦል ኣፋ መሌአት።ሓንቲ ነፍሲ ናብ ሲኦል ክትኣቱ እንከላ፣እንዳሓጨጩን እንዳሰሓቑን ይቕበልዋ ነበሩ።ብዙሕ ረኸስና፣ክርስቶስ መጺኡ ግን ምስዚ ኩሉ ድኻምና ብሃብቱ ሃብታማንት ገበረና።ኩሎም ኣጋንንቲ ነዓቑና፣ዘይንዕቕ መርዓዊ ግን መጺኡ ኣብ ድኽነትና መረጸሞ ናትና ሞት ጢዒሞ ናቱ ክብሪ ሃበና።መስቐልና ተሰኪሙ፣ኣብ ክሳድና ነኣዲኡ ብሓደራ ኣሰከመና፣ሕማምና ጸይሩ፣ፈዋስነቱ መጠወልና፣ኣብ ውሻጠ መቓብርና ኣትዩ ናብታ ቅድስተ ቅዱሳን ዚኾነት ጥንታዊት ሰፈርና መለሰና።ኣቤት ፍቕሪ እግዚኣብሄር ምሳሌ ተመሰልኩስ ምሳሌ ውሒዱኒ።
ስብሀት ለስሉስ ቅዱስ።

ቅድስና ክትሥበኽ ደሊኻያሞ፣ምዕራፍ ሓደ በየን ትጀመር፧

ስለሰብዶ ትጽሊ ኣሎኻ፣ስለሰብ ትምህር፧ንሰብ ጽቡቕ ምግባርዶ ትምህሮ ኣሎኻ ወይሲ ነቲ ንስኻ እትምህሮ መንፈሳዊ መልእኽቲ:ንምቕባል ዓቕሚ ካብ እግዚኣብሄር ንኪወሃብ ትጽልየሉ ኣሎኻ፧ ኣንታ ክቡር መምህር፣ንሰብ ስለእግዚብሄርዶ ትምህሮ ኣሎኻ: ዋላስ ኣቐዲምካ ንእግዚኣብሄር ስለቶም ንስኻ ትነግሮም ሰባት ብጸሎት ትነግሮ ኣሎኻ፧ንእግዚብሄር ስለሰባት ብጾሎት ምሕታትን፣ንሰባት ስለእግዚኣብሄር ምስትምሃርን ቅደም ተኸተል ዘድልዮ ነገር ኢዩ።ነቲ ሰብ ብዛዕባ ቅድስና ቅድሚ ምንጋርካ፣ነቲ ቅዱስ ኬድካ ቅድስቲ ልቢ ንኽቲህሉ ብጸሎት ለምኖ።ምኽኒያቱ ቅድስት ልቢ ከይተረኽበት ቅዱስ ቃል ክዝራእ ኣይከኣልን ኢዩ።ብዘይ ቅዱስ ልቢ ዝዝራ ቅዱስ ቃል፣ልምላሜ ናብ ዘይብሉ ግራት ከምዝዝራእ ዘርኢ ኢዩ።እሞ ፍረ ዘለዎ መንፈሳዊ ምህርቲ መታን ክሕፈስ፣ነታ ክትነግራ ዝደለኻ ልቢ መታን ከለምልማ፣ብእምነት ከጽንዓ ንኣምላኽካ ብጸሎት ንገሮ።ንሱ ድለ ክትረክብ፣ኳሕኲሕ ክራሓወልካ ዝብል እሙን ቃል ኪዳን ኣሎዎሞ፣ቅድሚ ቃሉ ምዝራእካ እታ ልቢ ንኽትስተኻኸል፣ነቲ ኣብኣ ዘሎ ሰይጣን ዝተኸሎ እሾኽ ብጸሎት መንቁሶ።
ደቂ ኦርቶዶስ ዝኾኑ ኣመንቲ ብዝተቐበልዎ መሪር 21 ሰማእትነት ናይ ሊብያ፣ኣብ ግብጺ ከቢድ ሓዘንን ሓጎስን ተደባሊቑ ነይሩ።እቲ ሓዘን ዝተባህለ፣ስጋ ለበስ ስለዝኾንና:ወገንካ ንዝኾነ ሰብ ብከቢድ ጭካነ ብካራ እሞ ድማ ኣብ ዓዲ ጓና ክሕረድ እንከሎ ከቢድ ኢዩ።እዚ ኢዩ ንህዝቢ ግብጺ ከቢድ ሓዘን ኮይንዎም ነይሩ፣ንህዝቢ ግብጺ ጥራይ ዘይኮነስ ንኹሉ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ።ዋላ እቲ ሕልናዊ ሰብኣውነት ዚሓስብ ሰብ ውን ኩሉ ኣብ መላእ ዓለም ነዚ ኣብ ሊብያ ዘጋጥም ዝነበረን ዘሎን ሰማእትነት ፈጺሙ ሓዚኑ ውዒሉ።
