tirsdag 28. februar 2017

ሕጽር ዝበለ መንፈሳዊ መልሲ ንሕቶኹም፡


1) ብዜይካይ ካልእ ኣምላኽ ኣይተምልኹ እንዳበለስ፡ንምንታይ ንማርያም፡ንመልኣኽቲ፡ንቅዱሳን ንሰግድ፧(ዘጽ20፥3)

መልሲ¶¶¶ 
ኣምላኽ እንታይ ማለት ኢዩ?ምምላኽ ማለትከ፧
ኣምላኽ ማለት ካብ መለከ፡ገዝአ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝወጸ ኮይኑ፡መላኺ፡ገዛኢ ማለት ኢዪ።ዘጽ20፣3 ተጻሒፉ ዘሎ፡ብዜይካይ ካልእ ኣምላኽ ኣይተምልኽ ኢሉ።ኣስተውዕል፡"ብዜይካይ" ትብል ዘላ ቃል ነስተብህለላ።ኣብ ክንዳይ ተኪእካ፡እዚ ኣምላኽ ኢዩ፡"እዚ ኣምላኽነቱ፡ገዛእነቱ፡ሓያልነቱ ክንዲ እግዞኣብሄር ይኸውን ኢዩ፡! ኢልካ ንዓይ ንእግዚኣብሄር ንድሕሪት ገዲፍካ፡ኣብ ልዕለይ ካልእ መላኺ ኣይትግበር።ምኽንያቱ ብዘይካይ ካልእ ክመልከካ ዝኽእል ሓይሊ ዘለዎ የለን።" ኢዩ ዝብል ዘሎ።ልክዕ ኢዩ፡ኣብ ቤተ ክርስትያን ምስ እግዚኣብሄር ኣመዓራሪና እንርእዮ ፍጡር የለን፡ብሕጂውን ኣይክህሉን ኢዩ።
እዚ ዝበለ እግዚኣብሄር፡ወድሰብ ንፍጡር ከምልክ ስለዝጀመረ፡እስራኤላውያን፡ከይተረፈ እዚኩሉ ተኣምር እንዳገበረ ኣብ ዓዲ ስደት ክንድዚ ዝኣክል ክብሪ እንዳርኣዮም ከብቅዕ፡ከምቶም ግብጻውያን ኣብ ጣዖት መታን ከየምልኹ፡ነቶም ዘምልኹ ዝነበሩ ድማ፡ተኣልዮም ናብ እግዚኣብሄር መታን ክምለሱ ኢዩ ከምኡ ዝበለ።ጣዖት ንኸየምልኹ ዝተዋህበ ቃል ኢዩ።
ተመልከት፡-ሰብ ናብ ጣዖት ከምልኽ እንከሎ፡"እዚ ፈጣሪ ኢዩ፡ዕብየቱ፡ክብረቱ፡ሓያልነቱ፡መላኽነቱ ክንዲ እግዚኣብሄር ጥራይ ዘይኮነስ፡ንእግዚኣብሄር ይሓልፎ ኢዩ፡"እንዳበሉ ኢዮም ዘምልኹ ነይሮም።(ዘጽ7፣10-11 ሙሴ ንንጉስ ፎርዖን ህዝበይ ሃበኒ ንኣምላኹ ከምልኽ ሕደጎ ምስ በሎ፡ተኣምር ኣርእየኒ በለ፡ሙሴ ነታ በትሪ ናብ ተመን ምስ ቀየራ ድማ፡ነቶም ጠንቆልቲ ጸዊዑ፡ሃየ ነቲ ነምልኾ ኣምላኽና ለምንዎ፡ናይ ሙሴ ኣምላኽ ካብ ኣምላኽና ክሕይል የብሉን፡ከነሕፍሮ ኣሎና።ብጥንቁልናኹም ከምቲ ናይ ሙሴ ግበሩ" ኢሉ ኣዘዘ ይብለና።ኣብዚ ንርድኦ፡ንፈርዖን "እቲ ተምልኾ ጣዖትዶ ይዓቢ፡ዋላስ እግዚኣብሄር፡መኖም ይሕይል"ኢልና እንተሓቲትናዮ፡ብዘይውልውል፡ጣዖተይ ይሕይል ኢሉ ይምልሰልና።ነዚ ንኽቃወም ኢዩ እግዚኣብሄር ብዘይካይ ዝበለና።
ስለዚ እግዚኣብሄር ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ንዓይ ዝቕድም የለን፡ኣነ ዘይነበርክሉ ዘመን የለን።ፍጥረታት ግን ፈጣሪኦም ኣነ ስለዝኾንኩ ኩሎም ድሐረይ ኢዮም።ስለዚ ክትሰግዱለይ እንከለኹም፡ንኣብ፡ቀዳምነት፡ንወልድ መበል ካልኣይ፡ንመንፈስ ቅዱስ ድማ ሳልሳይ ኢልኩም ከይከፋፈልኩም፡ንሰለስተ ኣካላት ሓደ ስልጣን፡ሓንቲ መላኽነት፡ሓንቲ ፈራድነት ስለዘላትና፡ንስላሴ ሓደ ኣምልኾ ሃቡ፡ካልእ ኩሉ ድሕረይ ኢዩ።ኢሉ እዚ ጥቕሲ ይምህረና።
ሕቶ? ? ?
