torsdag 20. juli 2023

ጻዕዳ ነጸላ ጠፊእኒ!


በስመ ሥላሴ!


 ኣንቱም ሰባት ኣሻቡ ነጸላይ ጠፊኡ

ተሰሪቑ ድዩ ወይስ ባዕሉ ተሓቢኡ

ተጸይቑ ደኣ ከይከውን ቀይሩ ጻዕድኡ

እንድዒ ኣይፈለጥኩን


ግን ከኣ ፈሊጠ ኣለኹ ከምዝጠፈአ

ይርድኣኒ ኣሎ ውነይ ከምዝተቐልዐ

እንታይከ ጻዕዳ ባድላ ክኽደነሉ ልበይ'ናተበልዐ

ብዘይ ነጸላኸ መዓስ'የ ጸቢቐ


እምበኣር 'ዝረኣየ-ዓይኑ ይብራህ

ነጸላይ ዝረኸበ ምክሊቱ ይብዛሕ'

እናኽብል እኔኹ ኣብ ቀራና-መገዲ

ነጸላይ ከይረኸብኩስ ከመይ'ለ ይእቶ ዓዲ


ዓድስ ምኣተኹ ዓዲ'ቶም እምባጋሮ

መንፈሶም ብሕፍኒ ውድቀቶም ብምዕሮ

ደጊኦም ሱፍ ብውሽጦም ግድጊዳ

ወለዶም ሰብ ሶዶም ብህሎኦም ምድረ-በዳ


ናብኡ ደኣ መኣተኹ'ባ ነጸላይ ብግፍፉ

ዓርኪ ዴማስ ኬነ ተሰሎንቌ ምኣተኹ

ደቂ ተሰሎንቌ ምተቐበሉኒ ብዕልልታ

ደገይ ምተወነ ነብሰይ ብስቅቕታ


ዓጀብ ምገረሞ ሰማዒ

ምስኣቶም ንምዃን ደኣ 'ታይከ ኣሎ ቅጥዒ

በላዒ ሰብ ንምዃንሲ ኣየድልን'ዩ ወግዒ


እምበርከ

ምስኣቶም ኴነስ እንታይ'ለ ምሓሰብኩ

ሓሳበይ ብዕጽፉ እንታይ'ለ ምመደርኩ

'ዘራፍ!' ምባልዶ ምውሓደኒ

ተልእኾይ ብውንዝፉ 'ክሉ ኣይትሓዙኒ'

እናኽብል ዳስ መፍረስኩ ዳሰይ ብፍርሱ


ያኢ

ዳስ ኤልያስ ወጴጥሮስ ከፍርስ ኢደይ ምተመንዐ

ደም ደቂ ጊወርግስ እምብዛ ምነተዐ

ዳሓራየይ ምኸፈአ ልበይ መትረርኩ

ልብሰይ ደርብየ ባርኖስ ዲዮቅሊጣኖስ ምለበስኩ

ዘይቄሳራዊ ቅምጥ'ለ ዌሳር ምመሰልኩ

ኣማሲኡስባ ምሓፈርኩ

እወ ንይሁዳ መሲለ መስቆርቆርኩ


ኣየ ዓዲ ቄሳር ዓዲ ሶዶም

ዘይዝናን ምድራውነትንሲ ካልእ'ታይ ግዶም!


