1) ብዜይካይ ካልእ ኣምላኽ ኣይተምልኹ እንዳበለስ፡ንምንታይ ንማርያም፡ንመልኣኽቲ፡ንቅዱሳን ንሰግድ፧(ዘጽ20፥3)
መልሲ¶¶¶
ኣምላኽ እንታይ ማለት ኢዩ?ምምላኽ ማለትከ፧
ኣምላኽ ማለት ካብ መለከ፡ገዝአ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝወጸ ኮይኑ፡መላኺ፡ገዛኢ ማለት ኢዪ።ዘጽ20፣3 ተጻሒፉ ዘሎ፡ብዜይካይ ካልእ ኣምላኽ ኣይተምልኽ ኢሉ።ኣስተውዕል፡"ብዜይካይ" ትብል ዘላ ቃል ነስተብህለላ።ኣብ ክንዳይ ተኪእካ፡እዚ ኣምላኽ ኢዩ፡"እዚ ኣምላኽነቱ፡ገዛእነቱ፡ሓያልነቱ ክንዲ እግዞኣብሄር ይኸውን ኢዩ፡! ኢልካ ንዓይ ንእግዚኣብሄር ንድሕሪት ገዲፍካ፡ኣብ ልዕለይ ካልእ መላኺ ኣይትግበር።ምኽንያቱ ብዘይካይ ካልእ ክመልከካ ዝኽእል ሓይሊ ዘለዎ የለን።" ኢዩ ዝብል ዘሎ።ልክዕ ኢዩ፡ኣብ ቤተ ክርስትያን ምስ እግዚኣብሄር ኣመዓራሪና እንርእዮ ፍጡር የለን፡ብሕጂውን ኣይክህሉን ኢዩ።

እዚ ዝበለ እግዚኣብሄር፡ወድሰብ ንፍጡር ከምልክ ስለዝጀመረ፡እስራኤላውያን፡ከይተረፈ እዚኩሉ ተኣምር እንዳገበረ ኣብ ዓዲ ስደት ክንድዚ ዝኣክል ክብሪ እንዳርኣዮም ከብቅዕ፡ከምቶም ግብጻውያን ኣብ ጣዖት መታን ከየምልኹ፡ነቶም ዘምልኹ ዝነበሩ ድማ፡ተኣልዮም ናብ እግዚኣብሄር መታን ክምለሱ ኢዩ ከምኡ ዝበለ።ጣዖት ንኸየምልኹ ዝተዋህበ ቃል ኢዩ።ተመልከት፡-ሰብ ናብ ጣዖት ከምልኽ እንከሎ፡"እዚ ፈጣሪ ኢዩ፡ዕብየቱ፡ክብረቱ፡ሓያልነቱ፡መላኽነቱ ክንዲ እግዚኣብሄር ጥራይ ዘይኮነስ፡ንእግዚኣብሄር ይሓልፎ ኢዩ፡"እንዳበሉ ኢዮም ዘምልኹ ነይሮም።(ዘጽ7፣10-11 ሙሴ ንንጉስ ፎርዖን ህዝበይ ሃበኒ ንኣምላኹ ከምልኽ ሕደጎ ምስ በሎ፡ተኣምር ኣርእየኒ በለ፡ሙሴ ነታ በትሪ ናብ ተመን ምስ ቀየራ ድማ፡ነቶም ጠንቆልቲ ጸዊዑ፡ሃየ ነቲ ነምልኾ ኣምላኽና ለምንዎ፡ናይ ሙሴ ኣምላኽ ካብ ኣምላኽና ክሕይል የብሉን፡ከነሕፍሮ ኣሎና።ብጥንቁልናኹም ከምቲ ናይ ሙሴ ግበሩ" ኢሉ ኣዘዘ ይብለና።ኣብዚ ንርድኦ፡ንፈርዖን "እቲ ተምልኾ ጣዖትዶ ይዓቢ፡ዋላስ እግዚኣብሄር፡መኖም ይሕይል"ኢልና እንተሓቲትናዮ፡ብዘይውልውል፡ጣዖተይ ይሕይል ኢሉ ይምልሰልና።ነዚ ንኽቃወም ኢዩ እግዚኣብሄር ብዘይካይ ዝበለና።
ስለዚ እግዚኣብሄር ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ንዓይ ዝቕድም የለን፡ኣነ ዘይነበርክሉ ዘመን የለን።ፍጥረታት ግን ፈጣሪኦም ኣነ ስለዝኾንኩ ኩሎም ድሐረይ ኢዮም።ስለዚ ክትሰግዱለይ እንከለኹም፡ንኣብ፡ቀዳምነት፡ንወልድ መበል ካልኣይ፡ንመንፈስ ቅዱስ ድማ ሳልሳይ ኢልኩም ከይከፋፈልኩም፡ንሰለስተ ኣካላት ሓደ ስልጣን፡ሓንቲ መላኽነት፡ሓንቲ ፈራድነት ስለዘላትና፡ንስላሴ ሓደ ኣምልኾ ሃቡ፡ካልእ ኩሉ ድሕረይ ኢዩ።ኢሉ እዚ ጥቕሲ ይምህረና።
ሕቶ? ? ?
