onsdag 20. februar 2019

ምንባር

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ።

ምንባር

ምንባር ንዓኻ እንታይ ኢዩ፧ ነዚ ሞይትካ እንከለኻ ምንባር ዲኻ ምንባር ኢልካዮ፧ ብዙሓትኮ ህልዋት ክንሶም ንዘልኣለም ዝነብሩ ኣሎዉ፡ብዙሓት ድማ ህልዋት ኢና እንዳበሉ፡ምውታን ኮይኖም ዝነብሩ ኣሎዉ።ምንባር ብምርጫ ድኣምበር ተዓዲልካ ብትካቦ እትነብሮ ኣይኮነን።ክትፍጠር እንከለኻ፡እቲ ዝሰርሓካ ፈጣሪ፡ንስኻ ገና "ኣእዛን ፍጠረለይ፡የዒንቲ ግብረለይ፡መልሓስ ኣብ ትንሓገይ ኣቐምጠለይ፡መታን ክበልዕ ኣስናን ግበረለይ ወዘተ" ኢልካ እንከይለምንካዮ፡ነዞም ነገራትካ እዚኣቶም ኣጣጢሑ ኣብ ምንባርካ ወሳንነት እጃም ንክትህብ ምሉእ ዕድል ሂቡ ናብዛ ዓለም ኣምጺእካ ኢዩ።ድሕሪኡ ዘሎ ንምንባርን ንሞትን ምሕራይ ግን ናባኻ ኢዩ።ድማ ኣብ ዝማእማኣካ መሪጽካ ምንባርን፡ሓላፍነት ክትስከመሉን እቲ ዕድል ምርጫ ነዓኻ ተዋሂቡ ኣሎ። ሕጂ ንስኻ ይነብር ኣሎኹ ትብል ኣሎኻ።ፈጣሪኻ፡ምንባር ኢሉ ዝሰምዮ ግን ከመይ ዓይነት ምንባር ምኻኑ ኣይትዝንግዖን ኢኻ።ዋላ ንዓይ ንኸማኻ ሰብ ይነብር ኣሎኹ ኢልካ ከተታልለኒ እንተፈትንካ፡ንውሽጥኻን፡ነቲ ንናይ ውሽጥኻ ሕሹኽታ ዝሰምዕ ፈጣሪኻን ግን ከተሽክዕ ኣይከኣለካን ኢዩ።

እሞ ኦ ወገን፡ሞይትካ እንተሊኻ፡ተንስእ ተበራበር፡፡ ኣሽንካይዶ ንስኻ እዚ ንናይ ሂወት ምምራጽ ዕድል ንስሓ ዘለካሰብ ክትነዓቕሲ፡ኣብ መቓብር ካብ ዝቕበሩ ንዝቡሕ መዓልትታት ዝገበሩ እካ ኣይተናዕቁን።እረ "ሬሳዩሞ ከይጨንወና" ኢሎም ኣፍንጨኦም ዝዓበሱ፡ፈጣሪ ግን ብስሞም እኽቢሩ ዝጸውዖም ብዙሓት ከምዘለዉ ከመይ ዘንጊዕካዮ!! በል ኮንቱ ምኽንያት ገዲፍካ ካብ ሙማትካ ተንስእ።ንሱ ከተንስኣካ ኣይእግሞን ኢዩ።ንስኻ ጥራይ ፍቓደኝነትካ ግለጸሉ።ነዚ ኣምላኽካ ክትትንስእ ምስትፍትን ድቃስ ኢሉ ኢዩ ዝሰምዮ፡ትነብር ተሊኻ ድማ፡ኣነባብራኻ ለውጢ ግበረሉ፡ዓምን ሎምዘመንንን ሓደ ዓይነት ናብራ ክህልወካ ኣይትምረጽ፡ፐርከስ ንስኻ ካብ ባዶነት ናብ ምልኣት ቅድስንኡ ንኽትበጽሕ ዝተዓደምካ ናይ ፈጣሪኻ፡ክቡር ጋሻ ኢኻ።ኣብ ቅድሜኻ ብዙሕን ዘይምኖን መኣዲ ተቐሪቡ ኣሎ።አረ በሊዕካዮን ሰቲኻዮን ዘይምኖ ጥዑም ናይ ሂወት መኣዲ!! ነዚ ተሓሲምካ ብቅጫን፡ሽሮን ጥራይ ክነብር ይኽእል ኢየ፡ትብል እንተኮይካ ግን፡ጾምካ እረ ኣብ መካነ ምውታን ተቐቢርካ ምህላውካ ተገንዘብ።መጽሓፍ" እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ሕብስቲ ኣነ ኢየ፡ብልዐይ ብልዒ ሓቂ፡መስተይ ድማ መስተ ሓቂ ኢዩ።" በለ።(ዮሐ6) ንዘሎ ኣንብቦ።ኣብኡ፡ስጋይ ዘይበለዐ፡ደመይ ዘይሰተየ፡ናይ ዘልኣለም ሂዎት የብሉን፡ዝብል ጽሑፍ ከተንብብ ኢኻ።በል ኣንታ ክቡር ንብረት ናይ እግዚኣብሔር ዝኾንካ ሓወይ፡ምንባር በዚ ብልዒዚ፡በዚ መስቲ ደኣምበር፡ብጥብስን ጮማን ጥራይ ኣይትምዘንን ኢያ።ከምኡ ተትኾውን እሞ፡ፈጣሪኻ ናብዛ ዓለም ስጋኻ ለቢሱ ምምጻእ ኣይመድለዮን።ዓንተቡኡውን እዛ ዓለምና ስጋን ጮማን ሕምቶንሲ ኣይተነፍጋን ነይሩ።

በል ተንስእ ስምካ ካብ ናይ ምውታን መዝገብ ተፋሒቑ ክድምሰስ መታን፡ናብ ሂወት ምረጽ።ሽዑኡ ጎይታኻ፡" ወደይ ሞይቱ ነይሩ ተንሲኡ፡" ኢሉ ፈጣሪኻ ብኣኻ ክሕበን ክጅምር ኢዩ። ክትትንስእ ኣንከለኻ ግን ነቲ መሪጽካዮ ዝነበርካ ናይ ምውታን ስነምግባራት ፈጺምካ ፈንፍኖ።እዚ ግብረ ምውታንዚ፡ንዓኻ መሊሱ ናብቲ ዝነበርካዮ ሞት ዝወስድ እምበር፡ኣብ ህላወኻ ቁንጣሮ እጃም የብሉን።
ወስብሀት ለእግዚኣብሔር።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...