lørdag 12. mai 2018

ኣእምሮ ዘመንጨዎም ሕቶታትን መልስታቶምን 5ይን ናይ መወዳእታን ክፋል፣-

Relatert bilde
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
13. ሕቶ፣-ርትዒ ቀቲልካ ንእምነት ካብ ምንጋስ፡
ሶቅራጦስ ምስ እየሱስ
ኮንፍሽዮስ ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ፡
ሓታትን ተሓታትን
ንምንታይ ዘይፈጠርካዮም፧

መልሲ፣-ርትዒ ቀቲልካ፣ እረ ዓገብ ዝባን ርትዒ፣ ርትዒ ኣይመተን፣ሞይቱ መሲሉካ እምበር ተንሲኡ ኢዩ።ንሱ ዝሞተ ሰሪ መዋትነትካ ኢዩ።መዋትነካ ንህያውነቱ ሰንኪ ምሒር ፍቕሩ ናብ መቓብር ከምዝወርድ ገይርዎ።ግን ኣጆኻ ኣይሞተን፣እቲ ዋና ርትዒ ኣይሞተን፣ስለዘይሞተ ኢዩ ከኣ እምነት ይንገስ ኢሉ ዝእውጅ ዘሎ።እን ሶቕራጦስ ብቕንዕነኦም እን ኮንፍሽዮስ ብዝናውነቶም ንርትዒ ክንዲ ፍጻመ ዝኣክል ኣይመስልዋን ክመስልዋውን ኣይክእሉን ኢዮም።ፐርከስ ፍጡራን ብምኻኖም ጥራይ ምልኣታዊ ርትዒ ክህልዎም ኣይክእልን ኢዩ።ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ሓቃዊ ርትዒ ኢዩ፣እቲ ርትዒ ስለርትዒ ኢሉ ኣብ ኢድ ዘይርቱዓት ወደቐ፣ብርትዒ ተራትዐ፣ሞት ክራትዖ ኣይተኻእሎን፣ብርትዓውነቱ ንርትዑ በቶም ርቱዓት ሰዓብቱ ናብ መላእ ዓለም ርትዒ ከንግስ ናይ እምነት ርትዒ ሰበኸ።ዘመንካ ምሉእ ደሊኻ ነዚ ዝመስል ርትዒ ኣይክትረክብን ኢኻሞ ተኸኣልካ፣ብርትዓውነቱ እመን።ተዘይከኣልካ ግን ነዛ ፍጥርቲ ዘይኮነት፣ፈጣሪ ዝሰረታ ርትዒ ኣህጺጽካ፣ፍጡራን ንዝሰረትዋ ርትዒ ከተንግስ ናብ ቤት ርትዒ ኣይትምጻእ።ኣብ ኣፋፍኖ ርትዒ ተደኪልካ፣ግንዛቤኻ ንኽክዕብት ተደሊኻ፣ክትመሃር ናብ ቤት ርትዒ ምጻእ፣ፈንቂለ ዘየፍረስክዋ ኢልካ ግን ኢድካ ኣይተዋጣውጥ ስለርትዒ ኢለ ክልምነካ።