በንጻሩ ድማ ዓበይቲ መንፈሳውያን ሰባት ተሓጊሶም ውዒሎም።ሓንቲ ወዳ ዝተሓረዳ ሰበይቲ፣ኢንተርቪዩ ምስ ገበሩላ ከምዚ ክትብል መሊሳ።
ጋዜጤኛ፣ ነዚ ንወድኽን ዚሓረደ ሰብሲ እንታይ ምበልክንኦ፧
እታ ኣደ ኣዝየ መመስገንክዎ።
ጋዜጤኛ፣ እዋእ እሂ ስለምንታይ፧
እታ ኣደ፣ ምኽኒያቱ ኣነ ኣደ ኮይነ ክሓዝን ይኽእል ኢየ፣ወደይ ግን ምስቶም ሰማእታት ኢዩ ተቖጺሩ።እዚ ሓራዳይ ጠቒምንኒ ምበር ኣይጎደኣንን።ንዓይ ኣደ ሰማእት ገይርኒ፣ንወደይ ድማ ምስቶም ሰማእታት ተቖጺሩ ዓቢ ክብሪ ከምዝለብስ ገይርዎ።ንዓይ ኣብ እምነተይ ማዕረ ክንደይ ክተግህ ከምዘለኒ ነብሰይ ንኽምርምር ገይርኒ፣ንወደይ ድማ ፍጹም ተባዕ ኮይኑ ክሳዱ ንኻራ ንክህብ ዘተባብዐ መንፈስ ቅዱስ፣እምነቱ ህያሃው ኮይና ኣብ ዓለም ከምሲበኽ ገይሩ።ስለዚ ነዚ ሓራዳይዚ የመስግኖ እምበር ኣይራገሞን፣ይጽልየሉ እምበር ኣይጸርፎን ኢየ።መን ኮይነ ኢየኸ ክጽልየሉ።እቲ ዝተሓርደ ወደይ ሰማእት ጸልዩሉ ኢዩሞ ኣነደኣ ተኸኣልኩ ስለድኻመይ ንኽጽሊ ገይርኒ ኢዩሞ፣ወደይ ኣብቲ ገማግም ባሕሪ እንዳተሓርደ: ሰማእትነት እንዳተቐበለ እንከሎ ዝጸለያ ጸሎት፣ነዚ ሓራዳይ ናብ ንሲሓ ቀስቂሳቶ ትኾውን።እንሆ እኳ ንዓይ ማዕረ ክንድዚ ነብሰይ ከምዝፍቲሽ ገይራትኒ።

ኣምበሳ ኣብ ዘይብሉ ዓዲ ስእሊ ኣምበሳ ርኣኹ!!

ኣምበሳ ኣብ ዘይብሉ ዓዲ ስእሊ ኣምበሳ ርኣኹ!!
እዋን እቶእቶ ኣቢሉ ከባቢ ሰዓት 5፥00 ብናይ ኤውሮጳ ኣቆጻጽራ ኢዩ።ኣብ ገዛ ስለዝወዓልኩ ክዛወር ብምባል በይነይ ናብ ከተማ ኣምራሕኩ።ቅንያቱ jule ferie ተሂሉ ዝብዓል ተውፊታዊ በዓል ናይዚ ዓዲ ብምኻኑ፡እቲ ጎደና በታ"ኣቦታትና ኣምልኾኦም ዝገልጽሉ ዝነበረ ኢዩ፡"ኢሎም ዝምክሕሉ julu tre ተሸላሊሙ፡ከም ሓንቲ ጎርዞ ንመርዓዊ ተባሂላ እትስለሞ ሽልማት ተመላኺዑ ነበረ።ህዝብ ኖርወይ ኣብ ክርስትያንሳንድ፡"ኣቦታትና"ብዝብል ውሽጣዊ ወኒ ዘለዎ ዝመስል ጥጁእ መግለጺ ኣምልኾ ንምግላጽ፡ገረብ ንምግዛእ ላዕልን ታሕትን እንክብሉ፡ንረኣይኡ የገርም።በይነይ ኢየ ዝጎዓዝ ነይረ፡ግን ከኣ በይነይ ኣይነበርኩን።ብሕልና ዝተፈላለየ ሓሳባት እንዳሳላሰልኩ ብስራሕ እግዚኣብሄር ይግረም ነይረ።

