søndag 26. februar 2017

ኣብ እዝግዮታ የእዳውካ ዘርጊሕካ ክትጽሊ እንከለኻ እንታይ ትዝክር!

ኣብ እዝግዮታ የእዳውካ ዘርጊሕካ ክትጽሊ እንከለኻ እንታይ ትዝክር!
" ኦ እግዚኣብሄር ነዘን ኣብዘይግበአን ክትንክፋ ዝወዓላ የእዳወይ፡ብሓጥያት ጨቅየን ኢየንሞ፡ክምዚ ኢለን ምሕረት ንምርካብ ክዝርግሓ ኣይግበአንን ነይሩ።ነዘን የእዳወይሲ እቲ ቅኑዕ ፍርድኻ ተገሊጹ ተቖሪጸን ክስንደዋ እምበር፡ናብዚ ቅዱስ ጸሎትዚ ሒዘየን መጺኤ ንስለምሕረትካ ክዝርግሓ ኣይግብአንን ነይሩ።ምሕረትካ ግን ዓዚዙ።ጎይታየ ስላ ምሕረትካ፡ቑጣዓኻ ዘሓለ፡ቅጽዓት ዝግበአን የእዳወይ፡ብምሕረትካ ክሳብ ሕጂ ምሳይ እነዋ።ቀደሙስ ዋንአን ንስኻ እንዲኻ።ዓሻ ስለዝኾንኩ ኢየ የእዳወይ ኣነ ዝውንነይ መሲልኒ ኣብ ቡዙሕ ሓጣውእ ክኣልከን ውዒለ እምበር፡ለካ ብብዝሒ ትዕግስትኻ ስቕ ኢልካ ብምሕረት ትጽበየኒ ከምዝነበርካስ ሕጂ ኢዩ ተረዲእኒ።
ኣንታ ቅዱስ ኣምላኽ፡'ኣብ ኣፍ ደገ ኮይነ ማዕጾ ካሕ ካሕ የብል ኣሎኹሞ፡ንድምጸይ ሰሚዑ ሓደ ዝኸፍተኒ እንተሎ' ዲኻ ዝበልካ! ኣነስ እንታይ ግደይ፡ምሉእ መዓልቲ ብዕሽነት ረኺሰስ ርኽሰት ከኣ ወሊደ።ኣነ ንየእዳወይ ዘርከስክዎ ከይኣክልሲ፡ንብዙሓት ንስኻ ንእተፍቅሮም ንደቅኻውን ፡ ብብዕልግናዊ ምትንኻፍ እንዳመሃርኩን እንዳተንከፍኩን ንብዙሓት ኣርኪሰ መጺኤካ ኣሎኹ።ምስዚ ኩሉ ክብደት ሓጥያተይ የእዳወይ ከመይ ኢለን ምሕረት ይልምና ኣሎዋ ገሪምኒ ኣሎ።ኣቤት ምሕረት! ኣቤት ትዕግስቲ! ኣቤት አህራሄ!
ኦ ስሉስ ቅዱስ፡ነታ ድምጽኻ ምስቃር ኣብዩዋ ሸፊታ ዘላ ልበይ በዘን የእዳወይ ገይረ ይኩሕኩሓ ኣሎኹ።እዚ ድማ ኣፍልበይ እንዳሃረምኩ ንምሕረትካ ይጽበይን፡ንትረት ልበይ ይነቅፍን ኣሎኹ።ኣምላከ ኩሉ ፍጥረት ዝኾንካ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ኢዮሱስ ክርስቶስ ሆይ፡ኣብታ ኣፍደገ ልበይ ኮይንካ ትኩሕክሕ ኣሎኻ፡ድምጽኻ ይሰምዖ ኣሎኹ።'ኣብ ዓራት ደቂሰ፡ጫማይ ኣውጺኤስ ከመይ ኢለ የእጋረይ ከርስሖ፡ቀምሸይ ኣውጺኤስ ከመይ ኢለ ክኽደኖ' ብዝብሉ ኮንቱ ምኽንያታት ንልበይ ዘሸፈትክዎ ዘመን ሒጂ ይኣኽለኒ ኢለ ይመጻካ ኣሎኹሞ፡-ኦ ጎይታይ ይደልየካ ኣሎኹ።ኣብ ጎደና ዘለዉ ዘብዐኛታት ረኺቦም ከይቅጥቁጥኒ ቀልጢፍካ ተቐበለኒ።ሓይሊ ከምዘየብለይ፡ብሓይሊ ቀላጽመይ ክስዕሮም፡ከምዘይክእል ትፈልጥ ኢኻሞ ኦ ጎይታይ ካብ ምንጋጋ ጸላኢ፡ካብ ጎልያዳዊ ቀላጽም ኣድሕነኒ።እዘን የእዳወይ ኣብ ዘፈር ክዳንካ ይተንክያ ሕደገን እሞ፡ኩሉ ምኽሪ ጸላኢ ክበንን ኢዩ።ስለኩሉ ምሕረትካ ተመስገን።
