torsdag 20. juli 2023
tirsdag 16. mai 2023
ኣብ ስደት 'የ ፈሊጠኪ !!
በስመ ሥላሴ
ኣብ ስደት'የ ፈሊጠኪ!
ብኑኡሰይ'ኳ ቀሚሰ'የ ኣጥባትኪ
ገና እንከለኹ'የ ርእየዮ ምስልኺ
ብኻ እናሻዕ ብዕሸለይ በጺሐኪ
ኣዝዩ ብዙሕ ነይሩኒ ዝሓተኪ
ኣበይ'ሞ ኣንቲ ስልምቲ ጐጆ
ዕድመይ ሓሊፈዮ ክብል ንዮው-ነጆ
ንስኺ እንከልኽንስ ሃኒጸ ኣጒዶ
ኣጒዶ በኣጒዶኣ ግዚያዊት ኣጒዶ
ናይ ቃየል ደምበ ብእሳት ዝንደዶ
ወዮ ጥረሐይ እንከለኹ'ዚ ባዶ
ምልኣት ይስመዓኒ ነይሩ
ይርኢ ይመስለኒ ኣዕይተይ ብዕውሩ
እወ ብሰረይ'የ ነፊገኪ
ጥቓይ 'ንከለኺ ኣዝየ ርሒቐኪ
ዘይሕቆፍ ይኾነኪ ነይረ ጋዶ
ይዝከረኒ ቀጽርኺ እንክሳለሞ
ብማዕዶ-ማዕዶ!
ሕጅስ ኣብ ስደት'የ ፈሊጠኪ
ሞገተይ ቀቲለ ጀሚረ ክሓተኪ
ብዘገምታ ክሰንቆ ዘይብቀቕ ፍልጠትኪ
ኣብ ስደት'የ ብዛዕባኺ ዝያዳ ሰሚዐ
ጽንዕቲ ምዃንኪ ጸኒዐ
ብዙሕ ምኽሳረይ ነቢዐ
ኣብ ድርኩዂትኪ ተቢዐ
ኣደይ ምዃንኪ ኮሪዐ
ቤተ-ኤል እናበልኩ ጠሪዐ
መብጽዓይ ንፈጣሪ ተመባጺዐ
ብኻ ብቕድሙ ልዳትኪ ስዒመ
ብኻ ብኣግኡ ብፊደልኪ ፈሊመ
ብኻ ካብ ሽዑ ብልሳንኪ ለሲነ
ብኻ ንሕቶይ ከሊሰዮ ደጋጊመ
እምበኣር ሕጂ'የ ኮይነኪ ጋሻ
ኣብ ስደተ-መገሻ ብዛዕባ ውርሻ
ክሓስብ ገይርክኒ ከይከውን ዓሻ
ብመንፈሳውነት ከተሳልይኒ
ብመንፈስ-ቅዱስ ከተሙቚኒ
ንስኺ ኢኺ እትመርሒ
ንስኺ ኢኺ መምርሒ
ሕትምቲ-መጽሓፍ እትንበቢ ከብሒ
ሕጅስ መጺአኪ'የሞ ሕቖፍኒ
ቤተ-ክርስቲያነይ ኣይትጸየፍኒ
ነቲ ትፈልጥዮ ከተፍልጥኒ
ነቲ እትኽእልዮ ከተኽእልኒ
ነቲ ትጽበይዮ ከተረድእኒ
ኣለኒ ሕቶ-ብዘይ ርእይቶ
ኣእምሮይ ዘይግምቶ
ብእመት ዘይእመት
ብእምነት ዝእምቶ
ጥንታዊ-ምልኣቱ ጽበቱ-ልደቱ
ስጋዊ-ሕይወቱ ድኻሙ ውድቀቱ
ጥበቡ-ርቀቱ እሳቱ ምሕረቱ
ኖላዊ ትግሃቱ ዝስዕር ብሞቱ
እወ ንስኺ'ኺ ኣቅሌስያ መርዓቱ
እትፈልጢ ናይ ሰማይ ናይ ምድሪ ልደቱ
ንስኺ መሕደሪቱ ኣብ ምድሪ ታቦቱ
ዶግምኡ ትውፊቱ ኣምልኾ ስርዓቱ
መን'ሞ ኣሎ ብዘይካኺ ነዚ ዝውንኖ
ንወጣኒ ይኹን ማእከላይ ፍጻመ ዝኾኖ
ንገት ነታ ናይ ኣዳም ኣቅሌስያ
ኣብ ስደት ኣብ ባዕዲ ኣርኣያ ኴንክያ
ርሑቕ ሰፊረ መታን ብማዕዶ ክርእያ
ብኣኺ'ዩ ዝገሃድ ዋግዋጎ ጸሓያ
መን'ሞ ኣሎ ብዛዕባኣ ክንዳኺ ዝፈልጦ
ብዘይበኣኽስ በየናይ ከይእቶ!
