onsdag 6. mai 2020

ጠንቂ መልሓስ!

በስመ ሥላሴ


ቶካሲ ኣንጸርጺሩ
ንሂሩ ብውሽጡ ሓኒኑ
ቀርማዕ-ማዕ ብረቱ ሰሚዕና
ሰንቢድና፡
"ጠፋእና!"'ልና ክንሕባእ
ክነምልጥ ናብቲ በዓቲ
በዓቲ መሊኣ ብጎረባብቲ
ከጥፍኣና እንድዩ'ሉ በብሓንቲ!

እንደገና!
ኣብኡ ኴይና ሕምየትና ጀሚርናዮ
ብዘሎ መርገም ዝልፍ ውዒልናዮ
ንሱ'ኳ ይሓይሽ ካባና
ንሕርቃን ልቡ፡ ጥይቱ ትነግረሉ
ሓማዪነት ነየምሕረሉ
ዘይወውር ንከንቱ ልሳኑ
እንተጸሊኡ ይድሕድሖ
እንተፈትዩ ይድርጉሖ

ኣብቲ መሕቢእና ኴና እንተሓተትናስ
ለካ ተሰይሩ'ዩ ልቡ
ሰብ መልሓስ ኣጥፊኦምሉ ቀልቡ
ኣብቲ ኬድካ ይሕመ ብዛዕብኡ
ኣብዚ መጺና'ውን ንረግም ንዑኡ

"ኢዶእ!"
በለ ሓደ ኣብቲ መሕብኢ
ገጹ ጨማዲዱ
ኣዕይቱ ተቐዲዱ
ንሱውን ዝቐሓረ'ዩ ዝመስል ብጸርፊ
ብዓል ቅልጽም ክንሱ ዘይዳነ
ብጸረፍቲ መሲሉ ዝማህመነ
ጥይት የብሉን ሕኒኡ ከይፈዲ
ጁቡኡ ቦዶ ከይከፍል ሰልዲ
ከየግቧዕብዕ ከየፈራርሕ
ኣይርከቦን በሊሕ-መሊሕ
ኣይ!
ሰፈር-ካራ'ኳ የብሉ
ንዓና ዘፈራርሓሉ 

ሕምየታ ነይፈቱ እርምቲ ልሳኑ
እንክጽረፍ ደደኒኑ
እንክርገም ደደኒኑ
እንክነዓቕ ደደኒኑ
ጥይት ንዘዘልዓለሉ ድማ ምሳና ሃዲሙ

ኣየ መልሓስ!
ንሓያል ተድክሞ
ንቶካሲ ተሕንኖ
ንሃዳሚ ተሻድኖ
ንመስኪን ተመሽክኖ
'ቶም ሓዊ ዝስሕኑ
ብማይማዮ ፍጥረታ
ዝተወልዲ ቃላታ ይሓኑ
ንሳ ማያዊት
ቃላታ እሳታዊ

ብኮራርምቲ ከይትቕርጠም
ኣብ ትንሓንግ ከይትሰጥም
ንውሽጢ ከይትሃጥም
ኣብ በዓቲ ተሓቢኣ
ልቢ ሰብ ኣሕሲኣ
ዓጽሚ ኣልቦ ክንሳ
ዓጽሚ ሰብ ኣበስቢሳ
ልሳን!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...