እሞ እዚ እንዳበለ ደኣ ንምንታይ ናብ ቅዱሳን ንሰግድ፧ ንምንታይ ነመስግኖም፧
እሞ እዚ እንዳበለ ደኣ ንምንታይ ናብ ቅዱሳን ንሰግድ፧ ንምንታይ ነመስግኖም፧
ኣስተውዕል ወገነይ።እግዚኣብሄር ብዜይካይ ካልእ ኣምላኽ ኣይተምልኽ ኢዩ፡ዝበለ እምበር፡ንካልእ ኣነ ዘኽበርክዎም ኣይተኽብሮም፡ኣነ ዘመስገንክዎም ኣይተመስግኖም ኣይበለን።ነቶም ኣነ ዘኽበርክዎም ልዕለይ ኣይትገሮም ኢሉ ኢዩ፡ትሕተይ ሰሪዕካ ግን ማዕረቲ ኣነ ዝህቦም ክብሪ፡ክብሪ ሃቦም ግን ኢሉና ኢዪ።እዚ ቃሉ ኢዪ።
ንኣብነት፦ ሀ)ማቴ 5 ዘሎ ኣንቀጸ ብጿኣንሲ፡እቲ" ብጿኣን ብጿኣን! " እንዳበለ ዘመስግን ዝነበረ መን ኢዩ፧እግዚኣብሄር ኢዩ ብርግጽ።እቲ ከምኡ ኢሉ ዝሰብኽ ዝነበረ ክርስቶስ ኢዮሱስ ኢዩ።እዛ ብጿኣን እትብል ቃል ምስጋና ኢያምበር ምርጋም ኣይኮነትን።ስለዚ ስለጽድቂ ዝጸሙኡ፡ስለጽድቂ ዝስደዱ ብጿኣን ኢዮም ክብል ከሎ፡ስለቲ ዝገብርዎ ሰናይ ነገር የመስግንልም ድኣ ኣሎምበር ይረግሞም ኣይኮነን ዘሎ።ሕጂ ስለዘመስገኖም ኣምሊኽዎም ማለት ድዩ፧እሞ ንእግዚኣብሄር ተጋጊኻዶ ንበሎ፧ነቶም ነዚ ዝገበሩ ቅዱሳን ንሱ ብጿኣን ኢሉ ዘመስገኖም፡ንሕና ድማ ብጿኣን ኢልና እንተመስገንናዮም ኣምሊኽናዮም ማለት ድዩ፧እንተድኣ ከምኡ ምግባርና ኣምሊኻናዮም የብለና ኮይኑ፡ክርስቶስውን ተጋግዩ፡ኣምሊኵዎም ማለት ኢዩ፧ኣይፋሉን ደኣ።ንሱስ ኣኽቢርዎም እምበር።ንሕና ድማ ከም ቃሉ ነኽብሮም ኣሎና።
ኣብነት2)ኢዮሱስ ክርስቶስ ንሃዋርያቱ ትሕትና ንኽምህር ኢሉ፡ብዕለተ ሓሙስ ተደቢሩ የእጋሮም ሓጺብዎም ኢዩ።ኣብዚ ተምበርኪኹ ኢዩ ዝሃጺቦም።
(ዮው13፣5 ንመልከት)።እሞ ክርስቶስ ክሳብ ክንድዚ ስለዘኽበሮምሲ፡ኣምሊኽዎም ማለት ድዩ፧ ኣንታ "ብዘይካይ ካልእ ኣምላክ ኣይተምልኽ ኢሉ እንድዩ፧ ኢልካ እትከራኸር ዘለኻ ሕልና መልሰለይ፧ ክርስቶስ ነዚ ትእዛዝ እዚ ዝኣዘዘ ንሱ ኢዩ።እሞ ባዕሉ ኣዚዙ ባዕሉ ይስዕሮ ኢልካ ትሓስብዶ፧ እስከ ምስ ነብፍስኻ ተዛራረብ።
ብርግጽ እምበኣር፡ክርስቶስ ንሃዋርያት ልዕሊኡ ኣማልኽቲ ስለዝኾኑ፡ንሱ ድማ ትሕቲኦም ስለዝኾነ ኣይኮነን ተምበርኪኹ ሓጺብዎ።ኣነን ንስኻን ነቶም ንዑኡ ዘኽብሩ ከምዚ ገይርና መታን ከነኽብሮም ንኽምህረና ደኣምበር።ንሱ ክርስቶስ ልዕሊኡ መላኺ ከምዘየለ ይፈጥ ኢዩ፡ግን ብጸጋ ዘኽበሮም፡ካብ ክብሩ ክብሪ፡ካብ ምስጋንኡ ምስጋና፡ካብ ጸግኡ ጸጋ ዝመጠወሎም ብዙሓት ቅዱሳን ኣሎዉ።