ብርክት ዝበሉ ኣንጎሎታትን ትኽ ዝበሉ መንገድን ከይተፈለጠኒ ጠረስኩ።ኣብዚ ዓዲ tur ዝብሃል ልምዲ ስለዘሎ ዳርጋ ተኣታቲና ኢዩ።ኣብ ኤርትራ እንከለኹ ሓደ መኻይደይ ዝነበረ ወደስመራ ዓርከይ ነዚ tur ተባሂሉ ዝጽዋዕ እግሪ ጉዕዞ "ጅራ ፋልሶ" ኢሉ ይጽውዖ ነይሩ።ክንንቀሳቐስ ተደልዩ፡መኻይዲ መታን ክሞኖ፡"ጅራ ፋልሶ ዶ ንኺድ" ክብለኒ ይዝከረኒ ኢዩ።ትርጉማ እካ ኣይፈልጣን ኢየ፡ግን ምንቅስቓስ ጥራይ ንማለት ምኻኑ ይርደኣ ነይረ።ሕጂ ኣብዚ ዘለኽዎ ዓዲ ምስ መጻኹ ግን ዳርጋ ጽቡቕ በዓል ሞያ ናይ ጅራ ፋልሶ ኢየ ኮይነ መስለኒ።
ናብ ሓደ ጽምው ዝበለ ጎደና እንክኸይድ ሃንደበት፡ነዊሕ ዓመታት ዘቕጸረ እንክመስል ኣስናኑ ዝሓርቀመ ምስሊ ኣምበሳ ኣብ ሓደ ቀጽሪ ረኣኹ።ብርግጽ ብዙሕ ግዜ ርእየዮ ኢየ፡ተመሲጠ ዝረኣኹሉ ግዜ ግን ሕጂ ኢዩ ነይሩ።ብሕልናይ ክሓስብ ስለዝጀመርኩ ብዛዕባኡ ተገሪመ ንነብሰይ ሓተትክዋ።
ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ቃንቃ ክንምሃር እንከለና ብዛዕባ ኣብዚ ዓዲ ዘለዉን ዘየለዉን እንስሳታት ምስ መምሃራን ተዛራሪበ ስለዝነበርኩ፡ኣብ ኖርወይ ኣምበሳ ኣብ መካነ እንስሳታት እምበር ብኣካል ብጭራስ ከምዘየለ ተሓቢረ ኢየ።ስለዚ ነቶም ነዚ ኣምበሳዚ ብቅርጺ ሓወልቲ ቀሪጾም ዝሰርሑ ሰባት ብሕልናይ ሓተትክዎም።"ኣምበሳ ኣብዚ ዓዲ ዘየለስ ከመይ ኣምበሳ ተሳእለ፧ንስኹም ኣንቱም ሰኣልቲ ምላልባሽ ብከምዚ ከማይ ብስደት፡ወይ ብካልእ ኣጋጣሚ ርኢኹሞ ትኾኑ፡እቲ ኣብዚ ዘሎ ርእይዎ ዘይፈልጥ ሰብሲ ኣምበሳ ከምዚ ከምዚመስል ከመይ ገይሩ ኣመነ፧ነዚ ምሳኹም ዘሎውን ድሓንስከ፣ነቲ ድሕሪ ነዊሕ ዘመናት ዝውለድ ሰብከ ኣምበሳ ከምዚ ከምዝመስል ከመይ ክኣምን ትጽበይዎ፧ ዝብሉ ጽውጽዋያት ዝመስሉ ግን ከኣ ቀለልቲ ሕቶታት ዘይኮኑ ደራረብኩ።ንሳቶም እቶም ሰኣልቲ መጺኦም ክምልሱ ስለዘይከኣሉ ግን ዝበጽሓኹዎ ነገር ደምደምኩ
1)ወድ ሰብ ጅግንነቱን፡ውድቀቱን፡ርህራሄኡን ጭካኔኡን፡ዕሽነቱን ትኩርነቱን፡ሃብታምነቶን ነዳይነቱን ወዘተ ንምግላጽ ቃላት ስለዝሓጽርዎ፡ኣብ ከባቢኡ ንዘለዉ ነገራት ሃሰውሰው ይብል።ንኣብነት ሓንቲ ኣደ ነታ ጎርዞ ጋላ፡ምልክዕቲ ክትኮንለይ ኢኺ ንምባል"ጽሓይ ኩኑለይ" ትብላ፡እቲ ንዓኣ ክወስድ ንሕጸ ዝቀራረባ ዘሎ ወዲ ድማ" ንስኺ ንዓይ ጽሓየይ ኢኺ"ኢሉ ንጽሓይ ጽባቐ ናይታ ጎርዞ ንምግላጽ ይጥቀመላ።እታ ጽሓይ ትበሃል ዘላውን እዛ ሂዎት ዘየብላ ጽሓይ ዘይኮነትሲ ምሒር ውዳሴኣ ንምግላጹ ከምተጸገሙ ብምርዳእ ደስተኛ ኮይና ትቕበሎ።ኣቤት ውዳሴ!ኣቤት ፍጥረት!