ሓደ ካብ ውሽጣዊ ምጉትካ ካብ ዘንበብክዎ እንተሃልዩ ግን፣ኣብዛ ዓለም ንዝነበሩ ዝነበሩን ዘለዉን መደርቲ ርትዒ፣ዕግበት ከምዘይረኸብካሎም ኢዩ።እወ ብሕጂውን ኣይክትረክብን ኢኻ።ፍጡርዶ ፈጣርያዊ ፍትሒ ከርትዕ ይኽእል ኢዩ፧ከመይ ናይ ፍጡር ኣእምሮ ፍጽምቲ ፍትሒ ከንግስ ኢዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር፧ኣብዛ ዓለም እንኮ ጥርዓንካ እትኽዕወላ፣መልስታትካ እትሓፍሰላ፣ቁስልኻ እትዝንነላ፣ንዝተበተኑ ሓሳባትካ እትጥርንፈላ፣ውሽጣዊ ጛሂኻ እትድርጉሓላ፣እንኮ ሓንቲ መንፈሳዊት ኤንባሲ ኣላ።ፈጣሪ ንናይ ኩላቶም ደቂ ሰባት ጥርዓን ሰሚዑ ዘዝግብኦም ሞሳ ዝምጥወላ ሓንቲ መንፈሳዊት ኤምባሲ ኣላቶ።ቤተክርስትያን ኢያ፣ሓንቲ ሕክምና እረ ዓባይ ሆስቢታ ኣላቶ፣ኩላቶም ሕሙማን መንፈሳዎ ቃምዛታቶምም ዝፍወሱላ፣ቤተክርስትያን ኢያ፣ሓንቲ ጫካ እረ ካብ ከባቢ ኣማዞንን ካብ ማእከላይ ቅናት ምድርን ዕጽፊ ጻዕቂ ጫካ ዝወነነት ኣበር ዘይኣተዋ ሕዛእቲ ኣላቶ፣ ኣብ ትሕቲ ኢድ ረቒቕ ሓለዉኡ ዝተደኮነ መንፈሳዊት ሕዛእቲ።ደቁ ካብ ፍላጻታት ጸላኢ ንግዚኡ ዝሕብኡላ ቤተክርስትያን ኢያ።ፐርከስ ፈጣሪ ነቶም ኣዝዩ ዘፍቅሮም ደቂ ሰባት ኣብዛ ምድሪ ንዘልኣለም ንክነብሩ ኣይኮኑን ድልየቱ።እምበኣር ተዘይተምበርከኽካ ኢሎም ዘጛይዩኻ ጸረ ሰናያትካ ተሃልዮም ጎይኻ ናብዛ ሕዝእቲ ስፍራ መጺኻ ተዓቆም።ንመን ክረኽቦ ብኸመይ፣ዝብል ስክፍታ ኣይሃሉኻ።ዙርያኻ ብኣገልገልቱ ተወቂቡ ኢዩ ዘሎ።እንተሓሚምካ ብዙሓት መንፈሳውያን ነርስ ኣሎዉ፣ምስቲ ሰማያዊ ዶክተር ዝኾነ ፈጣሪኻ ዘራኽቡ፣ጥርዓን ተልዩካ፣ቆንስላውያን ኤንባሲታት ናይ ፈጣሪ፣ክትሕባእ ካብ ዓለም ሃድምካ ኣብቲ ሕዛእቲ ናይ ፈጣሪ ክትሽጎጥ እንተደሊኻ ድማ የግድኻ፣መንፈሳውያን መራሕትን ሓለውትን ናይዛ ጫካ ኣሎውኻ።ነቲ ግሩም ጫካ፣ኣብ ክንዲ ብጽባቔኡ ተደኒቕካ ጡዑም ሽታ ናርዶሱ ክትዕንገል ኣክንዲ ትህንደድ ግን "ተዘየንደድክዎ፣" ነቲ ምኡዝ መንፈሳዊ ሕክምና "ተዘይኣፍረስክዎ"፣ነታ እናሻዕ መንፈሳዊ ጥርዓን ናይ ፍጡራን ናብ ፈጣሪ፣ ብመንገዲ ጸሎት ዝካየደላ ኤምባሲ ድማ ፣"ብፍጡራዊ ኪደት ተዘይተማሕደረት" ኢልካ ኣብ ዘይመንጠቢትካ ኢድካ ኣይትምለስ። ኢድካ ከይትሓርር።ቅድሜኻ ብዙሓት እዞም ብታሪኽ ዝጠቐስካዮምን መዓልታዊ እትመሃሮምን፣ንዕንወታ ጽዒቶም ኢዮም ግን ፈሪሶም ከምዝተረፉ ባዕልኻ እነኻ ምስክር።


14. ሕቶ፣- ኣብ ሓደ ወለዶ፡ ኣብ ሓደ ዘመን።
ደስ ድዩ ዝብለካ፧
ማዕጾኻ ክኹሕኳሕ
ንሰብ ከተቐብል
ኣብ ኢዱ ንዘሎ መፍትሕ
ንምዃኑ ኸ መኣስ ኢኻ ከተዕርፍ፧

