mandag 6. juli 2020

ቤተክርስቲያን ትህብዶ ትልምን፧ 2ይ-ክፋል




በስመ ሥላሴ


√  ኣብ ዙርያና ሰናይ ስነ-ምግባር ዝምህሩ፡ ብስነ-ልቦና
ዝበሰሉ ጥበብ ዝምህሩና ወገናት ክንርኢ እንከለና፡ ኣቐዲምካ ምንጩን ዋንነቱን ናይቲ ጒዳይ ካብ ቤተክርስቲያን ዝፈለቐ ጸጋ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። ክንዮ'ዚውን ክሳብ ሰማያት ዝነጥቕ ፍልጠትን ምርምርን ክንሰምዕ እንከለና፡ እግዚአብሔር ንቤተክርስቲያን ኣጓንዩ፡ ንኣህዛብ ጥራይ ፈልዩ ዝሃቦም ገይርካ ክውሰድ የብሉን። እምበርከ ነዚ ፍልጠት'ዚውን ጓና ኣይኮነትን ቤተክርስቲያን። ስለ ሰማያት ተነጢቕካ ምኻድን፡ ሰብ ክንስኻ ናይ ህዋ ምርምር ምክያድ ከምዝከኣልን፡ ቅድሚ ዂሉ ዝበጸሐቶ ቅድስት ቤተክርስቲያን ምዃና ኣብ መጻሕፍታ ተጠቒሱ ይርከብ። ወዮ "እከለ ናይ መጀመርያ ናይ ህዋ ተመራማሪ፡ እከለ ወርሒ በጺሑ፡ እከሊት ሮኴት ምሂዛ" ዝብል ዜና ቀልጢፉ ይእመን፡ ነቲ ብልሳን ቤተክርስቲያን ዝፍኖ ሓቂ ግን ተጐስዩ ዝሕለፍ ኴኑ እምበር፡ንጸጋታት ቤተክርስቲያን ክዳርግ ዝኽእ ሓይሊስ ክሳብ ሕጂ ይኹን ብሕጂ ፈጺምካኮ የለን።

√ ብዛዕባ ናይ ሰማይ ተማራመርቲ ካብ ተላዕለ ግን ዝቕጀሉኻ ሓቅታት ኣለዉ። ድማ ብዓለማውያን ከም ኣብነታውያን ብቤተክርስቲያን ከኣ ከም ቅዱሳን ዝጥቀሱ ሰባት ንምዝርዛር ይከኣል'ዩ፡፡ ሒደት ኣብነት  ካብ ሕገ-ልቦና፡ ቅዱስ ሄኖክ፡ ካብ ሕገ-ኦሪት ቅዱስ ኤልያስ፡ ካብ ሕገ-ወንጌል ድማ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌላዊ፡ ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ምጥቃስ ይከኣል'ዩ። ነዚ ገለጻ'ዚ ፍልይ ዘብሎ ነገር እንተሃልዩ፡ ዓለማውያን ብኢድ ሰብ ዝተሰርሐት መንኰርኰር ተጠቒሞም ንሰማይ ክበሩ ይኽእሉ እምበር፡ ብኡኡ ገይሮም ኣብ ሰማይ ክሰፍሩ ዘይከኣሎም ምዃኑ'ዩ። ቅድስት ቤተክርስቲያን ግን፡ ብቅዱስ ሄኖክን ኤልያስን ኣቢላ፡ ኣብቲ ዘይብጻሕ ክብጻሕ ከምዝከኣል ተስተምህር። ንባዕሉ ቅዱስ ቶማስ ዝጥቀመላ ዝነበረ ሰብ ዝሰርሓ መንኰርኰር ዘይኰነትሲ፡ ኢድ እግዚአብሔር ዘዳለወታ ደመና ኢያ ነይራ። ዋላ እዞም ተመራመርቲ ናይዛ ዓለም ዝሰማምዕሉ ፍሉይ ሓቂ ድማ፡ ኣብ ዘመነ-ስብከት ሓዋርያ ቶማስ፡ ካብ ምድረ እስራኤል ናብ ምድረ ህንዲ ንምኻድ፡ ኣይሮፕላን ኣይተማህዘትን ስለዝነበረት ዝያዳ ትዂረት ንኽትገብር ይቕስበካ። ህንዳውያን ከኣ ክርስትና ዝተቐበሉሉ ዘመን፡ ምስ ምምጻእ መግዛእቲ እንግሊዝ ናብ ህንዲ ዘይኮነስ፡ ገና ቅድሚ ዘመነ ናፖልዮን፡ እረ ካብ ጥንቱ ኣብ 60-90 ዓመተ ምህረት ምዃኑ ኲሉ ዝፈልጦ ሓቂ'ዩ።  "ከመይ'ሉ ኣይሮፕላን ኣብ ዘይነበረሉ ዘመን፡ ክርስትና ካብ እስራኤል ናብ ህንዲ ብኸምዚ ዓይነት ፍጥነት ክዝርጋሕ ተኻኢሉ፧" ዝብል ስነ-መጐት ብፍልስፍናዊ ኲርናዕ መሚኻ ክትምልሶ እንተተደልዩ፡ ነቲ ብልሳን ቅድስት ቤተክርስቲያን ዝወሃብ ሓቂ፡ "ሰብ ዘይሰርሖ መርኰርኰር፡ ደመና ሓዋርያ ቶማስ!" ዝብል ኣርትዖ ክትቅበሎ ይግድደካ።