2)ነገስታት ምድሪ ጅግምነቶም ብኣፎም ምግላጹ ስለዝጽግሞም ንእንስሳታት ይጽውዑ።ውድቀቶም ንምግላጽ ድማ ከምኡ።ንሓደ ድምጽኻ ሓፍ ኣቢልካ ኣምበሳ፡እንተ ኢልካዮ፡ተግባሩ ድማ ገይረዮ ኢየ ኢሉ ዝምከሓሉ ነገር እንተጸኒሕዎ፡በዚ ደስተኛ ኮይኑ ይቕበሎ።ኣጋጣሚ እቲ ሰብ ብጀካ ምጥሓርን፡ምግቡዕባዕን ካልእ ሰናይ ነገር ዘይጸነሖ እንተኾይኑ ድማ ኣምበሳ ንትብል ቃል ትጸርፎ ከምዘለኻ ገይሩ ኢዩ ዝርድኣ።
ዋይ ሰብ መልክዕካ ተትፈልጥ፡ሰብ ምባልካ ጥራይ ምኣኸለካ ነይሩ።ጎይታናን መድሓኒናን ኢዮሱስ ክርስቶስ ልብና ስለዝፈለጠ፡ነቶም ሰናይ ዝገብሩ ብኣባጊዕ መሲሉ ምሃረ፡ነቶም ክፍኣቶም ዘየሕፍሮም፡ድማ ብኣጣል መሰሎም።ነቶም ክፉኣት ተንኮሎኛታንውን ወኻሩ ኢሉ ጸውዖም(መሃል 2፥15)።ነቶም ደግን ጽቡቕ ፍረ ንምፍራይ ቁሩባት ዝኾኑን ድማ ብኣትክልቲ መሰሎም።ተኽልን ወኻርያን ኣይሰማምዑን ኢዮም።ምኽንያቱ ውኻርያ በላዒት ሳዕሪ ኣይኮነትን።እግዚኣብሄር ግን ኣባና ዘለዎ ፍቕርን፡ንሓጥያት ዘለዎ ጽልእን በዚ ቃንቃዚ ምዝራብ ይርድኣናን ንምግላጹ ይቀለልናን ምኻኑ ይፈልጥ ነበረ።
ናብ ኣርእስተይ ክምለስ፥-
3) ለካ እዞም ሰኣልቲ ናይዚ ኣምበሳ ኣብቲ ሽዑኡ ዝነበረ ናይ ምንቅስኻስ ሙቐት ንምግላጽን፡ነቲ ብሕጂ ዝውለድ ሰብውን ስእሉ ንምንጋርን ኢሎም ከምዘዳለዉዎ ተረዳእኩ።ኣብቲ ግዜቲ ኣለና ኢሎም ዝምክሕሉ ጅግንነት፡ወይ ሓያልነን ከምዝነበረሞ ነዚ ወለዶዚ ዜናኦም ንምሕባር ኢሎም ዘዳለዉዎ ይመስል።
4) እቲ ህዝቢውን ቅድም ይኹን ሕጂ ኣሜን እዚ ሓቂ ኢዩ ኢሉ ናይቲ ሽዑኡ ዝነበረ ታሪኽ በዛ ሓንቲ ምስሊ ኣምበሳ ኣምቢቡ ክርዳእ ምኻኑ ርጉጽ ኢዩ።እቲ ዝገረመኒ ግን ንሱ ኣይኮነን።ኣምበሳ ዘየለ ከመይ ገይርካ ኣምበሳ ትስእል።ኣምበሳ ዘየብላ ዓዲ ከመይ ኢሉ እቲ ህዝብ ንናይ ቀደም ወለዶ ጅግንነቱ ከምኣምበሳ ይመስል ነይሩ ኢሉ ኣመነ፧ኣምበሳ ኣብ ኣፍሪቃ ኢዩ ዝርከብ።እቲ ረኣዪኸ ከመይ ክርድኦ ከኣለ፧
ናይ ሰብ ድኻም ተመልከቱ።
እግዚኣብሄር ኣምበሳ ኮይኑ እንትዝግለጽ ኩሉ ሰብ ፈሪሑ ምተምበርከኸ፡ነብሪ ኮይኑ እንተዝውለድ ኣብ መስቀል ዝሰቕሎ ኣይምተረኽበን።ኣብ ኣምበሳ ኣብ ነብሪ፡ኣብ ጽሓይ ኣብ ኮኾም ዘምልኽ ዝነበረ ወድሰብ፡ከምቲ ዝደልዮ ኮይኑ ተዝግለጸሉ ፈጺሙ ብፍርሒ በድኒ ምኾነ፡ፍቕሪ ኣምላኽ ኣይምተረደኦን።ንኣምላኽ ሓያልን ዘየናሕስን ጥራይ ገይሩምበር፡ምሕረትን ፍቕርን ኣምላኽ ኣይምተረደኦን።
እግዚኣብሄር ግን ናይ ኣምበሳ ፈጣሪ ክንሱ ምስሊ ኣምበሳ ሒዙ ክግለጽ ኣይፈተወን፡ፈጣሪ ነብሪ ክንሱ ነብሪ መሲሉ ክመጽእ ኣይፈተወን።ፈጣሪ ዳይናሶር ክንሱ ዳይናሶራዊ መልክዕ ሒዙ ኣይመጸን።ከምኡ ተትኾውንሞ፡ንሰባት ዘለዎ ፍቕሪ ብከምኡ መለክዒ ኣይግለጽን ኢዩ ።እሞ ኣምላኽ ንሰባት ዘለዎ ፍጹም ፍቕሪ ንምግላጽ፡ምስሊ ሰብ ሒዙ እረ ምስ ሰብ ፍጹም ተዋሃሂዱ፡ናይ ሰብ ስጋ ተዋሃሂዱ ተገልጸ።