ኣብን ወልድን መንፈስቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ተመስገን ኣሜን።ከምኡውን
ድንግል ማርያም ኣዴናን፡ቅዱስ መስቀልካ ዕጸ ሂዎናን ምስጋና ይብጽሓዮ ኣሜን።
ኦ ድግል ስለ'ተን ንኣምላኽ ዝሓቖፋ የእዳውኪ ኢልኪ፡ንየእዳወይ ምሕረት ለምንለን፡ኦ ድንግል ስለ'ተን ንኣምላኽ ሰማይ ወምድር ዝኣክል ጡብ ዘጥብውኦ ዝነበራ ቁዱሳን ኣጻብዕትኺ ኢልኪ፡ንኹለን ኣጻብዐይ ምሕረት ለምንለን፡ኦ ድግንል ስለ'ተን ኣብ ቤት መቕደስ ቅዱስ ኣገልግሎት ዘገልግላ ዝነበራ የእዳውኪ ክትብሊ ነዘን ሓጥኣን የእዳወይ፡ምሕረት ካብ ወድኺ ለምንለን።ዶችማስ ብልማኖኺ ኣይሓፈረንሞ፡ነዘን የእዳወይ በማላድነኪ ናይ ምሕረት ወይኒ ምልእየን ኣሜን ኣሜን ኣሜን።

"ወሰበ ትጸልዩ ከመዝ በሉ፡ኣቡነ ዘበሰማያት፡ይትቀደስ ስምከ፡ትምጻእ መንግስትከ፡-

በስመ ስሉስ ቅዱስ።
"ወሰበ ትጸልዩ ከመዝ በሉ፡ኣቡነ ዘበሰማያት፡ይትቀደስ ስምከ፡ትምጻእ መንግስትከ፡-
-ክትጽልዩ እንከለኹምሲ ከምዚ ደኣ በሉ፡ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ስምካ ይቀደስ መንግስትኻ ትምጻእ፡---"
ሰለስተ ቃላት ኣስተውዒልናለንዶ ንፈልጥ፧
¶ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡
¶ ስምካ ይቀደስ፡
¶ መንግስትኻ ትምጻእ፡
ቴለፎን ምስ ርሑቕ ዝቕመጥ ሰብ ክራኸብ እንከለኹ፡እቲ ሰብ መታን፡ ከይቅየመኒ ኢለ ኣብ ሞንጎ ዕላል ትኽስታ ወይ ሕልናይ ናብ ካልእ እንተተሰሪቑ፡እቲ ሰብ ክልተ ሰለስተ ግዜ" እ፡ እ፡እ" ኢለ ዘረባ ክደጋግም እንተሰሚዑኒ፡ኣሻቡ ይኽዕበኒ።ቅሬትኡ ድማ ለባም እንተኾይኑ፡"እዋእ ምሳይ እንዳዕለልካስ ናብ ካልእ ኬድካ፣" ኢሉ ይድሕድሕ።ተዘይኮኑ ድማ ብድሕረይ ክሓምየኒ ይነብር።"ክላእ እገለ ድማ ብሰብ ዘይግደስ" እንዳበለ ይኸሰኒ።
