lørdag 17. november 2018

ጸሎት!!

ጸሎት!!

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።

ጾሎተ ምስጋና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር፣


ኦ እግዚኣብሔር በተን ቅዱሳን ኣእዳውካ ገይርካ፣ንምስልኻ ከም እትመስል ገይርካ ዝፈጠርካያ ነፍሰይ፣ብገዛእ ስንፍናይን ንምኽሪ ሰይጣን ብምስመዐይን ካባኻ ከምትሽፍት ገይረያ ነይረ ኢየሞ፣ብምሕረትካ ነዛ ሓጥእ ነፍሰይ፣ናብ ምስጋናኻን ኣምልኾኻን ከምእትቐርብ ስለዝገበርካያ የመስግነካ ኣሎኹ። ጎይታየ፣ብክንድዚ ዝኣክል ክብደት ስንፍና ተዋሒጠ እንዳሃለኹ፣ጾሎተይ ከይነዓቕካ ጽን ኢልካ እትሰምዕ ኣምላኽ ምኻንካ ዕጹብ ድንቂ ኢኻሞ ምስጋና ንዓኻ ይኹን። ኦ እግዚአብሔር ኣብ ቅድሜኻ ቈይመ ክመጻደቐሉን ክማጎተሉን ዝኽእል ግብረ ጽድቂ ከምዘየብለይ ትፈልጥ ኢኻ።ነታ ገና መንፈሳውነት ዘይደልደለት ዕሸል ሰብነተይ፣በቲ ነቀይ ነቀይ ዝብል ኣካይዳኣ ንዮው-ነጆ ትንኖ እንዳሃለወት፣ኣብዚ ቆይመዮ ዘለኹ ናይ ምስጋናኻ ዙፋን ንምስጋናኻ፣ምስ ቅዱሳንካ ኮይነ ከመስግን ስለዝፈቐድካለይ ምስጋና ንዓኻ ይኹን።

ጣዕሳን ንስሓን ኣብ ቅድሚ ፈጣሪኻ፣

እምበኣር ኦ ጎይታይ፣ምእንቲ ሰብ ክትብል ስጋ ሰብ ለቢስካ፣ንዓጢኣት ረጊምካ፣ንጽድቅኻ መታን ኽንለብስ ናይ ድሕነት ዕድል ከፊትካልና ክንስኻ፣ዕሽነት ዓብሊሉኒ ዝወዓልክዎን ዝሓደርክዎን ትፈልጦ ኢኻ።እወ እቲ ዝወዓልክዎ ኣነውን ንኹሉ ደኣ ክዝክሮ ኣይኸኣል እምበር፣ካባኻ ከምዝፍለ ግን ገይሩኒ ኢዩ።ናብ ናይ ምስጋናኻ ስፍራ ወትሩ ክግስግሳ ዝግበአን ኣእጋረይ፣ኣገዲደ ናብቲ ንስኻ እትጽየፎ ስፍራ ከምዝኸዳ ገይረየን።ነቲ ብናይ ቅድስናኻ ነጸብራቕ ዝወቀበ ባህርይ ጽባቐኻ ኣብ ቤትካ ወትሩ እንዳረያኻ ክዓግባ ዝግበአን ኣዒይንተይ፣ብሓይሊ ወጢጠ ነቲ ንስኻ ዝረገምካዮን እትጽየፎን፣ ምኽረ ሰይጣን ዝከናወነሉን ነገራት ከምዝርእያ ገበርክወን። ኦ ጎይታይ፣ምስቶም ቅዱሳንን ንጹሐንን ኣመስገንትኻ ኮይነን ንኽብርኻ ክሽብሽባን ከጣቕዓን ዝግበአን ኣእዳወይ፣ኣነ ግን ንኽብሪ'ቲ ንስኻ እትጸየፎም ነገራት ከምዝትንክፋ፣ናብቶም ንስኻ ዘኽበርካዮም ንጹሓንካ ድማ፣ብድፍረትን ብንዕቀትን ከምዘወጣውጣን ገበርክወን።ስለኽብርኻ ክትዕልል፣ስለውዕለትካ ክትቓኒ፣ስለኣምላኽነትካ ክትምስክር፣ስለበደለይ ክትበኪ ዝግበኣ ልሳነይ፣ኣነ ግን ብገዛእ ኢደይን ፍቓደይን፣ንልሳነይ ደፊራ ድርቅና ለቢሳ፣ካብቲ ንስኻ እትቕመጠሉ  ዓሚቕ ውሽጣዊ መዝገብ ልቦናይ፡ ሕማቕን ኣቐያምን ቃላት ከምትተፍእ ገበርክዋ።በዚ ቃላት'ዚ ድማ ብዙሓት ነፍሳት ተጎድኡ፣ብዙሓት ሰንከሉ ብዙሓት'ውን ቀሓሩ።ብዓቢኡ ድማ ንዓኻ ብልሳነይ ከኽብረካ ዝግበኣ፣ ኣግሃኹኻ።እዚ ድማ ኣነ ባዕለይ፡ ሰይጣን ንክካረየንን ብልሳነይ ገይሩ ግብሩ ክፍጽምን ፍታወይ ስለዝነበረ ኢዩ።ደጋዊ ትርኢተይ ብኣኻን ብቅዱሳንካን ካብ ርሑቕ ዝፍቶን ዝበሃግን ኮይነ ናብ ሕቕፉኻ ዝጠበቐ ሰብ ክኾውን ዝግበኣኒ ክንሰይ፣ኣነ ግን እቲ ንብረቱ በቲኑ ኣብ እንዳሓሰማታት ዝጓሲ፣ እረ ዕንጋለ-ከርሲ ደልዩ ግን ክሳብ መግቢ ሓሰማታት ዝተሓረሞ ሰብ ዝኾንኩ፣ እነሆ ብድኻማቱ ዝሓነኸ ሰብ ኮይነ ተሪፈ ኣሎኹ።