√ ተወሰኽቲ ጭብጥታት ከም ዝሕብርዎ፡ ታሪኽ ናይ ዓለምና፡ ኣየር ክትመሃዝን ኣብ ግብሪ ክትውዕልን ዝጀመረት፡ ምስ ኊውኰት ካልኣይ ኲናት ዓለም ወይ ድማ ርሒቕና እንተ'ልና ኢንዱስትርያዊ ሰውራ ምስ ጀመረ'ዩ፡ (1800 ዓመተ ምህረት ንነጆ ዘሎ ማለት'ዩ)። ቤተክርስቲያን ግን ኣብቲ ኣይሮፕላን ዘይነበረሉ ግዜ፡ ፈጣሪኣን መርዓዊኣን ዝሃባ መንፈሳዊ ኣይሮፕላን (ደመና) ብምጥቃም ሰማይ ሰማይ ክኽየድ ከምዝከኣል ብግብሪ ኣብ ዓለምና ኣርኣያ ክትከውን ክኢላ ኢያ። ሕጂ ዓለምና "ሰማይ-ሰማይ ክኽየድ ይከኣል'ዩ!" ኢላ ነዚ ምርምር'ዚ ከተርእየና እንከላ፡ ንሕና ደቂ ቤተክርስቲያን ከም ንሓደሽቲ ንግረመሉ ምኽንያ ክህሉ ኣይምተገበአን። እምበርከ ዓለምና ናብዚ ዝላ'ዚ ንምንጣር ከም መተርኣስ ኴኑ ዘገልገላ ዓቢ ሚና፡ ቅድስት ቤተክርስቲያን ምዃና ንዝዀነ ሰብ ክስወሮ ዘይግበኦ ጭብጢ'ዩ።

