onsdag 27. juli 2022

ግደፊ ጎንደር!

 ጎንደር ዓቢዳ

ጎንደራን ወሊዳ

ንህቢ ሓዲጋ

ብለሃርጅያ ሰዲዳ


'ታይ'ሞ ክኾነና ብለሃርጅያ

ቅድስናዶ ከየምጽእ እንትርፎ ዝላ-ጉያ

ከመይ'ሉ ጎንደራን ክመጻሉ ተመስጦ ያሬድ

መንከ ክጥዒ እንትርፎ ብሰንኩ ዝዋረድ

ጎንደራን ኣብ ከብዲ 'ተኣትዩስ

ዓቢ ኣይብል ንኡስ

ፈላሲ ኣይብል መሃንድስ

ዛቑናይ ኣይብል ቀሺ

በኣልማማ'ዩ ዘራሲ


እሞ ጎንደር ሕደጊ'ባ

ዘዝሃብናኪ ዕሸላት ኣይትግበርዮም ወልደገባ

ንፈልጥ ኢና'ኮ ከምዘለዉኺ ጠንቋሎ

ጥዑያት ዝመስሉ ናይ ኣጋንንቲ ደላሎ

ንስራይ ዝህንደዱ ፍሉጣት ሰብ ቈሎ

እወ!

 ወሬኦም ኣለና ወረ'ቶም ዘዂድዱ

ንመዝሙር ኣምሲሎም ተሃኖም ዝሰዱ


ግን ከኣ ኣለዉኺ'ኮ ሓሽከት ኣናህብ

ሕንዞም ሓቢኦም ዝኾኑና ቀለብ

ሰማይ ደይቦም ንኣምላኽ ዝስሕቡ

ብግሩም ማህሌቶም ኣእላፍ ቅዱሳን ዝእክቡ

ድምጺ ክንፎም ንነጋውስ ዝምስጡ

ተኽለሃይማኖት ኮይኖም ዝኽእልዎ ንሰማይ ዝውጠጡ


ጎንደር ግን ንስኺ

ተመሲጦም ዘመስጡና ገዲፍኪ

እስክትሽም ዘብሉ እና ኣምጻኺ

በሓደ-ኣፉ ብለሃርጅያ ጎንደራን እናፍረኺ

ካን ኴንኪ

ከብድናን ክብርናን ትህውኽ'ዮ ኣለኺ


እምበርከ!

ንህብና ናብ ጎንደራን ካብ ተቐየረ

ከመይ'ሉ ክምቅር እንትርፎ ዕረ

ኲዳ ከርእየና 'ተዘይኮይኑኸ

ዘዝሃብናኪ ምስ ሰብኪ ካብ ዓረኸ

እነሆ'ንዶ ፈለቕ-ለቕ ኢሉ 

ቀልጢፉ ሳዕሪሩ ሓካይም እናደሃኸ

'ሽም ስስ-ሽም' ኢሉ ኣድህዩ ንውሽጥና እናለሓዀ


ድሮ ሓቢ-ጎንደራን ተቐይሩስ

ተጻይ መድሃኒት ኮይኑ ንቤቱ ዘዕኑ

ንሕና ከኣ

ዕንድ ኢልና ኣሎና

ንገብሮኮ ጠፊእና!


ሓራም ሓካይም ሰብ መስቀል ተዳሂኾም!

ዘይተለምደ ከልምዱና

ተደፊሮም ኣቦታትና

ንጎንደር ኣምጺኦምልና ንዘለና የሕዲጎም

ኣሻብኪ ደኣ ጎንደር ኣረሲዕክዮም ናይ ዓዶም!


ኩዳ-ብዂድኡ ደኣ'ሞ

ዓድናስ ኣሎ'ንድዩ በብዓይነቱ ኩዳ

ተደሊኻ ናይ ኣስመራ ተደሊኻ ናይ ዓረዛ

ተደሊኻ ብጉሮቦ ተደሊኻ ኣብ ሜዳ

ተደሊኻ ብዱቋ ተደሊኻ ብዳጋ

ክንደይሞ ክንብሎ

ግን ናይ ደብረ-ሲሓት ይሕሸና 'ቲ ንኽእሎ

ተኸባቢርና ንፈጣሪ ከነስምሮ

ብኡኡ ኢና እንለብሶ ትሕትና

ጎንደራንኪ ግና ጎንደር በጃኺ ኣክብልና!


ግደፊ 'ንዶ ጎንደር

ቢዘን ይሕሸና ናይ ያሬድ ፊደል

ኣይንደልን ናይ'ቶም ጠንቋሎ

ኣይንደልን ናይ'ቶም ሰብ ቈሎ

ዋላ ተደለናስ ከመይልናኸ ሳዕሲዕትኪ ክንክእሎ


ኢዶእ ጎንደር!

ሓቢ-ጎንደራን እናፍረኺ

ማሕጸንና ንሰማይ ዝሰራሰር ዮሓንስ ከየፍሪ

ድምጺ ድንግል ሰሚዕና ውዕለቱ ከይነውሪ

ኣብ ማሕጸን ርብቃ ዘዕገርግሩ እናምጻኺ

'ታይ ተሪፍኪ ጎንደር ትቐርጽና ኣለኺ

ወረ ፍርያትክስ ቀሪጽና'ዩ

ከም ቃንጥሻ ኣሻቡ ፈፈርዩ

ካብ ብለሃርጅያ ተቐይሩ ጎንደርያ

ንዓና ቅርጸት ንዑኡ ፈንጠዝያ


ኣይ ጎንደር!

እቲ ቀደም-ቀደምስ

መዓር ዝነዝዑ ዘይናኸስ ንህቢ

ፈጣሪኦም ዘስምዑ ልኡማት ሰብ ቀልቢ

ተፍርዪ ኔርኪ ጎንደር

ሕጂ ግን ኣይግድን!

እግዚአብሔር ንዂልና ደቁ ምሕረቱ ይለኣኸልና፡ አሜን!

ግደፊ ጎንደር


…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...