ንስኻውን ኣንታ ንናይ ቅዱሳን ክብሪ እትቃወም ዘለኻ፡ክርስቶስ መጽዩ እግርኻ ክሓጽበካ እንተዝብለካስ፡ኣነ ኣምላኽ ኣይኮንኩ፡ኣይትጋገ ንስኻ ኢካ ኣምላኽ ኢልካ ምመለስካሉ ማለት ሲዩ።ንሱ ጥራይ ኣምላኽ ናይ ባህርይ ኣምላኽ ምኻኑ ድኣ ንስኻ ዲኻ ትነግሮ።ጴጥሮስ ሃዋርያኮ፡ኣይትሓጽበንን፡ኢካ፡ንስኻ ኢኻ ኣምላኽ ዝዓይነቱ ተዛሪብዎ ኢዪ።ክርስቶስ ግን ኣረሞ።እግሪኻ ተምበርኪከ ተዘይሓጺበካ ምሳይ ግደ የብልካን በሎ።ንቅዱሳን ከምዚ ዘኽበርክኹዎም ተዘይ ኣኽቢርካ ምሳይ ተራ የብልካን በሎ።ንስኻ ውን ሓወይ ንቅዱሳን ትሕቲ እግዚኣብሄር ከከም ዝተዋህቦም ጸጋ፡ከክብሮም ተዘይኣኽቢርካዮም ካብ ክርስቶስ ክብሪ ኣይክትረክብን ኢኻ።

ኣብነት3) ማቴ25፣34-- ኣንቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻን፡-እዛ ጻዊዒትዚኣ ክርስቶስ ኢዩ ከምኡ ኢሉ ነቶም ከም፡ቃሉ ዝነበሩ ኣብ ዘመነ ፍርዲ ክጽውዖም።ሽዑኡ እቶም ሓጥኣን፡ኣንቱም ርጉማን ተባሂሎም ክዝለፉ ኢዮም እትኦም ቅዱሳን ግን ኣንቱም ብሩኻን ተባሂሎም ክምስገኑ ኢዮም።እቶም ዝዝልፎምን፡ዘመስግንክምን ድማ እቲ ፈራዲ ኣምላከ ኣማልክት ክርስቶስ ኢዪ።እሞ ርጉማን ኢሉ ክዝልፍሲ ኣምላኻዊ ዓቕሚ ስለዘለዎ ኢዩ ንበል፡ብሩካን፡ ክብል ከሎ ግን ንምንታይ የመስግኖም፧ ፈጣሪዶ ንፍጡር የመስግን ኢዩ።ፍጡር ድዩ ንፈጣሪ ዘመስግኖ ወይሲ ፈጣሪ፧ከምቲ ንስኻ"ብዘይካይ ካልእ ኣምላኽ ኣይተምልኽ ኢሉ እንድዩ" ኢልካ እትትርግሞ ዘለኻ ኣተራጉማ፡እሞ ክርስቶስውን ነቶም ቅዱሳን ብሩኻን ኢሉ ስለዘመስገኖም፡ኣምሊኽዎም ማለት ኢዩ፧ ንሓደ ነገር እንተኣመስጊንካዮ፡እንተወዲስካዮ ብቐጥታ ኣምላኻዊ ስልጣን ሂብካዮ ማለት ድዩ።ኣይኮነን።ብፍጹም ኣይኮነን።
ክርስቶስ ዘመስግኖም ዘሎ ስለዝተጋገየ ዘይኮነስ፡ከምዘኽበሮም ንኽገልጸሎም ኢዩ።ንሱ ክሳብ ክንድዚ እንዳወደሰ ባሪክዎም፡ንሕና ድማ ንሱ ዘመስገኖም ማዕረቲ ዝሃቦም ክብሪ፡ክብሪ ክንህቦም ግቡእና ኢዪ።
ስለዚ ብዙሕ ክበሃል ይከኣል ኢዩ፡ነገር ግን ንጠቢብ ሓንቲ ቃል ትኣኽሎ።ቤተ ክርስትያን ግን ልዕሊ እግዚኣብሄር ኣሎ ኢላ እተምልኾ ፍጢር የለን፡ኣይክህሉንውን ኢዩ ከኣ።ንቅድስት ድንግል ማርያም፡ንቅዱሳን እትህቦም ክብሪ ትሕቲ እግዚኣብሄር ከምቲ ንሱ ዘኽበሮም ደኣምበር፡ልዕሊኡ ፡ንፍጡር ልዕሊ ኣምላኽ ኣይትሰርዖምን ኢያ።
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመንስቀሉ ክቡር ኣሜን።