torsdag 7. desember 2017

ንህልውና እግዚኣብሔር ዝምልከት። 1ይ ክፋል


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላኽ ኣሜን።
ንኣመጻጽኣዛ ፍጥርቲ ዓለም ብዝምልከት፣
ኣብ ዝተፈላለየ ዘመን ደቂ ሰባት ዝተፈላለየ ኣመለኻኽታ ሂቦምን ይህቡ ኣሎዉን። ገለ ገለ፣ፈለማ ንእሽቶ ኢለመንት bacteria ጥራይ ነይሩ ድሓር በበቑሩብ እንዳዓበየ ናብዚ ዘለናዮ ቅርጺ ሒዙ መጺኡ ዝብሉ ኣሎዉ።ነዚ ድምዳሜዚ ንምባል ብእምነት ኢዮም ዝርዕምዎ።እምበር ኣብ ዘመነ ባክተርያ ስለዝነበሩ ኣይኮኑን።ገለ ድማ ኩሉ ማይ ነይሩ፣ካብ ማይ ኢዩ ተረኺቡ ዝብሉ ኣሎዉ።እዚ ውን ከምኡ ኢሎም ስለዝኣመኑምበር፣ቀዳማይ ህሉው ዝነበረ ማይ ምኻኑ ኣብኡ ኣብቲ ግዜቲ ኮይኖም ስለዝረኣይዎ ኣይኮነን።እዞም ሰባትዚኣቶም ቅድሚ ማይን ቅድሚ ባክተርያን ካልእ ዓይነት ሓይሊ ወይ ፓወር ካብ ዘይነበረስ፣ንዓኣቶም ነዞም ባክተርያን ማይንከ መን ናብ ህልውና ኣምጺእዎም ዝብል ሕቶ ክስዕብ ምኻኑ ሕልነኦም ይነግሮም ኢዩ።ንሳቶም ግን ካብዚኣ ንላዕሊ ክሓልፉ ኣይደልዩን ኢዮም።
ገለ ገለውን ድፍን ብዝበለ ንጻሬ፣ክሳብ ዘለና ንብላዕ ንስተ ከም ድላይና ንምበር፣ድሕሪ ሞት ዘሎ ሕቶ ግን ክምለስ ኣየገድሰናን ኢዩ ዝብሉ ኣሎዉ።እዚ ንባዕሉ፣እቲ ንብላዕ ንስተ፣ዝብል ውሽጣዊ ዊንታታቶም፣ነቲ ምስቲ ተቖጦብ፣ዔብ ግበር፣እዱብ ኩን፣ዝብል ናይ ውሽጦም ናይ ሕልንኦም ሕጊ ስለዝጋጮ፣ምስኡ ንምምጋት ኢሎም ዝነዝሕዎ ነፍሰ ግላዊ ክርክር እምበር፣ኪኖ ሞት ገለ ዘፍርህ ወይ ዘጸናንዕ ነገር ከምዘሎስ፣እቲ ከምድላይና ንምበር ዝብል ኣጉል ጉዕዞኦም ውሽጣዊ ስግኣት ከምዘለዎም፣ንጹር ገይሩ ኢዩ እምነቶም ዘረድኣካ።ታሪኽ ደቂ ሰባት እንተድኣ ገንጺልና፣ሰብ ካብ ተመላኽነት፣ወይ ካብ ኣምልኾ ሓራ ወጺኡ ኣይፈልጥን ኢዩ።እቲ ዘምልኾ ግን ይፈላለ።ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘሎ ፍልስፍና ናይ ደቂ ሰባት ድማ፣ጨሪሱ ኣምላኽ የለን ዝብል ኣመለኻኽታ ኢዩ።ኣምላኽ የለን ዝብልውን ኣምልኾ ወይ እምነት ኢዩ።እምበር፣ኣምላኽ ከምዘየለ መረጋገጺ ስለዝረተኸበ ኣይኮነን።ወይውን ንህልውና ኣምላኽ ዝስዕር ሓድሽ ቴለስኮፕ ስለዝተሰርሐ ኣይኮነን።ግን ከምኡ ንምባል ናጽነት ስለዝረኸበ፣ኣልቦ እግዚኣብሔር ዝብል ኣንፈት ክኽተሎ ዘገበሮ ምኽንያት ከምኡ ስለዝኣምን ኢዩ።መጽሓፍ ቅዱስ፣ማለት ናይ ክርስትያን መጽሓፍ፣ዓሻስ፣ብልቡ ኣምላኽ የለን ይብል መዝ 4,፣1 ፣ኢሉ ብዛዕባ መነጸራዊት ልቢ ናይዞም ሰባት እዚኣቶም ቅድሚ ኩነት ኣጠንቀቐ።
መብዛሕትኡ ወድ ሰብ ሎሚ ኣብዛ ምድሪ፣ How can I insure that God is alive? ህልውና ኣምላኽሲ ብኸመይ ከረጋግጽ ይኽእል ኣብ ዝብል ወጥሪ ተሸሚሙ ኣሎ።
