፩፣ሓደ በጽሒ መንእሰይ፣ኣብ ብሩኩ ዘስንተንፍስ እኹል ጎበዝ፣ከም ንሓንቲ ዕድሜኣ ዝወዴአት ሽማግሌ ሰበይቲ ክምርዖ እንከሎ ተትርእይዎ እንታይ ምበልኩም፧ ኩሎም ቤተ ሰቡ ምኸዓብዎ።ፎእ ምበልዎ፣ንስኻ ትመስል መንስእሰይሲ ነዛ ኣራጊት እንዳበሉ መዋረድዎ። ሓቂ ኢዩ፣እግዚኣብሄር ንኣስታት 5500 ዓመታት ዝኣከል ብምረት ሓጥያት ዝላደየት ንነፍስና ብቅድስቲ ፍቕሩ ፍጹም ኣፍቀራ።ኩሎም ፈተውቱ ቅዱሳን መላእክት ክሳብ ክንድዚ ንስሌና ክብል ዚከፈሎ ፍቕሪ ፍጹም ክሳብ ዝድንጽዎም ኮኑ፣ንሱ ግን ዋላ ብሓጥያት ኣረገውቲ ንኹን፣ክሳብ ሰብ ምኻን ኣፍቀረና።ንሕና ናቱ ልብሲ ለቢስና ግምጃ ክንክለል ዝግባእ፣ነቲ ጺእ ዝጨኑ ስጋና፣ ካብታ ጨና ሓጥያት ዘየብላ ፍጽምቲ ምእዝቲ ዕምበባ ብዝወሰዶ ፍጹም ስጋ፣ግርማ ልብሲ መርዓውቲ ኣልበሰና።
እዚ ነዛ ሽማግለ ዝተመርዓወ መንእሰይ፣ገሌኦም ስለዚሓለይሉ ናይ ሓልዮት ክብሉ ክኽዕብዎ እንከለዉ፣ገሊኦም ድማ መንቀኝነት ዝመበገሲኡ፣ነዛ ሽማግለ ሰበይቲ ምስ መንእሰይ ተምርዕያ ክብሪ ከይስምዓ ኢሎም፣ኣንጻሩ ዝዕጠቑ ኣይሰኣኑን ኢዮም።እዚኦም ብርግጽ ፈተውቲ ናይታ ሰበይቲ ኣይኮኑን፣ሓለይቲ ናይቲ መንእሰይ ድማ ኣይኮነን።ኢዮሱስ ክርስቶስ፣ኣብ መስቀል ንኽስቀል፣ቀሌቤት ቃል ኪዳንና ድማ ብቀለመ ደሙን ቅዱስ ማዩን ክሓትሞ ምስ ወሰነ፣ብዙሓት ግን ኣይተሓጎሱን።ገሊኦም ቅዱሳን መላእክቲ እረ ክንድምንታይ ቲሕትና ኢዩ፣ኢዮም ብኣንክሮ ዓቢ ምስጋና ኣቕረቡ፣እቶም ርኹሳን መናፍስቲ ግን፣ንሕና ብሓጥያት ዝጨቀና ምስ እግዚኣብሄር ክንምርዖ ስለዘይተሓጎሱ፣ፈጺሞም ቀንኡልና።ንሳቶም ክርስቶስ ኢዮሱስ ከፍቅረና ኣይደልዩም ኢዮም ክቑጠዓናምበር፣ክምርዓወና ኣይደልዩን ኢዮም ክፋታሓና፣ቃል ኪዳኑ ክበትኽ እምበር፣ክሕልወና ኣይደልዩን ኢዮም ክርሕርሓና ዋና ከምዘይብሎም ክገድፈና እምበር።እግዚኣብሄር ግን ፍጹም ኣፍቃሪ ኮይኑ ክሳብ መቓብር ኣፍቀረና።ንመቓብር ቤት ሕማ ተጠቐመሉ፣ናብቲ ዝዓበየ ቤተ ሕጽኖት ንኺወስደና ግን ኣብዚ ጽንሑ ኢሉና ንሰማያት ዓረገ።ወገነይ እግዚኣብሄር ናብ ሕጽኖት ንኽትኣቱ ምስተን ዓሰርተ ደናግል ኣምቢርካ ከይዱ ኣሎ።ንስኻ ግን ለባም ድንግል ኮይንካ ጽናሕ።ገሊኤን ደናግል ዓያሹ ኮይነን ዝጸንሓ ኣሎዋሞ፣ንሳተን ድንግልነአን ንጓና ኣሕሊፈን ዚሃባ ስለዝኾና ናብ ቤት ሕጽኖት ኣይክኣትዋን ኢየ።ንስኻ ግን መንፈሳዊት ድንግልናኻ ዓቅብ፣እናሻዕ ንሲሓ እናተሓጸብካ ድንግልናኻ የሕድሳ።
