tirsdag 1. juni 2021

 ደላሊ ሰብ!

በስመ ሥላሴ! 
ኣደይ ሃንሱ ኲሊተን መሽሚሹ
ሰሚዐን ወደን ንወጻኢ ሒዝወን ጌሹ
ወጻኢ ምስ መጻ ብህጹጽ ኲሊት ከምጻ
ሓቢርወን'ዚ ጻዕዳ
ብተሎ ክዕድጋ

'ቲ ፈለማ ደንጺወን  ጣቋ  ድዩ ዕውንዋኖ
'ዚ ብህሎ ኴንወን ስውንዋኖ
ዳሕራዩ ግን'ለካ  ተሰዊጥወን
ዕዳጋ-ሰብ ብደላሎ ከም ዘሎ
እቲ ኣብ ጎዶቦ ዝዕለሎ ኲሉ ተቐጅልወን
መማጽኢ ዓደቦ ደሊሉ ዘዋሰበን
ብቅዱስ መውስቦ ዘምሰለን
ሕጂ ንብዓት ዝሕለቦ 'ዚ ውሽጠን
ምስ ደላሎ ኰላሊት ክራኸብ'ዚ ወደን
ክሕልናአን ከመይ'ሉ ይኾነለን

"ደላሊ'ና ደለለ
'ይሰርሕ ኣለኹ!' በለ
ሰብ ሸይጡ ኣካል ሰብ'ና ኣጒደለ
ንኲናት ወጢጡ ጀዓዮ'ና 'በለ
ኣጽዋር ኣሻይጡ ሰብ'ና ኣቕተለ
' ኣስርሑኒ!
 ብሞያይ ኣይትምጹኒ' በለ
እናተባህለ ዝዕለሎስ ለካ ፍጻሜኡ'ነሀለ"

ኢለን ኣስቈርቈራ ፈጣሪኤን'ና ዘከራ
ዓመታት ብዘይ ቋቊራ ካብ ነበራ
ሕጅስ ምስ ሞት ደኣ እቋጸራ
እምበር ኲሊት መን ከየንቊራ 

ወደን'ውን ነጊርወን ካልእ'ና ወሰኸ
ለካ ንሱ ብንእሱ
ምስ ደላሎ ፖሎቲካ ከምዘዓረኸ
ታሪኽ'ቲ  ውዕሎ ሕይወት ሰብ ዝደሃኸ
ንዂሉ ብጥቕልሉ ተንቲለን እናስካሕከሐ

ብዛዕባ'ቶም ዝሽየጡ ዝሻየጡ
'ቶም ንዮ ዝዂየጡ ኣፍረይቲ ጠበናጁ
ብዛዕባ'ቶም ታንክታት ቢኤማት ዝሕርጁ
ብዛዕባ'ቶም ሃንደስቲ ውግእ ጁባኦም ዘርጒዱ
ፍርያቶም ንምሻጥ የእሚኖም ኲናት ዘእውጁ
ብዛዕባ'ቶም ንሽጉጥ ብሰብ ዝለዋወጡ
ዓይነቱ ዕዳጋ ደላሎ 
ብዙሕ ምዃኑ ነጊርወን ወደን ነቲ ዝወዓሎ
ወደን ዓርኪ ደላሎ!

ዝበዝሑ ተደለልቲ ተገሪሆም ከይፈለጡ
ኣብ ዕዳጋ ከም ናውቲ ይዕደጉ ይህንቈጡ
ተኾይንሎም ብዳንጋ ካብ ዕዳጋ የምልጡ
ወይ'ውን በኣጋ ሰልዲ ዋጋ ስጋ ይሸማጥጡ
መለኸት ይነፍሑ ንዂሉ ከስምዑ
ኣካሎም ብምጅልሑ ንሰማዒ 'ና ኣሰክሑ
ደም 'ናነብዑ ዘመዶም ይኲሕኲሑ

"በጃኹም ዘመድ-ሰብ
ሰብ ይበልጸኩም ካብ ገንዘብ
ጥሪትኩም ለግሱ
ብፈጣሪ ኣብ ላዕሊ ክትከሓሱ!"
እናሉ ብዕሊ ደም ምስ ንብዓት'ናኸስከሱ
ካብ መቚሕ ደላሊ ሕይወቶም የውሕሱ

'ተዘይኮነሎም ግን!
ደሞም ተተኸስኪሱ ትሓልፍ ሕይወቶም ብተሎ
ኲሊቶም ተተበንጢሱ ይሽየጥ ብደላሎ
ንበዓል ኣደይ ሃንሱ ዝመስሉ 
ድማ እርጋኖም ከንእሱ
ምስ ደላሊ ክወዓዓሉ
ይዕድግዎ ድሪሞም'ና ኸፈሉ
ደላሊ ሰብ!

ሸቃጢ-ወረ፡ ሸያጢ ሓሳብ...!!

በስመ ሥላሴ ሸቃጢ-ወረ፡ ሸያጢ ሓሳብ...!!  መዘና ነይሩና ካብ ኲሉና ዝወዓየ ኣኸዓየ ከይተባህለ ኣብ ካልኡ ዝዓበየ ሰማይ ከይነጐደ ከተማ ዝረኣየ ሰልዲ ዝለመደ ጥሪት ከይጓሰየ ነይሩ ዓርክና ንፉዕ በዓል ሸቐጥ መሃብን ም...