ለካ እቲ ካብ ቅድስት ድንግል ዝተወልደ ኣምላኽ፡ንሰባት ፍጹም ፍቕሩ ንኽገልጸሎም ንዖኦም መሲሉ መጸ፡ከምዘኽበሮም እረ ደቂ ሰብ ጥራይ ዘይኮነስ ደቂ ኣምላኽ ከምዝገበሮም ንኽገልጽ ወዲ ሰብ ኮይኑ መጸ።ሕፍርውቶም ንኽቕንጥጥ ከም ባርያ ገዛእ ርእሱ ክሳብ ኣብ መብልዒ ማል እረ ክሳብ ሲኦል ምውራድ ተኣዘዘ፡ብሓጥያት ጨንዮም፡ርኽሰት ኣብኦም ነጊሱ ነበረሞ፡ካብታ ናይ ጥንቲ ፍጥረቶም ናይ ኣዳም መልክዕ ጥዕይቲ ርኽሰት ዘየብላ ቀዳመይቲ መልክዕ ኣዳም ወሲዱ ኣብ ሕቖ ኣቦታት ሓቢእዋ ጸነሐሞ፡ስዓቱ ምስኣኸለ ፍጥረት እንድያ ኢሉ ከይፈንፈነ ብፍጹም ተዋህዶ ገንዘቡ ገበራ።ንሳ እታ ካብ ጥንታዊት ምስሊ ኣዳም ዝተረፈት ሕዋስ ጸሊም ዘይብላ፡እብርሃናዊት ንእሽቶ ናይ ባሕሪ ዑንቂ ድንግል ማርያም ኮይና ጸነሐት።
ኦ ወድ ሰብ ምስኻ ንዘየሎ ኣምበሳስ ሰኣልካዮ፡ምስኻ እረ ስጋኻን ነፍስኻን፡ንዝለበሰ ኣምላኽ ግን ካብ ልብኻ ፍሒቕካ ኣልገስካዮ።ጽባቐኻ ንምግላጽ ኣብ ርሑቕ ንዘለዉ እንስሳታት ጸዋዕካ፡ካብኦም ንላዕሊ ግን ኣማኒኤል ይቐርበካ ነይሩ።ንዑኡ ኣብ ናይ ጎልጎልታ ኣደባባይ ካባኻ ኣርሒቕካ ደርበኻዮ፡ካብ ጎልጎልታ ንንዮው ርሒቖም ዝነበሩ እንስሳታት ግን ናባኻ ጸዋዕካዮም።
ኦ ኣምላኽ ዘፍቅረኩም ናይ ለባማት ሕልና ተመልከቱ።እቶም ለባማት ነቲ ኣዝዩ ዝቐረቦም፡ንሳቶም ድማ ኣዚዮም ቀረብዎ።እረ ክሳብ ንስግኦም ምእንትኡ ክሳብ ንሞት ምሃብ ፍቓደኛታት ኮኑ።"ወከዐዉ ደሞሙ በእንተ እግዚኣብሄር፡ወተዐገሱ ሞተ መሪረ በእንተ መንግስተሰማያት"ተባሂሉ ተዘንተወሎም።ኣየ ሕልና ናይ ሰብ፡ኣዚኻ ንተድንቖን ግርማኖቱ ተዘንትወሉን ሰብ ፡ሓደ መዓልቲ ኣምበሳ ተቐይሩ ተዝመጻካ ኣድናቖትካ ራሕሪሓ ህድማ ጥራይ ኢያ ነይራ ስራሕካ።ኣነ በዛ ነብሰይ ብዘይቀልዓለም ከምኣ ምገበርኩ።
ኣድኒቕካዮ ዘይጽገብ፡ንመንግስቱ ማንም ዘይስዕራ ዘልኣለማዊ ኣምላኽ ግን፡ክንሃድምን ክንብህርርን ምኻንና ስለዝተገንዘበ፡ልዕሊ ኣምበሳ ሓይሊ እካ እንተሃለዉ፡ንዓና መታን ከበርትዕ ንድኹም ስጋና መረጸ፡ንባሕርታት ዝፈጠረ ክንሱ፡ባሕሪ ኮይኒ ተዝግለጽ ኩሉ ሰብ ክርዕድን ክሃድምን ምኻኑ ስለዝፈለጠ፡ፍቕሩ ንኽገልጽ፡ነታ ኣብ ባሕሪ ክትጥሕል እምበር፡ክትከይድ ዘይትኽእል ስጋና ለበሰሞ ኣብ ባሕሪ ብእግሩ ብኻድ ፈጣሪ ናይ ባሕሪ ምኻኑ ምሃረ።