እሞ እዚ እንዳበለ ደኣ ንምንታይ ናብ ቅዱሳን ንሰግድ፧ ንምንታይ ነመስግኖም፧
ኣስተውዕል ወገነይ።እግዚኣብሄር ብዜይካይ ካልእ ኣምላኽ ኣይተምልኽ ኢዩ፡ዝበለ እምበር፡ንካልእ ኣነ ዘኽበርክዎም ኣይተኽብሮም፡ኣነ ዘመስገንክዎም ኣይተመስግኖም ኣይበለን።ነቶም ኣነ ዘኽበርክዎም ልዕለይ ኣይትገሮም ኢሉ ኢዩ፡ትሕተይ ሰሪዕካ ግን ማዕረቲ ኣነ ዝህቦም ክብሪ፡ክብሪ ሃቦም ግን ኢሉና ኢዪ።እዚ ቃሉ ኢዪ።
ንኣብነት፦ ሀ)ማቴ 5 ዘሎ ኣንቀጸ ብጿኣንሲ፡እቲ" ብጿኣን ብጿኣን! " እንዳበለ ዘመስግን ዝነበረ መን ኢዩ፧እግዚኣብሄር ኢዩ ብርግጽ።እቲ ከምኡ ኢሉ ዝሰብኽ ዝነበረ ክርስቶስ ኢዮሱስ ኢዩ።እዛ ብጿኣን እትብል ቃል ምስጋና ኢያምበር ምርጋም ኣይኮነትን።ስለዚ ስለጽድቂ ዝጸሙኡ፡ስለጽድቂ ዝስደዱ ብጿኣን ኢዮም ክብል ከሎ፡ስለቲ ዝገብርዎ ሰናይ ነገር የመስግንልም ድኣ ኣሎምበር ይረግሞም ኣይኮነን ዘሎ።ሕጂ ስለዘመስገኖም ኣምሊኽዎም ማለት ድዩ፧እሞ ንእግዚኣብሄር ተጋጊኻዶ ንበሎ፧ነቶም ነዚ ዝገበሩ ቅዱሳን ንሱ ብጿኣን ኢሉ ዘመስገኖም፡ንሕና ድማ ብጿኣን ኢልና እንተመስገንናዮም ኣምሊኽናዮም ማለት ድዩ፧እንተድኣ ከምኡ ምግባርና ኣምሊኻናዮም የብለና ኮይኑ፡ክርስቶስውን ተጋግዩ፡ኣምሊኵዎም ማለት ኢዩ፧ኣይፋሉን ደኣ።ንሱስ ኣኽቢርዎም እምበር።ንሕና ድማ ከም ቃሉ ነኽብሮም ኣሎና።
ኣብነት2)ኢዮሱስ ክርስቶስ ንሃዋርያቱ ትሕትና ንኽምህር ኢሉ፡ብዕለተ ሓሙስ ተደቢሩ የእጋሮም ሓጺብዎም ኢዩ።ኣብዚ ተምበርኪኹ ኢዩ ዝሃጺቦም።
(ዮው13፣5 ንመልከት)።እሞ ክርስቶስ ክሳብ ክንድዚ ስለዘኽበሮምሲ፡ኣምሊኽዎም ማለት ድዩ፧ ኣንታ "ብዘይካይ ካልእ ኣምላክ ኣይተምልኽ ኢሉ እንድዩ፧ ኢልካ እትከራኸር ዘለኻ ሕልና መልሰለይ፧ ክርስቶስ ነዚ ትእዛዝ እዚ ዝኣዘዘ ንሱ ኢዩ።እሞ ባዕሉ ኣዚዙ ባዕሉ ይስዕሮ ኢልካ ትሓስብዶ፧ እስከ ምስ ነብፍስኻ ተዛራረብ።
