mandag 13. november 2017

ስቕታ ወርቂ ኣይኮነን ( ድያቆን ዳኒኤል ክብረት)


ሓደ ሰብኣይ ብዘይካ ሰበይቱ ካልእ ሓንቲ ሰበይቲ ኣፍቀረ'ሞ፡ላዕልት ታሕትን በለ።ንወዱን ንሰበይቱን እንዳራሕረሐ፡ምስታ ካልኣይቲ ሰበይቲ ከምሲ ኢሉ ድማ ክሓድር ጀመረ።ኣብ መጨረሽታ ድማ ሓደ መዓልቲ ናብ ሰበይቱ መጸሞ፡ሃንደበተኛ ዝኾነ ሕቶ ኣቕረበላ። "ኣነን ንስኽን ክንፋታሕ ይደሊ ኣሎኹ!ስለምታይ፧ ኢልኪ ምኽንያተይ ኣይትሕተትኒ።ክፋታሕ ጥራይ ኢየ ዝደሊ ዘለኹ።እሞ ድማ ኣብ ካልእ መዓልቲ ኣይኮነን።ንጽባሕ ክኸውን ኢየ ዝደሊ ዘለኹ።"በላ።ሰበይቱ ብክልተ ነገራት ተጨነቐት።በቲ ሓደ ወገን፡ዝኾነ ነገር ከይትሓትኒ ኢልዋ ኢዩ።በቲ ካልኣይ ነገር ድማ ወዳ ናብ ዩኒቨርሲቲ ናይ መእተዊ ፈተና ንኽውድእ ቁሩብ መዓልታት ስለዝተረፎ ቁርብ ክትጸንሕ ደልያ።
"ዋላ እካ እንተዘይደለኽዎ፡ወይውን እንተዘተሰማማዕክሉ፡ካብ በልካ ናይ ግድን ክቕበሎ ኢየ።ነገር ግን ብሰንኪ ናትና ምኽንያት ወድና ክጉዳእ የብሉንሞ፡ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ንተዓገስ" በለቶ።ንሱ ድማ ቁሩብ ሓሰበሞ፡"ጽቡቕ ሓንቲ ወርሒ ንክዕገስ ኣይጽግምን'ዩ፡ነገር ግና ኣብዛ ውሽጢ ወርሒዚኣ ሽማግሌ ልኢኽካ፡ምኽንያት ምሕታት የለን፡ብዛዕባዚ ፍትሕ ካባና ካባይን ካባኽን ዝኾነ ነገር ከነልዕል የብልናን።በዚ ቃል ትኣትዊ ዲኺ፧" በላ።ንሳ ድማ " እሰማምዓሉ ኢየ፡ነገር ግን ንስኻውን ነዚ ዝነግረካ ንምፍጻም እንተድኣ ትሰማማዕ ኮይንካ ኢዩ፡ንሱ ከኣ ኣብዚ ሓንቲ ወርሒ ንግሆ ንግሆ ካብ ድቃሰይ ክትንስእን ፡ምሽት ምሸት ድማ ናብ ዓራተይ ክድይብን እንከለኹ፡ከምታ ኣብ ግዜ መርዓና ሓቒፍካ ዝወሰድካኒ ከምኣ ገይርካ፡ሓሓቒፍካ ክትወስደኒ ኢኻ።" ክትብል ሓተተቶ።ነገሩ ዘይተጸበዮን ዘይተለምደን እካ እንተኾነ፡ቀሊልን ክገብሮ ዝኽእልን ስለዝኾነ ሐራይ ኢሉ ቃል ኣተወላ።
እታ ወርሒ ተጀሚራ።
ንግሆ ንግሆ ካብ ድቃሳ እንክትትስእ፡ ሓቒፉ ሓፍ ኣቢሉ ናብ በራንዳ ምስ ኣብጽሓ ናብ ስርሑ ይኸትድ።ምሸት ምሸት ድማ ከምኡ ሓቒፉ ናብ ዓራታ ይወስዳ።ብዛዕባቲ ፍትሕ ኣይዛራርቡን ኢዮም።እናወዓለን እናሓደረን እንክኸይድ፡ጥምረት ሰብነታን፡እቶም እትለብሶም ክዳውንትን፡ኣዒንታን ኩነታት ጸጊራን፡ልምሉማት ኣካላታን ቅርጻን እንዳሰሓብዎ መጹ።በብመዓልቱ ሓሓቒፉ እንከውጽኣን ከእትዋን፡ሰብነታ እንዳፈኾሶን፡ንዓኣ ምስካም ድማ ምንም ጋሻ ዝኾነ ናይ ደስታ ስምዒት እንዳፈጠረሉን መጸ።
