tirsdag 4. juni 2019

ኩሉ ፍቑድ፡ ምርጫ ግን ናትና!



በስመ ስላሴ!
ኩሉ ፍቑድ፡ ምርጫ ግን ናትና!
√ ድላይካ ምረጽ ተባሂልና እምበር፡ "ዘዝመረጽክሞ ከጽድቐኩም'ዩ" ኣይተባሃልናን።
√ "ኢድካ ኣብ ዝመእምኣካ የእትዎ" ኢሉና'ምበር፡ "ክልቲኡ ሓጢኣይኮነን" ኣይበለናን።
√ ሰብ ከም ቃሕ ዝበሎ፡ ብፍቓዱ ክነብር ዘየመልክዓሉ ክንሱ ፈጣሪ ግን ናጻ ፍቓድ ሂብዎ ይርከብ።
√ ሰብ ስለዲሞክራሲ ስለመሰል ሰብ ብዙሕ ግዜ ክዛረብ ይስማዕ'ዩ፡ ግን ኮራብሽን ዘይገብር ሰብ ከኣ ፈጺምካ የለን። ብፍጽምቲ ሓቀኛ ዲሞክራስያዊ ኣገዛዝእ ዝገዝእ ግን እግዚኣብሔር ጥራይ'ዩ።
ሓጺር መረዳእታ ብዛዕባ ናጻ ፍቓድ ሰብ፡
√ ሰብ ክውለድ እንከሎ፡ ንዑኡ ንሰብ ንምስራሕ ተባሂሉ ዝተኸናወነ ነገራት ኩሉ ብምርጭኡ፡ "ከምዚ ይሕሸኒ፡" ኢሉ መሪጹ ዘምጽኦም ኣይኮኑን። ከይፈለጠን ብዘይፍታዉን ደኣ ናብዛ ዓለም መጸ፡፡ እቲ ዝሰርሖ ፈጣሪ ድማ በንጻሩ፡ባዕሉ ንሰብ ሰሪሕዎ ከብቅዕ፡ ከም ባዕሉ ዝተሰርሐ ንብረት፡ ከም ደስ ዝበሎ ክነብር ፍቓድ ሂብዎ። ከም ሓደ ዝተሰርሐ ኣቕሓስ፡ ምሉእ ፍቓድ ናይ ህላዌኡ ካብ ዋንኡ ክቕበል እንከሎ ማለት'ዩ። መቸም ሓንቲ ዝሰራሕካያ ንብረት ኣብ ድላያ ክትቕመጥ ስልጣን ኣይትህባን ኢኻ። ኣይኮነን ንንብረትሲ፡ ንእንሲሳ እካ "ድላያ ትግበር" ኣይትብላን። እግዚኣብሔር ግን ባዕሉ ዝሰርሖም ንብረቱ ክንስና ከም ማዕሪኡ ኣብ ሕይወትናን ሞትናን ናጻ ፍቓድን ሓላፍነትን ሂቢና ይርከብ።
√ ኣዳም ዝተፈጥረ፡ ንምፍጣሩ ባዕሉ ብዘቕረቦ ጥርዓን ኣይኮነን፡ ወይ ኣማኻሪ ኮይኑ ንፈጣሪኡ ብዛዕባ ተፈጥርኡን ኣፈጣጥርኡን ዝገበሮ ኣበርክቶ ዋላ ቅንጣብ ትኹን ሓገዝ የለን። ፈጣሪ ግን ነቲ ባዕሉ ብፍቓዱ ዝፈጠሮ ኣዳም፡ ምሉእ ፍቓድ ሂቡ፡ "ካብዚኣ ከይትበልዕ፡ ተበልዒኻ ግን ክትመዉት ኢኻ" ብምባል ናይ ምብላዕን ዘይምብላዕን ክልቲኣዊ ደሞዘን ብምኽሪ መልክዕ ገይሩ ሓበሮ።
√ ስለዚ ንሕና ፍቓዱ ንምምላእ እንተነበርና ይሕጎሰልና፡ ዓስቢ ድማ ንቕበል፡፡ ፍቓዱ ብፍቓድና ንምጥምዛዝን፡ ንዑኡ ንዘይምእዛዝንን እንተተቓለስና ግን ናጽነት እካ እንተሃለወና፡ እግዚኣብሔር ክሳብ ዘይተሓጎሰሉ ደሞዝ ናይ ዘይምእዛዝና ከምንቕበል ርጉጽ'ዩ።
√ ሓሰማ ተሓሲምናያ ዘይኮንናስ ፈጣሪ'ዩ ንኸይንበልዓ ኣዚዙና። ስለምንታይ ከምኡ ኢሉ ኣዘዘ፡ ንዑኡ ይምልከት! ልዕሊ እቲ ንሕና ኣብ ሰብነትና እንገብሮ ሓልዮት፡ ልዕሊ ዕጽፍታትና ንሱ ከምዝሓልየልና ግን ንኣምን።
