mandag 21. oktober 2019

ቅንዕናዶ፡ ወይሲ ልቦና?

በስመ ስላሴ!!


ቅንዕናዶ፡ ወይሲ ልቦና?


√ እዘን ክልተ ቃላት እዚኣተን ኣብ ተፈጥሮ ደቂ ሰባት ተሰሲገን ዝርከባ ናይ ሕልና መምርሒታት ኢየን። ሕልና ትእዛዛቱን መምርሒኡን ከከናውን እንተኾይኑ፡ በዘን ክልተ ቃላት'ዚኣተን ገይሩ'ዩ ጉዳዩ ዘሰላስል። ኣብ ውሽጢ ኣእምሮ ወድ ሰብ ሕልና ዝበሃል ላዕለዋይ ኮምፓስ ናይ ተፎጥሮና ኣሎ።ፈጣሪ ርክቡን ዳንነቱን ቀንዲ ጉዳዩን ምስ ሕልና'ዩ። ስለዚ ድማ ሕልና ንኣእምሮ ክእዝዞ እንከሎ፡ ኣእምሮ፡ "ቅንዕና፡ ልቦና፡ ኣስተውዓልነት፡ ርህራሄ፡ ፍትሓውነት፡ ሕውነት ፍቕሪ" ዝብሉ ኣወንታውያን ነገራት የሰላስል። ወይ ድማ በንጻሩ፡" ቅጥፈት፡ ደንዳናነት፡ ዕሽነት፡ ዓመጽ፡ ሥሰዐ፡ ጛናነት (ጛና ምካን)፡ ጽልኢ" ዝኣመሰሉ ኣሉታውያን ባእታታት ከንጸባርቕ ይደሊ። ብሓጺሩ ኣእምሮ ወዲ ሰብ ንኽልተ ነገራት ዝተቓለዐ'ዩ፡ ወይ ንሕማቕ ወይ ድማ ንሰናይ። ቀዳሞት ፍላስፋታት ናይ ዓለምና፡ ብፍላይ ከኣ ሰብ ግሪኽ ዘተኣታተዉዎ "ጥዑይን ሕማቕን ኣምላኽ!" ዝብል ኣምልኾ ጣዖት፡ "እንታይ'ዩ ኣብዚ ድምዳሜዚ ኣብጺሕዎም፧" ናብ ዝብል ዋና መበገሲኡ እንተድኣ ሓቲትና፡ " ኣብ ተፈጥሮ ሕማቕን ጥዑይ ነገራት ኣሎ!" ዝብል ናይቲ ዘመን'ቲ ጅማርያዊ ፍልስፍና'ዩ ኣብዚ ኣብጺሕዎም። ስለዚ ድማ ዘመኑ ለምለም፡ ጠሊ፡ ጽጋብ ብርሃን እንተኾይኑ፡ "ጥዑይ ኣምላኽ ይስዕር ኣሎ!" ይብሉ። በንጻሩ፡ ደርቂ፡  ህቦቡላ፡መሾምቦባ፡ ጥሜት ጸልማት እንተበዚሑ ድማ፡ "እቲ ክፉእ ኣምላኽ ይሕይል ኣሎ!"  ዝብል ድምዳሜ ይህቡሉ ነይሮም።

ምሳሌያዊ ታሪኽ!

√ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግብሪ ሓዋርያት 17፡ ሰፊሩ ከምዘሎ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ኣቴንስ ክሰብኽ ኢሉ ምስ ከደ፡ ኣብቲ መሰውዒ ኣብያተ ጣዖታት እንዳዘረ ይምልከት ነበረሞ፡ "ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ!" (ግብ17፥23) ዝብል ጽሑፍ ዝተጻሕፎ መስውኢ ረኣየ። ካብ ምንታይ ተበጊሶም ኢዮም ነዚ ጽሑፍ'ዚ ጽሒፎሞ ኢልና መጽሓፍቲ እንተፈትሽና ከኣ፡ ለካ እዚ ጽሕፍ'ዚ መበገሲ ታሪኹ፡ ምስ ስቕለት ጎይታናን መድሓኒናን ኢዮሱስ ክርስቶስ ምትሕሓዝ ዘለዎ'ዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ሽዑኡ ዝነበረ ናይ ፍልስፍናኦም መለክዒ፡ "ሓያልን ድኹምን ኣማልኽቲ ኣለዉ!" ናብ ዝብል መደምደምታ በጺሖም ስለዝነበሩ፡ ናይዚ ጉዳይዚ ድምዳሜ ዝሃበ ኣብ ዘመነ ስቕለት ናይ ጎይና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነበረ ፍላስፋ ድሒሩ ግን ብስብከት ቅዱስ ጳውሎስ ክርስቲያን ዝኾነ፡ ዲዮናስዮስ ኢዩ። እዚ ድማ፡ ጎይታና ምስተሰቕለ ኣብ ሃገሮም ሃገረ ግሪኽ፡ ጸሓይ ጸልሚታ፡ ወርሒ ደም ኮይና፡ ከዋኽብቲ ክረግፉ እንከለዉ ርእዮም'ቶም ሕዝቢ፡ ደቂ ኣቴንስ ማለት'ዩ፡ ናብዚ ፍላስፋ'ዚ መጺኦም " እንታይ'ዩ እዚ ምኽንያት ናይ ጽሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ጉዳይ!" ኢሎም ሓተትዎሞ፡ ንሱ ድማ " ኣብ ሰማይ እቲ ሕሱምን እቲ ጥዑይን ዝበሃሉ ኣማልኽቲ ተባኢሶምሲ፡ ብናቶም ውግእ ድማ እዚ ምልክትዚ  ኣብ ሰማይ ይረአ ኣሎ። ሕጂ ግን እቲ ክፉእ ኣምላኽ ስለዝሰዓረዩ፡ ብርሃን ብጸልማት ተጎልቢቡ ከዋኽብቲ ዝረግፉ ዘለዉ።" ኢሉ ድምዳሜ ሃቦም። ንሳቶም ድማ "እዚ ኣምላኽዚ መን'ዩ፡ ክንፈልጦ ኣለና፡ ክሳብ ብፍቓዱ ዝግለጸልና ግን ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ መስዋዕቲ ከነቕርብ ግቡእና'ዩ። እዚ ድማ ካብ ቅሬታኡ ንኽነምልጥ ክሕግዘና'ዩ!" ብምባል ገና ንዘይፈለጥዎ ኣምላኽ መሰውዒ ሰርሕሉ።  ፍላስፋ ዲዮናስዮስ ከኣ ኩነታት ናይቲ ፍጻሜ፡ ዕለቱን ሰዓቱ ምልክቱን ኣብ መዝገቡ ጽሒፍዎ ስለዝጸንሐ ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ስብከት ቅዱስ ጳውሎስ ምስ ሰመዐ፡ ዕለቱን ሰዓቱን ምልክቱን ናይ ዕለተ ዓርቢ ስቅለት ካብ ቅዱስ ጳውሎስ ሓቲቱ ብምርካብ፡  ምስቲ ናቱ መጽናዕታዊ ጽሕፉ ኣረኣኣዮ። ለካ እምበኣር እቲ ዘይተፈልጠ ኣምላኽ ክርስቶስ ኮይኑ ጸንሖ'ሞ፡ ብክርስቶስ ኣሚኑ ናብ ሓቂ ከምዝመጸ ተውፊት ቤተክርስቲያን ይነግረና። እዚ ፍላስፋ ዝነበረ ሰብ፡ ናብ ክርስትና ምስ መጸ'ውን እንተኾነ፡ ካብቶም ብብዙሕ መንፈሳዊ ተጋድሎ ሓሊፎም ኣዝዩ ዝምስገን መንፈሳዊ ተጋድሎ ዘሕለፉ መራሒ ኮይኑ ከምዝሓለፈ ገድሉ ይነግረና።
(ገድሊ ሃዋርያት ዝብል መጽሓፍ፡ ናይ ዲዮናስዮስ ገድሊ ተመልከት)