√ ካልእ ምስ ቊጠባ ዝተኣሳሰር ስለቀረብን ሃብትን፡ ኣከናውና ስነ-ምሕደራን (ዲሞክራስን) መሰል ተፈጥሮ፡ (ናጻ-ፍቓድ) ዝብሉ ኲምራ ኣምራት፡ ኣብ ዓለምና ብዝተፈላለዩ ኣፋት ኣብ ዝተፈላለዩ ዘመናት ክጋዋሕ ክንርእን ክንሰምዕን እንከለና፡ ሕጂ ሃንደበት ዝተማህዙን ንቤተክርስቲያን ሓዱሽትን ዘይምዃኖም ምርዳእ የድሊ፡፡ ማለት እዚ ጉዳይ'ዚ ቤተክርስቲያን ዘይበጸሐቶ ጸጋ ኣይኮነን። ቅድስት ቤተክርስቲያን ብዛዕባ "ሰብን ኣመጻጽእኡን መጻኢኡን" ዝብሉ ድምራዊ ኣፍልጦኣ፡ ልዕሊ ማንም ክድነቐ ብዝኽእል መልክዑ ትፈልጦን ንነዊሕ ዘመናት ተመኲራትሉን ኢያ። እዚ ጥበብ'ዚ ድማ ዋንኡ እግዚአብሔር ኴኑ፡ ዋንነት ብውክልና ንመርዓቱ ዓዲልዋ'ዩ። ብኻልእ መዳይ እግዚአብሔር ኣብ ዓለም ንዑኡ እተስምር ንሱ ዝወከላ ቤት ጌሩ'ሎ ማለት'ዩ። እዛ ቤት እዚኣ ከኣ ቅድስት ቤተክርስቲያን'ያ።ንሳ  ሰብ ከም ድላዩ ክነብር ከምዝደሊ፡ ስለትፈልጥ ሕጊ ትሰርዕ፡፡ኣብ ባህርይ ሰብ ናጻ ፍቓድ ብምህላዉ፡ ሕጊ ብናጻ ፍቓድካ ክከናወን ከምዘለዎ ኣቐዲማ ስለዝተገንዘበት፡ ሰብ ቀይደ-በተኽ ከይከውን ወትሩ ትምዕድ፡፡ ሓደ ኣብ ልዕሊ ካልእ ዓመጽ መታን ከየካይድ፡ "ንጸላኢኻ ኣፍቅር!" ብዝል መርሐ-ግብር ትምራሕን ትጉስጒስን። ነዚ ኲሉ ትእዛዝን ፍቓድን ቤተክርስቲያን ጥሒሱ "ከም ድላየይ ክነብር ይሕሸኒ" ኢሉ ዝኸይድ ሰብ ድማ፡ ካብ ጐጆኣ ፈልያ ሓላፍነታ ተውርድ።

√ እምበአር ናይ ዓለም ፈላጣት ኢና በሃልቲ፡ ኣብ ዓለምና ዝገበርዎን ዝገብርዎ ዘለዉን ጥበብ ዝተሓወሶ ምንቅስቓሳት፡ ቤተክርስቲያን ዘይትፈልጦን ኣቐዲማ ዘይበጸሐቶን ኣይኮነን። 'ዚ ኲሉ ሃብቲ'ዚ ናይ ቅድስት ቤተክርስቲያን ኴኑ እግዚእብሔር ኣምላኽ ብቐጥታ ይዂን ተዘዋዋሪ ንደቃን ንኣህዛብን ተስፋ መንግስተ ሰማያት ንዘየብሎምን ብሓፈሻ ከኣ ንዂሉ ወዲ ኣዳም ዝዕደሎ ጸጋ'ዩ። እምበኣር ኣብዛ ዓለምና ዘለዉ ጸጋታት፡ ብሓደ ጓናን ወዲ ቤተክርስቲያንን ዝውነኑ ሃብተ-ጸጋታት፡ ጥንተ-ዋንነቱ ናይ ቅድስት ቤተ ቤተክርስቲያን ምዃኖም ክፍለጥ ዘለዎ ርትዒ'ዩ።