ኣየ ናይ ሰብ ኣይተረደኦን፡እንክጽግሞ ጎይታይ ኢሉ ይጭደ፡እንክጥዕሞ ድማ ናብ ፍጥረት የሻሩ። ኣንታ ሰብ፡ምስ ኣምበሳ ተጸጊዕካ ድኣሞ ኣበይ ክጥዕም፡ምስ፡jule tre ተጸጊዕካ ቅድስና ትመጽእ ተኾይናስ jule tre ትመስክር፣እዛ ገረብዚኣ እቲ ብስጋ ዝተገልጸ ፈጣሪኣ ምኻኑ ፍሉጥ ኢዩ፡ሰባት ንምስሊ ፈጣሪ ኣብ ልቦም ጺሒፎም ካብ ውሉድ ንወለዶ ብተውፊት ይኾን ብኻልእ ከሰጋግሩ ዝግበኦም ግን ነቲ ምስሎም ዝመረጸ ኣምላኽ ምስሉ ካብ ልቦም ሓኸኽዎ።ቅዱሳን ግን ነዚ ኣምላኽዚ ኣብ ልቦም ሰኣልዎ።ናይቲ ቅድሚ 2000 ዓመታት ዝነበረ መንፈሳኺ ትረኻ ተዓቂቡን ክሰጋገርን ጸነሐ።ሕጂውን ናብ ኣምበሳ ዝጸጋግዑ ወኻሩ እካ እንተፈረዩ፡ኣባጊዕ ኮይኖም ስለ ኣምላኾም ክሳዶም ዝህቡ ግን ኣይክሰኣኑን ኢዮም።ትማሊ ትማሊካ፡ብዓንና ረኣና፡ብእዝንና ሰማዕና፡ምእንቲ ክርስቶስ ኣብ ናይ ሊብያ በረኻ ኣባጊዕ ንጹሃነ ኣባጊዕ ኮይኖም ዝተረኸቡ፡ንምሉእ ዓለም ኣዋጅ ኮይኑ ተዘርበ።ብሕጅውን እዛ ሃይማኖት እዚኣ ብዘይሕዋስ፡ብዘይ ብዘይምውሳኽ፡ብዘይሙግዳል፡ናብቲ ዝቕጽል ወለዶ ክትቅጽል እግዚኣብሄር ምሳኣ ኢዩ።
ኣሜን፡ኣሜን፡ኣሜን።
ይትባረክ እግዚኣብሄር ኣምላክነ ኪያነ ዘፈጠረ ከመናምልኮ።
ስብሀት ለማርያም እመ ኩልነ፡ወስብሀት ለቅዱስ መስቅል ዕጸ ህይወትነ።

ነበቡኒ በምግባርየ ኣኮ እምልሳንየ ልዕሊ ልሳነይ ንተግባረይ ኣምበብዎ

ነበቡኒ በምግባርየ ኣኮ እምልሳንየ
ልዕሊ ልሳነይ ንተግባረይ ኣምበብዎ
ብስም፡ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን
ነቲ ኣነ ሕማቕ ኢዩ ኢለ ብሕልናይ ዘይተቐበልክዎ፡ሰባት ክፍጽምዎ ክርኢ እንከለኹ ስለዘይቅበሎም፡ግደፉ ንምንታይ ከምዚ ትገብሩ ይብሎም።ነገር ግን ምኽሪ እካ እንተሃብክዎም፡ ኣብ ፍረ ከይበጽሐ ግን ቆምሲሉ ይተርፍ፡ተግሳጸይ ሰማዒ እዝኒ ስኢኑ ከም ንፋስ ቀውዒ በኒኑ ይኸይድ።ስለምንታይ ይኸውን?
ለካ ነቲ ንሰባት 'ግደፉ' ኢለ ክግስጽ እንከለኹ፡ ገዛእ ርእሰይ ኣነ ብዘይፈልጦም ሕማቕ ልምድታት ተኣሲረ ምህላዋ ስለዝፈለጡ፡ነዞም ሰባት ምምካረይ እካ ሓቂ እንተኾነ፡ብሰንኪቲ ኣነ ብሕማቕ ወልፊ ተኣሲረ ምህላወይ ግን ሰባት ንምኽረይ ክሰምዕዎ ኣይከኣሉን።ስለዚ እዞም ሰባት ካብቲ ተኣሲሮምሉ ዘለዉ ሕማቕ ነገር ንኸይወጹ ቀንዲ ተሓታቲ ኣነ ምኻነይ ተረዳእኩ።
¶¶¶ ሓንቲ ውሽማ ዝለመደት ሰበይቲ ብናይ ሎምዘመን ቃንቃ (ዓርኪ ዘለዋ ሓያም) ነታ ንእሽቶ ጛላ" ከይትምንዝሪ፡ምዝማው ነውሪ ኢዩ፡" ኢላ እንተመዓደታ እታ ጛላ ብምኽሪ ኣዴኣ ደስተኛ እካ እንኾነት፡ኣብ ተግባር ንኸይተውዕሎ ግን ኣዴኣ ኣመንዝራ ብምኻና፥'ንባዕላ ዘይተኣርነበትሲ ከመይ ኢላ ተኣርነቢ ትብለኒ፣' ትብል።
¶¶¶ ሓደ ብሽጋራ ውሉፍ ዝኾነ ሰባኣይ ነቲ ህጻን ወዱ ሽጋራ ከይትለድ ኢሉ ይመኽሮ፡ወዱ ግን ኣይሰምዖን ኢዩ፡ስለምንታይ፧
