fredag 22. desember 2017

ውሽጣዊ ቃንዛ ናይ ሓንቲ ስድራ ቤት ኣብ ኤውሮጳ፣

Bilderesultat for mother is crying
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን
መንፈሳዊ ሓጺር ልበወለድ።
ጽሓይ ደመናን ጣቓን ጽዒቕዋ እንክትመስል፣ብውሽጢ ውሽጢ ከምዝተሸጎጠት መርዓት መሲላ፣ ብርሃና ደጊሑ ብፍኒስትራይ ትረኣየኒ ኣላ።ድሮ ሰዓት ሸሞንተን ፈረቓን ስለዝኣኸለ፣ቴለፎነይ ሚስኮል በዚሕዎ ፣ጥውቕ እንክተብላ፣ኩላ ኣካላ ቀይሕ መይሕ ጥራይ ኢያ ተርእየካ።የዕሩኽተይ ኢዮም።ናይ ትምህርቲ ሰዓትና ስለዝኣኸለስ ብዘይምምጻአይ ኢዮም ተሻቒሎም።ብፍላይ ዓርኸይ፣ማራ ስለተፍቅረኒ፣ነዛ ቁሩብ ክፍለያ ኣይትደልን ኢያ።ብዙሕ ግዜ ዕዮ ገዛ ኣሎና ኢለ ንማማየይ እንዳኣማኸነኹ፣ምስ ኣፍቃሪተይ ዝወዓልክሉ ግዜ ብዙሕ ኢዩ።ኣፍቃሪተይ እትብል ዘረባ ንማማ ብጣዕሚ ኢያ እተሕምማ።ኣነ ዝገርመኒ ናይ ማማየይ ነገር፣እዚ ኩሉ ኣብ ትምህርቲ ዓለም ዘሕለፈቶ ዓመታት፣ብዘይ ዓርኪ ብድንግልና ከምዝነበረት ክትነግረኒ እንከላ ድንጹው ኢዩ ዝብለኒ።ነዚ ንምርግጋጽ ንባባኻ ሕተቶ ትብለኒ።ሓደ ግዜ ንባባ ብጎቦ ጎቦ ገይረ ሓቲተዮ ነይረ።ማለት ማማ ብድንግልና ከምዝነበረት ነጊሩኒ።እዚ ክብሎ እንከለኹ፣ብዛዕባ ዓርኪ ምሓዝ ስለዝሓተትክዎ፣ንሱ ዓርኪ ከምዘይነበረቶ፣ንማማ ብዘይ ዓርኪ ብድንግልና ከምዝነበረት፣ ርግጸኛ ኮይኑ ስለዝነገረኒ ብጣዕሚ ኢዩ ገሪሙኒ።
ሓደ ሓደ ግዜ ኣብቲ ቤተክርስትያን፣እቲ ዝምህረና ድያቆን፣ክሰምዖ እንከለኹ እካ ከምዚ ላግጺ ኮይኑ እንተተሰምዓኒ፣ኣብ ገዛ ማማየይ ክትደግመለይ እንከላ፣ማለት፣ዝሙት ቅድሚ መርዓ ዝግበር ምስ ኣንጻር ጾታ ርክብ፣ብሕጊ ፈጣሪ ኣዝዩ ኣነዋሪ ምኻኑ ትነግረኒሞ፣ኣዝየ ኢየ ዝፈርሕ።ዋላ ኣብዚ ናይ ኖርወይ ሕጊ፣ዘይሕጋዊ ዝኾነ ርክብ ምስ ኣንጻር ጾታ ይምሁሩና በንጻሩ ድማ ኣፍቃሪት ( ሻረስተ) ምሓዝ ጸገም ከምዘየብሉ ክዛረቡ ክሰምዖም እንከለኹ፣ዘረበኦም ይዳባለቐኒ።በዚ መሰረት ኣብ ክልተ ተቐርቂረ ይነብር።ብፍላይ ምስ ኣፍቃሪተይ ክራኸብ እንከለኹ፣ናይ ማማየይ ዘረባ ስለዝዝክር፣ወትሩ ስግኣተይ ብደገ ንኣፍቃሪተይ ስለዝንበበላ፣ኣፍቃሪተይ ከምድላየይ ክኸውን ከምዘለኒ፣እዚ ናይ ቀደም ባህሊ፣ሳክት ዘይጠቅም ምኻኑ፣ኖርወይ ከምዚ ዓይነት ቅድሚ 60 ዓመታት ከምዝነበረ ሕጂ ግን ከምዝኣረገ ትነግረኒሞ፣ኣብ ክልተ ይቕርቀር።