√ ስጋ በቕሊ ፈንፊናዮ ዘይኮንናስ ንፈጣሪ ከነሐጉሶ ስለዝደለና ኢና።
√ ስጋ ኣንጭዋ ስግድ-ግድ ስለዝብለና ዘይኮነስ ፈጣሪና' ዩ "ኣይትደልይዎን ኣይጠቕመኩምን ኢዩ፡" ኢሉና።
√ "እነገሊኦም በሊዖሞ፡" ኢልና ኣይንበልዕን፡ እነገሊኦም ጸሊኦሞ ኢልና'ውን ኣይንጸልእን። ንፈጣሪ ከነሐጉስ ግን ኩሉ ዘዝበለና ንምግባሩ ንጽዕት ኣለና። ሰብ ገይርዎ ኢልና ዘይኮንናስ፡ እግዚኣብሔር ገይርዎ ኢልና ኣሰሩ ክንክተል ንጽዕር።
√ "ገሊኦም ስጋ ገበል በሊዖም" ኢልና ኣይንረግሞምን፡ ንሕና ስለዝተሓረምናዮ ድማ መንግስተ ሰማያት ዝወረስና መሲልና ብትዕቢት ኣይንውጥረናን። ዓስቢ ከምዘሎ ግን ኣይንስሕቶን።
√ ቤተክርስትያን ዝበለትና ኩሉ ከነተግብር ንጽዕት፡ ንሳ እትጸልኦ ዘበለ ድማ ንጸልእ። ንሳ እንተኸልኪላ፡ ንሕና ንኽልከል፡ ንሳ እንተፈቒዳ ድማ ፍቓዳ ንመልእ።
√ እግዚኣብሔር ንቤተክርስትያን ኩሉ ዘድሊ ምግባረ ጽድቂ ምሂሩዋ'ዩ፡ ንሳ'ውን ከከም ዓቕምና በብዝከኣላ መዳይ፡ ካብ ፍልጠታ ትዕድለና ኣላ። እሞ ዘይለበመ እንተሎ ናብ ቤተክርስትያን ይምጻእ እምበር፡ ዝለበመ መሲልዎ ንቤተክርስትያን ከለብማ ኢሉ ኣይምጻእ።
√ ማለት ማንም ሰብ ሓሳቡ ክሳኻዓሉ ኢሉ ንሓሳብ ቤተክርስትያን ክለዋውትጥ ከይሕልን። ስጋ ሓሰማ "ይጠቕመኒ'ዩ" ኢሉ ክበልዕ ዝደለየ ሰብ ይብላዕ፡ ንቤተክርስትያን ግን "ብልዑ ኢልኪ ፍቐድልና" ብምባል ክሓባብላ ኣይፈትን።
√ ንዓና ዘድልየና ኩሉ ልዕሌና ንሱ ፈጣሪና ይፈልጠልና'ዩ፡ ቤተክርስትያን ድማ እዚ ሓበሬታ'ዚ ብምሉኡ ካብ ኦሪት ክሳብ ሓዲሳት፡ እንኮላይ ብተውፊታት ኣብ ሕጋ ስፉር ኢዩ።
√ ንቤተክርስትያን "ስጋ ሓሰማ፡ ስጋ ኣንጭዋ ክንበልዕ ፍቐድልና!" ዝብል ምሕጽንታስ፡ ከመይ ዝበለ ድፍረት'ዩ። ስጋወደሙ ናይ ክርስቶስ ዝቐመሰ ከርሲኸ ወደይ፡ ስጋ ሓሰማ ስጋ ገበል ከተእትወሉ፡ ከመይ እቲ ከርሲ ክሰማምዖ ይኽእል፧
√ ልክዕ'ዩ፡ እግዚኣብሔር "ንኹሉ ቀዲስዎ ኢዩ" ተባሂሉ ተጻሒፍልና ኣሎ። ነገር ግን ክርስቶስ ንሓሰማ ከንጽሕ ኢሉ ከምዘይመጸ ንፈልጥ ኢና። ንገበል፡ ንተመን ንኣራዊት ከንጽሖምን ክሓጽቦምን ኢሉ ኣይኮነን ደሙ ኣፍሲሱ። ንሳቶም ሲኦል ኣይሰማምዕም፡ መንግስተሰማይ ኣይምልከቶም። እግዚኣብሔር ክፈጥሮም እንከሎ ከምዘይተጋገየን፡ ክፈጥር እንከሎ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ስርሑ ሕጉስ ከምዝነበረን ግን ንኣምን። ቀንዲ ዕላማ ናብዛ ዓለም መምጺእኡ፡ ንሰብ ንምድሓን እምበር ንእንሲሳ ተስፋ መንግስተ ሰማያት ንምእታው ኣይኮነን።ብሕጂ እንጽበዮ ተስፋ ምጽኣቱ'ዉን፡ ንሰብ ንምፍራድ እምበር፡ ዓስቢ ዝወስዱን ዓስቢ ዝንፈጉን እንሲሳታት ክፈላሊ ኢሉ ኣይኮነን ክመጽእ።
