tirsdag 15. august 2017

በእንተ ስርዐታ ለቅድስ ቤተክርስትያን፣2ይ ክፋል

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
1ቆሮ 1፣40  ግናኸ ኲሉ ብስርዓትን በጋባብን ግበርዎ።

፨ ዓይነታት ቤተክርስትያን፣-
ብመጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ብዙሕ ዓይነታት መሕደሪ ኣምላኽ ኣሎ።ካብኣቶም ግን ሰለስተ ዓይነታት ቤተክርስትያን ክንጠቅስ ኢና።ቤት ማለት መሕደሪ፣መምበሪ፣መውዓሊ ማለት ኢዩ።ክርስቶስ ኣምላኽና ንኽሓድረሉ ፍቓደኛ ዝኾኑ፣ሰስተ ዓነታት ቤታት ኣሎዉ።እዚ ክብሃል እንከሎ፣ንእግዚኣብሄር ውሱን ኣካል ሂብና ዘነኣኣስናዮ ከይመስለና።ከምቲ ሰይጣን ንመንቀኝነት ንምርካብ መሕደሪ ደልዩ ንተመን ዝመረጸ፣እግዚኣብሄር ድማ፣ሰባት መታን ክባረኹ መሕደሪ ይደሊ።ከምቲ ሰይጣንን ክፏኣት መናፍስትን መሕደሪ ዝደሉ እግዚኣብሄርውን መሕደሪ ደለየ።እዚ ከኣ ባዕልና ብፍታውና ኣብዚ ሕደር፣ኣብዚ ግን ኣይትደልዮን ኢልና ንፈጣሪ ንእዝዞ ዘይኮነስ፣ባዕሉ ብፍታዉ ኣብዚ ክሓድር ይፈቱ ኢየ፣ኣብዚ ግን ኣይደልን ኢየ ኢሉ ብዝኣዘዞ መሰረት ኢዩ።ስለዚ ንሱ ክሓድረሉ ኢየ ኢሉ ዝኣዘዞ ክንምንቁሶ ኣይከኣልን፣ንሱ ንከይሓድረሉ ዝወሰነሎም ድማ ባዕልና ኣብዚ ሕደር ኢልና ከነገድዶ ኣይከኣልን።ንሱ ዝኣዘዞ ክንፍጽም ፍጡራዊ ግዴታና ስለዝኾነ ኢዩ።

1.ህንጻ ቤተ ክርስትያን፣-
እግዚኣብሄር መንፈሱ ካብ ዓጽሚ ቅዱሳን ኣይርሕቕን ኢዩ።2ይ ነገስት 13:21 ኤልሳዕ ንምዉት ብዓጽሙ ከተንስእ ንርኢ።ኣብዚ ንሓይሊ ሞት ኣድኪሙ ነታ ከይዳ ዝነበረት ነፍሲ ናብ ስጋቲ ሬሳኣ ከምትምለስ ዝገበረት ብስጋ እትረአ ዓጽሚ ኤልሳዕ እካ እንኾነት፣ኣብ ውሽጣ ተደቢቑ ብረቂቕ ሓይሊ ዝዓየየ ግን እግዚኣብሄር ኢዩ።ኣግዚኣብሄር ንጫማን ክዳንን ጽላሎትን ቅዱሳን ከይነዓቐ ብኡኡ ገይሩ ብዙሕ መንፈሳዊ ሓይሉ ክገልጽ ይኽእል ኢዩ።ካህናት እግዚኣብሄር ብየእጋሮም ረጊጾም ንማይ ዮርዳኖስ ደው ኣበሉዎ፣(ኢያሱ 3:15)፣ቅዱስ ጴጥሮስ ብጽላሎቱ ገይሩ ብዙሕ መንፈሳዊ ሓይሊ እግዚኣብሄር ገለጸ።( ግብ 5፣15) ቅዱስ ጳውሎስ ብክዳኑን መኣረምይኡን ገይሩ ብዙሕ ተኣምር ገለጸ።ግብሪ ሃዋርያት 19:12) ፣ቅዱስ ኖህ ናብ መርከብ ክኣቱ እንከሎ ዓጽሚ ቅዱስ ኣቦና ኣዳም ሒዙ ኣተወ፣ኣብዚ እምበኣር  እግዚኣብሄር ንዓጽሚ ቅዱሳን ንብዙሕ መንፈሳዊ ነገራት ከምዝተተቐመሉ ንርዳእ።