ኣፍቃሪተይ ኖርወጅያዊት ኢያ።ንማማየይ ኣይነገርክዋን፣ስለምንታይከ ክነግራ፣ማማየይሲ፣ኣሽንካይ ዶ ኖርወጅያዊት ዓርኪ ሒዘ ክብላ፣ዋላ ናትና እምነት ዘለዋ ጛል ዓርኪ ኣላትኒ ተዝብላ ፍጹም ከምዘይትቕበሎ ይፈልጥ ኢየ።ምኽንያቱ ኣብ ሃይማኖት ዘለዋ ንጻሬ ኣዝዩ ልዑል ኢዩ።ምላልባሽ ድሕረት ስለዝዓብለላ ኢዩ፣ከይብል፣ብትምህርቲ ዓለም ኣዝያ ዝበሰለት፣ኣነ ኣብቲ ንሳ ዝበጽሐቶ ደረጃ ትምህርቲ ንምብጻሕ ገና ብሕጂ 20 ዓመታት ከምዘድልየኒ ኣዳዕዲዐ ይፈልጥ ኢየ።ስለዚ ኩሉ ንሳ ትብለኒ፣ኣነ ኮፍ ኢለ ክመሃር እምበር፣ብዝኾነ ዓይነት መለክዒ ኣይቅድማን ኢየ።ሃይማኖት ክትምህረኒ እንከላ ብጣዕሚ ኢያ ትምስጠኒ።ብኹሉንትንኣ ንባባይ ትበልጾ ኢያ።ባባ ብዜይካ ንሓሳባቱ ምርዳእ እንተኣቢኻዮ ሓይሊ ወሲኽካ ምፍርራህ ካልእ ፍጹም ኣይመሃረንን።ብዙሕ ታሪኽ ዝፈልጥ ኢዩ ዝመስል።ኮፍ ኣቢሉ ብዛዕባ መንነቱን ዓዱን ግን ክምህረኒ ኣይከኣለን።ይንዕቀኒ ድዩ ዋላስ ቆልዓ መሲለዮ ኣይፈልጥን ኢየ።ብውሕዱ ግን እታ ዝፈልጣ ናይ ኣባታዊት ፍልጠቱን ጸግኡን ከካፍለኒ ከምዘለዎ ናይ ወትሩ ቅሬታይ ኢዩ።
<< ሓንቲ ግዜኸ ዘይኣኽሎም፣ኣንታ ሎምስ ክላስና ብምልኦም ኢዮም ደዊሎም መስለኒ።>>ኣፍቃሪተይ ዝጸሓፈቶ ጽሑፍ ከኣምበር እነሀለ።(( ፍቕረይ፣ብዘይብኣኻ ትምህርቲ ክላስ ኣይደልን ኢየ።))ግደፍናስከ ንስኺ፣ኣነ ናይ ማማይ ልቕሶ ኣጨኒቕኒ ኣሎ።ማማየይ መብከይኣ ከይፈለጥኩ ሎም መዓልቲ ካብ ገዛይ ናብ ዋላ ሓደ ኣይከይድን ኢየ።ማማየይ፣እንታይ ኮይና ትበኪ ኣላ፣መን ሃሪምዋ፣ናፊቓዶ ትኾውን፣ምኻን ናፍቖትሲ ግድን ኢያ ክትናፍቕ።ድሮ ኣብ ስደት ዓሰርተ ክልተ ዓመት ዛዚማ ኣላ።ኣነ ኣብ ማህጸና ተጠኒሰ እንከለኹ ኢየ ሒዛትኒ ንስደት ብሳህራ ገይራ ናብዚ ኖርወይ ኣምጺኣትኒ።ልደተይን፣ናይ ኖርወጅያን ፍቓድ መንበርን ብሓደ ግዜ ከምዝተዋህበት ነጊራትኒ ነይራ።ኣነ ሕጂ ድሮ ወዲ 11 ዓመት ኮይነ ኣሎኹ።ምኻን ናፍቖት ተዝኾውን ነይሩስ፣ምነገረትኒ።ባባዶ ሃሪምዋ ይኸውን!<< ማማ፣ንገርኒባ፣እንታይ ኢኺ ኮይንኪ፧>> እንታይ ኢየ ዝገብሮ ደቀይ!ኮ ኮ! ሃርምዋ ክኸውን ኣሎዎ።ባባ፣ንዝኾነ ነገራት ብሓይሉ ጥራይ ኢዩ ዝደልዮም።ኣብዚ መቸም ኣብዚ ዓዲ ከምኡ ኣየዋጽኦን ምኻኑ ስለዘይፈለጠ ኢዩምበር ተዝፈልጥሲ ከምኡ ኣይምገበረን።
