ኣብ እዝግዮታ የእዳውካ ዘርጊሕካ ክትጽሊ እንከለኻ እንታይ ትዝክር!
" ኦ እግዚኣብሄር ነዘን ኣብዘይግበአን ክትንክፋ ዝወዓላ የእዳወይ፡ብሓጥያት ጨቅየን ኢየንሞ፡ክምዚ ኢለን ምሕረት ንምርካብ ክዝርግሓ ኣይግበአንን ነይሩ።ነዘን የእዳወይሲ እቲ ቅኑዕ ፍርድኻ ተገሊጹ ተቖሪጸን ክስንደዋ እምበር፡ናብዚ ቅዱስ ጸሎትዚ ሒዘየን መጺኤ ንስለምሕረትካ ክዝርግሓ ኣይግብአንን ነይሩ።ምሕረትካ ግን ዓዚዙ።ጎይታየ ስላ ምሕረትካ፡ቑጣዓኻ ዘሓለ፡ቅጽዓት ዝግበአን የእዳወይ፡ብምሕረትካ ክሳብ ሕጂ ምሳይ እነዋ።ቀደሙስ ዋንአን ንስኻ እንዲኻ።ዓሻ ስለዝኾንኩ ኢየ የእዳወይ ኣነ ዝውንነይ መሲልኒ ኣብ ቡዙሕ ሓጣውእ ክኣልከን ውዒለ እምበር፡ለካ ብብዝሒ ትዕግስትኻ ስቕ ኢልካ ብምሕረት ትጽበየኒ ከምዝነበርካስ ሕጂ ኢዩ ተረዲእኒ።
ኣንታ ቅዱስ ኣምላኽ፡'ኣብ ኣፍ ደገ ኮይነ ማዕጾ ካሕ ካሕ የብል ኣሎኹሞ፡ንድምጸይ ሰሚዑ ሓደ ዝኸፍተኒ እንተሎ' ዲኻ ዝበልካ! ኣነስ እንታይ ግደይ፡ምሉእ መዓልቲ ብዕሽነት ረኺሰስ ርኽሰት ከኣ ወሊደ።ኣነ ንየእዳወይ ዘርከስክዎ ከይኣክልሲ፡ንብዙሓት ንስኻ ንእተፍቅሮም ንደቅኻውን ፡ ብብዕልግናዊ ምትንኻፍ እንዳመሃርኩን እንዳተንከፍኩን ንብዙሓት ኣርኪሰ መጺኤካ ኣሎኹ።ምስዚ ኩሉ ክብደት ሓጥያተይ የእዳወይ ከመይ ኢለን ምሕረት ይልምና ኣሎዋ ገሪምኒ ኣሎ።ኣቤት ምሕረት! ኣቤት ትዕግስቲ! ኣቤት አህራሄ!
ኦ ስሉስ ቅዱስ፡ነታ ድምጽኻ ምስቃር ኣብዩዋ ሸፊታ ዘላ ልበይ በዘን የእዳወይ ገይረ ይኩሕኩሓ ኣሎኹ።እዚ ድማ ኣፍልበይ እንዳሃረምኩ ንምሕረትካ ይጽበይን፡ንትረት ልበይ ይነቅፍን ኣሎኹ።ኣምላከ ኩሉ ፍጥረት ዝኾንካ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ኢዮሱስ ክርስቶስ ሆይ፡ኣብታ ኣፍደገ ልበይ ኮይንካ ትኩሕክሕ ኣሎኻ፡ድምጽኻ ይሰምዖ ኣሎኹ።'ኣብ ዓራት ደቂሰ፡ጫማይ ኣውጺኤስ ከመይ ኢለ የእጋረይ ከርስሖ፡ቀምሸይ ኣውጺኤስ ከመይ ኢለ ክኽደኖ' ብዝብሉ ኮንቱ ምኽንያታት ንልበይ ዘሸፈትክዎ ዘመን ሒጂ ይኣኽለኒ ኢለ ይመጻካ ኣሎኹሞ፡-ኦ ጎይታይ ይደልየካ ኣሎኹ።ኣብ ጎደና ዘለዉ ዘብዐኛታት ረኺቦም ከይቅጥቁጥኒ ቀልጢፍካ ተቐበለኒ።ሓይሊ ከምዘየብለይ፡ብሓይሊ ቀላጽመይ ክስዕሮም፡ከምዘይክእል ትፈልጥ ኢኻሞ ኦ ጎይታይ ካብ ምንጋጋ ጸላኢ፡ካብ ጎልያዳዊ ቀላጽም ኣድሕነኒ።እዘን የእዳወይ ኣብ ዘፈር ክዳንካ ይተንክያ ሕደገን እሞ፡ኩሉ ምኽሪ ጸላኢ ክበንን ኢዩ።ስለኩሉ ምሕረትካ ተመስገን።
ኣብን ወልድን መንፈስቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ተመስገን ኣሜን።ከምኡውንድንግል ማርያም ኣዴናን፡ቅዱስ መስቀልካ ዕጸ ሂዎናን ምስጋና ይብጽሓዮ ኣሜን።
ኦ ድግል ስለ'ተን ንኣምላኽ ዝሓቖፋ የእዳውኪ ኢልኪ፡ንየእዳወይ ምሕረት ለምንለን፡ኦ ድንግል ስለ'ተን ንኣምላኽ ሰማይ ወምድር ዝኣክል ጡብ ዘጥብውኦ ዝነበራ ቁዱሳን ኣጻብዕትኺ ኢልኪ፡ንኹለን ኣጻብዐይ ምሕረት ለምንለን፡ኦ ድግንል ስለ'ተን ኣብ ቤት መቕደስ ቅዱስ ኣገልግሎት ዘገልግላ ዝነበራ የእዳውኪ ክትብሊ ነዘን ሓጥኣን የእዳወይ፡ምሕረት ካብ ወድኺ ለምንለን።ዶችማስ ብልማኖኺ ኣይሓፈረንሞ፡ነዘን የእዳወይ በማላድነኪ ናይ ምሕረት ወይኒ ምልእየን ኣሜን ኣሜን ኣሜን።