ትማሊ ካብ ዘጋጠመኒ ከዕልለኩም facebook messenger ንዝተወሰነ ግዜ offline ገይረዮ ነይረ።ኣብ እንዳ lap እምበር ዳርጋ ኣብ ሞባይል chat ምግባርሲ ንውሕ ዝበለ ግዜ ኣቃሪጸ ነይረ።ኣብ ትማሊ ግን ናብ ሞባይል download ምስ ገበርክዎ፡ምስ ብዙሓት ፈተውቲ የዕሊለ።ፍልይ ዝበለ ምስ ሓደ ኣዝየ ዘፍቅሮ ዓርከይ video ደዊሉ ጉጅም የብለኒ ነይሩ።
ሃንደበት ካልእ ሰብ chat ስለዝኣተወኒ ምስኡ እንዳዕለልኩ፡ብጽሕፈት ምስቲ ካልእ ጀመርኩሞ፡እቲ ናይ video ብዓል chat ቀልጢፎ ፈለጠኒ።" ምስ መን ደኣልካ ገጢምካ!" ድማ በለኒ።ሓቁ ኢዩ፡ሓንቲ ሓንጎል ዝሓዘ ሰብ ከመይ ኢልካ ምስ ክልተ ይከኣል።
ሓደ ግዜ እንዳጸለኹ እንከለኹ ሃንደበት ሕልናይ ናብ ካልእ ተወስደሞ፡ኣብ መንጎ ነዛ ዘረባ ዘከርክዋ።ወድ ሰብ ሓንቲ ሕልና ሃልያቶ ክንሳ ኣብ ግዜ ጸሎት ምስቲ ሰማያት ዘይልክዕዎ ኤልሻዳ ብጸሎት chat ክትገብር ዝግብኣ፡ናብ ካልእ ትዝምብል።
¶ እግዚኣብሄር ኣብ ሰማያት ትነብር ኣቦና በሉ ኢሉና፡ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፡ብምድራዊ ሓሳብ ብምድራዊ መራኸቢ ተራኺብካ ትጽገብን ይምኖን ኢዩ።ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ልዕሊ ኣእምሮ ኢዩ።ምላልባሽ ኣብ ወርሒ ወይ ኣብ ጁቢተር ንዘሎ ሰብ ብሳትላይት ሓበሬታ ከመሓላልፍ ይኽእል ይኸውን።ኣብ ዓለመ መላእክት፡ኣብ መምበረ መንግስት ኣብ መምበረ ጻባኦት ንዘሎ ትርኢት ግን ብፍጡራዊ መሳርሒ ክፍለጥ ኣይከኣልን።እግዚኣብሄር ግን ብእምነት ከምንፈልጥ ገይሩና።
"ኣብ ሰማያት ትነብር ኣቦና፡ዋላካ ሕልናኹም ክሳብ ክንድኡ ክበጽሕ ዝኽእል ዓቕሚ ኣይሃልኹም እምበር፡ኣነ ልዕሊ ሕልናኹም ብምኻነይ፡ብህልዉናይ ደስ ይበልኩ።ድሓር ከኣ ሰማያት ዘይልኩዑኒ እጹብ ድንቂ ኣምላኽ ይኹን እምበር፡ኣምላኽኩም፡ኣቦኹም ክኾውን ፍቓደኛ ኢየ።ስለዚ 'ፍጡራት እንዲና፡ድኻምና ከመይ ኢሉ ንልዕልንኡ ይበጽሖ፣' ኢልኩም ከይተሰከፍኩም 'ኣንታ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና!' በሉኒ፡ሰማያት ኢደይ ዝሰረሐኦ እምበር ገዛይ ኣይኮነን፡ንሰማያት ኣንቆልቂለ ይጥምቶ እምበር ከማኹም ኣንቃዕሪረ ኣይርእዮን።(መዝ113፣5)ንስኻትኩም ግን ካብ ጎደሎ ፍጹምነት ዝተላዕለ ንሰማያት ክትልክዕዎ ኣይትኽእሉን ኢኹሞ፡ኣቦኹ ፈጣሪ ሰማያት ብምኻኑ ደስ ይበልኩም" ይብል።