√ ቅድሚ ብዛዕባ ልቦናን ቅንዕናን ኣብ ዝብሉ ቃላት ትንተና ምሃበይ ናብዚ ታሪኽዚ ዝወሰደኒ ቀንዲ ምኽንያት፡ ወድ ሰብ ኣብ ውሽጢ ሕልንኡ ተደቢቖም ዘለዉ ነገራት ንምዝርዛር'ዩ። ማለት ሰብ ቅኑዕ ሕልና ጥራይ ኣይኮነን ዘለዎ፡ ወይውን ሰብ ለባም ጥራይ ኣይኮነን፡ ኣእምሮ ወድሰብ ወትሩ እንዳተሰርሐ ዝነብር ረቂቕ ህንጻ ስለዝኾነ፡ ንናይ ኣእምሮ ምልኣታዊ ክውንነት ዝኾኑ ነገራት፡ መህነጺኡን ኮረቱን ቸሜንትኡን ናይ እዞም ዝተጠቕሱ ሓይለ ቃላት'ዮም፡ ልቦናን ቅንዕናን።፡ ወይ ድማ መፍረሲኡን መዕነዊኡን ዝኾኑውን እዞም ዝተጠቕሱ ኣንጻርያውያን ባእታታት ኣብ ኣእምሮ ክቕልቀሉ እንከለዉ ኢዩ። ተጻራሪ ናይ ቅንዕና፡ ምዝንባል'ዩ፡ ኣንጻር ናይ ልቦና ድማ፡ ዕሽነት ወይ ጥበብ ኣልቦ'ዩ። ኣእምሮ ንክህነጽ ልቦናን ቅንዕናን፡ ንኽፈርስ ድማ ዕሽነትን ዝንቡዕነትን የድሊ።ንምኻኑስከ በዛ ልቦና እትብል ቃል ንጀምር።

ልቦና እንታይ ማለት'ዩ፧

√ ልቦና ማለት፡ርእሱ ዝኸኣሉ መምሃራንን ሰብ ሞያን ዘለዎ እካ እንተኾነ፡  ሕጽር ዝበለ ብናይ እምነት መጽሓፍቲ ክትንተን እንከሎ ግን፡ "ስነ" ማለት ሰነየ፡ ሰናይ ዝብሉ ናይ ግእዝ መበቆል ኣለዎ። ልቦና ማለት ድማ ጥበብ፡ ብልሒ. .. ኢልካ ይዝርዘ። ስነ-ልቦና ማለት ሰናይ ጥበብ፡ ሰናይ ብልሒ ማለት'ዩ። ልቦና ኣብ ውሽጢ ባህርይ ደቂ ሰባት እትርከብ፡ እግዚኣብሔር ዝቕመጣ ረቃቕ ኮረቻኡ ኢያ። መቸስ ኣብ ኮረቻ ዝተቐመጠ ሰልፈኛ፡ ናብዝን ናብትን ንክመርሕ ኮረቻ፡ ንዑኡ ምቹእ ስፍራ ከምዝኾኖ ርዱእ'ዩ፡፡ ኣብ ልቦና ዝተቐመጠ ፈጣሪ ድማ፡ ንምሉእ ሰብነትና ናብቲ ንሱ ዝደልዮ ኣንፈት ከማእዝኖ ኣይእግሞን ኢዩ። ዝተዛብዐ ስነ ልቦና ዝህልወና፡ እግዚኣብሔር ምኸኣል ስለዝሰኣነ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ኣብ ልቦናና ተወጢሑ ንክመርሓና ፍቓደኛታት ሰለዘይንኸውን'ዩ። መጽሓፍ ቅዱስ " ኣነ ጥበብ፡ ልቦና ኣለኒ፡ ፍልጠት ምስትውዓል ኣለኒ!!" (መክ8፥12) ይብል። መሰረታዊ ጽንሰ ሓሳቡ ብባሕሪኡ ለባም፡ ኣስተውዓሊ፡ ዘይጋገ ጥበበኛ እግዚኣብሔር ጥራይ ምኻኑ ንምንጻር'ዩ። ካብዛ ባህርይ እዚኣ ድማ እግዚኣብሔር፡ ናቱ መሕደሪ ንኽትኮኖ ንልቦና ኣብ ደቂ ሰባት ኣቐመጣ። ወድ ሰብ ብኢድ ፈጣሪ ክስራሕ እንከሎ'ምበኣር፡ ሓንቲ ካብተን ሰለስተ ባሕርያተ ነፍሱ፡" ለባውነት!" ከምዝህልዎ ኮይኑ'ዩ ተፈጢሩ። ለባውነት ድማ ምፍላጥ፡ ምጥባብ፡ ምምርማር፡ ምስትውዓል ዝብሉ ዓንቀጻት ኣለዉዎ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ልቦና ብብርዕን ብቐለምን ዘይኮነስ፡ ብመንገዲ'ተን ረቀቕቲ ኣእዳው እግዚኣብሔር ኣቢላ ኣብ ልቢ ደቂ ሰባት ዝተጻሕፈት እምንቲ ሕገ ፈጣሪ'ያ። ስለዚ ድማ'ዩ ፈጣሪ፡ ካብ ዘመነ ኣዳም ክሳብ ዘመነ ሙሴ ዝነበሩ ህዝቡ፡ ብጽሑፍ ዘይኮነስ ብሕገ-ልቦና ዝመርሖም ዝነበረ።