√ ጽሓፍን ሰባኽን ዝኾነ ቅዱስ ጳውሎስ፥
"ብመንፈሳውነትን ብኽብርን፡ ህዱእን ሰላማውን ዝኾነ ሕይወትን ምእንቲ ኽንነብር ከኣ፡ ምእንቲ ኲሎም ነገስታትን ሰበ ሥልጣንን ጸሎት ይገበር!" (1ጢሞ2፥2) ኢሉ ይእዝዝ፡፡ እዚ ትእዛዝን መተሓሳሰብን'ዚ፡ ነገሥታት ናይዛ ምድሪ እምነቶም ይኹን ዕላምኦም ብዘየገድስ፡ ጸሎት ክግበረሎም እሞ፡ እግዚአብሔር ድማ ከምቲ ኣብ (ምሳ 8፣15) "ነገሥታት ባኣይ ይነግሡ፡ መሳፍንቲ በኣይ ገይሮም ቅኑዕ ሕጊ ይሕግጉ!" ዝበሎ፡ እግዚአብሔር ጸሎት ቤተክርስቲያን ሰሚዑ ጥበብን ምስትውዓልን፡ ርትዕን ሓቅን ንኸፍሥስ ቤተክርስቲያን ብጸሎት ክትዓዪ ከምዘለዋ ቅዱስ ጳውሎስ ይእዝዝ። እዚ ድማ ቄሳራውያን ነገሥታት ዋላ ደኣ ኢኣማንያን ይንበሩ'ምበር፡ ቤተክርስቲያን ብእትገብሮ ጸሎት ግን እግዚእብሔር ኣምላኽ ብተዘዋዋሪ መገዲ ጸሎታ ይሰምዓሞ፡ ነቶም ሰበ-ስልጣናት ጥበብን ልቦናን ክህቦም ከምዝኽእል ዝተኣመነ'ዩ፡፡ ስለዚ ንኲሉ ጸጋታታ ደኣ ኣይኹን እምበር፡ እቶም ኢኣማንያንሲ ገለ ካብ ጸጋታት ቤተክርስቲያን ከምዝካፈሉ ይገብሮም'ዩ እግዚአብሔር።

√ ኣብ ዝቕጽል ክፋላት ናይዚ ጽሑፍ፥ "ክንድዚ ዝኣክል ሃብተ-ጸጋታት ዘለዋ ቅድስት ቤተክርስቲያን ካብ ደቃ እንታይ'ዩ ዘድልያ፧ ብዕጥቀ-እግዚአብሔር ብዂልትናኣ ዝመለአትከ፡ ብሓቂዶ ኢድ'ቶም ንሳ ዝወለደቶም ደቃ ንህልውናኣ እንኮ ኣማራጺ'ዩ፧ ስለምንታይ'ያ ቅድስት ቤተክርስቲያን ካብ ኲሉ'ቲ ኣለና ኢልና እንምከሓሎም ነገራት ብዓንተውኡ እቲ ናትና ናታ ክንሱ፡ ተመሊሳ ንሕና ብመልክዕ ዕሽር፡ ምጽወታ፡ ሞቧእ ኣቢልና ኢድና ክንዝርግሓላ ትደሊ፧ "ኣብ ዝብሉ ገጻት ከምፍቓዱ ክንፍትሽ ኢና።

√ እግዚአብሔር አምላኽና ሓይሊ-ጸረ ቤተክርስቲያንና ኣድኪሙ፡ ኃይሉን ረዲኤቱን ንዓና ንደቁ ክዕድለና ሰናይ ፍቓዱ ይኹን። ኣብ ውሽጣን ደጌኣን ኴኖም መናድቕ ህልውናኣ ንምፍራስ፡ ብሕቡእን ብግህዶን ኲናት ዝውርውሩላ፡ ደቃ ንምብታን ንውሓተ-ቀትሪ ሓጺርዎም ብሕልመ-ለይቲ ከይተረፈ ዝዓዩ፡ ሕጋ ገዲፎም ኣብ ውሽጣ ሕጎም ከንግሱ ዝህቅኑ፡ ልዕሊኦምን ኣዴኦምን ምዃና እናፈለጡ፡ በዓንተዉኡ ባዕሎም ዝበቘሉ መሲሎም ክረኣዩ ዝደልዩ፡ ብዛዕባ'ቲ ንሳ እዛ ቅድስት ቤተክርስቲያን እትእውጆምን ተከናውኖምን ፍጻሜታት፡ ከም ሕሱም ጎረቤት ተላሒጎም ክስልይዋን ክነቕፍዋን ዝውዕሉ ኣካላት፡ መርዓዊኣ እግዚአብሔር ወትሩ ይርኢ እዩ'ሞ፡ ብንስሓ ኣብ ትሕቴኣ ዝምብርከኽሉ ዘመን የምጻልና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!!
3ይ-ክፋል ይቕጽል...

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...