ንዓይ ብዙሕ ግዜ ክሃርመኒ ወስ ዝበለሉ ግዜ ኣሎ።እንታይሞ፣ኣነ ንፖሊስ ጸዊዕካ ኩሉ ገበናቱ ከምዝርድኦ ምግባር ጠፊእኒ ኣይኮነን።ግን ማማየይ፣ንባባ ከጋልጾ ከምዘየብለይ፣ዋላ ክሃርመኒ እንተሓሲቡ፣ክርሕቐሉ እምበር፣ክዳፈሮ ከምዘየብለይ ወትሩ ትነግረኒ ኢያ።ሓደ ግዜ መግቢ እንዳበላዕኩ እንከለኹ፣ገለ ኣምጻለይ ኢሉ ለእኸኒሞ፣ኣነኸኣ ደኺመን ብካልእ ኣብ ደገ ምስ የዕሩኸት ሓሪቐን ስለዝነበርኩ፣ዕሚም ኢለ።ክርደኣለይ ነይርዎ ባባ።ኣልዕል ኣቢሉ፣ብዝሓዛ ወስ ስለዝብል ግን ኣብ ጥቕኡ ስነበረት ፋርኬታ ገይሩ ገሰመኒ።ዝገርመኒ፣እታ ፋርኬታ ብማዓኮራ ስለዝሃረመትኒ እምበር፣በቲ በሊሕ ጫፋ ሃሪማትኒ ተትኾውን፣ኣብ ከብደይ ምተሸኽለት።ኣነውን ረቂቕ ካምቻ ጥራይ ገይረ ስለዝነበርኩ ኣብ ሓደጋ ምወደቕኩ ነይረ።መምህረይ ድማ ግድን ሓቃ ከውጽኣ ምሓተተትኒ ነይራ።ሽዑኡስ ዋላ ንመምህረይ ተዝሕስወላ፣ገለ ጥርጣረ ምገበረት።ከመይ ኢለኸ ምሓሰኹ!ማማየይ፣ክሕሱ ከምዘየብለይ ኢያ ትምህረኒ።ኣብ ኖርወይ ድማ ምሕሳው እቲ ቀዳማይ ገበን ኢዩ።ሓድሽ ስለዝኾነ ኢዩምበር፣ሕጊ ነርወይ ተዝፈልጦስ፣ብጣዕሚ ህጻናት ኣብዚ ዓዲ ዘለና ክብረት ምተረደአ ነይሩ።
ሕጂ ናብዚ ዓዲ ካብዝመጽእ ካልኣይ ዓመቱ ኢዩ።ማማ ስራሕ ሰሪሓ ገዛ ስለዝገዘአት ኢያ፣ባዕላ ኣምጺኣቶ።ምኻን ክብሪ ህጻን እካ ይርድኦ ይኸውን ኢዩ፣እታ ኣባይ ዘላቶ ፍቕሪ ንምግላጻ ኢያ ሸጊራቶምበር።ኖ ኖ ኣይሸገረቶን፣ንሱ በቲ ዝዓበየሉ ዓይነት ኣገላልጻ ገይሩ ፍቕሩ ክገልጸለይ ስለዝፍትን ኢዩ።ስለምንታይ እሞ ሕርቕ ሕርቕ ይብል! ሕርቃንሲ ምልክት ስዕረት ኢዩ፣ኢሉ ድያቆን ዝመሃረና ወትሩ ትዝከረኒ ቃል ኢያ።እወ ክሓርቕ ኣይነበሮን ባና።ተሓረቐ ድማ ንሕርቃኑ ዘዘሓሕሉ ቃላት ክመርጽ ነይርዎምበር፣ኢዱ ወስ ክብል፣እረ ወስ ምባል ውን ኣይተጸለአን፣ኣብ ምንታየይ ይሃርመኒ ከስተውዕል ነይርዎ።ብፍላይ ንማማ ክሃርማ እንከሎ ሓደ ግዜ ርእየዮ፣ብጣዕሚ ኢየ ሰንቢደ።ሰብዶ ኣይኮነትን! ኣብ ሃይማኖትናኸ ንሰበይቲ ህረማ ዝብል ኣሎ ድዩ! ብፍጹም።ኣነስ ድሓን ንእሽቶ ስለዝኾንኩ ከማዛዝን ዓቕሚ ስለዘየብለይ፣እንተፋራራሓን እንተገንሓንን ኣእምሮይ ክሳብ ዘይበሰለ ኢዩ።ማማየይ ግን ብኣታሓሳስባ ይኹን ብሃይማኖታዊ ብስለት ብኩሉንትነኣ ትበልጾ ኢያ።ክሃርማ ዘይኮነስ ክረዳድኣ ነይርዎ።ሽዑኡ መዓልቲ ምስ ሃረማ ብጣዕሚ ኢዩ ተሰሚዕኒ።ማማየይ ነዚ ቃንዛ ተጻዊራ፣ኣነ ካብቲ ነገር ከርሕ ከምዘለኒ በተን ናይ ወትሩ ገናሕቲ ዝኾና የዒንታ ገይራ ጠቒሳትለይ።ውሽጠይ ብሕንቕንቕ እንዳተበለዐ፣ማማየይ ድማ እንዳልቀሰት ገዲፈያ ከይደ ነይረ።