ኣነ ግን ኣብኡ ኣይኮነን ዓደይ

ብኡኡ ኣይኮነን'ቲ ዝሓልፎ መገደይ

ንሳቶም ኣይኮኑን ናይ ጥንቲ መኻይደይ

ባቢሎን ኣይኮነን ርስተይ

ሕይወቶም ኣይኮነን ሕይወተይ

ዕረፍቶም ኣይኮነን ዕረፍተይ

ከም ሰረገላ ፈርዖን ባሕሪ ኣይኮነን መወዳእታይ


ኣለኒ ካልእ ናተይ መወዳእታ

ብጻዕዳ ነጸላ ልበይ ብውንዝፍታ

ከምኣ'ለ እናዓበኹስ ከምኣ'ያ መወዳእታ


ደኺመ ዘዕርፈሉ ወዲቐ ዝትንስኣሉ

ሓዚነ ዝነብዓሉ ተሓጒሰ ዝዝምረሉ

ኣብ ዕለተ-ኣርብዓ ዳግም ዝተወለድክሉ

ኣብ እርጋነ-ዘርባዕባዕ ጽባሕ ዝግነዘሉ

ነጸላይ ይሕሸኒ ሰብ ዘምስለኒ

ኣብ'ቲ ግሩም መርዓ ዘገርመኒ

ካብ'ቶም ዕዱማት ፈልዩ ዘይሕፍረኒ

መርዓዊ ምስ መጸ ፈጺሙ ዘየንቅፈኒ

ንሱ'ቲ ጻዕዳ'ዩ ዘመልክዓኒ

ኣክንዲ ቆጽሊ ኣዳም ነጻላይ ይሕሸኒ

ከም ዲኖ ናይ ቆርበት ሕፍረተይ ዝኸድነኒ

ንዝዋውዕ ልበይ ሻሽ ዘምስለኒ

ነጸላይ ይሕሸኒ ናብ ብርሃን ዝመርሓኒ


እሞ ጻዕዳ ዝለበስኩም ዳልዩኒ ግዳ 

ሸቃጦ ከየውረድዎ'ከለዉ ንዕዳጋ

ክምለስ ናብ ዋንኡ

ኢደይ-ኢድካ ንብል በኣጋ

ተጻይ-ተጻራሪ ከይሸጦ ብዘይዋጋ

ኣዳልዩኒ ግዳ


እወ ኣነሞ

' ነጸላ ዝጸልእ 'ተዘይኮይኑ

መን ከይሰርቆ

ብጻዕዳ ዝቐንእ 'ተዘይኮይኑ

 ንሕብሩ መን ከይፍሕቖ'

ኢለ'የ እናሻዕ ዝጥርጥር

ብውሽጠይ ይሓርር


እምበርከ፡-

ንነጸላይ ደኣ ፈታዊዶ ከይቀዶ

ብዘይካ ጸላእስ መን ከይወስዶ

ኣቦ ጸልማት ተዘይኮኑኸ መን ከይህንቊጦ


እቲ ነጸላ ዝበልክኹም

 ልበይ'ዩ ካልእ ኣይምሰልኩም

ውሽጠይ ምስ ጸበቐ'ዩ ደሚቐ ዝረኣየኩም

እቲ ቀደም-ቀደምሲ ነጸላይ ነጸብረቓዊ

ውሽጠይን ደገይን ሙሴ ከም ናዝራዊ

ነይረ'ንዶሞ ኮይኑምበር

ክወግሕ ክመሲ

መሕደሪኡ'ዩ ነይሩ ልበይ ንመርዓዊ


እምበኣር ኣንቱም ንልቢ እትሰልቡ

እንሄትልኩም ልበይ ስለብዋ

ጥቓኹም'ያ ዘላ ጻዕዳ ኣምስልዋ

ደሊኹም ርኸብዋ ኣካሉ ግበርዋ

ጠቐራ ኣልግስኩም ነጸላ ወንዝፉዋ


ልበይ'ዛ ጻዕዳ መንፈሳ በዂቢኹ

ቀይሕ-ጽልማ ብጠቃር ጽልሚ ተተኪኡ

'ናረኣኹሞ 'ዚ ሽጠይ ተቐሊዑ

ምግባሩ ነጺፉ ብጻብእቲ ተበሊዑ

ስቕ ኣይትምረጹ ኲልንትናይ ከይቅርዑ


ነጸላይ ኣዳልዩኒ ንልበይ ክጽግኖ

ቀልቢ ንዘየብሉ ልቢ'ውን ኣነ ነጸላ ክኾኖ

ብጻይኩም ግበሩኒ ንቐልበይ ፈጣሪ ክውንኖ!