ልመናን ተማሕጽኖን ንፈጣሪ፣

 ኦ ገይታይ፣ኣነ ብዛዕባኻ ሓንቲ ነገር ይፈልጥ። መሓሪ ምኻንካን፣ንሓጢኣን ከምዘይትንዕቅን።ንዝጠፍኡ ከምእትረክብን፣ብሓጢኣት ንዝመሽመሹን ኣብ ናይ ሓጣውእ መቓብር ንዝተቐብሩን ብስሞም ጸዊዕካ ከምእትሓቑፍን።ንምሉእ ዘመኖም ብሽፍትና ንዘሕለፍዎ፣ ብምሕረትካ ሓጺብካ፡ምስቶም ቀዳሞት ወረስቲ ክብርኻ ክኾኑ ከምእትገብርን፣ኣማኢት ሰባት ብሕሜታን ጽልእን ሓሪዶም ንዝበልዑ ድማ ፣ንስኻ ግን ንበደሎም ንምሕዳግ ከምዘይጽግመካ ይፈልጥ ኢየ። እምበኣር ኦ ጎይታይ ኣነ'ውን ምሕረትካ ንምቕባል ዝበቅዕ ሰብ እኳ እንተዘይኮንኩ፣ብዘይካኻ ዝጽውዖ ኣምላኽ ግን የብለይን።ብዘይካኻ ካልእ ኣማራጺ የብለይን።ንመን 'የኸ ደንግጸለይ ክብሎ፧ብዘይካኻኸ መን ኢዩ ክረድኣኒ፧ ጦንቆልቲ፣ከሓድቲ፣ሓጢኣን እንተተጸጋዕክዎም ካባኻ ክፈልዩኒ እምበር፣ከምቲ ናትካ ዕረፍቲ ክህቡኒ ኣይተኻእሎምን።ዓለምን ፍትወታን መመሊሳ ከተርክሰኒ እምበር፣ከተንጽሓኒ ኣይተኻእላን።ከመይ ኣቢላኸ ንርእሳ ከተንጽሕ ዘይተኻእላ ዓለም ንዓይ ከትንጽሓኒ፧ ኦ ጎይታይ፣ንዝጠፍአት ነፍሰይ፣ምስተን ኣባጊዕካ ኣብቲ ናትካ ሞጓሰ ከምእትጽንበር ግበራ።ምስጋናኻ ተሓሪምዋ ዝነበረት ልሳነይ፣ጎሮሮኣ ክሳብ ዝስንጠቕ ስለ ክብርኻ ከምእትዝምር ግበራ።ኦ ጎይታይ ብሰንኪ ደገ ከናፍረይ ብዙሓት ከይጉዱኡ፣ንስኻ'ውን ከይትጉሂ፣ኣነ ድማ ሰንኪ ዘይልኡም ቃላተይ ኣብ ቅድሜኻ ኣብ  ቅድሚ መንበረ ፍርድኻ ከይሓፍርሲ፣ንብህሎታተይ ቀፊር ግበረሉ።ብድፈረትን ድርቅናን ካባኻ ርሒቓ ዝነበረት ልበይ፣ብኣምልኾኻ ከምእትምበርክኽ ግበራ።ንስሓ ንዘይምእታው ርዒማ፣ሕጋጋታትካ ንምፍጻሙ ከቢድዋ ዝነበረት ሰብነትይ፣ብትእዛዛትካ ባህ ከምዝብላ ግበራ። እዚ ድማ ንስኻ ምስእትምሕረኒ፣ብናይ ድንጋጸ ዓይንኻ ምስእትርእየኒ ኢዩ።ኦ ጎይታይ ደንግጸለይ፣በደለይ ሕደገለይ።