√ ኣብዚ እዋን'ዚ ናይ ስነ ልቦና ሰብ ሞያ ዓለምና  ንልቦና፡ "ኣብ ደቂ ሰብ እትርከብ ነፍሲ ኮይና፡ እንሲሳታት ግን ገና ክውንንዋ ዘይከኣሉ ዓባይ ሃብቲ ደቂ ሰባት ኢያ!" ኢሎም ይትንትንዋ። እዚ ማለቶም እንሲሳታት እስትንፋስ ሃሊዎም ይንቀሳቐሱ እካ እንተኾኑ፡ ካባና ዘፍልዮም ግን ከማና ዝሓስብን ዘመዛዝንን ዝረትዕን ስነ-ልቦና ስለዘየብሎም'ዩ። ሰብ ግን ካብ ፈጣሪ ብዝተዋህቦ ዓቕሚ፡ ዝንቀሳቐስ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እንተላይ ከንቀሳቕስ ዝኽእል ሓይሊ'ዩ። ንኣብነት ሓንቲ 24 ዓመት ብዛዕባ ቃንቃ ሰባት ዝተማህረት ህበይ ኣላ ንበል። ንሳ ምላልባሽ ነቲ ዝተማህረቶ ድገምለይ ንምባል "ከምዚ በሊ!" እንዳልካ ደድሕሬኻ ዘዝበልካዮ ክትደግመልካ ትኽእል ትኸውን። ንዝተማህረቶ ነገር ንኻልእ ክትምህር ግን ኣይከኣላን'ዩ። ብዕራይ ሆ ምስበልካዮ ብናውቲ ማሕረስ ተጸሚዱ ክንቀሳቐስ ይእክል'ዩ፡ ተጣቢቡ ግን ባዕሉ ክሓርስ፡ ባዕሉ ናውቲ ማሕረስ ከዳሉ ኣይከኣሎን'ዩ። ሓንቲ ድሙ ካብቲ ነንጭዋ ንምሓዝ እትጥቀመሉ ሃልካዊ ጥበባታ ወጻኢ፡ ካልእ ተበላሒታ መጻወድያ ክትምህዝ፡ ኣይከኣላን'ዩ። ስነ ልቦና ናይ ሰብ ግን እንተደልዩ እካ ንኽልቲአን'ዘን እንሲሳታት፡ ንንጭዋን ድሙን ተሰማሚዐን ዝዓብያሉ መንገዲ ከጣጥሕ ይኽእል'ዩ። ሰብ ብተፈጥሮ ካብ ፈጣሪ ዝተዋህቦ ልቦና ኣለዎ። በዚ ተመሪሑ ንዝኸይድ ሰብ ድማ ለባም ኢልና ንጽውዖ፡ ንፈጣሪኡ ዝመስል ንምባል'ዩ።  ማለት  ሰብ "ርህሩህ፡ ፈቃር፡" ምኻኑ ዝዝክር፡ ኣብዛ ዓለም ሓዱሽን ጛሻን ተቐማጢ ምኻኑ ዝኣምን፡ ናይ ምርዳእን ምርድዳእን ልምዲ ዘለዎ፡ ሓሳብ ሰባት ዘኽብር፡ ንሓሳባቱ ካብ ስምዒት ወጽዩ ክገልጽ ዝፍትን፡ ዓቕሙ ዝፈቐዶ ጽቡቕ ክገብር ዝደሊ...!" እዚ ኩሉ ኣብ ስነ-ልቦና ዘለዎ ሰብ ክህልዉ እትጽበዮም ጠባያት ኢዮም። በንጻሩ ግን ነዚታት ዝጻብኡ ጠባያት ኣብ ባሕሪ ወዲ ሰብ የለዉን ማለት ኣይኮነን፡ ክጅመር እንከሎ ግን ሰብ ጅማሬኡ ለባም ንጹሕ ኮይኑ ኢዩ ናብዛ ዓለም ዝቕልቀል። ኣብዚ ኣርትዖት ንምርካብ ንጽሕናዊ ልቢ ናይ ሕጻናት ክንምልከት ንኽእል ኢና። ሕጻን ክበላሓት ክመሃር፡ ክኽእል ክዓቢ ስለዝደሊ ብዝከኣሎ ዓቕሚ እንዳተማህረ ክነብር ይደሊ እምበር፡ ቁንጣሮ ስለዝኸኣለ ጥራይ፡ "መምህር ኢየ" ኢሉ ንህላዌኡ ካብ ተማሃራየነት ናጻ ከውጽኣ ኣይደልን። ብመሰረተ መለክዒታት ትምህርቱ ከኣ፡ ቀስ ብቐስ ኣብዛ ዓለም ብዝረኽቦም ተመክሮን ትምህርትን፡ ደረጃ ስነ ልቦናኡ ክዓቢ ወይ ንድሕሪት ክጉሰስስ ይኽእል።