ብርግጽ እምበኣር፡ክርስቶስ ንሃዋርያት ልዕሊኡ ኣማልኽቲ ስለዝኾኑ፡ንሱ ድማ ትሕቲኦም ስለዝኾነ ኣይኮነን ተምበርኪኹ ሓጺብዎ።ኣነን ንስኻን ነቶም ንዑኡ ዘኽብሩ ከምዚ ገይርና መታን ከነኽብሮም ንኽምህረና ደኣምበር።ንሱ ክርስቶስ ልዕሊኡ መላኺ ከምዘየለ ይፈጥ ኢዩ፡ግን ብጸጋ ዘኽበሮም፡ካብ ክብሩ ክብሪ፡ካብ ምስጋንኡ ምስጋና፡ካብ ጸግኡ ጸጋ ዝመጠወሎም ብዙሓት ቅዱሳን ኣሎዉ።ንስኻውን ኣንታ ንናይ ቅዱሳን ክብሪ እትቃወም ዘለኻ፡ክርስቶስ መጽዩ እግርኻ ክሓጽበካ እንተዝብለካስ፡ኣነ ኣምላኽ ኣይኮንኩ፡ኣይትጋገ ንስኻ ኢካ ኣምላኽ ኢልካ ምመለስካሉ ማለት ሲዩ።ንሱ ጥራይ ኣምላኽ ናይ ባህርይ ኣምላኽ ምኻኑ ድኣ ንስኻ ዲኻ ትነግሮ።ጴጥሮስ ሃዋርያኮ፡ኣይትሓጽበንን፡ኢካ፡ንስኻ ኢኻ ኣምላኽ ዝዓይነቱ ተዛሪብዎ ኢዪ።ክርስቶስ ግን ኣረሞ።እግሪኻ ተምበርኪከ ተዘይሓጺበካ ምሳይ ግደ የብልካን በሎ።ንቅዱሳን ከምዚ ዘኽበርክኹዎም ተዘይ ኣኽቢርካ ምሳይ ተራ የብልካን በሎ።ንስኻ ውን ሓወይ ንቅዱሳን ትሕቲ እግዚኣብሄር ከከም ዝተዋህቦም ጸጋ፡ከክብሮም ተዘይኣኽቢርካዮም ካብ ክርስቶስ ክብሪ ኣይክትረክብን ኢኻ።
ኣብነት3) ማቴ25፣34-- ኣንቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻን፡-እዛ ጻዊዒትዚኣ ክርስቶስ ኢዩ ከምኡ ኢሉ ነቶም ከም፡ቃሉ ዝነበሩ ኣብ ዘመነ ፍርዲ ክጽውዖም።ሽዑኡ እቶም ሓጥኣን፡ኣንቱም ርጉማን ተባሂሎም ክዝለፉ ኢዮም እትኦም ቅዱሳን ግን ኣንቱም ብሩኻን ተባሂሎም ክምስገኑ ኢዮም።እቶም ዝዝልፎምን፡ዘመስግንክምን ድማ እቲ ፈራዲ ኣምላከ ኣማልክት ክርስቶስ ኢዪ።እሞ ርጉማን ኢሉ ክዝልፍሲ ኣምላኻዊ ዓቕሚ ስለዘለዎ ኢዩ ንበል፡ብሩካን፡ ክብል ከሎ ግን ንምንታይ የመስግኖም፧ ፈጣሪዶ ንፍጡር የመስግን ኢዩ።ፍጡር ድዩ ንፈጣሪ ዘመስግኖ ወይሲ ፈጣሪ፧ከምቲ ንስኻ"ብዘይካይ ካልእ ኣምላኽ ኣይተምልኽ ኢሉ እንድዩ" ኢልካ እትትርግሞ ዘለኻ ኣተራጉማ፡እሞ ክርስቶስውን ነቶም ቅዱሳን ብሩኻን ኢሉ ስለዘመስገኖም፡ኣምሊኽዎም ማለት ኢዩ፧ ንሓደ ነገር እንተኣመስጊንካዮ፡እንተወዲስካዮ ብቐጥታ ኣምላኻዊ ስልጣን ሂብካዮ ማለት ድዩ።ኣይኮነን።ብፍጹም ኣይኮነን።
ክርስቶስ ዘመስግኖም ዘሎ ስለዝተጋገየ ዘይኮነስ፡ከምዘኽበሮም ንኽገልጸሎም ኢዩ።ንሱ ክሳብ ክንድዚ እንዳወደሰ ባሪክዎም፡ንሕና ድማ ንሱ ዘመስገኖም ማዕረቲ ዝሃቦም ክብሪ፡ክብሪ ክንህቦም ግቡእና ኢዪ።