ስለዚ ሕጂውን ባባዶ ሃሪምዋ ይኸውን፣ክድውለሉ ዶ!ምኻን እቲ ፕራክሲስ ዝገብረሉ ዘሎ ቦታ ስራሕ እንተጀሚሮም፣ክቕበለኒ ኣይክእልን ኢዩ።ስራሕ ገለ ተረኸብኩ ኢሉ ፕራክሲስ ስለዝኸይድ፣ተሌፎን ምስ ዝቕበል ኣብቲ ስራሕ ብሕማቕ ዓይኒ ክረአ ኣይደልን ኢዩ።ኣብ ቃንቃውን ኖሽክ ብዙሕ ኣይኮነን፣ገና ተልሜደን ኢዩ።

ለይቲ ከባቢ ሰዓት 4 ኣቢሉ ይኸውን፣ ኣብታ ናይ በይነይ ክላስ ደቂሰ እንከለኹ፣ብዙሕ ክትዕን፣ክርክርን ዝሰምዕ ዝነበርኩ ይመስለኒ ነይሩ።ምላልባሽ ሕልሚ መሲልኒምበር፣ለካ ባባን ማማንዶ ይኾኑ ይከራኸሩ ነይሮም።ኣነ ዝፈልጠሎም ወትሩ ዝከራኸርሉ ነገር ኣሎዎም።ባባ ቅዱስ ቁርባን እትብል ቃል ክሰምዕ እንከሎ፣ ርእሱ ኢዩ ዝሓምም።እታ ቤተክርስትያን ምኻድውን፣ዘይትኸውን ኮይናቶ ማለት፣ኣነ ምዕራባውነት ከይዕብልለኒ ንዓይ ክብል ኢዩምበር፣ስለነብሱስ ፍጹም ኣይሓስብን ኢዩ።ኣነ ትገርመኒ ነገር ኣላ።ስለምንታይ ኢዮም ንዓይ ቁረብ እንዳበሉ፣ማማን ባባን ግን ዘይቆርቡ!ነዛ ሕቶ ሓንቲ ግዜ ንባባ ሓቲተዮ ነይረ።ነዛ ክበልዓኒ ንእሽቶ ተሪፋቶ።ባባ እዚ መንፈሳውነት፣ናይ ፈራሓትን ድኹማት ጉዕዞ ኢዩ ዝብሎ።ብዙሕ ግዜ ንባባ ተዓዚበዮ ኢየ።ንሱ ዝሰምዖ ድምጽታት ናይ ፖሎቲካዊ ነገራት ኢዩ።ፓልቶክ ከፊቱ ናይ ዝተፈላለዩ ፖሎቲካውያን ማስሜድያታት ክሰምዕ ርእየዮ ኣሎኹ።ባባ ቅድሚ ምምጽኡ፣ኣብ ገዛና ወትሩ እትውላዕ ዝነበረት፣ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ፓልቶክ ኢያ።ንዓይ ናይ ዝማሬ ኣፈይ ዘጽረየትለይውን ንሳ ኢያ።ማማ ኣብቲ ፓልቶክ ከም ኣድሚን ኮይና ክሳብዛ ባባ ዝመጽእ ሰሪሓ ኢያ።ሕጂ ግን ኣብ ገዛና ፖልቶክ ናይ ቤተክርስትያን ንኸይውላዕ ባባ ስለዝተጻብኣ ማማየይ ተሓቢኣ ኢያ ትሰምዕ።ባባን ማማየይን ንከይቆርቡ ድማ እቲ ጠንቂ ባባ ስለዝኣበያ ምኻኑ ካብ ክርክራቶም ተገንዚበ ኣሎኹ።