ምሳሌኡ፣-
ዓጽሚ ቅዱሳን ከም ታቦት፣መርከብ ኖህ ድማ ከም ቤተክርስትያን ይምሰል።ኣብታ መርከብ ብዙሓት ዓይነት ፍጥረታት ከምዝደሓኑ፣ኣብ ቤተክርስትያን ድማ ብዙሓት ነፍሳት ብሓይሊ እግዚኣብሄር ይሕከሙ።

ሀ) ታሪኽ ኣመሰራርታ ህንጻ ቤተክርስትያን፣-
ገለ ገለ ድኻም ዝተመልኦም ሰባት ኣምልኻ ኣብ ኩሉ እንድዩ ዘሎ፣ህንጻ ምህናጽ ንምንታይ ኣድለየ፣ዝብሉ ኣልዕዉ።እወ እግዚኣብሄር ኣብ ኩሉ ኣሎ።ንሱ ኣሽንካይዶ ኣብዛ ምድሪ ህልውኑኡ ውሱን ክኸውንሲ ኣብ ሲኦል ከይተረፈውን ኣሎ። <<መዝ 139፣8 ንሰማይ እንተ ደየብኩ፣ ንስኻ ኣብኡ ኣሎኻ፣ መንጸፈይ ኣብ ሲኦል እንተ ኣንጸፍኩ፣ እንሆ፣ ንስኻ ኣብኡ ኢኻ።)
ስለዚ እግዚኣብሄር ህልውንኡ ምሉእ በኩሉሄ ኢዩ።ግን ንዑኡ ዘድልዮን ዝሕበኣሉን ቦታ ስለዘዎ ዘይኮነስ፣ደቁ ብሓደ ተኣኪቦም፣ስርዓቱ ዝሓለወ ብሕጉ ዝተማልአ ቤት ክህልዉሉ  ይደሊ።እዚ ከኣ ካብ ድሌታት ደቂ ሰብ ኣብ ሕልነኦም ስለዘሎ ዘዝለመንዎ ንሱ ድማ ቅድሚኦም ሓሊፉ ይጸንሕ።እምበኣር ኣብ ሲኦል ስለዘሎስ ኣብኡውን ኣምልኾ ኣሎ ምባል ይከኣል ድዩ፣ኣይኮነን።ስለዚ እዛ ንሕና እንሃንጻ ህንጻ ኣምልኾ ዝፍጸመሉ፣መስዋእቲ ዝቀርበሉ፣ምሕረት ኣምላኽ ዝሕፈሰሉ ህንጻ ክህሉ ይደሊ ኢዩ ኣምላኽና።

ለ) ቀዳመይቲ ህንጻ ቤተክርስትያን፣ደብተራ ኦሪት ትበሃል ነይራ፣-
እዛ ደብተራ ኦሪትዚኣ ተንቀቓሳቓሲት ዱንካን ነይራ።ኣብ ዘመነ ሕገ ልቦና ደቂ ሰባት መስዋእቲ ንምቕራብ ፍሉይ ቦታ ፈልዮም የዕርጉም ከምዝነበሩ፣ቅዱስ ኖህውን ከም ኣቦታቱ ድሕሪ ማይ ኣይሂ መስዋእቲ ንኸቕርብ ቦታ ከምዝፈለየ፣ህዝቢ እስራኤል ድማ ንፈጣሪኦም ዘምልኽሉ ቦታ ንደብተራ ኦሪት ሰረትዋ።እዚ ድማ ብትእዛዝ ፈጣሪኦም ኢዩ።ንፈርዖን ንህዝበይ መስዋእቲ ከቕርቡለይ ሕደጎም ከምዝበሎ፣ካብ ግብጺ ክሳብ እስራኤል ንዘሎ ጉዕዞ ቴንዳን፣ጨርቅን ሰሪሖም ኣብ ዝኸድዎ እንዳተኸሉ፣ጽላት በታ ሙሴ ዝሃቦም መሰረት መስዋዕቲ እንዳዕረጉ ኣምልኽኦም ይፍጽሙ ነበሩ።እዚኣ ድማ ካብ ካልእ ቦታ ፍልይ ዝበለት፣ብመንፈሳዊ ስርዓት ዝወቀበትን ነይራ።(ዘህልቍ 4:28 ንመልከት) 