ስለዚ ብዙሕ ክበሃል ይከኣል ኢዩ፡ነገር ግን ንጠቢብ ሓንቲ ቃል ትኣኽሎ።ቤተ ክርስትያን ግን ልዕሊ እግዚኣብሄር ኣሎ ኢላ እተምልኾ ፍጢር የለን፡ኣይክህሉንውን ኢዩ ከኣ።ንቅድስት ድንግል ማርያም፡ንቅዱሳን እትህቦም ክብሪ ትሕቲ እግዚኣብሄር ከምቲ ንሱ ዘኽበሮም ደኣምበር፡ልዕሊኡ ፡ንፍጡር ልዕሊ ኣምላኽ ኣይትሰርዖምን ኢያ።
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመንስቀሉ ክቡር ኣሜን።

ክውለድ እንከሎ፡እተን መሕረስቲ ኩለን ዓለላ፡ክቕበር እንከሎ ግን እቶም ቀባሮ ኩሎም ወጨጩ።

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
ሓደ ግዜ ካብ ማህጸን ኣዲኡ ክወጽእ እንከሎ ዝውጭጭ ህጻን ሰማዕኩ።እዚ ህጻን ምውጫጩ ንዓይ ገረመኒሞ፡ንሱ ክምልሰለይ ስለዘይክእል ንሕልናይ ሓተትክዎ፥"እንታይ ኮይኑ ኢዩ እዚ ህጻን ዝወጨጨ፧" ዝምልሰለይ ሰብ ኣይነበረን።ንነዊሕ እዋን ዓቒረዮ ስለዝጸናሕኩ ግን ነቲ ናይ ትማሊ ህጻን ናይ ሎሚ ግን መንእሰይ ዝኾነ ሰብ፡'ብህጻንነትካ እንከለኻስ፡ካብ ማህጸን ኣዲኻ ውጽእ እንክትብል " እንኛርርርርር!" ኢልካ በኺኻ ኢኻሞ ስለምንታይ ይመስለካ ኢለ ሓተትክዎ።
እዚ መንእሰይ ነዊሕ እዋን ኣብዛ ምድሪ ተጋዒዙ፡ምስ ብዙሓት ተላሊዩ፡ምስ ብዙሓት ተራሳሲዑ፡ንብዙሓት ኣሕጊሱ፡ንቡዙሓት ኣግህዩ፡ብዙሕ ግዜ ጽድቂ ገይሩ፡ብዙሕ ግዜ ድማ ሓጥያት ፈጺሙ።ብዙሕ ተማሂሩ፡ንቡዙሓት ሚሂሩ፡ብዙሕ ደኺሙ፡ብዙሕውን ጠንኪሩ፡ኮታ ዉረድ ደይብ ናይዛ ዓለም ዝተረደአ ሰብ ኮይኑ ኢዩ ጸኒሑ።ንኹለን ትጥቕልለን ርግጸኛ ኮይኑ ዝፈለጣ እንተላ ድማ ሓንቲ ነገር ኢያ፡ከምታ ካብ ማህጸን ኣዲኡ ተፈልዩ፡ንሕምብርቱ እተላግብ መለጋግቦ ገመድ መስል፡ብላማ ቀንጢበን እተን መሕረስቲ ካብታ ኣዝዩ ዘፍቅራ ማህጸን ኣዴኡ ዝፈለይኦ፡ከምኡ ድማ ካብዛ ዓለም ካብቲ ኩሉ ዘፍቅሮ ሃብቱን ንብረቱን፡ጉልበቱን ትምህርቱ፡ከይፈተወ እቶም ናብ ዳግማዊት ማህጸን እትመስል መቓብር ዝቐብሩ ቀባሮ ክደፍንዎ ምኻኖም ፈለጠ።ክውለድ እንከሎ፡እተን መሕረስቲ ኩለን ዓለላ፡ክቕበር እንከሎ ግን እቶም ቀባሮ ኩሎም ወጨጩ።