ምስ ገዛእ ርእሱ ድማ ምጉት ጀመረ።" ስለምንታይ ኢየ ክንፋታሕ ዝበልክዋ፡ክንድዚ ሕጂ ዝስምዓኒ ዘሎ ስምዒታት፡ምስታ ሓዳስ ኣፍቃሪተይ ስለምታይ ኢዩ ዘይስምዓኒ፧ስለምንታይ ኢያኸ፡ነዚ ነገርዚ ክገብሮ ቃል ዘእተወትኒ፧እዚ ዝመስል ጎድና፡ክሳብ ክንድዚ ዝማርኽ ቅርጻ፡እዚ ዘደስት ፈገግታኣ፡እዚ ዘው ዝበለ ጸጉራ፡እዚ ክሳብ ክንድዚ ፍሉይ ዝኾነ ኣካላታ ስለምንታይ ኢየ ክሳብ ሕጂ ዘየስተውዓልክዎ ነይረ፧ንሳ ድያ ምሳይ ነይራ ወይሲ ኣነውን ምስኣ ነይረ ኢየ፧"
መጨረሽታ ናይታ ወርሒ እንዳቐረበ ምኻኑ ስለዝፈለጠ፡ካብኣ ምፍላይ ጨነቖ። ክሳብ ክንድዚ ድማ፡ነዚ ኩነት ዝፈጠረሉ ጋሻ ስምዒት እንዳፈተዎ መጸ።ወገሐ ጸበሐ፡ንዓኣ ሓሓቒፉ ክሳብ ዝወስዳ ኣጥቢቑ ክሓቕፋ ጀመረ።ብኻልእ መዳይ ድማ በዚ ተግባራታዚ፡ኣብ ውሽጡ ዘሕደረትሉ ስምዒት ስለዝሰሓቦ ከድንቓ ጀመረ።ብልሕነታን፡ኣስተውዓልነታን፡በቀሊል ትግባረ ንኣቓልብኡ ክትገዝኦ ብምኽኣላ ክሓስቦ እንከሎ፡" ከመይ ዓይነት ኣገራሚት ሰበይቲ ኢያ ደቀይ!" ይብል።
እታ ወርሒ ንኽትውዳእ ክልተ መዓልቲ ክትተርፋ እንከሎ፡ናይ ምፍታሖም ሓሳብ ብውሽጡ መርመሮ።ዝኾነ ነገር ግን ኣይረከበሉን።ኣብዚ ኩነታትዚ እንከሎ እንተተፋቲሑ ድማ፡ንሂዎቱ ዘይፍታሕ ሕንቅል ሕንቅሊተይ ከምዝኾኖ ስለዘተሓሳሰቦ ተጨነቐ።ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ውሽጢ'ዛ ወርሒ'ዚኣ ንፍትሕ ዝምልከት ንኸይዛራረቡ ቃል ተኣታትዮም ኢዮም'ሞ ከመይ ኢሉ ክዛረባ።ሎሚ'ውን ከምቲ ናይ ቀደሙ ብደስታዊ ስምዒት ሓቒፉ ካብ ዓራታ ከምዝወሰዳ፡ምሸትውን ናብ ዓራታ መለሳ።ካብ ቅድሙ ሎሚ ሚዛና ኣዝያ ስለዝፈኾሰቶ ኣደንገጸቶ።
ኣብታ መጨረሻ ወርሒ።
ናብታ ሓዳሽ ኣፍቃሪቱ ከደሞ፡" ናይቲ ፍትሕ ሓሳብ ሰሪዘዮ ኣሎኹ።ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ፍቕሪ ዘየብልና መሲሉኒ ነይሩ።ንሕና ግን ለካስ ፍቕሪ ኣይወሓደናን ነይሩ።ዝኸሰርናዮም ክልተ ነገር ጥራይ ኢዮም ነይሮም ምዝርራብን ምቅርራብን።ናብዚ ዘብጽሓና ድማ ዘይምቅርራብናን ዘይምዝታይናን ጥራይ ኢዩ።ሕጂ ግን ዋላ ክንዘራረብ ኣይንኸኣል'ምበር፡ክንቀራረብ ግን ጀሚርና ክኢልና ኢና።ሎሚ ከኣ ክንዘራረብ ክንክእል ኢና።ስለዚ ዝኾነኪ ሰብ ካልእ ድለዪ፥" በላ።