ቅንዕና!

√ ቅንዕና፡ መበገሲ ጽንሰ ሓሳቡ ምስ ትኽ ዝበለ ሕንጻጽ ክነጻጸር ይኽእል'ዩ። ማሕረሻታት እታ ሓንቲ ትኽ ዝበለት ቅንዕቲ፡ እታ ሓንቲ ግን ዕጽፍ ዝበለት ዘባዕ፡ ቅኑዕቲ ብርዒ፡ ለዋይ ብርዒ፡ ትኽ ዝበለት በትርን ዓጻፍን... ኢልና ኣብነታት ክጥቀስ ይከኣል'ዩ። ሜትሮ ትኽ ዝበለት እንተኾይና ልክዓዊ ርሕቀት ትነግር፡ ዓጻፍ እንተኾይና ግን ሓቀኛ ፍንታተ ናይ ነገራት ክርከብ ኣይከኣልን'ዩ። ሃይማኖታውያን ቃላት ብዛዕባ ቅኑዕነት ንምንጋር በየን ይጅምሩ እንተኢልና፧ ብኣግዚኣብሔር'ዩ እቲ መልሲ፡፡ "እግዚኣብሔር ነቶም ብሚዛን ዝሰርቁ ይጸልኦም፡ ነቶም ብቕንዕና ዝመዝኑ ግና ይሕጎሶሎም።" (ምሳ11፥1) ዝብል ጽሑፍ ኣሎ። ሚዛን ከምእንፈልጣ ዝድነቕ ባህሪ ኣለዋ፡፡ ሓንቲ ኪሎ ጨው ምስ ሓንቲ ኪሎ ጫው ማዕረ፡ ትኽ ዝበለ ሕንጻጽ ገይራ ኢያ እተርእየና። ዓሰርተ ኪሎ ሓጺን ምስ ዓሰርተ ኪሉ ጡጥ'ውን ስፍሓት መትሓዚኦም ደኣ ይፈላለ እምበር፡ ኣብ ማዕረ ትኽ ዝብለ ሕንጻጽ ገይራ ኢያ ትሰርዖም ሚዛን። ቅንዕና እግዚኣብሔር ምስ ሚዛን እንተድኣ ኣተኣሳሲርናዮ ከኣ፡ ፈጣሪና ኩሉ ግዜ ዘይጋገን ዘይዘናበልን ርቱዕን ሓቀኛን ምኻኑ'ኢና ንፈልጥ። እዚ ማለት መሰረታዊ ትርጉም ናይ ቅንዕና ንምትንታን፡ ቅንዕና፡ እግዚኣብሔር ዝመዝነላ ዝምትረላን ረቃቕ መለክዒኡ ኢያ ማለት'ዩ።