ብቅዱሳነ እግዚኣብሔር ምምሕጻን፣

ንዓኻ ዘኽበሩ፣ንስኻውን ዘኽበርካዮም፣ከምዝኸማይ ስጋ ለበስ ነይሮም ክንሶም፣ብውድቀቶም ከይቀሓርካ ጣዕሳኦምን ተጋድሎኦምን ጥራይ ተመልኪትካ ናብቲ ንስኻ ዘዳለኻሎም ናይ ክብሪ ስፍራ ከምዝኣትዉ ዝገበርካዮም ብዙሓት ኢዮም።እወ፣ኣብዛ ምድሪ ብብዙሕ ተጋድሎ ናይ ቅድስና ሓሊፎም፣ዘኽበርካዮም፣ምስኣቶም ኮይንካውን ቃል ኪዳን ዝኣተኻሎም ብዙሓት ኢዮም።እምበኣር ኦ ጎይታ፣ምእንቲ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣዴኻ፣ምእንቲ ቅዱሳን መላእክትኻ፣ምእንቲ ንጹሓን ነብያትካ፣ምእንቲ ሕሩያን ሃዋርያትካ፣ምእንቲ እሙናት ሰማእታትካ፣ምእንቲ'ቶም ትጉሃን ኣኽበርቲ ቃልካ ዝኾኑ ሊቃውንቲ፣ምእንቲ ኩሎም ጻድቃናት፣ ምእንቲ'ቶም ንዓለም ዝመነኑ ንዓኻ ድማ ወትሩ ዘኽብሩኻ መነኮሳትን ደናግላንን፣ምእንቲ'ቶም ኣርዑት መስቀልካ ተሓንጊጦም፣ወትሩ ኣብ ኣገልግሎትካ ተጸሚዶም ዘለዉ ትጉሃን ኣገልገልትኻ ክትብል፣ንሕሉፍ በደል ናይ ነፍሰይ ይቕረ ግበረላ፣ካብ ኩሉ ዝመጽእ ርኽሰት ድማ ከምእትርነብ ግበራ።ኣብዛ ዓለም ዘለና ደቅኻ ኩሉና ኣብ ኣምልኾኻ ከምእንጽመድ፣ብፈተና ዓለም ከይተሰናኸልና ከምእንብርትዕ ግበረና። '' ኣብ ጸሎትካ ዘክረኒ፣'' ዝበሉኒ ደቅኻ ኣሎዉ።ኣነ ግን ንነብሰይ እኳ ካብ ፍትወት ዓለም ከምእተምልጥ ክገብራ ኣይተኻእለንን። ባርያኻ ክንሰይ ባርያ ካልእ ክገብራ  ዝህደድ ዘለኹ ድኹም ሰብ ኢየ'ሞ፣ኣብዛ ቆይመያ ዘለኹ ናይ ምስጋናን ጸሎተይን መኣዲ  ኮይኖም ምሳይ ከምዝጽልዩ ዘለዉ ገይርካ ሕሰቦም።ንናይ ኩሉና ጸሎት ድማ ስምዓዮ።ካባይ'ሞ ንሳቶም ኣብዚሖም ይሕሹ ፣እምበኣር ጸሎት ናይቶም ኣብ ጸሎትካ ዘክረኒ ዝበሉኒ ተቐበል።ብዓቢኡ ኣብዛ ቆይመያ ዘለኹ መኣዲ ጸሎት፡እልፊ ኣእላፋተ ቅዱሳን ተጋቢኦም ካባኻ ምሕረት ተሰኪሞም ናባይ ናብ ሓጥእ፡ ጸሎቶይ ጾሎት ደካማ ተሰኪሞም ድማ ናባኻ ናብ ልዑል ንምብብጽጻሕ ዝህንጠዩ ትጉሃንን ፈጣናትን ኣሎዉኻ።እምበኣር ኦ እግዚኣብሔር፡ ጸሎቶይ ኣብ ቅድሜኻ ዝበቅዕ መስዋእቲ ኣይኮነን እሞ ጸሎት ናይቶም ቅዱሳንካ ሰሚዕካ ምሕረትካ ናብ ኩሉና ልኣኽ።ኦ ጎይታ ኣነስ ዋላ ኣብ ልመናይ'ውን ዝጋገ ሰብ ኢየ። ነቲ ዘድልየኒ ማሚኻ እትፈልጥ፣ ነቲ ዘየድልየኒ ድማ ኮለ ገና እትምርምር ኣምላኽ  ስለዝኾንካ፡ ነቲ ዘድልየና ካብቲ ሃብተ መግቦትካ ቆሪስካ ልኣኸልና፣ንዘየድልየናን ዝጎድኣናን ነገራት ድማ ዋላ እካ ንሕና ንዝጎድኣና ነገር ንክንቅበል እንተለመንናካ፣ንስኻ ግን ብምሕረትካ ካባና ከውሎ።ምሕረትካ ልዕሊ ኩሉ ነገር ኢዩሞ፡ንኹሉና ደቅኻ ይቕረ ግበረልና።