እታ ሰበይቲ ሓሪቓ፡ብጽፍዒት ሃረመቶ።ኣብ ጥቓኣ ዝነበረ ማይ ዓልዒላ ድማ ገጨበቶ። " እዚ ነቲ ናይቲ ብዙሕ ሓጥያተይ መኽፈሊ ዝኸውን ቅጽዓት ኢዩ፡" እንዳበለ ወጺኡ ከደ።ካብኡ ቀጺሉ ናብቲ ዕንባባ ዝሽየጠሉ ከተማ ኣተወ።እታ ክምርዓዉ እንከለዉ ዝገዝኣላ ዓይነት ዕንበባ ገዚኡ ድማ ናብ ቤቱ ኣእንፈተ።"ዓርከይ መርዓ ማለት፡ተመርዕዮም ዝነብሩ ዘይኮነስ፡በብግዚኡ ምስ ዝምርዓዉ ኢዩ፡ዝበሎ ሓቁ ኢዩ።ሓዳር ከም ፈተና ናይ 12 ክፍሊ ሓሊፍካ ሰርቲፍኬት ዝስቀለሉ ኣይኮነን ዝበሎ ሓቁ ኢዩ።ሓዳርን ተኽልን፡ምክንኻን ይደልዩ ኢዮም።ስቕ ኢልካ ብዝዓበይዎ ይዕበዩ ተባሂሎም ዝግደፉ ነገራት ኣይኮኑን።"
"ልክዕ ኣብዚ ሃገር፡ፈልሲ ንኽትኩስኩስ፡ማይ ከተስትን ከተዕብን እምበር፡ንኽንተክል ጸገም ከምዘየብልና፡ ንሕናውን ሓደ ኮይንና ንኸይንተኣታቶ ሽግር የብልናን።ፍቕሪ ግን ምትእትታው ጥራይ ዘይኮነስ፡ማይ ምስታይን ምኹስካስን፡ምእራምን፡ከብቲ ንኸየበላሽውዎ ሓጹር ምግባርን በብግዚኡ ማዳበርያ ምውሳኽን የድሊ።ብርግጽ ብዕድሉ ዝበቁል ገረብ ከምዘሎ፡ብዕድሉ ዝነብር ሓዳር'ውን ይህሉ ይኸውን ኢዩ።እዚ ግን ንህይወት ንገዛእ ርእስኻ ዘይኮነስ፡ንኣጋጣሚታት ጥራይ ኣሕሊፍካ ምሃብ ኢዩ።" ዝበሎ ሓቁ ኢዩ።ኣነ ኣይሰማዕክዎን እምበር ንሱስ ተዛሪቡ ነይሩ ኢዩ።"
ማኪናኡ ደው ኣበለ'ሞ በቲ መእተዊ ኣተወ። ኣብቲ በራንዳ ኮይና ትጽበዮ ዝነበረት ብዓልቲ ቤቱ ኣይነበረትን።ማዕጾ ካሕኮሐ ዝኸፍቶ ግን ኣይነበረን። እንክኩሕኩሖ ገልጠም ኢሉ እቲ ማዕጾ ባዕሉ ተኸፍተ።እታ በዓልቲ ቤቱ ግን ኣብዛ ወርሒ መበል 30 መዓልቲ ኣብ ሳሎን የላን።እንዳተገረመ ጋን እንዳኾኖ ናብቲ መደቀሲ ክፍሉ ተበገሰ።ኣብቲ ዓራት ፍሽኽ ኢላ ተጋዲማ ረኣያ።ነታ ዕንባባ ሒዙ ጽግዕ በለሞ፡ኣፍልባ ተንከፎ።ዘሓሒላ።ብፍቕራዊ ቃላት ገይሩ ጸውዓ መልሲ ግን ኣይነበረን ; ጋን ኮይንዎ የዒንታ ግንጽል ኣበሎ።ክግንጸለሉ ግን ኣይተኻእለን።ትሩኽ በለሞ፡ሰብነታ ዳህሰሶ፡ዘሓሒላ።"ናይ መጨረሻ መዓልቲ ኢዩ፡ነዛ መዓልቲ እዚኣ ክርኢ ኣይደልን ኢየ፡ምእንቲ ወደይ ክብል ክሳብ ሎሚ ተዓጊሰ ኣሎኹ፡በቃ ይኣኽለኒ።" ዝብል ጽሑፍ ኣብ ትርኣሳ ረኸበ።