ስለዚ ሓተትክዎ! ብህጻንነትካስ ስለምንታይ በኸኻ፧ንሱ መለሰለይ።
1)ህጻን "ኣብዛ ዓለም ንዝርከብ ውረድ ደይብን፡ኣቐዲሙ ግዲ ተረዲኡኒ ነይሩስ፡ነቲ ጥዑም ብልዖት፡ከይሰራሕካን ከይረሃጽካን ዝንበሮ ናብራ ማህጸን ክፍለዮ እንከለኹ ተደፋነቕኩሞ፡ካብዛ ንእሽቶይ ገነት ተፈልየስ እንታይ ጡዑም ክረክብ ኢየ'ብምባል በኸኹ።
2)ኣብ ማህጸን እንከለኹ ሓጥያት ኣይርኢ፡ጽድቂ ኣይሰምዕ፡ማህጸን ንዓይ ኩሉ ግዜ ትሰትረኒ ነይራ፡ካብኣ ክፍለ እንከለኹ ግን እዚ ኩሊ ዝገበርክዎን ዝገብሮ ዘለኩን ብሕጂ ዝገብሮን ካብ ማህጸን ምፍላይ ዘምጽኦ ጣጣ ኢዩ።
3)ብዙሕ ሃብትን ፍልጠትን ክድልብ ምኻነይ እካ እተን መሕረስቲ ተረዲእወን ነይሩ እንተዓለላ፡ኣነ ግን ድሮ ገዲፈዮ ክኸይድ ምኻነይ ተረዳኣኒሞ ንዕዑ በኸኽሉ!
ስለዚ ካብዛ ዓለም ክፍለ እንከለኹ ዳግማይ ምውጫጭ ኣየድልየንን ኢዩ።ኩሉ ሙሉ ንብኽያት ዘድሊ ዘበለ ወዲኤ መልቀሰይ ኣጻፊፈ ኢየ።ሽዑኡ ንስኻትኩም ኢኹም ከተልቅሱለይ።ኣነ ግን ንብዓተይ ብዓንተውኡ ስለዝጨረስኩ ስቕ ኢየ ክብል" ኢሉ መለሰለይ።
ወይ ጉድ!!!!
ናይዚ ህጻን ካብ ማህጸን ወጺኻ ውጨጫ፡ምስ ናይዚ ሎሚ ካብ ቤተ ክርስትያን ዝወጽእ ዘሎ መንእሰይ ይመሳሰል።እቲ ህጻን ካብታ ማህጸን ውጽእ እንክብል ኣውያት ጀመረ፡እዚ ናይ ሎሚ መንእሰይ ድማ ካብ ቤት ኣምላኽ ውጽእ እንክብል ናይ ጽባሕ ውድቀቱ ግዲ ተረድእዎ ይሁዳዊ ንብዓት ክነብዕ ጀመረ።ይሁዳዊ ንብዓት ግን ገመድ እምበር፡ስርየት ኣየውህብን።

ኣንታ ካብ ቤተ ክርስትያን ንኽትፍለ ህርድግ ትብል ዘለኻ መንእሰይ፡ኣዴኻ ቤተ ክርስትያን ክትወጽእ ኣይደለየትካን ኢያ።ንስኻ ትወጻሉ ሰዓት ኣሎ፡ ሕጂ ኣይኮነን፡ሽዑኡ መርዓዊ መጺኡ ኢዩ ክጸባጸባ፡ንሳ ንዓኻ ብሓደራ ካብ ማይ ዮርዳኖስ ብዝተረኽበ ጥምቀት ተረኪባትካ ኢያ፡ብሓደራ ድማ ናብ ዋናእ ኣብ ምጽኣት ከተረክበካ ትደሊ ኣላ።ሕጂ ግን ኣጋንንቲ ካብታ ምስ ኣዴኻ ቤተ ክርስትያን ዘሎ ናይ ሕምብርትኻ መለጋግቦ ክበትኩ ወትሩ ይጽዕሩ ኣሎዉ።ንስኻስ ተኸኣልካ ስቕ ኢልካ ንበር ኣመስገን፡ስግኡን ደሙን ብንስሓ እንዳተቐበልካ ንበር እምበር፡ነቲ ክፉእ ሰይጣን ንኽቕንጥባ "ኣብዚ ህረመኒ፡ኣብዚኣ ጨንድሓያ" እንዳበልካ ቁስልኻ ኣይተርእዮ።