፪፣ሓንቲ ኣዝያ ድኻ ዝኾነት ሰበይቲ፣ዋላ ጽባቐ ይሃልዋ ካብ ምሒር ድኽነታ ዝኣክል፣ብዙሕ ሰብ ኣይቀርባን ኢዩ።ዋላ ደጋዊ ጽባቐ ይሃልዋ፣እቶም ዝቐርብዋ መንእሰያት ግዝያዊት ዕግበት ንኽረኽቡ ኢሎም እምበር ንቃል ኪዳን፣ንቑምነገር ኢሉ ዝቐርባ ሰብ ውሑድ ኢዩ።ገዛኣ ዝተናዕቀ ስለዝኾነ፣ጓል ሃቡና ኢሎም ዝመጹ ዳርጋ የለዉን።እዛ ጎርዞ ጎጆ ፍቕሪ ንኽተማዕዱ ናብ ፈቐዱኡ ከተማ ኮለል ትብል፣ግን ኩሎም ዕግበቶም አኣርውዮም ምስኣ ደደቂሶም፣ኣርኪሶማ ይሃድሙ እምበር ንዒ ኣነ ኾነኪ ኢየ፣ኣያን ኣቦን ኮይነ ጎንኺ ክኾነኪ ዝብላ ሰብ ኣይትረክብን።ብዙሓት ክቐርብዋ እንከለዉ፣ክሳብታ ተድልዮም ዝረኽቡ እዚ ዘይብሃል ዉዳሴ እንዳወደሱ ነታ ተድልዮም ይወስዱሞ፣ክርሕቁዋ እንከለዉ ድማ ብእልቢ ዘየብሉ ጸርፊ እንዳላሃሙ ይፋነዉዋ።
ሕጅውን እዛ ምስኪነይቲ ጎርዞ፣ጎንና ዝኾነ ኣክሳብ ዘይረኸበት፣ኣብ እንዳባር ክቲሰርሕ ትጅምር፣ናይ ምንዝርና በዓልቲ ሞያ ተቖጺራ ናይ ኣጉባዝ ሃዳኒት ትቕየር፣መልክዓ እንዳኮክሓሓለት እናሻዕ ምስ መልክዓ ቅልስ ትገብር።ሕጅውን ኣይሰልጣን።እሞ በቃ ምኻን ካብ ኣበየኒ እድመይ መታን ከይውዳእ ኢላ፣ካብ ሓደ ዘይትፈልጦ ሰብ፣ንሱ መከላኸሊ ጥንሲ ተጠቒሙ ክንሱ ንሳ ግን ያኢ ብጥበባ ጥንሲ ካብኡ ትጠንስ።ኣቡኡ ዘይተፈልጠ ህጻን ወጢጣ ናብ ዓዳ ትኸይድሞ እተን መዛኑኣ ደቂ ዓዳ እንደገና ኣዝየን የዋርዷኣ።ሕጅዉን እንደገና ትነብዕ።ነዛ ጎርዞ እዚኣ ሓደ ኣዝዩ ሃብታምን ወዲ ኩቡራትን መጽኡ እንተዝምርዓዋ ከመይ ይስመዓኩም፧ከምዚ እዛ ጎርዞ ካብ ኩሎም ዝደኸየት ዝነበረት፣ንሕናውን ምስ ኣምላኽ ዘዋዳድር ምንም ሃብተ ጸጋ ኣይነበረናን።ንሱ ባዕሉ ግን ጸገወና።ኣብ ፈቐድኡ ቤት ሓጥያት ኬድና ዘርከስናያ ሰብነት፣ኩሎም ኣጋንንቲ ሰሓቑና፣ባዕሎም ኣታሊሎም ኣውዲቖምና ክንሶም፣ክሳብታ ቅድስቲ ሰብነትና ዝረቕቡ ብዙህ ከንቱ ውዳሴ ደርዲሮም፣ድሌቶም ምስረኸቡ ግን ተገምጢሎም ሰሓቑና።ሲኦል ኣፋ መሌአት።ሓንቲ ነፍሲ ናብ ሲኦል ክትኣቱ እንከላ፣እንዳሓጨጩን እንዳሰሓቑን ይቕበልዋ ነበሩ።ብዙሕ ረኸስና፣ክርስቶስ መጺኡ ግን ምስዚ ኩሉ ድኻምና ብሃብቱ ሃብታማንት ገበረና።ኩሎም ኣጋንንቲ ነዓቑና፣ዘይንዕቕ መርዓዊ ግን መጺኡ ኣብ ድኽነትና መረጸሞ ናትና ሞት ጢዒሞ ናቱ ክብሪ ሃበና።መስቐልና ተሰኪሙ፣ኣብ ክሳድና ነኣዲኡ ብሓደራ ኣሰከመና፣ሕማምና ጸይሩ፣ፈዋስነቱ መጠወልና፣ኣብ ውሻጠ መቓብርና ኣትዩ ናብታ ቅድስተ ቅዱሳን ዚኾነት ጥንታዊት ሰፈርና መለሰና።ኣቤት ፍቕሪ እግዚኣብሄር ምሳሌ ተመሰልኩስ ምሳሌ ውሒዱኒ።
ስብሀት ለስሉስ ቅዱስ።