ስለኻልኦት ምጽላይ፣

ኦ ፈጣሪ ንድኹማት ብርተዐኻ፣ንሕዙናን ጽኑዕ መንፈስካ፣ንድኻታት ሃብትኻ፣ንርቡሻት ህድኣትካ፣ንብቱናት ሓድነትካ፣ንእሱራት ፍትሕኻ፣ንሓጢኣን ይቕሬታኻ፣ንደፋራት ትሕትናኻ፣ንደናቑር ጥበብካ፣ንቂምተኛታት ርህራሄኻ፣ንሓተትትን ከሓድያንን መናፍቓንን እጹብ መልስኻ ክትህብ ይጽሊ ኣሎኹ።እዚ ድማ ብጥሙያትና እንዳሃለና፣ንበልዕ ዘለና፡ብጽሙኣትና እንዳሃለና ድማ ንረዊ ዘለና ስለዝመሰለና ኢዩ። ኣብቲ ንስኻ ዘዳለኻልና ምኡዝ መኣዲ ቅድስና መታን ክንሳተፎ እሞ፣ንብልዕኻ በሊዕና ክንዕንገል፣ነቲ ጥዑም መስተኻ ሰቲና ከኣ ክንረዊ እሞ፣ናብ መንግስትኻ ንምእታው ዝኽልክለና መጋረጃ መታን ከይርከብ ኢዩ።ምድራዊ ኣቦ እኳ፣ዓሳ ለሚነዮ ተመን ከምዘይህበኒ፣ዳቦ ለሚነዮ እምኒ ከምዘይምጥወለይ ይፈልጥ ኢየ።ንስኻ ግዳ ጎይታይ ክንድምንታይ ወሃብን ሰማዕን  ዘይትኸውን።እዚ ባህርይዚ ኣባኻ ንዘልኣለም ጸኒዑ ከምዝነብር ይፈልጥ ኢየሞ፣ንጾሎተይ ኣይትንዓቕ። ንኹሉ ሰብ ኣብ ቅድሜኻ ዝተመርከኸን ንስኻ እትሕጎሰሉን ሰብ ኮይኑ ክርከብ እጽሊ ኣሎኹ።ኣብ ጎጆ ሕልናኦም እንዳሃለኻ ዝተኸወልካዮም መሲልካዮም ንዓኻ ዝናፍቑ፣ምስኣቶም እንዳሃለኻ ዝረሓቕካዮም መሲልዎም ዝርበሹ፣ሓቒፍካዮም እንዳሃለኻ፣ ዝተፈለኻዮም መሲልዎም ሕቕፉኻ ዝናፍቑ፣መግቦትካ እንዳመገቦም ፣ብረሃብ ዝተጠቕዑ መሲልዎም፣ዕንጋለ ንዝልምኑ፣ኦ ጎይታ ግልጸትካ ከምዝስኽሰተሎም ክትገብር ይከኣለካ ኢዩሞ፣'' ኣሎኹልኩም'' ኢልካ መልሰሎም።ኣበራትዓዮም።ካብቶም ብምሉእ ሓይሎም ዝዋግዎም ርኹሳን፣ ናትካ ንጣብ ረድኤት ትሕይል።ካብቲ ፈታዊኦም ተመሲሉ ንድሕሪት ከምዝጉተቱ ዝገብር ሓያል ጸረ ሰናያት፣ እታ ካብቲ ጥልቀት ባሕሪ ስሒባ ከተውጽእ ዝከኣላ እተድሕን ኢድካ ትብርትዕ።ካብቶም ንውድቀቶም ዝህንደዱ እልፊ፣ንስኻ ንረዲኤት ደቂ ሰባት እትልእኾም ኣእላፋት ፈጣናት ቅዱሳንካ ይበዝሑን ይሕይሉን'ሞ፣ ኦ ጎይታ ናይ ልበይ ድኻምን ጥርጣረን ከይተመልከትካ ብረዲኤትካ ኩላቶም ከምዝርድኡ ግበር።

በረኸት ረዲኤት ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣዴኻ፣ጾሎት ኩሎም ቅዱሳንካ ኣይፈለየና ኣሜን።
ጾሎተይን ምስጋናይን ጣዕሳይን ስለዝተቐበልካ፣ክብሪ ምስጋና ኣምልኾ ውዳሴ ንዓኻ ይኹን ሎምን ኩሉ ሳዕን ንዘለኣለም ዓለም ኣሜን።

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር።

ሕቱም መጽሓፍ፣

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...