ሐ)ቀዋሚት ቤት መቕደስ፣- 
ድሕሪኡ ደቂ ሰባት ሕልነኦም ቆዋሚት ቤተ መቕደስ ክትህሉ ወቐሶም እሞ እግዚኣብሄር ድማ ብሓጎስ ተቐበሎ።ኣብዚ ብፍቓድ ሰባት እምበር፣ብፍታው እግዚኣብሄር ኣይኮነን ንምባል ኣይኮነን።ኣብ ሕልና ደቂ ሰባት ኣትዩ ዝወቅስ እግዚኣብሄር ኢዩ።ስለዚ ንባዕላ ነታ ቅዱስ ዕዮ ንዘይምዕያያ ከምትውቀስ ዝገበረ እግዚኣብሄር ኢዩ።ኣብሊጹ ድማ ደገፎም።እረ ክሳብ ምስጢረ ስጋዌ ብራኢ ከምዘማዕድዉ ገበሮም።ቅዱስ ዳዊት ዘማሪ፣ << መዝ 131፣2-5 ንሱ ንእግዚኣብሄር ከም ዝመሐለ፣ ቦታ እግዚኣብሄር፣ መሕደሪ ነቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ክሳዕ ዚረክብሲ፣ ብሓቂ ናብ ድንኳን ቤተይ ኣይኣቱን፣ ኣብ መንጸፍ ዓራተይ ኣይድይብን፣ ነዒንተይ ድቃስ፣ ንዀበሮ ዓይነውን ሰለምታ ኣይህብን፣ ኢሉ። ነቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ከም እተመባጽዔ፣ ዘክረሉ።>> እንዳበለ  ህንጻ ቤተ መቕደስ ንምስራሕ ማዕረ ክንደይ ባህጊ ከምዘለዎ ተመልኪቱ፣እግዚኣብሄር ግን ስለስጋዊት ልደቱ ከምዝርኢ ገይርዎ።ብዛዕባ ምስጢረ ስጋዌ ማለት ኢዩ።<< ናሁ ሰማዕናሁ በኤፍራታ፣ወማህደሮ ለኣምላክ ያዕቆብ እንተይእቲ ቤተልሄም ዘሐረያ ኣማኒኤል ይትወለድ ውስቴታ>> ውዳሴ ማርያም ዘሓሙስ፣ካብ መዝሙር 132፣3 ወሲዱ ይገልጸልና።ስለዚ ዳዊት ዘማሪ ብዛዕባ ህንጻ ቤት መቕደስ እንክሓስብ፣እግዚኣብሄር ግን ስለ ኣምላኽ ሰብ ዝኾነሉ ምስጢር ገለጸሉ።ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ልዕሊቲ ንሓስቦ ኢዩ ዝሓስበልና።

መ) ነታ ቀዋሚት ቤተ መቕደስ መን ሃኒጹ ጀመራ፣-
እንተኾነ ግን ዳዊት የእዳዉ ብደም ጨቅየን ስለዝነበራ፣ብደመኛዊት ኢድ ቤት መቕደስ ክትስራሕ ስርዓት ቤተክርስትያን ከምዘይኮነ ንኽምህሮ፣ናብ ወዱ ሰሎሞት ኣተሓላለፋ።ስለዚ ቅዱስ ስለህንጻ ቤትመቕደስ ሓሰበ፣ክሃንጻ ዝተፈቕደሉ ግን ንቅዱስ ሰሎሞን ኢዩ።እግዚኣብሄር ንዳዊት ምኽእልኡ ካልእ ዘይተጸበዮ ዓቢ ራኢ ኣበሰሮ፣ንሰሎሞን ብዛዕባ ምስጢረ ስጋዌ ከይገለጸ ድማ ዓቢ ህንጻ ቤት መቕደስ ብስርዓትን ሕግን ክሃንጽ መሃሮ።ነዛ ቤት መቕደስ ሰሪሑ ምስ ወደአ ድማ ብኣእምሮ ደቂ ሰባት ዘይምዘን መዝገበ ጥበብ ንሰሎሞን ተዋህበ።እዚ ጥበብዚ ንምንታይ ክኸውን ኢዩ ተዋሂብዎ።ቤትመቕደስ ከምቲ ኖርማል ገዛና ዘይምኻኑ፣ብመንፈሳዊ ስርዓት ዝማሕደር፣ህዝቢ እስራኤል ኖርማል ህዝቢ ከምቶም ኣህዛብ ዘይምኻኖም በንጻሮም፣ሕግን ስርዓትን ናይ ፈጣሪኦም ሓልዮም ዝኸዱ ምኻኖም ንምንጋር፣እግዚኣብሄር ንሰሎሞን ዓቢ ጥበብ ሃቦ።  1ይ ነገስት 5:12
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር።
3ይ ክፋል ይቕጽል




…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...