እምበኣር ብዛዕባ'ዚ ኲሉ ዝተኸለሰ
ካልኦት ዝበጽሕዎ ንዓይ ዘይተመለሰ
ክሓተኪ ነይሩኒ ቅድም ብዓንተዎ
ኣክንዲ ኣብ'ቲ ዝወለድክኒ ኴነ
ሃቐናኺ ከይህቅን ንፍትወተይ ከዲመ
ብትልምኺ ተሊመ ንዂሉ ከየንቃዕድዎ
ንፍጹም መኣድኺ ኣክንዲ ዝምገቦ
ብጽሩይ ጠልኺ ርስሓተይ ከይሕጸቦ
ይዋእ ኣይገበርክዎን!
ስጋይ ወጢጥኒ ደገ ምስ ወጻኹ
ዑቕባኺ መሲጥኒ ናባኺ ምስመጻኹ
ሽዑኡ'ዩ መጺኡኒ'ዚ ዂሉ ሕቶ
ኣእምሮይ ዘይገመቶ
ብእመተይ ዘይክእል ክእምቶ
ብእምነት ደኣ ዝዕየር ሃይማኖተይ ዝእምቶ
ከርዳእ ከምዝደሊ ገይርክኒ
ንውሽጠይ ኣለዓዒልኪ ቀስቂስክኒ
ሕቶታት ሰሪሕኪ መልሲ ኴንክኒ
ኣየ'ወ!
ብዛዕባ'ቲ ገንሸል ዝተበጀወ
ብዛዕባ'ቲ ብስጋ ተገሪፉ ደሙ ዝኸዓወ
ኣብ'ቲ ጎልጎታ ጎቦ ቀራንዮ
ንናይ ኣዳም ቦታ ብወግዒ ዝሓረዮ
ብዛዕብኡ ክርዳእ ነይሩኒ ባህጊ
ነይሩኒ ሓደራ- ሕድሪ ናይ ወለዲ
ሕድሪ ናይ ኣበሓጎ ሕድሪ ናይ ዓዲ
ከምቲ ጥንታዊ ሰብ ኣዳም
ጸጋኡ ከሲሩ ምስ ዝወጸ ንግዳም
ኣብቲ ግዳም ዝኾንክዮ ገዳም
ክንዮ ምድሪ ዙዓር ብማዕዶ ዝተሰለመ
ብእሾኽ ተሰሎንቊ ውሽጡ ምስ ባደመ
ተስፋ ኣስኒቕክዮ ንብዓቱ ሓቢስክዮ
ኣነ'ውን ጋሻኺ'የ ዝመጻኹ ካብ ግዳም
ስደት'የ ዘለኹ ምስ ጎሞራ ሶዶም
መዕቖቢት ግን ኴንክኒ ምድራዊት ኤዶም!
ቤተ-ክርስቲያት ደገ-ሰላም ኣፍ-ደገ ኤዶም!
ሎቱ-ስብሐት!
…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!
" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...
-
ብስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን። ኣንቲ ብርዐይ ንስኺ ትሕሺ ደጉዕለይ፡ እዚ ኣርእስቲ ካብ ደጉዓ ዝተወስደ ኮይኑ፡መልቀስ፡ቁዙምታ ማለት ኢዩ።እሞ ኣነስ ኣልቂሰ ምኽኣል ሲኢነዮ፡ልበይ ግዲ ተሪሩ፡ዋ...
-
በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን፡ መልሲ ንስእሊ ሥላሴ ዝቐዱን ዝቃወሙን! ሕቶ፦ ኣንቱም ስላሴ እትብሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስሲ " ስላሴ" ትብል ቃል እስከ ኣበይ ኣላ ንገሩኒ፧ =ኣ...
-
በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን። ኮፍ ኢሎም ዝሰቐልዎ ፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨ ናይ ኢራቕ ኩርዳውያን ከምዚ ኢሎም ይትርኹ። "ሓንቲ ጋል ንጉስ ነበረት።ሓደ ተፍቅሮ ወዲውን ነበረ እሞኸድ...
-
በስመ ስላሴ ይቀደስ ልሳንነ። ንክብሪ ዝዝንጥላ ከናፍር ሎሚ፡ እለን ከናፍር እስመ ኢይመጥዋ ክብረ ለክቡራነ መዐርገ በዛቲ ዘመን። ቀደም ዘመን ሓንቲ ወይዘሮ ንበዓልቤታ ጎይታይ ትብሎ ነይራ፡ሎሚ ግን ኣንታ፡ ቀደም ...
-
በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን ሼመታ ሓሲሩስ ዓጸቦ ግን ኣስፋሕፊሑ! ከብዲ ክትጠሚ እንከላ ኣብ ቅድሚኣ ዝረኣያ ብልዖት ኢዩ፡ክትበልዕ እንተኾይና ግን ሸውሃት ክኽፈት ኣሎዎ።ቅድሚ ሸውሃት ምኽፋቱ...
-
ብስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን። ኣማኒኤል እንታይ ማለት ኢዩ? ኣማኒኤል እግዚኣብሄር ምስለነ፡ኣምላኽ ምሳና ማለት ኢዩ።እዚ ቃል እዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብመንፈስ ትምቢት ቅዱሳን ዝተነበይዎ...