ምስ ማማየይ ዘሎ ዓቕሊ ብጣዕሚ ኢዩ ዝገርመኒ።እዚ ኩሉ ዝኣክል ትምህርቲ ስጋውን መንፈሳውንሲ፣ባባ ከጛጥጠላን ከፈራርሓን እንከሎ፣<< ድሓን ጽባሕ ንግሆ ዝምለሰሉን ዝጠዓሰሉን ግዜ ኣሎ>> ኢላ ኢያ ብዓቕሊ ትጽበዮ።ንዓይ ንኸየቃልዖ ወትሩ እትኽልክለኒ ድማ ክሳብ ዝርድኦን፣ናይዚ ዓዲ ሲስተም ክሳብ ዝፈልጦን ብዓቕሊ ንጸበዮ በሃሊት ኢያ።ንዓይ ወትሩ ብዓይና ኢያ ትወቕሰኒ።ስለዚ ክሃርመኒ ወስ ኣብዝበለሉ፣ወይ ምስ ማማ ዝኾነ ዓይነት ዘይምርድዳእ እንተተኸቱ ሃዲመ ክኸይድ ከምዘለኒ ወትሩ ትነግረኒ።
እዋእ እንታይ ደኣለይ ዝገብሮ።እቲ ናይ ሳህራን ባሕርንዶ ደኣ ተዘኪርዋ ይኸውን።ኣብ መገዲ ከቢድ ሽግር ከምዘጋጠማ ስለዘዕለለትኒ ኣዝዩ ኣሰምባዲ ነገር ኢዩ፣፣ብኽብደት ኣሰምባድነቱ ድማ ኣነ ወትሩ ይብህርር ኢየ።ከምዚ ዓይነት ግፍዕታትን ሽግርን ብፊልም ብፍላይ ኣነ ኣብዚ ካርቱን ጥራይ ኢየ ኣብዚ ኤውሮጳ ዝከታተል።ብጣዕሚ ክትሰምዖ ዘሰቅቕ ሽግራት ከምዘጋጠማ ትነግረኒሞ፣ኣብ ጉዕዞ ሂዎተይ ክንድምንታይ ጥንቃቐ ክገብር ከምዘለኒ ወትሩ ንነብሰይ መብጽዓታት ይገብረላ።እዚ ናይ ምዕራባውያን ኣካይዳ፣ገለ ገሊኡ ጥቕሚ ዘለዎ እካ እንተሃለወ፣ንመንነተይን ሃይማኖተይን ዝብርዝ ነገራት ግን ወትሩ ክቃወሞን ክቃለሶን ከምዝግባኣኒ ወትሩ ንነብሰይ ከእምና ይፍትን ኢየ።ምስዛ ዓርከይ ዘለና ርክብ፡ ንሳ ኢያ ትፈትወኒ እምበር ኣነ ምስቲ ወትሩ ኣብ ቤተክርስትያንን ኣብ ገዛናን ዝቐስሞ መንፈሳዊ ትምህርታት፣ምሉእ ልበይ ንክህባ ኣይድርኸንን ኢዩ።ለካ ንማማየይ እዚ ናይ መንገዲ ሽግራት ተዘኪርዋ ክኸውን ኣሎዎ።ንሱሞ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ፣ፐርከስ ምነገረትኒ።ከመይ ኢላሞ ስራሕ ከይከደትከ፣<<ኣንቲ ማማየይ ንገርኒባ፣>> ኦይ ናብ ፖሊስ ክድውል ኣሎኒ።ኖ ኖ፣ፖሊስሞ ፈጺምካ ዘይሕሰብ ኢዩ።ምኽንያቱ ናይ ገዛና ሽግር ፖሊስ ክፈልጡላ ኣይትደልን ኢያ።በቃ ንሕክምና ክድውል ኢየ።ኦምቡላንስ።ኤእ፣ንሳቶምከ ንፖሊስ ይሕብሩዶ ይኾኑ።መምህር ስለምንታይ ትምህርቲ ዘይመጻኻ እንተኢሉኒ፣በረድ ኮይንኒ ስኖው በዚሑ ክብሎ ኢየ።ኦይይይ ከመይ ኢለ ክሕሱ።በቃሞ ንመምህረይዶ ክድውለሉ።ገደደ፣ንሱ ከኣሞ ናይ ማማይ ምብካይ እንተርእዩ ግድን ንፖሊስ ክነግር ኢዩ።ድሕሪኡ እቲ ነገር ንገዛና ሓደጋ ክወርዶ ኢዩ።ክፋትሑ!ፍጹም።በቃ ሎምዓልቲ ትምህርቲ ምኻድ የለን ማለት ኢዩ።
ወስብሀት ለእግዚኣብሔር።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...