√ ኣንታ ክቡር ሓወይ! ሐራይ፡ ሓሰማስ " ሕጂ ነጺሓ'ያሞ ንብልዓያ" በልካ፡ ላምከ ጻድቕ ነይራ ማለት ድዩ፧ዶስ ርኽስቲ እንከላ ኢያ ትብላዕ ነይራ፧
√ ኩሉስ ነጺሑ በልኩምና፡ ጤለ-በጊዕ ግን ሓጢኣት ኣይሓለፎምን ጸኒሑ ማለት ድዩ፧
√ ዶስ ዝሓጥኡን ዘይሓጥኡ ስለዝነበሩ ኢዮም፧
√ ኦይ ኣንቱም ሰባት፡ እግዚኣብሔር ንሰብ ንምድሓን ሰብ ኮነ እምበር፡ ንእንሲሳ ንምንጻሕ ደሙ ኣየፍሰሰን። ምላልባሽ ቅዱስ ስጋኡን፡ ክቡር ደሙን፡ ንኩሉ ክባርኽ እጃም ዘይነበሮ ኣይኮነን። ከምቲ ክፈጥር እንከሎ ቅልጽሙ ኣብ ኩሉ ፍጥረቱ ዋንነት ዘለዋ፡ ደሙ ክፈሲስ እንከሎ'ውን፡ እቲ ናትና ካባና ዝተወስደ ስጋ፡ ኣብ ኩሉ ፍጥረት፡ ፈጣርያዊ ዋንነት ብተዋህዶ ስልጣን ረኸበ። ስለዚ እቲ ዝፈስስ ዝነበረ ደም ናይ ፈጣሪ ደም'ዩ፡ እቲ ዝተቖርሰ ስጋ ድማ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ፍጥረት ስልጣን ዘለዎ ኢዩ። ዋና ነገሩ ግን ንሰብ መንግስተ ሰማያት ንከአቱ እምበር፡ ነቶም ተስፋ መንግስቱ ዘይምልከቶም ፍጥረቱ ኢሉ ኣይኮነን ፈጣሪ ዝደመየ።
√ እንሲሳኸ መንግስሰማይ'ዶ ይወርስ'ዩ፧
√ ኣይፋልን፡ ንሳቶምሲ ይሓልፉ እምበር ኣይወርሱን'ባ።
√ እሞ "ኩሉ ብክርስቶስ ነጺሑ'ዩ" ዝብል ምኽኒት ከም ኣምጻኹምልና ደኣ፡ ልዕሊ ማንም ሰብ ብደም ክርስቶስ ነጺሑ ኢዩ'ሞ፡ ስጋ ሰብ ውን ብልዑ በሉና፡ ሓደ ኣፉ ሓቢርና ስጋ ሓድሕድና ክንበልዕ ማለት'ዩ።
√ እረ "ልዕሊ ኹሉ ዝነጸሐ" ተባሂሉ ዝንገር ክነግረኩም፡ ሓደ ብንስሓ ተሓጺቡ፡ብቅዱስ ቁርባን ዝተሓትመ ሰብ'ዩ። እሞ ነዚኸ ብስጋ ዓሪፉ ምስ ጸንሓና፡ "ክርስቶስ ኣንጺሕዎ ኢዩ" ኢልናዶ ንብልዓዮ፧
√ እዝጊ ኦ፡ ለቱ ስብሐት! ንስኻትኩም ደለኹም ግበሩ እምበር ንሕናስ ኣይንውዕሎን። ተተኸኣለና ድማ ክኒኡ ሓሊፍና ካብ ምሕማይን ንሰብ ካብ ምቁንጻብን ክንቆጠብ ንቃለስ እምበር፡ "ነጺሑ'ዩ" ኢልናስ ስጋ ሰብ ኣይንበልዕን።
√ ስጋ ሓሰማ ዝለመደ ከስዐ ግን ስጋ ሰብ ንኸይበልዕ ምኽንያት ኣይረክብን።