¶¶¶ ሓንቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን እተገልግል ጋለንስተይቲ፡"ምስ ኣወዳት ብፍቕሪ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ዘመንና ምንዝርና ካብ ምዛር ተኣርነቢ፡እዚ ቅድሚ መርዓ ስለዝኾነ ዋላ ኣፍቅርዮ እምበር ስጋዎ ርክብ ይኹን ምትንኻፍ ኣይትፈጽሚ፡ ክሳብ ጉቡእ መርዓ ትፍጽሚ ዓቕሊ ግበሪ፣"ኢላ ክትምዕዳ እንከላ ነገር ግና ንባዕላ ካብ መሓዝኣ ተሓቢኣ ትፍጽሞም ካልእ ዓይነታት ብዕልግናታት እንተኣልዮማ፡ ንኣብነት ሕፍረትካ ዝተቐልዐ ኣከዳድና፡ጛለንስተይቲ ክትዛረቦ ዘይግባእ ግን ቀሊል ዝመስል፡ምስ ኣንጻር ጾታኣ ንዘለዋ ዘይክርስትያናዊ ስነግባር ክትርእየላ እንከላ፡-ነዚ እንዳረኣየት እታ ተመካሪት ንኸይትምከር መዓንቅጾ ካና።
ሰባት ካብቲ ካብ ኣፍና ዝወጽእ ብዝያዳ ብተግባርና ዝመሓላለፍ ትምህርቲ ኢዮም ዝወስዱ።ስለዚ ኣነ ንሓደ ሽጋራ ዝተወለፈ ሰብ ሽጋራ ኣቃርጻ እንተበልክዎ፡ነገር ግን ኣነ ብወልፊ enternet (facebook) ፍሉፍ እንተኾይነ፡ምዕዶይ ናብዚ ፍቑር እግዚኣብሄር ዝኾነ ብወልፊ ሽጋራ ግን ዝተታሕዚ ሰብ ንኸይማሓላለፎ መሓንኮላ ዝኾኖ ኣነ ብenternet ውሉፍ ብምኻነይ ኢዩ።ምኽንያቱ ቅድሚ 'ንዓ ኣነን ንስኻን ብፍቕሪ እግዚኣብሄር ንወለፍ' ኢለ ምምሃረይ ኣነ ካብ ግኡዛን ወልፍታት ናጻ ክኾውን ነይርኒ።ለካ እዚ ሰብ ንሽጋራ ከቃአጻ ዘይኮነስ ብሰንኪ ኣነ ብሓደ ነገር ውሉፍ ምኻነይ፡ኣብ ሽጋራ ዘለዎ ወልፍነት እናሻዕ ከምዘጋድዶ ይኾውን።
¶¶¶ ንሓንቲ እንዳዘመረት፡ብምስጋና ንኣምላኽ እንዳሸብሸበት እንከላ ማስቲካ ቆምጣዕ ቆምጣዕ እተብል እግዚኣብሄር ዘፍቅራ ጎርዞ፡"እንዳዘመርካን እንዳጸለኻን ብሓፈሻ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን ማስቲካ ኣይሕየኽን ኢዩ፡" እንክብላ ንሳ ግን ንዘረባይ ከም ሓደ ቁምነገር ዘየብሉ ሸለል ኢላቶ ዝኸደት ቀንዲ ምኽንያት ኣነ ካብቲ ንሳ ብምሕያኽ ማስቲካ ተወሊፋቶ ዘላ ንላዕሊ፡ኣነ ዘይፈለጥክዎ ንሳ ግን ትፈልጠለይ ጉድ ስለዘሎ ኢዩ፡፡ብሰንኪ እቲ ምሳይ ዘሎ ባዶነት ንሳ ንኸይትእረም ምኽንያት ኮና።ንኣብነት chat ክገብር ምሉእ ለይቲ ዝሓድር ተኾይነ፡ ቀጥታ ነዛ ሓፍተይ ዝረኣያ ትምህርተይ ዘይኮነስ ጉድለተይ ኢዩ።ነዛ ጛል ስለምንታይ ምኽሩ ዘይሰማዕኪ ኢልኩም እንተሓቲትኩማ፡ንርእሱ ከምዚ ከምዚ እንዳገበረሲ ንዓይ ለባም ክኾነለይ ዝብል ትዕቢታዊ ቃል ትፍኑ።