ሎቱ ስብሐት!

ጻዕዳ ነጸላ ጠፊእኒ!


tirsdag 16. mai 2023

ኣብ ስደት 'የ ፈሊጠኪ !!

በስመ ሥላሴ

ኣብ ስደት'የ ፈሊጠኪ!

ብኑኡሰይ'ኳ ቀሚሰ'የ ኣጥባትኪ

ገና እንከለኹ'የ ርእየዮ ምስልኺ

ብኻ እናሻዕ ብዕሸለይ በጺሐኪ

ኣዝዩ ብዙሕ ነይሩኒ ዝሓተኪ

ኣበይ'ሞ ኣንቲ ስልምቲ ጐጆ

ዕድመይ ሓሊፈዮ ክብል ንዮው-ነጆ

ንስኺ እንከልኽንስ ሃኒጸ ኣጒዶ

ኣጒዶ በኣጒዶኣ ግዚያዊት ኣጒዶ

ናይ ቃየል ደምበ ብእሳት ዝንደዶ

ወዮ ጥረሐይ እንከለኹ'ዚ ባዶ

ምልኣት ይስመዓኒ ነይሩ

ይርኢ ይመስለኒ ኣዕይተይ ብዕውሩ


እወ ብሰረይ'የ ነፊገኪ

ጥቓይ 'ንከለኺ ኣዝየ ርሒቐኪ

ዘይሕቆፍ ይኾነኪ ነይረ ጋዶ

ይዝከረኒ ቀጽርኺ እንክሳለሞ

ብማዕዶ-ማዕዶ!