¶ "ስምካ ይቀደስ ድማ በሉ፡መቸም ቅድስና ንስኹም ትውስኹለይ፡ወይ ትቕኑስለይ ኣይኮነን፡እዛ ንዓይ ከተመስግን ነቒሓ ዘላ ልሳንኩምን ነፍስኹምን፡ኣነ ኢየ ፈጣሪኣ፡ከምቲ ኣብ ጥዑም መኣዛ ዘለዋ ሸቶ ዝዓተራ ኣጻብዕቲ፡ካብቲ ሸቶ መኣዛነት ናብቲ ኣእዳው ዝመሓላለፍሞ፡እታ ኣጻብዕቲ ጥዑም ሽታ ሒዛ እትኸዶ፡ከምቲ ካህን ማዕጠንት ክዓጥን፡ስጋይን ደመይን ክርፍትት ምስ ኣርፈደ፡ካብቲ ጥዑም ዝመኣዝኡ ማዕጠንት ጨና ዕጣን፡ጡዑም ጨና፡ካብቲ መሎኮታዊ ስጋን ድመን ድማ ዓቢ ክብሪ ስለዝዓስሎ፡ተጋይኹም ነተ ኣጻብዕቲ ምስተሳለምኩመን፡ካብቲ ኣጻብዕቲ ድማ ንስኽትኩም ዓቢ በረኸት እትሳተፉ፡ከምኡ ድማ ኣነ ምስጉን ክንሰይ ዘመስገነት ነፍሲ፡ቅዱስ ክንሰይ ዝቐደሰት ልሳን፡ብሩኽ ክንሰይ ዝባረኸት ኢድ፡ካብ ቅድስናይ ቅድስና፡ካብ ምስጋንነተይ ምስጋና፡ካብ በረኸተይ ድማ በረኸት ክህባ ኢየ።እሞ ስምካ ይቀደስ ንምባል ኣይተድሓርሕሩ።ናይ መን ስም ክቅደስ ስለትደልይዎ ኢኹም ስመይ ገዲፍኩም ኣብ መንጎ ጸሎት ትርስዑኒ።ንሓደ ፈታዊኹም ዓርክኹም እካ ከተዕልልዎ እንከለኹም ተጊህኩም ትቐርብዎ፡እሞ እነኸድኣ ካብቲ ዓርክኹምዶ ኣይበልጽን ኢየ፧
¶ መንግስትኻ ትምጻእ፡- ብዙሓት ትፈርሕዎምን፡ትንዕቅዎምን መንግስታት ይህልዉ ኢዮም።ኣነ ግን ዝፍራህ ንጉስ ጥራይ ዘይኮንኩስ፡እንተጸዊዖምኒ እሺ ኢለ ዝመጽእ ንጉስ ኢየ።እቶም ንስኻትኩም እትፈርህዎም ነገስታት፡ ንሳቶም ድኣ ይጽውዕኹም ንስኻትኩም ድማ ትኸድዎም እምበር፡ንሳቶም ኣይመጽኹምን፡ኣነ ግን ኣብ ዝጸዋዕኩምኒ ሰዓት 'ንጉስ እንድየ ባዕሎም ይምጹኒ' ኢለ ድሕር ምሕር ኣይብልን።ቃለይ ኢዩ፡ኣብ ኣፍ ደገ ኮይነ ማዕጾ ካሕ ካሕ የብል ኣሎኹ።' ክሳብ ትጽውዑኒውን ኣይጽበይን ኢየ።ኣባኹም ዘለኒ ፍቕሪ ኩሉ እንተዝነግረኩም ክትጸርዎ ኣይትልእሉን ኢኹም።ንስኻትኩም ግን ምጻእ ኢልኩም ጥራይ ጸውዑኒ፡ብዘይ ነግ ፈረግ ንዓኹም ንኽባርኽ ክመጽእ ኢየ።ወዮ ስለዝረሓቕኩምኒ እምበር ኣብ ልብኹምንውንኮ ኣሎኹ።ፍቓደኛታት ከይኮንኩም ግን ብሓይሊ ማዕጾ ልብኹም ሰይረ ኣይኣቱን።