ንሳ ነቲ ፍትሕ ኣይደለየቶን፡ስለዚ ከይተፋትሐት ሞተት።ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ናይ ሓሳብ ለውጢ ኣይፈለጠትን፡ምኽንያቱ ንኸይዛራረቡ ቃል ተኣታትዮም ስለዝነበሩ።ንሳ ነዛ ዕለትዚኣ ብስግኣትን ብጭንቀትን ኢያ ትጽበያ ነይራ።እዛ ናይ ምፍልላዮም መዓልቲ፡ነቲ ፍርቂ ህይወታ እትሓድጎ፡ነቲ ትደልዮ ነገር ድማ እትፍጽመላ መዓልቲ ኢያ ነይራ።ንሱ ግን ነዛ ዕለት'ዚኣ ብህንጡይነት ኢዩ ዝጽበያ ነይሩ።ዝዛራረቡላ መዓልቲ፡ነቲ ፍትሕ ከምዘቃረጹ ዝነግረላ መዓልቲ፡ፍቕሩ ዝገልጸላ ዕለት፡ይቕረታ ዝሓተላ መዓልቲ፡ምእንቲ ፍቕሩ ክብል ዋላ እካ ንእሽቶ ትኹን'ምበር መቕጻዕቲ ከፊሉላ ዝመጸ መዓልቲ፡ኣብ መንግኡን ኣብ መንጎ ብዓልቲ ቤቱን ናይ ምዝርራብን ምቅርራብን እምበር፡ምፍቓርን ስምዒት ንስምዒት ምልግጋስን ሽግር ከምዘይነበረ ዝተረደኦ ምኻኑ ዝገልጸላ መዓልቲ ኢያ።ግን እንታይ ይግበር።
ክልቲኣቶም ነዚ; በብልቦም ይፍለጥዎ'ምበር ኣይተዛራረቡን።ሓሳባቶምውን ብኻልእ መንገዲ ኣይተለዋወጡን።ካብዚ ዝተበገሰ፡እቲ ሽግር ዝፍታሓሉ ዕለት፡ቀንዲ ሽግር ተፈጥረ።
ክልተ ናይ ሓዳር ካንሰር ብሰንኪ ዘይምቅርራብን ዘይምዝርራብን።ሓቢሮም ኣብ ሓንቲ ዓራት እንዳሓደሩ፡ሓቢሮም እንዳበልዑ፡ሓቢሮም እንዳነበሩ ዘይቃራረቡ ሰብኣይን ሰበይትን ኣሎዉ።ኣብ ሓንቲ ዓራት ዝድቅሱ፡ኣብ ሓንቲ ዓራት ጥራይ ክድቅሱ ስለዘለዎም ጥራይ ኢዩ፡ቅድሚ ምምርዓዎም ዝነበሮም ህንጥዩነትን ናፍቖትን ሕጂ የለን።ከይደቀሱ ትኽስታ ይወስዶም።ሓቢሮም ይበልዑ፡ኣብ ሓደ መኣዲ ብምኻኑ፡ሓደ ጠረጴዛ ምኻኑ ኢዩ 'ምበር፡ከምቲ ብቕድሙ ንምሳሕ ክጋባበዙ እንከለዉ ዝነበሮም ናፍቖትን ህንጥዩነትን ሕጂ የብሎምን።ስቕ ኢልካ ምብላዕ ጥራይ።ሓደ ሓደ መዓልቲ ፍሉይ ደስታ ዝፈጥሩላን ካብ ትማሊ ዝተፈልየትን ንምግባር ኣይጽዕሩን ኢዮም።ሎሚ ከም ትማሊ፡ጽባሕ ድማ ከም ሎሚ ኢያ። ከምቲ
ብኽንደይ ሕቶ ብኽንደይ ልመና ፡
ብኽንደይ ኣፍደጌታት ብኽንደይ ሓለዋ
ሕጂ እንታይ ተሪፉ ኣእትወኪ በቃ፡