¶¶¶ ንሓደ ኩዕሶ ከይረኣየ ድቃስ ዘይመጾ ሰብ ንዓናይባ ሎሚ ፕሮግራም ቤተክርስትያንኮ ኣሎና እንክብሎ፡ንሱ ግን ስራሕ ኣሎኒ ኢሉ ነቲ ክቡር ጉባኤ ሰራዊተ እግዚኣብሄር ምስቲ ኣህዛብ ዝእከብዎ ጉባኤ ኣወዳዲሩ ንዑኡ ነቲ ኩዕሾ ቀዳምነት ክሰርዕ ዝገበሮ፡ለካ ኣነ ዘይፈለጥክዎ ጉድ ስለዝነበረ፡ብሰንኪ ጉደይ ንሱ ተዓንቀፈ።
¶¶¶ ንሓደ ወናም ሳዕሳዒ፡'ጛይላኮ ሓጥያት ኢዩ፡' ኢለ እንክምህሮ፡ንትምህርተይ እዝኒ ዘይህበሉ፡በንጻሩ ከም ሓደ ጽውጽዋይ ገይሩ ዝሓስቦ፡ለካ ንሱ ዝፈልጠለይ ካልእ ወኒ ስለዘለኒ ኢዩ።ኣነ ንባዕለይ ብኻልእ ወኒ ተኣሲረ እንዳሃለኹ፡ነቲ ወናም ደራፊ ካብ ደርፉ ክኽልክሎ እንከለኹ፡ምላልባሽ ርእሱ እንዳነቕነቐ ይቕበለኒ ይለዉን፡ልቡ ግን ነቲ ኣነ፡ ተኣሲረሉ ዘለኹ ካልእ ሕቡእ ወልፊ ብምርኣይ ትሕንሕነለይ ምህላዋ ኢዩ።
ደቂ እግዚኣብሄር ንሓድሕዶም ተማዓዒዶም ኣብቲ ዝዓበየ ደረጃ ቅድስና ንኸይበጽሑ፡ሰይጣን ብጥበቡ ከምዚ ገይሩ ንደቂ ኣምላኽ ከምዘይራዳድኡ ገበረ።
ስለዚ ኣነ ዝመዓድክዎም ሰባት ናብ ቅድስና ንኸይመጹ ቀንዲ ዓጸውቲ ማዕጾ፡ጉድለተይን ኣነ ባዕለይን ኮይነ ጸናሕኩ።ኣነ መዓልታዎ ነብሰይ ብንስሓ ከይሓጸብኩ ንሰባት መዓልታዊ ተናስሑ ብምባለይ ሰባት ንቃል እግዚኣብሄር ንኸይሰምዑ ምኽምያት ኮንኩ።ቅዱስ ጳውሎስ ኣንታ ግብዝ፡ንኻልኦት ካብ ትምህርሲ ንርእስኻ ደኣ ዘይትምህር በለ።
እንታይሞ ንግበር፦
1.ኩሉ ዝወሃበና መንፈሳዊ ተግሳጽ ከም ሓደ ኮረት ኣብ ሂዎትና ነቐምጦ ኮረት ነኣሽቱ የእማን ኢዩ፡ሽዑኡ ብዝግባእ ክንንደቕ ኢና።ምኽንያቱ ክርስትያን ከም ሓንቲ እምኒ ናይ መንደቕ ኢዩ፡እታ እምኒ ብብዙሓት ደቀቕቲ ኣኣማን ዝቖመት ኢያ።ክንምዓድ እንከለና ንሕና ንስራሕ ምህላውና ኢዩ።ናይ ኩላትና ምሉኡነት ድማ እታ ህንጻ ተሃኒጻ ትፍጸም።ርእሰ ማእዝና ድማ ኣምላኽና ክርስቶስ ኢዩ።
2.ሰባት ክምዕዱና እንከለዉ ዋላ ንባዕሎም ኣሸሓት ጉድለት ይሃልዎም፡ንጉድለቶም ኣይንጠምት፡ብመንጽር እቲ ተግሳጾም ንሂዎትና ምስ ቃል እግዚኣብሄር ኣተኣሳሲርና ንስኣላ።
3.ንማንም ሰብ ኣይንጽላእ፡ሰብ ሓጥእ ክኾውን ይኽእል ኢዩ።ግን ነዚ ሰብዚ ዝፈጠረ ፈጣሪኻ ምካኑ ኣይትረስዕ፡ነዚ ሰብዚ ንስሓ ዕድመ ዝውስኽ ዘሎ፡ኣፍቃሪኻ እግዚኣብሄር ምኻኑ ኣይትዘንግዕ።ንሱ ኣምላኽካ እንዳፍቀሮ ንስኻ ግን ብጸሎትካ ሞቱ ኣይትመነ።እግዚኣብሄር መርቑ እምበር ርገሙ ኣይበለን።ንሱ ዝምርቖም ዘበለ ክትምርቖም ግድነት ኢዩ።ንሱ ዘረገሞም ድማ ክትረግሞም ግድነት ኢዩ።
ስብሀት ለስሉስ ቅዱስ፡
ስብሀት ለቅድስት ድንግል በክልኤ ማርያም እመ ኩልነ፡
ስብሀት ለመስቀለ ክርስቶስ ኣምላክነ።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...