ኣዝያ እተፍርሕ መዓልቲ ኣላ፡እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓስ ምኻና ኣይትፈልጥዋን ኢኹም።ኣነ ግን ይፈልጣ ኢየ።እዛ መዓልቲዚኣውን ንኽትመጽእ ለምኑ፡ምላልባሽ ከይተዳለኹም ከለኹም ከይመጽእ ድማ ወትሩ ትግሁ፡ትምጻእ እትብል ኣጸዋውዓ እቶም ተዳልዮም ዘለዉ ኢዮም ዝጽውዕዋሞ፡ኩሉ ግዜ ተዳሊኹም ጽንሑ።ሓደ ንዘፍቅሮ ጋሻ ክዕድም ዝደለየ ሰብዶኸ ከይተዳለወ፡ምድሪ ቤቱ ከይኮስተረ፡ንጋሻ ዝኾውን፡ነገር ከይቀረበ ይጽውዕ ኢዩ፧ እሞ ኣነ ክቡር ጋሻኹም ኢየ፡እታ መዓልቲ ድማ ሃንደበታዊት ጋሻ ኢያሞ ተዳሊኹም ጸውዑ።ምድሪ ቤት ልብኹም ብሓጥያት ረሲሑ፡ንዓይ ዝኾውን መዕረፍየይ ንጹህ ልቢ ከይተዳለወ እንተመጼአ ክኽዕበኩም ኢየ።ብዙሕ ቅጽዓትውን ክህልወኩም ኢዩ።ጋሻ እንተዘየኽቢርካዮ፡እቲ ዝግብኦ እንተዘይገይርካሉ፡" እዚ ኹሉ ዓዲምንስ፡ዋላ ሓደ ከይገበረለይ!" ጥራይ ኢሉዩ ዝኽዕብ።ኣነ ግን ዝኽዕብ ጥራይ ኣይኮንኩ፡እንተላይ ከከም ግብሩ ዝፈርድ ሓቀኛ ፈራዲ ኢየ።እቲ ጋሻ ክገብራ ዝኽእል ዓቕሚ ሰለዘየብሉ ክትንክፈኩም ኣይክእልን ኢዩ፡እታ ዓቕሙ ምሕማይ ጥራይ ኢያ፡ኣነ ግን ክሓምየኩም ዘይኮንኩስ፡ኩሉ ሓጥያትኩም ብግልጺ ከሪኤኩምን ክፈርደኩምን ኢየ።ዓስቢ ንዝግብኦ ድማ ኣገናዕ ክብሎ ኢየ።
ብዙሓት እትንዕቅዎም ነገስታት ድማ ኣሎዉ፡ኣነ ግን ጸዊዕኩምኒ ቀልጢፈ ዝመጽእ እካ እንተኾንኩ፡ዝነዓቕ ንጉስ ግን ኣይኮንኩን ዝኽበር ትሑት መምህር ትሕትና እምበር።ኣዳም መታን ከድሕኖ 100 ዓመት ብንስሓ ጸውዓኒ፡'ንዓ ኣድሕነኒ፡ተባሪረ ኣሎኹሞ ድለየኒ፡ናብ ምድሪ ተደርብየ ኣሎኹሞ፡ገንሸል በጊዕካ ንኽኮውን ኦ ጋሳየይ ኣምላኽ መጺኻ ሓንግረኒ' በለኒ፡፡ኣነ ድማ ንዙፋነይ ከም ምምንዛዕ ከይቆጸርኩ፡ነቲ ፍጹም ኣምላኻዊ ሓይለይ ከይለወጥኩ ፍጹም ዳግማዊ ኣዳም ኮንኩ።እዚ ክኾውን ምካነይ ድማ ትስፋ ሂበዮ ነይረ ኢየ።ነዛ ተስፋዚኣ ኣብ ሲኦል ኮይኑ ይጽበያ ነበረ።
ስለዚ ደቀየ መንግስትኻ ትምጻእ እትብል ጸሎት ናፍቕዋ።ልብኹም ክባረኽ ተደሊኹም ምጻእ በሉኒ፡እዘን ኣብ ግዜ ሓጥያት ረኺሰን ዝወዓላ የእዳውኩም ንኽባረኻ ምጻእ በሉኒ።2 ዓሳን 5 እንጀራን ዝባረኽኩ ነዛ ትጽውዓኒ ዘላ ነፍሲ ንኸይባርኻ ዝጽግመኒ ኣይኮነን።ደሓር ምጻእ እትበል ጸሎት ተዳሊኹምን ኣይተዳለኹምን እተዘኻኽር ዓባይ miss call ኢያ።" ኢሉ በታ ቅድስቲ ልሳኑ ይምህረና።
ስብሀት ወወዳሴ ለቅዱስ ስሙ፡ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...