√ ባሕርይ እግዚኣብሔር ንባዕሉ ክንመሃሮ እንከለና፡ "ፈጣሪ ማለት ዘይጋገ፡ ቅኑዕ፡ ሓቀኛ፡ ዘይሕሱ፡ፍርዱ ዘየዝብል፡ ንሓጥኣን ከም ሓጢኣቶም፡ ንጻድቃን ከም ጽድቆም ዝፈርደሉ ሚዛን ኣዳልዩ ንፍርዲ ዝጽበ ዘሎ ኣምላኽ'ዩ!" ኢልና ኢና እንመሃር። እዚ ቅንዕናኡ'ዚ ደቂ ሰባት ከይተረፈ ክለብስዎን ከንጸባርቕዎን ስለዝደሊ፡ ንሰብ ለባም ኮይኑ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እንተላይ ቅኑዕ ኮይኑ ክነብረሉ ይደልዮ። ምኽንያቱ ለባምን ገርህን፡ ለባምን ተሃማልን፡ ዓሻን ቅኑዕን ሰብ፡ ኣብ ናይ መምዘኒ ዓይኒ-እግዚኣብሔር ቦታ የብሉን። ናይ ፈጣሪና ባህሪኡ፡ ለባምን ገርህን ዘይኮነስ፡ ለባምን ኣስተውዓልን'ዩ። ሓቀኛን መዓልታዊ ዝጋገን ዘይኮነ ከኣ፡ ፈጺሙ ዓሽዩ ወይ ተጋግዩ ዘይፈልጥ ፈጣሪ'ዩ። ንሱ ኣስተውዓሊ'ዩ፡ ከስተውዕል እንተከሎ ግን ከይጋገ ስለዝሰግእ'ውን ኣይኮነን፡፡ እንታይ ደኣ፡ ብባህሪኡ ጥበበኛን ፍጹም ኣስተውዓልነት ዘለዎን ብምኻኑ'ምበር። ኣስተውዓልነት ንዓና ንደቂ ሰባት እንታይ'ዩ ፧ እንተ ኢልና፡ ኣስተውዓልነት ንቅንዕናኻ ዘጠንክር መለክዒ'ዩ። እግዚኣብሔር ለባምን ተሃማልን ዘይኮነ፡ ለባምን ዘይጋገን ዘይዕሾን'ዩ። እዚ ባሕርይ'ዚ ኣባና ክረአ እንከሎ በንጻሩ ስለዝኾነ፡ ንሰብ ምግጋይ ንኸየጋጥሞ፡ ካብ ምዝባዕ ወይ ካብ ምዝንባል ናይ ሕልና ክሕሉ ዝኽእል ረቂቕ ድርዒ ናይ ሕልና፡ ቅንዕና የድልዮ። ቅንዕና ዋላ ነቲ ዘለና ናይ ምግጋይ ባህርይ ክእርም ዝኽል ሓይሊ'ዩ። ንኣብነት ማዕጺት ለዋይ'ያ፡ ክትዕዘባ እንከለኻውን ትኽ ትብል ኣይትመስልን። ሓጛዳይ ግን ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ ንማዕጺድ ትኽ ዝበለት ገይሩ ከዕርያ ከምዝኽእል ይኣምን'ዩ። ሰብ ድማ ካብዛ ዓለም ብዝረኽቦም ነገራት ዝተዛብዐ ልቦና ክውንን ይኽእል'ዩ፡ ቅንዕና እንተልይዎ ግን ከም ማዕጺድ ክምለስ ኣየጸግምን'ዩ። ካብቶም ልቢ ንኸይቀንዕ ዝጻብኡ ነገራት ሓደ፡ ትረት ልቢ'ዩ። ከምቲ ዝተባህለ፡ ንማዕጺት ብደረቓ እንከላ ትኽ ክተብላ ስለዘይከኣል እትልምልመሉ መገዲ ኢኻ እተጣጥሕ። ልቦና ክቐንዕ እንተኾይኑ ድማ፡ እቲ ሰብ ልምላሜን ልውህናን ናይ ልቦናን ክህልዎ ኣገዳሲ'ዩ። ለባም ሰብ ሰንኪ ሰብ ምኻኑ ጥራይ፡ ዋላ ሎሚ ኣይጋገ፡ ጽባሕ ግን ክጋገ ከምዝኽእል ስዝፈልጥ፡ ክስተታት ናይ ስንፍናታቱ ክቕበል ቅሩብነት ዘለዋ ልቢ ሒዙ'ዩ ዝጎዓዝ።

ፍቕሪ መደምደምታ ኩሉ!