መልሲ፣-እወ ደስ ይብሎ ኢዩ።ፍጡራቱ መዓልታዊ ነታ ረቃቕ ማዕጾኡ ክኩሕዋ ክንደይ ደስ ይብሎ መስለካ!እዞም ብኢዱ ዝፈጠሮም ዘመናት፣ ዘመኖም ምስ ኣብቅዐ፣ነቶም ዘመናት ዘይክግድቦም ኢሉ ዝፈጠሮም ደቂ ሰባት፣ኣብቲ ንሱ ዝመደቦ ዘመን ክጽውዖም ኢዩ፣ንሳቶም ድማ ክኹሕኩሕዎ ኢዮም።እዛ ምልኣት ዘመን ዚኣ መዓስ ኢያ ክትኣክል ቁልፊ ኣብ ኢዱ ምህላዉ ምምስካርካ ጽቡቕ ምስክር ተዓዚበልካ ኣሎኹ።ስለዚ ብገዛእ ኣእዳውና ዝቆለፍናዮም መፋትሕ፣ብፉጡራዊ ጉልበትና ክፍትሑ ስለዘይከኣሉ፣ነታ መፍትሕ ዝሓዘድ ኢድ ፈጣሪ ምምዕዳው ከድሊ ኢዩ።ምላልባሽ ንነገራትና ባዕልና ብገዛእ መፍትሕና ዝቖለፍናዮም ክመስለና ይኽእል ኢዩ።ቆላፍን ፈታሕን ግን ንሱ ኢዩ።ክንፍታሕን ክንቁለፍን ድማ ፍቓደኝነት ኣባና ኢዩ ዝምርኮስ።"ክፍታሕ ደልየ፣ክሽገጥ ይሕሸኒ" ዝበለ ኣእምሮ ናይ ፍጡር፣ኢድ ፈጣሪ ዝርግሕቲ ኢያ።ግን ምርጫ ፍጡራን ዘብቅዓሉ ዘመን ከኣ ኣሎ።እቲ "ኣብዚ ይሕሸኒ" ኢልካ ዝምረጸሉ ዘመን ሕጂ ኢዩ፣ድሕሪ ጉድጋደ መቓብርሲ ናይ ምምራጽ ዕድል ይዕጾ ምበር ንኽትመርጽ ባይታ ኣይክፈትን።"ኣንታ ፈጣሪ፣መዓስ ኢኻ ከተዐርፍ" ዝብል ስንፍናዊ ሕቶ ነቢበልካ ነይረ፣ክነግረካ ፈጣሪ ኣይደክምን ኢዩ።ዘይደክም ድማ ኣየዕርፍን ከመይ ኢሉኸ ክደክምን ከዕርፍን።በንጻሩ ፍጡር ግን ኩሉ ግዜ ምስ ደኸመ ኢዩ። ሕቶኻ ንባዕሉ ንኣእምሮኻ ከምዘድከሞ ግሩም ምስክርነት ኢዩ።ድኻም፣ዕረፍቲ፣ድቃስ ምትንሳእ ዝብሉ ባህርያት ድምዳሜ መታን ክረኽቡ ፈጣሪኻ ስለፍቕርኻ ክብል ብተዋህዶ ለቢስዎም ኢዩ።

ክርስቶስ "ሓሚሙ፣ደኺሙ፣ደቂሱ፣ጸሚኡ፣ጠምዩ፣ለሚኑ፣ተሰቒሉ፣ደምዩ፣ሞይቱ፣ተቐቢሩ" ዝብል ክርስትያናዊ ምስክርነት ብወረ ሰሚዕካዮ ትኸውን ኢኻ።እዞም ዝበልናዮም ድኻማት ብእርይ ቁጽር፣ንፍጡር ዝውክሉ ባህርያት ኢዮም።ስለዚ ካባኻ ከልግሱ ተኾይኖም ፈጣሪ ክለብሶም ነይርዎ።በቲ ሓደ ወገን ድማ ሓሚሙ ክበሃለሉ እንከሎ፣ረቀቕቲ ኣቕሳል ይዝነኑ ነይሮም፣ጸሚኡ ጠምዩ ዝብል ዛንታ ክትሰምዕ እንከለኻ፣ካብ መንፈሳዊ መግቦቱ ንምጦ ነይርና፣ሓሚሙ ሞይቱ፣ተቐቢሩ ዝብል ዘሕዝን ዜና እንክትሰምዕ፣ሕማምና፣ሞትና ቀብርና ድምዳሜ ይገብረሉ ምንባሩ ኢዩ።እዚ ምግባሩ ፈጣሪ የመስግኖ እምበር ከመይ ከንቅፎ ተኻኢሉ! ደጊም ታሪኽ ድኻም ተዓጽዩ ኢዩ።ፈጣሪ እንደገና ብሕጂ ክደኽመልካ፣ክሓመልካ፣ክልምነልካ፣ክሳቐየልካ፣ክሞተልካ ትጽበ ተሊኻ በየማነይቱ ዘኾልስ ዝነበረ ሰብ፣"ብክልቲኤን የእዳውካ ገይርካ ኣኾልሰኒ" ኢሉ ክርክር ዝገብር ሰብ ትመስል ኣሎኻ። ብርግጽ ፈጣሪ ብኽልተ ኣእዳዉ ጥራይ ዘይኮነስ፣ኩሉ ነፍሱ ስለዕንጋሌኻ መግቢ ኮይኑ መጺኡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ጥሜንትካ ሙግርምራምካን ዓጺዎ ኢዩ።ክቡር ሓታቲ ሓወይ፣ተኾነ ብውህበቱ ደስ ይበልካ፣ካብ ደስታና ድማ ንዓ ተቓደስ። ተዘይኮነ ግን ኣብ ቤት ደስታ መጺኻ ኣይትረብሽ።