ህጻን እንከለኹ፣እረ ካብ ማህጸን ኣደይ ትውልድ ኣብ ዝበልኩላ ግዜ፣እተን መሕረስቲ ነታ ምስ ውሽጣዊ ክፋል ናይ ኣደይ እተራኽብ ሕንብርቲ ቆሪጸን፣ንዓይ ኣጸራርየን ናብ ሕቅፊ ኣደይ ኣቕረባኒ፣ኣደይ ድማ ጡብ ክጠቡ፣ኣጥባታ ናብ ኣፈይ ኣኾለሰቶ።ኣነ ከኣ ነቲ ጡብ እንዳጠበኹ፣ካብ ኣጥባታ ጸባ ተዓንገልኩ።ጸባ ጠቢኻ ከምዝዕንገል ኣይፈልጥን ነይረ።እዚ ንመጀመርያ ግዝየይ ኢዩ።ካብ ጡብ ጠቢኻ ከምዝዕንገል ዝመሃረኒ መን ኢዩ፣ዝምልሰለይ ሰብ ይህሉዶ፧ እረ ኣነ ኣብ ማህጸን ቅድሚ ምድካነይ፣ፈሳሲ ከምዝነበርኩሞ፣ድሓር ግን ናብ ዓጽምን ኣካላዊ ሰብን ንምቕያር፣ኣብቲ ማህጸን ኮይና ዝዓየየትኒ ኢድ ናይ መን ኢድ ኢያ፣እሞ ድማ ክዕየ እንከለኹ፣ኣብ ምሉእ ዓለም 100% ንዓይ ዝመሳሰል ሰብ ከም ዘየለ ኮይነ ክስራሕሲ ክንድምንታይ ጥበበኛ ኢድ ኢያ ሰሪሓትኒ! ጥበብነት ናይዛ ረቃቕ ኢድዚኣ መን ይርድኣላ ይኸውን፣ናብዛ ዓለም ምስተወለድኩውን ርእሰይ ክኢለ መታን ክምገብ፣ናይ ጡብ ምጥባው ከም ፍላመ ጉልቦታዊ ጥበብ ገይረ ክምኮረሉ ድሮ ብቕድሙ ምሂራትኒ ነበረት።ነዚ መምህርዚ ኣነ ብዘይግምቶ ኣመሃህራ ዝመሃረኒ፣መን ምኻኑ እትፈልጦ ሕልናይ ኢያ።ኣብዛ ዓለም ዝኾነ ዓይነት ንስለተመግቦ ዝምልከት ዝወሰድክዎ ኮርስ ወይ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ኣይነበረን።ዋላ ዕድል ተዝህሉውን፣እቲ ዕድመ ንትምህርቲ ዝበቅዕ ኣይነበረን።መን ደኣ መሃረኒ፣ኣብ ማህጸና እንከለኹ መን ሓበረኒ፣ነዚ ሕቶዚ ኣእምሮይ ክምልሶ ኣይክእልን ኢዩ።ሕልናይ ውን ክትንትኖ ኣይበቅዕን ኢዩ።መምህር ከምዘሎ ግን ሕልናይ ክትግንዘብ ትግደድ።
ኣንታ ሓወይ፣ፈጣሪ የለን ዲኻ ዝበልካ። ሓንቲ ነገር ክነግረካ።ስእሊ እንተልዩ፣ሰኣላይ ኣሎ፣ህንጻ እንተልዩ፣ሃናጺ ኣሎ፣መጽሓፍ እንተልዩ፣ደራሲ ኣሎ፣ዝተቓመመ መድሃኒት እንተልዩ፣ቀማምን ሰራሕን መድሃኒት ዶክተር ኣሎ።ፍጡር እንተልዩ ድማ ፈጣሪ ኣሎ።ሓወይ፣ንስኻ ፍጡር ምኻንካንዶ እመን።ፍጡርነትካ ብግዴታ ክትእመነሉ ዝግባእ ናይ ተፈጥሮ ስርዓት ኢዩ።ፍጡር ምኻንካ እንተተረዲእካ ድማ፣ፈጣሪ ኣሎካ ማለት ኢዩ።ንፈጣሪኻ ንምፍላጥ ግን ብዙሕ ምሕታት፣ ከባቢኻ ምግንጻልን፣ጥራይ ዘይኮነስ፣ልቦናኻ ኣትሒትካ ከምቲ ፈጣሪ ኣሎኒ ኢልካ ክትኣምን ዝተገደድካዮ፣ብፍታውካ፣ተገለጸለይ ኢልካ ክትልምኖ ተፈጥሮኣዊ ጉቡእካ ኢዩ። ወድሓንካ።
ኦ ኣብ ህልውናኻ ኣእምሮን ሕልናን ዘይልክዖ፣ገናና ግሩም ረቂቕ ፈጣሪ፣እዛ ብረቀቕቲ ኣእዳውካ ዝሃነጽካያ ግዝፍቲ ኣካልና፣ንህልውናኻ ንምኽሓድ፣ምስታ ኣብ ውሽጥና ዘላ ረቃቕ እስትንፋስና ኮይነን ወትሩ ኣብ ክርክር ይርከባ ኣሎዋ።እዚ ክርክርዚውን ንዓኻ ዝተሰወረ ኣይኮነን።እንታይ ኢለ ከምዝልምነካውን፣ገና ቅድሚ ምልማነይ ንድሌታተይ መዚንካ እትፈልጥ ለዋህ ፈጣሪ ኢኻሞ፣ነታ ንጽባሕ ንግሆ ከይፈተወት ኣብ ቅድሚ ህልውናኻ ተምበርኪኻ እትሰግድን እትግዛእን ስጋና፣ሕጂ ብፍታዋን ብድሌታን ክትግዝኣካ ሓይልኻን ጥበብካን ልኣኽ።ጥበበኛ ኢኻ፣፣ናትና ጥበብሲ ካብ ህልውናኻ ክፈልየና ወትሩ እንዳተቓለሰና ኢዩ፣፣ህልውናኻ ዘነጽር ቅዱስ ጥበብካ ስደደልና።ንሓይሊ ህልውናኻ ዝከራኸር ሕሱር ጥበብ ድማ ብጥበብካ ሰዓሮ።ን
ኣብን ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...