ዝተባህለ ይኾንዎም።ኣእትወኪ በቃ፡ኣእትካ በቃ፡ካብ ሕጂ ንንዮ እንታይ ተሪፉ፧ ኢሎም ይሓስቡ።ሰብ ተፈጢሩ ኣይተወደአን።በብግዚኡ ኢዩ ዝፍጠር።ፈጣሪውን ንሰብ ትውልድ ኣቢሉ ከምዘብቅዕ ኣይገበሮን።በብመዓልቱ፡በብሰዓቱ፡ በብደቓይቑ ንዘስተውዕሎ፡ሰብ ጋሻ ፍጥረት ኢዩ።ሓሓደስቲ ነገራይ ይረኣይሉ።እዚ ግን ምቅርራብ ይሓትት።ሰብኣይን ሰበይትን እንተዳኣ ተቐራሪቦም፡ከይተፋትሑ በብመዓልቱ እንዳተመርዓዉ ይነብሩ።መርዓኦም እንዳተሓደሰ ይኸይድ፡ናይ ትማሊ ብዓልቲ ቤት ካብ ናይ ሎሚ ትፍለ ኢያ።ናይ ሎሚ በዓል ቤትውን ካብ ናይ ትማሊ ዝተፈልየ ኢዩ።ለውጢ፡ዕብየት፡ብስለት ኣሎ ጽቡቕ ለውጢ ግን ቀሪቡ ዝርእዮ ይደሊ።

ናይዛ ሰበይቲ በዓል ቤት ጸገሙ ንሰበይቱ ኣእትይዋ ኢዩ 'ምበር፡ቀሪብዋ ኣይፈልጥን ነበረ።ምስኣ ሓቢሩ ይነብር እምበር ምስኣ ይነብር ኣይነበረን።ምድሪ ኣብ ልዕሊ ናይ ጽሓይ ዙርያ ስለትዘውር፡ይመሲ ይወግሕ እምበር፡ኣብኣቶም ብምኽንያት እቲ ዝተፈልየ ናይ ህይወት ጉዕዞ ኣይመስን ኣይወግሕን ነበረ።ኣብ መንጎ ሰኑይን ረቡዕን ስም እንተዘይኮይኑ ኣብ ውሽጢ ህይወቶም ፍልልይ የብሉን።
ካልእ ሽግር ድማ ብዘይምዝርራቦም ኢዩ።ምዝርራብ ማለት በቲ ዝፈልጥዎ ቃንቃ ምውራይ ማለት ኣይኮነን።ንሱሞ ከብቲ ክራኻኸባ እንከለዋ እምባሕ እምባሕ፡ይበሃሃላ ኢየን።እዚ ግን ምዝርራብ ኣይኮነን።በብግዚኡ በብሰዓቱ፡ኩልንትናኻ ምልውዋጥ ማለት ኢዩ።ካብ ከይተዛራረብካ ብስራት፡ተላዚብካ መርድእ ይሓይሽ።ካብ ዘይተዛራረብሉ ፍቕሪ፡ዝተዛራረብሉ ጽልኢ ይበልጽ።ካብ ዘይተዛራረብሉ ህያብ፡ዝተላዘብካሉ ምንቃር ይበልጽ።ሰብእይን ሰበይትን ብዘይምልዛቦም፡ነቲ ሽግር ብክልተ መንገዲ ፈትሕዎ።ናይ ክልቲኣቶም ድሌታት ነቲ ሽግር ሓንሳብን ንሓዋሩን ክፈትሕዎ ኢዩ ነይሩ።ነገር ግን ብሰንኪ ዘይምዝርራቦም ክልተ ኣንፈት ኮነ።ንሳ ሞት መረጸት፡ንሱ ድማ ይቕሬታ መረጸ።እዚ ሽግር ዝመጻሉ ምኽንያት፡በዚ ጉዳይ ንኸይዛተዩ ስለዝወሰኑ ኢዩ።ንሳ በቲ ጉዳይ ትጭነቕ፡ስለምንታይ ኢዩ ካባይ ክፍለ ዝደለየ፧ንዝብል ሕቶ የጨንቓ ነበረ።ብሰንኪ ጻዕቂዚ ሓሳባት ድማ እንዳተደኸመት ትኸይድ ነብረት።ስለዚ ኢያ ድማ በብግዚኡ እንክሓቕፋ ሚዛና ዝፎኽሶ ዝነበረ።ንሱ ግን ሚዛና ስለምንታይ ከምዝቐነሰ እኳከ ይሓታ ፈረሐ።ንሱ ምስ ገዛእ ርእሱ ኢዩ'ምበር፡ምስኣ ኣይዘራረብን ነበረ።
ስለዚ ሓደ ሓደ ግዜ ኣገዳሲ እካ እንተኾነ፡ኣብ ውሽጢ ሓዳር ግን ስቕታ ወርቂ ኣይኮነን።
ጸሓፊ ዲያቆን ዳንኤል ክብረት
ትርጉም ተክለማርያም
ትምህርት ሰንበት ደብረ አማኑኤል ክርስትያንሳንድ

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...