ኣድማስ ፍጥርቲ ክሳብ ዝኾነት፣ናይ ፈጣሪ ኢያሞ ኣብ ልዕሊ ስርዓተ ኣድማስ ብፍጡራዊ ኣእምሮኻ ተጠቒምካ ጽገና ናይ ኣድማስ ክትገብር ኣይትሓልን። ዓቕሚ ክሳብ ዘይሃለወካስ ትም ደኣ ከኣል።ከመይ ኢሉኸ ፈጣርያዊ ዓቕሚ ክህልወካ፣ንስኻ ኣካል ናይ ኣድማስ ፍጡርምበር፣ክንዮ ኣድማስ ክትጋልብ እትኽእል ናይ ፈጣሪ ፈረስ ኣይኮንካን።ንዓኻ፣ፈጣሪ ኣብ ክበብ ናይ ኣድማሱ ንኽትነብር ፈቒድልካ ኣሎ፣ክንዚ ዝኣክል ዓቢ ዕድል ቀሪብልካ ኣሎ፣፣ኣብዚ ኮይነ ከም ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ዘሎ ህጻን "ንናይ ዓለም ናብራ ከመይ ይመስል ግለጽ" ተባሂሉ እንክሕተት ኩሉሙሉ ንምግላጹ ዝእግሞ፣ኣብዚ ኮይነ ንምግላጻ ዓቕሚ እትሓጽረኒ እጽብቲ ስፍራ ኣዳሊልካ ኣሎ።ተኸኣልካ ተጸባዪኣ ኮይንካ ንዓ ምሳና ብተስፋ ተሓወስ፣ተዘይኮነ ግን ኣድማስ እትፈርሰሉ ዘመን ርሑቕ ስለዘይኮነ፣ክሳብ ሰዓቱ ዝኣክል ፍጡራዊ ትዕግስቲ ግበር። ጽባሕ ንተሃወጽቲ ርሕቕቲ ትመስል፣ንበዓል ተስፋ ግን ካብ ጽባሕ ዝቐርብ ማይክሮ ሰከንድ ፈጺምካ ኣይርከብን ኢዩ።

እግዚኣብሔር ንዝሓትት ሕልና በቲ መላሲ ባህሪኡ ክምልሰሉ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን።
ወስብሀት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።
ኣእምሮ ዘመንጨዎም ሕቶታትን መልስታቶምን ኣብዚ ይፍጸም።
እዚ ጽሑፍዚ ኣብ ገጻት ፌስቡክ ተሓንጢጡ ዝተሰንዘረ፣
ንልቢ ገርህታት ኣብ ህልውና እግዚኣብሔር ዘላቶም እምነት ከደናግር ይኽእል ኢዩ ኢለ ስለዝገመትኩ፣
<<ብመልክዕ ቃንቃ ናይቲ ሓታቲ ዝተመለሰ ቁንጫል መንፈሳዊ መልሲ ኢዩ፣>>
ኢለ ዝቐረብክዎ ኢዩ።ሕቶ ክቕበል ፍቓደኛ ኢየ ግን ኣብ ፕሪቫት።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...