√ እምበኣር ሰብ ዘይጋገ ኣይኮነን ይጋገ'ዩ፡ ዘይዕሾ ድማ ኣይኮነን ብዝተፋላለየ ነገራት ቅንዕንኡን ልቦናኡን ዝመዛበለሉ እዋናን ኣሎ። ጠንቂ ናይዚ ከኣ ፈጣሪ ኣይኮነን። ማለት ፈጣሪ ንሰብ ዘይጋገ ገይሩ ብዘይምፍጣሩ ንፈጣሪ እንወቕሰሉ መገዲ ፈጺምካ የለን፡፡ ምክንያቱ ሰብ ፍጡርን ስሩሕን ስለዝኾነ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንኽፍጠር እዉን  ዝገበሮ ኣስተዋጽኦ ዋላ ሓንቲ ቅንጣብ ስለዘየለ'ዩ። ኣብ ቦታ ሰራሒኡ፡  ኣብ ዙፋን ፈጣሪ ክቕመጥ ዝምጥን ዓቕሚ'ውን ፈጺምካ ኣይርከቦን'ዩ ንሰብ። ስለዚ ፈጣሪ ንሰብ ክሰርሖ እንከሎ፡ ከምዝጋገን ካብ ቅንዕንኡ ከምዝዘናበልን ይፈልጦ'ዩ። ነዚ ምዝንባል'ዚ ዘዕርየሉ መገዲ ግን ኣይከፈተሉን ማለት ኣይኮነን። ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዝድነቕ ባሕሪ ፈጣሪ፡ ጌግኡን ድኻማቱን ኣሚኑ ንዝመጾ ሰብ ከይነዓቐ ክቕበል ዝኽእል ምኻኑ'ዩ። መፍትሒ ምዝንባል ናይ ቅንዕናን ልቦናን እምበኣር ፈጣሪ ብሕድገታዊ ልቢ ይቕበለና ምኻኑ'ዩ።

√ ቅንዕና፡ ርቱዕነት፡ ሓቅነት፡ ፍትሓውነት... ዝብሉ ዝርዝራውያን ነገራት ኣብ ፍቕሪ ይጥርነፉ። ልቦና ድማ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ርህሩሀ፡ ሰብ ምኻንካ ምዝካር፡ ኣብዛ ዓለም ሓዱሽን ጛሻን ተቐማጢ ምኻንካ ምእማን፡ ናይ ምርዳእን ምርድዳእን ልምዲ ምጥራይ፡ ሓሳብ ሰባት ምኽባር፡ ንሓሳባትካ ካብ ስምዒት ወጺኻ ክትገልጽ ምፍታን፡ ዓቕምኻ ዝፈቐዶ ምግባር... ኢልና ክንዝርዝር ንጸንሕሞ እዚ ኩሉ ኣብ ፍቕሪ ተጠርኒፉ ይጸንሓና። በንጻሩ እንተኾይኑ ድማ፡ ኩሎም ኣሉታውያን ነገራት ናይ ስነ ልቦና ምስ ምዝንባል ኣተሓሳስባታት እንተድኣ ተደሚሮም፡ ኣብ ዓንቀጸ ጽልኢ ይራኸቡ። ቅንዕናን ፍቕርን እምበኣር ዝራኸብሉ ዓንቀጽን ጥቕስን፡ ኣብ ፍቕሪ'ዩ። ብተወሳኺ ፍቕሪ ድልድል ናይ ስነ ልቦናን ስነ ቅንዕናን'ዩ።ጽልኢ ድማ ኣንድምታዊ ነጥቢ ናይ ዕሽነትን መንቀኝነትን'ዩ። ንኹላቶም'ዞም ዝበልናዮም  ዘማእዝኖም ግን ኣእምሮ'ዩ። ኣእምሮ ከኣ ኣብ ሕምብርቲ ሕልና ዝርከብ ረቂቕ ሰልፈኛ ኮይኑ፡ ሕልና ዘዝበሎ ክእዘዝ ዝነብር ናይ ሰብነትና ኮፓስ'ዩ። ስለዚ ብምንጪ ጌጋታትናን ትረት ልብናን ዝውቀስ ኣእምሮ እካ እንተኾነ፡ ሕልና ንኣእምሮ ከማእዝኖ ብዘይምኽኣሉ ግን፡ እግዚኣብሔር ቀዳመይቲ ዳናይት ፍርዱ ናብ ሕልና ኢዩ ዝውርውራ!!

ዘመኑ ብልቦናን ብቅንዕናን ክስገር ዝግበኦ'ዩሞ፡ እግዚኣብሔር ሓይለ ጥበቡ ይልኣኸልና!!
ስብሐት ለእግዚኣብሔር!!
ሕቱም-መጽሓፍ፡

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...