ሕጅስ ኣብ ስደት'የ ፈሊጠኪ

ሞገተይ ቀቲለ ጀሚረ ክሓተኪ 

ብዘገምታ ክሰንቆ ዘይብቀቕ ፍልጠትኪ

ኣብ ስደት'የ ብዛዕባኺ ዝያዳ ሰሚዐ

ጽንዕቲ ምዃንኪ ጸኒዐ

ብዙሕ ምኽሳረይ ነቢዐ

ኣብ ድርኩዂትኪ ተቢዐ

ኣደይ ምዃንኪ ኮሪዐ

ቤተ-ኤል እናበልኩ ጠሪዐ

መብጽዓይ ንፈጣሪ ተመባጺዐ


ብኻ ብቕድሙ ልዳትኪ ስዒመ

ብኻ ብኣግኡ ብፊደልኪ ፈሊመ

ብኻ ካብ ሽዑ ብልሳንኪ ለሲነ

ብኻ ንሕቶይ ከሊሰዮ ደጋጊመ

እምበኣር ሕጂ'የ ኮይነኪ ጋሻ

ኣብ ስደተ-መገሻ ብዛዕባ ውርሻ

ክሓስብ ገይርክኒ ከይከውን ዓሻ


ብመንፈሳውነት ከተሳልይኒ

ብመንፈስ-ቅዱስ ከተሙቚኒ

ንስኺ ኢኺ እትመርሒ

ንስኺ ኢኺ መምርሒ

ሕትምቲ-መጽሓፍ እትንበቢ ከብሒ


ሕጅስ መጺአኪ'የሞ ሕቖፍኒ

ቤተ-ክርስቲያነይ ኣይትጸየፍኒ

ነቲ ትፈልጥዮ ከተፍልጥኒ

ነቲ እትኽእልዮ ከተኽእልኒ

ነቲ ትጽበይዮ ከተረድእኒ

ኣለኒ ሕቶ-ብዘይ ርእይቶ

ኣእምሮይ ዘይግምቶ

ብእመት ዘይእመት

ብእምነት ዝእምቶ


ጥንታዊ-ምልኣቱ ጽበቱ-ልደቱ

ስጋዊ-ሕይወቱ ድኻሙ ውድቀቱ

ጥበቡ-ርቀቱ እሳቱ ምሕረቱ

ኖላዊ ትግሃቱ ዝስዕር ብሞቱ

እወ ንስኺ'ኺ ኣቅሌስያ መርዓቱ

እትፈልጢ ናይ ሰማይ ናይ ምድሪ ልደቱ


ንስኺ መሕደሪቱ ኣብ ምድሪ ታቦቱ

ዶግምኡ ትውፊቱ ኣምልኾ ስርዓቱ

መን'ሞ ኣሎ ብዘይካኺ ነዚ ዝውንኖ

ንወጣኒ ይኹን ማእከላይ ፍጻመ ዝኾኖ


ንገት ነታ ናይ ኣዳም ኣቅሌስያ

ኣብ ስደት ኣብ ባዕዲ ኣርኣያ  ኴንክያ

ርሑቕ ሰፊረ መታን ብማዕዶ ክርእያ

ብኣኺ'ዩ ዝገሃድ ዋግዋጎ ጸሓያ

መን'ሞ ኣሎ ብዛዕባኣ ክንዳኺ ዝፈልጦ

ብዘይበኣኽስ በየናይ ከይእቶ!


እምበኣር ብዛዕባ'ዚ ኲሉ ዝተኸለሰ

ካልኦት ዝበጽሕዎ ንዓይ ዘይተመለሰ

ክሓተኪ ነይሩኒ ቅድም ብዓንተዎ

ኣክንዲ ኣብ'ቲ ዝወለድክኒ ኴነ

ሃቐናኺ ከይህቅን ንፍትወተይ ከዲመ

ብትልምኺ ተሊመ ንዂሉ ከየንቃዕድዎ

ንፍጹም መኣድኺ ኣክንዲ ዝምገቦ

ብጽሩይ ጠልኺ ርስሓተይ ከይሕጸቦ

ይዋእ ኣይገበርክዎን!


ስጋይ ወጢጥኒ ደገ ምስ ወጻኹ

ዑቕባኺ መሲጥኒ ናባኺ ምስመጻኹ

ሽዑኡ'ዩ መጺኡኒ'ዚ ዂሉ ሕቶ

ኣእምሮይ ዘይገመቶ

ብእመተይ ዘይክእል ክእምቶ

ብእምነት ደኣ ዝዕየር ሃይማኖተይ ዝእምቶ

ከርዳእ ከምዝደሊ ገይርክኒ

ንውሽጠይ ኣለዓዒልኪ ቀስቂስክኒ

ሕቶታት ሰሪሕኪ መልሲ ኴንክኒ


ኣየ'ወ!

ብዛዕባ'ቲ ገንሸል ዝተበጀወ

ብዛዕባ'ቲ ብስጋ ተገሪፉ ደሙ ዝኸዓወ

ኣብ'ቲ ጎልጎታ ጎቦ ቀራንዮ

ንናይ ኣዳም ቦታ ብወግዒ ዝሓረዮ

ብዛዕብኡ ክርዳእ ነይሩኒ ባህጊ

ነይሩኒ ሓደራ- ሕድሪ ናይ ወለዲ

ሕድሪ ናይ ኣበሓጎ ሕድሪ ናይ ዓዲ



ከምቲ ጥንታዊ ሰብ ኣዳም

ጸጋኡ ከሲሩ ምስ ዝወጸ ንግዳም

ኣብቲ ግዳም ዝኾንክዮ ገዳም

ክንዮ ምድሪ ዙዓር ብማዕዶ ዝተሰለመ

ብእሾኽ ተሰሎንቊ ውሽጡ ምስ ባደመ

ተስፋ ኣስኒቕክዮ ንብዓቱ ሓቢስክዮ

ኣነ'ውን ጋሻኺ'የ ዝመጻኹ ካብ ግዳም 

 ስደት'የ ዘለኹ ምስ ጎሞራ ሶዶም

መዕቖቢት ግን ኴንክኒ ምድራዊት ኤዶም!

ቤተ-ክርስቲያት ደገ-ሰላም ኣፍ-ደገ ኤዶም!

ሎቱ-ስብሐት!


…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...