ደላሊ ሰብ!
በስመ ሥላሴ!
ኣደይ ሃንሱ ኲሊተን መሽሚሹሰሚዐን ወደን ንወጻኢ ሒዝወን ጌሹወጻኢ ምስ መጻ ብህጹጽ ኲሊት ከምጻሓቢርወን'ዚ ጻዕዳብተሎ ክዕድጋ'ቲ ፈለማ ደንጺወን ጣቋ ድዩ ዕውንዋኖ'ዚ ብህሎ ኴንወን ስውንዋኖዳሕራዩ ግን'ለካ ተሰዊጥወንዕዳጋ-ሰብ ብደላሎ ከም ዘሎእቲ ኣብ ጎዶቦ ዝዕለሎ ኲሉ ተቐጅልወንመማጽኢ ዓደቦ ደሊሉ ዘዋሰበንብቅዱስ መውስቦ ዘምሰለንሕጂ ንብዓት ዝሕለቦ 'ዚ ውሽጠንምስ ደላሎ ኰላሊት ክራኸብ'ዚ ወደንክሕልናአን ከመይ'ሉ ይኾነለን"ደላሊ'ና ደለለ'ይሰርሕ ኣለኹ!' በለሰብ ሸይጡ ኣካል ሰብ'ና ኣጒደለንኲናት ወጢጡ ጀዓዮ'ና 'በለኣጽዋር ኣሻይጡ ሰብ'ና ኣቕተለ' ኣስርሑኒ!ብሞያይ ኣይትምጹኒ' በለእናተባህለ ዝዕለሎስ ለካ ፍጻሜኡ'ነሀለ"ኢለን ኣስቈርቈራ ፈጣሪኤን'ና ዘከራዓመታት ብዘይ ቋቊራ ካብ ነበራሕጅስ ምስ ሞት ደኣ እቋጸራእምበር ኲሊት መን ከየንቊራወደን'ውን ነጊርወን ካልእ'ና ወሰኸለካ ንሱ ብንእሱምስ ደላሎ ፖሎቲካ ከምዘዓረኸታሪኽ'ቲ ውዕሎ ሕይወት ሰብ ዝደሃኸንዂሉ ብጥቕልሉ ተንቲለን እናስካሕከሐብዛዕባ'ቶም ዝሽየጡ ዝሻየጡ'ቶም ንዮ ዝዂየጡ ኣፍረይቲ ጠበናጁብዛዕባ'ቶም ታንክታት ቢኤማት ዝሕርጁብዛዕባ'ቶም ሃንደስቲ ውግእ ጁባኦም ዘርጒዱፍርያቶም ንምሻጥ የእሚኖም ኲናት ዘእውጁብዛዕባ'ቶም ንሽጉጥ ብሰብ ዝለዋወጡዓይነቱ ዕዳጋ ደላሎብዙሕ ምዃኑ ነጊርወን ወደን ነቲ ዝወዓሎወደን ዓርኪ ደላሎ!ዝበዝሑ ተደለልቲ ተገሪሆም ከይፈለጡኣብ ዕዳጋ ከም ናውቲ ይዕደጉ ይህንቈጡተኾይንሎም ብዳንጋ ካብ ዕዳጋ የምልጡወይ'ውን በኣጋ ሰልዲ ዋጋ ስጋ ይሸማጥጡመለኸት ይነፍሑ ንዂሉ ከስምዑኣካሎም ብምጅልሑ ንሰማዒ 'ና ኣሰክሑደም 'ናነብዑ ዘመዶም ይኲሕኲሑ"በጃኹም ዘመድ-ሰብሰብ ይበልጸኩም ካብ ገንዘብጥሪትኩም ለግሱብፈጣሪ ኣብ ላዕሊ ክትከሓሱ!"እናሉ ብዕሊ ደም ምስ ንብዓት'ናኸስከሱካብ መቚሕ ደላሊ ሕይወቶም የውሕሱ'ተዘይኮነሎም ግን!ደሞም ተተኸስኪሱ ትሓልፍ ሕይወቶም ብተሎኲሊቶም ተተበንጢሱ ይሽየጥ ብደላሎንበዓል ኣደይ ሃንሱ ዝመስሉድማ እርጋኖም ከንእሱምስ ደላሊ ክወዓዓሉይዕድግዎ ድሪሞም'ና ኸፈሉደላሊ ሰብ!