√ እምበኣረከስ ኣይፋሉን! ኩሉ እካ ብደም ክርስቶስ እንተተሓጽበ፡ ንሰብ ዝጠቕሞን ዘይጠቕሞን ነገራት ግን ኣሎ።
√ ንሕና "ቤተክርስትያን ነዞም ዝብልዑን ዘይብልዑን፡" ኢላ ዝፈለየቶም ብልዕታት፡ "ስለምንታይ'ዩ፡ እንታይ'ዩ መልእኽቶም!" ንምፍላጥ ተኾይኑ፡ ብትሕትና ደኣ ክንሓታ የምሕረልና እምበር፡  ካብ ቤተክርስትያን ዝተወለድካ ሰብ ክንስኻ፡ ልዕሊ ቤተክርስትያን ዝኾንካ መሲልካ ንሕጋ ክትቅይር ምህቃን ድፍረት'ዩ። 
√ ምላልባሽ ቤተክርስትያን ግን ነዞም ናይ ስጋ ብልዕታት ርኽሰት ሒዞም ስለዝተፈጥሩ ወይ ድማ፡ እግዚኣብሔር ክፈጥሮም እንከሎ ተጋግዩ ስለዝፈጠሮም ኣይኮነትን ዝኸልከለትና። ንዓና ስለዘየድልዩና ኢዮም። እግዚኣብሔር "እዚኣቶም ንዓኻትኩም ርኹሳት ይኹኑኹም፡ ኣየድሊኹምን ኢዮም።" ኢሉና ኣሎ። ንዑኡ ንሰራሒኦም ግን ተጋግዩ ዝፈጠሮም ክሳብ ዘይኮኑ፡ ዘጣዕስዎ ኣይኮኑን "ኣይፋሉን የድልዩና ኢዮም" ኢልካ ብህልኽ ምትንሳእ ግን፡ ንእግዚኣብሔር ክትእርሞን ከተማኽሮን ኢድካ ምውጥዋጥ ኢዩ።
√ ኦ ህዝበ ክርስትያን ተኾነ፡ ስጋዊ ብልዒ ኣብ መንግስተ ሰማይ ስለዘየብጽሕ፡ ህይወትና ብትሕርምቲ ተሕለፍናዮ ይምረጽ። ፐርከስ እዚ እንሃርፎን ልዕሊ መጠን እንብህጎን ብልዒ፡ ገና መንግስተ ሰማይ ከየብጸሐ፡ እረ ድሕሪ ዝተወሰነ ሰዓታት ቀልቀል ኮይኑ ብምኻድ፡ ኮንትነት ስጋዊ መግቢ ባዕሉ ኣፍ ኣውጺኡ ገና ካብ ቁልዕነትና ኣትሒዙ እንዳመስከረልና ኢዩ። እዚ ድማ ስለቲ ሰማያዊ ብልዒ፡ ማለት ቃሉ፡ ምስጋናኡ፡ ጾም-ጾሎት፡ ምምጽዋት፡ ዕሽር ምሃብ፡ ዓቕምና ዝኾነ ትሕርምቲ ምዝውታር፡ ንስሓ ቁርባን ዓቕምና ሱባኤ፡ እዚእታት እንዳገበርና ንክርስቶስ ኣብ ልብና ከነንግሶ፡ ስለመንግስተሰማይ ቀዳምነት ሰሪዕና ክንሓስብ ኢዩ ዝግበኣና። ተዘይኮነ ግን፡ ምስ ዝተጋገዩ ኣይንጋገ፡ ስጋ ሓሰማ ክበልዑ ስለዝረኣና ንቤተክርስትያን ከምዝተጋገየት ገይርና ብምሕሳብ ኣይንዳፈራ።
√ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ናይ እግዚኣብሔር መሕደሪ ንክኸውን ደኣ ይጽዓር'ምበር፡ ፍቓድ ቤተክርስትያን ንምቅላል መሕደር ኣጋንንቲ ኣይኹን።
√ እዚ ድማ ክርስቶስ ዘይሓደራ ሰብነት፡ ሰይጣን ክካረያ ግድነት ስለዝኾነ'ዩ።
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር!

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...