ኣንታ ኣብዘይ መዓልትኻ ካብ ቤተ ክርስትያን ተፈሊኻ ሉጋም ከምዘይብላ ፈረስ ትነብር ዘለኻ ወገነይ፡መዓልቲ መርዓዊ ከይኣኸለ ስለዝወጻኻ ተመለስ፡ዳግማይ ናብ ናይ ህጻን ሳጹን እቶ፡መዓልትኻ ክሳብ ዝኣክል፡እቶም ካብ ክርስቶስ ምሉእ ናይ ሓኪምነትን፡ዶክተርነት ስልጣን፡ዝተዋህቡ ቅዱሳን ካህናተ እግዚኣብሄር ምክትታል ጥዕናኻ ልገብሩ ኢዮም።
ኣንቲ ኦሮማይ ኦሮማይ እንዳበልኪ፡ተልቅሲ ዘለኺ ወይዘሪት፡ቅዱሳን መላእኽቲ ግን ትንሳኤኺ ንኽርእዩ ወትሩ ነቒሖም፡ይጽበዩኪ ኣሎዉ።ካብ ማህጸን ምውጻእ ከቢድ እካ እንተኾነ፡ኣብዘይ መዓልትኻ ምውጻእ ግን ቁላዕ ኮይንካ ኢካ ትተርፍ።ስለዚ እግዚኣብሄር ዘፍቅረኪ ሓፍተይ፡እግዚኣብሄር ቁላዕ ኮይንኪ ካብ ቤቱ ዝወጻኽዮ ኣጉሂዎ ኢዩሞ፡ተመለሲ ምሉእ ፈውሲ ክህበኪ ኢዩ።እግዝኣብሄር ንዝጠፍአት ነፍሲ ክረክብ፡ንዝተዘርፈት ክመልስ፡ንዝሞተተት ከይተረፈ ከሕዊ ዝኽእል ኤልሻዳ ኣምላኽ ኢዩ።
እዚ ህጻን ሓንቲ ነገር ይኽእል፡ምስ ኣምላኽ ምምባር።ነተን መሕረስቲ ግን ዳግማይ ናብ ማህጸን ኣደይ ምለሳኒ ተዝብለን እካ ኣይከኣልን ኢዩ።ሰብ ካብ ማህጸን ምስ ወጸ ብሰንኪ ጽልኣት ዓለም ዳግማይ ናብ ማህጸን ክምለስ ኣይከኣልን፡ እግዚኣብሄር ግን ካልእ ውቅብቲ ማህጸን ኣዳልዩልና ጸነሐ።
እዛ ማህጸን እዚኣ፡ከም መንግስተ ሰማያት እንክትመስል ፈተነካ ተለዋ ብሓለዋ ግን ዝተኸበት፡እታ ኣደ ናይቲ ህጻን እካ ትሃልኽ ተኾነት፡ዘይሸመትካዮ፡ዘይከፈልካሉ ስጉኡን ደሙን ግን ትምጥወካ፡ከም ያዕቆብ ንኤሳው ኣብ ማህጸን ኮይንካ እካ እንተባሕጨርካያን፡ንሓውኻ ከም ኤሳውን ያዕቆብን ንሓድሕድካ እንተተጋነጽካን፡ንሳ ግን ንኽትናሳሕ ጣዕሳኻ ወትሩ ትጽበ ቤት ኢያ።እሞ ካብዛ ቤት እዚኣስ ካብ ምውጻእ ኣብኣ ምምባር እቲ እንኮ ኣማራጺ ኢዩ።
እግዚኣብሄር ኣብ ቤቱ የምብረና፡ወስብሀት ለእግዚኣብሄር ኣሜን።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...